ተመረቕቲ ጊልዓድ ብዛዕባ “እቲ ዓብዪ ግብሪ” ኽዛረቡ ተተባቢዖም
ተመረቕቲ ጊልዓድ ብዛዕባ “እቲ ዓብዪ ግብሪ” ኽዛረቡ ተተባቢዖም
ብ13 መስከረም 2003 ስነ-ስርዓት ምረቓ መበል 115 ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክካየድ ከሎ: ካብ 52 ሃገራት እተዋጽኡ 6,635 ተኣከብቲ ነይሮም።
እዞም ተኣከብቲ እዚኣቶም: እቶም 48 ተማሃሮ “እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ” ናብ 17 ሃገራት ንኸብጽሕዎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ መተባብዒ ኽወሃቦም ከሎ ሰሚዖም እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:11) እቶም ተመረቕቲ ኣብዚ እዋን እዚ ሚስዮናውያን ኰይኖም ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን ዕዮኦም ይፍጽሙ ኣለዉ።
ኣቦ መንበር እቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ዀይኑ ዘገልገለ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስቲቨን ለት ኣብ መእተዊ ዝርርቡ ነቶም ተማሃሮ “ናብ እተመደብኩምሉ ቦታታት ምስ ከድኩም: እቲ እትኸዱሉ ቦታ ዀነ ዘጋጥመኩም ኵነታት ብዘየገድስ: ካብቶም ዝጻረሩኹምሲ እቶም ምሳኻትኩም ዘለዉ ይበዝሑ” ብምባል ኣዘኻኸሮም። ሓው ለት ካብቲ ኣብ ካልኣይ ነገስት ምዕራፍ 6 ዝርከብ ሓሳባት ብምውሳድ: ነቶም ተማሃሮ “እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ” ከፍልጡ ኸለዉ የሆዋ ኣምላኽን ኣእላፍ መላእኽቱን ከም ዝድግፍዎም ክተኣማመኑ ኣዘኻኸሮም። (2 ነገስት 6:15, 16) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ክሰብኩን ክምህሩን ከለዉ ምጽራርን ዘይምግዳስን ኣጋጢምዎም ነይሩ: ሕጂ ዘለዉ ክርስትያን ሚስዮናውያን ድማ ተመሳሳሊ ዅነታት እዩ ዘጋጥሞም። ይኹን እምበር: ካብ ሰማይን ካብታ ምድራዊት ማሕበር የሆዋን ደገፍ ከም ዝወሃቦም ክተኣማመኑ ይኽእሉ እዮም።—መዝሙር 34:7፣ ማቴዎስ 24:45
ነቲ “ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ” ተዛረቡ
እቲ ኣቦ መንበር መኽፈቲ ሓሳባት ሂቡ ምስ ወድአ: ኣባል ጨንፈር ኮሚተ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሃሮልድ ኮርከርን “ዘሐጕስን ዘዕግብን ኣገልግሎት ንምርካብ ኣብ ክውንነት እተመርኰሰ ትጽቢት ምግባር” ዘርእስቱ ዝርርብ ሃበ። ሓው ኮርከርን ከምቲ ኣብ ምሳሌ 13:12 ተገሊጹ ዘሎ: ዘይተፈጸመ ተስፋ ናብ ቅብጸት ክመርሕ ከም ዝኽእል ሓበረ። ይኹን እምበር: ዝበዝሕ ግዜ ቕብጸት ኣብ ክውንነት ካብ ዘይተመርኰሰ ትጽቢት እዩ ዝመጽእ። እቶም ተመረቕቲ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶምን ብዛዕባ ኻልኦትን ኣብ ክውንነት እተመስረተ ሚዛናዊ ትጽቢት ክህልዎም ኣለዎ። እተወሰነ ጌጋታት ከም ዝገብሩ ኽጽበይዎ ኣለዎም: እዚ ግን ንኻልኦት ነቲ “ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ” ኣብ ዘረድኡሉ እዋን ኣመና ኸጕህዮም የብሉን። ሓው ኮርከርን ነቶም ሓደስቲ ሚስዮናውያን: የሆዋ “ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦም” ክተኣማመኑ ኸም ዘለዎም ኣተባብዖም።—እብራውያን 11:6
