ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምድሪ ገነት ከም እትኸውን ክትተኣማመን ትኽእል ኢኻ

ምድሪ ገነት ከም እትኸውን ክትተኣማመን ትኽእል ኢኻ

ምድሪ ገነት ከም እትኸውን ክትተኣማመን ትኽእል ኢኻ

ኣብ መላእ ታሪኽ ወድሰብ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ መወዳእታ ንምድሪ ሓዲጎም ናብ ሰማይ ከም ዝኸዱ ይኣምኑ እዮም። ገሊኣቶም ፈጣሪና ምድሪ ንሓዋሩ መንበሪትና ኽትከውን ኢሉ ኸም ዘይሓሰበ እዮም ዝኣምኑ። ገሊኣቶም መነንቲ እሞ ኸኣ ዝገደደ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም። ካብዚኣቶም እቶም ዝበዝሑ ምድርን ኵሉ ስጋዊ ነገራትን እኩይ ምዃኑ ከምኡውን መንፈሳዊ ዕግበት ንኸይትረክብን ናብ ኣምላኽ ንኸይትቐርብን ዕንቅፋት ከም ዝኸውን እዮም ዝኣምኑ።

እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያታት ዘለዎም ሰባት ነቲ ኣምላኽ ምድሪ ገነት ከም እትኸውን ዝገለጾ ነገራት ዘይፈልጡ ወይ ከኣ ኰነ ኢሎም ዕሽሽ ዝብልዎ እዮም። አረ ኣብዚ ግዜናስ ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣምላኽ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ብመንፈሱ ገይሩ ዘጽሓፎ ኣብ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ትምህርቲ ንኽምርምሩ ተገዳስነት የብሎምን። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) እንተዀነ ግን: ሰባት ዘመነጭዎ ኽልሰ-ሓሳባት ካብ ምቕባል ኣብ ቃል ኣምላኽ እምንቶ ምሕዳርዶ ኣይምሓሸን፧ (ሮሜ 3:4) መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ሓያል ዘይርአ እኩይ ፍጥረት ንሰባት ብመንፈሳዊ ኸም ዘዖሮምን ‘ንብዘላ ዓለም የስሕታ ኸም ዘሎን’ ስለ ዝገልጽ: ኣብ ቃል ኣምላኽ እምንቶ ኸነሕድር ኣሎና።—ራእይ 12:9፣ 2 ቈረንቶስ 4:4

ምድንጋር እተፈጥረ ስለምንታይ እዩ፧

ሰባት ብዛዕባ ነፍሲ ዘለዎም ንሓድሕዱ ዝጋጮ ሓሳባት ኣብቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ምድሪ ዘለዎ ዕላማ ኸም ዝደናገሩ ገይርዎም እዩ። ብዙሓት ሰባት ካብ ሰብኣዊ ኣካል እተፈልየት ኣብ ግዜ ሞት ካብ ኣካላትና ተፈልያ እትኸይድ ዘይትመውት ነፍሲ ኸም ዘላትና እዮም ዝኣምኑ። ገሊኣቶም ድማ ነፍሲ ቕድሚ ኣካል ሰብ ምፍጣሩ ብህይወት ከም ዝነበረት ይኣምኑ። እቲ ፕላቶ ዝበሃል ግሪኻዊ ፈላስፋ ነፍሲ “ኣብ ሰማይ ከላ ሓጢኣት ብምፍጻማ ኸም መቕጻዕቲ ኣብ ኣካል ትዳጐን” ዝብል እምነት ከም ዝነበሮ ሓደ ጽሑፍ ይገልጽ። ብተመሳሳሊ: ኣብ ሳልሳይ ዘመን ዝነበረ ኦሪጀን ዝበሃል ናይ ሃይማኖት ምሁር “ነፍሳት ምስ ኣካል ቅድሚ ምሕባረን [ኣብ ሰማይ] ሓጢአን እየን:” ስለዚ ድማ “ሓጢኣት ብምፍጻመን ንክቕጽዓ [ኣብ ምድሪ መጺአን ኣብ ኣካል ሰብ ብምእታው] ተኣሲረን” በለ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ እውን ምድሪ ናብ ሰማይ ኣብ ዝግበር ጕዕዞ መፈተኒት ቦታ ጥራይ ከም ዝዀነት እዮም ዝኣምኑ።

