ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ብየሆዋ ተሓጐስ’

‘ብየሆዋ ተሓጐስ’

‘ብየሆዋ ተሓጐስ’

“ብእግዚኣብሄርውን ተሐጐስ: ልብኻ ዚደልዮ ንሱ ኺህበካ እዩ።” —መዝሙር 37:4

1, 2. ምንጪ ናይ ሓቂ ሓጐስ መን እዩ: ንጉስ ዳዊት ነዚ ሓቂ እዚ ዝገለጾኸ ብኸመይ እዩ፧

 ‘ብመንፈስ ድኻታት: ብጹኣን እዮም። መሓርቲ ብጹኣን እዮም። ገበርቲ ሰላም ብጹኣን እዮም።’ እዝን ካልእ ሽዱሽተ ንሰባት ብጹኣን ወይ ሕጉሳት ዝገብሮም መግለጺታትን: ነቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ተመዝጊቡ ዘሎ የሱስ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ዘደንቕ መእተዊ እዩ ዝዀኖ። (ማቴዎስ 5:3-11) ሓጐስ ክርከብ ከም ዝከኣል እምበኣር ካብ ቃላት የሱስ መረጋገጺ ክንረክብ ንኽእል ኢና።

2 ናይ ጥንታዊት እስራኤል ንጉስ ዝነበረ ዳዊት ዝጸሓፋ መዝሙር ምንጪ ናይ ሓቂ ሓጐስ የሆዋ ምዃኑ ትገልጽ እያ። ዳዊት “ብእግዚኣብሄርውን ተሐጐስ: ልብኻ ዚደልዮ ንሱ ኺህበካ እዩ” በለ። (መዝሙር 37:4) ንየሆዋን ንእተፈላለየ ባህርያቱን ምፍላጥ ‘ዘሐጕስ’ ዝገብሮ ግን እንታይ እዩ፧ ዕላማኡ ንኽፍጽም ኢሉ ኽሳዕ ሕጂ ዝገበሮን ኣብ መጻኢ ዝገብሮን ነገራት: “ልብኻ ዚደልዮ” ኸም ዝህበካ ተስፋ ክዀነካ ዝኽእል ብኸመይ እዩ፧ ንመበል 37 መዝሙር ካብ ቍጽሪ 1 ኽሳዕ 11 ብዕምቈት ምስ እንምርምር: ናይዚ መልሲ ንረክብ ኢና።

“ኣይትቕናእ”

3, 4. ኣብ መዝሙር 37:1 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ: ዳዊት እንታይ ምኽሪ እዩ ዝሃበ: ኣብዚ ግዜና ነዚ ምስዓቡ ግቡእ ዝኸውንከ ስለምንታይ እዩ፧

3 ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ “ክፉእ ዘመን” ንነብር ስለ ዘለና: ክፍኣት በዚሑ እዩ ዘሎ። ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “እቶም እኩያት ሰባትን ጠበርትን ግና እናኣስሐቱን እናሰሐቱን ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም” ብምባል እተነበዮ ኽፍጸም ንርእዮ ኣሎና። (2 ጢሞቴዎስ 3:1, 13) እምበኣር በቲ እኩያት ዝረኸብዎ ዝመስል ኣሳልጦን ብልጽግናን ብቐሊሉ ኽንጽሎ ንኽእል ኢና። እዚ ዅሉ ንመንፈሳዊ ዓይንና ናብ ካልእ ከም ዘተኵር ብምግባር ከም እነስግል ክገብረና ይኽእል እዩ። እተን ኣብ መበል 37 መዝሙር ዝርከባ ቓላት “በቶም ገበርቲ እከይ ኣይትዀሪ: በቶም ዓመጽቲውን ኣይትቕናእ” ብምባል ካብዚ ሓደጋ እዚ ብኸመይ ከም ዘጠንቅቓና ኣስተብህል።

