ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ኣምላኽ ንኽትኣምን ዘኽእል ቅኑዕ ምኽንያት

ኣብ ኣምላኽ ንኽትኣምን ዘኽእል ቅኑዕ ምኽንያት

ኣብ ኣምላኽ ንኽትኣምን ዘኽእል ቅኑዕ ምኽንያት

ሓንቲ ኣብ ኮሪያ እተሓትመት መንእሰያት ናብ ቤተ-ክርስትያን ምኻድ ዝሓድጉሉ 31 ምኽንያታት ዘርእስታ መጽሓፍ: ብዙሓት ቤተ-ክርስትያን ምኻድ ዝሓድግዎ ንሕቶታቶም ዘዕግብ መልስታት ክረኽቡ ስለ ዘይከኣሉ ምዃኑ ገሊጻ ኣላ። ንኣብነት: ‘ኣብ ኣምላኽ ዝኣምኑ ሰባት ስለምንታይ እዩ ሓሳረ መከራ ዝወርዶም፧’ ከምኡውን ‘ዝበዝሕ እቲ ትምህርትታት ዘደናግርን ንሓድሕዱ ዝጋጮን ካብ ኰነ እንታይ ገዲሱና ኢና ንዅሉ እቲ ኣብያተ-ክርስትያን ዝምህራኦ እንቕበል፧’ ኢሎም ይሓቱ እዮም።

ብዙሓት በቲ ኣቕሽሽቶም ዝህብዎ መልስታት ተስፋ ስለ ዝቘርጹ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ኸም ዘይርከብ ይድምድሙ። ሓደ ቐሺ ኣብ ኣረኣእያኡ ተምርኲሱ መልሲ ምስ ዝህቦም: መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ዘይምርድዳእ ከምኡውን ንኣምላኽን ንመጽሓፍ ቅዱስን ናብ ምንጻግ እዩ ዝመርሕ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነብር ሰዓቢ ሉተራዊት ቤተ-ክርስትያን ኰይኑ ዝዓበየ ኣቤል ከምኡ እዩ ኣጋጢምዎ። ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ድማ ተዘክሮኡ ይገልጽ:- “እታ ቤተ-ክርስትያን ንዅሉ ዝሞተ ሰብ ኣምላኽ ከም ‘ዝወሰዶ’ እያ እትምህር። እንተዀነ ግን: ሓደ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ንምንታይ ንወለዲ ኻብ ደቆም መንዚዑ ኸም ‘ዝወስዶም’ ክርድኣኒ ኣይከኣለን። ኣብቲ ኣነ ዝዓበኹሉ ገጠራት ኣፍሪቃ: ንሓንቲ ደርሆ ጨቓዊታ ኽሳዕ ዝዓብያ ኣይንሓርዳን ኢና። ሓንቲ ላም መላእ ምዃና እንተ ፈሊጥና: እቲ ምራኻ ተወሊዱ ጡብ ክሳዕ ዝሓድግ ኣይንሓርዳን ኢና። ሓደ ፈቃር ኣምላኽ ንሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ሓልዮት ዘይገብረሎም ስለምንታይ ምዃኑ ግን ክርድኣኒ ኣይከኣለን፧”

ኣራም ዝበሃል ካናዳዊ ተመሳሳሊ ሕቶታት ነበሮ። ንሱውን ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ወዲ 13 ዓመት ከለኹ ኣቦይ ሞተ። ኣብቲ ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ሓደ ምርኡይ ቀሺ: ኣምላኽ ነቦይ ምስኡ ኣብ ሰማይ ምእንቲ ክኸውን ክመውት ከም ዝደለዮ ገለጸ። ‘ኣምላኽ ንጻድቃን ስለ ዘፍቅሮም: ይወስዶም እዩ’ በለ። ኣምላኽ ስለምንታይ ክሳዕ ክንድዚ ስሱዕ ከም ዝዀነ ኽርድኣኒ ኣይከኣለን።”

