ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሰባት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንክቕበሉ ሓግዞም

ሰባት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንክቕበሉ ሓግዞም

ሰባት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንክቕበሉ ሓግዞም

“ኣግሪጳ ኸኣ ንጳውሎስ፤ ክርስትያን ንምዃን ከተረድኣኒ ቕሩብ ተሪፉካ: በሎ።” —ግብሪ ሃዋርያት 26:28

1, 2. ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ፌስጦስን ንጉስ ኣግሪጳ ዳግማይን ክቐርብ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

 ብ58 ከ.ኣ.ዘ. ንጉስ ኣግሪጳ ዳግማይን በርኒቄ ሓብቱን: ነቲ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ጶርቅዮስ ፌስጦስ ብዝገበረሎም ዕድመ ክበጽሕዎ ናብ ቂሳርያ ምስ ወረዱ: “ምስቶም ሓላቑ ሽሕን ዓበይቲ ኸተማን ብብዙሕ ግርማ ናብ ኣዳራሽ ፍርዲ አተዉ።” ፌስጦስ ከኣ ነቲ ክርስትያን ዝዀነ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምጽእዎ ኣዘዘ። እዚ ሰዓቢ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ፌስጦስ ንፍርዲ ክቐርብ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧—ግብሪ ሃዋርያት 25:13-23

2 ፌስጦስ ነቶም ኣጋይሹ ዝነገሮም ነገራት ነዛ ሕቶ እዚኣ መልሲ ይኸውን እዩ። ከምዚ ድማ በለ:- “ዎ ንጉስ ኣግሪጳ: ኣቱም ምሳና ዘሎኹም ኵላትኩም ሰብ: እዚ እትርእይዎ ዘሎኹም ሰብኣይ ደጊም ንሱ ብህይወት ኪነብር ከም ዘይግብኦ: ኵላቶም ኣይሁድ: ኣብ የሩሳሌም ኰነ ኣብዚ ዀነ: እናጠርዑ ለመኑኒ። ኣነ ግና ከቶ ኣብ ሞት ዜብጽሕ ነገር ኣይረኸብኩሉን። ባዕሉ፤ ናብ ቄሳር ይግባኝ: ምስ በለ ኸኣ: ንምስዳዱ ቘሪጸ አሎኹ። ብዛዕባኡ ናብ ጐይታይ ዝጽሕፎ ፍሉጥ ነገር ግና የብለይን። ስለዚ ንሱ ምስ ተመርመረ ዝጽሕፎ ነገር ምእንቲ ኽረክብሲ: ናባኻትኩም: ምናዳ ኸኣ: ዎ ንጉስ ኣግሪጳ: ናባኻ ኣምጽኤዮ አሎኹ። ማለት፤ ምኽንያት ማእሰርቱ ኸይነገርኩ: ንእሱር ሰብ ምስዳደይ ዕሽነት ኰይኑ ይረአየኒ አሎ።”—ግብሪ ሃዋርያት 25:24-27

3. መራሕቲ ሃይማኖት ንጳውሎስ ዝኸሰስዎ ስለምንታይ እዮም፧

3 እቲ ፌስጦስ እተዛረቦ ዘረባ ጳውሎስ ብናይ ሓሶት ክሲ ኸም እተኸሰሰን እቲ እተኸሰሰሉ ገበን ኣብ ሞት ዘብጽሕ ምንባሩን ዝሕብር እዩ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 25:11) እንተዀነ ግን: ጳውሎስ ንጹህ እዩ ነይሩ። እቲ ኽሲ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ እኩይ ቅንኢ ዝሓደሮም መራሕቲ ሃይማኖት ዘበገስዎ እዩ ነይሩ። ነቲ ጳውሎስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽ ዝፍጽሞ ዝነበረ ዕዮ ይጻረርዎ: ንኻልኦት ሰባት ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ክዀኑ ብምሕጋዙ ድማ ኣትሪሮም ይቃወምዎ ነበሩ። ጳውሎስ ካብ የሩሳሌም ብርቱዕ ሓለዋ እናተገብረሉ ናብ ወደብ ቂሳርያ ተላእከ። ኣብኡ ድማ ናብ ቄሳር ይግባኝ ስለ ዝበለ: ናብ ሮሜ ኽውሰድ ነበሮ።

