ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ደቀ መዛሙርቲ ንኽትገብር ኢልካ ስበኽ

ደቀ መዛሙርቲ ንኽትገብር ኢልካ ስበኽ

ደቀ መዛሙርቲ ንኽትገብር ኢልካ ስበኽ

“ጵርስኪላን ኣኪላስን [ንኣጵሎስ] ምስ ሰምዕዎ ኸኣ: ወሲዶም መገዲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ኣረድእዎ።”—ግብሪ ሃዋርያት 18:26

1. (ሀ) ኣጵሎስ “ብመንፈስ ሞይቁ” እኳ እንተ ነበረ: እንታይ ግን ይጐድሎ ነበረ፧ (ለ) ኣጵሎስ ነቲ ብመንፈስ ዝጐድሎ ዝነበረ ንምምላእ እንታይ የድልዮ ነበረ፧

 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ጵርስኪላን ኣኪላስን ዝበሃሉ ክርስትያን ሰብ ሓዳር: ኣጵሎስ ኣብ ከተማ ኤፌሶን ኣብ እትርከብ ዝነበረት ቤት ጸሎት ዝርርብ ክህብ ከሎ ሰምዕዎ። ኣጵሎስ በቲ ብሉጽ ቃላቱን ሓያል ናይ ምእማን ክእለቱን ኣቓልቦ ሰማዕቱ ስሒቡ ነይሩ። “ብመንፈስ ሞይቁ ብዛዕባ ናይ የሱስ ይነግር ኣጸቢቑውን ይምህር ነበረ።” ይኹን እምበር: “ጥምቀት ዮሃንስ ጥራይ” እዩ ዝፈልጥ ነይሩ። እቲ ኣጵሎስ ብዛዕባ ክርስቶስ እተዛረቦ ነገራት ሓቂ እኳ እንተ ነበረ: ምሉእ ፍልጠት ግን ኣይነበሮን። ኣጵሎስ ብዛዕባቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምፍጻም ዕላማ የሆዋ ዘለዎ ግደ ፍልጠቱ ኸስፍሕ የድልዮ ነበረ።

2. ጵርስኪላን ኣኪላስን እንታይ ኣጸጋሚ ዕዮ እዮም ክፍጽሙ ዝወሰኑ፧

2 ጵርስኪላን ኣኪላስን ከይተወላወሉ ንኣጵሎስ “ኵሉ” እቲ ክርስቶስ ዝኣዘዞ ምእንቲ ኽሕሉ ንምሕጋዙ ድሉዋት ኰኑ። (ማቴዎስ 28:19,20) እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ “ወሲዶም መገዲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ኣረድእዎ” ይብል። ይኹን እምበር: ንገሊኣቶም ክርስትያናት ንኣጵሎስ ንምምሃር ከም ዝወላወሉ ኽገብር ዝኽእል ኵነታት ግን ነይሩ እዩ። እዚ እንታይ እዩ፧ ካብቲ ጵርስኪላን ኣኪላስን ምስ ኣጵሎስ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ንምምይያጥ ዝገበርዎ ጻዕርታት እንታይ ኢና እንመሃር፧ ነዚ ኣብ ታሪኽ ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻብ ምምርማርና ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማር ንኸነተኵር ብኸመይ ይሕግዘና፧

ኣብቲ ንሰባት ዘድልዮም ኣትኵር

3. ኣተዓባብያ ኣጵሎስ ንጵርስኪላን ኣኪላስን ንኸይምህርዎ ዘይዓገቶም ስለምንታይ እዩ፧

3 እቲ ኣይሁዳዊ ዝነበረ ኣጵሎስ ኣብ ከተማ ኣለክሳንድርያ እዩ ዓብዩ ክኸውን ዘለዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣለክሳንድርያ ርእሲ ኸተማ ግብጺ: ማእከል ላዕለዋይ ትምህርቲ: ከምኡውን በቲ ዓብዪ ቤተ-መጻሕፍታ ውርይቲ ነበረት። እታ ኸተማ ምሁራት ዝርከብዎም ብዙሓት ኣይሁዳውያን ተቐማጦ ነበርዋ። ስለዚ ድማ እቲ ሰፕቱጀንት ተባሂሉ ዝፍለጥ ናብ ቋንቋ ግሪኽ እተተርጐመ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኣብኣ እዩ ተዳልዩ። እምበኣር ኣጵሎስ ‘ብጽሑፋት ስልጡን’ እንተ ነበረ ኣየገርምን እዩ። ኣኪላስን ጵርስኪላን ግን ሰፈይቲ ድንኳን ነበሩ። እቲ ብሉጽ ክእለት ዘረባ ኣጵሎስ ኣፍሪህዎም ድዩ፧ ኣየፍርሆምን። ብፍቕሪ ተደሪኾም ንኣጵሎስ ብዛዕባ ዘድልዮ ነገራትን ብኸመይ ከም ዝሕግዝዎን ሓሰቡ።

4. ኣጵሎስ እቲ ዘድልዮ ሓገዝ ኣበይን ብኸመይን እዩ ረኺቡ፧

4 ኣጵሎስ ክኢላ ተዛራባይ እኳ እንተ ነበረ: ትምህርቲ የድልዮ ነይሩ እዩ። እቲ ዘድልዮ ዝነበረ ሓገዝ ከኣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዘይኰነስ ኣብ ኣባላት እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እዩ ዝርከብ ነይሩ። ኣጵሎስ ነቲ ኣምላኽ ንድሕነት ብዝምልከት ዝገበሮ ምድላው ዝያዳ ርጡብ ምርዳእ ክህልዎ እዩ ኣጋጣሚ ተኸፊቱሉ። ጵርስኪላን ኣኪላስን “ወሲዶም መገዲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ኣረድእዎ።”

5. ብዛዕባ መንፈሳውነት ጵርስኪላን ኣኪላስን እንታይ ክትብል ትኽእል፧

5 ጵርስኪላን ኣኪላስን ብመንፈስ ድልዱላትን ጽቡቕ መሰረት ዘለዋ እምነት ዘላቶምን እዮም ነይሮም። ‘ብዛዕባ እታ ተስፋኦም ምኽንያታ ንዝሓቶም ዘበለ’ ሃብታም: ድኻ: ምሁር: ባርያ ብዘየገድስ ‘ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳለዉ’ እዮም ነይሮም ክዀኑ ዝኽእሉ። (1 ጴጥሮስ 3:15) ኣኪላስን ብዓልቲ ቤቱን ‘ነቲ ቓል ሓቂ ብቕኑዕ ከማቕሉ’ ክኢሎም እዮም። (2 ጢሞቴዎስ 2:15) ንፉዓት ተማሃሮ ቕዱሳት ጽሑፋት ነይሮም ክዀኑ ኣለዎም። ኣጵሎስ እቲ ኣብቲ ‘ህያውን መስለጥን ዝዀነ ቓል ኣምላኽ’ ብምምርኳስ እተዋህቦ ትምህርቲ ልቡ ተንከፎ።—እብራውያን 4:12

6. ኣጵሎስ ነቲ እተዋህቦ ሓገዝ ከም ዘማሰወሉ ብኸመይ ንፈልጥ፧

6 ኣጵሎስ ነቲ እቶም መምህራኑ ዘርኣይዎ ኣብነት ኣማሰወሉ: ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ከኣ ዝያዳ ክእለት ኣጥረየ። ነቲ ፍልጠቱ ብፍላይ ነቶም ኣይሁድ ዘበሉ እቲ ብስራት ኣብ ምስባኽ ምሉእ ብምሉእ ተጠቕመሉ። ነቶም ኣይሁድ ብዛዕባ ክርስቶስ ከም ዝኣምኑ ንምግባር ፍሉይ ክእለት ነበሮ። ‘ብጽሑፋት ስልጡን’ ብምንባሩ: ኵሎም እቶም ጥንቲ ዝነበሩ ነብያት ንምምጻእ ክርስቶስ ይጽበዩ ምንባሮም መርትዖ ከቕርበሎም ከኣለ። (ግብሪ ሃዋርያት 18:24) እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ኣጵሎስ ካብኡ ናብ ኣካይያ ምስ ከደ: “ነቶም ኣመንቲ ብጸጋ ኣምላኽ ብዙሕ ጠቐሞም። የሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ብጽሑፋት እናኣርአየ: ንኣይሁድ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ብግሁድ ኣጸቢቑ ይረትዖም ነበረ” ይብለና።—ግብሪ ሃዋርያት 18:27, 28

