ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ቃል ኣምላኽ ዘለዎ ሓይልስ ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ ዀን እዩ!”

“ቃል ኣምላኽ ዘለዎ ሓይልስ ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ ዀን እዩ!”

“ቃል ኣምላኽ ዘለዎ ሓይልስ ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ ዀን እዩ!”

“ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ።” (እብራውያን 4:12) ናይ 2003 ዓውደ-ኣዋርሕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ቓል ኣምላኽ ዘለዎ ሓይሊ ዘርኢ ኻብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም እተረኽበ ሽዱሽተ እተፈላለየ ታሪኽ ህይወት ሒዙ ኣሎ። ‘ቅድሚኡን ድሕሪኡን’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ: እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝህብዎ ትምህርቲ ንሰባት ስነ-ምግባሮም ንምምሕያሽ: ሕማቕ ኣነባብራኦም ንምሕዳግ: ናብራ ስድራቤቶም ንምዕራይ: ከምኡውን ምስ ኣምላኽ ብሕታዊ ርክብ ንምምዕባል ብኸመይ ከም ዝሕግዞም ይሕብር።

ነዚ ናይ 2003 ዓውደ-ኣዋርሕ ብዝምልከት ናይ ምስጋና ደብዳበታት በጺሑና ኣሎ። ገለ ኻብቲ ሓሳባት እንሆ:-

“እዚ ዓውደ-ኣዋርሕ እዚ ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ልክዕ ከማታቶም ምእንቲ እምነቶም ኢሎም ብዙሕ እተጋደሉ ኸም ዘለዉ ዘዘኻኽር እዩ። ሕጂ ብዛዕባ እቲ ገሊኣቶም ዝገበርዎ ለውጢ ንምዝካር ስእሎም ክንርኢ ንኽእል ኢና።”—ስቲቭ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

“እቲ ናይ 2003 ዓውደ-ኣዋርሕ ክሳዕ ክንደይ ንልበይ ከም ዝተንከፎ ንምግላጽ ነዘን ሒደት ቃላት ክጽሕፈልኩም ተደሪኸ። ዓውደ-ኣዋርሕ ክንድዚ ጽልዋ ኣሕዲሩለይ ኣይፈልጥን። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ውልቀ-ሰባት ከሕድሮ ዝኽእል ጽልዋ ዘርኢ ህያውን ዘደንቕን መርትዖ ንሰባት ንኸርእዮም ነዚ እተፈላለየ ታሪኽ ህይወት እዚ ኣብቲ ንምስክርነት ዝወስዶ ቦርሳ ኽማልኦ እየ።”—ማርክ ካብ በልጅዩም

“በዚ ዓውደ-ኣዋርሕ እዚ ብዙሕ እየ ተተንኪፈ። የሆዋ ነዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም ብኸመይ ከም ዝቐየሮም ከንብብን ክርእን ከለኹ ሕንቕንቕ እየ ኢለ። ከም ውጽኢት ናይዚ: ብሕጂውን ኣብ ህይወተይ ለውጢ ንኽገብር ተለዓዒለ። ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኽፍሊ ዓለምለኻዊ ሕውነትና ዝዀንኩ ዀይኑ ተሰሚዑኒ።”—ሜሪ ኻብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

“የሱስ ነቲ ዘሕዝን መንፈሳዊ ዅነታት እቲ ህዝቢ ምስ ረኣየ: ልቡ እዩ ተተንኪፉ። ኣብነት ክርስቶስ ብምስዓብ ነቲ ኣብ ናይ 2003 ዓውደ-ኣዋርሕና ዝርከብ እተፈላለየ ታሪኽ ህይወት ስለ ዘውጻእኩም ከመስግነኩም እፈቱ። ቅድሚ ሕጂ ዓውደ-ኣዋርሕ ከም ዝነብዕ ገይሩኒ ኣይፈልጥን።”—ካሳንድራ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

“ጓል 11 ዓመት ከለኹ: ሽጋራ ኸትክኽ: ጸኒሐ ድማ ሓሽሽ ክወስድ ጀመርኩ። ብተደጋጋሚ ህይወተይ ከጥፍእ እሓስብ ነበርኩ። ንየሆዋ ምስ ፈለጥክዎ ግን ነዚ ኣመላት እዚ ንኸቋርጾ ሓገዝ ረኸብኩ። እዚ ዓውደ-ኣዋርሕ እዚ ንዓይ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ዝገደፍዎ ኣብነት ኣበርቲዑኒ እዩ። ሕጂ ኣብዚ ቓልሲ እዚ በይነይ ከም ዘይኰንኩ: እቲ ልዕሊ ዅሉ ዘገድስ ከኣ ንየሆዋ ኸነፍቅሮን ብምሉእ ልብና ኸነገልግሎን ምዃኑ ፈሊጠ።”—ማርጋሬት ካብ ፖላንድ

“ወዳጀ: ቃል ኣምላኽ ዘለዎ ሓይልስ ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ ዀን እዩ! ናይ 2003 ዓውደ-ኣዋርሕ ምስ ተቐበልኩ: ንብዓተይ ምዕጋት እዩ ኣብዩኒ። እዚ ተመክሮታት እዝን እቲ ስእልታቱን ንእምነተይ ኣጸቢቑ ዘደልድል እዩ።”—ዳርሊን ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

“እቶም ኣብዚ ተጠቒሶም ዘለዉ ገሊኣቶም ሰባት ዝነበሮም ኣነባብራ ምስቲ ኣነ ዝነበርክዎ ኣጸቢቑ ዝመሳሰል እዩ። የሆዋ ነቲ ፈጺምካ ዘይግደፍ ዝመስል ዝነበረ ሕማቕ ኣመላት ንኽሓድጎ ሓይሊ ሂቡኒ እዩ። ነዚ ናይ ሓቂ ታሪኽ ህይወት ስለ ዘውጻእኩምልና ኣዝየ እየ ዘመስግነኩም።”—ዊልያም ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