ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ንየሆዋ እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧”

“ንየሆዋ እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧”

ታሪኽ ህይወት

“ንየሆዋ እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧”

ማሪያ ከራሲኒስ ዘዘንተወቶ

ጓል 18 ዓመት ከለኹ: ኵሎም ስድራቤትና ፎእ ኢሎምኒ: ቍሸትና ኸኣ መስሓቕ ገይሮምኒ ስለ ዝነበሩ: ወለደይ ብሰንከይ ኣብዛ ጽፍሮም ክኣትዉ ደለዩ። ነቲ ንኣምላኽ ዝነበረኒ ንጽህና ንምፍራስ ልመና: ሓይሊ: ከምኡውን ምጕብዕባዕ እኳ እንተ ተጠቕሙ ኣይሰለጦምን። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ብተኣማንነት ጠቢቐ ምስ ዝስዕብ: መንፈሳዊ ረብሓታት ከም ዘምጽኣለይ ርግጸኛ ነበርኩ። ነቲ ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ዘሕለፍክዎ ልዕሊ 50 ዓመት ምልስ ኢለ ኽርእዮ ኸለኹ: ምስቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ኣብ ክንዲ እቲ ሰናይ ዝገበረለይ ኵሉስ: ንየሆዋ እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧” ብምባል እተዛረቦ ቓላት እሰማማዕ እየ።—መዝሙር 116:12 NW

ብ1930 ካብታ ብወገን ምብራቕ ናይ ቈረንቶስ ኢዝመስ ዘላ ወደብ ክንክሬኣ 20 ኪሎ ሜተር ዝኸውን ርሒቓ ኣብ እትርከብ ኣገሎካስትሮ እትበሃል ቍሸት እየ ተወሊደ። ኣብታ ወደብ እቲኣ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ጉባኤ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ቈይማ ነይራ።—ግብሪ ሃዋርያት 18:18፣ ሮሜ 16:1

ስድራቤተይ ሰላማዊ ናብራ እያ እትነብር ነይራ። ኣቦይ ኣብቲ ማሕበረሰብና ሓላፍነት ዝነበሮን ዝኽበርን ሰብኣይ እዩ ነይሩ። ኣነ ድማ ካብቶም ሓሙሽተ ውሉዳት ዝነበርዋ ስድራቤትና ሳልሰይቲ ነበርኩ። ወለድና ውፉያት ሰዓብቲ እምነት ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስትያን ገይሮም እዮም ኣዕብዮምና። ኣብ ሰናብቲ ወትሩ ናብ ቅዳሴ እኸይድ ነበርኩ። ኣብ ቅድሚ ስእልታት ኣማልኽቲ ኸይደ እንሳሕ: ኣብታ ናይቲ ዓዲ ቤት ጸሎት ሽምዓ እውልዕ: ከምኡውን ኵሉ ዓይነት ጾም እጸውም ነበርኩ። ፈላሲት ንክኸውን እውን እሓስብ ነበርኩ። እንተዀነ ግን: ካብ ስድራቤትና ብሃይማኖት ዝመጸ ንወለደይ ጓሂ ብምምጻእ ፈላሚት ኰንኩ።

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ብምርካበይ ተሓጐስኩ

ጓል 18 ዓመት ኣቢለ ምስ ኰንኩ: ሓንቲ ኣብ ጐደቦ ቝሸትና እትነብር ካቲና እትበሃል ሓብቲ ሰብኣይ ሓብተይ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሓተምዎ ጽሑፋት ከተንብብ ከም ዝጀመረትን ናብ ቤተ-ክርስትያን ምኻድ ከም ዝሓደገቶን ሰማዕኩ። እዚ ብዙሕ ስለ ዘጨነቐኒ: ናብቲ ቕኑዕ ዝመስለኒ ዝነበረ መገዲ ንኽትምለስ ክሕግዛ ወሰንኩ። ስለዚ: ክትበጽሓና ምስ መጸት: ክልቴና ብእግርና ኽንዛወር ሓሳብ ኣቕረብኩ: ኣብ ቤት እንዳ ሓደ ቐሺ ኸም እነላግስ ድማ ገበርኩ። እቲ ቐሺ: ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንካቲና ዘስሓቱ መናፍቓን ብምባል ዘረባኡ ብጸርፊ ጀመረ። እቲ ምይይጥ ንሰለስተ ምሸት ቀጸለ። ካቲና ንዅሉ እቲ ዘረባኡ ብዝግባእ ምድላው ብእተገብረሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መርትዖ ገይራ ኣፍሸለቶ። ኣብ መወዳእታ እቲ ቐሺ ምጭውትን በላሕን ጓል ስለ ዝዀነት: ሕጂ ንእስነታ ኽትሕጐሰሉ ኸም ዘለዋ: ንኣምላኽ ግን ደሓር ምስ ኣረገት ከም እተርክበሉ ተዛረባ።

