ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኻልኦት ምእማን ሓጐስ የምጽእ

ንኻልኦት ምእማን ሓጐስ የምጽእ

ንኻልኦት ምእማን ሓጐስ የምጽእ

እተመረዘ መግቢ ምስ እትበልዕ ብዙሕ ኢኻ እትሳቐ። ምምራዝ መግቢ ብተደጋጋሚ ዘጋጠሞ ሰብ ኣብ ኣመጋግባኡ ጥንቁቕ ክኸውን ኣለዎ። እተመረዘ መግቢ ምእንቲ ኸይትበልዕ ኢልካ ፈጺምካ መግቢ ዘይምብላዕ ግን ቅኑዕ ኣማራጺ ኣይኰነን። ከምዚ ምግባር ካብቲ እተወግዶ ጸገማት ዝገደደ እዩ ዘምጽኣልካ። ከመይሲ: ብዘይመግቢ ነዊሕ ክጸንሕ ዝኽእል ሰብ የለን።

ብተመሳሳሊ: ሓደ እትኣምኖ ሰብ ክጠልመካ ኸሎ ብዙሕ እዩ ዘሳቕየካ። እንኣምኖም ሰባት ብተደጋጋሚ ምስ ዝጠልሙና ኸኣ ምስ መን ክንቀራረብ ከም ዘሎና ተጠንቂቕና ንኽንሓስብ ይድርኸና። እንተዀነ ግን: ዝኣምኖም ሰባት እንተ ጠለሙኒ ምእንቲ ኸይበሳጮ ኢልካ ካብ ኵሎም ሰባት ምርሓቕ ግን መፍትሒ ኣይከውንን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ንሰብ ዘይንኣምን እንተደኣ ዄንና: ሓጐስ ኢና እንስእን። ዕግበት ዘለዎ ናብራ ንምንባር: ኣብ ሓባራዊ ምትእምማን እተመስረተ ርክብ ክህልወና የድሊ።

ዩገንት 2002 እትበሃል መጽሓፍ “ሓንቲ ኻብቲ ምስ ሰባት ዘሎካ ርክብ ዘይተሓላለኸ ንክኸውን መሰረት እትኸውን እምነት እያ” በለት። ጋዜጣ ኖዪ ዙሪኸር ዛይቱንግ ከኣ “ኵሉ ሰብ ዝኣምኖ ኽህልዎ ይደሊ እዩ” ድሕሪ ምባል ኣስዕብ ኣቢላ እውን “እምነት ንህይወት መቐረት ትውስኸሉ” ስለ ዝዀነት: “ንህላወና ወሳኒት እያ” በለት። እወ: ከምቲ እዛ ጋዜጣ ቐጺላ ዝበለቶ: ብዘይእምነት “ሰብ ብህይወት ምንባር የጸግሞ እዩ።”

ኣብ ካልእ ክንኣምን መሰረታዊ ድሌት ስለ ዘሎና: ከይጠልመና ዝብል ፍርሂ ኸይሓደረና ንመን ኢና ኽንኣምኖ እንኽእል፧

ብምሉእ ልብኻ ብየሆዋ ተኣመን

መጽሓፍ ቅዱስ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን” ይብለና። (ምሳሌ 3:5) እወ: ቃል ኣምላኽ ብተደጋጋሚ ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ፈጣሪና ኽንኣምን እዩ ዝነግረና።

ንኣምላኽ ክንኣምኖ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ ቀዳማይ: የሆዋ ኣምላኽ ቅዱስ ስለ ዝዀነ እዩ። ነብዪ ኢሳይያስ “ቅዱስ: ቅዱስ: ቅዱስ እዩ እግዚኣብሄር” ኢሉ ጸሓፈ። (ኢሳይያስ 6:3) ቅድስና ዘይስሕብ ኰይኑ ድዩ ዝስምዓካ፧ ከም ሓቂ እኳ ደኣ የሆዋ ቕዱስ ክበሃል ከሎ ንጹህ: ካብ ኵሉ ጌጋ ዝረሓቐ: ከምኡውን ምሉእ ብምሉእ ክትተኣማመነሉ እትኽእል ማለት ብምዃኑ: ክስሕበካ እዩ ዘለዎ። ብልሹው ወይ ሃሳዪ ክኸውን ኣይከኣሎን እዩ: ከቶ እውን ኣይጠልመናን እዩ።

