ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነታ ቐጣን መገዲ ኣናደይዋ

ነታ ቐጣን መገዲ ኣናደይዋ

ነታ ቐጣን መገዲ ኣናደይዋ

ኣስታት 550 ዓመት ይገብር ገለ ኻብቶም ክርስትያናት ኢና ዝብሉ ሰባት ካብ ፕራግ: ቸልቺሰ: ቪለሞቭ: ክላቶቪ: ከምኡውን ካብ ካልኦት ኣብዛ ሎሚ ሪፓብሊክ ቸክ እትበሃል ሃገር ዝርከባ ከተማታት ቤቶም ሓዲጎም ተጓዕዙ። ኣብ ጥቓ እታ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ቦሂምያ እትርከብ ኩንቫልት እትበሃል ቍሸት ጎጆታት ሰሪሖም: ነቲ ምድሪ እናሓረሱ: መጽሓፍ ቅዱሶም እናኣንበቡ: ሓድነት ኣሕዋት ወይ ብቛንቋ ላቲን ዩኒታስ ፍራትሩም ዝብል ስም ሒዞም ክነብሩ ጀመሩ።

እዞም ተቐማጦ እዚኣቶም ካብ እተፈላለየ ደረጃ ናብራ እተኣኻኸቡ እዮም ነይሮም። ሓባራዊ ድሌት ዝነበሮም ገባሮ: ልዑላን: ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ: ሃብታማት: ድኻታት: ሰብኡት: ኣንስቲ: መበለታት: ዘኽታማት እዮም ነይሮም። ኣብቲ ጽሑፎም “ናብ ኣምላኽ ጸለና: ኣብ ኵሉ ነገራት እቲ ግሩም ፍቓዱ ክገልጸልና ድማ ለመንናዮ። ብመገድታቱ ኢና ኽንመላለስ እንደሊ” ኢሎም ጸሓፉ። እወ: እዞም ሓድነት ኣሕዋት ወይ ጸኒሖም ኣሕዋት ቸክ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ ሰዓብቲ ሓንቲ እምነት ነታ ‘ናብ ህይወት እትወስድ ቀጣን መገዲ’ ኣናድዮምዋ እዮም። (ማቴዎስ 7:13, 14) እዚ ዝገበርዎ መጽናዕቲ እንታይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ንኽረኽቡ እዩ ኣኽኢልዎም፧ እምነቶም ካብቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ተቐባልነት ዝነበሮ እምነታት እተፈልየ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ካባታቶምከ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

ንዓመጻ ዝዅንኑን ዘይለማመጡን

ኣብ መፋርቕ መበል 15 ዘመን እተኻየደ እተፈላለየ ሃይማኖታዊ ምንቅስቓሳት ሓድነት ኣሕዋት ንኽምስረቱ ኣበርክቶ ገይሩ ነይሩ እዩ። ሓደ ኻብዚ: ካብ መበል 12 ዘመን ኣትሒዞም ዋልደንሳውያን ዝገብርዎ ዝነበሩ ምንቅስቓስ እዩ። ፈለማ ዋልደንሳውያን ካብቲ ማእከላይ ኣውሮጳ ብወግዒ ዝስዕቦ ዝነበረ ናይ ሮማ ካቶሊክ ተፈልዩ። ጸኒሖም ግን ብእተወሰነ መዳያት ናብ ትምህርትታት ካቶሊክ ተመልሱ። ካልእ ጽልዋ ዝነበሮም ጕጅለ ኸኣ እቶም ሁሳውያን ዝበሃሉ ሰዓብቲ ያን ሁስ እዮም ነይሮም። መብዛሕትኦም ህዝቢ ቸክ ሰዓብቲ እዚ እምነት እዚ እዮም ነይሮም። እንተዀነ ግን: እዞም ጕጅለ እዚኣቶም ሓድነት ዝበሃል ኣይነበሮምን። ሓደ ጃንዳ ኣብ ማሕበራዊ ጕዳያት ክቃለስ ከሎ: ካልእ ጃንዳ ኸኣ ፖለቲካዊ ጕዳያቱ ንምፍጻም ሃይማኖት ይጥቀም ነበረ። እቶም ሓድነት ኣሕዋት በቶም የሱስ ኣብ ምድሪ ንሽሕ ዓመት ክገዝእ እዩ ዝብሉ ጕጅለታትን በቶም ኣብቲ ኸባቢ ዀነ ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁራትን እውን ተጸልዮም እዮም።

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁርን ናይ ተሃድሶ ምንቅስቓስ መስራትን ዝነበረ ፒተር ኸልቺዝኪ (ከባቢ 1390-ከባቢ 1460) ዝበሃል ወዲ ቸክ ነቲ ናይ ዋልደንሳውያን ኰነ ናይ ሁሳውያን ትምህርትታት ይፈልጦ ነበረ። ነቶም ሁሳውያን በቲ ኣብ ምንቅስቓሶም ክፍጽምዎ ዝጀመሩ ዓመጻ ኽነጽጎም ከሎ: እቶም ዋልደንሳውያን እውን ዝለማመጡ ብምንባሮም ካባታቶም ረሓቐ። እዚ ሰብኣይ እዚ ንውግእ ዘይክርስትያናዊ ብምባል ኰነኖ። ክርስትያናት ዘምጽኣሎም ሳዕቤን ብዘየገድስ ብ“ሕጊ ክርስቶስ” ክምርሑ ኸም ዘለዎም ተሰምዖ። (ገላትያ 6:2፣ ማቴዎስ 22:37-39) ብ1440 ኸልቺዝኪ ንትምህርትታቱ ኣብ መርበብ እምነት ዘርእስታ መጽሓፍ ኣስፈሮ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነብር ዝነበረ ብዕድመ ኻብ ኸልቺዝኪ ዝንእስ ግረጎሪ ብዓል ፕራግ: በቲ ናይ ኸልቺዝኪ ትምህርትታት ኣጸቢቑ ስለ እተተንከፈ ንምንቅስቓስ ሁሳውያን ሓደጎ። ብ1458 ግረጎሪ ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት ቸክ ንዝቕመጡ ሒደት ኣባላት ሁሳውያን ቤቶም ጠንጢኖም ንክኸዱ ኣእመኖም። እዚኣቶም ካብቶም ናብ ቍሸት ኩንቫልት ስዒቦምዎ ብምኻድ ሓድሽ ሃይማኖት ዘለዎ ማሕበረሰብ ዝመስረቱ እዮም ነይሮም። ጸኒሖም ካብ ቸክን ጀርመንን ዝመጹ ዋልደንሳውያን ምሳታቶም ሓበሩ።

ንሕሉፍ ግዜ ዘነጽረልና ጽሑፍ

ካብ 1464 ክሳዕ 1467 እዚ እናዓበየ ዝኸይድ ዝነበረ ንእሽቶ ጕጅለ ኣብ ከባቢ ኩንቫልት ጉባኤ ካህናት ወይ ሲኖዶስ ገበረ: ንምንቅስቓስ እቲ ሓድሽ ሃይማኖት ዘነጽር ሓያሎ ሓባራዊ ውሳነታት ድማ ኣውጽአ። ኵሉ እቲ ሓባራዊ ውሳነታት ኣክታ ዩኒታቲስ ፍራትሩም (ግብሪ ሓድነት ኣሕዋት) ኣብ ዝበሃል ሕጂውን ኣብ ዝርከብ ተኸታታሊ መጻሕፍቲ ብጥንቃቐ ተመዝጊቡ ኣሎ። እዚ መጻሕፍቲ እዚ እቶም ሓድነት ኣሕዋት እንታይ ይኣምኑ ምንባሮም ንጹር መረዳእታ ብምሃብ ንሕሉፍ ግዜ የነጽረልና። ደብዳበታት: ካብ ዝርርባት እተወስደ ጽሑፍ: ከምኡውን ዝርዝር ሓሳባት ናይቲ ዘካራኽሮም ዝነበረ ነጥብታት እውን ከይተረፈ ዝሓዘ እዩ።

እዚ መጻሕፍቲ እዚ ብዛዕባ እምነት እቶም ሓድነት ኣሕዋት ክገልጽ ከሎ: “መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ብምንባብ ከምኡውን ነቲ ጐይታናን ቅዱሳት ሃዋርያትን—ብምስትንታን: ብትሕትናን ዓቕልን: ንጸላእትና ብምፍቃር: ሰናይ ብምግባርን ጽቡቖም ብምምናይን: ከምኡውን ምእንታኦም ብምልማን ዝመጸ—ዝገደፉልና ኣብነት ብምስዓብ ኢና ኽንመሓደር ወሲንና ዘሎና” ይብል። እዚ ጽሑፋት እዚ ኣብ ፈለማ እዞም ጕጅለ እዚኣቶም ይሰብኩ ምንባሮም እውን ይሕብር እዩ። በብኽልተ ዀይኖም ይኸዱ ነበሩ: ደቂ ኣንስትዮኦምውን ኣብቲ ኸባቢ ብዙሕ ኣሳልጦ ዝረኽባ ሚስዮናውያን ነበራ። እዞም ሓድነት ኣሕዋት እዚኣቶም ፖለቲካዊ ስልጣን ኣይቅበሉን: ማሕላ ኣይምሕሉን: ኣብ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ኣይሳተፉን: ኣጽዋር ድማ ኣይሕዙን ነበሩ።

ካብ ሓድነት ናብ ምብትታን

ድሕሪ እተወሰነ ዓመታት ግን እቶም ሰዓብቲ ሓድነት ኣሕዋት ከምቲ ስሞም ሓድነት ዘለዎም ኰይኖም ኣይቀጸሉን። ነቲ ዝኣምኑሉ ዝነበሩ ነገራት ኣብ ግብሪ ብምውዓል ዝመጸ ምክፍፋል ተፈጥረ። ብ1494 እዞም ሓድነት ኣሕዋት ጋንታ ብዙሓንን ጋንታ ውሑዳንን ተባሂሎም ኣብ ክልተ ጕጅለታት ተኸፍሉ። እቶም ጋንታ ብዙሓን ነቲ ፈለማ ዘውጽእዎ ትምህርትታት ከለዝብዎ ኸለዉ: እቶም ጋንታ ውሑዳን ከኣ ኵሎም ኣባላት ሓድነት ኣሕዋት ኣብቲ ንፖለቲካን ዓለምን ብዝምልከት ዘለዎም ኣቕዋም ጽኑዓት ክዀኑ ኸም ዘለዎም ይሰብኩ ነበሩ።—ነታ “ጋንታ ብዙሓን እንታይ ኰኑ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

ንኣብነት: ሓደ ኣባል እቶም ጋንታ ውሑዳን “ብኽልተ መገድታት ዝጐዓዙ ሰባት ምስ ኣምላኽ ንኽመላለሱ ውሕስነት የብሎምን። ከመይሲ: ንዕኡ ውፉያት ዝዀኑ ሳሕትን ኣብ ንኣሽቱ ነገራትን ክኸውን ከሎ: ኣብ ዓበይቲ ነገራት ግን ቃሕ ዝበሎም እዮም ዝገብሩ። . . . ንሕና ግን ምስቶም መስቀሎም ሒዞም መዓልታዊ ንጐይታና ክርስቶስ በታ ቐጣን መገዲ ዝስዕብዎ ጽኑዓትን ሰናይ ሕልና ዘለዎምን ኢና ኽንቍጸር እንደሊ” ኢሉ ጸሓፈ።

ኣባላት ጋንታ ውሑዳን ንመንፈስ ቅዱስ ከም መስለጢ ሓይሊ ኣምላኽ ወይ ከም “ኣጻብዕ” ኣምላኽ ገይሮም እዮም ዝርእይዎ ነይሮም። ብዛዕባ በጅነት የሱስ ድማ እቲ ፍጹም ሰብኣይ ዝነበረ የሱስ ነቲ ሓጥእ ኣዳም ዘጥፍኦ ነገር ንኽመልስ ኢሉ ህይወቱ ዝኸፈለሉ ዋጋ ምዃኑ ይኣምኑ ነበሩ። ንማርያም ኣደ የሱስ ኣየምልኽዋን እዮም ነይሮም። ኵሎም ኣመንቲ ካህናት እዮም ዝብል ሰረተ-እምነት ናብ ቀደሙ ኽመልስዎ ኸለዉ: ካህናት ካብ መርዓ ክኽልከሉ ዝብል ግን ነጸግዎ። ኵሎም ኣባላት ማሕበሮም ንሰባት ክሰብኩ የተባብዑ: ንዘይንስሑ ሓጢኣተኛታት ከኣ ይውግዱ ነበሩ። ካብ ውትህድርና ዀነ ፖለቲካ እተፈልዩ ነበሩ። (ነታ “እምነት እቶም ኣሕዋት ጋንታ ውሑዳን” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) እቶም ጋንታ ውሑዳት ነቲ ኣብታ ግብሪ ሓድነት ኣሕዋት ዝበሃል ጽሑፎም ዝርከብ ሓባራዊ ውሳነ ጠቢቖም ስለ ዝሰዓቡ: ንርእሶም ናይ ሓቂ ሰዓብቲ እቶም ቀዳሞት ሓድነት ኣሕዋት ገይሮም ይርእይዋ ነበሩ።

ብግህዶ ነቐፉ: መስጐጕቲ ድማ ወረዶም

እቶም ጋንታ ውሑዳን ንኻልኦት ሃይማኖታት: እንተላይ ንጋንታ ብዙሓን ብግህዶ ነቐፍዎም። ብዛዕባ እዞም ሃይማኖታት እዚኣቶም ከምዚ ኢሎም ጸሓፉ:- “ንስኻትኩም ንሕጻናት ገና ብርእሶም ከይኣመኑ ኽጥመቑ ትምህሩ: በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ ድዮኒስዮስ ዝበሃል ኣቡን ብገሊኣቶም ዓያሱ ሰባት ተለዓዒሉ ዘቘሞ ናይ ሕጻናት ጥምቀት ትስዕቡ . . . ኵሎም መምህራንን ውሩያት ናይ ሃይማኖት ምሁራንን: ሉተር: መላንኽቶን: ቡርሰሩስ: ኮርቪን: ጂለስ: ቡሊንገር: ከምኡውን . . . ጋንታ ብዙሓን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰኑን ዝገብሩ ዘለዉ።”

እቶም ጋንታ ውሑዳን በዚ ምኽንያት እዚ መስጐጕቲ እንተ ወረዶም እምበኣር ዘገርም ኣይኰነን። ብ1524 ሓደ ያን ካለነክ ዝበሃል መራሒኦም ተገርፈ: ብሓዊ ገይሮም ድማ ቈርበቱ ኣሕረርዎ። ጸኒሖም ንሰለስተ ኣባላት ጋንታ ውሑዳን ኣብ ዕንጸይቲ ሰቒሎም ኣቃጸልዎም። ጋንታ ውሑዳን ኣብ ከባቢ 1550 ድሕሪ ሞት እቲ ናይ መወዳእታ መራሒኦም ዝሃሰሱ እዮም ዝመስሉ።

ይኹን እምበር: ኣመንቲ ጋንታ ውሑዳን ኣብ ማእከላይ ዘመን ኣብተን ኣብ ኣውሮጳ ዝነበራ ሃይማኖታት ጽልዋ ገይሮም እዮም። ልክዕ እዩ: ኣብቲ ግዜ እቲ “ምስትውዓል” ወይ ናይ ሓቂ ፍልጠት ኣስፋሕፊሑ ብዘይምንባሩ: ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ መንፈሳዊ ጸልማት ክቕንጥጡ ኣይከኣሉን። (ዳንኤል 12:4) እንተዀነ ግን: ነታ ቐጣን መገዲ ንኽረኽብዋን ምጽራር እውን እናኣጋጠሞም ብእኣ ንኽመላለሱን ዝነበሮም ሓያል ባህጊ: ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ፍሉይ ኣቓልቦ ኽህብዎ ዘለዎም ጕዳይ እዩ።

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ካብቲ ኻብ 1500 ክሳዕ 1510 ኣብ ቦሂምያ (ቸክ) እተሓትመ 60 መጻሕፍቲ: እቲ 50 በቶም ሓድነት ኣሕዋት እተሓትመ ምንባሩ እዩ ዝንገር

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ሳጹን]

ጋንታ ብዙሓን እንታይ ኰኑ፧

ጋንታ ብዙሓን እንታይ ኰኑ፧ እቶም ጋንታ ውሑዳን ካብ ታሪኽ ምስ ጠፍኡ: እቶም ጋንታ ብዙሓን ሓድነት ኣሕዋት ዝብል ስም ሒዞም ከም ሃይማኖታዊ ምንቅስቓስ ቀጸሉ። ድሕሪ ግዜ እዞም ጕጅለ እዚኣቶም ነቲ ፈለማ ዝነበሮም እምነት ለወጥዎ። ኣብ መወዳእታ መበል 16 ዘመን: እቶም ሓድነት ኣሕዋት ምስ ዩትራኲስት a ቸክ ዝበሃሉ ኣቐዲሞም ሉተራውያን ዝነበሩ ጕጅለ ሕብረት ፈጠሩ። ይኹን እምበር: እቶም ሓድነት ኣሕዋት መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ኻልእ ሃይማኖታዊ መጻሕፍቲ ኣብ ምትርጓምን ኣብ ምሕታምን ንጡፋት ኰይኖም ቀጸሉ። ኣብ መጀመርታ ገጽ ናይ ጥንቲ ጽሑፋቶም እተን ነቲ ናይ ብሕቲ ስም ኣምላኽ ዝውክላ ቴትራግራማተን ዝበሃላ ኣርባዕተ ፊደላት እብራይስጢ ይጽሕፉ ምንባሮም ሓደ ኣቓልቦ ዝስሕብ ጕዳይ እዩ።

ብ1620 መንግስቲ ቸክ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ናይ ሮማ ካቶሊክ ንኽኣቱ ተገደደ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ሓያሎ ኣባላት ጋንታ ብዙሓን እቶም ሓድነት ኣሕዋት ካብታ ሃገር ለቒቖም ናብ ወጻኢ ብምኻድ ንጥፈታቶም ቀጸሉ። ኣብኡ ድማ እዚ ጕጅለ እዚ ቤተ-ክርስትያን ሞራቪያ (ሞራቪያ ኽፋል ቸክ እያ) ተባሂሎም ተጸውዑ: ክሳዕ ሕጂውን በዚ ይፍለጡ ኣለዉ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ካብ ዩትራኲ ዝብል “ነፍሲ ወከፍ ክልተ” ዝብል ናይ ላቲን ቃል ዝመጸ እዩ። እዞም ዩትራኲስት ዝበሃሉ (ካብ ሁሳውያን እተፈልዩ) ጕጅለ: ኣብ ቅዱስ ቍርባን ቅጫን ወይንን ንምእመናኖም ይህቡ ነበሩ። በዚ ዝመጸ ካብቶም ንምእመናኖም ወይኒ ኽሰትዩ ዘይፈቕዱሎም ዝነበሩ ናይ ሮማ ካቶሊክ ካህናት እተፈልዩ እዮም ነይሮም።

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ሳጹን]

እምነት እቶም ኣሕዋት ጋንታ ውሑዳን

እዚ ዝስዕብ ኣብ መበል 15ን 16ን ዘመን ኣብ ኣክታ ዩኒታቲስ ፍራትሩም ዝርከብ ሓሳባት ነቲ እቶም ጋንታ ውሑዳን ዝነበሮም ገለ እምነታት ዘርኢ እዩ። እቲ ብመራሕቲ ጋንታ ውሑዳን እተጻሕፈ ሓሳባት: ብቐዳምነት ናብቶም ጋንታ ብዙሓን ዘተኰረ እዩ ነይሩ።

ስላሴ:- “ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ደሊኹም: ከምቲ ሰባት ብሕልሞም ዝፈጠርዎ ኣምላኽ ስላሴ ብምዃን ሰለስተ እተፈላለየ ስም ዘለዎ ኣካላት ጌርካ ተገሊጹ ኣይትረኽቡን ኢኹም።”

መንፈስ ቅዱስ:- “መንፈስ ቅዱስ ኣጻብዕን ውህበትን ኣምላኽ: ወይ መጸናንዒ: ወይ እቲ ኣቦ ብክርስቶስ ኣቢሉ ንኣመንቲ ዝህቦም ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ከም ኣምላኽ ወይ ከም ሓደ ኣካል ጌርካ ኽጽዋዕ ከም ዘለዎ ዝገልጽ ሓሳባት ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይረኸብናን፣ ትምህርትታት ሃዋርያት እውን ከምኡ ኣይብልን እዩ።”

ክህነት:- “ብሓሶት “ካህን” ኢሎም መዓርግ ይህቡ፣ ርእስኻ ምልጻይን ቅብኣትን ሓዲግካ ግን ካብ ተራ ሰብ ዋላ ሓንቲ ክብ ዘብለካ ነገር የለን። ቅዱስ ጳውሎስ ‘ንስኻትኩም መንፈሳዊ መስዋእቲ እተቕርቡ ቅዱስ ክህነት ኢኹም’ ብምባል ኵሎም ክርስትያናት ካህናት ክዀኑ ጻውዒት ኣቕረበ። (1 ጴጥሮስ 2)”

ጥምቀት:- “ጐይታና ክርስቶስ ንሃዋርያቱ ‘ናብ ኵላ ዓለም ኪዱ: ንዝኣምን ዘበለ ብዘሎ ፍጥረት ስበኹሉ’ ኢሉ ነገሮም። (ማርቆስ ምዕራፍ 16) ድሕርዚ ቓላት እዚ ኸኣ እዩ ‘እተጠምቀ ክድሕን’ ምዃኑ እተዛረበ። ንስኻትኩም ግን ናይ ገዛእ ርእሶም እምነት ንዘይብሎም ሕጻናት ንኽጥመቑ ትምህሩ።”

ገለልትነት:- “ንዅሉ እቲ ቀዳሞት ኣሕዋትኩም ከም ሕማቕን ርኹስን ገይሮም ዝርእይዎ ዝነበሩ ወተሃደር ምዃንን ምቕታልን ኣጽዋር ተዓጢቕካ ምዛርን: ንስኻትኩም ከም ጽቡቕ ጌርኩም ትርእይዎ ኣለኹም። . . . ስለዚ: ንስኻትኩም ኰንኩም ካልኦት መምህራን እቲ ‘ናይ ቀስቲ ፍላጻ: ዋልታን ሰይፍን መሳርያ ውግእን ሰባበረ’ ዝብል ትንቢታዊ ቓላት ምሉእ ብምሉእ ኣይተረድኣኩምን። (መበል 75 መዝሙር [ኣብ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ መበል 76 መዝሙር]) ኣብ ርእሲ እዚውን መጽሓፍ ቅዱስ ‘ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ: ኣብ ኵሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ሓደ እኳ እከይን ጕድኣትን ዚገብር ኣይኪህሉን እዩ’ ይብል። (ኢሳይያስ ምዕራፍ 11)”

ስብከት:- “ኣብ ፈለማ: ኣንስቲ ኻብ ኵሎም እዞም ካህናትን ኣቡንን ንላዕሊ ንብዙሓት ናብ ንስሓ ኸም ዘምጽኣ ንፈልጥ ኢና። ሕጂ ኸኣ ካህናት ኣብ ቦታኦምን ኣብ መንበሪኦምን እዮም ተቐሚጦም ዘለዉ። እዝስ ከመይ ዝበለ ጌጋ ዀን እዩ! ናብ ኵላ ዓለም ኪዱ: ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹሉ።”

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ጀርመን

ፖላንድ

ሪፓብሊክ ቸክ

ቦሂምያ

ፈለግ ኢልበ

ፕራግ

ፈለግ ቪታቫ

ክላቶቪ

ቸልቺሰ

ኩንቫልት

ቪለሞቭ

ሞራቪያ

ፈለግ ዳኑዩብ

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ጸጋም:- ፒተር ኸልቺዝኪ፣ ታሕቲ:- ሓደ ገጽ ናይታ “መርበብ እምነት”

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ግረጎሪ ብዓል ፕራግ

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

All images: S laskavým svolením knihovny Národního muzea v Praze, C̆esko