ንወለደይ ብዛዕባቲ ምይይጥ ዋላ ሓንቲ ኣይነገርክዎምን: ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ሰንበት ግን ናብ ቤተ-ክርስትያን ኣይከድኩን። ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኰነ እቲ ቐሺ ትኽ ኢሉ ናብ ድኳንና መጸ። ነቦይ ንኽሕግዞ ኢለ ኸም ዝተረፍኩ መመኽነይታ ኣቕረብኩ።

እቲ ቐሺ “ብሓቂ እዚ ድዩ ምኽንያትኪ ወይስ እታ ጓል ጸልያትኪ እያ፧” ኢሉ ሓተተኒ።

ሽዑ ብግልጺ “እዞም ሰባት እዚኣቶም ካብ ናትና ዝሓይሽ እምነት ኣለዎም” በልክዎ።

ድሕርዚ እቲ ቐሺ ነቦይ “ሚስተር ኢኮኖሞስ: ነታ ዘመድካ ቐልጢፍካ ስጐጓ፣ ንቤትካ ሓዊ እያ ረኲዓትሉ” በሎ።

ስድራቤተይ ተጻረሩኒ

እዚ ዝዀነ ኣብ መወዳእታ 1940ታት ኰይኑ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ግሪኽ ውግእ ሓድሕድ ኣስፋሕፊሑ ነበረ። ኣቦይ እቶም ደባይ ተዋጋእቲ መንዚዖም ከይወስዱኒ ስለ ዝፈርሀ: ናብ እንዳ ሓብተይ: ናብታ ካቲና እትነብረላ ዓዲ: ሰደደኒ። ኣብተን ንኽልተ ወርሒ ኣብአን ዝጸናሕኩሉ እዋን ኣብ እተፈላለየ ጕዳያት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝብል ንኽመሃር ሓገዝ ረኸብኩ። ብዙሕ ሰረተ-እምነት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ምዃኑ ምስ ፈለጥኩ ጐሃኹ። ኣምላኽ ብስእልታት ጌርካ ዝቐርብ ኣምልኾ ኸም ዘይቅበል: ከም እኒ ንመስቀል ዝወሃብ ኣኽብሮት ዝኣመሰለ እተፈላለየ ሃይማኖታዊ ልምድታት ክርስትያናዊ መበቈል ከም ዘይብሉ: ከምኡውን ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ንኸሐጕሶ “ብመንፈስን ብሓቅን” ከምልኾ ኸም ዘለዎ ተገንዘብኩ። (ዮሃንስ 4:23፣ ዘጸኣት 20:4, 5) ልዕሊ ዅሉ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ብሩህ ተስፋ ኸም ዝሓዘ ተማሃርኩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ክቡር ሓቂ: ገለ ኻብቲ ኻብ የሆዋ ዝረኸብክዎ ፋልማይ ረብሓታት እዩ ነይሩ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ: ሓብተይን ብዓል ቤታን ኣብ መኣዲ ኸም ዘየማዕትብን ንሃይማኖታዊ ስእልታት ከም ዘይጽልን ምስ ኣስተውዓሉ: ሓደ ምሸት ሒዞም ቅጥቅጥ ኣበሉኒ። ንጽብሒቱ ቤቶም ለቒቐ ክኽይድ ወሰንኩ: ድሕሪኡ ናብ እንዳ ሓትኖይ ከድኩ። ሰብኣይ ሓብተይ እቲ ዝዀነ ነቦይ ነገሮ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣቦይ መጺኡ እናበኸየ ሓሳበይ ከቐይረኒ ፈተነ። ሰብኣይ ሓብተይ ኣብ ቅድመይ ተምበርኪኹ ይቕረ ኽብለሉ ምስ ሓተተኒ: ይቕረ በልክሉ። ኣብ መወዳእታ ናብ ቤተ-ክርስትያን ክምለስ እኳ እንተ ሓተቱኒ: ጸኒዐ ኣበኽዎም።

