ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወትሩ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ትእዛዝ ክወሃበካ ዲኻ እትጽበ፧

ወትሩ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ትእዛዝ ክወሃበካ ዲኻ እትጽበ፧

ወትሩ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ትእዛዝ ክወሃበካ ዲኻ እትጽበ፧

ቈልዓ ኣብ ዝነበርካሉ እዋን ወለድኻ ብዙሕ መምርሒታት ከም ዘውጽኡልካ ኣየጠራጥርን እዩ። እናዓበኻ ምስ ከድካ: ነዚ ብሓልዮት ይገብርዎ ምንባሮም ይርድኣካ እዩ። ምስ ዓበኻ እውን ኣብ ትሕቲኦም እኳ እንተ ዘይኰንካ: ምናልባት በቲ ብንእሽቶኻ ዘስረጹልካ ስርዓታት ትመላለስ ትህሉ ትኸውን።

እቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ብቓሉ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ሓያሎ ቐጥታዊ ትእዛዛት ይህበና እዩ። ንኣብነት: ኣምልኾ ጣኦት: ምንዝር: ዝሙት: ከምኡውን ስርቂ ይኽልክለና እዩ። (ዘጸኣት 20:1-17፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29) ብመንፈስ ‘እናዓበና’ ምስ ከድና: የሆዋ ብሓልዮት ተደሪኹ ነዚ ትእዛዛት እዚ ኸም ዝሃበና: እቲ ትእዛዛቱ ኸኣ ብዘይረብሕ ምኽንያት ንክቕይደና ኢሉ ኸም ዘይኰነ ንግንዘቦ ኢና።—ኤፌሶን 4:15፣ ኢሳይያስ 48:17, 18፣ 54:13

ይኹን እምበር: ቀጥታዊ ትእዛዝ ዘይተዋህበሉ ብዙሕ ኵነታት ኣሎ። በዚ ምኽንያት እዚ ገሊኣቶም ቀጥታዊ ሕጊ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘይርከበሉ መዳይ: ቃሕ ዝበሎም ክገብሩ ናጽነት ዘለዎም ኰይኑ ይስምዖም። እዞም ሰባት እዚኣቶም: ኣምላኽ ኣድላዪ ዀይኑ እንተ ዝስምዖ ነይሩ: ብቐጥታ ትእዛዝ ምሃበ ነይሩ ኢሎም ይማጐቱ።

እቶም ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎም መብዛሕትኡ ግዜ ደሓር ኣጸቢቑ ዘጣዕሶም ሕማቕ ውሳነ እዮም ዝገብሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ሕግታት ጥራይ ዘይኰነስ ንኣተሓሳስባ ኣምላኽ ዝሕብር ነገራት እውን ከም ዝሓዘ ኣየስተውዕሉን እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕን ኣረኣእያ የሆዋ ኽንፈልጥን ከለና: ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልና ይህልወና: ንመገድታቱ ዘንጸባርቕ ምርጫታት ክንገብር ድማ ንኽእል። ከምዚ ኽንገብር ከለና ኸኣ ንልቡ ነሐጕሶ: ጥበባዊ ውሳነ ብምግባር ድማ ረብሓ ንረክብ።—ኤፌሶን 5:1

ዘደንቕ ኣብነታት መጽሓፍ ቅዱስ

ነቲ ብዛዕባ እቶም ጥንቲ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝገልጽ ጸብጻብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከለና: ቀጥታዊ ትእዛዝ ኣብ ዘይተዋህቦም እዋን እውን ከይተረፈ ነተሓሳስባ የሆዋ ኣብ ግምት ዘእተዉሉ ዅነታት ንረክብ ኢና። ንኣብነት: ዮሴፍ ዝገበሮ እስከ ንርአ። ብሰበይቲ ጶጢፋር ብዕሉግ ሕቶ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን: ኣምላኽ ብመንፈሱ ገይሩ ዝሙት ዝኽልክል ሕጊ ኣብ ጽሑፍ ኣየስፈረን ነይሩ። ይኹን እምበር: ቀጥታዊ ሕጊ ኣብ ዘይብሉ ዅነታት እውን ከይተረፈ: ዮሴፍ ዝሙት ምስ ሕልናኡ ዝጻረር ጥራይ ዘይኰነስ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ” ሓጢኣት ምዃኑ ተገንዘበ። (ዘፍጥረት 39:9) ዝሙት ምስቲ ኣብ ኤድን እተገልጸ ኣተሓሳስባን ፍቓድን ኣምላኽ ዘይሰማማዕ ምዃኑ ተረዲእዎ ክኸውን ኣለዎ።—ዘፍጥረት 2:24