ሰብ ድሕሪ ሙማቱ ነፍሲ እንታይ ከም እትኸውን እውን እተፈላለየ ሓሳባት እዩ ዘሎ። ብመሰረት እታ ሂስትሪ ኦቭ ዌስተርን ፊሎዞፊ ዘርእስታ መጽሓፍ: ግብጻውያን “ናይ ምዉታት ነፍሳት ናብ ትሕቲ ዓለም ይወርዳ” ዝብል ኣረኣእያ ነበሮም። ጸኒሖም ፈላስፋታት ናይ ምዉታት ነፍሳት ናብ ትሕቲ ዓለም ዝርከብ ጸልማት ዘይኰነስ ናብ ዝለዓለ መንፈሳዊ ዓለም ከም ዝዓርጋ ገለጹ። እቲ ሶቅራጦስ ዝበሃል ግሪኻዊ ፈላስፋ: ሰብ ክመውት ከሎ ነፍሲ “ናብ ዘይርአ ቦታ ትኸይድ . . . እቲ ዝተረፈ ህይወታ ድማ ምስ ኣማልኽቲ ተሕልፎ” ዝብል ኣረኣእያ ነበሮ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣብቲ ኣምላኽ ብመንፈሱ ዘጽሓፎ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ደቅሰብ ዘይትመውት ነፍሲ ኣላቶም ዝብል ሓሳባት ፈጺምካ ኣይርከብን እዩ። ነዚ መርትዖ እንተ ደሊኻ ዘፍጥረት 2:7 ኣንብብ። እታ ጥቕሲ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ: ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነ” ትብል። እዚ ንጹርን ዘየማትእን እዩ። ኣምላኽ ነቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣይ ዝነበረ ኣዳም ክፈጥሮ ኸሎ: ሓንቲ ረቃቕ ነገር ኣይኰነን ኣብ ውሽጡ ኣእትዩሉ። መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነ” እዩ ዝብል። እቲ ሰብ ነፍሲ ኣትያቶ ዘይኰነስ: ንሱ ባዕሉ እዩ ነፍሲ ዀይኑ።

የሆዋ ንምድርን ንሰባትን ክፈጥር ከሎ: ሰብ ንኽመውት ዝብል ዕላማ ኣይነበሮን። ዕላማ ኣምላኽ ደቅሰብ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ክነብሩ እዩ ነይሩ። ኣዳም ሕጊ ኣምላኽ ብምጥሓሱ እዩ ሞይቱ። (ዘፍጥረት 2:8, 15-17፣ 3:1-6፣ ኢሳይያስ 45:18) እቲ ቐዳማይ ሰብ ምስ ሞተ ናብ መንፈሳዊ ዓለም ከይዱ ድዩ፧ ኣይፋሉን! እቲ ነፍሲ ዀነ እተባህለሉ ኣዳም ናብቲ እተፈጥረሉ ህይወት ዘይብሉ ሓመድ እዩ ተመሊሱ።—ዘፍጥረት 3:17-19

ኵላትና ኻብ ኣቦና ኣዳም ሓጢኣትን ሞትን ወሪስና ኢና። (ሮሜ 5:12) እቲ ዝወረስናዮ ሞት ልክዕ ከምቲ ንኣዳም ዘጋጠሞ: ዘይምህላው ማለት እዩ። (መዝሙር 146:3, 4) አረ ኣብተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከባ 66 መጻሕፍትስ እተን “ዘይትመውት” ወይ “ዘለኣለማዊ” ዝብላ ቓላት ምስታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ብምትሕሓዝ ፈጺሙ ኣይተጻሕፈለንን። እኳ ደኣስ ነፍሲ ወይ ከኣ ሰብ መዋቲ ምዃኑ ቕዱሳት ጽሑፋት ብንጹር እዩ ዝገልጽ። እወ: ነፍሲ ትመውት እያ።—መክብብ 9:5, 10፣ ህዝቅኤል 18:4

ኵሉ ስጋዊ ነገራት ብሱሩ እከይ ድዩ፧

ብዛዕባቲ ስጋዊ ነገራትን ምድርን ኣብኣ ዘሎን እከይ እዩ ዝብል ሓሳባትከ እንታይ እዩ ዝበሃሎ፧ እቶም ነቲ ማኒቻዪዝም ዝበሃል ብሳልሳይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ብማኒ ዝበሃል ውልቀ-ሰብ ኣብ ፋርስ እተመስረተ ሃይማኖታዊ ምንቅስቓስ ዝስዕቡ ሰባት ከምዚ ዓይነት እምነት እዩ ነይርዎም። ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ “ማኒቻዪዝም ካብቲ ወድሰብ ኣብ ውሽጡ ዘለዎ ኸቢድ ስቓይ ዝመነጨ እዩ” በለ። እቲ ማኒ ዝበሃል ሰብኣይ: ሰብ ምዃን “ዘይባህርያዊ: ክትጾሮ ዘይከኣል: ከምኡውን ምሉእ ብምሉእ እከይ” ከም ዝዀነ እዩ ዝኣምን ነይሩ። ካብዚ “ኸቢድ ስቓይ” እዚ ኸተምልጠሉ እትኽእል እንኮ መገዲ: ነፍሲ ኻብ ኣካል ብምውጻእ ነዛ ምድሪ እዚኣ ሓዲጋታ ምስ እትኸይድን ኣብ መንፈሳዊ ዓለም መንፈሳዊ ኣካል ሒዛ ምስ እትነብርን እዩ ዝብል እምነት ነበሮ።