4. ንጉስ ኣግሪጳ እንታይ ዘገርም ዘረባ እዩ እተዛረበ፧

4 ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣገዳሲ ኽፋል እቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዝገዝእ ዝነበረ ኣመሓዳርን ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ገዛእትን ቀሪቡ ኸሎ እሞ በእምሮኻ ስኣሎ። ንጉስ ኣግሪጳ ናብ ጳውሎስ ግልጽ ኢሉ “ብናይ ርእስኻ ኽትዛረብ ተፈቒዱልካ አሎ” በሎ። ጳውሎስ ክዛረብ ምስ ጀመረ ሓደ ዘደንቕ ነገር ኣጋጠመ። እቲ ዝዛረቦ ዝነበረ ነቲ ንጉስ ክትንክፎ ጀመረ። እወ: ንጉስ ኣግሪጳ “ክርስትያን ንምዃን ከተረድኣኒ ቕሩብ ተሪፉካ” በሎ።—ግብሪ ሃዋርያት 26:1-28

5. እቲ ጳውሎስ ንኣግሪጳ እተዛረቦ ዘረባ ውጽኢታዊ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

5 ሕስብ እሞ ኣብሎ! ጳውሎስ ብውሕሉል ዘረባ ንገዛእ ርእሱ ስለ እተመጻረየ: እቲ ገዛኢ በቲ ኣብ ውሽጢ ዝሰጥም ቃል ኣምላኽ ተተንከፈ። (እብራውያን 4:12) ጳውሎስ እተዛረቦ ዘረባ ኽሳዕ ክንድዚ ውጽኢታዊ ዝገበሮ እንታይ እዩ፧ ካብኡኸ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ናይ ምግባር ዕዮ ዝሕግዘና እንታይ ነጥብታት ክንመሃር ንኽእል፧ ነቲ ኽመጻረ ኸሎ እተዛረቦ እንተ ርኢና: ክልተ ነጥብታት ብንጹር ጐሊሑ ኢና እንረክብ። እዚ ኸኣ:- (1) ጳውሎስ ኣብ ዘረባኡ እናኣረድአ ዘእምን እዩ ነይሩ። (2) ልክዕ ከምቲ ሓደ ብልሓተኛ ንመሳርሒ ብዝግባእ ዝጥቀመሉ: ንሱውን ነቲ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ዘለዎ ፍልጠት ብዝግባእ ይጥቀመሉ ነይሩ።

ብመረድኢ ጌርካ ኣእምን

6, 7. (ሀ) እታ “ኣረድአ” እትብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዋ፧ (ለ) መረዳእታ እናሃብና ምስ እንምህር ሰባት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንክቕበሉ ብኸመይ እዩ ኽሕግዞም ዝኽእል፧

6 ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት እታ ምርዳእ ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ምስ ጳውሎስ ብምትሕሓዝ ብተደጋጋሚ ተጠቒሳ ኣላ። እዛ ቓል እዚኣ ንደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮና ብዝምልከት እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዋ፧

7 እታ ኣብ በዅሪ ቛንቋ ናይቲ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት እትርከብ “ኣረድአ” ተባሂላ እተተርጐመት ቃል “ኣእመነ” ወይ ከኣ ከምቲ ብቫይን እተጻሕፈ ኤክስፖዚቶሪ ዲክሸነሪ ኦቭ ኒው ተስታመንት ዎርድስ ዝበሎ ንሓደ ሰብ “ብምርዳእ ወይ ኣብ ግምት ንዘእትዎ ነገራት ብምጽላው ኣተሓሳስባኡ ምቕያር” ማለት እያ። ምንጪ ትርጕም እታ ቓል ምምርማርና ብዝያዳ እያ እትንጽረልና። እታ ቓል ምስ እምንቶ ምሕዳር እውን ትተሓሓዝ እያ። ስለዚ: ንሓደ ሰብ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንክቕበል እንተ ኣረዲእካዮ: ኣብ ሓቅነት እቲ ትምህርቲ ስለ ዝኣምን: እምንቶ ኣሕዲሩልካ ኣሎ ማለት እዩ። እምበኣር: ሓደ ሰብ ንመጽሓፍ ቅዱስ ንኽኣምነሉን ኣብ ግብሪ ንኸውዕሎን እንታይ ከም ዝብል ጥራይ ምንጋሩ ኣኻሊ ኸም ዘይኰነ ንጹር እዩ። እቲ እትዛርቦ ዘለኻ ሰብ ቈልዓ ይኹን ወይ ጐረቤትካ ወይ መሳርሕትኻ ወይ መማህርትኻ ወይ ዘመድካ ብዘየገድስ እቲ እትብሎ ዘለኻ ሓቂ ምዃኑ ኽኣምነሉ ኣለዎ።—2 ጢሞቴዎስ 3:14, 15

