ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበነኛ ዘይብላ ዓለም ክትመጽእ እያ

ገበነኛ ዘይብላ ዓለም ክትመጽእ እያ

ገበነኛ ዘይብላ ዓለም ክትመጽእ እያ

ገበነኛ ዝበሃል ዘይብላ ዓለም እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል! ፖሊስ ኰነ ኣብያተ-ማእሰርቲ ወይ ብዙሕ ወጻኢ ዘድልዮን እተሓላለኸ ኣሰራርሓ ዘለዎን ትካላት ፍትሒ ኣየከድልን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ንህይወትን ንብረትን ካልኦት ኣኽቢሩ ዝርእየላ ዓለም እያ ኽትከውን። እዝስ ክኸውን ዘይክእል ድዩ፧ ከምኡ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን: መጽሓፍ ቅዱስ ግን እዚ መብጽዓ እዚ እዩ ተመባጺዑ ዘሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ገበንን ካልእ እከይን እንታይ ከም ዝብል ንምንታይ ዘይትርኢ፧

ኣብ መዝሙር ዳዊት “ከም ሳዕሪ ቐልጢፎም ኪዕጸዱ: ከም ልምሉም ቈጽሊ ኸኣ ኪጽምልዉ እዮም እሞ: በቶም ገበርቲ እከይ ኣይትዀሪ: በቶም ዓመጽቲውን ኣይትቕናእ። ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ” ዝብል ነንብብ። (መዝሙር 37:1, 2, 11) ኣምላኽ ነዝን ካልእ ዘሐጕስ መብጽዓታቱን ንኸይፍጽም ክዓግቶ ዝኽእል የለን።

ኣምላኽ ነዚ መብጽዓታት እዚ ብመንግስቱ ኣቢሉ እዩ ዝፍጽሞ። ኣብታ ኣቡነ ዘበሰማያት እትብል ጸሎት: የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ እዛ መንግስቲ እዚኣ ንኽትመጽእን ፍቓድ ኣምላኽ “ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ” ንክኸውንን ክጽልዩ መሃሮም። (ማቴዎስ 6:9, 10) ድሕሪ ሓጺር እዋን እዛ መንግስቲ እዚኣ ምስ መጸት ዋላ ሓደ ኣብ ምድሪ ዝርከብ ሰብ ብሰንኪ ድኽነት: ጭቈና: ወይ ስስዐ ተላዒሉ ገበን ንኽፍጽም ኣይክድረኽን እዩ። ኣብ ክንድኡስ ቃል ኣምላኽ “ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር: ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን [እዩ]” ይብለና። (መዝሙር 72:16) እወ: የሆዋ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ኣብዛ ምድሪ ዝነብር ሰብ መወዳእታ ዘይብሉ ጽቡቕ ነገር ክገብረሉ እዩ። እቲ ዝያዳ ዘገድስ ከኣ ደቅሰብ ንኣምላኽን ንሰብን ብዘለዎም ፍቕሪ ተደሪኾም ስለ ዝመላለሱ: ደጊም ዓለም ብገበን ኣይክትናወጽን እያ።