ካብ ካልኦት መምህራን ተምሃር

7. ኣኪላስን ጵርስኪላን ክኢላታት መምህራን ክዀኑ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧

7 ኣኪላስን ጵርስኪላን ክኢላታት መምህራን ቃል ኣምላኽ ክዀኑ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧ ተጊሆም ብብሕቶም ዘጽንዑን ኣብ ኣኼባ ዝርከቡን ኣብ ርእሲ ምንባሮም: ምስ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝነበሮም ምቅርራብ ብዙሕ ጠቒምዎም ክኸውን ኣለዎ። ጳውሎስ ኣብ ቈረንቶስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንሓደ ዓመትን መንፈቕን ኣብ እንዳ ጵርስኪላን ኣኪላስን ተቐሚጡ ነበረ። ብሓባር ከኣ ድንኳን ይሰፍዩ ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 18:2, 3) እቲ ሽዑ ዝዘራረብሉ ዝነበሩ ዓሚቝ መንፈሳዊ ዕላል እሞ ሕስብ ኣብሎ። እቲ ምስ ጳውሎስ ዘሕለፍዎ ግዜ ብመንፈሳዊ ኸም ዝዓብዩ ኸም ዝገበሮም ኣየጠራጥርን እዩ! ምሳሌ 13:20 “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን” ትብል። እቲ ጽቡቕ ዕርክነቶም ኣብቲ መንፈሳዊ ልማዳቶም ጽቡቕ ጽልዋ ገይሩሎም እዩ።—1 ቈረንቶስ 15:33

8. ጵርስኪላን ኣኪላስን ካብ ኣገልግሎት ጳውሎስ እንታይ እዮም ተማሂሮም፧

8 ጵርስኪላን ኣኪላስን ንጳውሎስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብኽ ክዕዘብዎ ኸለዉ: ብሉጽ ኣብነት ዝዀኖም ንፉዕ መምህር እዮም ርእዮም። እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ዝርከብ ጸብጻብ ጳውሎስ ኣብ ቈረንቶስ “ሰንበተ ሰንበት . . . ኣብ ቤት ጸሎቶም ይዛራረብ: ንኣይሁድን ንጽርኣውያንን ከኣ የረድኦም ነበረ” ይብለና። ጸኒሖም ሲላስን ጢሞቴዎስን ምስ መጽዎ: “እቲ የሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ንኣይሁድ እናመስከረ: ብዕዮ እቲ ቓል ጸኒዑ ነበረ።” እቶም ኣባላት እታ ቤት ጸሎት ተገዳስነት ዘይብሎም ምስ ኰኑ ግን ጳውሎስ ካብቲ ዝሰብከሉ ዝነበረ ቦታ ናብታ ጥቓ እታ ቤት ጸሎት ዝነበረት ዝሓሸት ቦታ ክቕይር ከሎ ጵርስኪላን ኣኪላስን ርእዮምዎ እዮም። ኣብኡ ኸኣ ጳውሎስ ነቲ “መራሕ ቤት ጸሎት” ዝነበረ ክሪስጶስ ወደ መዝሙር ንክኸውን ክሕግዞ ኸኣለ። ጵርስኪላን ኣኪላስን ሓደ ወደ መዝሙር ምርካብ ኣብቲ ዞባ ዓሚቝ ጽልዋ ኸም ዘሕድርን ፍረ ንምፍራይ መገዲ ኸም ዝጸርግን ኣስተውዒሎም ክዀኑ ኣለዎም። እቲ ጸብጻብ ቐጺሉ “ክሪስጶስ . . . ድማ: ምስ ኵሉ ስድራ ቤቱ ብጐይታ አመነ። ካብ ሰብ ቈረንቶስውን ብዙሓት ሰሚዖም አመኑን ተጠምቁን” ይብል።—ግብሪ ሃዋርያት 18:4-8