4 መዓልታዊ ብዙሕ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ከም ዝፍጸም ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ንሰምዕ ኢና። መደናገርቲ ነጋዶ ከይተቐጽዑ ይተርፉ። ገበነኛታት ንመሳኪን ይብለጹሎም። ቀተልቲ ኸይተረኽቡ ወይ ከይተቐጽዑ ይተርፉ። እዚ ዅሉ ንምጕዳል ፍትሒ ዘርኢ ኣብነታት: ከሕርቐናን ንናይ ኣእምሮና ሰላም ክርብሾን ይኽእል እዩ። እቲ እኩያት ዝረኸብዎ ዝመስል ኣሳልጦ ሕሉፍ ሓሊፉ ከቕንኣና እውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን: በዚ ነገር እዚ ምብስጫውና ነቲ ነገር የመሓይሾ ድዩ፧ በቲ እቲ እኩያት ዝረኽብዎ ዝመስለና ጥቕምታት ምስ እንቐንእ ነቲ ዅነታት ክቕይሮ ይኽእል ድዩ፧ ፈጺሙ ኣይቅይሮን እዩ! በዚ ‘ክንዅሪ’ እውን የብልናን። ስለምንታይ፧

5. እኩያት ምስ ሳዕሪ እተመሳሰሉ ስለምንታይ እዮም፧

5 እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ከም ሳዕሪ ቐልጢፎም ኪዕጸዱ: ከም ልምሉም ቈጽሊ ኸኣ ኪጽምልዉ እዮም” ኢሉ መለሰ። (መዝሙር 37:2) ሓድሽ ብቋል ሳዕሪ ጽቡቕ ኰይኑ ዝረኣየና እኳ እንተዀነ: ቀልጢፉ ይጽምሉን ይሓርርን። ንእኩያት እውን ከምኡ እዩ ዘጋጥሞም። እቲ ዝረኸብዎ ዝመስል ብልጽግና ዘይፍትሓዊ ዀይኑ እኳ እንተ ተራእየና: ነባሪ ግን ኣይኰነን። ክሞቱ ኸለዉ እቲ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዘጥረይዎ ነገራት ፈጺሙ ኣየናግፎምን እዩ። ኣብ መወዳእታ ዅሉ ሰብ ካብ ቕኑዕ ፍትሒ ኣየምልጥን እዩ። ጳውሎስ “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 6:23) እኩያትን ኵሎም ረሲኣንን ኣብ መወዳእታ ‘ዓስቦም’ ክረኽቡ እዮም። ከመይ ዝበለ ኸንቱ ህይወት ኰን እዮም ዝነብሩ ዘለዉ!—መዝሙር 37:35, 36፣ 49:16, 17

6. ካብ መዝሙር 37:1, 2 እንታይ ትምህርቲ ኢና ኽንረክብ ንኽእል፧

6 እምበኣር: እቲ እኩያት ዝረኸብዎ ሓላፊ ብልጽግና ኽርብሸናዶ ይግባእ፧ ካብተን ኣብ መበል 37 መዝሙር ዝርከባ ኽልተ ናይ መጀመርታ ቝጽርታት ዝረአናዮ ነጥብታት ነዚ ዝስዕብ ትምህርቲ ኢኻ እትረክብ:- ነቲ እኩያት ዝረኽብዎ ኣሳልጦ ኻብቲ ንየሆዋ ንኸተገልግል ዝጀመርካዮ መገዲ ንኸዝብለካ ኣይተፍቅድ። ኣብ ክንድኡስ: ኣብ መንፈሳዊ በረኸታትን ሸቶታትን ኣተኵር።—ምሳሌ 23:17

ብየሆዋ “ተማዕቈብ: ሰናይ ድማ ግበር”