ናብ ቤት ኣቦይ ምስ ተመለስኩ: እቲ ጸቕጢ እናወሰኸ ኸደ። ምስ ካቲና ዝራኸበሉ መገዲ ዀነ ዘንብቦ ጽሑፍ: ዋላውን መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነበረንን። ሓንቲ ጓል ሓወቦይ ክትሕግዘኒ ምስ ጸዓረት ኣዝየ ተሓጐስኩ። ናብ ቈረንቶስ ምስ ከደት: ምስ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ተራኸበት። ነታ “ለት ጎድ ቢ ትሩ” ዘርእስታ መጽሓፍን ሓንቲ ቕዳሕ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋትን ሒዛትለይ መጸት: ተሓቢአ ድማ ከንብቦ ጀመርኩ።

ኣብ ህይወተይ ዘይተጸበኽዎ ለውጢ ገበርኩ

ንሰለስተ ዓመት ከቢድ ምጽራር ቀጸለ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝራኸበሉ መገዲ ስለ ዘይነበረኒ: ጽሑፋት ዝበሃል ኣይረኸብኩን። ይኹን እምበር: ከይፈለጥኩ ኣብ ህይወተይ ዓብዪ ለውጢ ዘጋጥመሉ ግዜ ይቐርብ ነበረ።

ኣቦይ ናብቲ ኣብ ተሰሎንቄ ዝርከብ ኣኮይ ክኸይድ ከም ዘሎኒ ነገረኒ። ናብ ተሰሎንቄ ቕድሚ ምኻደይ ግን ጃኬት ንኸስፊ ኢለ ኣብ ቈረንቶስ ናብ እትርከብ እንዳ ሳርቶ ኸድኩ። ካቲና ኣብኡ ትሰርሕ ስለ ዝነበረት: ብሃንደበት ረኸብኩዋ። ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ምርኻብና ብዙሕ እዩ ኣሐጒሱና። ክልቴና ኻብቲ እንዳ ሳርቶ ክንወጽእ ከለና: ሓደ ተፈታዊ መንእሰይ ካብ ስርሑ ብሽክለታ ተወጢሑ ናብ ቤቱ ክኸይድ ተጓነፈና። እዚ መንእሰይ እዚ ካራላምቦስ ይበሃል። ኣነን ንሱን ኣጸቢቕና ምስ ተፋለጥና: ክንመራዖ ወሰንና። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ ብ9 ጥሪ 1952 ህይወተይ ንየሆዋ ኸም ዝወፈኹ ብጥምቀት ኣርኣኹ።

ካራላምቦስ ኣቐዲሙ እዩ ተጠሚቑ ነይሩ። ንሱውን ካብ ስድራቤቱ ምጽራር ኣጋጢምዎ ነበረ። ኣዝዩ ቐናእ ኣገልጋሊ እዩ ነይሩ። ሓጋዚ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ዀይኑ የገልግል ነበረ: ንሓያሎ ሰባት ከኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሓሎም ነበረ። ነዊሕ ከይጸንሐ ሓዉ ሓቂ ተቐበለ: ኣብዚ እዋን እዚ ኸኣ ዝበዝሑ ኣባላት ስድራቤቶም ንየሆዋ የገልግሉ ኣለዉ።