9. ጵርስኪላን ኣኪላስን ነቲ ጳውሎስ ዝገደፈሎም ኣብነት ብኸመይ ተጠቕሙሉ፧

9 ከም እኒ ጵርስኪላን ኣኪላስን ዝኣመሰሉ ኻልኦት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ካብቲ ጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎት ዘሕለፎ ተመክሮ ይጥቀሙ ነይሮም እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ንኻልኦት ክርስትያናት “ከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ: ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ” ኢሉ ተማሕጸኖም። (1 ቈረንቶስ 11:1) ጵርስኪላን ኣኪላስን ከምቲ ጳውሎስ ዝገደፎ ኣብነት ገይሮም ንኣጵሎስ ትምህርትታት ክርስትና ኣጸቢቑ ንኽርዳእ ሓገዝዎ። ንሱውን ብግዴኡ ንኻልኦት ሓገዘ። ጵርስኪላን ኣኪላስን ኣብ ሮሜን ቈረንቶስን ኤፌሶንን እውን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ከም እተሳተፉ ኣየጠራጥርን እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 18:1, 2, 18, 19፣ ሮሜ 16:3-5

10. ካብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 18 ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ዝሕግዘካ እንታይ ረኺብካ፧

10 ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 18 ብምምርማር እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ከምቲ ኣኪላስን ጵርስኪላን ካብ ጳውሎስ እተማህሩ: ነቲ ንፉዓት መምህራን ቃል ኣምላኽ ዝገድፉልና ኣብነት ብምስዓብ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ክእለትና ኸነመሓይሽ ንኽእል ኢና። ምስቶም ‘ብዕዮ እቲ ቓል ዝጸንዑን’ ንኻልኦት ምሉእ ‘ምስክርነት’ ዝህቡን ክርስትያናት ክንቀራረብ ንኽእል ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 18:5) ኣብ ኣመሃህራኦም መረዳእታ ብምጥቃም ኣልባብ ሰባት ብኸመይ ከም ዝትንክፉ ኽንዕዘብ ንኽእል ንኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ ኽእለት ደቀ መዛሙርቲ ንኽንገብር ክሕግዘና ይኽእል እዩ። ሓደ ሰብ ምሳና መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ከሎ: ካልኦት ኣባላት ስድራቤቱ ወይ ጐረባብቱ ምሳና ሓቢሮም ንኸጽንዑ ኽዕድሞም ሓሳብ ከነቕርበሉ ንኽእል ኢና። ወይ ከኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽገብሩ ዕድመ ኸነቕርበሎም እንኽእል ካልኦት ሰባት እንተልዮም ክሕብረና ኽንሓቶ ንኽእል ንኸውን።—ግብሪ ሃዋርያት 18:6-8

ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ኣጋጣሚታት ምሃዝ

11. ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ኻበይ ክርከቡ ይኽእሉ፧

11 ጳውሎስን ክርስትያናት ብጾቱን ካብ ቤት ናብ ቤት: ኣብ ዕዳጋ: ኣብ መገሻ: ኰታስ ኣብ ዝኸድዎ ዘበለ ብምስባኽ ደቀ መዛሙርቲ ኽገብሩ ይጽዕሩ ነበሩ። ንስኻኸ ቀናእ ዓያዪ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ምዃንካ መጠን: እቲ ኣብ ኣገልግሎት እትፍጽሞ ንጥፈታት ከተስፍሖ ትኽእልዶ፧ ነቶም ብቑዓት ዘበሉ ንኽትረኽቦምን ንኽትሰብከሎምን ዘሎካ ኣጋጣሚታት ትጥቀመሉ ዲኻ፧ ኣስፋሕቲ እቲ ብስራት ዝዀኑ ብጾትና: ደቀ መዛሙርቲ ዝረኸቡሉ ገለ መገድታት እንታይ ኣሎ፧ ፈለማ ናይ ተሌፎን ምስክርነት እስከ ንርአ።

