ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ”

“ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ”

“ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ”

“ንሓላቑን ንስልጣናትን ኪግዝኡ: ንመራሕቶም ኪእዘዙ: ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ ኪዀኑ: . . . ኣዘክሮም።” (ቲቶስ 3:1, 2) ሃዋርያ ጳውሎስ ነዘን ቃላት እዚኣተን ንክርስትያናት ብጾቱ ኽጽሕፍ ከሎ: ብዛዕባ እንታይ ዓይነት ሰናይ ግብሪ እዩ ዝዛረብ ነይሩ፧ ኤርነስት ስኮት ዝበሃል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ንሓደ ዓይነት ሰናይ ግብሪ ጠቒሱ ኣሎ:- “ክርስትያናት ንስልጣናት ክግዝኡ ጥራይ ዘይኰነስ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ ክዀኑ ኣለዎም። . . . ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ንማሕበረሰብ ሓልዮት ብምርኣይ ዝመጸ ቐዳሞት ክዀኑ ኣለዎም። ኵሎም ንፉዓት ዜጋታት ንጐረባብቶም ክሕግዙሉ ዘደልዮም ባርዕ: ፌራ: እተፈላለየ ዓይነት መዓት በብግዜኡ ይለዓል እዩ።”

ክርስትያናት ኣብቲ ምስ ሕግታት ኣምላኽ ዘይጻረር ዘበለ ንህዝቢ ዘድሊ እተወሰነ ተግባራት ይሳተፉ እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 5:29) ንኣብነት: ኣብ ኢቢና: ጃፓን: ኣብ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኽፍሊ መጥፋእቲ ሓዊ ዘዳለዎ መምርሒ ብምስዓብ ኣብ ዓዓመት ባርዕ ንምጥፋእን ካብኡ ንምምላጥን ልምምድ ይገብሩ እዮም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ ዅላቶም ኣባላት ስድራ ቤትኤል በቲ ናይቲ ኽፍሊ መጥፋእቲ ሓዊ ተወካሊ ዝወሃብ መምርሒ ንምስማዕ ይእከቡ እዮም።

ኣብ ርእሲ እዚ: ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ባርዕ ንኸይለዓል ዝግበር ጥንቃቐ ኣብ ዘርኢ ምርኢት ብምክፋል ምስ ኣብቲ ኸባቢ ዘለዉ ሰበ-ስልጣን ክተሓባበር ጸኒሑ እዩ። ኣብቲ ምርኢት ኣብታ ኸተማ ዝርከባ ኩባንያታትን ትካላትን ንባርዕ ብኸመይ ከም ዘጥፍኣን ዝከላኸላን የርእያ እየን። እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት በቲ እቶም ኣብኡ ዝሰርሑ ሰባት ዘለዎም ክእለትን ዝገብርዎ ምትሕብባርን ብተደጋጋሚ ተናኢዱ እዩ። ብ2001 ከኣ ኣብቲ ምርኢት ቀዳማይ ኰይኑ ተሸሊሙ። እቶም ኣብቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዝሰርሑ ባርዕ እንተ ተላዒሉ: ህይወት ከድሕን ዝኽእል ሰናይ ግብሪ ንምግባር ድሉዋት እዮም።

ኣገዳሲ ኣገልግሎት

ይኹን እምበር: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ ህይወት ሰባት ዘድሕን ሰናይ ግብሪ እውን ይሳተፉ እዮም። ንጐረባብቶም ኣዘውቲሮም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይነግርዎም እዮም። (ማቴዎስ 24:14) ሰባት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣነባብራኦም ምእንቲ ኸመሓይሹ ከምኡውን ናይ ሓቂ ሰላምን ደሓንን ኣብ ዝሰፍና ዓለም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ምእንቲ ኽህልዎም ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክመሃሩን ኣብ ግብሪ ኸውዕልዎን የተባብዕዎም እዮም።

ገሊኣቶም ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም መትከኻት ገይሮም ብምርኣይ ነቲ ዝህብዎ ኣገልግሎት ኣይርድእዎን ይዀኑ። እንተዀነ ግን: ዤን ክሬፖ ዝበሃል ኣብቲ ኣብ ካናዳ ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኲበክ ዝዓዪ ዳኛ እተፈልየ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ። ኣብኡ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነታ ኣብ ኲበክ እትርከብ ከተማ ብላንቪል ዘውጽኣቶ ኻብ ቤት ናብ ቤት ንምኻድ ፍቓድ ምውጻእ ከም ዘድሊ ዝጠልብ ሕጊ ብምቅዋም ኣብ ቤት ፍርዲ ቐሪቦም ነይሮም። ክሬፖ ኣብቲ እቲ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ብይን “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ ምብጻሕ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት እዩ . . . እቲ ተገዳስነት ንዘለዎም ዜጋታት ዝዕደል ጽሑፋት ከኣ ንሃይማኖት: መጽሓፍ ቅዱስ: ሓሽሽ: ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ: ትምህርቲ መንእሰያት: ጸገማት ሓዳርን ፍትሕን ዝምልከት ኣርዚንካ ዝርአ ጕዳያት ዝሓዘ እዩ” በለ። ብተወሳኺውን ኣብቲ ብይን “ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ሸቃጦ ምምስሳል ካብ ጸርፍን ውርደትን ጕድኣትን ጠቐነን ፈሊኻ ኸም ዘይርአ ጥራይ እዩ እዚ ቤት ፍርዲ ክውስን ዝኽእል” ተባህለ።

ናይ የሆዋ መሰኻኸር ንሰባት ኣብ መዓልታዊ ናብራ ዘጋጥሞም ጸገማት ንኽዋጽኣሉ ብምሕጋዝን ንመጻኢ ዝኸውን ተስፋ ብምሃብን ንድሕንነት እቲ ዝነብሩሉ ማሕበረሰብ ኣበርክቶ ይገብሩ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዕዮ እዚ ንኽዓዩ ኣዳልይዎም እዩ። “እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ: ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ: ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ: መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።”—2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17

ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ” ዝዀኑ ብኸመይ ምዃኑ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ትደሊ እንተደኣ ዄንካ: ነቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽትማሃር ዘቕርቡልካ ዕድመ ተቐበሎ እሞ ካብቲ ኣብ ከባቢኻን ኣብ መላእ ዓለምን ንማሕበረሰብ ዝጠቅም ኣገዳሲ ኣገልግሎት ክትጥቀም ኢኻ።

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ሰበ-ስልጣን ይተሓባበሩ እዮም

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጐረባብቶም ብምሕጋዝ ፍሉጣት እዮም