ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣኽቢርካ ዝርኣያ ንየሆዋ ዘምልኻ እሙናት ክርስትያን ኣንስቲ

ኣኽቢርካ ዝርኣያ ንየሆዋ ዘምልኻ እሙናት ክርስትያን ኣንስቲ

ኣኽቢርካ ዝርኣያ ንየሆዋ ዘምልኻ እሙናት ክርስትያን ኣንስቲ

“ጽባቐ መልክዕ ጠባሪ እዩ: ውቃበ ኸኣ ከንቱ እዩ: ንእግዚኣብሄር እትፈርህ ሰበይቲ ግና ትንአድ።”—ምሳሌ 31:30

1. የሆዋ ንጽባቐ ዘለዎ ኣረኣእያ ኻብቲ ናይዛ ዓለም እተፈልየ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

 ዓለም ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ ብዝምልከት ኣብ ደጋዊ ትርኢት ዝያዳ ኣትኵሮ እያ እትገብር። የሆዋ ግን ኣብ ውሽጣዊ እንታይነት ሰብ እዩ ዘተኵር: እዚ ኸኣ ምስ ዕድመ ምድፋእ እናጸበቐ ክኸይድ ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 16:31) ስለዚ: መጽሓፍ ቅዱስ ነንስቲ ኸምዚ ብምባል ይምዕደን:- “ስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር: እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን: ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን: ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹን።”—1 ጴጥሮስ 3:3, 4

2, 3. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበራ ኣንስቲ ነቲ ብስራት ንምስፋሕ ብኸመይ ኣበርክቶ ገበራ: እዝኸ እንታይ ብዝብል ትንቢት እዩ ተነጊሩ ዝነበረ፧

2 ብዙሓት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሰን ዘለዋ ኣንስቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዝነኣድ ባህርያት ኣርእየን እየን። ኣብ ቀዳማይ ዘመን: ገለ ኻብዚኣተን ንየሱስን ንደቀ መዛሙርቱን ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰል ረኺበን ነይረን። (ሉቃስ 8:1-3) ጸኒሐን ክርስትያን ኣንስቲ ቐናኣት ወንጌላውያን ኰና። ገሊኣተን ነቶም ኣብ መሪሕነት ዝነበሩ ክርስትያን ሰብኡት: እንተላይ ንሃዋርያ ጳውሎስ: ብዙሕ ደገፍ ሃባ። ገሊኣተን ከኣ ሓለፍ ዝበለ ጋሻ ናይ ምቕባል መንፈስ ኣርእየን: ቤተን እውን ንናይ ጉባኤ ኣኼባታት ድሉው ገይረን እየን።

3 የሆዋ ነንስቲ ዕላማኡ ኣብ ምፍጻም ብዙሕ ከም ዝጥቀመለን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብትንቢት ተነጊሩ ነይሩ እዩ። ንኣብነት: ዮኤል 2:28, 29 ሰብኡትን ኣንስትን: ኣጕባዝን ኣረገውትን: መንፈስ ቅዱስ ከም ዝቕበሉን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምዝርጋሕ ከም ዝሳተፉን ትንበ። እዚ ትንቢት እዚ ብጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ክፍጸም ጀመረ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:1-4, 16-18) ገሊኣተን ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኣ ኣንስቲ ኸም ምንባይ ዝኣመሰለ ተኣምር ናይ ምግባር ክእለት ተዋህበን። (ግብሪ ሃዋርያት 21:8, 9) እዘን ዓብዪ መንፈሳዊ ሰራዊት ዝዀና እሙናት ኣሓት በቲ ነገልግሎት ዝነበረን ቅንኣት: ነቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተገብረ ቕልጡፍ ዕቤት ክርስትና ኣበርክቶ ገይረን እየን። አረ: ኣብ ከባቢ 60 ከ.ኣ.ዘ. እኳ ሃዋርያ ጳውሎስ እቲ ብስራት “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር” ከም እተሰብከ ኽጽሕፍ ክኢሉ እዩ።—ቈሎሴ 1:23

ብትብዓተንን ቅንኣተንን ተቐበልቲ ጋሻ ብምዃነንን ተናእዳ

4. ጳውሎስ ነተን ኣብታ ናይ ቀዳማይ ዘመን ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝነበራ ሓያሎ ኣንስቲ ንኽንእድ እኹል ምኽንያት ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧

4 ንኣብነት: ከምቲ ሕጂ ዘለዉ ክርስትያናት ተዓዘብቲ ብቐናኣት ኣንስቲ ዝፍጸም ኣገልግሎት ዘማስዉሉ: ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ብፍላይ ገሊኣተን ኣንስቲ ንዝፈጸማኦ ኣገልግሎት የማስወሉ ነበረ። ገለ ኻብተን ጳውሎስ ብስም ዝጠቐሰን ኣንስቲ እተን “ብጐይታ ዚጽዕራ ዘለዋ ጥሬፌናን ጥሬፎሳን” ከምኡውን እታ “ብጐይታ ብዙሕ ዝጸዐረት ጰርሲስ ፍቅርቲ” ይርከባአን። (ሮሜ 16:12) ብዛዕባ ኤዎድያን ስንጥኬን ድማ ‘ምስኡ ብወንጌል ዝጸዓራ’ ምዃነን ጽሒፉ እዩ። (ፊልጲ 4:2, 3) ጵርስኪላን ብዓል ቤታ ኣኪላስን እውን መተዓይይቱ እዮም ነይሮም። ንሳን ብዓል ቤታን ኣብ ክንዲ ጳውሎስ “ክሳዶም ዘሕለፉ” ብምንባሮም “ብዘለዋ ማሕበራት ኣህዛብ ከኣ ዜመስግናኦም እምበር: ኣነ ጥራይ ዘይኰንኩ ዘመስግኖም ዘሎኹ” ኢሉ ንኽጽሕፍ ተደረኸ።—ሮሜ 16:3, 4፣ ግብሪ ሃዋርያት 18:2

5, 6. ጵርስኪላ ነዘን ሎሚ ዘለዋ ኣሓት ሰናይ ኣብነት እትዀነን ብኸመይ እያ፧

5 ጵርስኪላ ቕንኣትን ትብዓትን ክህልዋ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 18:24-26 ነዚ መልሲ ዝኸውን ኣፋፍኖት ንረክብ ኢና። ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ጵርስኪላ ነቲ ኽኢላ ተዛራባይ ዝነበረ ኣጵሎስ እቲ ሓድሽ እተገልጸ ሓቂ ንኽርድኦ ኣብ ምሕጋዝ ንበዓል ቤታ ኸም ዝደገፈቶ ነንብብ። እምበኣር: ጵርስኪላ ቃል ኣምላኽን ትምህርትታት ሃዋርያትን ተጠንቂቓ እትከታተል ንፍዕቲ ተማሃሪት እያ ነይራ ኽትከውን ዘለዋ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ ሰብኣያን ኣብታ ቐዳመይቲ ጉባኤን ኣኽቢርካ ዝርአ ብሉጽ ባህርያት ኣማዕበለት። ኣብዚ ግዜና እውን እተን ብትግሃት መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዓን ነቲ የሆዋ በቲ ‘እሙን መጋቢ’ ኣቢሉ ዝሃቦ መንፈሳዊ መግቢ ዝምገባን ጻዕራማት ክርስትያን ኣሓት ብተመሳሳሊ ኣኽቢርካ እየን ዝርኣያ።—ሉቃስ 12:42

6 ኣኪላስን ጵርስኪላን ሓለፍ ዝበለ ጋሻ ናይ ምቕባል መንፈስ እዩ ነይርዎም። ጳውሎስ ኣብ ቈረንቶስ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ምሳታቶም ድንኳን እናሰፈየ ኣብ ቤቶም ተቐሚጡ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 18:1-3) እዞም ሰብ ሓዳር እዚኣቶም ፈለማ ናብ ኤፌሶን ድሕሪኡ ድማ ናብ ሮሜ ምስ ገዓዙ እውን እቲ ክርስትያናዊ ጋሻ ናይ ምቕባል መንፈሶም ኣይጠፍአን: አረ ቤቶምሲ ንናይ ጉባኤ ኣኼባታት እውን ይጥቀሙሉ ነይሮም እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 18:18, 19፣ 1 ቈረንቶስ 16:8, 19) ኒምፋስን ማርያም ኣደ እቲ ማርቆስ ዝበሃል ዮሃንስን እውን ብተመሳሳሊ ቤተን ንናይ ጉባኤ ኣኼባታት ከገልግል ዝፈቐዳ እየን ነይረን።—ግብሪ ሃዋርያ 12:12፣ ቈሎሴ 4:15

ኣብዚ ግዜና ኣኽቢርካ ዝርኣያ

7, 8. ኣብዚ ግዜና ዘለዋ ክርስትያን ኣንስቲ እንታይ ዝነኣድ ቅዱስ ኣገልግሎት እየን ዝፍጽማ ዘለዋ: ብዛዕባ እንታይከ እየን ርግጸኛታት ክዀና ዝኽእላ፧

