ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንመዓልቲ የሆዋ እተዳሎኻ ኹን

ንመዓልቲ የሆዋ እተዳሎኻ ኹን

ንመዓልቲ የሆዋ እተዳሎኻ ኹን

“ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ: ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ።”—ማቴዎስ 24:44

1. መዓልቲ የሆዋ ኸተገድሰና ዝግባእ ስለምንታይ እያ፧

 እታ “ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ” የሆዋ: መዓልቲ ዂናትን ቍጥዓን: መዓልቲ መከራን ጸበባን: መዓልቲ ጸልማትን ምብዳምን ክትከውን እያ። ከምቲ ማይ ኣይሂ ነታ ብግዜ ኖህ ዝነበረት እክይቲ ዓለም ዘጥፍኣ: እታ መዓልቲ እቲኣ ነዚ እኩይ ኣገባብ ንምጥፋእ ብርግጽ ክትመጽእ እያ። ካብኣ ዘምልጥ የለን። እንተዀነ ግን: “ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድሕን እዩ።” (ዮኤል 2:30-32፣ ኣሞጽ 5:18-20) ኣምላኽ ንጸላእቱ ኽድምስሶም: ንህዝቡ ድማ ከድሕኖም እዩ። ነብዪ ጸፎንያስ ብናይ ህጹጽነት ስምዒት “እታ ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር: . . . ቀሪባ: ቀሪባ እያ: ኣዝያ ኸኣ ትቕልጥፍ አላ” በለ። (ጸፎንያስ 1:14) መዓስ ግን እዩ ኣምላኽ ፍርዱ ዝፍጽም፧

2, 3. ንመዓልቲ የሆዋ ተዳሊና ኽንጸንሕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

2 የሱስ “ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ: መላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ: ዚፈልጣ የልቦን” በለ። (ማቴዎስ 24:36) እቲ ልክዕ ግዜ ስለ ዘይንፈልጦ: ነታ “ንቕሑ . . . እተዳሎኹም ኩኑ” እትብል ናይ 2004 ዓመታዊት ጥቕሲ ኣብ ልብና ኸነሕድራስ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ።—ማቴዎስ 24:42, 44

3 የሱስ እቶም ተዳልዮም ዝጸንሑ ብሃንደበት ናብ ድሕነት ክእከቡ ኸለዉ እቶም ካልኦት ከኣ ከም ዝጥንጠኑ ኸምዚ ዝስዕብ ብምባል ገለጸ:- “ኽልተ ኣብ ግራት ኪዀኑ እዮም: እቲ ሓደ ኺውሰድ: እቲ ሓደ ኸኣ ኪሕደግ እዩ። ክልተ ኣንስቲ ኣብ መጥሓን ኪጥሕና እየን: ሓንቲ ኽትውሰድ: ሓንቲ ድማ ክትሕደግ እያ።” (ማቴዎስ 24:40, 41) ነቲ ወሳኒ እዋን ከመይ ኴንና ኢና ኽንጸንሖ፧ ድሉዋት ኴንና ዲና ኽንጸንሕ: ወይስ እታ መዓልቲ ብሃንደበት እያ ኽትመጸና፧ እዚ ብዓብዪኡ ኣብዚ ሕጂ እንወስዶ ስጕምትታት እተመርኰሰ እዩ። ንመዓልቲ የሆዋ እተዳሎና ንምዃን ኣብዚ ግዜና ሰፊኑ ዘሎ እተወሰነ ኣረኣእያ ኸነወግድ: ናብ ሕማቕ መንፈሳዊ ዅነታት ንኸይንወድቕ ክንጥንቀቕ: ከምኡውን ካብ ዘየድሊ ዓይነት ኣነባብራ ኽንርሕቕ ኣሎና።

ግዲ ዘይብሉ ኣይትኹን

4. ብግዜ ኖህ ዝነበሩ ሰባት እንታይ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎም፧

4 ብግዜ ኖህ ዘጋጠመ እስከ ንርአ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኖህ ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተራእየ ነገር ራእይ ምስ ረአየ: ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ብእምነት እዩ ንምድሓን ቤቱ እትኸውን መርከብ ዘዳለወ” ይብል። (እብራውያን 11:7) እታ መርከብ ዘይተለምደትን ኵሉ ዝርእያን እያ ነይራ። ኣብ ርእሲ እዚውን ኖህ “ሰባኽ ጽድቂ” እዩ ነይሩ። (2 ጴጥሮስ 2:5) ኖህ ዝፍጽሞ ዝነበረ ፕሮጀክት ኰነ ስብከቱ ነቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰባት ኣካይዳኦም ንክቕይሩ ኣይደረኾምን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ “ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ።” እቶም ኖህ ዝሰበኸሎም ሰባት ኣብ ብሕታዊ ዋኒኖምን ተድላኦምን እተዋሕጡ ስለ ዝነበሩ: “ማይ ኣይሂ መጺኡ: ንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን።”—ማቴዎስ 24:38, 39