ኣማስያኡ ኣቤልን ኣራምን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኸር ድሕሪ ምርኻብ ምሳታቶም መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዑ: ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ንሕቶታቶም መልሲ ረኸቡ። ንኣምላኽ ፍቕሪ ኣማዕበሉ: ኣብኡ ድማ ሓያል እምነት ኣሕደሩ። ካብኡ ህይወቶም ንየሆዋ ወፍዮም እሙናት ኣገልገልቱ ዀኑ።

ርጡብ ፍልጠት—ኣብ ኣምላኽ ንምእማን ኣገዳሲ ረቛሒ

ካብዚ ተመክሮታት እዚ እንታይ ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧ ኣብ ኣምላኽ ንምእማን ርጡብ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲ ምዃኑ ኢና እንርኢ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ጥንታዊት ከተማ ፊልጲ ዝነበሩ ክርስትያናት “እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠትን ብምስትውዓል ዘበለ ዅሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ: እዚ እልምን አሎኹ” በሎም። (ፊልጲ 1:9) ጳውሎስ ኣብዚ ንኣምላኽን ንክርስትያናትን ዘሎና ፍቕሪ ምስቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎና ርጡብ ፍልጠትን ብዛዕባ ፍቓዱ ዘሎና ምስትውዓልን ኣተሓሒዝዎ ኣሎ።

ንሓደ ሰብ ንኽንውከሎን ንኽንኣምኖን ነቲ ሰብ ክንፈልጦ የደልየና: ኣጸቢቕና ብዝፈለጥናዮ መጠን ከኣ ብዝያዳ ኢና እንኣምኖ። ኣብ ኣምላኽ ንኽንኣምን እውን ብተመሳሳሊ ርጡብ ፍልጠት የደልየና። ጳውሎስ “እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር: ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ” በለ። (እብራውያን 11:1) ብዘይርጡብ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣምላኽ ምእማን ልክዕ ከም ኣብ ሑጻ እተሰርሐ ቤት ስለ ዝዀነ: ብቐሊሉ እዩ ዝፈርስ።

መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እተጽንዕ ነቲ ‘ስለምንታይ እዮም ሰባት ዝሞቱ፧’ ዝብል ንኣቤልን ንኣራምን ዘጨነቖም ሕቶ መልሲ ኽትረኽበሉ ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ ‘ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ: ብሓጢኣትውን ሞት: ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ: ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓለፈ’ ይብል። (ሮሜ 5:12) ሰባት ዝኣርጉን ዝሞቱን: ኣምላኽ ምስኡ ንክዀኑ ኢሉ ስለ ዝወስዶም ዘይኰነስ: ብሰንኪ ሓጢኣት ኣዳም እዮም። (ዘፍጥረት 2:16, 17፣ 3:6, 17-19) ኣብ ርእሲ እዚውን መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ የሆዋ ኣምላኽ ዝሃበና ናይ ሓቂ ተስፋ ይገልጸልና እዩ። ብየሱስ ክርስቶስ ወዱ ኣቢሉ ንሓጢኣተኛታት ሰባት ተስፋ ትንሳኤ ኣዳልይሎም ኣሎ።—ዮሃንስ 5:28, 29፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15

ትንሳኤ ብሓቂ ዝፍጸም ምዃኑ ምእንቲ ኽርድኣና: የሱስ ዘተንስኦም እተፈላለዩ ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶምልና ኣለዉ። (ሉቃስ 7:11-17፣ 8:40-56፣ ዮሃንስ 11:17-45) ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ጸብጻባት ከተንብብ ከለኻ: ነቶም ዝትንስኡ ሰባት ፈተውቶምን ስድራቤቶምን እተሰምዖም ሓጐስን ፍስሃን እሞ ኣስተብህለሉ። ንኣምላኽ ንኽውድሱን ኣብ የሱስ ንኽእምኑን ከም እተለዓዓሉ እውን ኣስተብህል።

ሕጂውን እንተዀነ ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላማታቱን ርጡብ ፍልጠት ምሓዝ ተመሳሳሊ ጽልዋ ኽህልዎ ይኽእል እዩ። ብዙሓት ዘዕግብ መልሲ ብዘይረኸቡሉ ኣገዳሲ ሕቶታት ተደናጊሮምን ጾር ከቢድዎምን ተዓንቂፎምን ዝነበሩ ሰባት: መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣጽንዑ: መልሲ ረኸቡ: እዚውን ንህይወቶም ምሉእ ብምሉእ ቀየሮ።

ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ—ንኸነገልግሎ ዝድርኸና ቐንዲ ምኽንያት

ኣብ ኣምላኽ ንኽንኣምን ርጡብ ፍልጠት ምጥራይ ኣገዳሲ እኳ እንተዀነ: ንኣምላኽ ንኽንእዘዞን ንኸነገልግሎን ግን ካብዚ ንላዕሊ እዩ ዘድልየና። የሱስ እታ ኣምላኽ ዝሃባ ዝዓበየት ትእዛዝ ኣየነይቲ ምዃና ምስ ተሓትተ: “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቕሮ” ኢሉ መለሰ። (ማርቆስ 12:30) ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ከምቲ የሱስ ዝበሎ ገይሩ እንተ ኣፍቂርዎ: ንኽእዘዞን ንኸገልግሎን ኣዝዩ ቐሊል እዩ ዝዀነሉ። ንስኻኸ ከምዚ ዓይነት ሰብ ዲኻ፧

ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ኮሪያ ሚስዮናዊት ኰይና ዘገልገለት ሬቸል: ንእምነታ ምኽንያት ዝዀና ኸምዚ ዝስዕብ ብምባል ገለጸት:- “ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንፍጡራቱ ዘለዎ ልግሲ: ብዛዕባ እቲ ንሰባት ዝገብረሎም ይቕረታ: ከምኡውን ብዛዕባ እቲ እንታይ ክንገብር ከም ዝደልየና ብምንጋር ንኽጠቕመና ዘለዎ ድሌት እሓስብ እየ። እዚ ዅሉ ንኣምላኽ ዘላትኒ ፍቕሪ ኸም እትዓቢ ይገብራ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ ንኸገልግሎ ድራኸ ተሕድረለይ።”

ኣብ ጀርመን እትነብር ን48 ዓመት ንየሆዋ ዘገልገለት ማርታ እትበሃል መበለት ከኣ ከምዚ በለት:- “ንየሆዋ ስለምንታይ እየ ዘገልግሎ፧ ስለ ዘፍቅሮ እየ። ምሸት ምሸት ንየሆዋ ብጸሎት እዛረቦ: ንዅሉ በረኸታቱ: ብፍላይ ከኣ ነቲ በጅነታዊ መስዋእቲ ኣዝየ ኸም ዘማስወሉ ድማ እነግሮ እየ።”

እወ: ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ኻብ ልቢ ተበጊስና ንኸነገልግሎ ይድርኸና እዩ። ሓደ ሰብ ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ኸማዕብል ዝኽእል ግን ብኸመይ እዩ፧ ንኣምላኽ ፍቕሪ ንኸነማዕብል ዘለዓዕለና ቐንዲ ረቛሒ: ነታ ፍቕሩ ዘሎና ሞሳ እዩ። ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ልቢ ዝትንክፍ መዘኻኸሪ እሞ ኣስተብህለሉ:- “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ: እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ። ኣምላኽ: ብእኡ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር ኢሉ: ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ: እታ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኣና በዚ ተገልጸትልና። ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና: ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ኪኸውን ኢሉ ድማ ወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር: ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኰነን: እታ ፍቕሪ በዚ እያ።”—1 ዮሃንስ 4:8-10

ፍቕሩ ኽሳዕ ክንደይ ዓባይ ምዃና ተረዲኡካዶ፧ ብሓያል ውሕጅ ትውሰድ ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ሓደ ሰብኣይ ንኸድሕነካ ኽብል ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ንበል። ነዚ ሰብኣይ እዚ ምረሳዕካዮዶ ወይስ ብዙሕ መማሰኻዮ፧ ዝከኣለካ ዅሉ ኽትገብረሉ ፍቓደኛዶ ኣይምዀንካን፧ እታ ኣምላኽ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ በጅነታዊ መስዋእቲ ክኸውን ብምሃብ ዘርኣያ ፍቕሪ መወዳድርቲ የብላን። (ዮሃንስ 3:16፣ ሮሜ 8:38, 39) ልብኻ ብፍቕሪ ኣምላኽ ምስ ተተንከፈ: ብምሉእ ልብኻ ንኸተፍቅሮን ንኸተገልግሎን ትድረኽ ኢኻ።