ብዘይካዚ: ነቶም ዘገልግልዎ ኽሕግዝ ክእለትን ድሌትን ስለ ዘለዎ እውን ክንኣምኖ ንኽእል ኢና። ንኣብነት: እቲ ዓብዪ ሓይሉ ስጕምቲ ንኽወስድ የኽእሎ። እተን ፍጹማት ፍትሑን ጥበቡን ተግባራቱ ብኸመይ ከም ዝፍጽም ይመርሓኦ። እታ መዳርግቲ ዘይብላ ፍቕሩ ስጕምቲ ንኽወስድ ትድርኾ። ሃዋርያ ዮሃንስ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃንስ 4:8) ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ግብርታቱ ትጸልዎ እያ። ቅድስናኡን ካልእ ዘደንቕ ባህርያቱን ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ክንተኣማመነሉ እንኽእል ፍጹም ኣቦ እዩ ዝገብሮ። ካብ የሆዋ ንላዕሊ እምነት ከነሕድረሉ እንኽእል የልቦን።

ብየሆዋ ተኣመን እሞ ሓጐስ ክትረክብ ኢኻ

ካልእ ኣብ የሆዋ እምነት ከነሕድር ዘኽእለና ኸኣ ካብ ካልኦት ብዝበለጸ ስለ ዝርድኣልና እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምስ ፈጣሪኡ ጽኑዕን ነባርን ዘተኣማምንን ርክብ ክህልዎ ኸም ዝደሊ የሆዋ ይፈልጥ እዩ። እቶም ከምዚ ዓይነት ርክብ ዘለዎም ዝያዳ ድሕንነት እዩ ዝስምዖም። ንጉስ ዳዊት “እቲ ንእግዚኣብሄር እምንቶኡ ዚገብሮ . . . ሰብ ብጹእ እዩ” በለ። (መዝሙር 40:4) ኣብዚ ግዜና ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ነዚ ዳዊት እተዛረቦ ሓሳባት የቃልሑ እዮም።

ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ። ዶሪስ ኣብ ዶመኒካን ሪፓብሊክ: ኣብ ጀርመን: ኣብ ግሪኽ: ከምኡውን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ትነብር ነይራ። “ንየሆዋ እምንቶይ ብምግባረይ ኣዝየ ሕጕስቲ እየ። ብስጋውን መንፈሳውን ስምዒታውን መዳያት ብኸመይ ከም ዝከናኸነኒ ይፈልጥ እዩ። ካብኡ ዝበልጽ ዓርኪ ኽርከብ ኣይከኣልን እዩ” በለት። ቮልፍጋንግ ዝበሃል ናይ ሕጊ ኣማኻሪ ኸኣ “ኣብ ሓደ ኣጸቢቑ ዝሓልየልካ ወይ ድማ ኣብቲ ንዓኻ ዝሓይሽ ነገር ክገብር ዝኽእልን ዝገብርን እምንቶ ምግባር ባህ ዘብል ነገር እዩ!” ብምባል ገለጸ። ኣብ እስያ እተወልደ: ሕጂ ግን ኣብ ኣውሮጳ ዝነብር ዘሎ ሃም “የሆዋ ንዅሉ ነገራት ከም ዝቈጻጸሮን ከም ዘይጋገን ርግጸኛ እየ: ስለዚ ኣብኡ ምውካለይ የሐጕሰኒ እዩ” በለ።

ልክዕ እዩ: ነፍሲ ወከፍና ኣብ ፈጣሪና ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ሰባት እውን እምነት ከነሕድር ኣሎና። ስለዚ: የሆዋ ኸም ጥበበኛን ተመክሮ ዘለዎን ዓርክና መጠን: እንታይ ዓይነት ሰባት ክንኣምን ከም ዘሎና ምኽሪ ይህበና እዩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ተጠንቂቕና ብምንባብ: ብዛዕባዚ እተዋህበና ምኽሪ ኽንፈልጦ ንኽእል ኢና።

ክንኣምኖም እንኽእል ሰባት

እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ብመሳፍንቲ: በቲ ኺረድእ ዘይከአሎ ወዲ ሰብ ኣይትወከሉ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 146:3) እዚ ኣምላኽ ብመንፈሱ ዘጽሓፎ ሓሳባት ንብዙሓት ሰባት ክንኣምኖም ከም ዘይብልና እዩ ዝገልጸልና። ነቶም ከም “መሳፍንቲ” ጌርካ ዝረኣዩ ኣብ እተወሰነ ዓውዲ ፍልጠት ወይ ኣብ ሓደ ሞያ ኽኢላታት ዝዀኑ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ልዑል ቦታ ዝወሃቦም ሰባት እውን ከይተረፉ: ስቕ ኢልና ኽንኣምኖም ኣይግባእን። መብዛሕትኡ ግዜ: እዞም “መሳፍንቲ” ዝህብዎ መምርሒ ግጉይ ክኸውን ከሎ: ንዓታቶም ምእማን እውን ኣብ መወዳእታ ናብ ጓሂ እዩ ዘብጽሕ።

ልክዕ እዩ: ከምዚ ኽበሃል ከሎ ንዋላ ሓደ ሰብ ዘይንኣምን ክንከውን ኣሎና ማለት ኣይኰነን። የግዳስ: ነቶም እንኣምኖም ሰባት ተጠንቂቕና ኽንመርጽ ከም ዘሎና እዩ ብንጹር ዘርእየና። እንታይ መለክዒ ደኣ ኢና ኽንጥቀም ዘሎና፧ ጥንታዎት እስራኤላውያን ዝገደፍዎ ኣብነት ኣብዚ መዳይ እዚ ኽሕግዘና ይኽእል እዩ። ኣብ እስራኤል ከቢድ ሓላፍነት ዝስከሙ ሰባት ምሻም ምስ ኣድለየ: ሙሴ “ኻብ ኵሉ ህዝቢ ኸኣልቲ ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ሰባት: እሙናት: ረብሓ ዓመጽ ዚጸልኡ ሰባት ሕረ” ተባህለ። (ዘጸኣት 18:21) ካብዚ እንታይ ኢና እንመሃር፧

እዞም ሰባት እዚኣቶም እምነት ተገይሩሎም ሓላፍነት ቅድሚ ምስካሞም ድሮ እተወሰነ ኣምላኽ ዝፈትዎ ባህርያት ዝነበሮም እዮም። ፍርሃት ኣምላኽ ከም ዝነበሮም ኣርእዮም እዮም: ንፈጣሪ ኣኽቢሮም ይርእይዎን ከየጕህይዎ ይፈርሁን ነበሩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ስርዓታት ኣምላኽ ኣብ ምሕላው ዝከኣሎም ኵሉ ኸም ዝገበሩ ንዅሉ ሰብ ንጹር እዩ ነይሩ። ረብሓ ዓመጽ ዝጸልኡ ምንባሮም ከኣ ስልጣን ምስ ረኸቡ ኣብ ብልሽውና ንኸይጥሕሉ ዝሕግዝ ጥዑይ ሕልና ኸም ዝነበሮም ይሕብር። ነቲ ብእምነት እተዋህቦም ሓላፍነት ንብሕታዊ ጥቕሞም ወይ ንጥቕሚ ኣዝማዶም ወይ ንጥቕሚ ፈተውቶም ዘውዕሉ ሰባት ኣይነበሩን።

ንሕናውን እንኣምኖም ሰባት ክንመርጽ ከለና: ተመሳሳሊ መለክዒ ኽንጥቀምስ ጥበባዊዶ ኸይኰነ፧ ብጠባያቶም ንኣምላኽ ከም ዝፈርሁ ዘንጸባርቑ ውልቀ-ሰባት ንፈልጥዶ፧ በቲ ንስነ-ምግባር ዝምልከት ቅኑዕ ስርዓታቱ ኽመላለሱ ድዮም ዝጽዕሩ፧ ካብ ጌጋ ብምርሓቕ ብቕንዕና ዝመላለሱ ድዮም፧ ንነገራት ብምጥዋይ ንጥቕሚ ርእሶም ወይ ንርእሶም ዝጥዕሞም ዘይገብሩ ሰባት ድዮም፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ባህርያት ዘንጸባርቑ ሰብኡት ኰኑ ኣንስቲ ኽንኣምኖም ከም ዝግባእ እተረጋገጸ እዩ።

ሓሓሊፉ ብዘጋጥመካ ዘጕሂ ነገራት ኣይትተሓለል

ንኻልእ ንኽትኣምን ንውሕ ዝበለ ግዜ ስለ ዘድሊ: ንመን ከም እንኣምን ክንመርጽ ከለና ዓቕሊ ኽህልወና ኣለዎ። ንሓደ ሰብ በብቝሩብ ወይ ደረጃ ብደረጃ ምእማኑ ጥበባዊ እዩ። ከመይ ጌርና ኢና ኸምኡ እንገብር፧ ፈለማ: ንንውሕ ዝበለ ግዜ ባህሪኡ ንዕዘቦ: ኣብ እተወሰነ ዅነታት እንታይ ከም ዝገብር ድማ ነስተብህል። ኣብ ንኣሽቱ ጕዳያት እውን እሙን ድዩ፧ ንኣብነት: ዝወሰዶ ልቓሕ ከምታ ቓሉ ብግዜኡ ድዩ ዝመልስ፧ ኣብ ቈጸራኡ ሰዓቱ ሓልዩ ድዩ ዝመጽእ፧ ከምኡ እንተደኣ ዀይኑ: ኣብ ዝዓበየ ጕዳያት እምነት ከነሕድረሉ ኸም እንኽእል ኰይኑ ኽስምዓና ይኽእል እዩ። እዚ ምስቲ “ብሒደት እሙን ዝዀነ ብብዙሕ ድማ እሙን እዩ” ዝብል ስርዓት ዝሰማማዕ እዩ። (ሉቃስ 16:10) ዓቃላትን ኣብ ኣመራርጻና ጥንቁቓትን ምስ እንኸውን ብዙሕ ዘጕሂ ነገራት ንኸየጋጥመና ይሕግዝ እዩ።

ዝኣመንናዮ ሰብ እንተ ጠለመናኸ፧ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዘበሉ በታ የሱስ ክርስቶስ እተኣስረላ ምሸት እቶም ሃዋርያቱ ኸም ዝጠለምዎ ይዝክሩ እዮም። ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ኣሕሊፉ ሃቦ: እቶም ካልኦት ከኣ ብፍርሂ ሃደሙ። ጴጥሮስ እውን ከይተረፈ ሰለስተ ሳዕ ከሓዶ። የሱስ ግን ይሁዳ ጥራይ ኰነ ኢሉ ኸም ዝኸሓዶ ኣስተውዓለ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ወሳኒ እዋን እኳ እንተ ተጠልመ: እዚ ግን ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ነቶም 11 ሃዋርያቱ ኸም ዝኣምኖም ከም ብሓድሽ ካብ ምርግጋጽ ኣይዓገቶን። (ማቴዎስ 26:45-47, 56, 69-75፣ 28:16-20) ንሕናውን ብተመሳሳሊ ሓደ ዝኣመንናዮ ሰብ ዝጠለመና ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና: እቲ ዝገበሮ ተግባራት ብሓቂ ናይ ጥልመት እንተ ዀይኑ ወይ ግዝያዊ ናይ ስጋ ድኽመት እንተ ዀይኑ ኽንምርምር ኣሎና።

