ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኤልሳእ ካብ መንፈስ ኤልሳእ “ዕጽፊ” ኽወሃቦ ዝሓተተ ስለምንታይ እዩ፧

ኤልያስ ኣብ እስራኤል ነብዪ ዀይኑ ዝዓዮ ዝነበረ ኣገልግሎት ቅድሚ ምፍጻሙ: እቲ ብዕድመ ኻብኡ ዝንእስ ነብዪ ኤልሳእ “በጃኻ: እቲ መንፈስካ ኣብ ልዕለይ ዕጽፊ ይኹን” ወይ ብመሰረት ትርጕም 1990 “ካብቲ መንፈስካ ዕጽፊ ብጽሒት ጌርካ ሃበኒ” ኢሉ ለመኖ። (2 ነገስት 2:9) ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ ኤልሳእ ከምቲ ንበዅሪ ዝወሃብ ዝነበረ ዕጽፊ ግደ ኽወሃቦ እዩ ዝሓትት ነይሩ ክኸውን ዘለዎ። (ዘዳግም 21:17) ነቲ ጸብጻብ ምስ እንምርምሮ እቲ ጕዳይ ክንጽረልና እዩ: ካብቲ ሽዑ ዘጋጠመ ድማ ትምህርቲ ኽንረክብ ኢና።

ነብዪ ኤልያስ ብመሰረት እቲ የሆዋ ዝሃቦ መምርሒ ንኤልሳእ ኣብ ክንድኡ ቐብኦ። (1 ነገስት 19:19-21) ኤልሳእ ከኣ እሙን ኣገልጋሊ ኤልያስ ብምዃን ንሽዱሽተ ዓመት ዝኸውን ኣገልገሎ: ክሳዕ መወዳእታ ንምግልጋሉ ድማ ቈሪጹ ነበረ። ኣብታ ኤልያስ ኣብ እስራኤል ነብዪ ዀይኑ ዘገልግለላ ናይ መወዳእታ መዓልቲ እኳ ኤልሳእ ካብቲ መምህሩን መኻሪኡን ኣይተፈልየን። ኤልያስ ንኤልሳእ ካብ ምስዓቡ ኸቋርጽ እኳ እንተ ሓተቶ: እቲ ብዕድመ ዝነኣሰ ዝነበረ ነብዪ ግን ሰለስተ ሳዕ “ከይሐድገካ እግዚኣብሄር ህያው እዩ” ኢሉ መለሰ። (2 ነገስት 2:2, 4, 6፣ 3:11) እወ: ኤልሳእ ነቲ ብዕድመ ዝዓብዮ ዝነበረ ነብዪ ከም መንፈሳዊ ኣቦኡ ገይሩ እዩ ዝርእዮ ነይሩ።—2 ነገስት 2:12

ይኹን እምበር: ኤልሳእ ጥራይ ኣይኰነን ንኤልያስ መንፈሳዊ ወዱ ዝነበረ። ክልቲኣቶም “ደቂ ነብያት” ምስ ዝበሃሉ ዝነበሩ ጕጅለ ሰብኡት ርክብ ነይርዎም እዩ። (2 ነገስት 2:3) ኣብ ካልኣይ ነገስት ዝርከብ ዛንታ ኸም ዝሕብሮ ኸኣ እዞም “ደቂ” እዚኣቶም ምስቲ መንፈሳዊ ኣቦኦም ዝነበረ ኤልያስ ጥብቂ ርክብ እዩ ነይርዎም። (2 ነገስት 2:3, 5, 7, 15-17) እንተዀነ ግን: ኤልሳእ ንኤልያስ ክትክኦ ስለ እተቐብአ እቲ ቐንዲ ወዱ እዩ ነይሩ: ወይ ከም በዅሪ እዩ ዝርአ ነይሩ። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል በዅሪ ወዲ ኻብ ውርሲ ኣቦኡ ዕጽፊ ግደ ኽወስድ ከሎ: ካልኦት ኣወዳት ግን ሓሓደ ግደ እዮም ዝወስዱ ነይሮም። ስለዚ ኸኣ እዩ ኤልሳእ ካብ መንፈሳዊ ውርሻ ኤልያስ ዕጽፊ ብጽሒት ዝሓተተ።