ሕጅን ኣብ መጻእን ዝርከብ በረኸት

ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ፍቓዱ ንኽንገብር ቀንዲ ዘለዓዕለና ምኽንያት እኳ ክኸውን እንተለዎ: ኣምላኽ ነቶም ዘገልግልዎ ዓስቦም ከም ዝህቦም ምፍላጥና ግን የሐጕሰና እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከአልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ: ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን: ኪአምን ይግብኦ እዩ” በለ።—እብራውያን 11:6

እቶም ንኣምላኽ ዘፍቅርዎን ዝእዘዝዎን በረኸቱ ይረኽቡ እዮም። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምስዓቦም ዝሓሸ ጥዕና ይህልዎም። (ምሳሌ 23:20, 21፣ 2 ቈረንቶስ 7:1) እቶም ብዛዕባ ሓቀኛ ምዃንን ትግሃትን ዝምልከት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ስርዓታት ዝዓዩሉ ሰባት: መብዛሕትኡ ግዜ በስራሕቶም ይእመኑ: ዝሓሸ ናብራ ድማ ይነብሩ። (ቈሎሴ 3:23) ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ የሆዋ ስለ ዝውከሉ: ኣብ ፈታኒ ዅነታት እውን ከይተረፈ ናይ ኣእምሮ ሰላም ይረኽቡ እዮም። (ምሳሌ 28:25፣ ፊልጲ 4:6, 7) ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ኣብታ እትመጽእ ምድራዊት ገነት ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ብምትእምማን ይጽበዩ።—መዝሙር 37:11, 29

እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ በረኸታት ካብ የሆዋ ዝረኸቡ ብዛዕባኡ ኸመይ እዩ ዝስምዖም፧ ኣብ ካናዳ እትነብር ጃኵሊን እትበሃል ክርስትያን: “ወትሩ ብዘደንቕ መገዲ ይባርኸና: እተረጋገጸ ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ድማ ኣዳልዩልና ኣሎ” ብምባል ንኣምላኽ ዘለዋ ሞሳ ገለጸት። እቲ ኣቐዲምካ እተጠቕሰ ኣቤል ንስምዒቱ ኸምዚ ዝስዕብ ብምባል ገለጸ:- “ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ንዓይ ሓድሽ እዩ ነይሩ: ብሃንቀውታ ኸኣ እየ ዝጽበዮ። ይኹን እምበር: ገነት ዘይትመጽእ እውን እንተ ትኸውን ነይራ: ንኣምላኽ ብምግልጋል ፍቕረይ ከርእዮ የሐጕሰኒ እዩ።”

ንስኻውን ናይ ሓቂ እምነት ከተጥሪ ትኽእል ኢኻ

መጽሓፍ ቅዱስ “ኣታ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት: ቅኑዕ እትፈርድ: ልብን ኰላሊትን ከኣ እትምርምር” ይብል። (ኤርምያስ 11:20) እወ: የሆዋ ኣብ ውሽጥና እተሓብአ እውን ይምርምር እዩ። ነፍሲ ወከፍና ኣብ ኣምላኽ ንኽንኣምን ድራኸ ዘሕደረልና እንታይ ምዃኑ ኽንምርምር ኣሎና። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዛዕባ ኣምላኽ ግጉይ እምነታትን ሓሳባትን እንተ ነይሩካ: ናብ ግጉይ ተግባራት መሪሑካ ክኸውን ይኽእል እዩ። ርጡብ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ግን ምስ የሆዋ ኣምላኽ ፈጣሪና ቕኑዕ ርክብ ንኽህልወካ የኽእለካ።—1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዘይ ክፍሊት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምሃር ምድላዋት ብምግባር ንሰባት ርጡብ ፍልጠት ኣምላኽ ንኸጥርዩ ይሕግዙ ኣለዉ። (ማቴዎስ 28:20) ብዙሓት ነዚ ሓገዝ እዚ ኽወሃቦም ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰባት ንኣምላኽ ፍቕሪ ኣማዕቢሎምን ኣብኡ ናይ ሓቂ እምነት ኣሕዲሮምን እዮም። ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሎም ነተን ኣብዚ ሓደገኛ እዋን ‘ሃዲኦም’ ንኽነብሩ ዘኽእላኦም “ጥበብን ፍልጠትን” ኣጥርዮም እዮም። (ምሳሌ 3:21-23 ትርጕም 1990) ልዕሊ ዅሉ ድማ ብዛዕባ መጻኢ “ድልድልትን ጽንዕትን” ተስፋ ኣላቶም። (እብራውያን 6:19) ንስኻውን ናይ ሓቂ እምነት ከተጥርን ነዚ በረኸታት እዚ ኽትረክብን ትኽእል ኢኻ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]

