ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ማይ ዘየዕቍር ሓጽብታት

ማይ ዘየዕቍር ሓጽብታት

ማይ ዘየዕቍር ሓጽብታት

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ማይ ንምዕቋር ተባሂሉ ሓጽብታት ይስራሕ ነበረ። እዚ ሓጽብታት እዚ ኣብ እተወሰነ እዋን ኣብታ ምድሪ ተስፋ ነቲ ናይ ማይ ቀረብ ከም ዘየቋርጽ ንምግባር ዘኽእል እንኮ መገዲ እዩ ነይሩ።

ነብዪ ኤርምያስ: ኣምላኽ ብዛዕባ ዝበሎ ነገራት ክምዝግብ ከሎ: “ህዝበይ ክልተ ኽፉእ ገይሩ: ንኣይ ንፈልፋሊ ህያው ማይ ሐዲጎምኒ: ንርእሶም ከኣ ሓጽብታት: ማይ ዘየዕቍር ነቓዕ ሓጽብታት ኵዒቶም እዮም” ብምባል ንሓጽብታት ብምሳልያዊ መገዲ ጠቒስዎ ኣሎ።—ኤርምያስ 2:13

እስራኤላውያን ነቲ “ፈልፋሊ ህያው ማይ” ዝዀነ የሆዋ ኣምላኾም ሓዲጎም ናብቶም ዘየተኣማምኑ ኣረማውያን ህዝብታት ተጸጊዖም: ነቶም ክረድኡ ዘይከኣሎም ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ እውን ኣምሊኾም እዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ተስፋ እተገብረሎም ጸግዒ ኸምቲ ኤርምያስ ብምሳልያዊ መገዲ ዝጠቐሶም ማይ ዘየዕቍር ነቓዕ ሓጽብታት ካብ ምዃን ሓሊፎም ካልእ ኣይበሃሉን እዮም።—ዘዳግም 28:20

ካብዚ ታሪኻዊ ኣብነት እዚ እንታይ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧ ከምቲ ብግዜ ኤርምያስ ዝነበረ: ሕጂውን እቲ ዘለኣለማዊ ኣቦ ዝዀነ የሆዋ እንኮ ምንጪ እቲ ህይወት ዝህብ ማይ እዩ። (መዝሙር 36:9፣ ራእይ 4:11) ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረኽቡ ዝኽእሉ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሎም ካብ የሆዋ ጥራይ እዮም። (ዮሃንስ 4:14፣ 17:3) ይኹን እምበር: ከምቲ ብግዜ ኤርምያስ ሕጂውን ዝበዝሑ ደቅሰብ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ቓል ኣምላኽ ኣይቅበሉን እዮም። ኣብ ክንድኡስ: ኣብ ፖለቲካዊ መፍትሒ: ኣብ ሃተውተው ዝዀነ ኣተሓሳስባ ሰባት: ከምኡውን ኣብ ከንቱ ዝዀነ ንኣምላኽ ዘየኽብር ስነ-ሓሳባትን ፍልስፍናታትን እዮም ዝውከሉ። (1 ቈረንቶስ 3:18-20፣ ቈሎሴ 2:8) ንዓኻውን እቲ ቐሪቡልካ ዘሎ ምርጫ ንጹር እዩ። ኣብቲ “ፈልፋሊ ህያው ማይ” ዝዀነ የሆዋ ዲኻ እትውከል ወይስ ኣብቲ “ማይ ዘየዕቍር ነቓዕ ሓጽብታት”፧

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መቓብር እስራኤላዊ እተረኽበ ምስሊ ናይ ሓንቲ ኣደ እትበሃል ኣምላኽ

[ምንጪ ስእሊ]

Photograph taken by courtesy of the British Museum