ኣቦይ ንካራላምቦስ ይፈትዎ ስለ ዝነበረ: ንመርዓና ተሰማሚዑሉ እዩ: ኣደይ ግን ብቐሊሉ ኸተእምና እትኽእል ኣይነበረትን። እዚ ዅሉ ጸገማት እኳ እንተ ኣጓነፈና: ብ29 መጋቢት 1952 ኣነን ካራላምቦስን ተመርዓና። እቲ ዓብዪ ሓወይን ሓደ ወዲ ሓወቦይን ጥራይ እዮም ናብ መርዓና መጺኦም። ካራላምቦስ መወዳድርቲ ዘይብሉ ውህበት የሆዋ ምዃኑ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣይፈልጥኩን ነይረ። ብዓልቲ ቤቱ ብምዃነይ ህይወተይ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኸም እተተኵር ክገብር ከኣልኩ።

ነሕዋትና ምብርታዕ

ብ1953 ኣነን ካራላምቦስን ናብ ኣቴንስ ገዓዝና። ካራላምቦስ ኣብ ዕዮ ስብከት ብዝያዳ ኽሳተፍ ስለ ዝደለየ: ነቲ ምስ ስድራቤቱ ዝዓዮ ዝነበረ ዕዮ ገዲፉ ናይ ክፍለ-ግዜ ስራሕ ጀመረ። ድሕሪ ቐትሪ ብሓባር ኴንና ኣብ ኣገልግሎትን ንሓያሎ ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምራሕን ነሕልፎ ነበርና።

ኣብ ኣገልግሎትና እገዳ ተገይሩ ስለ ዝነበረ: እተፈላለየ መገድታት ክንምህዝ ነበረና። ንኣብነት: ኣብ መስኮት እታ ብዓል ቤተይ ንእተወሰነ ሰዓታት ዝሰርሓላ ዝነበረ ኣብ ማእከል ኣቴንስ ዝነበረት ንእሽቶ ድኳን ቅዳሕ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኸነቐምጥ ጀመርና። ሓደ ልዑል ስልጣን ዝነበሮ ፖሊስ መጺኡ እታ መጽሔት ከም እተኣገደት ነገረና። እንተዀነ ግን: ሓንቲ ቕዳሕ ክንህቦ እሞ ብዛዕባኡ ኣብ ናይ ጸጥታ ቤት ጽሕፈት ከይዱ ኽሓትት ምዃኑ ገለጸልና። ካብቲ ቤት ጽሕፈት እታ መጽሔት ሕጋዊት ምዃና መረጋገጺ ምስ ተዋህቦ: ተመሊሱ መጺኡ እቲ ዝበልዎ ነገረና። ካልኦት ንኣሽቱ ደዃኵን ዘለዎም ኣሕዋት ነዚ ምስ ሰምዑ: ቅዳሓት መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ መሳዅቲ ደዃኵኖም ከቐምጡ ጀመሩ። በዚ ኸምዚ ሓደ ሰብኣይ ካብ ሓንቲ ንእሽቶ ድኳን ግምቢ ዘብዐኛ ድሕሪ ምርካብ: ናይ የሆዋ ምስክር ኰነ: ሕጂ ኸኣ ሽማግለ ዀይኑ የገልግል ኣሎ።

እቲ ሕሳስ-ልደ ሓወይ ሓቂ ኽመሃር ብምርኣየይ እውን ተሓጒሰ እየ። ኣብቲ ናይ ንግዲ ባሕረኛታት ዝመሃሩሉ ኮለጅ ክመሃር ናብ ኣቴንስ መጸ: ንሕናውን ተማሊእናዮ ናብ ዓብዪ ኣኼባ ኸድና። ኣኼባና ብምስጢር ኣብ ዱር እዩ ዝግበር ነይሩ። ነቲ ኣብኡ ዝሰምዖ ፈተዎ: ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ክገይሽ ጀመረ። ኣብ ሓደ ኻብቲ መገሻታቱ ኣብ ኣርጀንቲና እትርከብ ወደብ ዓረፈ። ኣብኡ ኸኣ ሓደ ሚስዮናዊ ንኽሰብኽ ናብታ መርከብ ምስ ደየበ: ሓወይ መጽሔታት ክወሃቦ ሓተተ። “ንሓቂ ረኺበያ እያ። ኵንትራት ከተእትዉኒዶ ትኽእሉ፧” እትብል ደብዳበኡ ምስ መጸትና ብዙሕ ኢና ተሓጒስና። ኣብዚ እዋን እዚ ንሱን ስድራቤቱን ብተኣማንነት ንየሆዋ የገልግሉ ኣለዉ።