ኣነኸ እሙን ድየ፧

ሓደ ንመን ከም ዝኣምን ተጠንቂቑ ዝመርጽ ሰብ: ንገዛእ ርእሱ እውን ‘ኣነኸ እሙን ድየ፧ ንተኣማንነት ብዝምልከት ካብ ገዛእ ርእሰይን ካብ ካልኦትን እንታይ ሚዛናዊ መዐቀኒታት እየ ዝጽበ፧’ ኢሉ ኽሓትት ኣለዎ።

ሓደ እሙን ሰብ ወትሩ ሓቂ እዩ ዝዛረብ። (ኤፌሶን 4:25) ንጥቕሙ ኢሉ ኸከም ሰቡ ዘረባኡ ኣይቀያይርን እዩ። ሓደ ነገር እንተ ተመባጺዑ ኸኣ ቃሉ ንኽሕሉ ዝከኣሎ ዅሉ እዩ ዝገብር። (ማቴዎስ 5:37) ሓደ ሰብ ምስጢሩ እንተ ነጊርዎ ድማ ንኻልእ ኣይነግርን ወይ ወልፈስፈስ ኣይብልን እዩ። ንበዓልቲ ቤቱ እውን እሙን እዩ። ስእለ-ጽዩፍ ኣይርእን: ብዛዕባ ርኹስ ፍትወት ስጋ ኣየስተንትንን: ከምኡውን ንኻልኦት ኣየኳሽምን። (ማቴዎስ 5:27, 28) ንርእሱን ንስድራቤቱን ዘድሊ ንምምእራር ኣበርቲዑ እዩ ዝዓዪ: ንኻልኦት ሰባት እናተበለጸሎም ብዙሕ ከይጸዓረ መኽሰብ ክረክብ ኣይደልን እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ከምዚ ዝኣመሰለ ሚዛናውን ቅዱስ ጽሑፋውን ስርዓታት ኣብ ልብና ምሕዳሩ: ንመን ከም እንኣምን ንኽንፈልጥ ይሕግዘና። ብዘይካዚ: ንሕናውን ነዚ ስርዓታት እዚ ምስ እንስዕቦ: ካልኦት ይኣምኑና።

ኵሎም ሰባት እሙናት ኣብ ዝዀኑሉን ብሰንኪ ጥልመት ዝመጽእ ጓሂ ኣብ ዘይህልወሉን ዓለም ምንባር ባህ ዘብል እዩ። እዚ ግን ትምኒት ጥራይ ድዩ፧ እቶም ንመብጽዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣርዚኖም ዝርእይዎ ሰባት ትምኒት ጥራይ ከም ዝዀነ ገይሮም ኣይኰኑን ዝወስድዎ። ከመይሲ ቃል ኣምላኽ ካብ ኵሉ ምትላልን ሓሶትን ምዝመዛን ሓራ ዝዀነትን ሓዘንን ሕማምን ሞትን እውን ከይተረፈ ዘይብላ ‘ሓዳስ ምድሪ’ ኸም እትመጽእ ይንበ እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:13፣ መዝሙር 37:11, 29፣ ራእይ 21:3-5) ብዛዕባ እዚ ተስፋ እዚ ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዝን ካልእ ኣገዳሲ ጕዳያትን ንኽምህሩኻ ሕጉሳት እዮም።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ንሰብ ዘይንኣምን እንተ ዄንና: ሓጐስ ኢና እንስእን

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ንየሆዋ ልዕሊ ዅሉ ኽንኣምኖ ይግባእ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ኵላትና ኣብ ሓባራዊ ምትእምማን እተመስረተ ርክብ ክህልወና የድሊ