7. ኣብ የሆዋ ኽንውከል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

7 እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ብእግዚኣብሄር ተማዕቈብ: ሰናይ ድማ ግበር” ብምባል ይምሕጸነና። (መዝሙር 37:3ሀ) ብጭንቀት ወይ ብጥርጣረ ምስ እንወሓጥ: ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ክንውከል ኣሎና። ምሉእ ዘይጕዱል መንፈሳዊ ዕቝባ ዝህበና ንሱ እዩ። ሙሴ “ኣብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዚሐድር: ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዝኽእል ይነብር” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 91:1) ኣብዚ ኣገባብ እዚ እናወሰኸ ብዝኸይድ ዘሎ ዓመጻ ምስ እንጭነቕ: ናብ የሆዋ ብዝያዳ ኽንጽጋዕ እዩ ዘሎና። ኣብ መገዲ እናኸድና ኸለና እንተ ተቘጺና: ፈታዊና ኽድግፈና ኸሎ ባህ እዩ ዝብለና። ብተመሳሳሊውን ብተኣማንነት ክንመላለስ ክንጽዕር ከለና: ሓገዝ የሆዋ የድልየና እዩ።—ኢሳይያስ 50:10

8. ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ምስታፍ በቲ እቶም እኩያት ዝረኽብዎ ብልጽግና ኻብ መጠን ንላዕሊ ንኸይንጭነቕ ዝሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

8 ሓደ ኻብቲ ብራህዋ እኩያት ንኸይንርበሽ ዝሕግዘና ነገር: ነቶም ኣባጊዕ መሰል ዝዀኑ ሰባት ኣናዲና ብዛዕባ ዕላማ የሆዋ ርጡብ ፍልጠት ንኸጥርዩ ኣብ ምሕጋዝ ምስ እንጽመድ እዩ። ኣብዚ ኽፍኣት ዝበዝሓሉ ዘሎ እዋን ንኻልኦት ኣብ ምሕጋዝ ምሉእ ብምሉእ ትሑዛት ክንከውን ኣሎና። ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣምላኽ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ መስዋእቲ ይሰምሮ እዩ እሞ: ሰናይ ምግባርን ምምቓልን ኣይትረስዑ” በለ። ክንገብሮ ኻብ እንኽእል ነገራት እቲ ዝዓበየ “ሰናይ:” ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ምንጋር እዩ። ስብከትና ብርግጽ “መስዋእቲ ምስጋና” እዩ።—እብራውያን 13:15, 16፣ ገላትያ 6:10

9. ነቲ ዳዊት “ኣብታ ሃገር ተቐመጥ” ብምባል ዝሃቦ ምሕጽንታ ግለጾ።

9 ዳዊት ቀጺሉ “ኣብታ ሃገር ተቐመጥ: እምነት ከኣ ድለ” በለ። (መዝሙር 37:3ለ) እታ ብግዜ ዳዊት “ሃገር” ተባሂላ ዘላ: እታ የሆዋ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ምድሪ ተስፋ እያ ነይራ። ሰሎሞን ኣብ ዝነገሰሉ እዋን ዶባታ ኻብቲ ብሰሜን ዝርከብ ዳን ክሳዕ እቲ ብደቡብ ዝርከብ ብኤር-ሸባዕ እዩ ነይሩ። እስራኤላውያን ዝነብሩላ ኸኣ እያ ነይራ። (1 ነገስት 4:25) ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝሃለና ንሃሉ: ነቲ ምልእቲ ምድሪ ኣብታ ሓዳስ ጽድቃዊት ዓለም ገነት እትዀነሉ እዋን ብሃንቀውታ ኢና እንጽበ። ክሳዕ ሽዑ ግን ኣብ መንፈሳዊ ዕቝባ ዝርከቦ ቦታ ኢና እንጸንሕ።—ኢሳይያስ 65:13, 14