12-14. ናይ ተሌፎን ምስክርነት ዘለዎ ጥቕሚ ብዝምልከት: ናትካ ተመክሮ ወይ ኣብዚ ዓንቀጻት ካብ ዝርከብ ሓደ ጥቐስ።

12 ሓንቲ ንግዜኡ ማሪያ ብዝብል ስም እንጽውዓ ክርስትያን ኣብ ብራዚል ካብ ቤት ናብ ቤት ክትሰብኽ ከላ ንሓንቲ ኻብ ቤታ እትወጽእ ዝነበረት ሰበይቲ ትራክት ኣበርከተትላ። ማሪያ በቲ ኣርእስቲ እታ ትራክት ገይራ “ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽትፈልጢ ትደልዪዶ፧” ኢላ ሓተተታ። እታ ሰበይቲ ኸኣ “እወ: ምደለኹ። እንተዀነ ግን: መምህር ስለ ዝዀንኩ: ምምህርና ንዅሉ ግዜይ እዩ ዝወስዶ” ኢላ መለሰትላ። ማሪያ ብተሌፎን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክመያየጣ ኸም ዝኽእላ ገለጸትላ። እታ ሰበይቲ ንማሪያ ቝጽሪ ተሌፎና ሃበታ: በታ ምሸት እቲኣ ኸኣ ብተሌፎን ኣቢላ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ ዘርእስታ ብሮሹር ገይራ መጽናዕቲ ኽትመርሓላ ጀመረት። a

13 ሓንቲ ኣብ ኢትዮጵያ እትነብር ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ብተሌፎን ንሓደ ሰብኣይ ክትምስክረሉ ኸላ ያዕያዕ ምስ ሰምዐት ደንጸዋ። እቲ ሰብኣይ ካልእ ግዜ ኽትድውል ሓተታ። ካልእ ግዜ ምስ ደወለትሉ ፈለማ ኽትድውል ከላ ያዕያዕ ብምስማዓ ይቕረታ ሓተታ: ኣብቲ ግዜ እቲ ንሱን ሰበይቱን ይበኣሱ እዮም ነይሮም። እታ ሓብቲ ካብቲ እተዛረቦ ብምብጋስ ኣብ ስድራቤት ንዘጋጥም ጸገማት ንኽትፈትሖ ዝሕግዝ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ጥበባዊ መምርሒ ሓበረቶ። እታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት ዘርእስታ መጽሓፍ ንሓያሎ ስድራቤታት ከም ዝጠቐመት ነገረቶ። እታ ሓብቲ ነታ መጽሓፍ ምስ ኣብጽሓትሉ ሒደት መዓልትታት ጸኒሓ: ነቲ ሰብኣይ ደወለትሉ። ንሱ ድማ “እዛ መጽሓፍ ንሓዳረይ ካብ ምብትታን ኣድሒናቶ እያ” በለ። አረ ነቲ ኣብታ መጽሓፍ ዝርከብ ጽቡቕ ነጥብታት ንስድራቤቱ ንኸካፍሎም ኢሉ እውን ኣኪብዎም እዩ። እዚ ሰብኣይ እዚ ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተጀመረሉ: ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ኣዘውቲሩ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክእከብ ጀመረ።

