ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“መማሰውቲ ኹኑ”

“መማሰውቲ ኹኑ”

“መማሰውቲ ኹኑ”

“ሰላም ክርስቶስ ከኣ ኣብ ልብኹም ይግዛእ . . . መማሰውቲ ኹኑ።” —ቈሎሴ 3:15

1. ኣብ መንጎ ክርስትያናዊት ጉባኤን ኣብ ትሕቲ ሰይጣን ዘላ ዓለምን እንታይ ፍልልይ ኢና እንርኢ፧

 ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ 94,600 ዝዀና ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ናይ ምምሳው መንፈስ ይርከብ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ንየሆዋ ምስጋና ብዝሓዘ ጸሎት እዩ ዝጅምርን ዝዕጾን። መንእሰያት ኰኑ ዓበይቲ: ሓደስቲ ዀኑ ነዊሕ ዝጸንሑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቢሮም ከምልኹን ግዜ ኸሕልፉን ከለዉ “የቐንየለይ:” “ገንዘብካ:” ወይ ነዚ ዝመስል ቃላት ክጥቀሙ ብተደጋጋሚ እዩ ዝስማዕ። (መዝሙር 133:1) እዝስ ምስቶም ‘ንየሆዋ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ዘይእዘዙን’ ሰባት ዘንጸባርቕዎ ስስዐ ኽነጻጸር ከሎ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ ፍልልይ ኰን እዩ ዘለዎ! (2 ተሰሎንቄ 1:8) ኣብ ዘይመማሰዊት ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ኸኣ እቲ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ዝመጸ ኻብ ኵሉ ዝገደደ: ትዕቢቱን ዕልወቱን ድማ ናብ ደቅሰብ ዘእተዎ ሰይጣን ድያብሎስ ስለ ዝዀነ እዚ ዘገርም ኣይኰነን።—ዮሃንስ 8:44፣ 2 ቈረንቶስ 4:4፣ 1 ዮሃንስ 5:19

2. እንታይ ዝብል መጠንቀቕታ ኢና ኽንስዕብ ዘሎና: እንታይ ዝብል ሕቶታትከ ኢና ኽንመያየጠሉ፧

2 በዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ተኸቢብና ስለ ዘለና: በቲ ኣረኣእያኣ ንኸይንጽሎ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ኣዘኻኸሮም:- “ንስኻትኩም ቀደም ከም ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ: ከምቲ መንፈሱ ሕጂ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ዚገብር ዘሎ ሓለቓ ስልጣን ኣየር እተመላለስኩም: ብበደልኩምን ብኣበሳኹምን ምዉታት ዝነበርኩም: ንኣኻትኩም ህያዋን ገበረኩም። ንሕና ዅላትና ኸኣ ነቲ ናይ ስጋን ናይ ሓሳባትን ድሌት እናገበርና: ቀደም ብትምኒት ስጋና ምሳታቶም ንነብር ነበርና: ከምቶም ካልኦትውን ብባህርይና ደቂ ቝጥዓ ነበርና።” (ኤፌሶን 2:2, 3) ሎሚውን ብዙሓት ከምዚ ነይሮም እዮም። ብኸመይ ደኣ ኢና መማሰውቲ ኽንከውን እንኽእል፧ የሆዋ እንታይ ሓገዝ ኣዳልዩልና ኣሎ፧ ብሓቂ መማሰውቲ ምዃንና በየናይ መገድታት ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧

መማሰውቲ ንኽንከውን ዝድርኸና ምኽንያታት

3. ንየሆዋ እንታይ ብምግባሩ ኢና እነማስዎ፧

3 እቲ ፈጣሪናን ወሃብ ህይወትናን ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ብብዝሒ ዝሃበና ውህበታት ክንርኢ ኸለና ሞሳ ዝግብኦ ምዃኑ ንሰማምዓሉ ኢና። (ያእቆብ 1:17) ህያዋን ብምዃንና መዓልታዊ ንየሆዋ ነመስግኖ ኢና። (መዝሙር 36:9) ኣብ ከባቢና ኸም እኒ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ዝኣመሰለ ንግብርታት የሆዋ ዘንጸባርቕ እኹል መርትዖ ንረክብ ኢና። ምድርና ሒዛቶ ዘላ ንህይወት ዘድሊ ማዕድናት: እቲ ኣብ ሃዋህው ዘሎ ሚዛኑ ዝሓለወ እተፈላለየ ጋዛት: ከምኡውን እቲ ኣብ ተፈጥሮ ዘሎ እተሓላለኸ ዑደታት እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ሞሳ ዝግብኦ ምዃኑ እዩ ዘርእየና። ንጉስ ዳዊት “ጐይታይ: ኣምላኸየ: ተኣምራትካን ንኣና ዝሐሰብካዮ ሓሳባትካን ብዙሕ እዩ: ንኣኻ ዚመስል ከቶ የልቦን። ክነግረሉን ክዛረበሉን እንተ ደሌኹስ: ምቝጻሩ ዘይከአል ብዙሕ እዩ” በለ።—መዝሙር 40:5

4. ስለቲ ኣብ ጉባኤና እንረኽቦ ዘሐጕስ ሕውነት ንየሆዋ ከነመስግኖ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

4 ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብቲ ቓል ብቓሉ ገነት እኳ እንተ ዘየለዉ: ኣብ መንፈሳዊ ገነት ግን ይነብሩ ኣለዉ። ኣብ ሰሙናውን ዓበይትን ኣኼባታት ክርስትያናት ብጾትና ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ከፍርዩ ኢና እንርኢ። ገሊኣቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ሃይማኖት ብዙሕ ንዘይግደሱ ሰባት ከዘራርብዎም ከለዉ: ነቲ ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ ዝጸሓፈሎም ነገራት እዮም ዝጠቕሱሎም። ፈለማ ናብቲ “ግብሪ ስጋ” ኸም ዘተኵሩ ይገብርዎም እሞ እንታይ ከም እተዓዘቡ ይሓትዎም። (ገላትያ 5:19-23) እቲ ኣብኡ ተጠቒሱ ዘሎ ባህርያት ነዚ ሎሚ ዘሎ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ዝገልጾ ምዃኑ ብዙሓት ይሰማምዑሉ እዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ፍረ መንፈስ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምስ ተገልጸሎምን ነዚ ብዓይኖም ንምርኣይ ናብ መአከቢ ቦታ ኽመጹ ምስ ተዓደሙን: ቀልጢፎም ‘ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ኣሎ’ ብምባል ኣፍልጦ ይህቡ። (1 ቈረንቶስ 14:25) እዚ ኸኣ ኣብ ሓደ ኸባቢ ጥራይ ዝርአ ኣይኰነን። ኣብ ዝኸድካ ኼድካ ምስ ሓደ ኻብቶም ሽዱሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ እትራኸብ: ተመሳሳሊ ሓጐስ ኢኻ እትርኢ። እምበኣር: እዚ ነገር እዚ ነቲ ብመንፈሱ ኣቢሉ ነዚ ሃናጺ ሕውነት እዚ ንኽህሉ ዘኽኣለ የሆዋ ንኸነመስግኖ ምኽንያት ይዀነና እዩ።—ጸፎንያስ 3:9፣ ኤፌሶን 3:20, 21

5, 6. ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ዝዓበየ ውህበት ዝዀነ በጅነት ብኸመይ ኢና መማሰውቲ ኽንከውን እንኽእል፧

5 እቲ የሆዋ ዝሃበና ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዝዓበየን ፍጹምን ውህበት: እቲ ብወዱ የሱስ ኣቢሉ ዘዳለወልና በጅነታዊ መስዋእቲ እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ “ኣቱም ፍቁራተይ: ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ኻብ ኣፍቀረናስ: ንሕናውን ንሓድሕድና ኽንፋቐር ይግብኣና እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃንስ 4:11) እወ: ነቲ በጃ መማሰውቲ ምዃንና ንየሆዋ ኸም እነፍቅሮን እነማስዎን ብምግላጽ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ኣነባብራና እውን ንኻልኦት ዘሎና ፍቕሪ ብዘንጸባርቕ መገዲ ብምምልላስ ኢና እነርእዮ።—ማቴዎስ 22:37-39