7 ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ: ሎሚ ዘለዋ እሙናት ክርስትያን ኣንስቲ እውን ዕላማ ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም: ብፍላይ ከኣ ኣብ ዕዮ ወንጌላውነት ኣገዳሲ ግደ ኣለወን። እዘን ኣሓት እዚኣተን ኣዝዩ ዘደንቕ ነገራት እየን ፈጺመን። ንኣብነት: ነታ ብ2002 ክሳዕ እትመውት ንልዕሊ 50 ዓመት ብተኣማንነት ንየሆዋ ዘገልገለት ግወን እትበሃል ሓብቲ እስከ ንውሰድ። ብዓል ቤታ ኸምዚ በለ:- “ግወን ከም ወንጌላዊት መጠን ዝነበራ ቕንኣት ኣብዛ ኸተማና ብሰፊሑ እዩ ዝፍለጥ። ንዓኣ ዅሉ ሰብ ፍቕርን መብጽዓታትን የሆዋ ክቕበል ዝኽእል ኰይኑ እዩ ዝረኣያ። ተስፋ ኽንቈርጽ ከለና ምትብባዕ ኣብ ርእሲ ምሃባ ንኣምላኽን ንማሕበሩን ንስድራቤታን ዝነበራ ተኣማንነት: ንዓይን ንደቅናን ኣብቲ ዘሕለፍናዮ ዘዕግብን ዘሐጕስን ህይወት ዓብዪ ድጋፍ ኰይኑና እዩ። ንዓኣ ብምስኣንና ኣዚና ኢና እንሓዝን።” ግወንን ብዓል ቤታን ን61 ዓመት ኣብ ሓዳር ዝጸንሑ እዮም።

8 ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸራ ንጽል ኰና ምርዑዋት ክርስትያን ኣንስቲ ፓይነራትን ሚስዮናውያንን ኰይነን የገልግላ ኣለዋ። ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሸበድበድ ዝመልኦ ኸተማታት ኰነ ኣብ ምሕድግ ዝበለ ኸባቢታት ክሰብካ ኸለዋ በቲ ንህይወት ዘድልየን መሰረታዊ ነገራት ዕጉባት እየን። (ግብሪ ሃዋርያት 1:8) ብዙሓት ንየሆዋ ብምሉእ ሓይለን ንኸገልግላኦ ኢለን ቤት ከየጥርያ ወይ ውሉድ ከይወልዳ ወሲነን እየን። ነቶም ገየሽቲ ተዓዘብቲ ዀይኖም ዘገልግሉ ሰብኡተን ብተኣማንነት ዝድግፋ እውን ኣለዋ። በሽሓት ዝቝጸራ ኣሓት ድማ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከብ ኣባይቲ ቤትኤል የገልግላ ኣለዋ። ብዘይ ጥርጥር እዘን ጥቕሚ ርእሰን ዝስውኣ ኣንስቲ ኻብቲ ንቤት የሆዋ ብኽብሪ ዝመልእ “ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር” እየን።—ሃጌ 2:7

9, 10. ገሊኣቶም ኣባላት ስድራቤት ነቲ ክርስትያን ኣንስትን ኣዴታትን ዝገደፋኦ ሰናይ ኣብነት ብኸመይ እዮም ሞሳኦም ዝገለጹ፧

9 ብዙሓት ክርስትያን ኣንስቲ ንስድራቤተን ናይ ምእላይ ሓላፍነት እኳ እንተ ሃለወን: ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ግን ቀዳማይ ቦታ እየን ዝህባኦ። (ማቴዎስ 6:33) ሓንቲ ንጽል ፓይነር “ኣደይ በታ ነቕ ዘይትብል እምነታን ሰናይ ኣብነታን ስርዓታዊት ፓይነር ንክኸውን ኣገዳሲ ግደ ነይርዋ። ሓንቲ ኻብተን ብሉጻት ዝብለን መገላግልተይ ፓይነራት እያ” በለት። ሓደ ሰብኣይ እውን ብዛዕባ እታ ሓሙሽተ ኣዋልድ ዘዕበየት ብዓልቲ ቤቱ ኸምዚ በለ:- “ቤትና ወትሩ ጽሩይን ጽፉፍን እዩ። ስድራቤትና ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ምእንቲ ኸተተኵር: ቦኒ ንቤትና ቐሊልን ጋሕመጥመጥ ከም ዘይብልን ገይራ እያ እትሕዞ ነይራ። ገንዘብና ብዝግባእ ንኽንጥቀመሉ ኣበርክቶ ትገብር ብምንባራ ን32 ዓመት ናይ ክፍለ-ግዜ ስራሕ ሒዘ ዝያዳ ግዜይ ንስድራቤተይን ንመንፈሳዊ ነገራትን ንኸውዕሎ ኣኽኢሉኒ እዩ። ብዓልቲ ቤተይ ንደቅና ጻዕራማት ክዀና እውን ምሂራተን እያ። ካብ ምንኣዳ ሓሊፈ ዝብሎ የብለይን።” ኣብዚ እዋን እዚ እዞም ሰብ ሓዳር እዚኣቶም ኣብቲ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር የገልግሉ ኣለዉ።

