ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ቃል ኣምላኽ ብቕኑዕ ኣማቕል’

‘ቃል ኣምላኽ ብቕኑዕ ኣማቕል’

‘ቃል ኣምላኽ ብቕኑዕ ኣማቕል’

“ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል: ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ: ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዐር።”—2 ጢሞቴዎስ 2:15

1, 2. (ሀ) ዓየይቲ መሳርሒ ዘድልዮም ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ክርስትያናት እንታይ ዕዮ እዩ ዘለዎም: ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝደልዩኸ ብኸመይ እዮም ዘርእዩ፧

 ዓየይቲ ዕዮኦም ንኽፍጽሙ መሳርሒታት የድልዮም እዩ። እንተዀነ ግን: ዝዀነ ዓይነት መሳርሒ ኣይኰነን ዘድልዮም። የግዳስ: ነቲ ዕዮ ዝኸውን ግቡእ ዓይነት መሳርሒ እዩ ዘድልዮም: ብዝግባእ ድማ ክጥቀሙሉ ኣለዎም። ንኣብነት: ንእሽቶ መዕቀሊ ንምስራሕ ክልተ ሉሕ ከተላግብ ደሊኻ ንበል። ኣብቲ ግዜ እቲ ሞደሻን መስማርን ጥራይ ኣይኰነን ዘድልየካ። መስማር ከየጐበጥካ ኸመይ ጌርካ ኣብቲ ሉሕ ከም እትስምሮ እውን ክትፈልጥ ኣሎካ። ሞደሻ ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ ኸይፈለጥካ ነቲ ሉሕ ክትስምሮ ምፍታን: ኣዝዩ ኣጸጋምን ዘበሳጩን ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን: ሓደ ዕዮ ንምፍጻም ንመሳርሒታት ብዝግባእ ምስ እትጥቀመሉ ዕግበት ኢኻ እትረክብ።

2 ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን ክንዓዮ እተዋህበና ዕዮ ኣሎና። እዚ ዕዮ እዚ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስነት ኣለዎ። የሱስ ንሰዓብቱ ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ድለዩ’ ኢሉ ተላበዎም። (ማቴዎስ 6:33) ከመይ ጌርና ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧ ቀዳማይ መገዲ ኣብ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባርን ቀናኣት ብምዃን እዩ። ካልኣይ ኣገልግሎትና ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቃል ኣምላኽ ከም ዝምስረት ብምግባር እዩ። ሳልሳይ ከኣ ሰናይ ኣካይዳና እዩ። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20፣ ግብሪ ሃዋርያት 8:25፣ 1 ጴጥሮስ 2:12) ኣብዚ ክርስትያናዊ ዕዮ ብዙሕ ፍረ እንፈርን ሕጉሳትን ንምዃን: ነዚ ዝሕግዘና መሳርሒታት ከምኡውን ነቲ መሳርሒታት ከመይ ጌርና ብግቡእ ከም እንጥቀመሉ ዝሕግዘና ፍልጠት ክህልወና ኣለዎ። ኣብዚ መዳይ እዚ: ሃዋርያ ጳውሎስ ከም ትጉህ ክርስትያን ዓያዪ መጠን ሓለፍ ዝበለ ኣብነት ሓዲጉ እዩ: ስለዚ ድማ ክርስትያናት ብጾቱ ንኽመስልዎ ኣተባብዖም። (1 ቈረንቶስ 11:1፣ 15:10) እምበኣር ካብቲ መዓይይትና ዝዀነ ጳውሎስ እንታይ ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧

ጳውሎስ—ቀናእ ኣዋጂ መንግስቲ ኣምላኽ

3. ሃዋርያ ጳውሎስ ቀናእ ዓየዪ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ነይሩ ኽበሃል ዝከኣል ስለምንታይ እዩ፧