5. እቶም ብግዜ ሎጥ ዝነበሩ ተቐማጦ ሶዶም ከመይ ዝበለ ኣመለኻኽታ እዩ ነይርዎም፧

5 ብግዜ ሎጥ እውን ተመሳሳሊ እዩ ኣጋጢሙ። ቅዱሳት ጽሑፋት “ይበልዑን ይሰትዩን ይሸጡን ይሻየጡን ይተኽሉን ይሀንጹን ነበሩ። በታ ሎጥ ካብ ሶዶም ዝወጸላ መዓልቲ ድማ ካብ ሰማይ ሓውን ዲንን ወረደ: ንዅሉ ኸኣ ኣጥፍኤ” ይብለና። (ሉቃስ 17:28, 29) መላእኽቲ ንሎጥ ብዛዕባ እቲ ኣንጸላልዩ ዝነበረ ጥፍኣት ምስ ኣጠንቀቕዎ: ንሰብኡት ደቁ ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ዝነበረ ጥፍኣት ነገሮም። ንሳቶም ግን “ይዋዘ ኸም ዘሎ መሲሉ ተራእዮም።”—ዘፍጥረት 19:14

6. እንታይ ኣረኣእያ ኢና ኸነወግድ ዘሎና፧

6 የሱስ ከምቲ ብግዜ ኖህን ብግዜ ሎጥን ዝዀነ: “ምጽኣት ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ” በለ። (ማቴዎስ 24:39፣ ሉቃስ 17:30) ሎሚውን ብዙሓት ግዲ የብሎምን። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣመለኻኽታ ንኸይጸልወና ኽንጥንቀቕ ኣሎና። ጽቡቕ መግቢ ብመጠኑ ምምጋብን መስተ ብዓቐን ምስታይን ጌጋ የብሉን። መርዓ እውን ኣምላኽ ዝገበሮ ምድላው እዩ። እንተዀነ ግን: እዚ ነገራት እዚ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት እንተ ሒዙን ንመንፈሳዊ ነገራት ከኣ ዕሽሽ እንተ ኢልናዮን: ብውልቅና ንመዓልቲ የሆዋ እተዳሎና ኢና ኽንብል ንኽእልዶ፧

7. ሓደ ስራሕ ቅድሚ ምጅማርና እንታይ ሕቶ ኢና ንርእስና ኽንሓትት ዘሎና: ስለምንታይከ፧

7 ሃዋርያ ጳውሎስ “እቲ ዘመን ሓጺር እዩ: እቶም ኣንስቲ ዘለዋኦም ድሕርዚ ኸም ዜብሎም ይኹኑ” በለ። (1 ቈረንቶስ 7:29-31) ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ንምፍጻም እተወሰነ ግዜ ጥራይ እዩ ተሪፉና ዘሎ። (ማቴዎስ 24:14) ጳውሎስ ንሰብ ሓዳር ኣብ ንሓድሕዶም ኣመና ኻብ ምትኳር እተላዕለ: ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ካልኣይ ቦታ ንኸይህብዎ እዩ ምዒዱ። ዕሽሽ በሃልቲ ንኸይኰኑ ኸም እተማሕጸነ እውን ንጹር እዩ። የሱስ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም” በለ። (ማቴዎስ 6:33) ዝዀነ ይኹን ውሳነ ኽንገብር ከለና ወይ ሓደ ስራሕ ቅድሚ ምጅማርና: ንርእስና ‘እዚ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ኣብ ምሃብ ብኸመይ ይጸልወኒ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና።

8. ቀንዲ ዘገድሰና ጕዳይ መዓልታዊ ናብራና እንተ ዀይኑ: እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