10 ሓደ ሰብኣይ እውን ብዛዕባ እታ ኣደ ደቁ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ናይ ሱዛን ኣዝየ ዘድንቖ ባህርያታ ንኣምላኽን ንሰባትን ዘለዋ ሓያል ፍቕሪ: ምርዳእ: ሓልዮት: ከምኡውን ሓቅነት እዩ። ወትሩ ንየሆዋ እቲ ዝበለጸ ነገር ክንህቦ ኣሎና ዝብል ኣረኣእያ እዩ ዘለዋ። እዚ ስርዓት እዚ ኸኣ ንባዕላ ኸም ኣገልጋሊት ኣምላኽን ከም ኣደን መጠን ዓያትሉ እያ።” እዚ ሰብኣይ እዚ ብሓገዝ ሰበይቱ: ሽማግለ: ፓይነር: ተተካኢ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ: ከምኡውን ኣባል ምስ ሆስፒታል ዘረዳድእ ኮሚተ ብምዃን ብዙሕ መንፈሳዊ ሓላፍነታት ክረክብ ክኢሉ እዩ። ከምዚኣተን ዝኣመሰላ ኣንስቲ ኣብ ቅድሚ ሰብኡተን: ኣብ ቅድሚ ክርስትያናት ብጾተን: ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ኣኽቢርካ ዀን እየን ዝርኣያ!—ምሳሌ 31:28, 30

ሰብኡት ዘይብለን ኣኽቢርካ ዝርኣያ ኣንስቲ

11. (ሀ) የሆዋ ንእሙናት ኣንስቲ: ብፍላይ ከኣ ንመበለታት ዘለዎ ሓልዮት ብኸመይ እዩ ዝገለጸ፧ (ለ) መበለታት ክርስትያናትን ካልኦት ሰብኣይ ዘይብለን እሙናት ኣሓትን ብዛዕባ እንታይ እየን ርግጸኛታት ክዀና ዝኽእላ፧

11 የሆዋ ንመበለታት ዘለዎ ሓልዮት ብተደጋጋሚ ገሊጹ እዩ። (ዘዳግም 27:19፣ መዝሙር 68:5፣ ኢሳይያስ 10:1, 2) ሕጂውን ኣይተለወጠን። ንመበለታት ጥራይ ዘይኰነስ ነተን ንጽል ኣዴታት ከምኡውን ነተን ብምርጫአን ወይ ንዐአን ዝኸውን ክርስትያን ብጻይ ብምስኣነን ንጽል ዝዀና ኣንስቲ እውን ኣጸቢቑ ይሓሊ እዩ። (ሚልክያስ 3:6፣ ያእቆብ 1:27) ክርስትያን ሰብኣይ ዘይብልኪ ኽነስኺ ንየሆዋ ብተኣማንነት ተገልግሊ እንተ ሃሊኺ: የሆዋ ኣኽቢሩ ኸም ዝርእየኪ ርግጸኛ ኽትኰኒ ትኽእሊ ኢኺ።

12. (ሀ) ገሊኣተን ክርስትያን ኣሓት ንየሆዋ ዘለወን ተኣማንነት ብኸመይ እየን ዘርእያ፧ (ለ) ገሊኣተን ኣሓትና ምስ እንታይ ስምዒት እየን ዝቃለሳ ዘለዋ፧

12 ንኣብነት: ነተን “ብእግዚኣብሄር ጥራይ” ንኽምርዓዋ የሆዋ ዝሃበን ምኽሪ ብተኣማንነት ብምሕላወን ዘይተመርዓዋ ክርስትያን ኣሓትና እስከ ንርአ። (1 ቈረንቶስ 7:39፣ ምሳሌ 3:1) ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ የሆዋ “ምስቶም እሙናት ዝኾኑ እሙን ኢኻ” ብምባል መረጋገጺ ይህበን። (2 ሳሙኤል 22:26 ትርጕም 1990) እንተዀነ ግን: ንብዙሓት ንጽል ኴንካ ምንባር የጸግመን እዩ። ብዛዕባዚ ሓንቲ ሓብቲ “ብጐይታ ጥራይ ክምርዖ እየ ቈሪጸ: እንተዀነ ግን: መሓዙተይ ዝድነቑ ክርስትያን ሰብኡት ክምርዓዋ ኸለዋ ኣነ ግን በይነይ ብምዃነይ ብዙሕ ሳዕ እየ በኽየ” በለት። ካልእ ሓብቲ እውን “ንየሆዋ ን25 ዓመት ኣገልጊለዮ እየ። ወትሩ ንዕኡ እምንቲ ዀይነ ክቕጽል ቈሪጸ እየ። ይኹን እምበር: ሓድሓደ ግዜ ብጽምዋ እየ ዝብላዕ። ከምዚ ኸማይ ዝኣመሰላ ኣሓት ምትብባዕ ክረኽባ ሃረር እየን ዝበላ” በለት። ንኸምዚኣተን ዝኣመሰላ እሙናት ኣሓት ብኸመይ ኢና ኽንሕግዘን እንኽእል፧

13. (ሀ) ካብቲ እተን ንጓል ይፍታሕ ዝበጽሓኣ ዝነበራ ኣዋልድ ዝገደፋኦ ኣብነት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ (ለ) ኣብ ጉባኤና ንዝርከባ ንጽል ኣሓት በየናይ ካልእ መገዲ ኢና ሓልዮትና ኸነርእየን እንኽእል፧

