ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ኻብ ንእስነተይ ጀሚሩ መሃረኒ

የሆዋ ኻብ ንእስነተይ ጀሚሩ መሃረኒ

ታሪኽ ህይወት

የሆዋ ኻብ ንእስነተይ ጀሚሩ መሃረኒ

ሪቻርድ ኣብርሃምሰን ዘዘንተዎ

“ዎ ኣምላኽ: ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ መሀርካኒ: ክሳዕ ሕጂውን ተኣምራትካ ኣወጅኩ።” እዘን ኣብ መዝሙር 71:17 ዝርከባ ቓላት ንዓይ ፍሉይ ትርጕም ዘለወን ስለምንታይ ምዃኑ ኽገልጸልኩም።

እታ ፋኒ ኣብርሃምሰን እትበሃል ኣደይ ብ1924 ምስቶም ሽዑ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝበሃሉ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸበት። ኣብቲ ግዜ እቲ ወዲ ሓደ ዓመት ነበርኩ። ኣደይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቅታት ምስ ተማህረት: ናብ ጐረባብታ ኸይዳ ነቲ ዝፈለጠቶ ነገራት ትነግሮም ነበረት። ንዓይን ነቶም ዓበይቲ ሓወይን ሓብተይን እውን መሃረትና። ቅድሚ ምንባብ ምኽኣለይ: ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ በረኸታት ዝገልጽ ሓያሎ ጥቕስታት ንኽሽምድድ ሓገዘትኒ።

ኣብ መወዳእታ 1920ታት ኣብታ ኣብ ግዝኣት ኦሪገን: ሕ.መ.ኣ.: እትርከብ ተወሊደ ዝዓበኹላ ኸተማ ላ ግራንድ ዝነበረት ንእሽቶ ጕጅለ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ሒደት ኣንስትን ቈልዑን ጥራይ ነበርዋ። ኣብ እተገለለ ቦታ እንርከብ እኳ እንተ ነበርና: ሓንሳእ ወይ ክልተ ሳዕ ኣብ ዓመት ብገየሽቲ ኣገልገልቲ ምብጻሕ ይግበረልና ነበረ። እዞም ገየሽቲ ኣገልገልቲ እዚኣቶም ዘተባብዕ ዝርርባት ይህቡና: ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዝግበር ኣገልግሎት ምሳና ሓቢሮም ይኸዱ: ንቘልዑ እውን ፍሉይ ተገዳስነት የርእዩ ነበሩ። ገለ ኻብዞም ፍቑራት ኣሕዋት እዚኣቶም እኒ ሺልድ ቱትጂያን: ቺን ኦረል: ጆን ቡዝ ይርከብዎም።

ብ1931 ዋላ ሓደ ኻብ ጕጅለና ኣብቲ ኣብ ኮለምበስ: ኦሃዮ: ኣብ እተገብረ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ስም እተቐበሉሉ ዓብዪ ኣኼባ ኣይተኻፈለን። እንተዀነ ግን: እተን ኣብቲ ዓብዪ ኣኼባ ወኪል ዘይለኣኻ ጉባኤታትን ኣብ ምሕድግ ዝበለ ቦታ ዝርከባ ጕጅለታትን ነቲ ስም ከም እተቐበላኦ ኣቕዋመን ንምግላጽ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዘዝርከባኦ ቦታ ኣኼባ ገበራ። እታ ኣብ ላ ግራንድ ዝነበረት ንእሽቶ ጕጅለና እውን ኸምኡ ገበረት። ድሕሪኡ ብ1933 ነታ ዘ ክራይስስ ዘርእስታ ጽሕፍቲ ንምዕዳል ወፈራ ተገብረ: ኣነ ድማ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተዳለወ ኣቀራርባ ኣጽኒዐ ንመጀመርታ ግዜይ ካብ ቤት ናብ ቤት በይነይ ኣገልገልኩ።

ኣብ 1930ታት ንዕዮና ዘጋጥሞ ምጽራር እናወሰኸ ይኸይድ ነበረ። ነዚ ምእንቲ ኽንዋጽኣሉ: እተን ጉባኤታት ዕብይ ዝበለ ኣኼባ ኸም ዘጠቓልላ ኰይነን ተጠርነፋ እሞ ሓንሳእ ወይ ክልተ ሳዕ ኣብ ዓመት ብሓባር ወፈራ ብምግባር ክሰብካ ጀመራ። ኣብቲ ዕብይ ዝበለ ኣኼባታት እንጥቀመሉ ሜላ ስብከት ይንገረና ነበረ: ኣብ መንጎ ዕዮና ጣልቃ ንዝኣተወ ፖሊስ ከመይ ጌርና ብኣኽብሮት ከም እንምልሰሉ እውን ተምሃርና። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ናብ መደበር ፖሊስ ወይ ቤት ፍርዲ ይውሰዱ ስለ ዝነበሩ: “ስርዓት ቤት ፍርዲ” ካብ ዘርእስቱ መምርሒ ወረቐት እተወሰነ ሓሳባት ንለማመደሉ ነበርና። እዚ ኸኣ ነቲ ዘጋጥመና ምጽራር ንኽንዋጽኣሉ ይሕግዘና ነበረ።

ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝገበርክዎ ዕቤት

ብዛዕባቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ከምኡውን ብዛዕባቲ ኣብ ትሕቲ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ዝምልከት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ተስፋ ዝነበረኒ ምርዳእን ሞሳን እናዐበየ ኸደ። ኣብቲ ግዜ እቲ ነቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ክገዝኡ ተስፋ ዘይብሎም ክጥመቑ ኸም ዘድልዮም ብዙሕ ኣይጐልሕን እዩ ነይሩ። (ራእይ 5:10፣ 14:1, 3) ይኹን እምበር: ፍቓድ ኣምላኽ ንኽገብር ካብ ልበይ እንተ ቘሪጸ: ምጥማቐይ ግቡእ ምዃኑ ተነግረኒ። ነዚ ድማ ኣብ ነሓሰ 1933 ፈጸምክዎ።

ወዲ 12 ዓመት ምስ ኰንኩ: መምህረይ ኣብ ቅድሚ ሰባት ዘቕርቦ ዝርርብ ይመሓየሽ ከም ዘሎ ዀይኑ ስለ እተሰምዓ: ነደይ ተወሳኺ ስልጠና ንኽወሃበኒ ፍቓደኛ ኽትከውን ተማሕጸነታ። ኣደይ እዚ ንየሆዋ ብዝሓሸ መገዲ ንኸገልግሎ ኸም ዘኽእለኒ ሓሰበት። በዚ ምኽንያት እዚ: ዓመት ምሉእ ናይታ መምህር ክዳውንቲ ብምሕጻብ ንትምህርተይ ከፈለትለይ። እቲ ስልጠና ኣብ ኣገልግሎተይ ብዙሕ እዩ ጠቒሙኒ። ወዲ 14 ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ከቢድ ሕማም ሓመምኩ: እዚ ድማ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ትምህርተይ ከም ዘቋርጽ ገበረኒ።

ብ1939 ዋረን ሄንሸል ዝበሃል ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ናብ ከባቢና መጸ። a ብመንፈሳዊ መዳይ ንዓይ ከም ዓብዪ ሓወይ እዩ ነይሩ: ንንውሕ ዝበለ ሰዓታት ድማ ናብ ኣገልግሎት ይወስደኒ ነበረ። ነዊሕ ከይጸንሐ ናይ ዕረፍቲ ፓይነር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ግዜያዊ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ኰይነ ንኸገልግል ሓገዘኒ። ኣብታ ኽረምቲ እቲኣ እታ ጕጅለና ጉባኤ ዀነት። ዋረን በዚ ሕጂ ኣጸዋውዓ ናይታ ጉባኤ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ክኸውን ከሎ: ኣነ ድማ መራሒ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዀይነ ተመዘዝኩ። ዋረን ኣብ ቤትኤል ንኸገልግል ናብቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ: ዝርከብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ከደ: ኣነ ናይታ ጉባኤ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ዀንኩ።

ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመርኩ

ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ዀይነ ብምግልጋል ዝረኸብክዎ ተወሳኺ ሓላፍነት ናብ ስሩዕ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኽኣቱ ዝያዳ ባህጊ ኣሕደረለይ። ወዲ 17 ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ሳልሳይ ዓመት ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርተይ ምስ ወዳእኩ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመርኩ። ኣቦይ ከም ናትና ዓይነት ሃይማኖታዊ እምነት እኳ እንተ ዘይነበሮ: ንስድራቤቱ ዝሓልን ብስርዓት ዝመላለስን ሰብኣይ እዩ ነይሩ። ናብ ኮለጅ ክኣቱ እዩ ዝደልየኒ ነይሩ። ይኹን እምበር: መንበርየይን መግበይን እንተ ኽኢለ: ዝደለኽዎ ኽመርጽ ከም ዝኽእል ተዛረበኒ። ስለዚ: ብ1 መስከረም 1940 ፓይነር ኰይነ ኸገልግል ጀመርኩ።

ካብ ቤትና ለቒቐ ክኸይድ ከለኹ: ኣደይ ነተን ኣብ ምሳሌ 3:5, 6 ዝርከባ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” ዝብላ ቓላት ኣንበበትለይ። ብርግጽ ድማ ንዅሉ ነገራት ኣብ ኢድ የሆዋ ምግዳፍ ንዓይ ብዙሕ እዩ ሓጊዙኒ።

ነዊሕ ከይጸናሕኩ ምስ ጆ ሃርትን ማርጋሬት ሃርትን ሓቢረ ኣብ ሰሜናዊ ማእከል ግዝኣት ዋሽንግተን ከገልግል ጀመርኩ። እቲ ዞባ እተፈላለየ ነገራት ዝርከቦ ነበረ። ደምበ ኸብቲ: ደምበ ኣባጊዕ: ዞባታት ቀያሕቲ ህንዳውያን: ከምኡውን ንኣሽቱ ኸተማታትን ኣቝሻትን ይርከቦ ነበረ። ኣብ ጽድያ 1941 ኣብታ ኣብ ግዝኣት ዋሽንግተን እትርከብ ከተማ ወናትቺ ናይ ዝነበረት ጉባኤ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ዀይነ ኸገልግል ተመደብኩ።