6 ነቲ የሆዋ ምስ ጥንታዎት እስራኤላውያን ዝነበሮ ርክብ ብምምርማር ብዛዕባ ሞሳ ምርኣይ ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና። በቲ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ ገይሩ ነቲ ህዝቢ ብዙሕ ትምህርቲ ሂብዎ እዩ። በቲ ‘ኣብ ሕጊ ምስሊ ዝርከብ ፍልጠትን ሓቅን’ ጌርና: ነቲ ጳውሎስ “መማሰውቲ ኹኑ” ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ ንኽንስዕብ ዘኽእለና ብዙሕ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።—ሮሜ 2:20፣ ቈሎሴ 3:15

ኣብ ሕጊ ሙሴ ዝርከብ ሰለስተ ትምህርትታት

7. እቲ እስራኤላውያን ዕሽር ንኽህቡ እተገብረሎም ምድላው ንየሆዋ መማሰውቲ ንክዀኑ ኣጋጣሚ ዝኸፈተሎም ብኸመይ እዩ፧

7 የሆዋ ንእስራኤላውያን ብሕጊ ሙሴ ኣቢሉ ነቲ ዝገበረሎም ሰናይ ናይ ሓቂ ሞሳኦም ክገልጹሉ ዝኽእሉ ሰለስተ መገድታት ኣዳለወሎም። ቀዳማይ: ዕሽር ምሃብ ነበረ። ዕሽር ኵሉ ፍርያት ምድሪ ከምኡውን “ዕሽር ኵሉ ኣሓን ጤለ በጊዕን . . . ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ” ይኸውን ነበረ። (ዘሌዋውያን 27:30-32) እስራኤላውያን ነዚ ሕጊ እዚ ኽሕልዉዎ ኸለዉ: የሆዋ ኣብዚሑ ይባርኾም ነበረ። ከምዚ ድማ በሎም:- “ኣብ ቤተይ ምግቢ ኪኸውንሲ: ዕሽር ዘበለ ዅሉ ናብ ቤት መዝገብ ኣምጽእዎ: ሽዑ መሳዅቲ ሰማይ እንተ ዘይከፊተልኩም: በረኸት ድማ ብዘይ ልክዕ እንተ ዘየፍሲሰልኩም: በዚ ተዐዘቡኒ።”—ሚልክያስ 3:10

8. ብፍታው ዝግበር መስዋእቲ ምስ ዕሽር እንታይ ፍልልይ ኣለዎ፧

8 ካልኣይ: ኣብ ርእሲ ናይ ዕሽር ምድላው: የሆዋ ንእስራኤላውያን ብፍታዎም መስዋእቲ ኽገብሩ ምድላው ገይሩሎም ነይሩ። ሙሴ ንእስራኤላውያን “ናብታ ኣነ ዘእትወኩም ምድሪ ምስ አቶኹም: ሽዑ ኪኸውን እዩ: ካብ እንጌራ እታ ምድሪ ምስ እትበልዑ: ንእግዚኣብሄር ዚልዐል መስዋእቲ ኣቕርቡ” ብምባል ንኽነግሮም መምርሒ ተዋሂብዎ ነይሩ። ንውሉድ ወለዶ ገለ ኻብቲ ቐዳማይ ፍርያቶም “መስዋእቲ ሓደ ቕጫ” “ንእግዚኣብሄር ዚለዐል መስዋእቲ” ከቕርቡ ነበሮም። ኣብዚ ኽንደይ ዝኣክል ከቕርቡ ኸም ዘለዎም ከም ዘይተጠቕሰ ኣስተብህል። (ዘሁልቍ 15:18-21) እንተዀነ ግን: እስራኤላውያን ብምስጋና ተለዓዒሎም መስዋእቲ ከቕርቡ ኸለዉ: የሆዋ ኸም ዝባርኾም መረጋገጺ ተዋሂብዎም ነበረ። ኣብታ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ቤተ መቕደስ እውን ተመሳሳሊ ምድላው ተራእዩ እዩ። ከምዚ ዝብል ድማ ነንብብ:- “በዅሪ ዅሉ ፍርያትኩምን: ኵሉ መባእኩም: ዝዀነ ይኹን መባእ ዘበለን ንኻህናት ይኹን። ንቤትኩም በረኸት ምእንቲ ኺሐድራስ: በዅሪ ሓሪጭኩም ንኻህን ሀቡ።”—ህዝቅኤል 44:30

