ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንልቢ የሆዋ ዘሐጐሳ ኣንስቲ

ንልቢ የሆዋ ዘሐጐሳ ኣንስቲ

ንልቢ የሆዋ ዘሐጐሳ ኣንስቲ

“እግዚኣብሄር ከም ግብርኺ ይፍዴኺ: ዓስብኺ ኸኣ ካብ . . . እግዚኣብሄር . . . ምሉእ ይኹን።”—ሩት 2:12

1, 2. ብዛዕባ እተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሰን ዘለዋ ንልቢ የሆዋ ዘሐጐሳ ኣንስቲ ዝገደፋኦ ኣብነት ምስ እነስተንትን ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

 ክልተ ኣንስቲ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኸን ፈርኦን ንዝሃበን ትእዛዝ ምፍጻም ኣበያ። ሓንቲ ኣመንዝራ ብእምነት ተደሪኻ ንኽልተ እስራኤላውያን ሰለይቲ ንኸተድሕን ኢላ ህይወታ ኣብ ሓደጋ ኣእተወት። ሓንቲ ሰበይቲ ምስትውዓልን ትሕትናን ስለ ዝነበራ: ኣብ እዋን ቅልውላው ህይወት ብዙሓት ሰባት ከተድሕን ከኣለት: ንሓደ ቕቡእ የሆዋ ድማ ንጹህ ደም ንኸየፍስስ ከልከለቶ። ሓንቲ ውሉድ ዘለዋ መበለት እውን ኣብ የሆዋ ኣምላኽ እምነት ስለ ዝነበራን ተቐባሊት ጋሻ ብምንባራን ነታ ዘላታ መግቢ ንነብዪ ኣምላኽ ንኽትህቦ ተደረኸት። እዚኣተን ሒደት ካብተን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሰን እንረኽበን ንልቢ የሆዋ ዘሐጐሳ ሓያሎ ኣንስቲ እየን።

2 የሆዋ ንኸምዚኣተን ዝኣመሰላ ኣንስቲ ዘለዎ ኣረኣእያን እቲ ዘፍሰሰለን በረኸትን ጾታ ብዘየገድስ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዘሐጕሶ መንፈሳዊ ባህርያት ምዃኑ እዩ ዘርእየና። ኣብዛ ብስጋዊ ነገራት እተዋሕጠት ዓለምና: ንመንፈሳውነት ቀዳማይ ቦታ ምሃብ ኣጸጋሚ እዩ። እንተዀነ ግን: እተን ዓብዪ ኽፋል ህዝቢ የሆዋ ዝዀና ብሚልዮናት ዝቝጸራ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለወን ኣንስቲ ኸም ዘመስከራኦ: እዚ ጸገም እዚ ኽስገር ዝከኣል እዩ። ከምዚኣተን ዝኣመሰላ ክርስትያን ኣንስቲ ነቲ እተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሰን ዘለዋ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበረን ኣንስቲ ዘርኣያኦ እምነት: ምስትውዓል: ምቕባል ጋሻ: ከምኡውን ካልእ ጽቡቕ ባህርያት ይቐድሓኦ እየን። ልክዕ እዩ: ክርስትያን ሰብኡት እውን ነቲ ጥንቲ ዝነበራ ኣብነታውያን ኣንስቲ ዘርኣያኦ ባህርያት ክቐድሕዎ ኣለዎም። ነዚ ኸመይ ጌርና ብዝያዳ ኸም እንገብሮ ንምፍላጥ: ብዛዕባ እተን ኣብ መእተዊ እተጠቕሳ ኣንስቲ ዝገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ዝርዝር ነጥብታት እስከ ንርአ።—ሮሜ 15:4፣ ያእቆብ 4:8

ትእዛዝ ፈርኦን ምኽባር ዝኣበያ ኣንስቲ

3, 4. (ሀ) ሺፍራን ጱዓን ነቲ ፈርኦን ከሕርሳ ኸለዋ ተባዕታይ ዘበለ ክቐትላ ዝሃበን ትእዛዝ ምኽባር ዝኣበያ ስለምንታይ እየን፧ (ለ) የሆዋ ነተን ክልተ መሕረስቲ ትብዓትን ፍርሃት ኣምላኽን ስለ ዘርኣያ ብኸመይ ዓስበን ሃበን፧