መልሲ ዘድልዮ ዘጨንቕ ሕቶታት

“ኣብ ሆስፒታል ናይ ሕክምና ተማሃራይ ኰይነ ኽስልጥን ከለኹ: ሕያዎት ሰባት ብሰንኪ ሕማምን ጭንቀትን ክሳቐዩ እርኢ ነይረ። ኣምላኽ እንተ ሃልዩ: እዚ ንምንታይ ዝኸውን፧ ሃይማኖት ናይ ኣእምሮ ሰላም እትረኽበሉ ጥራይ ድዩ፧”—ኣብ ኮሪያ ዝነብር ሰዓቢ እምነት ፕረስባይተርያውያን ነበር

“እቲ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዝነበሮ ኣቦይ ነፍሱ ናብ ሲኦል ድያ ኸይዳ ወይስ ናብ ሰማይ ኢለ ብዙሕ ግዜ እሓስብ ነይረ። ንምዉታት እፈርህ ነበርኩ: ኣብ ሲኦል ብሓዊ ትሳቐ ዝብልዎ ሓሳብውን ብዙሕ የፍርሃኒ ነበረ። ሓደ ፈቃር ኣምላኽ ንዘለኣለም ኣብ ሲኦል ስለምንታይ ከም ዘሳቒ ኽርድኣኒ ኣይከኣለን።”—ኣብ ብራዚል እትነብር ሰዓቢት እምነት ካቶሊክ ነበር

“ምድርን ደቅሰብን ኣብ መጻኢ እንታይ ተስፋ ኣለዎም፧ ደቅሰብ ንዘለኣለም ክነብሩ ዝኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ሰባት ናይ ሓቂ ሰላም ክረኽቡ ዝኽእሉ ብኸመይ እዮም፧”—ኣብ ጀርመን ዝነብር ሰዓቢ እምነት ካቶሊክ ነበር

“ትምህርቲ ሪኢንካርኔሽን ኣይወሓጠለይን እዩ ነይሩ። እንስሳታት ኣየምልኹን እዮም፣ ስለዚ: ብሰንኪ ሓጢኣትካ ናብ እንስሳ እንተ ተቐዪርካ: ከመይ ጌርካ ኢኻ ነቲ ጕዳይ ኣሪምካ ኻብቲ ደረጃ ምምሕያሽ ክትገብር እትኽእል፧”—ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነብር ሰዓቢ እምነት ሂንዱ ነበር

“ስድራቤተይ ሰዓብቲ እምነት ኮንፊሸስ እዮም ነይሮም፣ ነባሓጎታትና ንምሕጓስ ኣብ ዝግበር ጽምብላት ድማ እካፈል ነይረ። ኣብቲ መስዋእቲ ዝቐርበሉ ሰደቓ ኽሰግድ ከለኹ: እቶም ዝሞቱ ኣባሓጎታትና ነቲ መግቢ ንኽበልዕዎን ክንሰግደሎም ከለና ንኽርእዩናን ዝመጹ እንተ ዀይኖም እሓስብ ነበርኩ።”—ኣብ ኮሪያ ዝነብር ሰዓቢ እምነት ኮንፊሸስ ነበር

ኵሎም እዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣጽንዑ መልሲ ሕቶታቶም ረኸቡ።