13 ሓደ ኻብቲ ንኸምዚኣተን ዝኣመሰላ ኣሓት ኽንሕግዘሉ እንኽእል መገዲ ኣብ ጥንታዊ ኣብነት ንረክብ ኢና። ጓል ይፍታሕ ሰብኣይ ንምርካብ ዝነበራ ኣጋጣሚ ምስ ሓደገቶ: ሰባት መስዋእቲ ኸም ዝገበረት ኣስተውዓሉ። ንምትብባዓ እንታይ ተገብረ፧ “እተን ኣዋልድ እስራኤል በብዓመት እናኸዳ ንጓል ይፍታሕ ኣርባዕተ መዓልቲ ይውድሳኣ ነበራ።” (መሳፍንቲ 11:30-40) ብተመሳሳሊ: ነተን ሕጊ ኣምላኽ ዝሕልዋ ንጽል ኣሓት ካብ ልቢ ዝመነጨ ናእዳ ኽንህበን ንኽእል ኢና። a ካልእ ሓልዮት ከነርእየሉ እንኽእል እንታይ መገዲ ኣሎ፧ ኣብ ጸሎትና ንኸምዚኣተን ዝኣመሰላ ፍቑራትን እሙናት ኣሓት ኣብ ኣገልግሎተን ብተኣማንነት ንኽጸንዓ የሆዋ ኽድግፈን ክንልምነለን ንኽእል ኢና። የሆዋን ምልእቲ ክርስትያናዊት ጉባኤን ኣጸቢቖም ከም ዘፍቅርወንን ከም ዘማስዉለንን መረጋገጺ ኽወሃበን ኣለዎ።—መዝሙር 37:28

ንጽል ወለዲ ብኸመይ ከም ዝዕወቱ

14, 15. (ሀ) ንጽል ኣዴታት ካብ የሆዋ ሓገዝ ክሓታ ዘለወን ስለምንታይ እየን፧ (ለ) ንጽል ወለዲ ምስ ጸሎተን ብምስምማዕ እንታይ ክገብራ ይኽእላ፧

14 ንጽል ወለዲ ዝዀና ክርስትያን ኣንስቲ ብዙሕ ጸገማት የጋጥመን እዩ። ይኹን እምበር: ንደቀን ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምዕባይ ካብ የሆዋ ሓገዝ ክረኽባ ይኽእላ እየን። ልክዕ እዩ: ንጽል ወላዲት እንተደኣ ዄንኪ: ኣብ ኵሉ መዳያት ኣደን ኣቦን ክትኰኒ ኣይትኽእልን ኢኺ። ኰይኑ ግን: ንየሆዋ ብእምነት እንተ ለሚንክዮ ብዙሕ ሓላፍነታት ንኽትስከሚ ኽሕግዘኪ እዩ። ንኣብነት: ካብ ዕዳጋ እተፈላለየ ነገራት ዓዲግኪ ናብቲ ርሕቕ ዝበለ ቤትኪ ኽትምለሲ ኸም ዝደለኺ ጌርኪ እሞ ሕሰቢ። መጓዓዝያ ኽትረኽቢ እናኸኣልኪ ኽነስኺ ነቲ ዝዓደግክዮ ነገራት ተሰኪምኪ ብእግርኺ ኽትከዲ ምመረጽክዶ፧ ከም ዘይትመርጺ እተረጋገጸ እዩ! ብተመሳሳሊ: ንየሆዋ ሓገዝ ክትሓትዮ እናኸኣልኪ ኸለኺ: ከቢድ ስምዒታዊ ጾር ንበይንኺ ኣይትሰከምዮ። አረ: ሓገዝ ክትሓትዮ እውን ጻውዒት የቕርብ እዩ። መዝሙር 68:19 ‘እግዚኣብሄር ይባረኽ: ነንመዓልቲ ጾርና ይጸውር አሎ’ ትብል። ብተመሳሳሊ: 1 ጴጥሮስ 5:7 የሆዋ ‘ስለ ዝሓልየልኪ’ ንዅሉ ሓልዮትኪ ኣብኡ ኸተውድቕዮ እያ ጻውዒት እተቕርብ። ስለዚ: ጸገማት ወይ ጭንቀት ክኸብደኪ ኸሎ: ጾርኪ ኣብ ሰማያዊ ኣቦኺ ደርብይዮ: ነዚ ድማ ‘ከየባተኽኪ’ ግበርዮ።—1 ተሰሎንቄ 5:17፣ መዝሙር 18:6፣ 55:22