10. ‘እምነት ምስ እንደሊ’ እንታይ ፍረ ኣለዎ፧

10 ‘እምነት ምስ እንደሊ’ እንታይ ፍረ ኢና እንረክብ፧ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈት ሓንቲ ምሳሌ “እሙን ሰብ ኣዝዩ ይባረኽ” ትብል። (ምሳሌ 28:20) ኣብ እንነብረሉ ቦታታት ንዝረኸብናዮ ዘበለ ነቲ ብስራት ብተኣማንነት ንሰብኽ እንተደኣ ዄንና: ካብ የሆዋ ዓስቢ ኸም እንረክብ ኣየጠራጥርን እዩ። ንኣብነት: ፍራንክን ብዓልቲ ቤቱ ሮዝን 40 ዓመት ይገብር ኣብ ሰሜናዊ ስኮትላንድ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ኸተማ ፓይነር ኰይኖም ከገልግሉ ጀመሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ እቶም ኣቐዲሞም ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ኣብ ሓቂ ተገዳስነት ዝነበሮም ሒደት ሰባት ካብ ሓቂ ርሒቖም ነበሩ። እዞም ሰብኣይን ሰበይትን ፓይነራት ግን በዚ ኸይተዓግቱ ኽሰብኩን ደቀ መዛሙርቲ ኽገብሩን ጀመሩ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብታ ኸተማ ሓንቲ ኣብ ምስሳን እትርከብ ጉባኤ ቘይማ ኣላ። ነቲ እዞም ሰብ ሓዳር ዘርኣይዎ ተኣማንነት: የሆዋ ኸም ዝባረኾ ኣየጠራጥርን እዩ። ፍራንክ ከኣ ብትሕትና “እቲ ዝዓበየ በረኸት: ኣብ ሓቂ ምህላውናን ንየሆዋ እንጠቅም ምዃንናን እዩ” ብምባል ይገልጽ። እወ: ‘እምነት ምስ እንደሊ:’ ብዙሕ በረኸታት ንረክብን ነማስወሉን ኢና።

‘ብየሆዋ ተሓጐስ’

11, 12. (ሀ) ‘ብየሆዋ ኽንሕጐስ’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ኣብ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ እንታይ ሸቶ ኸተውጽእ ትኽእል: እዚኸ እንታይ ከፍሪ ይኽእል፧

11 ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ንምድልዳልን ኣብኡ ዘሎና ትውክልቲ ንምዕቃብን ‘ብእኡ ኽንሕጐስ’ ኣሎና። (መዝሙር 37:4ሀ) ብኸመይ ኢና ነዚ ኽንገብሮ እንኽእል፧ ጸገማት እኳ እንተሎና: በቲ ጸገማት ኣብ ክንዲ እንወሓጥ: ኣብ የሆዋ ጥራይ ኢና እነተኵር። ሓደ ኻብቲ ነዚ እንገብረሉ መገዲ ግዜ ወሲድና ቓሉ ምንባብ እዩ። (መዝሙር 1:1, 2) ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓጐስ ትረክብ ዲኻ፧ ብዛዕባ የሆዋ ዝያዳ ንኽትመሃር ካብ ዝብል ሸቶ ተበጊስካ ምስ እተንብብ ሓጐስ ክትረኽበሉ ኢኻ። እተወሰነ ኽፋል ምስ ኣንበብካ ሓንሳእ ደው ኢልካ ‘እዚ ዘንበብክዎ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረኒ፧’ ኢልካ ንምንታይ ዘይትሓትት፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ መዘኻኸሪ እትጽሕፈሉ ደብተር ወይ ወረቐት ኣብ ጥቓኻ ምሓዝ ሓጋዚ ዀይኑ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ እቲ ዘንበብካዮ እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ንኸተስተንትን ኣብ እተዕርፈሉ ዘበለ: ብዛዕባ ሓደ ኻብቲ ዝፍቶ ባህርያት የሆዋ ዘዘኻኽረካ ሓረግ ጽሓፍ። ዳዊት ኣብ ካልእ መዝሙር “ዎ እግዚኣብሄር: ከውሔይን መድሓንየይን: ቃላት ኣፈይን ሓሳባት ልበይን ኣብ ቅድሜኻ ብሁግ ይኹን” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 19:14) እዚ ኣብ ቃል ኣምላኽ ብኣትኵሮ እንገብሮ መጽናዕቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ “ብሁግ:” ንዓናውን ዘሐጕስ እዩ።

