ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ቤተ-ክርስትያን ዝኸዱ ስለምንታይ እዮም፧

ናብ ቤተ-ክርስትያን ዝኸዱ ስለምንታይ እዮም፧

ናብ ቤተ-ክርስትያን ዝኸዱ ስለምንታይ እዮም፧

ኣብ መጽሔት ኒውስዊክ “ብዝሒ እቶም ኣብ ሪፓብሊክ ኮሪያ ዝርከቡ ፕረስባይተርያውያን ምስቶም ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ኽነጻጸር ከሎ ዳርጋ ኣርባዕተ ዕጽፊ ኣቢሉ ይኸውን” ዝብል ሓሳባት ወጺኡ ነይሩ። ኮርያ ሰዓብቲ እምነት ኮንፊሸስ ወይ ሰዓብቲ እምነት ቡድሃ ዝበዝሕዋ ሃገር ጌርካ ስለ እትርአ: እዚ ሓሳባት እዚ ንመብዛሕትኦም ኣንበብቲ የገርሞም ይኸውን። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብታ ሃገር ቀይሕ መብራህቲ ብዘለዎ መስቀላት ዝፍለጣ ሓያሎ ኣብያተ-ክርስትያን ይርከባ እየን። ኣብ ሰናብቲ ሰባት በብኽልተ ወይ በብሰለስተ ዀይኖም መጽሓፍ ቅዱስ ሒዞም ናብ ቤተ-ክርስትያን ክኸዱ ምርኣይ ልሙድ እዩ። ብመሰረት እቲ ብ1998 እተገብረ መጽናዕቲ ዳርጋ 30 ሚእታዊት ዝዀኑ ህዝቢ ኮርያ ናብ ኣብያተ-ክርስትያን ካቶሊክ ወይ ፕሮተስታንት ይኸዱ እዮም። እዚ ድማ ካብቶም ቡድሂስት ኢና ዝብሉ ዝበዝሕ ቍጽሪ እዩ።

ኣብዚ ግዜና ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ኽንድዚ ዝኣኽሉ ሰባት ኣዘውቲሮም ናብ ቤተ-ክርስትያን ክኸዱ ልሙድ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ኣብ ኮሪያ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ካልኦት ኣብ እስያን ኣፍሪቃን ላቲን ኣመሪካን ዝርከባ ሃገራት እውን ዘጋጥም ዘሎ እዩ። ኣብ ምድሪ ብሃይማኖት ዘይምግዳስ ኣስፋሕፊሑሉ ኣብ ዘሎ እዋን ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣምላኽ ከም ዝኣምኑ ዝዛረቡ ስለምንታይ እዮም፧ ናብ ቤተ-ክርስትያን ዝኸዱኸ ስለምንታይ እዮም፧

ሓደ መጽናዕቲ ኸም ዝሕብሮ ልዕሊ ፍርቂ ዝዀኑ ኻብቶም ናብ ቤተ-ክርስትያን ዝኸዱ ኮሪያውያን ናይ ኣእምሮ ሰላም ንኽረኽቡ: ሓደ ሲሶ ዝዀኑ ድሕሪ ሞት ዘለኣለማዊ ህይወት ንኽረኽቡ: ሓደ ዕስሪት ዝዀኑ ድማ ጥዕናን ሃብትን ኣሳልጦን ንኽረኽቡ ተስፋ ብምግባር እዮም።

ኣብ ቻይና እቲ ናይ ዴስነት ኣተሓሳስባ በብቝሩብ ብናይ ርእሰ-ማልነት ክትካእ ከሎ ዘስዓቦ መንፈሳዊ ሃጓፍ ንምምላእ ብዙሓት ሰባት ናብ ኣብያተ-ክርስትያን ይውሕዙ ኣለዉ። ኣብ ዓዓመት ኣብ ቻይና ብሚልዮናት ዝቝጸር ቅዳሓት መጽሓፍ ቅዱስ ይሕተምን ይዝርጋሕን ኣሎ: ሰባት ከኣ ከምቲ ነታ ማኦ ዝጸሓፋ ንእሽቶ ቐያሕ መጽሓፍ ገይሮም ንመጽሓፍ ቅዱስ የንብብዋ ዘለዉ እዩ ዝመስል።

ገሊኣቶም ኣብ ብራዚል ዝነብሩ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ: ምናዳ ኸኣ እቲ መንእሰይ ወለዶ: ኣብ ዝመጽእ ህይወት ሓጐስ ከም ዝርከብ ዝገልጽ መብጽዓ ኣየዕግቦምን እዩ። እዚ ነገር እዚ ሕጂ ኽፍጸመሎም እዮም ዝደልዩ። መጽሔት ቱልዶ “ብ70ታት ንኣልባብን ኣእምሮን ሰባት ዝተንከፈ እቲ ብዛዕባ ሓርነት ዝገልጽ ትምህርቲ ሃይማኖት እንተ ነይሩ: ሕጂ ግን ብዛዕባ ብልጽግና ዝገልጽ ትምህርቲ ሃይማኖት እዩ ንሰባት ዝስሕቦም ዘሎ” በለት። ኣብ ብሪጣንያ ኣብ እተገብረ መጽናዕቲ ነቶም ናብ ቤተ-ክርስትያን ዝኸዱ ሰባት ኣብ ቤተ-ክርስትያኖም ዝፈትዉዎ ነገር እንታይ ምዃኑ ኽገልጹ ምስ ተሓትቱ: መብዛሕትኦም ምስ ካልኦት ዘለዎም ዕርክነት ጠቐሱ።

እዚ ዅሉ ዝረኣናዮ: ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣምላኽ ዝኣምኑ እኳ እንተዀኑ: ዝበዝሑ ግን ካብቲ ኣብ መጻኢ ዝረኽብዎ ነገራት ወይ እውን ካብ ኣምላኽ ንላዕሊ ብዛዕባ ሕጂ ዝረኽብዎ ነገራት ከም ዝሓስቡ እዩ ዘርኢ። እንተዀነ ግን: ኣብ ኣምላኽ ንኽንኣምን ቅኑዕ ምኽንያት ክኸውን ዝግባእ እንታይ ይመስለካ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እንታይ እዩ ዝብል፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክትረኽቦ ኢኻ።