ሓደ ግዜ ኣብታ ኣብ ግዝኣት ዋሽንግተን እትርከብ ከተማ ዋላ ዋላ ኣብ ዝገበርናዮ ዓብዪ ኣኼባ ናብቲ ኣደራሽ ዝመጹ ሰባት እናተቐበለኩ ኣአንጋዲ ዀይነ አገልግል ነበርኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሓደ መንእሰይ ነቲ መጕልሒ ድምጺ ንምስራሕ ኣሸጊርዎ ርአኹ። ስለዚ: ነቲ ኣነ እተመደብኩሉ እንተ ዓዩለይ: ኣነውን ነቲ ዕዮኡ ኽዓየሉ ሓሳብ ሃብክዎ። እቲ ሓላፍነት ተዋሂብዎ ዝነበረ ኣልበርት ሆፍማን ዝበሃል ሓው ምስ ተመልሰ እሞ ኣብቲ እተመደብኩሉ ኸም ዘየለኹ ምስ ረኣየ: መምርሒ ኽሳዕ ዝወሃበካ ኣብቲ እተመደብካሉ ዕዮ ጠቢቕካ ምዕያይ ዘለዎ ኣገዳስነት ብፍሽሑው ገጽ ገለጸለይ። ክሳዕ ሕጂ ነቲ ምኽሩ ኣይርስዖን እየ።

ኣብ ነሓሰ 1941 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሰይንት ሎዪስ: ሚዙሪ: ኣዝዩ ዓብዪ ኣኼባ ንምግባር መደባት ገበሩ። ጆ ሃርትን ማርጋሬት ሃርትን ነታ መጽዓኒ ዘለዋ ማኪናኦም መሸፈኒ ገበሩላ: ኮፍ መበሊታት እውን ገጠሙላ። ትሽዓቴና ፓይነራት በታ ማኪና ጌርና ናብ ሰይንት ሎዪስ ንምብጻሕ 2,400 ኪሎ ሜተር ተጓዓዝና። ክንከይድ ሰሙን: ክንምለስ እውን ሰሙን ኣቢሉ ወሰደልና። ኣብቲ ዓብዪ ኣኼባ ኣባላት ፖሊስ ዝለዓለ ቝጽሪ ተኣከብቲ 115,000 ኣቢሉ ኸም ዝነበረ ገመቱ። እንተዀነ ግን: ብዝሒ ተኣከብቲ ኻብኡ ንታሕቲ ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። ካብቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነበሩ 65,000 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዛይድ እዩ ነይሩ ክኸውን ዘለዎ። እቲ ኣኼባ ብመንፈሳዊ ዘነቓቕሕ እዩ ነይሩ።

ኣብ ብሩክሊን ኣብ ዝርከብ ቤትኤል ምግልጋል

ናብ ወናትቺ ምስ ተመለስኩ: ናብቲ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ቤትኤል ንኽመጽእ እትገልጽ ደብዳበ ተቐበልኩ። ብ27 ጥቅምቲ 1941 ኣብ ብሩክሊን ምስ በጻሕኩ: ናብ ቤት ጽሕፈት እቲ ናይ ፋብሪካ ተዓዛቢ ዝነበረ ናታን ኤች. ኖር ተወሰድኩ። ንሱ ድማ ኣብ ቤትኤል ዝግበር ዕዮ እንታይ ምዃኑ ብሕያውነት ገለጸለይ: ኣብኡ ኣሳልጦ ረኺብካ ንምንባር ከኣ ምስ የሆዋ ኽትለግብ ከም ዘድሊ ኣጕልሓለይ። ድሕሪኡ ናብ ክፍሊ ምልኣኽ ጽሑፋት ተወሰድኩ: ካርቶን ዝመልአ ጽሑፋት ክኣስር ድማ ተመደብኩ።

ብ8 ጥሪ 1942 እቲ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓላፍነት ተዋሂብዎ ዝነበረ ጆሴፍ ራዘርፎድ ሞተ። ሓሙሽተ መዓልቲ ጸኒሖም እቶም ናይ ማሕበር ዳይረክተራት ንሓው ኖር ቦታኡ ተኪኡ ንኽዓዪ መዘዝዎ። እቲ ንነዊሕ እዋን ናይ ማሕበር ተሓዝ ገንዘብ ኰይኑ ዘገልገለ ዊልያም ኢ. ቫን ኣምበርግ ነዚ ምልክታ እዚ ንስድራ ቤትኤል ክነግር ከሎ “ሲ. ቲ. ራስል [ብ1916] ሞይቱ ብጄይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ እተተክኣሉ እዋን ይዝከረኒ እዩ። ጐይታ ንዕዮኡ ኻብ ምምራሕን ከም ዝስስን ካብ ምግባርን ኣየቋረጸን። ሕጂውን ናታን ኤች. ኖር ፕረዚደንት ኰይኑ ኣብ ዘገልግለሉ እዋን እቲ ዕዮ ንቕድሚት ክስጕም ምሉእ ዘይጕዱል ትጽቢት ኣሎኒ: ከመይሲ እቲ ዕዮ ናይ ጐይታ ደኣ እምበር ናይ ሰብ ኣይኰነን” በለ።