3 ድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ኣብታ ኣብ ጀርመን እትርከብ ከተማ ኑረምበርግ ኣብ እተኻየደ መጋባእያ: ብዙሓት ብጃምላዊ ቕትለት እተኸሰሱ ሰባት ከም መከላኸሊ ገይሮም ዘቕረብዎ ምኽንያት ‘ትእዛዝ ከነኽብር ኢልና ኢና’ ዝብል እዩ ነይሩ። ነዚኣቶም ምስተን ሺፍራን ጱዓን ዝበሃላ መሕረስቲ እስራኤላውያን ዝፈጸማኦ እሞ ኣነጻጽሮ። እዘን ኣንስቲ እዚኣተን ሓደ ስሙ ዘይተፈልጠ ጨቋኒ ፈርኦን ኣብ ግብጺ ይገዝኣሉ ኣብ ዝነበረ እዋን እየን ዝነብራ ነይረን። እዚ ፈርኦን እዚ እብራውያን እናሰሰኑ ምኻዶም ስለ ዘፍርሆ: ነተን መሕረስቲ እብራዊ ወዲ እንተ ተወሊዱ ክቐትላኦ ኣዘዘን። እተን ኣንስቲ ነዚ ባርባራዊ ትእዛዝ ፈጺመንኦዶ፧ ኣይፋልን: “ነቶም እተወልዱ ብህይወት ሐደጋኦም እምበር: ከምቲ ንጉስ ግብጺ ዝበለን ኣይገበራን።” እዘን ኣንስቲ እዚኣተን ንሰብ ፈሪሀን ዘይተምበርከኻ ስለምንታይ እየን፧ ‘ንኣምላኽ ስለ ዝፈርሃ’ እየን።—ዘጸኣት 1:15, 17፣ ዘፍጥረት 9:6

4 እወ: እዘን መሕረስቲ እዚኣተን ኣብ የሆዋ እየን ተወኪለን: ንሱውን ካብ ቍጥዓ ፈርኦን ብምክልኻል “ዋልታ” ኰነን። (2 ሳሙኤል 22:31፣ ዘጸኣት 1:18-20) እንተዀነ ግን: የሆዋ በዚ መገዲ እዚ ጥራይ ኣይኰነን ባሪኽወን። ነፍሲ ወከፈን ስድራቤተን መስሪተን ከም ዝነብራ ብምግባር እውን ዓስበን ሂብወን እዩ። ብዘይካዚውን ኣስማተን ተግባራተንን መጻኢ ወለዶ ምእንቲ ኸንብቦ ኢሉ ኣብቲ ብመንፈሱ ገይሩ ዘጽሓፎ ቓሉ ኸም ዝምዝገብ ብምግባር ከኽብረን ከሎ: ስም እቲ ፈርኦን እቲ ግን ፈጺምካ ኣይዝከርን እዩ።—ዘጸኣት 1:21፣ 1 ሳሙኤል 2:30፣ ምሳሌ 10:7

5. ሎሚ ዘለዋ ብዙሓት ክርስትያን ኣንስቲ ኸም ሺፍራን ጱዓን ዝዀና ብኸመይ እየን: የሆዋኸ ብኸመይ እዩ ዓስበን ክህበን፧

5 ሎሚኸ ኸም ሺፍራን ጱዓን ዝኣመሰላ ኣንስቲ ኣለዋዶ፧ እወ: ብርግጽ ኣለዋ! ኣብ ዓዓመት በሽሓት ዝቝጸራ ኸምዚኣተን ዝኣመሰላ ኣንስቲ ኣብቲ “ኣዋጅ እቲ ንጉስ” ምስባኽ ዝኸልከለሉ ሃገራት ከይእሰራ ወይ ከይቅተላ ኸይፈርሃ ብትብዓት ይሰብካ ኣለዋ። (እብራውያን 11:23፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:28, 29) ከምዚኣተን ዝኣመሰላ ተባዓት ኣንስቲ በቲ ንኣምላኽን ንሰባትን ዘለወን ፍቕሪ ተደሪኸን ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ካብ ምንጋር ዋላ ሓደ ኽዓግተን ኣይፈቐዳን። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ሓያሎ ክርስትያን ኣንስቲ ንዘጋጥመን ምጽራርን መስጐጕትን ይቃለሳ ኣለዋ። (ማርቆስ 12:30, 31፣ 13:9-13) የሆዋ ድማ ከምቲ ንሺፍራን ንጱዓን ዘስተውዓለለን: እዘን ንፉዓትን ተባዓትን ኣንስቲ ዝገበርኦ ተግባራት ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ። ክሳዕ መወዳእታ ብተኣማንነት እንተ ተዓጊሰን ከኣ ስመን ኣብ “መጽሓፍ ህይወት” ብምጽሓፍ ንዓታተን ዘለዎ ፍቕሪ ኸርኢ እዩ።—ፊልጲ 4:3፣ ማቴዎስ 24:13