8. ንሓደ ሰብ ብዛዕባ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ንኸተእምኖ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

8 እቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እትዛረቦ ነገራት ሓቂ ምዃኑ ንሓደ ሰብ ብኸመይ ከተእምኖ ትኽእል፧ ጳውሎስ ብርትዓዊ መረድኢ: ክትቅበሎ ብእትኽእል መጐተ: ከምኡውን ብዕቱብ ምሕጽንታ ገይሩ ነቶም እተዛረቦም ውልቀ-ሰባት ኣተሓሳስባኦም ከቐይሮም ጸዓረ። a ስለዚ: ንሓደ ጕዳይ ሓቂ እዩ ኢልካ ጥራይ ኣብ ክንዲ ምዝራብ: ነቲ ዝበልካዮ ዝድግፍ ዘዕግብ መርትዖ ኸተቕርብ ኣሎካ። ነዚ ብኸመይ ክትገብሮ ትኽእል፧ እቲ እትዛረቦ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቃል ኣምላኽ ደኣ እምበር ኣብ ብሕታዊ ኣረኣእያ እተመስረተ ክኸውን የብሉን። ነቲ ኻብ ልቢ ዝመነጨ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ዘረባኻ ዝድግፍ ተወሳኺ መርትዖ ሃብ። (ምሳሌ 16:23 NW) ንኣብነት: እዙዛት ደቅሰብ ገነት ኣብ እትኸውን ምድሪ ኸም ዝነብሩ እንተ ገሊጽካ: ነዚ ሓሳባት እዚ ብኸም እኒ ሉቃስ 23:43 ወይ ኢሳይያስ 65:21-25 ጌርካ ደግፎ። ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ሓሳባት ብኸመይ ኢኻ ተወሳኺ መርትዖ ኸተቕርበሉ እትኽእል፧ ካብቲ ተመክሮ እቲ እተዛርቦ ሰብ ኣብነታት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ዕራርቦ ጸሓይ ዘለዋ ጽባቐ ምርኣይ: እቲ ባህ ዘብል ሽታ ዘለዎ ዕምባባታት ምሽታት: እቲ ዘጐምጁ መቐረት ዘለዎ ፍረታት ምስትምቓር: ወይ ሓንቲ ዑፍ ንጨቓዊታ ኽትምግብ ከላ ምዕዛብ ዘምጽኦ ቀሊልን ወጻኢ ዘይሓትትን ሓጐስ ከተዘኻኽሮ ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዘሐጕስ ነገራት ፈጣሪ ኣብ ምድሪ ተሓጒስና ኽንነብር ኢሉ ኸም ዝፈጠረና ዝሕብር መርትዖ ምዃኑ ኣረድኣዮ።—መክብብ 3:11, 12

9. ኣብ ዕዮ ስብከትና ንሰባት ከነረድኦም ጻዕሪ ኽንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

9 ንሓደ ሰብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ትምህርቲ ኸተረድኦ ኽትፍትን ከለኻ: ብሰንኪ እቲ ዘሎካ ውዕዉዕ ስምዒት ሓሳበይ ብግዲ እንተ ዘይተቐበልካኒ ኢልካ ጸቕጢ ትገብረሉ ዘለኻ ኸይመስሎ ተጠንቀቕ። ከምዚ ምስ ዝስምዖ ኣእምሮኡን ልቡን እዩ ዝዓጹ። እታ ሚኒስትሪ ስኩል እትበሃል መጽሓፍ ከምዚ ዝብል መጠንቀቕታ ትህብ:- “ሓደ ሰብ ነቲ ዝፈትዎ ዝነበረ እምነቱ ሓሶት ምዃኑ ዘቃልዕ ብዘይ ሓልዮት ዝዝረብ ዘረባ: ዋላ እውን ብብዙሕ ጥቕስታት እንተ ተደገፈ: ብሓፈሻኡ ተቐባልነት ኣይረክብን እዩ። ንኣብነት: ልሙድ በዓላት ኣረማዊ ምንጪ ኸም ዘለዎ ብምግላጽ እንተ ዀኒንካዮ: ነቲ ሰባት ብዛዕባ እቲ በዓላት ዝስምዖም ነገራት ከይቅይሮ ይኽእል እዩ። ከተረድኦም ምስ እትጽዕር ግን መብዛሕትኡ ግዜ ዝያዳ ኣሳልጦ ኢኻ እትረክብ።” ንሰባት ንኸነረድእ ጻዕሪ ኽንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ እዛ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት መጽሓፍ ከምዚ ትብል:- “ከተረድኦም ምጽዓር ናብ ምይይጥ ይመርሕ: እቶም ሰባት ጸኒሖም ዝሓስብሉ ነጥብታት ይሕዙ: ከምኡውን ኣብ መጻኢ ንኽትዘራረቡ እቲ መገዲ ኽፉት ይኸውን። እዚ ድማ ሓያል ዘእምን ኣቀራርባ ክኸውን ይኽእል እዩ።”—ቈሎሴ 4:6