ኣብ ለካቲት 1942 “ንቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ዝኸውን ተወሳኺ ኮርስ” ከም ዝጅምር ምልክታ ተነግረ። እዚ ኮርስ እዚ ነቶም ኣብ ቤትኤል ዝነበሩ ሰባት ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርእስታት ምርምር ኣብ ምግባር: ንዝህብዎ ዝርርብ ዘድሊ ነጥብታት ብዝግባእ ኣብ ምጥርናፍ: ከምኡውን ነቲ ዝርርብ ጽቡቕ ጌርካ ኣብ ምቕራብ ክእለቶም ንኸመሓይሹ እዩ ተዳልዩሎም። እቲ ብንእስነተይ ዝርርብ ኣብ ምቕራብ እተዋህበኒ ስልጠና ስለ ዝጠቐመኒ: ኣብዚ ትምህርቲ እዚ ቕልጡፍ ምምሕያሽ ክገብር ከኣልኩ።

ነዊሕ ከይጸናሕኩ ኣብቲ ነቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝፍጽምዎ ኣገልግሎት ዝቈጻጸር ናይ ኣገልገሎት ክፍሊ ተመደብኩ። ደሓር በታ ዓመት እቲኣ ኣገልገልቲ ንጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ ምብጻሕ እንደገና ተኣታተወ። ድሕሪ እተወሰነ ግዜ እዞም ገየሽቲ ኣገልገልቲ: ናይ ወረዳ ተዓዘብቲ ተባሂሎም ተጸውዑ። ኣብ ክረምቲ 1942 ነቶም ነዚ ዓይነት ኣገልግሎት ዝዋፈሩ ኣሕዋት ንምስልጣን ኣብ ቤትኤል ኮርስ ተዋህበ: ኣነ ድማ ሓደ ኻብቶም እዚ ስልጠና እዚ ዝወሃቦም ብምዃን ፍሉይ መሰል ረኸብኩ። ብፍላይ ሓደ ኻብቶም መምህራንና ዝነበረ ሓው ኖር “ንሰባት ከተሐጕሱ ኣይትጽዐሩ። ከመይሲ ንዋላ ሓደ ኸየሐጐስኩም ክትተርፉ ኢኹም። ንየሆዋ እንተ ኣሐጒስኩምዎ ግን ንዅሎም እቶም ንየሆዋ ዘፍቅሩ ኸተሐጕስዎም ኢኹም” ብምባል ኣትሪሩ ኽዛረብ ይዝከረኒ።

እቲ ንጉባኤታት ናይ ምብጻሕ ዕዮ ኣብ ጥቅምቲ 1942 ተኣታተወ። ገሌና ኣብ ቤትኤል ዝነበርና ነተን ካብ ከተማ ኒው ዮርክ 400 ኪሎ ሜተር ዘይርሕቓ ጉባኤታት ብምብጻሕ ኣብ እተወሰነ ቐዳመ-ሰናብቲ ኣብዚ ዕዮ እዚ ንካፈል ነበርና። ኣብቲ ምብጻሕ ከኣ ነቲ ናይተን ጉባኤታት ንጥፈታት ኣገልግሎትን ብዝሒ ተኣከብትን ንርእዮ: ምስቶም ኣብተን ጉባኤታት ሓላፍነት እተዋህቦም ኣኼባ ንገብር: ሓደ ወይ ክልተ ዝርርብ ንህብ: ምስቶም ኣብተን ጉባኤታት ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ኣገልግሎት ንኸይድ ነበርና።

ብ1944 ሓደ ኻብቶም ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ዝነበሩ እሞ ንሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ዴላዌር: ሜሪላንድ: ፐንሲልቫንያ: ከምኡውን ቨርጂንያ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ዀይኖም ከገልግሉ እተላእኩ ነበርኩ። ድሕሪኡ ንሒደት ኣዋርሕ ኣብ ከነቲከትን ማሳቹስተስን ሮደ ኣይላንድን ዝርከባ ጉባኤታት በጻሕኩ። ናብ ቤትኤል ምስ ተመለስኩ: ንእተወሰነ እዋን ምስ ሓው ኖርን ምስ ጸሓፊኡ ሚልተን ሄንሽልን ኣብ ቤት ጽሕፈት ዓየኹ: እዚ ድማ ምስ ዓለምለኻዊ ዕዮ ንኽላለ ኣኽኣለኒ። እተወሰነ ግዜ ድማ ኣብ ትሕቲ ዊልያም ኢ. ቫን ኣምበርግን ኣብ ትሕቲ ሓጋዚኡ ግራንት ስዊተርን ኰይነ ኣብ ቤት ጽሕፈት ተሓዝ ገንዘብ ኣገልገልኩ። ድሕሪኡ ብ1946 ኣብ ቤትኤል ናይ ገሊኡ ኣብያተ-ጽሕፈት ተዓዛቢ ዀንኩ።