12 ካብ መጽናዕትን ምስትንታንን ብኸመይ ኢና ሓጐስ ክንረክብ እንኽእል፧ ብዛዕባ የሆዋን መገድታቱን ዝከኣለና ዅሉ ንኽንመሃር ሸቶና ኽንገብሮ ንኽእል ኢና። ከምተን ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ከምኡውን ንየሆዋ ቕረቦ ዝብላ መጻሕፍቲ a ዝኣመሰለ ጽሑፋት ብሞሳ ኸነስተንትነሉ እንኽእል እኹል ትምህርቲ ሒዙልና ኣሎ። የሆዋ ድማ ብግዴኡ ‘ልብና ዝደልዮ ኽህበና’ ምዃኑ ዳዊት ኣረጋጊጹልና ኣሎ። (መዝሙር 37:4ለ) እዚ ምትእምማን እዚ ኸኣ እዩ ንሃዋርያ ዮሃንስ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ንኽጽሕፍ ኣለዓዒልዎ ክኸውን ዝኽእል:- “ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ: ይሰምዓና እዩ: እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ እዩ። ነቲ ዝለመንናዮ ዘበለ ኸም ዝሰምዓና ኻብ እንፈልጥ ድማ: እቲ ኻብኡ ዝለመንናዮ ልማኖ ድሮ ኸም ዝረኸብናዮ: ንፈልጥ ኢና።”—1 ዮሃንስ 5:14, 15

13. ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ኣብ ብዙሓት ሃገራት እንታይ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስፋሕ ዕዮ እዩ እተራእየ፧

13 ንጽህናና እንሕሉ ኸም ምዃንና መጠን እቲ ዝዓበየ ድሌትና ምርግጋጽ ሉዓላውነት የሆዋ ኽንርኢ እዩ። (ምሳሌ 27:11) ኣብተን ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ዝነበራ ሃገራት ዘለዉ ኣሕዋትና ኣብ ስብከት ዝፍጽምዎ ዘለዉ ሰፊሕ ዕዮ ኽንሰምዕ ከለናስ ልብና ብሓጐስ ደይኰነን ዝምላእ፧ ቅድሚ መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ እንረኽቦ ናጽነት ብሃንቀውታ ኢና እንጽበዮ። ብዙሓት ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝርከቡ ኣገልገልቲ የሆዋ ነቲ ናይ ኣምልኾ ሓርነቶም ይጥቀሙሉ: ነቶም ኣብዘን ሃገራት ዝርከቡ ተማሃሮ: ስደተኛታት: ከምኡውን ካልኦት ግዝያውያን ተቐማጦ ድማ ብንጥፈት ይሰብኩሎም ኣለዉ። እዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ: ኣብቲ ድቕድቕ ጸልማት ዝመስል ከባቢ እውን ናይ ሓቂ ብርሃኖም ከብርሁ ልባዊ ትምኒትና እዩ።—ማቴዎስ 5:14-16

‘መገድኻ ንየሆዋ ኣማዕቍቦ’