ንልቢ ዝትንክፍ ዘእምን መረድኢ

10. ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ኣግሪጳ ኽመጻረ ኸሎ: ብኸመይ እዩ ዘረባኡ ዝጀመረ፧

10 ሕጂ ነቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 26 ዝርከብ ጳውሎስ እተዛረቦ ቓላት እሞ ተጠንቂቕና ንመርምሮ። ዘረባኡ ብኸመይ ከም ዝጀመረ ኣስተብህል። ኣግሪጳ ምስ በርኒቄ ሓብቱ ርኹስ ዝዀነ ርክብ እኳ እንተ ነበሮ: ጳውሎስ ኣብ መእተዊ ዘረባኡ ግን ንኽንእዶ እኹል ምኽንያት ረኸበ። ከምዚ ድማ በለ:- “ዎ ንጉስ ኣግሪጳ: ኵሉ ስርዓት ኣይሁድን ክርክሮምን ትፈልጥ ኢኻ እሞ: ሎሚ ምናዳ ኣብ ቅድሜኻ ብኣይሁድ እኽሰሰሉ ብዘሎኹ ዘበለ ነገር ክመጻረ ስለ እተፈቕደለይ: ነዛ ርእሰይ እተመስገነት ገይረ እርእያ አሎኹ። ስለዚ ኸኣ ብትዕግስቲ ኽትሰምዓኒ እልምነካ አሎኹ።”—ግብሪ ሃዋርያት 26:2, 3

11. ጳውሎስ ንኣግሪጳ ኣብ እተዛረቦ ዘረባ ኣኽብሮት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ: እዚኸ እንታይ ጥቕሚ እዩ ነይርዎ፧

11 ጳውሎስ ንኣግሪጳ በቲ መዓርጉ “ንጉስ” ኢሉ ብምጽዋዕ ነቲ ልዑል ስልጣኑ ኣፍልጦ ኸም ዝሃበሉስ ኣስተብሂልካሉዶ፧ እዚ ኣኽብሮት እዩ ዘንጸባርቕ: ስለዚ ድማ ኣግሪጳ በቲ ጳውሎስ ብጥበብ ዝመረጾ ቓላቱ ኣኽበሮ። (1 ጴጥሮስ 2:17) ጳውሎስ ንኣግሪጳ ነቲ እተሓላለኸ ስርዓታትን ሕግታትን እቶም ተገዛእቱ ዝነበሩ ኣይሁድ ከም ዝፈልጥ ኣፍልጦ ሃበሉ: ኣብ ቅድሚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ፍልጠት ዘለዎ ገዛኢ ንርእሱ ኽመጻረ ዕድል ብምርካቡ ኸኣ ሕጉስ ምዃኑ ገለጸ። ጳውሎስ ክርስትያን ብምንባሩ: ንርእሱ ኻብቲ ክርስትያን ዘይነበረ ኣግሪጳ ኸም ዝበልጽ ገይሩ ኣይተዛረበን። (ፊልጲ 2:3) ኣብ ክንድኡስ: ነቲ ንጉስ ብትዕግስቲ ኽሰምዖ ለመኖ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣግሪጳን ካልኦት ሰማዕቱን ነቲ ዝብሎ ኽሰምዑሉ ዝኽእሉ ሃዋሁ ኸም ዝፍጠር ገበረ። ነቲ መጎተኡ ዘቕርበሉ ዘሰማምዖም ነጥብታት ብምጥቃስ መሰረት እዩ ዘንብር ነይሩ።

12. ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ንልቢ ሰማዕትና ኽንትንክፍ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

12 ከምቲ ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ኣግሪጳ ቐሪቡ ኸሎ እተጠቕመሉ ዓይነት ኣዘራርባ: ንሕናውን መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክንዛረብ ከለና ኻብ መጀመርታ ጀሚርና ኽሳዕ መወዳእታ ንልቢ ዝትንክፍ ጌርና ነቕርቦ። ነዚ ድማ ነቲ እንሰብከሉ ሰብ ናይ ሓቂ ኣኽብሮት ብምርኣይ ከምኡውን ብዛዕባ መበቈሉን ኣተሓሳስባኡን ካብ ልቢ ዝመነጨ ተገዳስነት ብምንጽብራቕ ክንገብሮ ንኽእል ኢና።—1 ቈረንቶስ 9:20-23

ቃል ኣምላኽ ብውሕሉል መገዲ ተጠቐም

13. ንስኻኸ ከም ጳውሎስ ልቢ ሰማዕትኻ ክትትንክፍ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

13 ጳውሎስ ሰማዕቱ ነቲ ብስራት ክቕበልዎ ኸለዓዕሎም እዩ ዝደሊ ነይሩ። (1 ተሰሎንቄ 1:5-7) ነዚ ንምፍጻም ነቲ ምንጪ ድራኸኦም ዝዀነ ምሳልያዊ ልቦም ተንከፈ። ናብቲ ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ኣግሪጳ ኽመጻረ ኸሎ ዝበሎ ምልስ ኢልካ: ጳውሎስ ነቲ ብሙሴን ብነብያትን እተባህለ ብምጥቃስ ከመይ ገይሩ ‘ንቓል ኣምላኽ ብቕኑዕ ኸም ዘማቐለ’ ኣስተብህል።—2 ጢሞቴዎስ 2:15

14. ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ኣግሪጳ ቐሪቡ ኸሎ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘረድኦ ግለጽ።

14 ጳውሎስ: ኣግሪጳ ንስሙ ጥራይ ሰዓቢ እምነት ኣይሁድ ምንባሩ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ካብቲ ኣግሪጳ ብዛዕባ ኣይሁድነት ዘለዎ ፍልጠት ተበጊሱ ግን እቲ ብዛዕባ ሞትን ትንሳኤን መሲህ ዝገልጽ ስብከቱ “ብዘይ እቲ ሙሴን ነብያትን ኪኸውን ከም ዘለዎ እተዛረብዎ” ካልእ ከም ዘይብሉ ኣረድአ። (ግብሪ ሃዋርያት 26:22, 23) ንኣግሪጳ ድማ “ዎ ንጉስ ኣግሪጳ: ንነብያትሲ ትአምኖም ዲኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣግሪጳ ተወላወለ። ንነብያት ከም ዘይኣምኖም እንተ ተዛሪቡ: ከም ሰዓቢ እምነት ኣይሁድ መጠን ስሙ ኽበላሾ እዩ። ነቲ ጳውሎስ ዘቕረበሉ መረዳእታ እንተ ተቐቢሉ ኸኣ: ምስቲ ሃዋርያ ኸም ዝወገነ ብጋህዲ ኽገልጽን ክርስትያን ተባሂሉ ኽጽዋዕን ይኽእል እዩ። ስለዚ: ጳውሎስ “ከም እትአምን እፈልጥ እየ” ኢሉ ባዕሉ ንሕቶኡ መለሰ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣግሪጳ እንታይ ኢሉ ንኽዛረብ እዩ ልቡ ዝደረኾ፧ “ክርስትያን ንምዃን ከተረድኣኒ ቕሩብ ተሪፉካ” በሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 26:27, 28) ኣግሪጳ ክርስትያን እኳ እንተ ዘይኰነ: ጳውሎስ ግን በቲ መልእኽቱ ገይሩ ብእተወሰነ ደረጃ ንልቡ ተንኪፍዎ እዩ።—እብራውያን 4:12