9. የሆዋ ቐሪም ንኽሓድጉ ምድላው ብምግባር እንታይ ትምህርቲ እዩ ሂብዎም፧

9 ሳልሳይ: የሆዋ ናይ ቀሪም ምድላው ገበረ። ከምዚ ዝስዕብ ዝብል መምርሒ ድማ ሃቦም:- “ዓጺድ ምድርኹም ምስ እትዐጽዱ: ነቲ ደረት ግራትካ ፈጺምካ ኣይትዕጸዶ: ነቲ ቐሪም ዐጺድካውን ኣይትእረዮ። ንወይንኻ ድማ ኣይተዋሕዮ: ነቲ ኣብ ወይንኻ ዝወደቐ ፍረ ኸኣ ኣይትእረዮ: ንድኻን ንስደተኛን ደኣ ሕደጎ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።” (ዘሌዋውያን 19:9, 10) ኣብዚውን ክንደይ ዝኣክል ንቐሪም ክሓድጉ ኸም ዘለዎም ኣይተነግረን። ነፍሲ ወከፍ እስራኤላዊ ንስኡናት ኢሉ ዝሓድጎ መጠን ባዕሉ ኽውስን ነበሮ። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን “እቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ: ንሱውን ንሰናይ ግብሩ ኺፈድዮ እዩ” ብምባል ነዚ ብዝግባእ ገሊጽዎ ኣሎ። (ምሳሌ 19:17) በዚ ኸምዚ የሆዋ ንእስራኤላውያን ንጽጉማት ድንጋጽን ሓልዮትን ከርእዩ መሃሮም።

10. እስራኤላውያን ዘይመማሰውቲ ኣብ ዝዀኑሉ ዝነበሩ እዋን እንታይ ሳዕቤናት እዮም ዓጺዶም፧

10 እስራኤላውያን ብተኣዛዝነት ዕሽር ከምጽኡ: ብፍታዎም መስዋእቲ ከቕርቡ: ከምኡውን ንድኻታት ዝኸውን ክሓድጉ ኸለዉ የሆዋ ይባርኾም ነበረ። ዘይመማሰውቲ ኣብ ዝዀኑሉ ዝነበሩ እዋን ግን ሞገስ የሆዋ ይስእኑ ነበሩ። እዚ ጥፍኣት ኣምጸኣሎም: ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ናብ ምርኮ ተወስዱ። (2 ዜና መዋእል 36:17-21) ካብዚ እንታይ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧

ሞሳና እንገልጸሉ መገድታት

11. ንየሆዋ ሞሳና ኽንገልጸሉ እንኽእል ቀንዲ መገዲ እንታይ እዩ፧

11 ሕጂውን ንየሆዋ ሞሳና ኽንገልጸሉ እንኽእል ቀንዲ መገዲ “መስዋእቲ” ዘጠቓልል እዩ። ልክዕ እዩ: ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ኣይኰንናን: ናይ እንስሳታት ወይ ናይ እኽሊ መስዋእቲ ኸነቕርብ እውን ግዴታ የብልናን። (ቈሎሴ 2:14) ይኹን እምበር: ሃዋርያ ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት “ብእኡ ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና: ማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር: ነቕርብ” ኢሉ ተማሕጺንዎም እዩ። (እብራውያን 13:15) ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ኰነ ኣብተን ምስ ክርስትያናት ብጾትና እንእከበሉ “ማሕበራት” ወይ ጉባኤታት ብኽእለትናን ጥሪትናን ጌርና ንየሆዋ መስዋእቲ ምስጋና ብምቕራብ: ነቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ልባዊ ምስጋናና ኽንገልጸሉ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 26:12) ከምዚ ኽንገብር ከለና: ካብቲ እስራኤላውያን ንየሆዋ ሞሳኦም ዝገልጹሉ ዝነበሩ መገድታት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