14. ኣብ የሆዋ ኽንተኣማመን ከም እንኽእል ዘርኢ እንታይ መርትዖታት እዩ ዘሎ፧

14 ጭንቀትናን ከቢድ ዝመስለና ጾርን ክፋዀሰልና ኸም ዝኽእል ምፍላጥስ ብሓቂ እፎይታ እዩ ዘምጽኣልና! ብኸመይ፧ ዳዊት ኣስዒቡ “መገድኻ ንእግዚኣብሄር ኣማዕቍቦ: ኣብኡ ተወከል: ንሱውን ኬስልጠልካ እዩ” በለ። (መዝሙር 37:5) የሆዋ ኽንተኣማመነሉ እንኽእል ደጋፊና ምዃኑ ኣብ ጉባኤታትና እኹል መርትዖ ኣሎና። (መዝሙር 55:22) እቶም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዀይኖም ዘገልግሉ ፓይነራት: ገየሽቲ ተዓዘብቲ: ሚስዮናውያን ወይ ቤትኤላውያን ነቲ የሆዋ ዘርኣዮም ሓልዮት ክምስክሩ ይኽእሉ እዮም። ነቶም እትፈልጦም ንምንታይ ዘይተዘራርቦም፧ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝደገፎምከ ንምንታይ ዘይትሓቶም፧ ኣብ ጽንኩር እዋን እውን ከይተረፈ ኢድ የሆዋ ሓጻር ዘይምዃና ዘርኢ ብዙሕ ተመክሮታት ከም እትሰምዕ ኣየጠራጥርን እዩ። የሆዋ ወትሩ ንህይወትና ዘድሊ መሰረታዊ ነገራት ይህበና እዩ።—መዝሙር 37:25፣ ማቴዎስ 6:25-34

15. ጽድቂ ህዝቢ ኣምላኽ ዝበርህ ብኸመይ እዩ፧

15 ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ምስ እንተኣማመንን ምስ እንውከልን: ነቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ቀጺሉ “ንሱ ንጽድቅኻ ኸም ብርሃን: ንፍርድኻውን ከም ቀትሪ ኼውጽኦ እዩ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት ብግብሪ ንርእዮ ኢና። (መዝሙር 37:6) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምዃንና ዝበዝሕ ግዜ ዘይስምና ይወሃበና እዩ። የሆዋ ግን ነዒንቲ እቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ብምኽፋት እቲ ህዝባዊ ኣገልግሎትና በቲ ንየሆዋን ንሰባትን ዘሎና ፍቕሪ ተደሪኽና ኸም እንገብሮ ንኽግንዘቡ ይሕግዞም እዩ። ብዘይዚውን ብዙሓት ዘይስምና እኳ እንተ ለጠፉልና: እቲ ቕኑዕ ኣካይዳና ኽሕባእ ኣይከኣልን እዩ። የሆዋ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ምጽራርን መስጐጕትን ክወርደና ኸሎ ንኽንዋጽኣሉ የኽእለና እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ጽድቂ ህዝቢ ኣምላኽ ከም ጸሓይ ቀትሪ ይበርህ።—1 ጴጥሮስ 2:12

‘ሃዲእካ ተጸበ’