ብኣንጻሩ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ንምድርን ደቅሰብን ምስ ፈጠሮም “ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ” “ብዙሕ ጽቡቕ” ከም ዝዀነ ገይሩ ይርእዮ ምንባሩ እዩ ዝገልጸልና። (ዘፍጥረት 1:31) ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ መንጎ ሰባትን ኣምላኽን ጋግ ኣይነበረን። ከምቲ እቲ ፍጹም ሰብ ዝነበረ የሱስ ክርስቶስ ምስ ሰማያዊ ኣቦኡ ናይ ማሕርሮ ርክብ ዝነበሮ: ኣዳምን ሄዋንን እውን ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ነበሮም።—ማቴዎስ 3:17

እቶም ቀዳሞት ወለድና ኣዳምን ሄዋንን እንተ ዘይሓጥኡ ነይሮም: ኣብታ ምድራዊት ገነት ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ሃልይዎም ንዘለኣለም ምነበሩ ነይሮም። ህይወቶም ኣብ ገነት እዮም ጀሚሮምዋ። ከመይሲ ቅዱሳት ጽሑፋት “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ኣብ ኤድን ብሸነኽ ምብራቕ ገነት ተኸለ። ነቲ ዝገበሮ ሰብ ድማ ኣብኣ ኣንበሮ” እዩ ዝብል። (ዘፍጥረት 2:8) ሄዋን እውን ኣብታ ገነት ዝዀነት ስፍራ ኣታኽልቲ እቲኣ እያ ተፈጢራ። ኣዳምን ሄዋንን ሓጢኣት እንተ ዘይገብሩ ነይሮም: ንሳቶምን እቶም ፍጹማት ዘርኦምን ምልእቲ ምድሪ ገነት ክሳዕ እትኸውን ተሓጒሶም ብሓባር ምዓየዩዋ ነይሮም። (ዘፍጥረት 2:21፣ 3:23, 24) እታ ምድራዊት ገነት እውን ዘለኣለማዊት መንበሪት ደቅሰብ ምዀነት ነይራ።

ገሊኣቶም ናብ ሰማይ ዝኸዱ ስለምንታይ እዮም፧

‘እንተዀነ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናብ ሰማይ ዝኸዱ ሰባት ይዛረብዶ ኸይኰነ፧’ ትብል ትኸውን። እወ: ኣይተጋገኻን። ኣዳም ምስ ሓጥአ: የሆዋ ሓንቲ ሰማያዊት መንግስቲ ኽምስርት ዕላማ ገበረ። ኣብዛ መንግስቲ እዚኣ ገለ ኻብ ዘርኢ ኣዳም ምስ የሱስ ኰይኖም ‘ኣብ ምድሪ ኽነግሱ’ መደብ ገበረ። (ራእይ 5:10፣ ሮሜ 8:17) እዞም ሰባት እዚኣቶም ብትንሳኤ ዘይትመውት ህይወት ረኺቦም ናብ ሰማይ ክኸዱ እዩ ተመዲቡሎም። ኵሉምሎም 144,000 ክዀኑ ኸለዉ: እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ እሙናት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ድማ እቶም ፈለምቲ እዮም።—ሉቃስ 12:32፣ 1 ቈረንቶስ 15:42-44፣ ራእይ 14:1-5

ይኹን እምበር: ቅኑዓት ደቅሰብ ንምድሪ ሓዲጎም ናብ ሰማይ ክኸዱ ኻብ ፈለማ ኣትሒዙ ዕላማ ኣምላኽ ኣይነበረን። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እኳ “ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይውን ዘሎ ወዲ ሰብ: ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን” ኢሉ እዩ። (ዮሃንስ 3:13) ኣምላኽ በቲ “ወዲ ሰብ” እተባህለ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ነቶም ኣብ መስዋእቲ የሱስ ዝኣምኑ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽረኽቡ ዘኽእሎም በጅነት ኣዳለወሎም። (ሮሜ 5:8) ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ቕኑዓት ሰባት ግን ኣበይ እዮም ንዘለኣለም ክነብሩ፧