12. ክርስትያናዊ ሓላፍነታትና ብዝምልከት: ካብቲ ዕሽር ብዛዕባ ምሃብ እተገብረ ምድላው እንታይ ኢና እንመሃር፧

12 ብቐዳምነት: እቲ ዕሽር ብዛዕባ ምሃብ እተገብረ ምድላው ንምርጫ ዝቐረበ ዘይምንባሩ ርኢና ኔርና፣ ኣብዚ መዳይ እዚ ነፍሲ ወከፍ እስራኤላዊ ግዴታ ነበሮ። ከም ክርስትያናት መጠን ኣብ ኣገልግሎት ንኽንሳተፍን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንኽንእከብን ሓላፍነት ኣሎና። እዚ ንጥፈታት እዚውን ክንገድፎ እንኽእል ኣይኰነን። የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ ግዜ መወዳእታ እተዛረቦ ዓብዪ ትንቢቱ ብንጹር “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” በለ። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) ብዛዕባ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ: ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ: ንሓድሕድና ንመዓዐድ እምበር: ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ: ኣኼባና ኣይንሕደግ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 10:24, 25) ንኽንሰብኽን ንኽንምህርን ከምኡውን ምስ ኣሕዋትና ኣዘውቲርና ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ንኽንእከብ እተዋህበና ሓላፍነት ከም ፍሉይ መሰልን ክብርን ጌርና ብምርኣይ ብሓጐስ ምስ እንቕበሎ ንየሆዋ ዘሎና ሞሳ ነርኢ።

13. ብፍታው ንዝቐርብ ወፈያን ንቐሪምን ብዝምልከት ካብ እተገብረ ምድላው እንታይ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧

13 ኣብ ርእሲ እዚውን ነቲ እስራኤላውያን ሞሳኦም ከርእዩሉ ዝኽእሉ ዝነበሩ ኽልተ ምድላዋት: ማለት ነቲ ብፍታው ዝቐርብ መስዋእትን ቀሪም ምግዳፍን: ብምምርማር ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ብፍታው ዝግበር መስዋእትን ቀሪምን ከምቲ ብንጹር ክንደይ ክትህብ ከም ዘለካ ዝሕብር ዕሽር እተወሰነ መጠን ኣይነበሮን። ኣብ ክንድኡስ: ሓደ ኣገልጋሊ የሆዋ በቲ ኣብ ልቡ ዘሎ ዕምቈት ሞሳ ተደሪኹ ኽህብ እዩ ተገዲፉ። ብተመሳሳሊ: ኣብ ኣገልግሎት ምስታፍን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብን መሰረታዊ ሓላፍነት ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊ የሆዋ ምዃኑ ንፈልጥ እኳ እንተዀነና: ብምሉእ ልብናን ብፍታውን ዲና ግን እንገብሮ፧ ነቲ የሆዋ ዝገበረልና ልባዊ ሞሳ እንገልጸሉ ኣጋጣሚ ጌርና ዲና እንርእዮ፧ ኣብዚ ንጥፈታት እዚ ዅነታትና ብዝፈቕደልና መጠን ዝከኣለና ዲና እንገብር፧ ወይስ ‘ካብዚ ዅሉ መዓስ ኰን እገላገል እኸውን’ እንብሎ ዓይነት ግዴታ ጌርና ኢና እንርእዮ፧ እዚ ሕቶታት እዚ ብብሕትና ኽንምልሶ ዘሎና እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ነፍሲ ወከፍ ነታ ግብሪ ርእሱ ይመርምር: ሽዑ ብናይ ካልእ ዘይኰነስ: በታ ናይ ርእሱ ጥራይ ትምክሕቲ ኺረክብ እዩ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ።—ገላትያ 6:4

