ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

የሩሳሌም ኣብ እተኸበትሉን ኣብ ዝጠፍኣትሉን እዋን ህዝቅኤል “ዓባስ” ኰይኑ ኽበሃል ከሎ ንምንታይ እዩ ዘመልክት፧

ብመሰረቱ: ነቲ ኣቐዲሙ እተዛረቦ ትንቢታዊ መልእኽቲ የሆዋ ዝውስኸሉ ኸም ዘይብሉ እዩ ዘምልክት።

ነብዪ ህዝቅኤል “ኻብቲ ንጉስ ዮኣቂን እተማረኸሉ ኣብ ሓምሳይ ዓመቱ:” ማለት ብ613 ቅ.ኣ.ዘ. ነቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ እስራኤላውያን ምሩኻት እሙን ሓላዊ ብምዃኑ እዩ ኣገልግሎቱ ጀሚሩ። (ህዝቅኤል 1:2, 3) ኣብ ዓስረይቲ ወርሒ ናይ 609 ቅ.ኣ.ዘ.: ካብታ ወርሒውን ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ክኸብዋ ኸም ዝጅምሩ ኣምላኽ ብመንፈሱ ገለጸሉ። (ህዝቅኤል 24:1, 2) እቲ ኸበባ እንታይ ኣስዓበ፧ የሩሳሌምን እቶም እምነት ዘይብሎም ተቐማጦኣን ካብ ጥፍኣት የምልጡ ደዀን ይዀኑ፧ ህዝቅኤል ሓላዊ ኸም ምዃኑ መጠን ነቲ የሆዋ ዝሃቦ ዘየማትእ ናይ ጥፍኣት መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ነይሩ: ስለዚ ነቲ መልእኽቲ ዝእመን ንምግባር ተባሂሉ ኽውሰኾ ኣየድልን እዩ ነይሩ። ህዝቅኤል ንኸበባ የሩሳሌም ብዝምልከት ተወሳኺ ነገር ስለ ዘይተዛረበ: ኣብዚ መዳይ እዚ ኸም ዓባስ ኰነ።—ህዝቅኤል 24:25-27

ድሕሪ ጥፍኣት የሩሳሌም ሽዱሽተ ወርሒ ዝኸውን ጸኒሑ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ሓደ ሃዲሙ ዘምለጠ ናብቲ ህዝቅኤል ዝነበረሉ ናብ ባቢሎን ከይዱ: እታ ቕድስቲ ኸተማ ኸም ዝባደመት ነገሮ። እቲ ዘምለጠ ቕድሚ ምምጻኡ ኣብ ዝነበረት ምሸት: የሆዋ ‘ኣፍ ህዝቅኤል ኸፈተሉ። ድሕርዚ ኸኣ ዓባስ ኣይኰነን።’ (ህዝቅኤል 33:22) በዚ ኸምዚ እቲ ህዝቅኤል ዓባስ ዝነበረሉ ግዜ ኣብቅዐ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ህዝቅኤል ቃል ብቓሉ ዓባስ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋልን: ከመይሲ በዚ ጕዳይ እዚ “ዓባስ” ድሕሪ ምዃኑ እኳ: ነተን ብውድቀት የሩሳሌም እተሓጐሳ ኣብ ከባቢ የሩሳሌም ዝነበራ ሃገራት ዝምልከት ትንቢታት ተነብዩ እዩ። (ህዝቅኤል ምዕራፍ 25-32) ኣቐዲሙ ህዝቅኤል ነብዪን ሓላውን ኰይኑ ኣብ ዘገልገለሉ እዋን: የሆዋ “ንሳቶም ዓላዊት ቤት እዮም እሞ ምእንቲ ኽትዕበስን: ዘላፊኦም ከይትኸውንንሲ: ልሳንካ ኣብ ትንሓግካ ኸጥብቕ እየ። ምስ ዝዛረበካ ግና: ንኣፍካ እኸፍቶ” ኢልዎ ነይሩ። (ህዝቅኤል 3:26, 27) የሆዋ ንእስራኤላውያን መልእኽቲ ኣብ ዘይህልዎ እዋን: ህዝቅኤል ነቶም ህዝቢ ኸም ዓባስ ይዀኖም ነበረ። ህዝቅኤል ነቲ የሆዋ ኽዛረቦ ዝደለየ ነገራት ኣብቲ የሆዋ ዝደለዮ እዋን ኽዛረብ ነበሮ። ስለዚ: ህዝቅኤል ዓባስ ነይሩ ኽበሃል ከሎ: ንእስራኤላውያን ትንቢታዊ ትርጕም ዘለዎ ቓላት ኣይዛረቦምን እዩ ነይሩ ማለት እዩ።

እዞም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ኽፍሊ እቲ ሓላዊ ዝዀኑ ቕቡኣት ክርስትያናት ብዛዕባ ጥፍኣት እታ ብየሩሳሌም እትምሰል ህዝበ-ክርስትያን ከጠንቅቑ ጸኒሖም እዮም። እቲ ዓብዪ “መከራ” ምስ መጸን ነታ ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት “ዓባይ ባቢሎን” ምስ ኣጥፈኣን: እቶም ብህዝቅኤል ዝምሰሉ ቕቡኣት ክርስትያናት ብዛዕባ ጥፍኣት እታ ኽፍሊ ዓባይ ባቢሎን ዝዀነት ህዝበ-ክርስትያን ተወሳኺ ነገር ክዛረቡ ኣይከድልዮምን እዩ።—ማቴዎስ 24:21፣ ራእይ 17:1, 2, 5

እወ: እቶም ቅቡኣት ተረፍን እቶም ብጾቶምን ንህዝበ-ክርስትያን ተወሳኺ መልእኽቲ ዘየመሓላልፉላ መዓልቲ ኽትመጽእ እያ። እዚ ኸኣ እቶም “ዓሰርተ ቐርንን እቲ ኣራዊትን” ነታ ዓባይ ባቢሎን ኣብ ዘማስንዋን ጥራያ ኣብ ዝገብርዋን እዋን እዩ ዝኸውን። (ራእይ 17:16) ከምዚ ኽበሃል ከሎ ግን ክርስትያናት ቃል ብቓሉ ዓባሳት ክዀኑ እዮም ማለት ኣይኰነን። ከምዚ ሕጂ ዝገብርዎ ዘለዉ: “ካብ ወለዶ ንወለዶ” ንየሆዋ ኽውድሱን መዓልታዊ ብዛዕባኡ ኽዛረቡን እዮም።—መዝሙር 45:17፣ 145:2