ኤልሳእ ኣብቲ እዋን እቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሕቶ ዝሓተተ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ ንኤልያስ ተኪኡ ኣብ እስራኤል ነብዪ ብምዃን ስለ ዘገልግል ከቢድ ዕዮ እዩ ኽስከም ተዳልዩ ነይሩ። ምስዚ ኸቢድ ዕዮ እዚ ዝተሓሓዝ ሓላፍነታት ንኽዋጽኣሉ: ካብ ክእለቱ ኣጸቢቑ ዝበልጽ መንፈሳዊ ሓይሊ ማለት የሆዋ ጥራይ ክህቦ ዝኽእል ሓይሊ ኸም ዘድልዮ ኣስተውዓለ። ከም ኤልያስ ድምብርጽ ዘይብሎ ክኸውን የድልዮ ነበረ። (2 ነገስት 1:3, 4, 15, 16) በዚ ምኽንያት እዚ ኻብቲ ናይ ትብዓትን ‘ቅንኣትን’ መንፈስ ኤልያስ ዕጽፊ ብጽሒት ክወሃቦ ሓተተ፣ እዚ ባህርያት እዚ ኸኣ መንፈስ ኣምላኽ ከፍርዮ ዝኽእል ዝበሃግ ባህርያት እዩ። (1 ነገስት 19:10, 14) ኤልያስ እንታይ ኢሉ መለሰሉ፧

ኤልያስ እቲ ኤልሳእ ዝሓተቶ ነገር ባዕሉ ኽህቦ ዝኽእል ነገር ዘይኰነስ ናይ ኣምላኽ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ። ስለዚ ድማ ብትሕትና “ዜሸግር ነገር ለመንካ። ካባኻ ኽውሰድ ከሎኹ እንተ ርኤኻኒ ግና: ከምኡ ኪዀነልካ እዩ” በሎ። (2 ነገስት 2:10) የሆዋ ኸኣ ኤልያስ ብህቦብላ ኽዓርግ ከሎ ኤልሳእ ንኽርእዮ ፈቐደሉ። (2 ነገስት 2:11, 12) ኤልሳእ እቲ ዝሓተቶ ነገር ተዋህቦ። የሆዋ ነቲ ሓድሽ ዕዮኡ ንኽፍጽምን ንዝመጾ ፈተናታት ንኽዋጽኣሉን ዘኽእሎ መንፈስ ሃቦ።

ኣብዚ ግዜና ቅቡኣት ክርስትያናትን (ሓድሓደ ግዜ ብኤልሳእ ዝምሰሉ) ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብሓፈሻን ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ዛንታታት ብዙሕ ምትብባዕ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ሓድሓደ ግዜ ሓድሽ ዕዮ ኽወሃበና ኸሎ ዘይንኽእሎ ወይ ዘይንበቕዖ ዀይኑ ይስምዓና ወይ ከኣ በብግዜኡ እናገደደ ዝኸይድ ዘይምግዳስ ወይ ምጽራር ኣብ ዞባና ኸጋጥመና ኸሎ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ንምቕጻል ትብዓት ይጐድለና ይኸውን። እንተዀነ ግን: የሆዋ ንኽድግፈና እንተደኣ ለሚንናዮ: ንዘጋጥመና ጸገማት ኰነ ናይ ኵነታት ለውጢ ንኽንዋጽኣሉ መንፈስ ቅዱስ ክህበና እዩ። (ሉቃስ 11:13፣ 2 ቈረንቶስ 4:7፣ ፊልጲ 4:13) እወ: ከምቲ የሆዋ ንኤልሳእ ከቢድ ሓላፍነት ንኽስከም ዘበርትዖ: ንዓናውን ንኣሽቱ ንኹን ዓበይቲ ኣገልግሎትና ንኽንፍጽም ክሕግዘና እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 4:5