ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምድሪ ገነት ክትከውን ዝብል እምነት ርትዓዊ ድዩ፧

ምድሪ ገነት ክትከውን ዝብል እምነት ርትዓዊ ድዩ፧

ምድሪ ገነት ክትከውን ዝብል እምነት ርትዓዊ ድዩ፧

ምድሪ ገነት ክትከውን እያ ኢሎም ዝኣምኑ ሰባት ሒደት እዮም። አረ ዝበዝሑሲ ፈጺማ ኽትጠፍእ እያ ኢሎም እዮም ዝኣምኑ። ብመሰረት እታ ብሪያን ሊ ሞሊኖ ዝጸሓፋ ዘ ሰክሬድ አርዝ ዘርእስታ መጽሓፍ: እዛ ምድሪ እዚኣ ሚልዮናት ዓመታት ይገብር ‘ኣብ ኣድማስ ብዘጋጠመ ዓብዪ ንትጓ’ እያ ኣብ ህላወ መጺኣ። ወድሰብ ባዕሉ ንምድሪ እንተ ዘየጥፊእዋ እውን ውዒላ ሓዲራ ምድሪ ዀነት ብምሉኡ ኣድማስና “ነዳዲ ኵዕሶ ብምዃን ተጨቢጡ ኽጠፍእ” ምዃኑ እያ እትገልጽ።

እቲ ኣብ መበል 17 ዘመን ዝነብር ዝነበረ ጆን ሚልተን ዝበሃል እንግሊዛዊ ገጣሚ ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ሓሳባት ኣይነበሮን። ኣብታ ፓራዳይዝ ሎስት ዘርእስታ ህብብቲ ግጥሙ: ኣምላኽ ንምድሪ ዝፈጠራ ደቅሰብ ዝነብሩላ ገነት ኰይና ንኸተገልግል ምዃኑ ጸሓፈ። እታ ቐዳመይቲ ገነት እኳ እንተ ጠፍአት: ካልእ ገነት እንደገና ኸም እትመጽእ ይኣምን ነበረ። እዚ ሰብኣይ እዚ የሱስ ክርስቶስ ተበጃዊ ብምዃን ሓደ መዓልቲ “ነቶም እሙናቱ ዓስቦም ክህቦምን ኣብ ሰማይ ወይ ኣብ ምድሪ ፍጹም ሓጐስ ናብ ዝረኽቡሉ ቦታ ክቕበሎምን እዩ” በለ። ብምትእምማን ከኣ “ኣብቲ ግዜ እቲ ምድሪ ብምልእታ ገነት ክትከውን እያ” በለ።

ገነት ኣብ ሰማይ ድያ ወይስ ኣብ ምድሪ፧

ብዙሓት ሃይማኖታውያን ሰባት: እዚ ሕጂ ኣብ ምድሪ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ራዕድን ስቓይን ኣብ መወዳእታ ገለ ዓይነት ካሕሳ ኸም ዝረኽቡሉ ዝገልጽ ኣረኣእያ ሚልተን ይሰማምዑሉ እዮም። እንተዀነ ግን: ነዚ ዓስቢ እዚ ኣበይ እዮም ክረኽብዎ፧ ‘ኣብ ሰማይ ድዩ ወይስ ኣብ ምድሪ፧’ ገሊኣቶም ኣብ ምድሪ እዩ ዝብል ሓሳብ ኣይቅበልዎን እዮም። ሰባት ፍጹም ሓጐስ ክህልዎም ዝኽእል ካብ ምድሪ ናብቲ መንፈሳዊ ዓለም ዘለዎ ሰማይ ምስ ከዱ ጥራይ እዩ ይብሉ።

እታ ኮሊን መክዳነልን በርንሃርድ ላንግን ዝደረስዋ ሄቨን—ኤ ሂስትሪ ዘርእስታ መጽሓፍ: ኣብ ካልኣይ ዘመን ዝነብር ዝነበረ ኢሪንየስ ዝበሃል ናይ ሃይማኖት ምሁር ኣብታ ብሕጂ እትመጽእ ገነት ዝህሉ ህይወት “ኣብ ርሑቕ ሰማያዊ ዓለም ዘይኰነስ ኣብ ምድሪ” ከም ዝኸውን ይኣምን ምንባሩ ትገልጽ። ብዘይካዚ: እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸም እኒ ጆን ካልቪንን ማርቲን ሉተርን ዝኣመሰሉ መራሕቲ ሃይማኖት ናብ ሰማይ ክኸዱ እኳ ተስፋ ይገብሩ እንተ ነበሩ: “ኣምላኽ ንምድሪ ኸም ዘሐድሳ” እውን ይኣምኑ ምንባሮም ትገልጽ። ኣባላት ካልኦት ሃይማኖታት እውን ተመሳሳሊ እምነት ኣለዎም። ገሊኣቶም ኣይሁድ: ኣምላኽ ኣብ ዝመደቦ ግዜ ዅሉ እቲ ጸገማት ደቅሰብ “ክውገድን ሰባት ኣብ ምድሪ ዘዕግብ ህይወት ክመርሑን” ምዃኖም ከም ዝኣምኑ መክዳነልን ላንግን ገሊጾም እዮም። ጥንታዎት ፋርሳውያን “ምድሪ ናብቲ ፈለማ ዝነበረትሉ ዅነታት ከም እትምለስን ሰባት ከም ብሓድሽ ብሰላም ከም ዝነብሩን” ይኣምኑ ምንባሮም ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ሚድል ኢስተርን ሚቶሎጂ ኤንድ ረሊጅን ዝበሃል መዝገበ-ፍልጠት ይገልጽ።

እቲ ምድሪ ገነት ክትከውን ዝብል እምነት ደኣ እሞ ናበይ ኣቢሉ ተሰዊሩ፧ ኣብ ምድሪ ንግዜኡ ጥራይ ክንነብር ዲና ተፈጢርና፧ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነብር ዝነበረ ፊሎ ዝበሃል ኣይሁዳዊ ፈላስፋ ዝበሎ: እዛ ኣብ ምድሪ እነሕልፋ ህይወት ናብቲ መንፈሳዊ ዓለም ኣብ እንገብሮ ጕዕዞ እተሰጋግር “ሓጻርን መብዛሕትኡ ግዜ ዘይተዓደለትን” ድያ፧ ወይስ ኣምላኽ ንምድሪ ፈጢሩ ሰባት ኣብኣ ኣብ ገነት ከንብሮም ከሎ ሓደ ፍልይ ዝበለ ዕላማ እዩ ነይርዎ፧ ወድሰብ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ዕግበትን ፍጹም ሓጐስን ክረክብ ይኽእል ድዩ፧ ብዛዕባዚ ጕዳይ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝብል ንምንታይ ዘይንምርምር፧ ምናልባት ንስኻውን ከምቲ ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ዝኣምኑሉ: ምድሪ ገነት ክትከውን ዝብል እምነት ብርግጽ ርትዓዊ እዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ ትበጽሕ ትኸውን።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ጆን ሚልተን ዝበሃል ገጣሚ ገነት ከም ብሓድሽ ከም እትቐውም ይኣምን ነበረ

[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

COVER: Earth: U.S. Fish & Wildlife Service, Washington, D.C./NASA

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Earth: U.S. Fish & Wildlife Service, Washington, D.C./NASA; John Milton: Leslie’s