ቀጺሉ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዳንየል ሲድሊክ “ክርስትያናዊት ተስፋ እንታይ እያ፧” ዘርእስቱ ዝርርብ ኣቕረበ። ኣብ ዝርርቡ ድማ “ተስፋ ንሓደ ክርስትያን ክትህልዎ ዘለዋ ሰናይ ባህሪ እያ። ምስ ኣምላኽ ግቡእ ርክብ ንኽህልዎ እተኽእሎ ሓንቲ ኻብቲ ቕኑዕ ስርዓታት እያ። ክርስትያናት ዘይኰኑ ሰባት ከም ናትና ዓይነት ተስፋ ኸጥርዩ ኣይከኣሎምን እዩ” በለ። ሓው ሲድሊክ ንሓደ ክርስትያን ኣብ ህይወቱ እተፈላለየ ጸገማት እናኣጋጠሞ ኽነሱ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኽህልዎ ተስፋኡ ኸም እትሕግዞ ገለጸ። “ተስፋ እንተላትና መዓልታዊ ህይወትና ብትግሃትን ብናይ ዓወት መንፈስን ኢና እንመርሕ” በለ። ተስፋ ንሓደ ክርስትያን ሮሜ 12:12
ንየሆዋ ዕላማኡ ዝፍጽም ኣምላኽ ገይሩ ንኽርእዮን ንዕኡ ብምግልጋል ንኽሕጐስን ተኽእሎ።—ካብኡ ናይ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተሓዝ መዝገብ ዋለስ ሊቨራንስ “ብመንፈስ ተመላለሱ” ብዘርእስቱ ዝርርብ ገይሩ ነቶም ተማሃሮ ኣተባብዖም። (ገላትያ 5:16) እቲ ንኤርምያስ ጸሓፊኡ ዝነበረ ባሩኽ ብመንፈስ ካብ ምምልላስ ንኽርሕቕ ቍሩብ ተሪፍዎ ኸም ዝነበረ ድማ ገለጸ። ሓደ እዋን ባሩኽ ደኸመ: ንርእሱ ዓብዪ ነገር ክደሊ ኸኣ ጀመረ። (ኤርምያስ 45:3, 5) ሓው ሊቨራንስ ገሊኣቶም ንየሱስ ካብ ምስዓቡ ንድሕሪት ከም እተመልሱን ነቲ ንድሕነቶም ኣገዳሲ ዝነበረ መንፈሳዊ ሓቂ ኸም ዝነጸጉን ሓበረ። እዚ ዝዀነ ኸኣ እቲ ዝምህሮ ዝነበረ ነገራት ስለ ዘይተረድኦምን እቲ ብሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ዝጽበይዎ ዝነበሩ ነገራት ኣብቲ ግዜ እቲ ብዘይምፍጻሙ ተስፋ ስለ ዝቘረጹን እዩ። (ዮሃንስ 6:26, 27, 51, 66) ንሰባት ናብ ኣምላኽን ዕላማታቱን ከም ዘተኵሩ ኣብ ምግባር እተዋፈሩ ሚስዮናውያን ካብዚ ጸብጻባት እዚ እንታይ ትምህርቲ እዮም ዝረኽቡ፧ እቶም ተማሃሮ ዝለዓለ ቦታ ብዛዕባ ምህላው: ካብ ሰባት ፍሉይ ቈላሕታ ብዛዕባ ምርካብ: ወይ ነቲ ቲኦክራሲያዊ ሓላፍነቶም ንብሕታዊ ረብሓ ብዛዕባ ምውዓል ከይሓስቡ ምትብባዕ ተዋህቦም።
እቲ ማርክ ኑማር ዝበሃል ናይ ጊልዓድ መምህር ድማ “ወሃብቲ ዲኹም ክትኰኑ ወይስ ወሰድቲ፧” ዝብል ሕቶ ኣቕረበ። ንዝርርቡ ኣብ መሳፍንቲ 5:2 ተመርኲሱ ዘቕረቦ ክኸውን ከሎ: እዛ ጥቕሲ እዚኣ ድማ እስራኤላውያን ኣባላት ሰራዊት ባራቅ ኰይኖም ከገልግሉ ፍቓደኛታት ብምዃኖም ከም እተናእዱ እያ እትገልጽ። እቶም ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ነቲ ኻብ ባራቅ ዝዓቢ የሱስ ክርስቶስ ዘቕረቦ ጻውዒት ብምቕባል ኣብ መንፈሳዊ ውግእ ብዝያዳ ንኽሳተፉ ብዘርኣይዎ መንፈስ ተናእዱ። ዓቀይቶት ክርስቶስ ካብቲ ዝመዘዞም ስምረት ንምርካብ ሃረር ክብሉ ኣለዎም። ሓው ኑማር ነቶም ተማሃሮ “ኣብ ናይ ርእስና ሓጐስ ከነተኵር ከለና: ንጸላኢ ኻብ ምቅላስ ነቋርጽ። . . . ሚስዮናውነት ከኣ ንርእስኻ ኸተሐጕስ ኢልካ ዝግበር ኣይኰነን። ንየሆዋን ንሉዓላውነቱን ፍቓዱ ንኽፍጸምን እዩ ዝዕየ። ሚስዮናውያን ኴንና እነገልግል ካብ የሆዋ ሓጐስ ንኽንረክብ ኢልና ዘይኰነስ: ስለ እነፍቅሮ እዩ” በሎም።—2 ጢሞቴዎስ 2:4