ኣብ ህይወተይ ዘጋጠመ ዓበይቲ ለውጥታት

ብ1945 ኣብ ጉባኤታት እናኣገልገልኩ ኸለኹ: ኣብ ሮደ ኣይላንድ ኣብ እትርከብ ከተማ ፕሮቪደንስ ምስ ጁሊያ ቻርኖስከስ ተላለኹ። ኣብ መፋርቕ 1947 ብዛዕባ መርዓ ኽንሓስብ ጀመርና። ኣብ ቤትኤል ምግልጋል ብዙሕ እፈትዎ እኳ እንተ ነበርኩ: ኣብቲ ግዜ እቲ ግን ቤትኤላዊት ዘይኰነት ተመርዒኻ ናብ ቤትኤል ንምእታው ምድላዋት ኣይተገብረን ነይሩ። ስለዚ: ኣብ ጥሪ 1948 ካብ ቤትኤል ወጺአ: ንጁሊያ (ንጁሊ) ተመርዓኽዋ። ኣብ ፕሮቪደንስ ኣብ ሓደ ሰፊሕ ድኳን ናይ ክፍለ-ግዜ ስራሕ ረኸብኩ: ብሓባር ድማ ፓይነራት ኴንና ኸነገልግል ጀመርና።

ኣብ መስከረም 1949 ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዊስካንሰን ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይነ ኸገልግል ጻውዒት ቀረበለይ። ኣብታ ጸባ ብብዝሒ ዝርከበላ ግዝኣት ኣብ ንኣሽቱ ኸተማታትን ገጠራትን ምግልጋል ንዓይን ንጁሊን ዓብዪ ለውጢ እዩ ነይሩ። እቲ ቘራሪ ወርሓት ነዊሕን ዛሕሊ ዝበዝሖን እዩ ነይሩ: መብዛሕትኡ ሰሙናት ትሕቲ ዜሮ ክኸውን ከሎ ብዙሕ ውርጪ እውን ይወርድ ነበረ። ማኪና እኳ እንተ ዘይነበረትና: ናብ እትቕጽል ጉባኤ ብማኪና ዘብጽሓና ግን ስኢንና ኣይንፈልጥን ኢና።

ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይነ ኸገልግል ድሕሪ ምጅማረይ ነዊሕ ከይጸናሕኩ: ናይ ወረዳ ኣኼባ ገበርና። ኵሉ ነገራት ብዝግባእ ክዕየ እደሊ ስለ ዝነበርኩ ተጠንቂቐ ኽከታተል ትዝ ይብለኒ: እዚ ኸኣ ንገሊኣቶም ቍሩብ ኣፍርሆም። ስለዚ: እቲ ናይ ኣውራጃ ተዓዛቢ ዝነበረ ኒኮላስ ኮቫላክ እቶም ኣሕዋት በቲ ዝለመድዎ መገዲ ገይሮም ምዕያይ ከም ዝደልዩ: ክሳዕ ክንድዚ ኸኣ ብደቂቕ ክቈጻጸሮም ከም ዘይብለይ ነገረኒ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ እቲ ምኽሩ ኣብ እተመደብኩሉ እተፈላለየ ኸባቢ ብዙሕ ጠቒሙኒ እዩ።

ብ1950 ኣብቲ ንፈለማ ግዜ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዝርከብ ስታድዩም ያንኪ ዝገበርናዮ ዓብዪ ኣኼባ: መሕደሪታት ኣብ ምድላው ግዝያዊ ሓላፍነት ተዋህበኒ። ኣብቲ ዓብዪ ኣኼባ ኻብ 67 ሃገራት ዝመጹ ልኡኻትን 123,707 ዝኣኽሉ ዝለዓለ ቝጽሪ ተኣከብትን ብምንባሮም ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ኽሳዕ መወዳእታ ኣዝዩ ዘሐጕስ ነበረ። ድሕሪ እቲ ዓብዪ ኣኼባ እውን ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይነ ምግልጋል ቀጸልኩ። ናይ ወረዳ ተዓዘቢ ብምዃነይ እንፍጽሞ ዝነበርና ኣገልግሎት ንዓይን ንጁሊን የሐጕሰና ነበረ። ይኹን እምበር: ንዝዀነ ይኹን ዕዮ ርእስና ድሉዋት ክንገብር ደለና። ስለዚ: ኣብ ዓዓመት ኣብ ቤትኤል ወይ ሚስዮናውያን ኴንና ንምግልጋል መመልከቲ ወረቐት ንመልእ ነበርና። ብ1952 ኣብ መበል 20 ኽፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክንኣቱ ምስ ተጸዋዕና ኣዚና ተሓጐስና: ኣብኡ ኸኣ ሚስዮናውያን ንኽንከውን ስልጠና ተዋህበና።

ኣብ ወጻኢ ሃገር ምግልጋል

ብ1953 ምስ ተመረቕና: ናብ ብሪጣንያ ተመደብና: ኣብኡ ድማ ኣብ ደቡብ ዓዲ እንግሊዝ ናይ ኣውራጃ ተዓዛቢ ዀይነ ኣገልገልኩ። ኣብቲ ኣነን ጁሊን ኣጸቢቕና ዝፈተናዮ ኣገልግሎት ሓደ ዓመት ዘይመልእ ምስ ኣገልገልና: ናብ ደንማርክ ንኽንከይድ ምስ ተመደብና ተገሪምና ኢና። ኣብ ደንማርክ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ተዓዛቢ ዀይኑ ዘገልግል ሰብ ኣድልዩ ነበረ። ኣነ ኣብቲ ኸባቢ ብምንባረይን ኣብ ብሩክሊን ከለኹ ነዚ ስልጠና ስለ እተዋህበንን: ሓገዝ ክህብ ተለኣኽኩ። ብጃልባ ናብ ኔዘርላንድስ ድሕሪ ምስጋር: ካብኡ ብመርከብ ጌርና ናብታ ኣብ ደንማርክ እትርከብ ከተማ ኮፐንሃገን ከድና። ብ9 ነሓሰ 1954 ድማ ኣብኡ በጻሕና።

ሓደ ኻብቲ ኣብኡ ዝነበረ ጸገማት ሓላፍነት ዝነበሮም እተወሰኑ ሰባት ካብቲ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ዝወሃብ መምርሒ ዘይምቕባሎም እዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ካብቶም ንጽሑፋትና ናብ ቋንቋ ደንማርክ ዝትርጕሙ ዝነበሩ ኣርባዕተ ተርጐምቲ እቶም ሰለስተ ኻብ ቤትኤል ወጹ: ጸኒሖም ከኣ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበሮም ርክብ ኣቋረጹ። የሆዋ ግን ጸሎትና መለሰልና። እተወሰነ ኽፋል ግዜኦም ኣብ ትርጕም ዝዓዩ ዝነበሩ ዮርገን ላርሰንን ኣና ላርሰንን ዝበሃሉ ኽልተ ፓይነራት: ምሉእ ግዜኦም ኣብ ትርጕም ንኽዓዩ ፍቓደኛታት ኰኑ። ናብ ቋንቋ ደንማርክ ዝትርጐም ዝነበረ መጽሔታትና ዋላ ሓንቲ ሕታም እውን ከይተዘለ ተተርጐመ። ዮርገን ላርሰንን ኣና ላርሰንን ክሳዕ ሕጂ ኣብ ደንማርክ ኣብ ዝርከብ ቤትኤል የገልግሉ ኣለዉ: ዮርገን ከኣ ኣተሓባባሪ ናይቲ ጨንፈር ኮሚተ እዩ።

ሓደ ኻብቲ ኣብቲ ዓመታት እቲ ዘተባብዓና ነገር ሓው ኖር ዝገብሮ ዝነበረ ምብጻሕ እዩ። ግዜ ወሲዱ ኾፍ ኢሉ የዘራርበና: ጸገማት ከጋጥመና ኸሎ ብኸመይ ከም እንዋጽኣሉ ኣብነታት ዝዀነና ተመክሮታት ድማ የዘንትወልና ነበረ። ብ1955 ምብጻሕ ድሕሪ ምግባሩ ንደንማርክ ዘድሊ መጽሔታት ባዕልና ምእንቲ ኽንሓትም: ቤት ማሕተም ዘለዎ ሓድሽ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ክንሃንጽ ውሳነ ተገብረ። ኣብ ሰሜናዊ ኽፋል ኮፐንሃገን ቦታ ተረኽበ: ኣብ ክረምቲ 1957 ከኣ ኣብቲ ሓድሽ እተሃንጸ ህንጻ ኣተና። ሃሪ ጆንሰን ዝበሃል ምስ ካሪን እትበሃል ብዓልቲ ቤቱ ኻብ መበል 26 ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተመሪቑ ናብ ደንማርክ ካብ ዝመጽእ ነዊሕ ዘይገበረ ሓው ነታ ሓታሚት ማኪና ኣብ ምግጥጣምን ከም እትሰርሕ ኣብ ምግባርን ሓገዘና።

ኣብ ደንማርክ ዓበይቲ ኣኼባታት ኣብ ምውዳብ ምምሕያሽ ገበርና: እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘጥረኽዎ ተመክሮ ኸኣ ብዙሕ ጠቐመኒ። እቲ ብ1961 ኣብ ኮፐንሃገን እተገብረ ዓብዪ ኣህጉራዊ ኣኼባ ኻብ ልዕሊ 30 ሃገራት ንዝመጹ ልኡኻት ዘአንገደ እዩ ነይሩ። ዝለዓለ ቝጽሪ ተኣከብቲ 33,513 በጺሑ ነይሩ። ብ1969 ከኣ ኣብ ሃገራት ስካንዲነቭያ ዝበዝሐ ተኣከብቲ እተረኽብዎ ዓብዪ ኣኼባ ገበርና: ሽዑ ድማ ዝለዓለ ቝጽሪ ተኣከብቲ 42,073 ነበረ!