ብ1958 ብዓል ቤተይ ገያሺ ተዓዛቢ ዀይኑ ኸገልግል ተመዘዘ። ዕዮና ኣብ ትሕቲ እገዳ ስለ ዝነበረ: ኵነታትውን ኣጸጋሚ ብምንባሩ: መብዛሕትኡ ግዜ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ነንስቶም ኣይማልእወንን እዮም ነይሮም። ኣብ ጥቅምቲ 1959 ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ንዝርከቡ ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት: ንሰብኣየይ ኣሰንየዮ ክኸይድ ዝኽእል እንተ ዀይነ ሓተትናዮም። ንሳቶም ነዚ ተሰማምዑሉ። ኣብ ማእከላይን ሰሜናውን ግሪኽ ዝርከባ ጉባኤታት ክንበጽሐንን ከነበራትዐንን ነበረና።

እዚ ጕዕዞታት እዚ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ብዙሕ ጽርግያታት ኣይነበረን። ማኪና ስለ ዘይነበረትና: መብዛሕትኡ ግዜ ብህዝባዊ መጓዓዝያ ወይ ብናይ ጽዕነት ማካይን ምስ ደርሁን ካልእ ሸቐጣትን ንጓዓዝ ነበርና። ጭቃ ዝመልኦ መገዲ የጋጥመና ብምንባሩ ስቲባሎኒ ጌርና ንኸይድ ነበርና። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቍሸት ሚሊሽያ ስለ ዝነበሩ: ምእንቲ ኸይምርምሩና ኢልና ጸልማት ጕልባብ ብምግባር ንኣቱ ነበርና።

እቶም ኣሕዋት ነቲ ምብጻሕና ብዙሕ የማስዉሉ ነበሩ። መብዛሕትኦም ኣብ ሕርሻ ኣበርቲዖም ዝዓዩ እኳ እንተ ነበሩ: ለይቲ ምስ ኰነ ኣብ እተፈላለየ ኣባይቲ ኣብ ዝግበር ኣኼባታት ንምእካብ ዝከኣሎም ኵሉ ይጽዕሩ ነበሩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ተቐበልቲ ኣጋይሽ እዮም ነይሮም: ርኹባት እኳ እንተ ዘይነበሩ: እቲ ዘዝበለጸ እዮም ክህቡና ዝጽዕሩ ነይሮም። ሓድሓደ ግዜ ምስ ኵሎም ኣባላት ስድራቤት ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ ንድቅስ ነበርና። እቲ ኣሕዋት ዝነበሮም እምነትን ጽንዓትን ቅንእን ብዙሕ እዩ ጠቒሙና።

ኣገልግሎትና ምስፋሕ

ኣብ ለካቲት 1961 ኣብ ኣቴንስ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት እናበጻሕና ኸለና: ኣብ ቤትኤል ንኸነገልግል ፍቓደኛታት እንተ ዄንና ተሓተትና። ከምቲ ኢሳይያስ “እኔኹ ልአኸኒ” ብምባል እተዛረበን ቃላት ኢልና መለስና። (ኢሳይያስ 6:8) ክልተ ወርሒ ዝኸውን ጸኒሕና: ቀልጢፍና ናብ ቤትኤል ክንመጽእ እትገልጽ ደብዳበ ተቐበልና። ስለዚ ድማ ብ27 ግንቦት 1961 ኣብ ቤትኤል ከነገልግል ጀመርና።