ሎረንስ ቦወን ዝበሃል ናይ ጊልዓድ መምህር ከኣ “በቲ ሓቂ ቐድሶም” ዘርእስቱ ኽፍሊ ኣቕረበ። (ዮሃንስ 17:17) እቶም ናይ መበል 115 ክፍሊ ተማሃሮ እተቐደሱ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምዃኖም ገለጸ። ኣብ ትምህርቲ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ቅኑዕ ዝልቦም ኣፍቀርቲ ሓቂ ንምርካብ ናብ ኣገልግሎት ከይዶም እዮም። እዞም ተማሃሮ እዚኣቶም ልክዕ ከም የሱስን ከምቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቱን ‘ካብ ርእሶም’ ኣይዛረቡን እዮም። (ዮሃንስ 12:49, 50) የግዳስ: ነቲ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ህይወት ዝህብ ቃል ሓቂ ብቕንኣት እዮም ዝነግሩ። እቲ እቶም ተማሃሮ ብመርኣያ ዘቕረብዎን ዘዘንተዉዎን ተመክሮታቶም ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቶም ካልኦት ሰባት ዘሕደሮ ሓያል ጽልዋ ዘርኢ ነበረ።
ዘተባብዕ ምኽርን ተመክሮን
ኣባላት ክፍሊ ኣገልግሎት ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣንቶኒ ፔረስን ኣንቶኒ ግሪፊንን: ካብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም ንዝመጹ ኣባላት ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ቃለ-መጠይቕ ገበሩሎም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ነቶም ሓደስቲ ሚስዮናውያን ዘጋጥሞም ጸገማት ገለጹ: ካብ ተመክሮኦም ድማ ግብራዊ ምኽሪ ሃቡ። ገለ ኻብቲ ዝጠቐስዎ ጸገማት ናይ ባህሊ ፍልልይ: ምሉእ ዓመት ዝቕጽል ሃሩር: ወይ ካብቲ እቶም ተማሃሮ ዝለመድዎ እተፈልየ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ሃዋሁ ይርከቦ። እቶም ሓደስቲ ሚስዮናውያን ነቲ ሓድሽ ከባቢኦም ንኽለምድዎ ኽሕግዞም ዝኽእል እንታይ እዩ፧ ንየሆዋን ንሰባትን ዘለዎም ፍቕሪ: ንድሕሪት ዘይምጥማት: ከምኡውን ብታህዋኽ ስጕምቲ ዘይምውሳድ ክሕግዞም ይኽእል እዩ። ሓደ ኣባል ጨንፈር ቤት ጽሕፈት “ኣብቲ እተመደብናሉ ቦታ ዝነብሩ ሰባት ንሓያሎ ዘመናት እዮም ኣብኡ ዝነብሩ ነይሮም። እምበኣር: ብርግጽ ኣብኡ ኽንነብርን ምስቲ ዅነታት ክንወሃሃድን ንኽእል ኢና። ጸገማት ከጋጥመና ኸሎ: ባህርያትና ንኸነመሓይሽ ኣጋጣሚ ኸም እተኸፍተልና ጌርና ኢና እንርእዮ። ኣብ ጸሎትን ኣብ መንፈስ የሆዋን ንውከል: እተን ‘ኣነ ምሳኻትኩም እየ’ ብምባል የሱስ እተዛረበን ቃላት ከኣ ኵሉ ሳዕ ክፍጸማ ንርእየን” በለ።—ማቴዎስ 28:20
ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ሳሙኤል ሀርድ ኣብ ምዝዛም እቲ ኣኼባ “ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ ካብ ምዝራብ ኣይተብኵሩ” ዝብል ዝርርብ ኣቕረበ። ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ሓይሊ ዝረኸቡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብዛዕባ “እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ” ተዛሪቦም እዮም። ነዞም ሎሚ ዘለዉ ሓደስቲ ሚስዮናውያን ብተመሳሳሊ ቕንኣት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽዛረቡ ኽሕግዞም ዝኽእል እንታይ እዩ፧ መንፈስ ቅዱስ ደኣ እምበር ካልእ ኣይኰነን። ሓው ሀርድ ነቶም ተመረቕቲ ኸመይ ዝበለ ስልጠና