ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እምበርዶ ኽትኣምኖ እትኽእል ኣሎ እዩ፧

እምበርዶ ኽትኣምኖ እትኽእል ኣሎ እዩ፧

እምበርዶ ኽትኣምኖ እትኽእል ኣሎ እዩ፧

ብ1989 ግንቢ በርሊን ምስ ፈረሰ: እቲ ተዓቚሩ ዝነበረ ምስጢራት ክቕላዕ ጀመረ። ንኣብነት: ሊድያ a ኣብ ምብራቕ ጀርመን ስርዓተ ሶሻሊስት ኣብ ዝሰፈነሉ እዋን: እቲ ስታዚ ዝበሃል ክፍሊ ሃገራዊ ጸጥታ ንብሕታዊ ንጥፈታታ ዝምልከት ፋይል ሒዙ ኸም ዝነበረ ፈለጠት። ብዛዕባ እቲ ፋይል ምስ ሰምዐት ዋላ እኳ እንተ ተገረመት: ነቲ ሓበሬታ ነቶም ስታዚ ዝሃቦም ብዓል ቤታ ምንባሩ ምስ ፈለጠት ግን ዝገደደ እዩ ኣሰምቢድዋ። እቲ ምሉእ ብምሉእ እትኣምኖ ዝነበረ ሰብ እዩ ኸዲዕዋ።

ሮበርት ዝበሃል ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ንሓኪሙ “ኣጸቢቑ የኽብሮን የድንቖን ይኣምኖን” ምንባሩ ኣብ ለንደን እትሕተም ዘ ታይምስ ገለጸት። እቲ ሓኪም “ሕያዋይን ደንጋጽን” ከም ዝነበረ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። ይኹን እምበር: ሮበርት ብሃንደበት ሞተ። ድኻም ልቢ ወይ ካልእ ከቢድ ሕማም ድዩ ነይርዎ፧ ኣይፋልን። እቶም ነዚ ጕዳይ ዝመርመሩ ሰባት እቲ ሓኪም ናብ እንዳ ሮበርት ብምኻድ ንሱ ኰነ ስድራቤቱ ኸይፈለጡ ዝቐትል መርፍእ ወጊእዎ ኣብ ዝብል መደምደምታ እዮም በጺሖም። ሮበርት በቲ ኣጸቢቑ ዝኣምኖ ዝነበረ ሰብ እዩ ተቐቲሉ።

ሊድያን ሮበርትን ዝኣመንዎ ሰብ እዩ ጠሊምዎም: እዚ ድማ ከቢድ ሳዕቤናት ነበሮ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ከምዚ ዝኣመሰለ ኸቢድ ሳዕቤን ኣይህልዎን ይኸውን። ይኹን እምበር: እቲ ዝኣመንካዮ ሰብ ክጠልመካ ሓድሽ ነገር ኣይኰነን። ሓደ ኣብ ህዝቢ ጀርመን መጽናዕቲ ብምግባር ዝመጸ ቐዳማይ ቦታ ዝወሃቦ ትካል ዘውጽኦ ኣለንስባኸር ያርቡኽ ደር ዴሞስኮፒ 1998-2002 ዝበሃል ጸብጻብ ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ሰባት 86 ሚእታዊት እቲ ዝኣምንዎ ሰብ ከም ዝጠለሞም እዮም ገሊጾም። ምናልባት ንስኻውን ተመሳሳሊ ነገር ኣጋጢሙካ ይኸውን። እምበኣር: እታ ኣብ ስዊዘርላንድ እትሕተም ኖዪ ዙሪኸር ዛይቱንግ እትበሃል ጋዜጣ: ኣብ 2002 “ካብ ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ኣትሒዙ ኣብተን ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ምዕራባውያን ሃገራት ሓባራዊ ምትእምማን እናጐደለ ይኸይድ ኣሎ” እንተ በለት ኣየገርመናን እዩ።

ኣብ ነዊሕ እዋን ትሃንጾ: ኣብ ሓጺር እዋን ግን ይፈርስ

እምነት እንታይ እዩ፧ ዘመናዊ መዝገበ ቓላት ትግርኛ ኣብ ካልኦት እምነት ምሕዳር ክበሃል ከሎ “ሓደ ነገር ወይ ሰብ: ጸግዒ: መድሕን: ወይ ውሕስነት ይኸውን ዚብል ሓሳብ ምህላው” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። ኣብ ካልኦት ዘሎካ እምነት ኣብ ነዊሕ እዋን ኢኻ እትሃንጾ: ኣብ ሓጺር እዋን ግን ክፈርስ ይኽእል እዩ። እምበኣር ብዙሓት እቲ ዝኣምንዎ ሰብ ክጻወተሎም ከሎ ብምርኣዮም: ንኻልኦት ብቐሊሉ ዘይኣምኑ እንተዀኑ ዘገርም ድዩ፧ ብመሰረት እቲ ኣብ 2002 ኣብ ጀርመን እተገብረ መጽናዕቲ “ካብ ሓደ ሲሶ ዝውሕዱ መንእሰያት ጥራይ ንኻልኦት ከም ዝኣምኑ” ተገልጸ።

ስለዚ: ንርእስና ‘እምበርዶ ክንኣምኖ እንኽእል ሰብ ኣሎ እዩ፧ ዝኣመንናዮ ሰብ ክጠልመና ዝኽእል ካብ ኰነ እምነት ምሕዳር ረብሓ ኣለዎዶ፧’ ኢልና ንሓትት ንኸውን።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣስማት ተቐዪሩ እዩ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ሓደ መጽናዕቲ ኸም ዝሕብሮ: ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ሰባት 86 ሚእታዊት እቲ ዝኣምንዎ ኸም ዝጠለሞም ገሊጾም