ነቲ ሓድሽ እተመደብናዮ ኣገልግሎት ኣጸቢቕና ፈተናዮ: ብዙሕ ድማ ኣይተጋየሽናን። ብዓል ቤተይ ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎትን ኵንትራትን ይዓዪ ነበረ: ጸኒሑ ድማ ንእተወሰነ ግዜ ኣባል ጨንፈር ኮሚተ ዀይኑ ኣገልገለ። ኣነውን ነቲ ቤት ዝምልከት እተፈላለየ ዕዮታት ነበረኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ: እታ ስድራቤት 18 ኣባላት ነበርዋ። ንሓሙሽተ ዓመት ዝኸውን ግን ኣብቲ ቤትኤል ንሽማግለታት ዝኸውን ትምህርቲ ይዋሃብ ብምንባሩ 40 ዝዀኑ ሰባት ነበሩ። ንግሆ ንግሆ ዝበላዕናሉ ኣቝሑ እሓጽብ: መግቢ ኣብ ምኽሻን እሕግዝ: 12 ዓራት አንጽፍ: ከምኡውን ነቲ ጣዋሉ ንምሳሕ አዳሉ ነበርኩ። ድሕሪ ቐትሪ ኸኣ ክዳውንቲ አስታርር: ሽቓቕን መንበሪ ክፍልታትን ድማ አጸራሪ ነበርኩ። ሓንሳእ ኣብ ሰሙን ድማ ኣብ ሕጽቦ እዓዪ ነበርኩ። ብዙሕ ዕዮ እኳ እንተ ነበረ: ዝከኣለኒ ኽሕግዝ ብምኽኣለይ ግን የሐጕሰኒ እዩ ነይሩ።

በቲ ኣብ ቤትኤል እተዋህበና ዕዮን በገልግሎትናን ትሑዛት ነበርና። መብዛሕትኡ ግዜ ኽሳዕ ሸውዓተ ንዝዀኑ ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንመርሕ ነበርና። ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ካራላምቦስ ኣብ እተፈላለያ ጉባኤታት ዝርርብ ክህብ ከሎ ኣሰንየዮ እኸይድ ነበርኩ። ፈጺምና ኣይንፈላለን ኢና ኔርና።

ሓደ ግዜ ምስ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስትያን ጽኑዕ ርክብ ንዘለዎም ሰብ ሓዳር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንመርሓሎም ነበርና። ሓደ ንመናፍቓን ምህዳን ዝዕዮኡ ኻህን ነዞም ሰብ ሓዳር እዚኣቶም ፈታዊኦም ነበረ። ኣብ ቤቶም ሓንቲ ብሃይማኖታዊ ስእልታት ዝመልአት ክፍሊ ነበረቶም: ኣብኡ ኸኣ ዕጣን ምሉእ መዓልቲ ይዕጠንን ናይ ቢዛንታይን ዜማ ይስማዕን ነበረ። ንእተወሰነ ግዜ ንሕና መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጽንዖም ሓሙስ ሓሙስ ክንከዶም ከለና: እቲ ፈታዊኦም ካህን ዓርቢ ዓርቢ ይበጽሖም ነበረ። ሓደ መዓልቲ ዘገርም ነገር ስለ ዝገበሩ: ናብ ቤቶም ክንመጽእ ጸውዑና። መጀመርታ ነታ ኽፍሊ ኣርኣዩና። ንዅሉ እቲ ሃይማኖታዊ ስእልታት ኣወጊዶም ነታ ኽፍሊ ኣሐደስዋ። እዞም ሰብ ሓዳር እዚኣቶም ተወሳኺ ዕቤት ብምግባር ተጠምቁ። ብድምር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመራሕናሎም 50 ዝዀኑ ሰባት ህይወቶም ንየሆዋ ወፍዮም ክጥመቑ ብምርኣይና ሓጐስ ረኺብና ኢና።

ምስ ቅቡኣት ኣሕዋት ዝነበረና ርክብ እውን ንዓይ ብዙሕ እዩ ጠቒሙኒ። ከም እኒ ሓው ኖር: ሓው ፍራንዝ: ሓው ሄንሽል ዝኣመሰሉ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ዝገበሩልና ምብጻሕ ብዙሕ ዘተባብዕ ነበረ። ካብ 40 ዓመት ንላዕሊ ኣብ ቤትኤል ድሕሪ ምግልጋል: እዚ ዓብዪ ኽብርን ፍሉይ መሰልን ከም ዝዀነ ገይረ እየ ዝርእዮ።