14 ሓንቲ ኣብ ደንማርክ እትነብር ብተሌፎን ብምምስካር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸበት ኣዋጂት መንግስቲ ኣምላኽ ከምዚ በለት:- “እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ኣብ ናይ ተሌፎን ምስክርነት ክሳተፍ ኣተባብዓኒ። ፈለማ እዚ ባህ ስለ ዘይበለኒ ሰጋእ መጋእ በልኩ። ሓደ መዓልቲ ግን ተቢዐ ተሌፎን ደወልኩ። ሶንያ እትበሃል ድማ ነታ ተሌፎን ተቐበለታ: እተወሰነ ምይይጥ ምስ ገበርና ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፍ ክትቅበል ፍቓደኛ ዀነት። ሓደ ምሸት ብዛዕባ ፍጥረት ተመያየጥና: ንሳውን ነታ ህይወት—ብኸመይ መጺኡ፧ ብፍልቀትዶ ብፍጥረት፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ከተንብባ ደለየት። b ብኣካል ተራኺብና ነቲ ጕዳይ እንተ ተመያየጥናሉ ጽቡቕ ምዃኑ ነገርክዋ። ንሳውን በዚ ተሰማምዐት። ኣብ ዝቕጽል እዋን ክንራኸብ ከለና: ሶንያ ንመጽናዕቲ ተዳልያ ነበረት: ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዝና ኸኣ ኣብ ሰሰሙን ነጽንዕ ኣሎና።” እታ ክርስትያን ሓብትና ቐጺላ “ንሓያሎ ዓመታት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽረክብ እጽሊ ነይረ: ብናይ ተሌፎን ምስክርነት ክረክብ ኢለ ግን ኣይተጸበኹን” በለት።

15, 16. ብእተፈላለየ መገድታት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ንቑሕ ምስ እትኸውን ረብሓ ኸም ዘለዎ ዘርኢ እንታይ ተመክሮ ኸተዘንቱ ትኽእል፧

15 ብዙሓት ኣስፋሕቲ ኣብ ዝኸድዎ ዘበለ ንሰባት ንኽምስክሩ እተዋህቦም ሓሳባት ስለ ዝዓየዩሉ ኣሳልጦ ይረኽቡ ኣለዉ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትነብር ሓንቲ ክርስትያን ንማኪናኣ ኣብ ጥቓ ሓንቲ ዓባይ ማኪና ደው ኣበለታ። እታ ኣብታ ዓባይ ማኪና ዝነበረት ሰበይቲ ምስ ረኣየታ: እታ ሓብቲ ብዛዕባ እቲ እንህቦ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገለጸትላ። እታ ሰበይቲ ነታ ሓብቲ ዝበለቶ ድሕሪ ምስማዓ ኻብ ማኪናኣ ወጺኣ ናብታ ሓብቲ ዘላታ ማኪና መጸት እሞ “ንኸተዛርብኒ ኢልኪ ደው ምባልኪ ኣሐጒሱኒ እዩ። ጽሑፋትኩም ካብ ዘይረክብ ነዊሕ ኰይኑኒ ኣሎ። ብዘይካዚውን መጽሓፍ ቅዱስ እንደገና ኸጽንዕ እደሊ እየ። ምሳኺ ኸጽንዕ ፍቓደኛ ዲኺ፧” በለታ። በዚ ኸምዚ እዛ ሓብትና ነቲ ብስራት እተካፍለሉ ምሹእ ኵነታት መሃዘት።

16 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓንቲ ሓብቲ ኣረገውቲ ናብ ዝጥወሩሉ ትካል ምብጻሕ ክትገብር ከላ ነቲ ሓላፊ እቲ ኣገልግሎት መውሃቢ ትካል ኣዘራረበቶ። ነቲ እቶም ኣብኡ ዘለዉ ተቐማጦ ብመንፈስ ዝደልይዎ ነገራት ንምምላእ ፍቓደኛ ምዃና ነገረቶ። ብተወሳኺውን ንዝደሊ ዘበለ ብዘይ ክፍሊት ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትገብረሉ ሕጕስቲ ምዃና ገለጸትሉ። እቲ ሓላፊ ንእተፈላለየ ኽፍልታት ክትበጽሕ ፍቓድ ሃባ። ነዊሕ ከይጸንሐት ን26 ካብቶም ተቐመጥቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሓሎም ጀመረት: ሓደ ኻባታቶም ከኣ ኣዘውቲሩ ኣብ ኣኼባታት ክእከብ ጀመረ።

17. ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር እንታይ ኣቀራርባ እዩ ብዙሕ ግዜ ውጽኢታዊ ዝኸውን፧

17 ገሊኣቶም ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብቐጥታ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸጀምሩ ዕድመ ምቕራብ ጽቡቕ ፍረ ዘፍሪ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ሓደ ንግሆ 105 ኣስፋሕቲ ዘለዉዋ ጉባኤ ንነፍሲ ወከፍ ዘጋጠሞም ብዓል ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸጀምሩ ፍሉይ ጻዕሪ ገበሩ። ኣብቲ ኣገልግሎት 86 ኣስፋሕቲ ተሳቲፎም ነይሮም: ንኽልተ ሰዓት ኣብ ስብከት ምስ ኣሕለፉ ኸኣ ብውሕዱ 15 ሓደስቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰባት ረኸቡ።

ነቶም ብቑዓት ካብ ምንዳይ ኣይተቋርጽ

18, 19. እንታይ የሱስ ዝሃበና ኣገዳሲ መምርሒ ኢና ወትሩ ኽንዝክሮ ዘሎና: ነዚ ንምፍጻምከ እንታይ ንኽንገብር ኢና ቈራጽነት ክንገብር ዘሎና፧

18 ኣዋጂ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ምዃንካ መጠን: ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዘሎ ሓሳባት ክትፍትኖ ትደሊ ትኸውን። ልክዕ እዩ: እተፈላለየ ሜላታት ምስክርነት ክትጥቀም ከለኻ ነቲ ኣብቲ ኸባቢ እተለምደ ነገራት ኣብ ግምት ምእታው እውን ጥበብ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ነቲ የሱስ ብቑዓት ዘበሉ ንኸነናዲ ዝሃበና መምርሒ ወትሩ ንዘክሮ: ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኸኣ ደቀ መዛሙርቲ ንክዀኑ ንሓግዞም።—ማቴዎስ 10:11፣ 28:19

19 ነዚ ንምፍጻም ‘ነቲ ቓል ሓቂ ብቕኑዕ ነማቕል።’ ነዚ ድማ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተመርኲስና ዘእምን መረዳእታ ብምሃብ ክንገብሮ ንኽእል ኢና። እዚ ኸኣ ልቢ እቶም ዝቕበሉና ሰባት ንኽንትንክፍን ስጕምቲ ንኽወስዱ ንኽንድርኾምን ክሕግዘና እዩ። ብጸሎት ኣቢልና ኣብ የሆዋ እምንቶ እናገበርና ንገሊኣቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ንክዀኑ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና። እዝስ ክሳዕ ክንደይ ብዙሕ ዓስቢ ዘለዎ ዀን እዩ! እምበኣር: ደቀ መዛሙርቲ ንኽገብሩ ዝሰብኩ ቐናኣት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ምዃንና መጠን ‘ንርእስና ፍቱን ዓያዪ ጌርና ንኣምላኽ ከነርእዮ ንጽዓር።’—2 ጢሞቴዎስ 2:15

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

b ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

ትዝክሮዶ፧

• ኣጵሎስ መገዲ ኣምላኽ ኣጸቢቑ ዘረድኦ ዘድልዮ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

• ጵርስኪላን ኣኪላስን ካብ ሃዋርያ ጳውሎስ እተማህሩ ብኸመይ እዮም፧

• ካብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 18 ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቲ ምግባር እንታይ ተማሂርካ፧

• ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ኣጋጣሚታት ክትምህዝ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ጵርስኪላን ኣኪላስን ንኣጵሎስ “መገዲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ኣረድእዎ”

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ኣጵሎስ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ክኢላ ዀነ

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ጳውሎስ ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ይሰብኽ ነበረ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ንኽትሰብኽ ኣጋጣሚታት ምሃዝ