14. የሆዋ ኣብቲ ንዕኡ እንፍጽሞ ኣገልግሎት ካባና እንታይ እዩ ዝጽበ፧

14 የሆዋ ኣምላኽ ኵነታትና ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ። ዓቕምና እውን ይፈልጥ እዩ። ነቲ ኣገልገልቱ ብፍታው ዝገብርዎ መስዋእቲ ዓብዪ ይኹን ንእሽቶ ብዘየገድስ ኣኽቢሩ እዩ ዝርእዮ። ኵላትና ሓደ ዓይነት ክንህቦ ኣይጽበን እዩ: ንሕናውን ከምኡ ኽንገብር ኣይንኽእልን ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ልግሲ ኣመልኪቱ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት “ፍቓድ ልቢ እንተ አልዩስ: በቲ ዘለዎ መጠን ቅቡል እዩ እምበር: ብዜብሉ ኣይኰነን” በሎም። (2 ቈረንቶስ 8:12) እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ኣብቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት እውን ዝዓዪ እዩ። ንየሆዋ እንፍጽሞ ኣገልግሎት ቅቡል ዝገብሮ ብዝሑ ዘይኰነስ በቲ ነዚ እንፍጽመሉ መንፈስ: ማለት ብሓጐስን ብምሉእ ልብን ምስ ዝኸውን እዩ።—መዝሙር 100:1-5፣ ቈሎሴ 3:23

ናይ ፓይነር መንፈስ ነማዕብልን ንዓቅብን

15, 16. (ሀ) ኣብ መንጎ ናይ ፓይነር መንፈስን መማሰዊ ምዃንን እንታይ ምትሕሓዝ እዩ ዘሎ፧ (ለ) እቶም ፓይነር ክዀኑ ዘይክእሉ ናይ ፓይነር መንፈስ ከርእዩ ዝኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

15 ሓደ ኻብቲ ንየሆዋ ኸም እነማስዎ እነርእየሉ ሓጐስን ዕግበትን ዘምጽእ መገዲ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምጽማድ እዩ። ብዙሓት ህይወቶም ዝወፈዩ ኣገልገልቲ በቲ ንየሆዋ ዘለዎም ፍቕርን ነቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነቱ ዘለዎም ሞሳን ተደሪኾም: ብዝያዳ ንኸገልግልዎ ኣብ ህይወቶም ብዙሕ ለውጢ ገይሮም እዮም። ገሊኣቶም ስርዓታውያን ፓይነራት ብምዃን ብገምጋም ኣብ ወርሒ 70 ሰዓት ንሰባት ብስራት ኣብ ምስባኽን ነታ ሓቂ ኣብ ምምሃርን የሕልፍዎ ኣለዉ። ገሊኣቶም ብእተፈላለየ ምኽንያታት ዝወሓደ ግዜ ዘለዎም ከኣ ሓሓሊፎም ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ብምግልጋል ኣብ ወርሒ 50 ሰዓት ኣብ ስብከት የሕልፉ።

16 እንተዀነ ግን: እቶም ስርዓታውያን ኰነ ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ከገልግሉ ዘይክእሉ ሓያሎ ኣገልገልቲ የሆዋ ደኣኸ እንታይ እዮም ዝገብሩ፧ ናይ ፓይነር መንፈስ ብምምዕባልን ብምዕቃብን መማሰውቲ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። ብኸመይ፧ ነቶም ፓይነር ኰይኖም ዘገልግሉ ብምትብባዕ: ደቆም ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ሸቶኦም ንኽገብርዎ ብምስራጽ: ከምኡውን ኵነታቶም ከም ዝፈቕደሎም ኣብ ስብከት ብትግሃት ብምስታፍ ነዚ ኽገብርዎ ይኽእሉ እዮም። እቲ ኣብ ኣገልግሎትና እንህቦ መጠን ብዓብዪኡ ኣብቲ ነቲ የሆዋ ኣቐዲሙ ዝገበረልናን ሕጂ ዝገብረልና ዘሎን ኣብ መጻኢ ዝገብረልናን ነገራት ዘሎና ሞሳ እዩ ዝምርኰስ።