ሓንቲ ኣመንዝራ ዝነበረት ሰበይቲ ንልቢ የሆዋ ኣሐጐሰቶ

6, 7. (ሀ) ረሃብ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ ህዝቡን እንታይ እያ ትፈልጥ ነይራ: እዚ ፍልጠት እዚኸ እንታይ ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩላ፧ (ለ) ቃል ኣምላኽ ንረሃብ ክብሪ ዝሃባ ብኸመይ እዩ፧

6 ብ1473 ቅ.ኣ.ዘ. ረሃብ እትበሃል ኣመንዝራ ከነኣናውያን ኣብ ዝነበሩላ ከተማ ያሪኮ ትቕመጥ ነበረት። ረሃብ እኹል ፍልጠት ዝነበራ ኽትከውን ኣለዋ። ከመይሲ: ክልተ እስራኤላውያን ሰለይቲ ኣብ ቤታ ኽዕቈቡ ምስ ኣተዉ: እቲ እስራኤላውያን ብተኣምራት ካብ ግብጺ ዝወጹሉ እዋን 40 ዓመት ኣቐዲሙ እተፈጸመ እኳ እንተ ነበረ: ብዛዕባኡ ብዝርዝር ተዛረበት። ነቲ እስራኤላውያን ኣብቶም ሲሆንን ዖግን ዝበሃሉ ነገስታት ኣሞራውያን ዝረኸብዎ ነዊሕ ዘይገበረ ዓወት እውን ትፈልጦ ነበረት። እቲ ፍልጠት ብኸመይ ከም ዝጸለዋ እሞ ነስተብህለሉ። ነቶም ክልተ ሰለይቲ “እግዚኣብሄር እዛ ሃገር እዚኣ ኸም ዝሀበኩም: . . . ፈለጥኩ። . . . እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም: ንሱ ኣብ ሰማይ ኣብ ላዕሊ: ኣብ ምድሪ ኸኣ ኣብ ታሕቲ ኣምላኽ እዩ” በለቶም። (እያሱ 2:1, 9-11) እወ: እቲ ረሃብ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባቲ ንእስራኤላውያን ዝገበረሎም ነገራትን ዘጥረየቶ ፍልጠት ንልባ ተንከፎ: ኣብኡ ኸም እትኣምን ድማ ገበራ።—ሮሜ 10:10

7 እታ ረሃብ ዝነበረታ እምነት ስጕምቲ ንኽትወስድ ደረኸታ። ነቶም ሰለይቲ ‘ብሰላም ተቐበለቶም:’ እስራኤላውያን ንያሪኮ ኸጥቅዑ ኸለዉ ኸኣ ነቲ እቶም ሰለይቲ ዝሃብዋ ህይወት ዘድሕን መምርሒ ሰዓበት። (እብራውያን 11:31፣ እያሱ 2:18-21) እቲ ረሃብ ብእምነት ዝፈጸመቶ ግብርታት ንልቢ የሆዋ ኸም ዘሐጐሶ ኣየጠራጥርን እዩ። ከመይሲ: ንያእቆብ እቲ ክርስትያን ወደ መዝሙር ንረሃብ ምስቲ ዓርኪ ኣምላኽ ዝነበረ ኣብርሃም ብሓባር ብምጥቃስ ክርስትያናት ክመስልዋ ኸም ዘለዎም ንኽጽሕፍ የሆዋ ደሪኽዎ እዩ። ያእቆብ “ከምኡ ኸኣ ረሃብ: እታ ኣመንዝራ: ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶም: ብኻልእ መገዲውን ምስ ኣውጽኣቶም: ብግብሪዶ ኣይጸደቐትን፧” ኢሉ ጸሓፈ።—ያእቆብ 2:25