ካልእ ኣብነት እስከ ንርአ። ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 16:3 ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ናብ ክርስትያናዊ ጕዕዞኡ ቕድሚ ምውሳዱ ኸም ዝገዘሮ ነንብብ ኢና። ኣብ ቍጽሪ 4 ግን ድሕሪኡ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ኣብ ዘዝኣተውዋ ኸተማ “እቲ ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ኣብ የሩሳሌም ዝሐገጉሎም ሕጋጋት ኪሕልዉ አዘዝዎም” ዝብል ነንብብ። ገለ ኻብዚ ሕጋጋት እዚ ክርስትያናት ድሕሪ ደጊም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ግዝረት ዘይምዃኖም ዝሕብር እዩ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:5, 6, 28, 29) ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ክገዝሮ ኣድላዪ ዀይኑ እተሰምዖ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ “ኣቦኡ ጽርኣዊ ምዃኑ ዅላቶም ይፈልጡ ነበሩ እሞ: ስለ እቶም ኣብተን ዓድታት እቲኣተን ዘለዉ ኣይሁድ” ኢሉ ገዘሮ። ጳውሎስ ብዘየድሊ ከቐይሞም ወይ ክዕንቅፎም ኣይደለየን። ክርስትያናት “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንሕሊና ዅሉ ሰብ” ዝሕልዉ ክዀኑ እዩ ደልዩ ነይሩ።—2 ቈረንቶስ 4:2፣ 1 ቈረንቶስ 9:19-23

ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ እዩ ነይርዎም። ከም እኒ ሮሜ 14:15, 20, 21 ከምኡውን 1 ቈረንቶስ 8:9-13፣ 10:23-33 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ምስ እተንብብ: ጳውሎስ ንመንፈሳዊ ዅነታት ካልኦት: ብሕልፊ ኸኣ ነቶም ብሓቂ ኽርአ ኸሎ ጌጋ ብዘይኰነ ነገራት ዝዕንቀፉ ሰባት ኣጸቢቑ ይሓልየሎም ምንባሩ ኽትርኢ ኢኻ። ብዛዕባ ጢሞቴዎስ እውን “ብናይ ህልዋትኩም ከምታ ነፍሰይ ሐሲቡ ብንጹህ ልቢ ዚሐሊ ሓደ እኳ የብለይን . . . ኵላቶም ነናይ ርእሶም እዮም ዚደልዩ: ነቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣይኰነን። ግናኸ ውሉድ ነቦኡ ኸም ዜገልግል: ንሱውን ምሳይ ንወንጌል ብምግልጋሉ ፍቱን ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም” በለ። (ፊልጲ 2:20-22) እዞም ክልተ ክርስትያናት ሰብኡትሲ ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዮም ሓዲጎምልና! ኣምላኽ ቀጥታዊ ትእዛዝ ኣብ ዘይሃበሉ መዳያት ንርእሶም ዝጥዕሞም ወይ ቃሕ ዝብሎም ነገር ኣብ ክንዲ ዝገብሩ: እቲ ውሳነታቶም ንኻልኦት ብመንፈሳዊ መዳይ ብኸመይ ከም ዝጸልዎም ኣብ ግምት ብምእታው ንፍቕሪ የሆዋን ወዱን ኣንጸባሪቖምዋ እዮም።

ነቲ ቐንዲ ኣብነትና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ እስከ ንርአ። ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ: እቲ መንፈስ ናይቲ ኣምላኽ ዘውጽኦ ሕግታት እተረድኦ ሰብ: ኣብቲ ቀጥታዊ ትእዛዝ ወይ ቀይዲ ዘይተጠቕሰ ነገራት እውን ከም ዝሕሉ ብንጹር ገሊጹ ነይሩ። (ማቴዎስ 5:21, 22, 27, 28) እዞም ዝረአናዮም ኣርባዕተ ሰባት ማለት የሱስ: ጳውሎስ: ጢሞቴዎስ: ከምኡውን ዮሴፍ: ሕጊ ኣምላኽ ብቐጥታ ኣብ ዘይተዋህበሉ መዳያት: ሓደ ሰብ ቃሕ ዝበሎ ኽገብር ይኽእል እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣይሓዙን። እዞም ሰባት እዚኣቶም ምስ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ተሰማሚዖም ንምኻድ በተን የሱስ ዓበይቲ ዝበለን ክልተ ትእዛዛት: ማለት በተን ንኣምላኽን ንብጻይካን ምፍቃር ዝብላ ትእዛዛት እዮም ተመላሊሶም።—ማቴዎስ 22:36-40

ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናትከ፧

መጽሓፍ ቅዱስ: ኵሉ ኽንወስዶ ዘሎና ስጕምቲ ብዝርዝር ዝሓዘ ናይ ሕጊ ሰነድ ከም ዝዀነ ጌርና ኽንርእዮ ኸም ዘይብልና ንጹር እዩ። እንታይ ከም እንገብር ዝገልጽ ቀጥታዊ ሕጊ ኣብ ዘይብሉ መዳያት እውን ኣተሓሳስባ የሆዋ ዘንጸባርቕ ነገር ንኽንገብር ክንውስን ከለና ንልቢ የሆዋ ብዙሕ ኢና እነሐጕሶ። ብኻልእ ኣበሃህላ ኣምላኽ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ወትሩ ኣብ ክንዲ ዝነግረና: ‘ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኸነስተውዕል’ ንኽእል ኢና። (ኤፌሶን 5:17፣ ሮሜ 12:2) እዚ ንየሆዋ ዘሐጕሶ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ ኻብቲ ንርእስና ዝጥዕመና ነገራትን ካብ መሰላትናን ንላዕሊ ኸነሐጕሶ ኸም እንደሊ እዩ ዘርኢ። ንፍቕሩ ኣዚና ስለ እነማስወላ: ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ንዓና ኸም እትድርኸና ብምግባር ክንመስሎ ኸም እንደሊ እውን ዘርኢ እዩ። (ምሳሌ 23:15፣ 27:11) ብተወሳኺውን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተመርኲስካ ዝውሰድ ስጕምትታት ንመንፈሳውን ስጋውን ጥዕና ኣበርክቶ ይገብር እዩ።

እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ኣብ ብሕታዊ ጕዳያትና ብኸመይ ክንዓየሉ ኸም እንኽእል እስከ ንርአ።

ናይ መዘናግዒ ምርጫ

ንኣብነት: ሓደ መንእሰይ ሓንቲ ናይ ሙዚቃ ካሴት ክዕድግ ደልዩ ንበል። እቲ ኣብታ ካሴት ዝሰምዖ ሙዚቃ ዝስሕብ እዩ: እቲ ቓላቱ ግን ብዕሉግን ርኹስን ብምዃኑ ኣተሓሳሲብዎ ኣሎ። ኣብ ርእሲ እዚውን እቲ ሙዚቀኛ ዝደረፎ መብዛሕትኡ ደርፍታት ሕርቃንን ቍጥዓን ዘንጸባርቕ ምዃኑ ይዝክር። እዚ መንእሰይ እዚ ንየሆዋ ስለ ዘፍቅሮ ኣብዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ከም ዝሓስብን ከመይ ከም ዝስምዖን የገድሶ እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ብኸመይ ከስተውዕል ይኽእል፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ ግብሪ ስጋን ፍረ መንፈስን ጠቒሱ ኣሎ። ኣብ ፍረ መንፈስ እንታይ ተዘርዚሩ ምህላዉ ትፈልጦ ትኸውን ኢኻ። እቲ ፍረ መንፈስ ፍቕሪ: ሓጐስ: ዕርቂ: ዓቕሊ: ለውሃት: ሕያውነት: እምነት: ህድኣት: ርእስኻ ምግታእ እዩ። ግብሪ ስጋ እንታይ ምዃኑ ግን ትፈልጦዶ፧ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ: ንሱ ኸኣ ምንዝር: ርኽሰት: ዕብዳን: ኣምልኾ ጣኦት: ጥንቈላ: ጽልኢ: ባእሲ: ቅንኢ: ቊጥዓ: ሻራ: ምፍልላይ: ዝርግርግ: ቅንኣት: ቅትለት: ስኽራን: ጓይላ: ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ: ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።”—ገላትያ 5:19-23

ኣብዚ ንግብሪ ስጋ ዝገልጽ ዝርዝር እዚ: እታ “ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ” እትብል ናይ መወዳእታ ሓሳብ እሞ ኣስተብህለላ። ጳውሎስ ንዅሉ እቲ ግብሪ ስጋ ኣይዘርዘሮን። ሓደ ሰብ ‘ኣብቲ ጳውሎስ ዝዘርዘሮ ግብሪ ስጋ ኣብ ዘይተጠቕሰ ዝዀነ ይኹን ንጥፈታት ክካፈል መጽሓፍ ቅዱስ ፈቒዱለይ እዩ’ ክብል ኣይክእልን እዩ። ኣብ ክንድኡስ: እቶም ነዚ ዘንብቡ ሰባት ልቦናኦም ብምጥቃም ነቲ ኣብቲ ዝርዝር ዘይተጠቕሰ ግን ከኣ “ከምዚ ዘመሰለ” ተባሂሉ ዘሎ ነገራት ክመምዩ ኣለዎም። እቶም ኣብቲ ዝርዝር ዘይተጠቕሰ ግን ከኣ ኣብቲ “ከምዚ ዘመሰለ” ኽበሃል ዝከኣል ተግባራት እናተሳተፉ ዘይንስሑ ሰባት ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ዝርከብ በረኸታት ኣይወርሱን እዮም።

ስለዚ: ንየሆዋ ዘየሐጕሶ ነገራት እንታይ ምዃኑ ኸነስተውዕል ወይ ክንመሚ ኣሎና። እዚ ኣጸጋሚ ድዩ፧ ሓኪምካ ብዙሕ ፍረታትን ኣሕምልትን ብላዕ: ብሽኮትን ጀላቶን ካልእ ነዚ ዝኣመሰለን ግን ኣይትብላዕ እንተ ዝብለካ: ምቁር ሕብስቲ ምስ ኣየናዩ ኸም ዝምደብ ምፍላዩ መጸገመካዶ፧ ሕጂ ኸኣ እንደገና ነቲ ፍረ መንፈስ ኣምላኽን ግብሪ ስጋን እሞ ርኣዮ። እቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ዓይነት ካሴት ምስ ኣየናይ እዩ ዝምደብ፧ ምስ ፍቕሪ: ሕያውነት: ርእስኻ ምግታእ: ወይ ምስ ካልእ ናይ ፍረ መንፈስ ባህርያት ከም ዘይመሳሰል ዘጠራጥር ኣይኰነን። እዚ ዓይነት ሙዚቃ እዚ ምስ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ዘይሰማማዕ ምዃኑ ንምግንዛብ ቀጥታዊ ሕጊ ኣየድልዮን እዩ። እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ኣብ ጽሑፋት: ፊልምታት: መደባት ተለቪዥን: ጸወታታት ኮምፕዩተር: ዌብ ሳይት: ከምኡውን ካልእ ነዚ ዝመስል ነገራት ዝዓዪ እዩ።

ተቐባልነት ዘለዎ ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን

መጽሓፍ ቅዱስ ነከዳድናናን ኣመለኻኽዓናን ዝምልከት ስርዓታት ኣለዎ። እዚ ኸኣ ንነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ባህ ዘብልን ዝሰማምዖን ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን ንኽህልዎ የኽእሎ። ኣብዚውን ንየሆዋ ዘፍቅር ሰብ ንዕኡ ባህ ዝበሎ ኣብ ክንዲ ዝገብር ነቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ዘሐጕስ ነገር ዝገብረሉ ኣጋጣሚ ገይሩ እዩ ዝርእዮ። ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ: የሆዋ ኣብ ሓደ ጕዳይ ቀጥታዊ ሕጊ ዘይምሃቡ በቲ ህዝቡ ዝገብርዎ ግዲ የብሉን ማለት ኣይኰነን። ኣብ እተፈላለየ ቦታታት እተፈላለየ ቕዲ ኣከዳድና ዀነ ኣገባብ ኣመለኻኽዓ እዩ ዘሎ: ኣብ ሓደ ቦታ እውን ከይተረፈ በብግዜኡ ይቀያየር እዩ። ይኹን እምበር: ንህዝቡ ዅሉ ሳዕን ኣብ ኵሉ ቦታታትን ክመርሖም ዝኽእል መሰረታዊ ስርዓታት ሂቡ እዩ።

ንኣብነት: 1 ጢሞቴዎስ 2:9, 10 ከምዚ ትብል:- “ኣንስቲውን ከምኡ ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቝ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ: ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍሰንን: ፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ: ብሰናይ ግብሪ ኺስለማ: እደሊ አሎኹ።” እምበኣር: ክርስትያን ኣንስቲ—ከምኡውን ሰብኡት—ኣብ ከባቢአን ዘለዉ ሰባት “ፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን” ዝግባእ ዝብልዎ ዓይነት ትርኢት እንታይ ምዃኑ ኽሓስባሉ ኣለወን። ሓደ ክርስትያን ትርኢቱ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባቲ ዘብጽሓሎም መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሕድሮ ጽልዋ ኽሓስበሉ ይግባእ። (2 ቈረንቶስ 6:3) ሓደ ኣብነታዊ ክርስትያን ዝያዳ ዘተሓሳስቦ እቲ ናይ ርእሱ ምርጫ ወይ መሰለይ እዩ ዝብሎ ነገራት ዘይኰነስ: ንኻልኦት መሐንኰሊ ወይ መዐንቀፊ ኸይከውን ዝብል እዩ።—ማቴዎስ 18:6፣ ፊልጲ 1:10

ሓደ ክርስትያን ኣከዳድናኡ ወይ ኣመሻሽጣኡ ንኻልኦት ዝርብሽ ወይ ዝዕንቅፍ ምዃኑ እንተ ፈሊጡ: ንመንፈሳዊ ዅነታት ካልኦት ካብ ናይ ርእሱ ምርጫታት ንላዕሊ ቐዳምነት ብምሃብ ንሃዋርያ ጳውሎስ ክመስሎ ይኽእል እዩ። ጳውሎስ “ከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ: ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ” በለ። (1 ቈረንቶስ 11:1) ብዛዕባ የሱስ እውን “ክርስቶስ ድማ ንርእሱ ባህ ዜብሎ ኣይደለየን” ኢሉ ጸሓፈ። ንዅሎም ክርስትያናት “እምብኣርሲ ንሕና ብርቱዓት ዝዀንና: ድኻም እቶም ድኹማት ክንጸውር: ንርእስናውን ባህ ከይነብል: ይግብኣና እዩ። . . . ነፍሲ ወከፍና: ንብጻዩ ምእንቲ ኺሀንጾ: ብሰናይ ነገር ባህ የብሎ” ብምባል ዝሃቦም መምርሒ እውን ንጹር እዩ።—ሮሜ 15:1-3

ንልቦናና ንስሓሎ

የሆዋ ዝርዝር መምርሒ ኣብ ዘይሃበሉ መዳይ እውን እንተዀነ: ንዕኡ ዘሐጕሶ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽንፈልጥ ልቦናና ብኸመይ ከነሰልጥኖ ንኽእል፧ ቃሉ መዓልታዊ እንተ ኣንቢብና: ኣዘውቲርና እንተ ኣጽኒዕናዮ: ከምኡውን ነቲ ዘንበብናዮ እንተ ኣስተንቲንናሉ: ልቦናና እናሰፍሐ እዩ ዝኸይድ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዕቤት ብሓንሳእ ዝመጽእ ኣይኰነን። ከምቲ ሓደ ቘልዓ ቀስ እናበለ ሰብ ከየስተውዓለሉ ዝዓቢ: መንፈሳዊ ዕቤት እውን ከምኡ እዩ። ስለዚ: ዓቕሊ ኽንገብር ኣሎና: ቅልጡፍ ምምሕያሽ እንተ ዘይጌርና ኸኣ ተስፋ ኽንቈርጽ የብልናን። በቲ ሓደ ሸነኽ ግን: ዕድመ ምጽብጻብ ጥራይ ንልቦናና ኣይስሕሎን እዩ። ነቲ እነሕልፎ ግዜ ኸምቲ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ ኣዘውቲርና ቓል ኣምላኽ ብምንባብ ከነሕልፎ ኣሎና: ብእተኻእለና መጠን ድማ ብእኡ ኽንመላለስ ኣሎና።—እብራውያን 5:14

ሕግታት ኣምላኽ ንተኣዛዝነትና ዝፍትን ክኸውን ከሎ: ስርዓታቱ ንዕምቈት መንፈሳውነትናን ንዕኡ ንምሕጓስ ዘሎና ባህግን ዝፍትን እዩ። ብመንፈስ እናዓበና ምስ ከድና: ንየሆዋን ንወዱን ብዝያዳ እናመሰልናዮም ኢና እንኸይድ። ውሳነታትና ኣብቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተሓቢሩ ዘሎ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ እተመርኰሰ ንኽንገብሮ ድማ ሃንቀው ንብል። ኣብ ኵሉ ተግባራትና ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ምስ እነሐጕሶ: ሓጐስና እውን እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ኣከዳድና ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝፈላለ እኳ እንተዀነ: ኣብ ምርጫና ግን ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንምራሕ ኣሎና