15. ጳውሎስ ኣብ ተሰሎንቄ ጉባኤ ከቕውም ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

15 ጳውሎስ ነቲ ብስራት ዝነገረሉ መገዲ ስብከትን መረዳእታን ዘጠቓለለ ምዃኑ ኣስተብሂልካሉዶ፧ ነቲ ‘ቓል ኣምላኽ ብቕኑዕ ከማቕል’ ከሎ ከምዚ ዓይነት ኣቀራርባ ስለ እተጠቕመ: ገሊኣቶም ዘረባኡ ዝሰምዑ ሰባት ሰማዕቲ ጥራይ ዘይኰኑስ ኣመንቲ ዀኑ። ንኣይሁድን ፍርሃት ኣምላኽ ንዘለዎም ጽርኣውያንን ኣብታ ኣብ ተሰሎንቄ እትርከብ ቤት ጸሎት ምስ ኣዘራረቦም ከምዚ ዝኣመሰለ ፍረ እዩ ረኺቡ። እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 17:2-4 ዝርከብ ዛንታ ኸምዚ ይብል:- “ጳውሎስ ከኣ ከምቲ ልማዱ ናባታቶም አትዩ: ሰለስተ ሰንበት ብጽሑፋት ምሳታቶም ተዛራረበ . . . እዚ ዝሰብከልኩም ዘሎኹ የሱስ ከኣ ክርስቶስ እዩ: ኢሉ እናተርጐመ ይገልጸሎም ነበረ። ካባታቶም ከኣ ሓያሎ [ኣመኑ]።” ጳውሎስ ዘእምን መረዳእታ እዩ ዘቕርብ ነይሩ። ኣረድኦም: ገለጸሎም: ከምኡውን ብቕዱሳት ጽሑፋት ገይሩ የሱስ እቲ ጥንቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲህ ምዃኑ መርትዖ ሃቦም። እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧ ሓንቲ ጉባኤ ቘመት።

16. ኣብ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዝያዳ ሓጐስ ክትረክብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

16 ንሰባት ቃል ኣምላኽ ከተረድኦም ከለኻ ብዝያዳ ኽኢላ ኽትከውን ትኽእልዶ፧ ከምኡ እንተ ዄንካ: ኣብቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንሰባት ናይ ምስባኽን ናይ ምምሃርን ዕዮ ዝያዳ ዕግበትን ሓጐስን ክትረክብ ኢኻ። እቶም ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዕዮ ስብከት ኣዕዚዞም ንኽጥቀሙሉ እተዋህቦም ሓሳባት ዝዓየዩሉ ኣስፋሕቲ እቲ ብስራት ዕግበትን ሓጐስን እዮም ረኺቦም።

17. ኣብ ኣገልግሎትና መጽሓፍ ቅዱስ ምጥቃም ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንምሕባር: ናይ ብሕትኻ ተመክሮ ወይ ንፍረ ነገር ናይዚ ኣብዛ ሕጡብ ጽሑፍ ዘሎ ተመክሮ ግለጽ።

17 ንኣብነት: ሓደ ገያሺ ተዓዛቢ ናይ የሆዋ ምስክር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ካብ ቤት ናብ ቤት ክምስክሩ ኸለዉ ኣብ ኢዶም መጽሓፍ ቅዱስ ይሕዙ ኣለዉ። እዚ ኸኣ ነቶም ኣስፋሕቲ ንብዙሓት ዝረኽብዎም ሰባት ጥቕሲ ንኸንብቡሎም ሓጊዝዎም እዩ። ነቶም ሰብ ቤት ኰነ ነቶም ኣስፋሕቲ ንመጽሔታትን መጻሕፍትን ዘይኰነስ ንመጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣገልግሎትና ንኸተሓሕዝዎ ሓጊዝዎም እዩ።” ልክዕ እዩ: ኣብ ስብከት ክትካፈል ከለኻ መጽሓፍ ቅዱስ ብኢድካ ምሓዝ ወይ ዘይምሓዝ ብእተፈላለየ ረቛሒታት እንተላይ በቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ልማድ እዩ ዝውሰን። ይኹን እምበር: ሰባት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንክቕበሉ ኸነረድኦም ከለና: ቃል ኣምላኽ ብዝግባእ ብምጥቃምና እንፍለጥ ክንከውን ኣሎና።

ከምቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ኣገልግሎት ዘለዎ ኣረኣእያ ይሃሉኻ

18, 19. (ሀ) ኣምላኽ ንኣገልግሎትና ብኸመይ እዩ ዝርእዮ: ንሕናኸ ኣረኣእያኡ ኸነማዕብል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ ምግባር ኣሳልጦ ንኽንረክብ ዝሕግዘና እንታይ እዩ፧ (ነታ ኣብ ገጽ 16 ዘላ “ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ ምግባር ኣሳልጦ እትረኽበሉ መገድታት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