8. የሆዋ ንረሃብ ስለቲ እምነታን ተኣዛዝነታን ብኸመይ እዩ ባሪኽዋ፧

8 የሆዋ ንረሃብ ብእተፈላለየ መገድታት እዩ ዓስባ ሂብዋ። ፈለማ: ህይወታን ህይወት እቶም ኣብ ቤታ እተዓቝቡ ‘ቤት ኣቦኣን ኵሉ ዘለዋን’ ብተኣምራዊ መገዲ ደሓነ። ድሕሪኡ ነዚኣቶም ከም ደቂ ዓዲ ዀይኖም “ኣብ ማእከል እስራኤል” ክነብሩ ተፈቕደሎም። (እያሱ 2:13፣ 6:22-25፣ ዘሌዋውያን 19:33, 34) እንተዀነ ግን: እቲ ዝረኸበቶ በረኸት በዚ ኣየብቅዐን። የሆዋ ንረሃብ ኣብ ወለዶ የሱስ ክርስቶስ ከም እትኣቱ ብምግባር እውን ዓብዪ ኽብሪ ሂብዋ እዩ። እዝስ ኣምላኽ ነታ ሓደ እዋን ጣኦት እተምልኽ ዝነበረት ከነኣናዊት ሰበይቲ ዘርኣያ ኸመይ ዝበለ ዘደንቕ መግለጺ ሳህሉ ዀን እዩ! aመዝሙር 130:3, 4

9. የሆዋ ብዛዕባ ረሃብን ብዛዕባ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበራ ገለ ኣንስትን ዝነበሮ ኣረኣእያ ንገለ ኻብዘን ሎሚ ዘለዋ ኣንስቲ ዘተባብዐን ብኸመይ እዩ፧

9 ገሊኣተን ክርስትያናት ኣንስቲ ኻብ ቀዳማይ ዘመን ኣትሒዘን ክሳዕ እዚ ግዜና ልክዕ ከም ረሃብ ንኣምላኽ ምእንቲ ኸሐጕሳ ዘይስነ-ምግባራዊ ኣነባብራ ሓዲገን እየን። (1 ቈረንቶስ 6:9-11) ገሊኣተን ምስ ናይ ጥንታዎት ከነኣናውያን ኣብ ዝመሳሰል ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባራት ዘስፋሕፍሓሉን ከም ንቡር ዝረኣየሉን ከባቢ ኸም ዝዓበያ ኣየጠራጥርን እዩ። ኰይኑ ግን: ኣብ ርጡብ ፍልጠት ቅዱሳት ጽሑፋት ብእተመርኰሰት እምነት ተደሪኸን መገደን ቀየራ። (ሮሜ 10:17) ስለዚ: ብዛዕባ እዘን ኣንስቲ እዚኣተን: የሆዋ ‘ኣምላኸን ክበሃል ብኣታተን ኣይሓፍርን እዩ’ ክበሃል ይከኣል እዩ። (እብራውያን 11:16) እዝስ ከመይ ዝበለ ኽብሪ ዀን እዩ!

ብምስትውዓላ ተባረኸት

10, 11. ኣብ መንጎ ናባልን ዳዊትን እተፈጥረ እንታይ ኵነታት እዩ ንኣቢጋይል ስጕምቲ ኽትወስድ ዝደረኻ፧

10 ብዙሓት ጥንቲ ዝነበራ እሙናት ኣንስቲ ብዘደንቕ መገዲ ምስትውዓል ብምንጽብራቐን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ የሆዋ ኣኽቢርካ እየን ዝረኣያ። ሓንቲ ኻብዚኣተን ኣቢጋይል እትበሃል ሰበይቲ ሓደ ናባል ዝበሃል ሃብታም ብዓል መሬት እያ። ኣቢጋይል በቲ ዘርኣየቶ ምስትውዓል ህይወት ብዙሓት ሰባት ኣብ ምድሓንን ነቲ ቐጺሉ ንጉስ ክኸውን እተቐብአ ዳዊት ከኣ ንጹህ ደም ንኸየፍስስ ኣብ ምኽልካልን ኣበርክቶ ገይራ እያ። ብዛዕባ ኣቢጋይል ኣብ 1 ሳሙኤል ምዕራፍ 25 ከነንብብ ንኽእል ኢና።