16, 17. ከምቲ ኣብ መዝሙር 37:7 ተገሊጹ ዘሎ ሕጂ እንታይ እንገብረሉ እዋን እዩ: ስለምንታይከ፧

16 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ቀጺሉ “ንእግዚኣብሄር ሀዲእካ ተጸበዮ: በቲ ብመገዱ ዚሰልጠሉ: በቲ ሕሱም ሃቐና ዚፍጽም ሰብ ኣይትዀሪ” በለ። (መዝሙር 37:7) ዳዊት ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ: የሆዋ ስጕምቲ ንኽወስድ ብዓቕሊ ኽንጽበዮ ኸም ዘድሊ እዩ ኣጕሊሑ። መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ ገና እኳ እንተ ዘይመጸ: ንኸነማርር ምኽንያት ክዀነና የብሉን። የሆዋ ዘርኣዮ ምሕረትን ትዕግስትን ካብቲ ኣቐዲምና ዝሓሰብናዮ ኣጸቢቑ ዝበልጽ ከም ዝዀነዶ ኣይረኣናን ኢና፧ መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ ነቲ ብስራት ኣብ ምስባኽ ብንጥፈት እናተሳተፍና ብዓቕሊ ኸም እንጽበ ኸነርኢዶ ኣይንኽእልን ኢና፧ (ማርቆስ 13:10) ሕጂ ሓጐስናን መንፈሳዊ ዕቝባናን ከጥፍኣልና ዝኽእል ስጕምቲ ብታህዋኽ እንወስደሉ እዋን ኣይኰነን። የግዳስ: ነቲ ሰይጣን ዝቈጻጸራ ዓለም እተምጽኦ ዘበላሹ ጽልዋታት ኣትሪርና እንጻረረሉ እዋን እዩ። ብተወሳኺውን ስነ-ምግባራዊ ንጽህናና እንሕልወሉን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘሎና ጽድቃዊ ኣቕዋም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ነገራት እነወግደሉን እዋን እዩ። እምበኣር: ዘይስነ-ምግባራዊ ሓሳባት ካብ ኣእምሮና ነርሕቕ: ምስ ኣንጻር ጾታ ዀነ ምስቶም ከም ናትና ዝጾታኦም ሰባት ዘይቅኑዕ ነገራት ኣይንፈጽም።—ቈሎሴ 3:5

17 ዳዊት ኣስዒቡ “እኩያት ኪጸንቱ እዮም: ንእግዚኣብሄር ዚጽበይዎ ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ: ኵራ ግደፍ ሓርቖትውን ሕደግ: ኣይተንጸርጽር: እዝስ ናብ እከይ ጥራይ እዩ ዜብጽሕ” ብምባል መዓደ። (መዝሙር 37:8, 9) እወ: ነዚ የሆዋ ኻብ ገጽ ምድሪ ንብምሉኡ ብልሽውናን በዚ ዝሕተቱ ዘበሉን ዘጥፍኣሉ ኣዝዩ ቐሪቡ ዘሎ እዋን ብምትእምማን ክንጽበ ንኽእል ኢና።

“ቅሩብ ጸኒሑ”

18, 19. ካብ መዝሙር 37:10 እንታይ ምትብባዕ ኢና እንረክብ፧

18 “ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን: ቦታኡ ኽትደልዮ ኢኻ: ኣይኪህሉን ድማ እዩ።” (መዝሙር 37:10) ናብ መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ ከምኡውን ናብቲ ደቅሰብ ካብ የሆዋ ተፈልዮም ዝጸንሑሉ ዘሕዝን እዋን ዘብቅዓሉ ግዜ እናቐረብና ብዝኸድና መጠን እዚ ቓላት እዚ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዘተባብዓና! ደቅሰብ ዝመሃዝዎ ዅሉ ዓይነት መንግስቲ ዀነ ስልጣን ብላሽ እዩ ዀይኑ። ሕጂ ናብቲ ብኣምላኽ እንግዝኣሉ ናይ ሓቂ ቲኦክራሲ ቐሪብና ኣለና: እታ ብየሱስ ክርስቶስ እትመሓደር መንግስቲ የሆዋ እውን ቀሪባ ኣላ። እዛ መንግስቲ እዚኣ ንብምልእታ ዓለም ክትቈጻጸራን ንዅሎም ተጻረርቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከተጥፍኦምን እያ።—ዳንኤል 2:44

19 ኣብታ መንግስቲ ኣምላኽ እትገዝኣላ ሓዳስ ዓለም: ኣብ ኵሉ ቦታ እኳ እንተ ደለና: “ረሲእ” ኣይክንረክብን ኢና። እወ: ኵሉ እቲ ኻብ የሆዋ ዝዓሉ ቐልጢፉ ኽጠፍእ እዩ። ኣብ ሉዓላውነት ኣምላኽ መጥቃዕቲ ዝፍኑ ወይ ንስልጣኑ ዘይግዛእ ኣይክህሉን እዩ። ኵሎም ጐረባብትኻ ብሓደ ልቢ ንየሆዋ ኸሐጕሱ ዝደልዩ ክዀኑ እዮም። እዝስ ከመይ ዝበለ ህድኣት ኰን እዩ ዘምጽእ። መፍትሕ ኰነ መሸጐር: ወይ ምሉእ ትውክልትናን ሓጐስናን ዘጕድል ዝዀነ ይኹን ነገር ኣይከድልን እዩ!—ኢሳይያስ 65:20፣ ሚክያስ 4:4፣ 2 ጴጥሮስ 3:13