ንሕማምን ሞትን ብዓል ቤተይ ምጻሩ

ብ1982 ብዓል ቤተይ ምልክት ኣልዛይመርስ ዝበሃል ናይ ምርሳዕ ሕማም ከርኢ ጀመረ። ብ1990 እናገደዶ ስለ ዝኸደ: ካብኡ ኸይተፈልየ ዝኣልዮ ሰብ ኣድለዮ። ኣብተን ብህይወት ዝጸንሓለን ናይ መወዳእታ ሸሞንተ ዓመታት ካብ ቤትኤል ወጺና ኽንከይድ ኣይንኽእልን ኢና ኔርና። ብዙሓት ኣባላት ስድራ ቤትኤል ዝዀኑ ፍቑራት ኣሕዋትን ሓላፍነት እተሰከሙ ተዓዘብትን ንኽሕግዙና ምድላዋት ገበሩ። ብሕያውነት ይሕግዙና እኳ እንተ ነበሩ: ቀትርን ለይትን ንነዊሕ ሰዓታት ክኣልዮ ነበረኒ። ሓድሓደ ግዜ እቲ ዅነታት ኣዝዩ ይኸብደኒ ስለ ዝነበረ: ከይደቀስኩ ዝሓድረሉ እዋናት ሒደት ኣይነበረን።

ኣብ ሓምለ 1998 እቲ ፍቑር ብዓል ቤተይ ሞተ። በዚ ብዙሕ እኳ እንተ ሓዘንኩ: የሆዋ ምስቶም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኻልኦት ብትንሳኤ ክዝክሮ ምዃኑ ብምፍላጠይ ግን የጸናንዓኒ እዩ።—ዮሃንስ 5:28, 29

ነቲ የሆዋ ዝገበረልና በረኸት አማስወሉ እየ

ብዓል ቤተይ እኳ እንተ ሞተኒ ኣይተደርበኹን። ሕጂውን ኣብ ቤትኤል ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰል ኣሎኒ: ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤትኤል ዘርእዩኒ ፍቕርን ክንክንን እውን አማስወሉ እየ። ኣብ መላእ ግሪኽ ዘለዉ መንፈሳውያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን እውን ቤተሰበይ እዮም። ኣብዚ እዋን እዚ ዕድመይ ልዕሊ 70 ዓመት እኳ እንተ ዀነ: ኣብ ክሽነን መመገቢ ኽፍልን ምሉእ መዓልቲ ኽሰርሕ እኽእል እየ።

ብ1999 ነቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ በጻሕኩ: ኣብ ምሉእ ዕድመይ ዝምነዮ ዝነበርኩ ትምኒት ተፈጺሙለይ እዩ። ሽዑ እተሰምዓኒ ስምዒት ብቓላት ክገልጾ ኣይክእልን እየ። ብሓጺሩ ሃናጽን ዘይርሳዕን ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ።

ብዛዕባ እቲ ኽሳዕ ሕጂ ዘሕለፍክዎ እዋን ክሓስብ ከለኹ: ንህይወተይ ካብዚ ብዝሓሸ መገዲ ኽጥቀመላ ዝኽእል ኰይኑ ኣይስምዓንን። ሓደ ሰብ ንየሆዋ ብምሉእ ግዜኡ ኻብ ምግልጋል ዝበልጽ ዕዮ ኽረክብ ኣይክእልን እዩ። ኣፈይ መሊአ ዋላ ሓንቲ ኣይጐደለንን ክብል እኽእል እየ። የሆዋ ንዓይን ንብዓል ቤተይን ብፍቕሪ ተኸናኺኑና እዩ። ካብ ተመክሮይ ከም ዝረኣኽዎ: እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ኣብ ክንዲ እቲ ሰናይ ዝገበረለይ ኵሉስ: ንየሆዋ እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧” ኢሉ ንምንታይ ከም ዝሓተተ ተረዲኡኒ እዩ።—መዝሙር 116:12 NW

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኣነን ካራላምቦስን ኣይንፈላለን ነበርና

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ብዓል ቤተይ ኣብቲ ኣብ ጨንፈርና ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ቤትኤል ምግልጋል ዓብዪ ኽብሪ ኸም ዝዀነ ገይረ እየ ዝርእዮ