ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እዚ ሰብ እዚ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምልዋጡን ድሕሪኡን

እዚ ሰብ እዚ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምልዋጡን ድሕሪኡን

“ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ”

እዚ ሰብ እዚ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምልዋጡን ድሕሪኡን

ኣድሪያን መንእሰይ ከሎ ቝጡዕን ቂመኛን ከምኡውን ብቐሊሉ ብምቝጣዕ ሕማቕ ስጕምቲ ዝወስድ ሰብ እዩ ነይሩ። መስተ ይሰቲ: ሽጋራ የትክኽ: ብዕሉግ ናብራ ድማ ይነብር ነበረ። ብትርኢቱን በነባብራኡን ካብ ሕብረተሰብ እተፈልየ እዩ ነይሩ: ኣብ ፋሉልነት ከም ዝኣምን ዘርኢ ውቃጦ ድማ ነበሮ። ነተን ሽዑ ዘሕለፈን ዓመታት ክገልጸን ከሎ “ጸጕረይ ጠገለ ብዘይብሉ ኣገባብ ቀምቀምክዎ: ኮላ ለኽየ ድማ ደው ኣበልክዎ: ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ቀይሕ ወይ ካልእ ዓይነት ቲንታ እለኽዮ ነበርኩ” በለ። ኣብ ኣፍንጫኡ እውን ተሰቚሩ ነበረ።

ኣድሪያን ምስ ሒደት ዓለወኛታት መንእሰያት ናብ ሓደ ዑና ቤት ገዓዘ። ኣብኡ ኸኣ መስተ ይሰትዩን ሓሽሽ ይወስዱን ነበሩ። ተዘክሮኡ ኽገልጽ ከሎ ድማ “ዘነቓቕሕ ሓሽሽ እወስድ ምስኡ ኸኣ ቫልዩም ዝበሃል ዓይነት መድሃኒት እውጋእ: ዝዀነ ይኹን ዝረኸብክዎ ዓይነት ሓሽሽ ካብ ምውሳድ እውን ድሕር ኣይብልን እየ ነይረ። ሓሽሽ ወይ ኮላ ምስ ዝስእን: ካብ ማካይን በንዚን እሰርቕ እሞ ብእኡ ገይረ እሰክር ነበርኩ” በለ። ዓመጸኛ ብምንባሩ ዝፍራህን ተባኣስን ኰነ። ሰባት ብሓፈሻ ምስኡ ርክብ ክህልዎም ኣይደልዩን እዮም ነይሮም። እዚ ድማ ሕማቕ ኣዕሩኽ ኣፍረየሉ።

በብቝሩብ ኣድሪያን እቶም “ኣዕሩኽቱ” ዝበሃሉ ምእንቲ ጥቕሞም ኢሎም ጥራይ ከም ዝቐርብዎ ኣስተውዓለ። ብዘይካዚውን “እዚ ዅሉ ቝጥዓን ዓመጻን ዋላ ሓንቲ ፍረ ኣየምጽአን” ኣብ ዝብል መደምደምታ በጽሐ። ባዶነት ስለ እተሰምዖን ተስፋ ስለ ዝቘረጸን: ነቶም ኣዕሩኽቱ ሓደጎም። ኣብ ሓደ ህንጸት ዝካየደሉ ቦታ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ምስ ረኸበ: በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መልእኽቲ ተሳሕበ: እዚ ኸኣ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽጅምር ኣኽኣሎ። ኣድሪያን ነቲ “ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” ዝብል ጻውዒት ብሓጐስ ምላሽ ሃበሉ። (ያእቆብ 4:8) ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ነዊሕ ከይጸንሐ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝርከብ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ኸውዕሎ ኸም ዘለዎ ኽግንዘብ ጀመረ።

እቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሮ ፍልጠት እናወሰኸ ምስ ከደ: ኣብ ሕልናኡ ጽቡቕ ጽልዋ ኣሕደረሉ: ንህይወቱ እውን መምርሒ ዀኖ። ቍጥዓኡ ኽቈጻጸርን ርእሱ ኽገትእን ከኣለ። ሳላ እቲ ቓል ኣምላኽ ዘለዎ ሓይሊ: ባህሪኡ ምሉእ ብምሉእ ተቐየረ።—እብራውያን 4:12

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓያል ጽልዋ ኽህልዎ ዝኸኣለ ግን ብኸመይ እዩ፧ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ዘሎና ፍልጠት ‘ሓድሽ ሰብ ንኽንለብስ’ ይሕግዘና እዩ። (ኤፌሶን 4:24) እወ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ርጡብ ፍልጠት ምስ እንዓየሉ ባህርያትና ይቕየር እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልጠት ንሰባት ዝልውጦም ግን ብኸመይ እዩ፧

ቀዳማይ: መጽሓፍ ቅዱስ ክውገድ ዘለዎ ዘይድለ ባህርያት ይገልጸልና። (ምሳሌ 6:16-19) ካልኣይ: ቅዱሳት ጽሑፋት ነቲ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ዘፍርዮ ዝፍቶ ባህርያት ከነንጸባርቕ ይምሕጸነና። እዚ ኸኣ “ፍቕሪ: ሓጐስ: ዕርቂ: ዓቕሊ: ለውሃት: ሕያውነት: እምነት: ህድኣት: ይአኽለኒ ምባል” ዘጠቓለለ እዩ።—ገላትያ 5:22, 23

ኣድሪያን ብዛዕባቲ ኣምላኽ ከነማልኦ ዝሓተና ብቕዓታት ዕምቝ ዝበለ ምርዳእ ምስ ረኸበ: ገዛእ ርእሱ ንኽምርምር ከምኡውን ነቲ ኸማዕብሎ ዘለዎን ከወግዶ ዘለዎን ባህርያት ንኽመሚ ሓገዞ። (ያእቆብ 1:22-25) በዚ ግን ኣየብቅዐን። ኣብ ርእሲ እቲ ዝረኸቦ ፍልጠት ንኽልወጥ ድራኸ ዘሕድረሉ ነገር የድልዮ ነበረ።

እቲ ዝፍቶ ሓድሽ ባህርያት “ከምቲ ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ” ጌርካ ኸም እተቐርጸ ፈለጠ። (ቈሎሴ 3:10) ባህርያት ሓደ ክርስትያን ምስ ባህርያት ኣምላኽ ክመሳሰል ከም ዘለዎ ኣስተውዓለ። (ኤፌሶን 5:1) ካብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ምስ ደቅሰብ ዝነበሮ ርክብ ተማህረ: ከም እኒ ፍቕሪ: ሕያውነት: ሰናይ: ምሕረት: ጽድቂ ዝኣመሰለ ጽቡቕ ባህርያት ኣምላኽ እውን ኣስተብሃለ። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልጠት ንየሆዋ ንኸፍቅሮን ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ዓይነት ሰብ ንምዃን ጻዕሪ ንኽገብርን ደረኾ።—ማቴዎስ 22:37

ድሕሪ ግዜ ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ቝጥዓኡ ኽቈጻጸሮ ኸኣለ። ኣብዚ እዋን እዚ ንሱን ሰበይቱን ንኻልኦት ሰባት በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ፍልጠት ገይሮም ህይወቶም ንክቕይሩ ኣብ ምሕጋዝ ኣበርቲዖም ይዓዩ ኣለዉ። ኣድሪያን ብዛዕባዚ “ከምቶም መብዛሕትኦም ሞይቶም ዘለዉ ቀዳሞት ፈተውተይ ዘይኰነስ: ሕጂ ብህይወት እነብር ኣለኹ: ሓጐስ ዝመልኦ ስድራቤት ድማ ኣሎኒ” በለ። መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ክልውጥ ዝኽእል ሓይሊ ኸም ዘለዎ ዘርኢ ህያው መርትዖ ድማ ኰይኑ ኣሎ።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ሳጹን]

ዝዓዪ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ

ንብዙሓት ቍጡዓትን ዓመጸኛታትን ዝነበሩ ሰባት ሰላማውያን ንክዀኑ ዝሓገዘ ገለ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እንሆ:-

“ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። ፍቁራተይ . . . ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር: ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።” (ሮሜ 12:18, 19) መዓስን ንመንን ሕነ ኽፍደ ኸም ዘለዎ ንኣምላኽ ንሕደጎ። ብዛዕባቲ ጕዳይ ምሉእ ዘይጕዱል ፍልጠት ስለ ዘለዎን ንሱ ዝፍጽሞ መቕጻዕቲ ፍጹም ፍትሒ እተንጸባረቖ ስለ ዝዀነን ነዚ ብዝግባእ ክፍጽሞ ይኽእል እዩ።

“ኰርዩ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ። ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም። ንድያብሎስ ከኣ ስፍራ ኣይትሀብዎ።” (ኤፌሶን 4:26, 27) ሓደ ሰብ ዘሕርቕ ነገር ከጋጥሞ ይኽእል እዩ። ከምዚ ምስ ዘጋጥሞ ንነዊሕ እዋን ‘ኰርዩ’ ኽጸንሕ የብሉን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እዚ ኽፉእ ነገር ንኽገብር ከለዓዕሎ ይኽእል እዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ‘ንድያብሎስ ስፍራ ይህቦ:’ እዚውን ስምረት የሆዋ ኣምላኽ ከም ዝስእን ይገብሮ።

“ኵራ ግደፍ ሓርቖትውን ሕደግ: ኣይተንጸርጽር: እዝስ ናብ እከይ ጥራይ እዩ ዜብጽሕ።” (መዝሙር 37:8, 9) ቀይዲ ዘይተገብረሉ ስምዒት ናብ ቀይዲ ዘይብሉ ተግባራት ጥራይ እዩ ዝመርሕ። ሓደ ሰብ ብሓርቖት ስጕምቲ እንተ ወሲዱ: መብዛሕትኡ ግዜ ንርእሱ ዀነ ንኻልኦት ዝጐድእ ነገር እዩ ዝዛረብ ወይ ዝገብር።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“እዚ ዅሉ ቝጥዓን ዓመጻን ዋላ ሓንቲ ፍረ ኣየምጽአን”