15 ንኣብነት: ኣደ እንተደኣ ዄንኪ: ደቅኺ ኻብቶም ኣብ ቤት ትምህርቶም ዝርከቡ መዛኑኦም ዝወርዶም ጽልዋ ወይ ንንጽህናኦም ዘጋጥሞም ፈተና ኸም ዘተሓሳስበኪ ዘጠራጥር ኣይኰነን። (1 ቈረንቶስ 15:33) እዚ ብሓቂ ዘተሓሳስብ ጕዳይ እዩ። ክጽለየሉ ዝግባእ ምዃኑ እውን ክርሳዕ የብሉን። እምበኣር: ደቅኺ ናብ ቤት ትምህርቲ ቕድሚ ምኻዶም ብዛዕባ እዚ ጕዳያት እዚ ንምንታይ ምሳታቶም ብሓባር ኴንኪ ዘይትጽልዪ፧ ነዚ ምናልባት ድሕሪ ዕለት ጥቕሲ ኽትገብርዮ ትኽእሊ ኢኺ። ነቲ ጕዳይ ብምጥቃስ ካብ ልቢ ዝግበር ጸሎት ኣብ ኣልባብ እቶም ውሉዳት ሓያል ጽልዋ ኽህልዎ ይኽእል እዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ብትዕግስቲ ቓል የሆዋ ኣብ ኣልባብ ደቅኺ ኽትሰርጺ ኽትጽዕሪ ኸለኺ በረኸቱ ኢኺ እትረኽቢ። (ዘዳግም 6:6, 7፣ ምሳሌ 22:6) ነቲ “ኣዒንቲ እግዚኣብሄርሲ ናብ ጻድቃን እየን ዚርእያ: ኣእዛኑውን ናብ ጸሎቶም እየን” ዝብል ሓሳባት ኣይትረስዕዮ!—1 ጴጥሮስ 3:12፣ ፊልጲ 4:6, 7

16, 17. (ሀ) ሓደ ወዲ ብዛዕባ እቲ ኣዲኡ ዘርኣየቶ ፍቕሪ እንታይ እዩ ዝበለ፧ (ለ) እታ ኣደ ዘንጸባረቐቶ መንፈሳዊ ኣረኣእያ ንደቃ ዝጸለዎም ብኸመይ እዩ፧

16 ኣደ ሽዱሽተ ቘልዑ ዝዀነት ኦሊቭያ ዝገደፈቶ ኣብነት እስከ ንርአ። እቲ ዘይኣማኒ ዝነበረ ሰብኣያ ነታ ሕሳስ ልደ ጓላ ምስ ወለደት ራሕሪሕዋ ኸደ: ንሳ ግን ንደቃ ብመገዲ ኣምላኽ ናይ ምስልጣን ሓላፍነት ወሰደት። ሕጂ ወዲ 31 ዓመት ዝዀነ ክርስትያን ሽማግለን ፓይነርን ኰይኑ ዘገልግል ዘሎ ዳረን ዝበሃል ወዳ: ኣብቲ ግዜ እቲ ወዲ 5 ዓመት ኣቢሉ ነበረ። ኣብ ርእሲ ዘላታ ተወሰኸታ ድማ ኣብቲ እዋን እቲ ዳረን ክሳዕ ሕጂ ዘሸግሮ ሕዱር ሕማም ኣጥረየ። ብዛዕባ ቝልዕነቱ ኽዝክር ከሎ: “ኣብ ሆስፒታል ኣብ ዓራት ኮፍ ኢለ ነደይ ብሃንቀውታ ኽጽበያ ኽሳዕ ሕጂ እዩ ትዝ ዝብለኒ። መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ጥቓይ ኮፍ ኢላ መጽሓፍ ቅዱስ ተንብበለይ ነበረት። ድሕሪኡ ‘ነመስግነካ የሆዋ’ ዘርእስታ መዝሙር መንግስቲ ኣምላኽ ትዝምረለይ። b ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ: ነዛ መዝሙር ኣዝየ እየ ዝፈትዋ” በለ።

17 ኦሊቭያ ኣብ የሆዋ ዝነበራ እምንቶን ፍቕርን ከም ንጽል ኣደ መጠን ንዝረኸበቶ ዓወት ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። (ምሳሌ 3:5, 6) እቲ ሰናይ ኣረኣእያኣ ኣብቲ ንደቃ ዘውጽኣትሎም ሸቶታት ተንጸባሪቑ እዩ። ብዛዕባዚ ዳረን ከምዚ በለ:- “ኣደይ ወትሩ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ሸቶ ንኽንገብር እያ ተተባብዓና ነይራ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣነን ካብተን ሓሙሽተ ኣሓተይ እተን ኣርባዕተን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣተና። እንተዀነ ግን: ኣደይ ብዛዕባዚ ነገራት እዚ ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ኣይተጃህረትን። ነቲ ዘደንቕ ባህርያታ ክቐድሖ እጽዕር እየ።” ልክዕ እዩ: ኵሎም ቈልዑ ኣይኰኑን ዓብዮም ከምቲ ደቂ ኦሊቭያ ዝገብርዎ ንኣምላኽ ዘገልግሉ። ይኹን እምበር: ሓንቲ ኣደ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትመላለስ ዝከኣላ ዅሉ እንተደኣ ገይራ: የሆዋ መምርሕን ፍቕራዊ ደገፍን ከም ዝህባ ኽትተኣማመን ትኽእል እያ።—መዝሙር 32:8