እቲ ናይ መጀመርታ ዕላማ ኣምላኽ ክፍጸም እዩ

ካብ ደቅሰብ እተወሰኑ ሰባት ምስ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ሰማያዊ መንግስቱ ዀይኖም ንኽገዝኡ ዕላማ ኣምላኽ እኳ እንተ ነበረ: ኵሎም ሰባት ናብ ሰማይ ይኸዱ ማለት ግን ኣይኰነን። የሆዋ ንምድሪ ዝፈጠራ ገነት ኰይና ንደቅሰብ መንበሪት ክትከውን ኢሉ እዩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣምላኽ ነቲ ናይ መጀመርታ ዕላማኡ ኽፍጽሞ እዩ።—ማቴዎስ 6:9, 10

የሱስ ክርስቶስ ምስቶም መጋዝእቱ ሓቢሩ ኣብ ዝገዝኣሉ እዋን ኣብ ብዘላ ምድሪ ሰላምን ሓጐስን ክሰፍን እዩ። (መዝሙር 37:9-11) እቶም ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ዘለዉ ኽትንስኡን ፍጹም ጥዕና ኽህልዎምን እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) እቶም እዙዛት ደቅሰብ ንኣምላኽ እሙናት ብምዃኖም ነቲ እቶም ቀዳሞት ወለዲ ዘጥፍእዎ ነገር ማለት ኣብ ምድራዊት ገነት ፍጹም ዘለኣለማዊ ህይወት ረኺቦም ክነብሩ እዮም።—ራእይ 21:3, 4

የሆዋ ኣምላኽ ዕላማኡ ምፍጻም ስኢኑ ኣይፈልጥን እዩ። ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ “ዝናምን ውርጭን ካብ ሰማይ ከም ዚወርድ እሞ ንምድሪ ኸየስተዮ: ከም ዜፍርን ከም ዜብቍልን ከኣ ከይገበሮ: ዘርኢ ንዘራኢ: ምግቢ ንተቐላቢ ድማ ከይሀቦ: ንድሕሪት ከም ዘይምለስ: እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ: ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ: ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር: ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ” በለ።—ኢሳይያስ 55:10, 11

ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ኢሳይያስ: ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ዝህሉ ህይወት ከመይ ምዃኑ ንርኢ ኢና። ኣብታ ገነት ዝነብር ዋላ ሓደ ሰብ “ሕሙም እየ” ኣይክብልን እዩ። (ኢሳይያስ 33:24 ትርጕም 1990) እንስሳታት ንደቅሰብ ዘስግኡ ኣይክዀኑን እዮም። (ኢሳይያስ 11:6-9) ሰባት ጽቡቕ ኣባይቲ ኽሰርሑን ክነብሩሉን: ኣታኽልቲ ኽተኽሉን ፍሪኡውን ክበልዑን እዮም። (ኢሳይያስ 65:21-25) ብዘይካዚውን ኣምላኽ “ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ: እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንንብዓት ካብ ገጽ ኵሎም ኪደርዞ እዩ።”—ኢሳይያስ 25:8

ድሕሪ ሓጺር ግዜ እዙዛት ደቅሰብ ኣብ ትሕቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ክነብሩ እዮም። “ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ” ኽወጹ እዮም። (ሮሜ 8:21) ኣብታ መብጽዓ እተገብረላ ምድራዊት ገነት ምንባርሲ ኽሳዕ ክንደይ ዘደንቕ ኰን እዩ ክኸውን! (ሉቃስ 23:43) እምበኣር: ሕጂ በቲ ርጡብ ፍልጠት ቅዱሳት ጽሑፋት እንተ ተመላሊስካን ኣብ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን እንተ ኣሚንካን: ኣብታ ገነት ክትነብር ትኽእል ኢኻ። ምድሪ ገነት ክትከውን ዝብል እምነት ርትዓዊ ምዃኑ እውን ክትተኣማመን ትኽእል ኢኻ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ምድራዊት ገነት ንዘለኣለም ክነብሩ እዮም ተፈጢሮም

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ምድራዊት ገነት . . .

ኣባይቲ ኽሃንጹ እዮም

ኣታኽልቲ ወይኒ ኽተኽሉ እዮም

በረኸት የሆዋ ኽረኽቡ እዮም

[ምንጪ ስእሊ]

U.S. Fish & Wildlife Service, Washington, D.C./NASA