ኸም እተዋህቦም ብምዝካር: ‘ብመንፈስ ንኽቃጸሉን’ ነቲ እተመደቡሉ ዓዲ ብሓጐስ ንክቕበልዎን ኣተባብዖም። (ሮሜ 12:11) ከምዚ ድማ በሎም:- “መጽሓፍ ቅዱስ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ እዩ። ዋጋኡ ኣቕሊልኩም ኣይትርኣይዎ። መልእኽቱ ህያው እዩ። ሰንጢቑ ብምእታው ነቲ ቐንዲ ጕዳይ ዝትንክፍ እዩ። ኣብ ናብራኹም ንምቕናዕ ተጠቐሙሉ። ነተሓሳስባኹም ከም ዝቕይሮ ግበሩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ብምጽናዕን ብምንባብን ብዛዕባኡ ብምስትንታንን ነተሓሳስባኹም ሓልውዎ። . . . እቲ ኣብ ጊልዓድ ዝረኸብክምዎ ስልጠና: ነቲ ‘ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ’ ወትሩ ንምዝራብ ንኽትጥቀሙሉ ሸቶን ቈራጽነትን ግበሩ።”
ካብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም እተላእከ ሰላምታታት ምስ ተነበን ዲፕሎማ ምስ ተዓደለን: ሓደ ኻብቶም ተመረቕቲ ነቶም ደቂ ኽፍሉ ዝጸሓፍዋ ብዛዕባ እቲ ዝረኸብዎ ስልጠና ዘለዎም ሞሳ እትገልጽ ደብዳበ ኣንበበ። ድሕሪኡ ሓው ለት 2 ዜና መዋእል 32:7 ከምኡውን ዘዳግም 20:1, 4 ብምጥቃስ ነቲ ዘሐጕስ ኵነታት ዝበቅዕ መዕጸዊ ገበረ። ነቲ ናይ መወዳእታ ዘረባኡ ምስቲ ኣብ መጀመርታ እተዛረቦ ሓሳባት ብምትእስሳር “ስለዚ ፍቑራት ተመረቕቲ: ናብቲ እተመደብኩምሉ ሓድሽ ቦታ ኽትከዱን ናብ መንፈሳዊ ውግእ ክትምርሹን ከለኹም: የሆዋ ምሳኻትኩም ከም ዝምርሽ ዘክሩ። ካብቶም ዝጻረሩኹምሲ እቶም ምሳኻትኩም ዘለዉ ኸም ዝበዝሑ ፈጺምኩም ኣይትረስዑ” በሎም።
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ሳጹን]
ናይቲ ኽፍሊ ስታቲስቲክስ
ቍጽሪ ዝመጹለን ሃገራት:- 7
ቍጽሪ እተመደቡለን ሃገራት:- 17
ቍጽሪ ተማሃሮ:- 48
ገምጋም ዕድመ:- 33.7
ኣብ ሓቂ ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 17.8
ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 13.5
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ናይ መበል 115 ክፍሊ ተመረቕቲ
ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ኣስማት: ነቲ መስርዕ ተዋሂብዎ ዘሎ ቝጽሪ ኻብ ቅድሚት ንድሕሪት ክኸውን ከሎ: ኣስማት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርዕ ካብ ጸጋም ናብ የማን እዩ።
(1) ተፍታ ብራውን፣ ሰሲበል ጎለር፣ ኣንጂ ሆፍማን፣ ጃኔት ብሩዚዚ፣ ሶንያ ትራሃን (2) ኒኪ ስማርት፣ ፍራንሲን ካሽማን፣ ኪምበርሊ ግራሲያ፣ መሊሳ ሎሃን፣ ሲልቪያ ሲፈርት፣ ካሪ ግረይ (3) መርሊን በከት፣ ሳራ ኒከልዝ፣ ኪና ስሚዝ፣ ኣንቶንየታ ጉልያራ፣ ኣንጀላ ራፐንከር (4) ስኮት ግረይ፣ ካቲ ቫሰክ፣ ሚስቲ ፍለሚን፣ ሊንዳ ቤትኤል፣ ታቢታ ሀርማንሰን፣ ፒተር ሀርማንሰን (5) ግረይ ራፐንከር፣ ዴቪድ ሎሃን፣ ሻ ዲኪ፣ ኮኒ ኪም፣ ኣሮን ትራሃን፣ ኣንድሬ ዋሽንግተን፣ ሾን ስማርት (6) ላንስ ጎለር፣ ቲርዛ በርግሆፈር፣ ዳንኤል ጉልያራ፣ ራንዲ ኒከልዝ፣ ሸሊ ዋሽንግተን፣ ጁ ኦን ኪም (7) ሞሪስ በከት፣ ጆን ዲኪ፣ ሮድኒ ስሚዝ፣ ራሞን ግራሲያ፣ ኣሮን ሆፍማን፣ ራስል ሲፈርት፣ ሃሮልድ ብራውን (8) ሼን ፍለሚን፣ ፒተር ብሩዚዚ፣ ዌድ በርግሆፈር፣ ቲም ቤትኤል፣ ጂሚ ካሽማን፣ ኬሊ ቫሰክ