ብ1963 ኣብ መበል 38 ክፍሊ ጊልዓድ ክካፈል ጻውዒት ቀረበለይ። እዚ ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ንዝዓዩ ዘበሉ እተዳለወ ዀይኑ ዓሰርተ ወርሒ ዝወስድ ኮርስ እዩ ነይሩ። ምስቶም ኣብ ብሩክሊን ዝርከቡ ስድራ ቤትኤል እንደገና ሓቢረ: ካብ ተመክሮ እቶም ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ንዝግበር ዕዮታት ዘካይዱ ኽመሃር ኣጋጣሚ ምርካበይ ዘሐጕስ እዩ ነይሩ።

ድሕሪ እቲ ኮርስ ነቲ ኣብ ደንማርክ እተዋህበኒ ሓላፍነታት ንምክያድ ናብታ ሃገር ተመለስኩ። ኣብ ርእሲ እዚውን: ናይ ዞን ተዓዛቢ ዀይነ ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰል ረኸብኩ: ነተን ኣብ ምዕራባውን ሰሜናውን ኣውሮጳ ዝርከባ ጨንፈራት እናበጻሕኩ ድማ ነቶም ኣብኡ ዘገልግሉ ሓላፍነቶም ንምፍጻም ምትብባዕን ሓገዝን ሃብክዎም። ድሕሪኡ ኣብ ምዕራባዊ ኣፍሪቃን ካሪብያንን እውን ናይ ዞን ተዓዛቢ ዀይነ ኣገልጊለ እየ።

ኣብ መወዳእታ 1970ታት እቲ ኣብ ደንማርክ ዝግበር ናይ ትርጕምን ሕትመትን ንጥፈታት እናሰፍሐ ብምኻዱ: ዝዓበየ ህንጻ ኽሃንጹሉ ዝኽእሉ ሰፊሕ ቦታ ኸናድዩ ጀመሩ። ካብ ኮፐንሃገን ብምዕራብ 60 ኪሎ ሜተር ዝኸውን ርሒቕካ ጽቡቕ ቦታ ተረኽበ። ኣነ ድማ ምስ ካልኦት ብሓባር ኰይነ ነዚ ሓድሽ ጨንፈር መደባትን ንድፍን ኣብ ምውጻእ ዓየኹ። ኣነን ጁሊን እውን ኣብዚ ሓድሽ ቤት ምስቲ ስድራ ቤትኤል ክንነብር ብሃንቀውታ ንጽበዮ እኳ እንተ ነበርና: ናይ ምእታው ኣጋጣሚ ግን ኣይረኸብናን።

ናብ ብሩክሊን ምምላስ

ኣብ ሕዳር 1980 ኣነን ጁሊን ኣብ ብሩክሊን ኣብ ዝርከብ ቤትኤል ንኸነገልግል ጻውዒት ቀረበልና። ኣብ መጀመርታ ጥሪ 1981 ድማ ኣብ ብሩክሊን በጻሕና። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ መወዳእታ 50ታት ዕድሜና ነበርና: ዳርጋ ፍርቂ ዕድሜና ምስቶም ኣብ ደንማርክ ዝነበሩ ፍቑራት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ድሕሪ ምግልጋል ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኽንምለስ ቀሊል ኣይነበረን። እንተዀነ ግን: ብዛዕባ እቲ እንፈትዎ ቦታ ምሕሳብ ገዲፍና: ኣብቲ እተመደበልና ዕዮን እቲ ኸምጽኦ ዝኽእል ጸገማት ኣብ ምስጋርን ኣተኰርና።

ኣብ ብሩክሊን ምስ ኣተና ድማ ኣብኡ ተቐመጥና። ጁሊ ምስቲ ኣብ ደንማርክ እትዓዮ ዝነበረት ኣብ ዝመሳሰል ክፍሊ ሕሳብ ተመደበት። ኣነ ድማ ንኣሰራርሓ ጽሑፋትና መደባት ኣብ ምውጻእ ንኽሕግዝ ኣብ ክፍሊ ጽሕፈት ተመደብኩ። ኣብ መጀመርታ 1980ታት እቲ ብናይ ጽሕፈት ማኪናን ብታይፕሰት ዝበሃል መሳርሕን ዝግበር ዝነበረ ዕዮ ብኮምፕዩተርን ብኦፍሰት ሓታሚትን ስለ ዝቐየርናዮ: ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን ዝነበረ ዕዮና ዓብዪ ለውጢ እዩ ተገይሩ። ብዛዕባ ኮምፕዩተራት ዋላ ሓንቲ ዝፈልጦ እኳ እንተ ዘይነበረኒ: ኣሰራርሓታት ኣብ ምድላውን ምስ ሰባት ተሓባቢርካ ኣብ ምዕያይን ግን እተወሰነ ፍልጠት ነበረኒ።

ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ብሕብራዊ ስእልታት ክንሓትም ምስ ጀመርና ነቲ ኽፍሊ ስእሊ ንምድልዳል እንደገና ምውዳቡ ኣድለየ። ናይ ስእሊ ተመክሮ እኳ እንተ ዘይነበረኒ: ኣብ ምውዳቡ ግን ክሕግዝ ከኣልኩ። ስለዚ: ነዚ ኽፍሊ ስእሊ እዚ ንትሽዓተ ዓመት ተዓዛቢ ዀይነ ንኸካይዶ ሓላፍነት ተዋህበኒ።

ብ1992 ነቶም ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተዋጽኡ ኮሚተ ሓተምቲ ንኽሕግዝ ስለ እተመደብኩ: ናብ ቤት ጽሕፈት ተሓዝ ገንዘብ ተመሓላለፍኩ። ኣብኡ ኸኣ ምስ ገንዘብ ኣብ እተሓሓዘ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከገልግል ጀመርኩ።

ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ዝፈጸምክዎ ኣገልግሎት

ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ን70 ዓመት ዝኸውን ህይወተይ ወፍየ ዘሕለፍክዎ ኣገልግሎት: የሆዋ ብቓሉ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብታ እተደንቕ ማሕበሩ ብዘለዉ ሓገዝቲ ኣሕዋትን ኣቢሉ ብትዕግስቲ ምሂሩኒ እዩ። ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንልዕሊ 63 ዓመት ኣገልጊለ እየ: ካብዚ ድማ ልዕሊ 55 ዓመት ምስታ እምንቲ ብዓልቲ ቤተይ ጁሊ እየ ኣሕሊፈዮ። ብሓቂ ብየሆዋ ኣጸቢቐ እተባረኽኩ ዀይኑ እዩ ዝስምዓኒ።

ብ1940 ፓይነር ንክኸውን ካብ ቤትና ለቒቀ ክኸይድ ከለኹ: ኣቦይ ነቲ ውሳነይ ኣባጨወለይ: “ዝወደይ: ነዚ ኽትገብር ካብ ቤትካ እንተ ኼድካ: ሓገዝ ምስ ደለኻ ናባይ ክትምለስ እትኽእል ኰይኑ ኣይሰማዕካ” ድማ በለኒ። ኣብ ዘሕለፍክዎ ዓመታት ከምዚ ኽገብር ኣድልዩኒ ኣይፈልጥን። የሆዋ ዘድልየኒ ዘበለ መብዛሕትኡ ግዜ ብሓገዝቲ ክርስትያናት ብጾተይ ገይሩ ብልግሲ ኣማሊኡለይ እዩ። ጸኒሑ ኣቦይ ንዕዮና ኣኽቢሩ ኽርእዮ ጀመረ: ብ1972 ቅድሚ ሙማቱ ኸኣ እተወሰነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ተማሂሩ ነይሩ። እታ ሰማያዊ ተስፋ ዝነበራ ኣደይ ብ1985 ኣብ 102 ዕድሚኣ ኽሳዕ እትመውት ብተኣማንነት ንየሆዋ ኣገልጊላ እያ።

ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጸገማት ዘጋጥም እኳ እንተዀነ: ኣነን ጁሊን ነቲ እተመደብናሉ ኽንሓድጎ ዝብል ሓሳብ መጺኡና ኣይፈልጥን እዩ። የሆዋ ኣብዚ ውሳነና ጸኒዕና ንኽንቅጽል ወትሩ ይሕግዘና እዩ። ወለደይ ምስ ኣረጉን ሓገዝ ምስ ኣድለዮምን እውን ቪክቶርያ ማርሊን እትበሃል ሓብተይ ብሕያውነት ኣልያቶም እያ። ነቲ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኽንቅጽል ዘኽኣለና ብፍቕሪ ተደሪኻ ዝገበረቶ ኣበርክቶ ኣዚና ኢና ነማስወሉ።

ጁሊ ኣብ ኵሉ እቲ እተመደብክዎ ቦታታት ብተኣማንነት እያ ደጊፋትኒ። ነዚውን ከም ክፍሊ እቲ ንየሆዋ ዝገበረቶ ወፈያ ገይራ እያ እትርእዮ ነይራ። ኣብዚ እዋን እዚ ወዲ 80 ዓመትን እተወሰነ ናይ ጥዕና ጸገማት ዘሎኒን እኳ እንተ ዀንኩ: የሆዋ ኣብዚሑ ኸም ዝባረኸኒ ግን ይስምዓኒ እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ኣምላኽ ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ኸም ዝመሃሮ ድሕሪ ምጥቃስ “ነቲ ዚመጽእውን ስልጣንካ ኽሳዕ ዘበስሮምሲ: ዎ ኣምላኽ: ብእርግናይ ምስ ሸየብኩ እኳ ኣይትሕደገኒ” ብምባል እተዛረቦ ሓሳባት ብዙሕ ዘተባብዕ ኰይኑ እየ ረኺበዮ።—መዝሙር 71:17, 18

[እግረ-ጽሑፍ]

a ዋረን ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ ዘገልገለ ሚልተን ሄንሸል ዓብዪ ሓዉ እዩ።

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ብ1940 ፓይነር ኰይነ ኸገልግል ኣብ ዝጀመርኩሉ እዋን ምስ ኣደይ

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ምስቶም ፓይነር ከለኹ መገላግልተይ ዝነበሩ ጆ ሃርትን ማርጋሬት ሃርትን

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ጥሪ 1948 ኣብ እተመርዓናላ ዕለት

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ብ1953 ኣብ ጊልዓድ መማህርተይ ምስ ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን። ካብ ጸጋም ናይ የማን:- ዶን ዋርድ: ቨርጂንያ ዋርድ: ሄርቱይዳ ስቴሀንጋ: ጁሊ: ከምኡውን ኣነ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ብ1961 ምስ ፍረደሪክ ዳብሊው. ፍራንዝን ናታን ኤች. ኖርን ኣብ ኮፐንሃገን: ደንማርክ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ኣብዚ ቐረባ እዋን ምስ ጁሊ