18 ካልእ ንልቢ ሰማዕትኻ ኽትትንክፈሉ እትኽእል መገዲ: ንኣገልግሎትና በረኣእያ ኣምላኽ ምርኣዩን ትዕግስቲ ምግባርን ዘጠቓልል እዩ። ኣምላኽ ኵሉ ሰብ ‘ናብ ፍልጠት ሓቂ ኽመጽእ’ እዩ ዝደሊ። (1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4) ንስኻኸ ድሌትካ ኸምኡ ደይኰነን፧ ኣብ ርእሲ እዚ የሆዋ ዕጉስ እዩ: ሳላ ትዕግስቱ ኸኣ ብዙሓት ንስሓ ንኽረኽቡ ኣጋጣሚ ረኺቦም እዮም። (2 ጴጥሮስ 3:9) ስለዚ: ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክሰምዓና ፍቓደኛ ዝዀነ ሰብ ምስ እንረክብ: ነቲ ተገዳስነቱ ንምዕባይ ብተደጋጋሚ ኽንበጽሖ ኣሎና። እቲ ዘርኢ ሓቂ ንኽዓቢ ግዜን ትዕግስትን የድልዮ። (1 ቈረንቶስ 3:6) እዛ ኣብዛ ዓንቀጽ ዘላ “ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ ምግባር ኣሳልጦ እትረኽበሉ መገድታት” ዘርእስታ ሳጹን ንኸምዚ ዝኣመሰለ ተገዳስነት ከም ዝዓቢ እንገብረሉ ሓሳባት ትህብ እያ። ንሰባት ዘጋጥሞም ጸገማትን ኵነታቶምን ብቐጻሊ ይቀያየር ምህላዉ ኣይትረስዕ። ኣብ ቤቶም ንኽንረኽቦም ብዙሕ ሳዕ ክንፍትን የድልየና ይኸውን: ጻዕሪ ኽንገብረሉ ዝግባእ ምዃኑ ግን ፍሉጥ እዩ። ነቲ ናይ ድሕነት መልእኽቲ ኣምላኽ ንኽሰምዑ ኣጋጣሚ ኽንህቦም ኢና እንደሊ። ስለዚ: ሰባት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንክቕበሉ ኽትሕግዞም ከለኻ: ናይ ምርዳእ ክእለትካ ንኸተማዕብል ጥበብ ክህበካ ንየሆዋ ኣምላኽ ብጸሎት ለምኖ።

19 ብዛዕባ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝያዳ ኽሰምዕ ዝደሊ ሰብ ምስ ረኸብና: ከም ክርስትያን ዓየይቲ መጠን እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ መልሲ ኽትህበና እያ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ ብመረድኢ ጌርካ ምእማን ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት በነፊት ፍሮም ቲኦክራቲክ ሚኒስትሪ ስኩል ኤጁኬሽን እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) መጽናዕቲ 48ን 49ን ተወከስ።

ትዝክሮዶ፧

• ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣግሪጳ ኽመጻረ ኸሎ ኣሳልጦ ዝረኸበ ብኸመይ እዩ፧

• መልእኽትና ልቢ ዝትንክፍ ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ እዩ፧

• ንቓል ኣምላኽ ልቢ ሰባት ኣብ ምትንካፍ ብዝግባእ ንኽንጥቀመሉ ዝሕግዘና እንታይ እዩ፧

• ኣገልግሎትና በረኣእያ ኣምላኽ ክንርእዮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]

ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ ምግባር ኣሳልጦ እትረኽበሉ መገድታት

• ንሰባት ብሓቂ ኸም እትግደሰሎም ኣርኢ።

• ንምይይጥ ዝኸውን ዝምስጥ ነጥቢ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ምረጽ።

• ንነፍሲ ወከፍ ቀጻሊ ምብጻሕ መሰረት ኣንብር።

• ካብቲ ሰብ ምስ ተፈለኻ ብዛዕባኡ ሕሰብ።

• ነቲ ተገዳስነት ንምክትታል ቀልጢፍካ: ምናልባት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ተመለሶ።

• ዕላማኻ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ምዃኑ ኣይትረስዕ።

• እቲ ተገዳስነት ንኽዓቢ ናብ የሆዋ ጸሊ።

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ፌስጦስን ንጉስ ኣግሪጳን ምስ ቀረበ: ዘእምን መረዳእታ ተጠቕመ