8 መንፈሳዊ ነገራት ዕሽሽ ክሳዕ ዝበሃል ኣብ መዓልታዊ ናብራና ተዋሒጥና ኸም ዘለና እንተ ኣስተብሂልናኸ እንታይ ኢና እንገብር፧ ኣብ መንጎ ኣነባብራናን ኣነባብራ እቶም ርጡብ ፍልጠት ቅዱሳት ጽሑፋት ዘይብሎም ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘይኰኑ ጐረባብትናን ፍልልይ ዝበሃል ዳርጋ የለን ድዩ፧ ከምዚ እንተ ዀይኑ: ነዚ ኽንጽልየሉ ኣሎና። የሆዋ ቕኑዕ ኣረኣእያ ንኽህልወና ከኽእለና እዩ። (ሮሜ 15:5፣ ፊልጲ 3:15) ንመንግስቲ ኣምላኽ ንኸነቐድም: ቅኑዕ ዘበለ ንኽንገብር: ከምኡውን ንዕኡ ዘሎና ግዴታ ንኽንፍጽም ክሕግዘና ይኽእል እዩ።—ሮሜ 12:2፣ 2 ቈረንቶስ 13:7

ብመንፈስ ትኽስ ኣይትበል

9. ብመሰረት ራእይ 16:14-16 ብመንፈስ ትኽስ ንኸይንብል ክንጥንቀቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

9 እታ ብዛዕባ እታ ኣብታ “ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ” ዝግበር ውግእ ኣርማጌዶን እትገልጽ ትንቢት: ገሊኣቶም ንቑሓት ኰይኖም ከም ዘይጸንሑ ተጠንቅቕ እያ። ጐይታና የሱስ ክርስቶስ “እንሆ: ከም ሰራቒ እመጽእ አሎኹ። ጥራዩ ምእንቲ ኸይከይድ ንሕፍረቱውን ከይርእይዎ: እቲ ዚነቅሕ ክዳኑውን ዚእርንብ ብጹእ እዩ” በለ። (ራእይ 16:14-16) እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ኽዳን: ነቲ ኸም ክርስትያናት ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን መለለዪና ዝዀነ ነገር እዩ ዘመልክት። እዚ ድማ ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ክርስትያናዊ ኣካይዳናን ዘጠቓልል እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ እንተ ደቂስና: ክርስትያናዊ መለለዪና ኽንሕደግ ኢና። እዚ ዘሕፍርን ሓደገኛን እዩ። ብመንፈስ ትኽስ ከይንብል ወይ ከይንብዕዝዝ ክንጥንቀቕ ኣሎና። ከመይ ጌርና ኢና ኻብ ኸምዚ ዝዓይነቱ ዅነታት ክንጥንቀቕ እንኽእል፧

10. መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስ ንቑሓት ኴንና ንኽንቅጽል ዝሕግዘና ስለምንታይ እዩ፧

10 መጽሓፍ ቅዱስ ንቑሓትን ጥንቁቓትን ንኽንከውን ብተደጋጋሚ እዩ ዘጕልሕ። ንኣብነት: ወንጌላት “ንቕሑ” (ማቴዎስ 24:42፣ 25:13፣ ማርቆስ 13:35, 37)፣ “እተዳሎኹም ኩኑ” (ማቴዎስ 24:44፣ ሉቃስ 12:40)፣ “ተጠንቀቑ: ንቕሑ” (ማርቆስ 13:33) ብምባል የዘኻኽረና እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ መዓልቲ የሆዋ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብዘይተሓስበ ኽትመጽእ ምዃና ምስ ጠቐሰሎም ኣስዕብ ኣቢሉ: “ደጊም ንንቃሕን ንጠንቀቕን እምበር: ከምቶም ካልኦት ኣይንደቅስ” በሎም። (1 ተሰሎንቄ 5:6) ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ: እቲ ኽብሪ ዝረኸበ ክርስቶስ የሱስ “ቀልጢፈ እመጽእ አሎኹ” ብምባል ብሃንደበት ከም ዝመጽእ ኣጕልሐ። (ራእይ 3:11፣ 22:7, 12, 20) ብዙሓት እብራውያን ነብያት እውን ብዛዕባ እታ ዓባይ መዓልቲ ፍርዲ የሆዋ ገሊጾምን ኣጠንቂቖምን እዮም። (ኢሳይያስ 2:12, 17፣ ኤርምያስ 30:7፣ ዮኤል 2:11፣ ጸፎንያስ 3:8) ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ መዓልታዊ ምስ እነንብቦን ምስ እነስተንትነሉን: ብመንፈስ ንቑሓት ኴንና ንኽንቅጽል ብዙሕ እዩ ዝሕግዘና።