20, 21. (ሀ) እቶም ኣብ መዝሙር 37:11 “ትሑታት” ተባሂሎም ዘለዉ መን እዮም: ኣበይከ እዮም ‘ብዙሕ ሰላም’ ዝረኽቡ፧ (ለ) ነቲ ኻብ ዳዊት ዝዓቢ የሱስ ክርስቶስ እንተ መሲልናዮ: እንታይ በረኸት ኢና እንረክብ፧

20 ሽዑ “ትሑታት . . . ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም።” (መዝሙር 37:11ሀ) እንተዀነ ግን: እዞም “ትሑታት” ተባሂሎም ዘለዉ መን እዮም፧ “ትሑታት” ተባሂሎም ዘለዉ: እቶም ንዅሉ እቲ ዝወርዶም ግፍዒ: የሆዋ ንኸዐርዮ ብትሕትና ዝጽበይዎ እዮም። “ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።” (መዝሙር 37:11ለ) ሕጂውን እንተዀነ: ኣብቲ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ማሕበር ዘላቶ መንፈሳዊ ገነት ብዙሕ ሰላም ይርከብ እዩ።

21 ካብ ጸበባ ሓራ እኳ እንተ ዘይኰንና: ንሓድሕድና ንደጋገፍን ነቶም እተጨነቑ ነጸናንዖምን ኢና። ስለዚ ድማ ህዝቢ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ውሽጣዊ ዕግበት ኣለዎም። እቶም ጓሶት ኰይኖም እተመዘዙ ኣሕዋት ብፍቕሪ ተደሪኾም ብመንፈሳዊ—ሓድሓደ ግዜውን ብስጋዊ—የገልግሉና: እዚ ድማ ምእንቲ ጽድቂ ዝወርደና ጸበባ ንኽንጾሮ የኽእለና። (1 ተሰሎንቄ 2:7, 11፣ 1 ጴጥሮስ 5:2, 3) ነዚ ሰላም እዝስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ኣኽቢርና እንርእዮ! ብዘይካዚውን ኣብታ ድሕሪ ቐረባ ግዜ እትመጽእ ሰላም ዝሰፈና ገነት ዘለኣለማዊ ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋ ኣሎና። እምበኣር: ነቲ ንየሆዋ ብዘለዎ ቕንኣት ክሳዕ መወዳእታ ብተኣማንነት ንኸገልግል እተደረኸ: ነቲ ኻብ ዳዊት ዝዓቢ ክርስቶስ የሱስ ንምሰሎ። (1 ጴጥሮስ 2:21) ከምዚ ምስ እንገብር: ወትሩ ንየሆዋ ኣምላኽና እናኣወደስና ሕጉሳት ኴንና ኽንቅጽል ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትማ።

ክትምልሶዶ ምኸኣልካ፧

• ካብ መዝሙር 37:1, 2 እንታይ ተማሂርካ፧

• ‘ብየሆዋ ኽትሕጐስ’ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

• ኣብ የሆዋ ንኽንውከል ዘኽእለና እንታይ መርትዖታት ኣሎ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናት ‘በቶም ዓመጽቲ ኣይቀንኡን እዮም’

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ብየሆዋ “ተማዕቈብ: ሰናይ ድማ ግበር”

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ብዝከኣለካ መጠን ብዛዕባ የሆዋ ፍልጠት ብምቕሳም ብእኡ ተሓጐስ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

“ትሑታት . . . ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም”