ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ብምንባብ ተሓጒስካዶ ኢኻ፧ እምበኣር እስከ ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ:-

• መጽሓፍ ሚክያስ ክንደይ ምዕራፋት ኣለዋ: መዓስ ተጻሒፋ: ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ዅነታትከ ኸመይ ነበረ፧

መጽሓፍ ሚክያስ ሸውዓት ምዕራፋት ኣለዋ። ነብዪ ሚክያስ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ብሻምናይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. እዩ ጽሒፉዋ: ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ እቶም ምስ ኣምላኽ ኪዳን ተኣታትዮም ዝነበሩ ህዝቢ: እስራኤልን ይሁዳን ተባሂሎም ኣብ ክልተ ተመቒሎም ነበሩ።—15/8 ገጽ 9

ብመሰረት ሚክያስ 6:8 ኣምላኽ እንታይ ከነማልእ እዩ ዝደልየና፧

‘ቅንዕና ኽንገብር’ ኣሎና። ኣምላኽ ዝገብሮ ነገራት መዐቀኒ ቕንዕና እዩ። ስለዚ: ነቲ ንቕንዕናን ንጽህናን ዝምልከት ስርዓታቱ ኽብ ኣቢልና ኽንርእዮ ኣሎና። ‘ምሕረት [ወይ ሳህሊ] ክንፈቱ’ እውን ተነጊሩና ኣሎ። ክርስትያናት ዕንወት ከጋጥም ከሎ ዀነ ኸምዚ ዝኣመሰለ ንኻልኦት ሓገዝ ምሃብ ዘድልየሉ ዅነታት ክፍጠር ከሎ መዳያት ሳህሎም ኣርእዮም እዮም። ምስ የሆዋ ‘ብትሕትና ንኽመላለስ’ ከኣ: ዓቕምና ኽንፈልጥን ኣብኡ ኽንጽጋዕን ኣሎና።—15/8 ገጽ 20-2

ሓደ ክርስትያን ካብ ስርሑ ምስ ዝወጽእ እንታይ እዩ ኽገብር ዝኽእል፧

ሓደ ክርስትያን ካብ ስርሑ ምስ ዝወጽእ ንኣነባብራኡ ዳግም ምስ ዝምርምሮ ጥበባዊ እዩ። ናብ ዝነኣሰ መንበሪ ምግዓዝ ወይ ዘየድሊ ስጋዊ ጥሪት ብምውጋድ ናብራኡ ቐሊል ክገብሮ ይኽእል ይኸውን። ነቲ መዓልታዊ ዘድልዮ ነገራት ኣምላኽ ከም ዘማልኣሉ ብምትእምማን ክጭነቕ የብሉን። (ማቴዎስ 6:33, 34)—1/9 ገጽ 14-15

ህያባት ክንህብ ወይ ክንቅበል ከለና: እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

ክቡር ህያባት ኣድላዪ ኣይኰነን: ክወሃበና ኽንጽበ እውን የብልናን። እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ነገር ልቢ እቲ ወሃቢ እዩ። (ሉቃስ 21:1-4) ስም እቲ ወሃቢ ንእኩባት ሰባት ምንጋር ዘሕፍር ክኸውን ስለ ዝኽእል ሕያውነት ኣይኰነን። (ማቴዎስ 6:3)—1/9 ገጽ 29

ከየባተኽና ኽንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ኣዘውቲርና ምጽላይ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ድልዱል ንምግባርን ከቢድ ፈተናታት ንኽንዋጽኣሉን ከዕጥቐናን ይኽእል እዩ። ጸሎትና ከከም ኣድላይነቱን ከከም ኵነታቱን ሓጺር ወይ ነዊሕ ክኸውን ይኽእል እዩ። ጸሎት እምነት የደልድል: ጸገማት ንኽንዋጽኣሉ ድማ የኽእለና።—15/9 ገጽ 15-18

ነታ ኣብ ገለ ትርጕማት “ኣብ ክንዲ ምዉታት ዚጥመቑ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ 1 ቈረንቶስ 15:29 ብኸመይ ኢና ኽንርድኣ ዘሎና፧

ሃዋርያ ጳውሎስ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ናብቲ ኸም ክርስቶስ ንጽህናኦም ሓልዮም ክሞቱ ትጽቢት ዝግበረሎም ዓይነት ህይወት ከም እተጠምቁ ወይ ከም ዝጠሓሉ እዩ ዝገልጽ ነይሩ። ድሕሪኡ ኸም ክርስቶስ ናብ ሰማያዊ ህይወት ይትንስኡ።—1/10 ገጽ 29

ክርስትያን ምዃን ካብቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 6:9-11 ተጠቒሱ ዘሎ ኣበሳታት ካብ ምርሓቕ ንላዕሊ ኸም ዘጠቓልል ብኸመይ ንፈልጥ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ክርስትያናት ካብ ምንዝርን ኣምልኾ ጣኦትን ስኽራንን ዝኣመሰለ ኣበሳታት ክርሕቑ ጥራይ ኣይኰነን ገሊጹ። ተወሳኺ ለውጢ ኸም ዘድሊ ኸርኢ ኸሎ: ኣብ ቍጽሪ 12 “ኵሉ ተፈቒዱለይ አሎ: ግናኸ ኵሉ ኣይጠቅምን እዩ” በለ።—15/10 ገጽ 18-19

ገለ ኻብተን ንልቢ ኣምላኽ ዘሐጐሳ ጥንቲ ዝነበራ ኣንስቲ መነመን ክትጠቅስ ትኽእል፧

እተን ትእዛዝ ፈርኦን ሓዲገን ንተባዕትዮ ዘበሉ እስራኤላውያን ዕሸላት ዘይቀተላኦም ሺፍራን ጱዓን ዝበሃላ መሕረስቲ ኽንጠቅስ ንኽእል ኢና። (ዘጸኣት 1:15-20) እታ ኣመንዝራ ዝነበረት ከነኣናዊት ረሃብ ንኽልተ እስራኤላውያን ሰለይቲ ኣዕቈበቶም። (እያሱ 2:1-13፣ 6:22, 23) ኣቢጋይል ኣስተውዓሊት ብምንባራ ህይወት ሰባት ኣድሓነት: ንዳዊት ድማ ደም ንኸየፍስስ ከልከለቶ። (1 ሳሙኤል 25:2-35) እዚኣተን ነዘን ሎሚ ዘለዋ ኣንስቲ ኣብነት ይዀንአን እየን።—1/11 ገጽ 8-11

ከምቲ ኣብ መሳፍንቲ 5:20 ተጠቒሱ ዘሎ: ‘ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ንሲሰራ እተዋግእዎ’ ብኸመይ እዮም፧

ገሊኣቶም እዚ መግለጺ እዚ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ከም ዝሓገዞም ዘመልክት እዩ ይብሉ። ገሊኣቶም ከኣ መላእኽቲ ኸም ዝሓገዝዎም: ወይ ሚትዮር ዝበሃል ፍንጫል ኰዀብ ከም ዝወደቐ: ወይ ድማ ሲሰራ ኣብ ከዋኽብቲ ተመርኲሱ እተጸበዮ ነገር ከም ዘይረኸበ ዘመልክት እዩ ይብሉ። ኣብዚ ውግእ እዚ ኸዋኽብቲ ብኸመይ ከም እተዋግኡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝርዝር ስለ ዘይገልጽ: ኣምላኽ ንሰራዊት እስራኤል ከም ዝሓገዞም ጌርና ጥራይ ኢና ኽንወስዶ እንኽእል።—15/11 ገጽ 30

ኣብዛ ዓለም ንሃይማኖት ዘይምግዳስ ኣስፋሕፊሑሉ ኣብ ዘሎ እዋን ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣምላኽ ከም ዝኣምኑ ዝዛረቡ ስለምንታይ እዮም፧

ገሊኣቶም ናብ ቤተ-ክርስትያን ዝኸዱ ናይ ኣእምሮ ሰላም ንኽረኽቡ ኢሎም እዮም። ገሊኣቶም ከኣ ድሕሪ ሞት ዘለኣለማዊ ህይወት ንኽረኽቡ ወይ ጥዕናን ሃብትን ኣሳልጦን ንኽረኽቡ ተስፋ ብምግባር እዮም ዝኸዱ። ኣብ ገሊኡ ቦታታት ነቲ ናይ ዴስነት ኣተሓሳስባ ብናይ ርእሰ-ማልነት ክትካእ ከሎ ዘስዓቦ መንፈሳዊ ሃጓፍ ንምምላእ እዮም ዝጽዕሩ። ሓደ ክርስትያን ነዚ ምኽንያታት እዚ ምስ ዝፈልጥ: ንሰባት ዝጠቕሞም ዝርርብ ንኸበግስ የኽእሎ።—1/12 ገጽ 3