‘ብጥሪትና’ ሞሳና ንግለጽ

17, 18. (ሀ) ‘ብጥሪትና’ ሞሳና ኽንገልጽ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) የሱስ ነቲ እታ መበለት ዝገበረቶ ወፈያ ብኸመይ ረኣዮ: ስለምንታይከ፧

17 ምሳሌ 3:9 “ብጥሪትካን ብዅሉ በዅሪ ፍርያትካን: ንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ” ትብል። ኣገልገልቲ የሆዋ ሕጂ ዕሽር ክህቡ ኣይሕተቱን እዮም። የግዳስ: ጳውሎስ ንጉባኤ ቈረንቶስ “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ: ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ: ከምቲ ብልቡ ዝሐለኖ ይሀብ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረንቶስ 9:7) ንዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድጋፍ ብፍታው ወፈያ ምሃብ ሞሳና እንገልጸሉ ሓደ መገዲ እዩ። ልባዊ ሞሳ እንተ ሃልዩና ነዚ ኣዘውቲርና ኢና እንገብሮ: ምናልባት እውን ከምቲ ቐዳሞት ክርስትያናት ዝገብርዎ ዝነበሩ ኣብ ሰሰሙን ከነዋጽእ ንኽእል ኢና።—1 ቈረንቶስ 16:1, 2

18 እቲ እንውፍዮ መጠን ኣይኰነን ንየሆዋ ዘሎና ሞሳ ዘንጸባርቕ። የግዳስ እቲ ንኽንህብ ዝደረኸና መንፈስ እዩ። የሱስ ኣብቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ሳጹን ሰባት መባኦም ከውድቑ ኸለዉ ምስ ረኣየ እውን ነዚ እዩ እተዓዘበ። ሓንቲ ድኻ መበለት “ኽልተ ለብጦን [“ሣንቲም:” ትርጕም 1990] ከተውድቕ ከላ” ምስ ረኣየ: “ካብ ኵላቶም እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኣብዚሓ ኸም ዘውደቐት: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እዚኣቶምሲ ዅላቶም መባእ ካብ ተረፎም እዮም ዘውደቑ: እዚኣ ግና ካብ ስእነታ ዘለዋ ዅሉ ምግባ እያ ዘውደቐት” በለ።—ሉቃስ 21:1-4

19. ሞሳና እንገልጸሉ መገዲ እንደገና ምምርማር ጽቡቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

19 እምበኣር: እዚ ኽሳዕ ሕጂ ዝረኣናዮ መማሰውቲ ንኽንከውን ዝሕግዘና መጽናዕቲ ነቲ ምስጋናና እንገልጸሉ መገዲ እንደገና ንኽንምርምሮ ኸለዓዕለና ኣለዎ። ምናልባት ንየሆዋ እነቕረቦ መስዋእቲ ምስጋናን ንዓለምለኻዊ ዕዮ ብገንዘብ እንገብሮ ደገፍን ከነዛይዶ ንኽእልዶ ንኸውን፧ ነዚ ብዝገበርና መጠን: እቲ ለጋስን ፈቃርን ዝዀነ የሆዋ ኣቦና መማሰውቲ ብምዃንና ኣጸቢቑ ኸም ዝሕጐስ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

ትዝክሮዶ፧

• ንየሆዋ መማሰውቲ ኽንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• ካብ ዕሽርን ብፍታው ካብ ዝግበር መስዋእትን ካብ ቀሪምን እንታይ ትምህርቲ ረኺብና፧

• ናይ ፓይነር መንፈስ ብኸመይ ከነማዕብል ንኽእል፧

• ‘ጥሪትና’ ንየሆዋ ንምምስጋን ክንጥቀመሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

“ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ”

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ሕጊ ሙሴ እንታይ ሰለስተ ትምህርትታት እዩ ኣብዚ ተገሊጹ ዘሎ፧

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

እንታይ መስዋእትታት ኢና ኽንገብር እንኽእል፧