3 ጳውሎስ እንታይ ዓይነት ዓያዪ እዩ ነይሩ፧ ብርግጽ ቀናእ እዩ ነይሩ። ነቲ ብስራት ኣብ ከባቢ መዲተራነያን ኣብ ዝርከብ ሰፊሕ ቦታ ንምዝርጋሕ ኣበርቲዑ እዩ ዝዓዪ ነይሩ። እዚ ዘይሕለል ሃዋርያ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብውዕዉዕ ስምዒት ዝሰብከሉ ምኽንያት ክገልጽ ከሎ “ኣነ ወንጌል እንተ ሰበኽኩ: ብግዲ በጺሑኒ እዩ እሞ: ዝምክሓሉ የብለይን። ወንጌል እንተ ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ” በለ። (1 ቈረንቶስ 9:16) ጳውሎስ ብዛዕባ ድሕነት ርእሱ ጥራይ ድዩ ዝግደስ ነይሩ፧ ኣይፋልን። ስሱዕ ሰብ ኣይነበረን። ኣብ ክንድኡስ: ካልኦት እውን ካብቲ ብስራት ክጥቀሙ ይደሊ ነይሩ። ስለዚ ድማ “እዚ ዅሉ ምእንቲ ወንጌል: ንርእሰይውን ካብኡ ኽካፈል ኢለ እየ ዝገብሮ ዘሎኹ” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ቈረንቶስ 9:23

4. ክርስትያናት ነየናይ መሳርሒ እዮም ዝለዓለ ግምት ዝህብዎ፧

4 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ክእለታቱ ጥራይ ተመርኲሱ ኽዓዪ ኸም ዘይክእል ዘስተውዓለ ትሑት ዓያዪ እዩ ነይሩ። ከምቲ ሓደ ጸራቢ ሞደሻ ዘድልዮ: ጳውሎስ እውን ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ኣብ ኣልባብ ሰማዕቱ ንምስራጽ ግቡእ ዓይነት መሳርሒ የድልዮ ነበረ። ነየናይ መሳርሒኸ እዩ ብቐዳምነት ዝጥቀም ነይሩ፧ ንቓል ኣምላኽ ወይ ቅዱሳት ጽሑፋት እዩ ዝጥቀም ነይሩ። ንሕናውን ብተመሳሳሊ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ንኽሕግዘና ብቐዳምነት እንጥቀመሉ መሳርሒ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ።

5. ፍረ ዘፍርዩ ኣገልገልቲ ንኽንከውን: ጥቕሲ ኽንጠቅስ ጥራይ ዘይኰነስ እንታይ ክንገብር እውን እዩ ዘሎና፧

5 ቃል ኣምላኽ ብዝግባእ ምጥቃም ክበሃል ከሎ: ካብኡ ምጥቃስ ጥራይ ከም ዘይኰነ ጳውሎስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ንሰባት “እናኣረድኤ” እዩ ዘእምኖም ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 28:23) ከመይ ገይሩ እዩ ኸምኡ ዝገብር ዝነበረ፧ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝምልከት ሓቂ ንክቕበሉ ነቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል ኣምላኽ ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ተጠቒሙሉ እዩ። ብእኡ ገይሩ ኣረድአ። ኣብ ኤፌሶን ኣብ ዝርከብ ቤት ጸሎት “ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እናነገሮምን እናኣረድኦምን” ሰለስተ ወርሒ ምሳታቶም ጸንሐ። ኣብቲ ግዜ እቲ ‘ሓያሎ ኽታረሩን ምእማን ክኣብዩን’ ከለዉ: ገሊኣቶም ግን ሰምዕዎ። በቲ ኣብ ኤፌሶን ዝገበሮ ኣገልግሎት ድማ “ቃል ጐይታ . . . ብሓይሊ ዐበየን በርትዔን።”—ግብሪ ሃዋርያት 19:8, 9, 20

6, 7. ጳውሎስ ንመልእኽቱ ዘኽበረ ብኸመይ እዩ: ንሕናኸ ብኸመይ ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧

6 ጳውሎስ ቀናእ ኣዋጂ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ምዃኑ መጠን: ነቲ ‘መልእኽቱ የኽብር’ ነበረ። (ሮሜ 11:13) ብኸመይ፧ ንገዛእ ርእሱ ከኽብር ኣይኰነን ዝደሊ ነይሩ: መዓይይቲ ኣምላኽ ምዃኑ ብዕሊ ኽፍለጥ እውን ኣየሕፍሮን እዩ ነይሩ። ኣብ ክንድኡስ: ንኣገልግሎቱ ኣዝዩ ዝለዓለ ኽብሪ ዘለዎ ገይሩ እዩ ዝርእዮ ነይሩ። ጳውሎስ ንቓል ኣምላኽ ብኽእለትን ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገድን እዩ ተጠቒሙሉ። እቲ ብዙሕ ፍረ ዘፍረየሉ ንጥፈታቱ: ካልኦት ክርስትያናት ኣገልግሎቶም ብዝያዳ መሊኦም ንኽፍጽሙ ብምልዕዓል ኣበራቲዕዎም እዩ። በዚ ኸምዚ እውን መልእኽቱ ኣኽቢሩ እዩ።

7 ንሕናውን ልክዕ ከም ጳውሎስ ንቓል ኣምላኽ ኣዘውቲርና ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ምስ እንጥቀመሉ: ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጠን ንእተዋህበና ዕዮ ኸነኽብሮ ንኽእል ኢና። ኣብ ኵሉ መዳይ ኣገልግሎትና: ብእተኻእለና መጠን ንብዙሓት ሰባት ገለ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከነካፍሎም እዩ ሸቶና ክኸውን ዘለዎ። ነዚ እናኣረዳእና ብኸመይ ኢና ኽንገብሮ እንኽእል፧ ሰለስተ ኣገደስቲ መገድታት ርአ:- (1) ንቓል ኣምላኽ ክብሪ ብዘምጽእ መገዲ ናብኡ ኸም ዘተኵሩ ግበሮም። (2) መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ብሜላ ግለጽን ኣወዓዕላኡ ኣረድእን። (3) ብዘእምን መገዲ ብቕዱሳት ጽሑፋት ጌርካ ኣረድእ።

8. ኣብዚ ግዜና እንታይ ንስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዘድሊ መሳርሒታት እዩ ዘሎና: ንስኻኸ ብኸመይ ትጥቀመሎም ኣለኻ፧

8 ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ: ጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎቱ ዘይረኸቦ ዓይነት መሳርሒታት ኣለዎም። ገለ ኻብዚ መጻሕፍቲ: ብሮሹራት: ናይ ዕድመ ወረቐት: ትራክትታት: ከምኡውን ኣውድዮን ቪድዮን ካሴታት ክጥቀስ ይከኣል። ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ከኣ ንምስክርነት ዘገልግል ካርድታት: ፎኖግራፍ: መጕልሒ ድምጺ እተገጥመለን ማካይን: ከምኡውን ፈነወ ረድዮ ይጥቀሙ ነይሮም። እቲ ዝበለጸ መሳርሒና ግን መጽሓፍ ቅዱስ እዩ: ነዚ ፈጺምካ ዕሽሽ ክበሃል ዘይብሉ መሳርሒና ድማ ብጽቡቕን ብግቡእን ክንጥቀመሉ ኢና እንደሊ።

ኣገልግሎትና ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ ክኸውን ኣለዎ

9, 10. ካብቲ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዝሃቦ ምኽሪ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ምጥቃም እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

9 ቃል ኣምላኽ ከም ኣስላጢ መሳርሒ መጠን ብኸመይ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧ ነቲ ጳውሎስ ነቲ መዓይይቱ ዝነበረ ጢሞቴዎስ “ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል: ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ: ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዐር” ብምባል እተዛረቦ ቓላት ብምስዓብ ኢና ነዚ ኽንገብሮ እንኽእል። (2 ጢሞቴዎስ 2:15) “እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል” ክበሃል ከሎ እንታይ ዘጠቓለለ እዩ፧