18. ነቲ የሆዋ ብክርስትያናዊት ጉባኤኡ ገይሩ ዝገበረልና ምድላው ከም እነማስወሉ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

18 ኣምላኽ ዝህቦ ዝበዝሕ ደገፍ በታ ክርስትያናዊት ጉባኤ: ማለት በቲ ስሩዕ መንፈሳዊ መግቢ: ብክርስትያናዊ ሕውነት: ከምኡውን በቶም ብመንፈስ ብሱላት ዝዀኑ ‘ውህበት ሰብኡት’ ኣቢሉ እዩ ዝርከብ። (ኤፌሶን 4:8) እሙናት ሽማግለታት “ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን” ፍልይ ዝበለ ቘላሕታ እናሃቡ: ንዅሎም እቶም ኣባላት ጉባኤ ንምህናጽ ኣበርቲዖም እዮም ዝዓዩ። (ያእቆብ 1:27) ስለዚ: ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ንልገብ: ርእስናውን ከቶ ኣይንፍለ።—ምሳሌ 18:1፣ ሮሜ 14:7

ተገዛኢት ምዃን—ዝነኣድ ባህሪ

19. ሰበይቲ ንሰብኣያ ተገዛኢት ምዃና ዝተሓተት ከም ዝዀነት ዘየመልክት ስለምንታይ እዩ: እንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ኣብነት እዩ ነዚ ዝድግፍ፧

19 የሆዋ ንሰበይቲ ደጋፊት ሰብኣይ ክትከውን እዩ ፈጢርዋ። (ዘፍጥረት 2:18) ስለዚ: ሰበይቲ ንሰብኣያ ተገዛኢት ምዃና ዝተሓተት ከም ዝዀነት ፈጺሙ ኣየመልክትን እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ: ነቲ ዘለዋ ብዙሕ ተውህቦን ክእለትን ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ብዝሰማማዕ መገዲ ንኽትጥቀመሉ ስለ ዘፍቅደላ ብዝያዳ እዩ ዘኽብራ። ምሳሌ ምዕራፍ 31 ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ሓንቲ ወሓለ ሰበይቲ እትፍጽሞ ዝነበረት እተፈላለየ ዕዮታት ትገልጽ። ነቶም ስኡናት ትድግፎም: ኣታኽልቲ ወይኒ ትተክል: ከምኡውን ግራት ትዕድግ ነበረት። እወ: “ልቢ ሰብኣያ ይእመና: እቶቱ ከቶ ኣየቋርጽን” ነበረ።—ቍጽሪ 1116, 20

20. (ሀ) ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ነቲ ኣምላኽ ዝሃባ ክእለት ወይ ተውህቦ ብኸመይ እያ ኽትጥቀመሉ ዝግባእ፧ (ለ) ኣስቴር እንታይ ሰናይ ባህርያት እያ ዘንጸባረቐት: የሆዋኸ ብኸመይ እዩ እተጠቕመላ፧

20 ሓንቲ ቦታኣ እትፈልጥ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዋ ሰበይቲ ብትዕቢት ንርእሳ ክብ ኣይተብልን ወይ ምስ ሰብኣያ ኣይትወዳደርን። (ምሳሌ 16:18) ዓለማዊ ነገራት ብምስዓብ ብቐዳምነት ንርእሳ ባህ ዝብላ ኣይትገብርን: የግዳስ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዝረኸበቶ ተውህቦ ንጥቕሚ ኻልኦት ማለት ንጥቕሚ ስድራቤታ: ንጥቕሚ ክርስትያናት ብጾታ: ንጥቕሚ ጐረባብታ: ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ንጥቕሚ የሆዋ እያ እተውዕሎ። (ገላትያ 6:10፣ ቲቶስ 2:3-5) ንኣብነት: ነታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሳ እትርከብ ንግስቲ ኣስቴር እስከ ርአ። መልክዓ ውቅብቲ እኳ እንተ ነበረት: ቦታኣ እትፈልጥን ምእዝዝትን እያ ነይራ። (ኣስቴር 2:13, 15) ንንጉስ ኣሓሽዌሮስ ምስ ተመርዓወት: ከምታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዋሽቲ እትበሃል ሰበይቱ ዘይኰነትስ ብዕምቈት ተኽብሮ ነበረት። (ኣስቴር 1:10-12፣ 2:16, 17) ኣስቴር ንግስቲ ድሕሪ ምዃና እውን ከይተረፈ ነቲ ብዕድመ ዝዓብያ ዝነበረ ማርዶካይ ወዲ ሓወቦኣ ኣብ ግቡእ መዳያት ብኣኽብሮት ትሰምዖ ነበረት። እንተዀነ ግን: ድኽምቲ ኣይነበረትን! ነቲ ንኣይሁድ ከጥፍእ ውዲት ዝኣለመ ሓያልን ሕሱምን ጸላኢ ብትብዓት ኣቃልዓቶ። የሆዋ ንህዝቡ ንምድሓን ንኣስቴር ኣጸቢቑ ተጠቒሙላ እዩ።—ኣስቴር 3:8–4:17፣ 7:1-10፣ 9:13

21. ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብዝያዳ ኽብርቲ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ እያ፧

21 እምበኣር: ኣብ ዝሓለፈ እዋንን ሕጅን ፍርሃት ኣምላኽ ዘለወን ኣንስቲ: ንየሆዋን ኣምልኾኡን ምሉእ ብምሉእ ውፉያት ምዃነን ኣርእየን እየን። ስለዚ: ፍርሃት ኣምላኽ ዘለወን ኣንስቲ ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ክቡራት እየን። ኣትን ክርስትያን ኣሓት: የሆዋ ብመንፈሱ ኣቢሉ ናብ “ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለወ” ዝሓሸ ኽብሪ ዘለዎ “ኣቕሓ” ክቐርጸክን ፍቐዳሉ። (2 ጢሞቴዎስ 2:21፣ ሮሜ 12:2) ብዛዕባ ከምዚኣተን ዝኣመሰላ ኽቡራት ኣምለኽቲ: ቃል ኣምላኽ “ካብ ፍረ ኣእዳዋ ሀብዋ: ኣብ ደጌታትውን ተግባራ ይንአዳ” ይብል። (ምሳሌ 31:31) ንነፍሲ ወከፍክን ከምዚ ኽበሃለልክን ንምነ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ከምዚ ዝኣመሰለ ናእዳ እትህበሉ መገዲ ብዝምልከት ናይ 15 መጋቢት 2002 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 26-8 ተወከስ።

b እዛ መዝሙር እዚኣ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ንየሆዋ መዝሙር ውዳሰ ዘምሩ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ቍጽሪ 26 (212) እያ እትርከብ።

ትዝክሮዶ፧

• ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበራ ገለ ክርስትያን ኣንስቲ ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ኽቡራት ዝዀና ብኸመይ እየን፧

• ኣብዚ ግዜና ዝርከባ ብዙሓት ኣሓት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡራት ዝዀና ብኸመይ እየን፧

• የሆዋ ንንጽል ኣዴታትን ካልኦት ሰብኣይ ዘይብለን ኣሓትን ዝድግፈን ብኸመይ እዩ፧

• ሓንቲ ሰበይቲ ነቲ ናይ ርእስነት ምድላው ካብ ልባ ኸም እተኽብሮ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ሳጹን]

ንምስትንታን ዝኸውን ኣብነታት

ተወሳኺ ኣብነታት ናይተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሳ እሙናት ኣንስቲ ምስ እንደሊ: ኣብ ታሕቲ ተጠቒሱ ዘሎ ጥቕስታት ከነንብብ ንኽእል ኢና። እምበኣር: ብዛዕባ እተን ኣብኡ ተጠቒሰን ዘለዋ ውልቀ-ሰባት ከነስተንትነሉ ኸለና: ነፍሲ ወከፍና ኣብ ህይወትና ብዝያዳ ኽንዓየሉ እንኽእል ስርዓታት ክንረክብ ንጽዓር።—ሮሜ 15:4

ሳራ:- ዘፍጥረት 12:1, 5፣ 13:18ሀ፣ 21:9-12፣ 1 ጴጥሮስ 3:5, 6

ለጋሳት እስራኤላውያን ኣንስቲ:- ዘጸኣት 35:5, 22, 25, 26፣ 36:3-7፣ ሉቃስ 21:1-4

ዴቦራ:- መሳፍንቲ 4:1–5:31

ሩት:- ሩት 1:4, 5, 16, 17፣ 2:2, 3, 11-13፣ 4:15

እታ ሹናማዊት:- 2 ነገስት 4:8-37

እታ ከነኣናዊት:- ማቴዎስ 15:22-28

ማርታን ማርያምን:- ማርቆስ 14:3-9፣ ሉቃስ 10:38-42፣ ዮሃንስ 11:17-29፣ 12:1-8

ጣቢታ:- ግብሪ ሃዋርያት 9:36-41

እተን ኣርባዕተ ኣዋልድ ፊልጶስ:- ግብሪ ሃዋርያት 21:9

ፌቤን:- ሮሜ 16:1, 2

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ነተን ንሕጊ ኣምላኽ ብተኣማንነት ዝሕልዋ ዘይተመርዓዋ ኣሓት ንንእደን ዲና፧

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ውሉዳትኪ ናብ ቤት ትምህርቲ ቕድሚ ምኻዶም ኣብ ጸሎትኪ እንታይ ነገራት ፈሊኺ ኽትጠቕሲ ትኽእሊ፧