11. ብመንፈስ ንቑሓት ንኽንከውን ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

11 እወ: በቲ እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዘዳለዎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ጌርና ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብትግሃት ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ምግባርሲ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ብመንፈስ ዘነቓቕሓና! (ማቴዎስ 24:45-47) ናይ ብሕቲ መጽናዕትና ፍረ ዘለዎ ክኸውን እንተ ዀይኑ ግን: ቀጻልን እናተመሓየሸ ዝኸይድን ክኸውን ኣለዎ። (እብራውያን 5:14–6:3) ኣዘውቲርና ዕጹም መንፈሳዊ ብልዒ ኽንምገብ ኣሎና። ኣብዚ ግዜና ነዚ ዝኸውን ግዜ ምርካብ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። (ኤፌሶን 5:15, 16) ኰይኑ ግን: መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ጽሑፋትን ኣብ ዝምሽኣና ግዜ ጥራይ ምንባብ እኹል ኣይኰነን። ‘ብእምነት ጥዑያትን’ ንቑሓትን ኴንና ኽንቅጽል እንተደኣ ደሊና: ስሩዕ ብሕታዊ መጽናዕቲ ኣገዳሲ እዩ።—ቲቶስ 1:13

12. ክርስትያናት ዝገብርዎ ሰሙናዊ ኣኼባታትን ዓበይቲ ኣኼባታትን ብመንፈስ ትኽስ ንኸይንብል ዝሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

12 ክርስትያናት ዝገብርዎ ሰሙናዊ ኣኼባታትን ዓበይቲ ኣኼባታትን እውን ብመንፈስ ትኽስ ንኸይንብል ይሕግዘና። ብኸመይ፧ በቲ ኣብኡ እንረኽቦ ትምህርቲ ኣቢሉ እዩ ዝሕግዘና። ኣብዚ ኣኼባታት እዚ መዓልቲ የሆዋ ኸም ዝቐረበት ወትሩ ንዘኻኸርዶ ኸይኰንና፧ ክርስትያናት ዝገብርዎ ሰሙናዊ ኣኼባታት “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና” ንኸነስትብህል ኣጋጣሚ ይኸፍተልና። ከምዚ ዝኣመሰለ ምንቕቓሕ ወይ ምልዕዓል ብመንፈስ ንቑሓት ንኽንከውን ሓጋዚ እዩ። ስለዚ እምበኣር ‘እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ ኽንርኢ ኸለና’ ኣዘውቲርና ኽንእከብ ትእዛዝ እንተ ተዋህበና ዘገርም ኣይኰነን።—እብራውያን 10:24, 25

13. ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ብመንፈስ ንቑሓት ንኽንከውን ዝሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

13 ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ብምሉእ ልብና ምስ እንሳተፍ እውን ንቑሓት ንኽንከውን ይሕግዘና እዩ። እቲ ትእምርቲ ዘመናትን ትርጕሙን ንኻልኦት ሰባት ከም ምንጋር ገይሩ ዅሉ ሳዕ ንኽንዝክሮ ዘኽእለና ነገር የለን። እቶም ምሳና መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዑ ሰባት ዕቤት ክገብሩን ነቲ እተማህርዎ ኣብ ግብሪ ኸውዕልዎን ክንርኢ ኸለና: እቲ ናይ ህጹጽነት ስምዒትና ይለዓዓል እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ‘ሓቛቝ ልቡኹም ተዓጠቑ: ተጠንቀቑውን’ በለ። (1 ጴጥሮስ 1:13) ብመንፈስ ንኸይንፈዝዝ “ብዕዮ ጐይታ . . . ኵሉ ጊዜ ዕዙዛት” ክንከውን ኣሎና።—1 ቈረንቶስ 15:58

ብመንፈስ ካብ ዝጐድኣካ ኣነባብራ ርሓቕ

14. ከምቲ ኣብ ሉቃስ 21:34-36 ተገሊጹ ዘሎ: የሱስ ካብ እንታይ ዓይነት ኣነባብራ ንኽንርሕቕ እዩ ኣጠንቂቑና፧

14 የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ብዓይኒ ዘይርአ ህላወኡ ዝገልጽ ዘደንቕ ትንቢቱ: ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ሓደ ኻልእ መጠንቀቕታ ሂቡ ኣሎ:- “እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኵላ ዝባን ምድሪ ንዚነብሩ ዘበሉ ኸም መፈንጠራ ኽትበጽሖም እያ እሞ: ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ: እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ: ንነፍስኹም ተጠንቀቑ። ስለዚ ኻብዚ ዚመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላቝን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ኽትረኽቡስ: ኵሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ።” (ሉቃስ 21:34-36) የሱስ ነቲ ሰባት ብሓፈሻ ዘለዎም ዓይነት ኣነባብራ ብልክዕ እዩ ገሊጽዎ። ስስዐን ስኽራንን ጭንቀት ዘምጽእ ናብራን ኣስፋሕፊሑ እዩ ዘሎ።