10 እታ ኣብዚ “ብቕንዕና ዜማቕል” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: ቃል ብቓሉ “ትኽ ኣቢልካ ምቝራጽ” ወይ “ንመገዲ ብቕኑዕ ኣንፈት ምቍራጽ” ዝብል ትርጕም ኣለዋ። እዛ ቓል እዚኣ ኣብ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብቲ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዝሃቦ ማዕዳ ጥራይ እያ እትርከብ። ኣብ ግራት ትኽ ብዝበለ ትልሚ ምሕራስ ድማ ከተመልክት ትኽእል እያ። ሓደ ተመክሮ ዘለዎ ሓረስታይ ክሓርስ ከሎ ትልሙ ቔናን ምስ ዝኸውን የሕፍሮ እዩ። ጢሞቴዎስ እውን “ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ” ምእንቲ ክኸውን: ካብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ናይ ሓቂ ትምህርትታት ንየማን ኰነ ንጸጋም ከየብል መዘኻኸሪ ተዋህቦ። ናይ ብሕቱ ኣረኣእያታት ንትምህርትታቱ ጽልዋ ኽገብረሉ ኸፍቅድ ኣይነበሮን። ስብከቱን ትምህርቱን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ክኸውን ነይርዎ። (2 ጢሞቴዎስ 4:2-4) በዚ ኸምዚ ቕኑዕ ዝልቦም ውልቀ-ሰባት ናብ ፍልስፍና ዓለም ዘይኰነስ ናብ ኣረኣእያ የሆዋ ኸም ዘተኵሩ ይገብር ነበረ። (ቈሎሴ 2:4, 8) ሕጂውን ካብዚ እተፈልየ ክኸውን የብሉን።

ኣካይዳና ሰናይ ክኸውን ኣለዎ

11, 12. ንቓል ኣምላኽ ብቕኑዕ ንኸነማቕል ኣካይዳና እንታይ ጽልዋ ኣለዎ፧

11 ቃል ኣምላኽ ክንሰብኽ ከለና: ነቲ ቓል ብግቡእ ካብ ምጥቃም ንላዕሊ ኽንገብር ኣሎና። ኣካይዳና ምስኡ ዝሰማማዕ ክኸውን ኣለዎ። “መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና:” ስለዚ ግቡዛት ዓየይቲ ኽንከውን የብልናን። (1 ቈረንቶስ 3:9) ቃል ኣምላኽ “ኣታ ንኻልእ እትምህር: ንርእስኻስ ኣይትምህራን ዲኻ፧ ኣታ: ኣይትስረቑ: ኢልካ እትሰብኽ: ባዕልኻዶ ትሰርቕ፧ ንስኻ፤ ኣይትዘምዉ: እትብል: ባዕልኻዶ ትዝሙ፧ ንስኻ ጣኦት እትፍንፍን: ባዕልኻዶ ቤተ መቕደስ ትሰርቕ፧” ይብል። (ሮሜ 2:21, 22) ስለዚ: ዘመናውያን መዓይይቲ ኣምላኽ ከም ምዃንና መጠን ሓደ ኻብቲ ቓል ኣምላኽ ብቕኑዕ እንጥቀመሉ መገዲ ነቲ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” ዝብል ማዕዳ ብምስዓብ እዩ።—ምሳሌ 3:5, 6

12 ቃል ኣምላኽ ብቕኑዕ ምስ እነማቕል እንታይ ፍረ ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧ እቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል ኣምላኽ ኣብ ህይወት ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋ እሞ ሕስብ ኣብሎ።

ቃል ኣምላኽ ንሰባት ናይ ምልዋጥ ሓይሊ ኣለዎ

13. ሓደ ሰብ ንቓል ኣምላኽ ምስ ዝዓየሉ እንታይ ከፍርየሉ ይኽእል፧

13 ሰባት ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ መልእኽቲ ኸም ሓቂ ገይሮም ምስ ዝቕበልዎ ኣብ ህይወቶም ዘደንቕ ለውጢ ንኽገብሩ ጽልዋ ኽገብረሎም ይኽእል እዩ። ጳውሎስ ቃል ኣምላኽ ክዓዪ ኸሎ ተዓዚቡ: እቲ ቓል ኣብቶም ኣብ ጥንታዊት ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት ዘሕደሮ ኣወንታዊ ጽልዋ እውን ርእዩ እዩ። ስለዚ ድማ “ነቲ ብኣና እተሰብከ ቓል ኣምላኽ ምስ ተቐበልኩምዎ እሞ ንሱ ኣባኻትኩም እትአምኑ ዘሎኹም: ዚዐዪ ዘሎ: ከምቲ ብሓቂ ዀይንዎ ዘሎ ቓል ኣምላኽ እምበር: ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልኩምዎ: ንሕና ኸየብኰርና ንኣምላኽ ነመስግኖ አሎና” በሎም። (1 ተሰሎንቄ 2:13) እዞም ክርስትያናት እዚኣቶም ኰነ ዅሎም ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ እቲ ዘይረብሕ ኣተሓሳስባ ሰብ ምስቲ ብሉጽ ጥበብ ኣምላኽ ፈጺሙ ኸም ዘይወዳደር ይኣምኑ እዮም። (ኢሳይያስ 55:9) እቶም ሰብ ተሰሎንቄ “ብብዙሕ ጭንቂ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ሓጐስ ነቲ ቓል ብምቕባል” ንኻልኦት ኣመንቲ ኣብነታት ኰኑ።—1 ተሰሎንቄ 1:5-7

14, 15. እቲ ቃል ኣምላኽ ሒዝዎ ዘሎ መልእኽቲ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ሓይሊ ዘለዎ: ስለምንታይከ፧

14 ቃል ኣምላኽ ልክዕ ከምቲ ምንጩ ዝዀነ የሆዋ ሓያል እዩ። ካብቲ ‘ሰማያት ብቓሉ እተገብሩ:’ ‘ቓሉ ድማ ኣብቲ ዝለኣኾ ዘስልጥ’ “ህያው ኣምላኽ” እዩ ዝምንጭ። (መዝሙር 33:6፣ ኢሳይያስ 55:11፣ እብራውያን 3:12) ሓደ ምሁር ከምዚ ብምባል ሓሳብ ሃበ:- “ኣምላኽ ንርእሱ ኻብ ቃሉ ኣይፈልን እዩ። ከም ዘይፈልጦ ዀይኑ ኣይክሕዶን እዩ። . . . ስለዚ: ነቲ ጕዳይ ከም ዝሞተ ገይሩ ዝርእን ንቓሉ ብዝምልከት ዝፍጸም ነገራት ዘይግድሶን ኣይኰነን፣ ከመይሲ እቲ ቓሉ ምስቲ ህያው ኣምላኽ እተኣሳሰረ እዩ።”

15 ካብ ቃል ኣምላኽ ዝምንጭ መልእኽቲ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ሓይሊ ዘለዎ፧ ኣዝዩ ብርቱዕ ሓይሊ እዩ ዘለዎ። ስለዚ ድማ እዩ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ዝጸሓፈ:- “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ: ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ: ነፍስን መንፈስን: መፈላልዮ ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም: ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።”—እብራውያን 4:12

16. ቃል ኣምላኽ ንሓደ ሰብ ክሳዕ ክንደይ እዩ ክቕይሮ ዝኽእል፧

16 ኣብቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል ኣምላኽ ዝርከብ መልእኽቲ: “ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ።” ስለዚ: ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ዘዳለዎ መሳርሒ ንላዕሊ ውሽጢ ኽኣቱ ዝኽእል ዘደንቕ ሓይሊ ኣለዎ። ቃል ኣምላኽ ንውሽጣዊ ኽፍሊ ሰብ ሰንጢቑ ብምእታው ብኸመይ ከም ዝሓስብን እንታይ ከም ዘፍቅርን ውሽጡ ስለ ዝቕይሮ ፍቱን ዓያዪ ይገብሮ። ከመይ ዝበለ ሓያል መሳርሒ ዀን እዩ!

17. ቃል ኣምላኽ ዘለዎ ናይ ምልዋጥ ሓይሊ ግለጽ።

17 ቃል ኣምላኽ ነቲ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ርእሱ ዝሓስቦ ወይ ካልኦት ብዛዕባኡ ዝሓስብዎ ሓሊፉ ብምኻድ እቲ ሰብ ብሓቂ ውሽጡ ኸመይ ምዃኑ ይገልጽ። (1 ሳሙኤል 16:7) እኩይ ሰብ እውን ከይተረፈ ሕያዋይ ወይ ሃይማኖታዊ ብምምሳል ነቲ ውሽጣዊ እንታይነቱ ኽሽፍን ይኽእል እዩ። ረሲኣን ብናይ ሓሶት ምኽንያታት ገይሮም ርእሶም ይሽፍኑ እዮም። ዕቡያት እውን ብሰባት ናእዳ ኽረኽቡ እናደለዩ ኽነሶም ትሑታት ከም ዝዀኑ የምስሉ እዮም። ቃል ኣምላኽ ግን ነቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ብምቕላዕ ነቲ ትሑት ዝዀነ ውልቀ-ሰብ እቲ ኣረጊት ባህርያቱ ቐንጢጡ “እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ” ንኽለብስ ሓያል ድራኸ ኸሕድረሉ ይኽእል። (ኤፌሶን 4:22-24) እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ትምህርትታት ፈራሃት ንዝነበሩ ሰባት ናብ ተባዓት መሰኻኽር የሆዋን ቀናኣት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽን ክቕይሮም እውን ይኽእል እዩ።—ኤርምያስ 1:6-9

18, 19. ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ነተሓሳስባ ሰባት ብኸመይ ክቕይር ከም ዝኽእል ካብዚ ኣብዚ ዘሎ ተመክሮ ወይ ኣብ ኣገልግሎት ካብ ዘጋጠመካ ተመክሮ ግለጽ።

18 እቲ ቓል ኣምላኽ ዘለዎ ናይ ምልዋጥ ሓይሊ ኣብ ኵሉ ቦታ ንዝርከቡ ሰባት ጽቡቕ ጽልዋ እዩ ዝገብረሎም። ንኣብነት: ኣብ ፎኖም ፐን: ካምቦድያ: ዝርከቡ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ወርሒ ኽልተ ሳዕ ናብ ኣውራጃ ኮምፖንግ ቻም እናኸዱ ይሰብኩ ነበሩ። ሓንቲ ኣብቲ ቦታ እትርከብ ቀሺ: ካልኦት ብጾታ ኣቕሽሽቲ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕማቕ ነገራት ክዛረቡ ምስ ሰምዐት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብቲ ኣውራጃ ምስ መጹ ንኽትረኽቦም ምድላዋት ገበረት። ምስ ረኸበቶም: ብዛዕባ ምብዓል በዓላት ብዙሕ ሕቶታት ሓተተቶም: ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እናጠቐሱ ምስ ኣረድእዋ ድማ ጽን ኢላ ሰምዓቶም። ድሕሪኡ “ካልኦት ኣቕሽሽቲ ብዛዕባኹም ዝበልዎ ሓቂ ዘይምዃኑ ሕጂ ፈለጥኩ! መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይትጥቀሙ እዮም ዝዛረቡ: ሎሚ ንግሆ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኢኹም ተጠቒምኩም!” በለቶም።

19 እዛ ሰበይቲ እዚኣ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እትገብሮ ምይይጥ ቀጸለት: ካብ ቅሽነታ ኸም እትወርድ እተዋህባ ምፍርራህ እውን ካብዚ ኣይዓገታን። ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ምይይጣ ንሓንቲ መሓዛኣ ነገረታ: ንሳውን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት። እታ መሓዛኣ ኸኣ እቲ እተማህረቶ ኣጸቢቑ ስለ ዝተንከፋ: ሓደ ግዜ ኣብ ቤተ-ክርስትያን “ንዑ: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዑ!” ኢላ ተዛረበት። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐት: ኣባል እታ ቤተ-ክርስትያን ካብ ምዃን ኣቋረጸት። እታ መሓዛኣ ዝነበረት ቀሽን ካልኦትን እውን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ጀመሩ።

20. ኣብ ጋና ንእትነብር ሰበይቲ ዘጋጠማ ተመክሮ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዘለዎ ሓይሊ ዘርእየና ብኸመይ እዩ፧

20 ቃል ኣምላኽ ዘለዎ ሓይሊ ኣብታ ኣብ ጋና እትርከብ ፓውሊና ንእትበሃል ሰበይቲ ዘጋጠማ ተመክሮ ኽርአ ይከኣል እዩ። ሓንቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣዋጂት መንግስቲ ኣምላኽ በታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስታ መጽሓፍ ገይራ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጽንዕ ሓገዘታ። a ፓውሊና እተመርዓወቶ ሰብኣይ ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ስለ ዝነበራኦ: ለውጢ ኽትገብር ከም ዘድልያ ተገንዘበት። እንተዀነ ግን: ሰብኣያን ካልኦት ኣዝማዳን ኣበርቲዖም ተጻረርዋ። እቲ ናይ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዳኛን መራሒ ቤተ-ክርስትያንን ዝዀነ ኣባሓጎኣ ነቲ ኣብ ማቴዎስ 19:4-6 ዝርከብ ሓሳባት ብምጥዋይ ውሳኔኣ ከቐይራ ፈተነ። እዚ ዳኛ ቕኑዕ ዝመስል ሓሳባት እኳ እንተ ሃባ: ፓውሊና ግን እቲ ኣቀራርባኡ ምስቲ ሰይጣን ንየሱስ ክርስቶስ ክፍትኖ ኸሎ ጥቕስታት ብምጥዋይ ዝገበሮ ኸም ዝመሳሰል ብቕልጡፍ ኣስተውዓለት። (ማቴዎስ 4:5-7) ነቲ የሱስ ብዛዕባ ሓዳር ዝሃቦ ንጹር ሓሳባት ዘከረት። ኣምላኽ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ኸም ዝፈጠሮም ደኣ እምበር ሰብኣይን ኣንስትን ገይሩ ኸም ዘይፈጠሮም: እቶም ሓደ ስጋ ዝዀኑ ኸኣ ክልተ ደኣ እምበር ሰለስተ ኸም ዘይኰኑ ኣስተውዓለት። ኣብ ውሳኔኣ ጸንዐት: ምስቲ ኻብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ዝነበራኦ ሰብኣያ ድማ ተፋትሐት። ነዊሕ ከይጸንሐት ተጠሚቓ ብሓጐስ ኣዋጂት መንግስቲ ኣምላኽ ኰነት።

ወትሩ ቓል ኣምላኽ ብቕኑዕ ኣማቕል

21, 22. (ሀ) ከም ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን እንታይ ቈራጽነት ኢና ኽንገብር እንደሊ፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

21 እቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቃል ኣምላኽ ብርግጽ ሰባት ኣብ ህይወቶም ለውጢ ብምግባር ናብ የሆዋ ንክቐርቡ ንኽንሕግዞም ክንጥቀመሉ እንኽእል ሓያል መሳርሒ እዩ። (ያእቆብ 4:8) እምበኣር ከምቲ ኽኢላ ዓያዪ ጽቡቕ ፍረ ንኽረክብ መሳርሒታት ዝጥቀም: ንሕናውን ኣብቲ ኣምላኽ ብዛዕባ መንግስቱ ንኽንእውጅ ዝሃበና ዕዮ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝግባእ ንምጥቃም ክንጽዕር ቈራጽነት ንግበር።

22 ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ንቕዱሳት ጽሑፋት ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ኸነማቕል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ሓደ ኻብቲ ነዚ እንገብረሉ መገዲ ኣረዲኦም ዘእምኑ መምህራን ንምዃን ክእለትና ብምምሕያሽ እዩ። እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ሰባት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንክቕበሉ እንምህረሉን እንሕግዘሉን መገድታት ስለ እትሕብር ኣተኵረላ ኢኻ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

ትዝክሮዶ፧

• ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ መሳርሒታት ኣለዎም፧

• ጳውሎስ ከም ዓያዪ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ብኸመይ እዩ ኣብነት ዝዀነና፧

• ቃል ኣምላኽ ብዝግባእ ምጥቃም እንታይ ዘጠቓለለ እዩ፧

• እቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ሓያል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናት ኣብ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዝጥቀሙሉ ገለ መሳርሒታት