11 እቲ ታሪኽ ዳዊትን ሰዓብቱን ኣብ ጥቓ መጓሰ ናባል ሰፊሮም ከም ዝነበሩ ብምግላጽ እዩ ዝጅምር። ኣብቲ ግዜ እቲ እዞም ሰባት እዚኣቶም ነቲ እስራኤላዊ ሓዎም ዝዀነ ናባል ካብ ዘለዎም ሕያውነት ለይትን መዓልትን ብዘይ ክፍሊት መጓሰኡ ይሕልዉሉ ነበሩ። ዳዊት ሒዝዎ ዝነበረ መግቢ እናጐደለ ምስ ከደ: ንናባል ከይዶም መግቢ ኽህቦም ንኽሓትዎ ዓሰርተ ኣጕባዝ ለኣኸ። ኣብቲ ግዜ እቲ ናባል ንዳዊት ዘለዎ ሞሳን ከም ቅቡእ የሆዋ መጠን ዘለዎ ኣኽብሮትን ዘርእየሉ ኣጋጣሚ ተኸፍተሉ። ናባል ግን ኣንጻር ናይዚ ገበረ። ብቝጥዓ ንዳዊት ኣዋረዶ: ነቶም ኣጕባዝ ድማ ጥራሕ ኢዶም መለሶም። ዳዊት ብዛዕባዚ ምስ ሰምዐ: ኣርባዕተ ሚእቲ እተዓጥቁ ሰቡ ሒዙ ሕነ ኽፈዲ ተበገሰ። ኣቢጋይል ብዛዕባቲ ሰብኣያ ብጭካነ ዝመለሶ መልሲ ምስ ፈለጠት: ብልግሲ መግቢ ብምስዳድ ብቕልጡፍን ብምስትውዓልን ስጕምቲ ወሰደት። ድሕሪኡ ንሳ ባዕላ ናብ ዳዊት ከደት።—ቍጽሪ 2-20

12, 13. (ሀ) ኣቢጋይል ኣስተውዓሊት ከምኡውን ንየሆዋን ንቕቡኡን እምንቲ ምዃና ዘርኣየት ብኸመይ እያ፧ (ለ) ኣቢጋይል ናብ ቤታ ምስ ተመልሰት እንታይ ገበረት: መወዳእታኡኸ እንታይ ኣጋጠማ፧

12 ኣቢጋይል ንዳዊት ምስ ተጓነፈቶ: እቲ ምሕረት ንኽገብር ብትሕትና ዘቕረበትሉ ልመና ነቲ ቕቡእ የሆዋ ዝነበራ ዓሚቝ ኣኽብሮት እዩ ዘርኢ። “ጐይታይሲ ውግእ እግዚኣብሄር ዚዋጋእ ስለ ዝዀነ: . . . እግዚኣብሄር ድማ ንጐይታይ ጽንዕቲ ቤት ከም ዚሰርሓሉ ርግጽ እዩ” በለቶ: ኣስዕብ ኣቢላውን የሆዋ ንዳዊት ኣብ እስራኤል መራሒ ገይሩ ኸም ዝሸሞ ተዛረበት። (ቍጽሪ 28-30) ኣብቲ ግዜ እቲ ንዳዊት ሕነ ኽፈዲ ዝነበሮ ስምዒት እንተ ዘይተቘጻጺርዎ: ብደም ተሓታቲ ኸም ዝገብሮ ብምንጋር ትብዓት ኣርእያ እያ። (ቍጽሪ 26, 31) ዳዊት በቲ ኣቢጋይል ዘርኣየቶ ትሕትናን ዓሚቝ ኣኽብሮትን ንጹር ኣተሓሳስባን ናብ ልቡ ተመልሰ እሞ “እቲ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኽትቅበልኒ ዝሰደደኪ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። ኣእምሮኺ ድማ ብሩኽ ይኹን: ንስኺውን ኣብ ደም ካብ ምእታው: ሎሚ መዓልቲ ዝኸልከልክኒ ብርኽቲ ኹኒ” በላ።—ቍጽሪ 32, 33

