ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ተለቪዥን ዝቐረበ መደብ ንኣምላኽ ንኽትውድስ መገዲ ጸረገላ

ኣብ ተለቪዥን ዝቐረበ መደብ ንኣምላኽ ንኽትውድስ መገዲ ጸረገላ

ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ

ኣብ ተለቪዥን ዝቐረበ መደብ ንኣምላኽ ንኽትውድስ መገዲ ጸረገላ

ሃዋርያ ጳውሎስ “ገሊኦም ብቕንእን ባእስን: ገሊኦም ግና ብጽቡቕ ፍቓድ ንክርስቶስ ይሰብክዎ አለዉ” ኢሉ ነይሩ። (ፊልጲ 1:15) ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ እቶም ንህዝቢ የሆዋ ኸዋርዱ ዝደልዩ እውን ከይተረፉ: ከይተፈለጦም ንቕኑዕ ዝልቦም ሰባት ናብ ሓቂ ንኽመጹ መገዲ ኸፊቶምሎም እዮም።

ኣብ ሕዳር 1998 ነቲ ኣብ ሉቪዬ: ፈረንሳ: ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሃገራዊ ተለቪዥን ፈረንሳ ኣብ እተፈነወ ደኩመንታዊ ፊልም ተራእየ። ሰባት ነቲ ፈነወ ምስ ረኣዩ እተፈላለየ ኣረኣእያ እኳ እንተ ኣሕደሩ: ብዘይተሓስበ መገዲ ግን ጽቡቕ ፍረ ኣፍረየ።

ካብ ቤትኤል 60 ኪሎ ሜተር ኣቢላ ርሒቓ እትነብር ኣና-ፖላ ነቲ መደብ ረኣየቶ። እዛ ኽልተ ደቂ ዘለዉዋ ሰበይቲ ምስ ሰብኣያ እተፋትሐት ኰይና: ኣብቲ ግዜ እቲ ስራሕ ተናዲ ነበረት። ስለዚ: ንጽብሒቱ ኣብ ቤትኤል ስራሕ ንምርካብ ናብኡ ደወለት። ካብቲ ኣብ ተለቪዥን ዝረኣየቶ መደብ: “እቲ ቦታ ጽቡቕ ቦታ ኸም ዝዀነን ኣብኡ ዝዕየ ዕዮ እውን ጠቓሚ ኸም ዝዀነን እዩ ተረዲኡኒ” በለት። ኵሎም እቶም ኣብ ቤትኤል ዝሰርሑ ወለንተኛታት ኣገልገልቲ ምዃኖም ምስ ሰምዐት ክሳዕ ክንደይ ኰን እያ ተገሪማ! ብዛዕባ ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕጽር ዝበለ ምይይጥ ድሕሪ ምግባር: ብናይ የሆዋ ምስክር ምብጻሕ ንኽግበረላ ፍቓደኛ ዀነት።

ሊና እትበሃል ኣብቲ ኸባቢ ኣብ እትርከብ ጉባኤ እትሳተፍ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ክትበጽሓ ምስ ከደት: ነዊሕ ምይይጥ ገበራ: ኣና-ፖላ እውን ነታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስታ መጽሓፍ ወሰደት። a ኣብቲ ዝቕጽል ምብጻሕ ኣና-ፖላ ነታ መጽሓፍ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ኣንቢባ ብዙሕ ሕቶታት ኣዳልያ ጸንሐት። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ድማ ፍቓደኛ ዀነት። ብዛዕባዚ ኸምዚ በለት:- “ንዓይ ቃል ኣምላኽ ንኽፈልጥ ኣጋጣሚ እዩ ኸፊቱለይ። ቅድሚኡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢበ ኣይፈልጥን እየ ነይረ።”

ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣና-ፖላ ናብ ቤትኤል ምብጻሕ ገበረት: ኣብታ እትቕጽል ሰሙን ከኣ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ተኻፈለት። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐት ምስ ደቃ ብሓባር መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕን ንፈተውታ ኽትምስክርን ጀመረት። “ነቲ ዝመሃሮ ዝነበርኩ ሒዘዮ ስቕ ክብል ኣይከኣልኩን። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቅታት ንሰባት ከካፍሎምን ከጸናንዖምን ደለኹ” ድማ በለት። ብዙሕ ናይ ብሕታ ጸገም ምስ ሰገረት: ኣዘውቲራ ኣብ ኣኼባታት ክትእከብ ጀመረት። ቅልጡፍ ምምሕያሽ ገበረት: ብ5 ግንቦት 2002 ድማ ተጠምቀት።

ብዘይካዚውን ኣና-ፖላ ብዘርኣየቶ ሰናይ ኣብነትን ቅንኣት ዝመልኦ ስብከትን ተደሪኻ: ኣዲኣ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት: ኣብዚ ቐረባ ግዜ ድማ ተጠምቀት። ኣና-ፖላ “ሕጂ ዝስምዓኒ ሓጐስ ንኽገልጾ ቓላት የብለይን። ኣብ ህይወተይ የሆዋ ቦታ ብምርካቡን ስለቲ ዅሉ ዝገበረለይ በረኸታትን መዓልታዊ አመስግኖ እየ” በለት።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኸር እተሓትመት።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ላዕሊ:- ኣና-ፖላ

ታሕቲ:- ኣፍደገ እቲ ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት