ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስድራቤት የሱስ እንታዎት እዮም ነይሮም፧

ስድራቤት የሱስ እንታዎት እዮም ነይሮም፧

ስድራቤት የሱስ እንታዎት እዮም ነይሮም፧

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት ዓለም: የሱስ ብሕጻንነቱ ምስ ኣዲኡ ማርያምን ምስቲ ዘዕበዮ ኣቦኡ ዮሴፍን ከሎ ዘርኢ ስእሊ ልደት ብብዝሒ ይርአ እዩ። እዚ ስእሊ እዚ ነቶም ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ከም ዘይኰኑ ዝዛረቡ እውን ክስሕቦም ይኽእል እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ቐንዲ ዘገድስ የሱስ ስለ ዝዀነ: ብዛዕባ ሰብኣውያን ስድራቤቱ ቕዱሳት ጽሑፋት እንታይ እዩ ዝነግረና፧

የሱስ ንኣቓልቦና ዝስሕቡ ስድራቤት እዮም ነይሮምዎ። ካብ ሓንቲ ማርያም እትበሃል ድንግል ምስ ተወልደ: ኣባል ሓንቲ ሰብኣዊት ስድራቤት ኰነ። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝገልጾ ህይወቱ ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማይ ናብ ማሕጸን ማርያም ተመሓላለፈ። (ሉቃስ 1:30-35) ማርያም ንየሱስ ከም እትጠንስ ገና ኸይተነግራ ኸሎ ንዮሴፍ ዝበሃል ሰብኣይ ተሓጽያ ነበረት: ንሱውን ንየሱስ ዘዕብዮ ኣቦኡ ዀነ።

የሱስ ምስ ተወልደ: ዮሴፍን ማርያምን ካልኦት ውሉዳት ወለዱ። እዚኣቶም ድማ ንየሱስ በደ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ኰኑ። እዚ ኸኣ ኣብቲ እቶም ተቐማጦ ናዝሬት “እዝስ ወዲ እቲ ጸራቢ ደይኰነን፧ ኣዲኡስ ማርያም እትበሀል ደይኰነትን፧ ኣሕዋቱስ ያእቆብ: ዮሴፍ: ስምኦን: ይሁዳ ደይኰኑን፧ ኣሓቱ ዅላተንሲ ምሳናዶ ኣየለዋን፧” ብምባል ጸኒሖም ብዛዕባ የሱስ ዝሓተትዎ ሕቶ ንጹር ኰይኑ ኣሎ። (ማቴዎስ 1:25፣ 13:55, 56፣ ማርቆስ 6:3) ካብዚ ኸም ዝረአናዮ እታ የሱስ ዝዓበየላ ስድራቤት ንኽልቲኦም ወለዱ: ኣርባዕተ ኣሕዋቱ: ከምኡውን እንተ ወሓደ ኽልተ ኣሓቱ ዘጠቓለለት ምንባራ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና።

ይኹን እምበር: ኣብዚ እዋን እዚ ገሊኣቶም ሰባት ኣሕዋትን ኣሓትን የሱስ ደቂ ዮሴፍን ማርያምን ከም ዝነበሩ ኣይቅበልዎን እዮም። ስለምንታይ፧ ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ “ቤተ-ክርስትያን ካብ ጥንቲ ኣትሒዛ: ማርያም ወትሩ ድንግል ከም ዝዀነት እያ እትኣምን። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ማርያም ካልኦት ውሉዳት ከም ዘይነበርዋ እተረጋገጸ እዩ።” እዚ መወከሲ ጽሑፍ እዚ እተን “ኣሕዋት” ከምኡውን “ኣሓት” ዝብላ ቓላት ‘ብሃይማኖት ወይ ብኻልእ ነገራት ንዝሓበሩ’ ወይ ከኣ ነዝማድ ምናልባትውን ንደቂ ሓወቦ: ደቂ ኣሞ: ደቂ ኣኮ: ወይ ደቂ ሓትኖ ኸመልክታ ኸም ዝኽእላ ጠቒሱ ኣሎ።

እቲ ነገር ግን ብሓቂ ኸምኡ ድዩ፧ ገሊኣቶም ካቶሊካውያን ናይ ሃይማኖት ምሁራት እውን ከይተረፉ ምስዚ ሰረተ-እምነት እዚ ኣይሰማምዑን እዮም። የሱስ ብስጋ ኣሕዋትን ኣሓትን ከም ዝነበርዎ ድማ ይድግፍዎ እዮም። ፕረዚደንት ናይ ካቶሊክ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ኣመሪካ ዝነበረ ጆን ፖል ማየር: “ኣብ ሓ[ድሽ] ኪ[ዳን] እታ ኣደልፎስ [ሓው] እትብል ቃል ብምሳልያዊ መገዲ ዘይኰነስ ናይ ስጋ ዝምድና ወይ ሕጋዊ ርክብ ንምምልካት ክትጥቀመላ ከለኻ: ንሓደ በቦን በደን ሓው: ወይ በቦ ጥራይ ሓው: ወይ ከኣ በደ ጥራይ ሓው ዝዀነ ደኣ እምበር ንኻልእ ኣይተመልክትን እያ” ኢሉ ጸሓፈ። a እወ: ቅዱሳት ጽሑፋት የሱስ ካብ ዮሴፍን ማርያምን እተወልዱ ኣሕዋትን ኣሓትን ከም ዝነበርዎ እዩ ዝሕብር።

ወንጌላት ብዛዕባ ኻልኦት ኣዝማድ የሱስ ይጠቅስ እዩ፣ ሕጂ ግን ኣብቶም ስድራቤት የሱስ ነተኵር እሞ ካባታቶም እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል ንርአ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብታ ናይ ጥሪ 1992 ሕታም ዘ ካቶሊክ ቢብሊካል ኳርተርሊ ገጽ 21: “ኣሕዋትን ኣሓትን የሱስ ብዓይኒ እተፈላለያ ሃይማኖታት” ብዝብል ኣርእስቲ ጆን ፖል ማየር ዝጸሓፎ።