13 ኣቢጋይል ናብ ቤታ ምስ ተመልሰት: ንዳዊት ህያብ ከም ዝሃበቶ ተቢዓ ንበዓል ቤታ ኽትነግሮ ደለየት። ንሱ ግን “ኣዝዩ ሰኺሩ” ነበረ። ስለዚ: ስኽራኑ ኽሳዕ ዝሓድጎ ተጸብያ እቲ ዝዀነ ነገረቶ። ናባል እንታይ ገበረ፧ ኣዝዩ ስለ ዝሰምበደ: ልሙስ ኰነ። ዓሰርተ መዓልቲ ጸኒሑ ብኢድ ኣምላኽ ሞተ። ዳዊት ድማ ሞት ናባል ምስ ሰምዐ: ነታ ዘድንቓን ኣጸቢቑ ዘኽብራን ኣቢጋይል ሰበይቱ ኽትኰኖ ሓተታ። ኣቢጋይል ንሕቶ ዳዊት ተቐበለቶ።—ቍጽሪ 34-42

ከም ኣቢጋይል ክትኰኒ ትኽእሊዶ፧

14. ኣቢጋይል ዘንጸባረቐቶ እንታይ ባህርያት ኢና ብዝያዳ ኸነማዕብሎ እንደሊ፧

14 ካብቲ ኣቢጋይል ዘንጸባረቐቶ ባህርያት ብዝያዳ ኸተማዕብልዮ እትደልዪ ባህርያት ኣሎዶ፧ ሰብኣይ እንተ ዄንካ እውን ገለ ኸተማዕብሎ እትደሊ ባህርያት ረኺብካዶ፧ ምናልባት ጸገማት ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን ዝያዳ ልብምና ወይ ምስትውዓል ከነንጸባርቕ ንደሊ ንኸውን። ሰባት ስምዒታውያን ኣብ ዝዀኑሉ እዋን እውን ብህድኣትን ሚዛኑ ብዝሓለወን መገዲ ኽንዛረብ ንደሊ ንኸውን። ከምዚ ንደሊ እንተ ዄንና: ብዛዕባዚ ጕዳይ እዚ ንምንታይ ናብ የሆዋ ዘይንጽሊ፧ የሆዋ ንዅሎም እቶም ከይተሓለሉ ‘ብእምነት ዝልምንዎ’ ሰባት ጥበብን ምስትውዓልን ናይ ምሕሳብ ክእለትን ከም ዝህቦም ተመባጺዑ ኣሎ።—ያእቆብ 1:5, 6፣ ምሳሌ 2:1-6, 10, 11

15. ክርስትያን ኣንስቲ ነቲ ኣቢጋይል ዘንጸባረቐቶ ባህርያት ብፍላይ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ዅነታት እዩ ዘድልየን፧

15 ብፍላይ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ግዲ ምስ ዘይብሉ ወይ ፈጺሙ ምስ ዘይስዕብ ዘይኣማኒ ሰብኣይ ንእትነብር ሰበይቲ: ከምዚ ዝኣመሰለ ሰናይ ባህርያት ብዝያዳ እዩ ዘድልያ። ምናልባት ሰታይ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰብኡት ከምቶም ነቲ ህድኣትን ዓሚቝ ኣኽብሮትን ንጹህ ኣካይዳን ኣንስቶም ብምርኣይ እተቐየሩ ሰብኡት መገዶም ክቕይሩ ተስፋ ንገብር።—1 ጴጥሮስ 3:1, 2, 4

16. ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ኣብ ቤታ ዘሎ ዅነታት ብዘየገድስ: ምስ የሆዋ ዘለዋ ርክብ ካብ ካልእ ኣብሊጻ ኸም እትርኢ ብኸመይ ከተንጸባርቕ ትኽእል፧

16 ኣብ ቤትኪ እተሕልፍዮ ጸገማት ዓይነቱ ብዘየገድስ: የሆዋ ወትሩ ኽድግፈኪ ድሉው ምዃኑ ኣይትረስዒ። (1 ጴጥሮስ 3:12) ስለዚ: መንፈሳውነትኪ ኸተደልድሊ ጽዓሪ። ጥበብን ህዱእ ልብን ክወሃበኪ ጸልዪ። እወ: ኣዘውቲርኪ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕን ብምጽላይን ብምስትንታንን ምስ ክርስትያናት ብጾትኪ ብምሕባርን ንየሆዋ ብዝያዳ ቕረብዮ። ኣቢጋይል ንኣምላኽ ዝነበራ ፍቕርን ነቲ ቕቡእ ኣገልጋሊኡ ዝነበራ ኣረኣእያን በቲ ሰብኣያ መንፈሳዊ ብዘይምዃኑ ዝነበሮ ኣረኣእያ ኣይተሓናዀለን። ብጽድቃዊ ስርዓታት እያ ተመሪሓ። ኣብተን ዝነኣድ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዝዀነ ሰብኣይ ዘለወን ስድራቤታት እውን ከይተረፈ ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ መንፈሳውነታ ንምህናጽን ንምዕቃቡን ኣበርቲዓ ኽትዓዪ ኸም ዘለዋ ትፈልጥ እያ። በዓል ቤታ ንስድራቤቱ ብመንፈሳውን ብስጋውን ንምክንኻን ቅዱስ ጽሑፋዊ ግዴታ እኳ እንተለዎ: ኣብ መወዳእታኡ ግን እታ ሰበይቲ ‘ብፍርሃትን ራዕድን ንምድሓና’ ክትጽዕር ኣለዋ።—ፊልጲ 2:12፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:8

“ዓስቢ ነብዪ” ረኸበት

17, 18. (ሀ) እታ ኣብ ሰራጵታ ዝነበረት መበለት እንታይ ዘይተለምደ ናይ እምነት ፈተና እዩ ዘጋጠማ፧ (ለ) እታ መበለት ነቲ ኤልያስ ዘቕረበላ ሕቶ እንታይ ምላሽ ሃበት: የሆዋኸ ብኸመይ ዓስባ ሃባ፧

17 የሆዋ ነታ ብግዜ ነብዪ ኤልያስ ዝነበረት ድኻ መበለት እተኸናኸነሉ መገዲ: ነቶም ገዛእ ርእሶም ኰነ ዘለዎም ጥሪት ብምውፋይ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝድግፉ ኣጸቢቑ ኸም ዘማስዎም የርኢ። ኣብቲ ግዜ እቲ ነዊሕ ዝጸንሐ ድርቂ ስለ ዝነበረ: ብዙሓት ብጥሜት ይሳቐዩ ነበሩ። ገለ ኻብዚኣቶም ድማ ኣብ ሰራጵታ እትነብር መበለትን ንእሽቶ ወዳን እዮም። እታ ዘላቶም ናይ መወዳእታ መግቢ ቕድሚ ምብላዖም ግን ሓደ ጋሻ መጾም። እዚ ጋሻ እዚ ነብዪ ኤልያስ እዩ። ንሱ ድማ ዘይተለምደ ነገር ሓተተ። እታ ሰበይቲ ኣብ ሽግር ከም ዘላ እናፈለጠ ኽነሱ: በተን ተሪፈንኣ ዝነበራ ሒደት ዘይትን ሓርጭን ገይራ ንዕኡ “ንእሽቶ ቕጫ” ኽትስንክተሉ ሓተታ። ኣስዕብ ኣቢሉ ግን “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል አሎ እሞ፤ ክሳዕ እታ እግዚኣብሄር ንምድሪ ዝናም ዜዝንመላ መዓልቲ ሓርጭ ካብ ዕትሮ ኣይውዳእን: እቲ ዘይቲውን ካብ መቐርሰሚቶ ኣይጐድልን” በላ።—1 ነገስት 17:8-14

18 ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልይ ዝበለ ሕቶ እንተ ዝቐርበልና እንታይ ምገበርና፧ እታ ኣብ ሰራጵታ ዝነበረት መበለት ኤልያስ ነብዪ ኣምላኽ ምዃኑ ፈሊጣ ኽትከውን ኣለዋ: ከይዳ ኸኣ “ከምቲ ኤልያስ ዝበላ ገበረት።” ተቐባሊት ጋሻ ብምዃና የሆዋ እንታይ ገበረላ፧ እቲ ድርቂ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ነታ ሰበይትን ንወዳን ንኤልያስን ብተኣምራዊ መገዲ መገቦም። (1 ነገስት 17:15, 16) እወ: የሆዋ ነታ ኣብ ሰራጵታ ዝነበረት ሰበይቲ እስራኤላዊት እኳ እንተ ዘይኰነት: “ዓስቢ ነብዪ” ሃባ። (ማቴዎስ 10:41) ወዲ ኣምላኽ እውን ኣብ ቅድሚ እቶም እምነት ዘይነበሮም ኣብ ዓዱ ናዝሬት ዝነበሩ ሰባት ነዛ መበለት እዚኣ ነኣዳ።—ሉቃስ 4:24-26

19. ኣብዚ ግዜና ብዙሓት ክርስትያን ኣንስቲ ከምቲ እታ ኣብ ሰራጵታ ዝነበረት መበለት ዘርኣየቶ መንፈስ ዘንጸባርቓ ብኸመይ እየን: የሆዋኸ ብዛዕባ ኸምዚኣተን ዝኣመሰላ ኸመይ እዩ ዝስምዖ፧

19 ኣብዚ ግዜና ብዙሓት ክርስትያን ኣንስቲ ከምቲ እታ ኣብ ሰራጵታ ዝነበረት መበለት ዘርኣየቶ መንፈስ የንጸባርቓ እየን። ንኣብነት: ኣብ ሰሰሙን ስስዐ ዘይብለን ክርስትያናት ንገየሽቲ ተዓዘብትን ኣንስቶምን የአንግዳኦም እየን። መብዛሕትአን ካብዚኣተን እውን ድኻታትን ዝኣልያኦ ስድራ ዘለዉወንን እየን። ገሊኣተን ከኣ ነቶም ኣብ ጉባኤአን ዝርከቡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኻብ ድራር ዕለተን የካፍላኦም: ንስኡናት ይሕግዛ: ወይ ንዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ንምድጋፍ ብኻልእ መገድታት ገዛእ ርእሰንን ጥሪተንን ይውፍያ። (ሉቃስ 21:4) የሆዋ ነዚ መስዋእትታት እዚ የስተብህለሉ ድዩ፧ እሂናይ ደኣ! ‘ኣምላኽ ነቲ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልክንኦምን እተገልግልኦም ዘለኽንን ግብርኽን ንስሙውን ዝገበርክንኦ ፍቕርኽን ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን።’—እብራውያን 6:10

20. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

20 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ገለ ንኣምላኽ ዝፈርሃ ዝነበራ ኣንስቲ ንየሱስን ንደቀ መዛሙርቱን ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰል ረኺበን ነይረን። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እዘን ኣንስቲ እዚኣተን ንልቢ የሆዋ ብኸመይ ከም ዘሐጐሳኦ ከምኡውን ኣብዚ ግዜና ዝርከባ ኣብ ጽንኩር ግዜ እውን ከይተረፈ ንየሆዋ ብምሉእ ልበን ዘገልግላ ኣንስቲ ዝገድፋኦ ኣብነት ክንርኢ ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ማቴዎስ ብዛዕባ ወለዶ የሱስ ኣብ ዝጸሓፎ ጸብጻብ: ነርባዕተ ኣንስቲ ብስም ጠቒስወን ኣሎ። እዚኣተን ከኣ ትእማር: ራኬብ (ረሃብ): ሩት: ከምኡውን ማርያም እየን። ኣርባዕቲአን ኣብ ቃል ኣምላኽ ኣኽቢርካ እየን ዝርኣያ።—ማቴዎስ 1:3, 5, 16

ድግማ

• እዘን ዝስዕባ ኣንስቲ ንልቢ የሆዋ ዘሐጐሳኦ ብኸመይ እየን፧

• ሺፍራን ጱዓን

• ረሃብ

• ኣቢጋይል

• ኣብ ሰራጵታ ዝነበረት መበለት

• ብዛዕባቲ እዘን ኣንስቲ እዚኣተን ዝገደፍኦ ኣብነት ምስትንታን ብብሕትና ኽሕግዘና ዝኽእል ብኸመይ እዩ፧ ግለጽ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ሓያሎ እሙናት ኣንስቲ “ኣዋጅ እቲ ንጉስ” ከይፈርሃ ንኣምላኽ ኣገልጊለን እየን

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ረሃብ ብእምነት ሰናይ ኣብነት እትኸውን ስለምንታይ እያ፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣቢጋይል ዘርኣየቶ እንታይ ባህርያት ኢኺ ኸተንጸባርቒ እትደልዪ፧

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ሎሚ ብዙሓት ክርስትያን ኣንስቲ ኸምቲ እታ ኣብ ሰራጵታ ዝነበረት መበለት ዘርኣየቶ መንፈስ የንጸባርቓ ኣለዋ