15. ኣብ ብልዒ ዀነ መስተ ኻብ መጠንና ኽንሓልፍ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

15 ስስዐን ስኽራንን ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሰማማዕ ብምዃኑ: ካብኡ ኽንርሕቕ እዩ ዘሎና። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብ ማእከል ሰተይቲ ወይኒ: ኣብ ማእከል ህሩፋት በላዕቲ ስጋ ኣይትኹን” ይብል። (ምሳሌ 23:20) እንተዀነ ግን: ብልዒ ዀነ መስተ ኻብ መጠን ንላዕሊ ምስ ኰነ ጥራይ ኣይኰነን ኣብ ሓደጋ ዘእትወና። ገና መጠንና ኸይሓለፍና ኸለና እውን ከባዕዝዘናን ሃካያት ክገብረናን ይኽእል እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓደ ምሳሌ “ነፍሲ ሃካይ ሃረር ትብል እሞ ገለ ኣይትረክብን” ይብል። (ምሳሌ 13:4) ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ፍቓድ ኣምላኽ ክገብር ዝደሊ እኳ እንተዀነ: ብሰንኪ ሸለልትነቱ ግን ድሌቱ ኣይፍጸምን እዩ።

16. ንስድራቤትና ብዝምልከት ብጭንቀት ንኸይንወሓጥ ብኸመይ ክንጥንቀቕ ንኽእል፧

16 እቲ የሱስ መጠንቀቕታ ዝሃበሉ ሓልዮት ሓዳር እንታይ እዩ፧ እዚ ብዛዕባ እቲ ብብሕቲ ዘገድሰናን ንስድራቤትና ዘድልዮምን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ምጭናቕ ዘጠቓልል እዩ። እዚ ነገራት እዚ ንልብና ኽሳዕ ዝኸብዶ ምፍቃድስ ክሳዕ ክንደይ ዘይጥበባዊ ዀን እዩ! የሱስ “ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቝመቱ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን አሎ፧” ኢሉ ሓተተ። ንሰማዕቱ “እንታይ ንበልዕ: እንታይ ንሰቲ: እንታይ ንኽደን፧ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ነዚ ዅሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ: ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም: ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ” ብምባል መዓደ። ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ምስ እንህብን የሆዋ ዘድልየና ኸም ዘማልኣልና ምስ እንተኣማመንን ንጭንቀትና ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ኣእቲና ንቑሓት ኴንና ንኽንቅጽል የኽእለና።—ማቴዎስ 6:25-34

17. ደድሕሪ ስጋዊ ነገራት ምጕያይ ጭንቀት ከምጽኣልና ዝኽእል ብኸመይ እዩ፧

17 ደድሕሪ ስጋዊ ነገራት ብምጕያይ እውን ባዕልና ጭንቀት ከነምጽእ ንኽእል ኢና። ንኣብነት: ገሊኣቶም ልዕሊ ዓቕሞም ብምንባር ንናብራኦም ይሓላልኽዎ እዮም። ገሊኣቶም ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ የሀብትም እዩ ዝበሃል ሜላታትን ብዙሕ ሓደጋ ዘለዎ ወፍርን ይሓብሎም እዩ። ብዙሕ ኣታዊ ንኽረኽቡ ኢሎም ዓለማዊ ትምህርቲ መፈንጠራ ዝዀኖም እውን ኣለዉ። እተወሰነ ደረጃ ትምህርቲ ስራሕ ንምርካብ ኣድላዪ ምዃኑ ዘይክሓድ እኳ እንተዀነ: ገሊኣቶም ግን ዝለዓለ ትምህርቲ ንኽመሃሩ ኢሎም ብዙሕ ግዜ ብምጥፋኦም: ብመንፈስ ተጐዲኦም እዮም። መዓልቲ የሆዋ እናቐረበት ኣብ እትመጸሉ ዘላ እዋን ከምዚ ኢልካ ምጽናሕስ ክሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ዀን እዩ! መጽሓፍ ቅዱስ “እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን: ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ” ብምባል እዩ ዘጠንቅቐና።—1 ጢሞቴዎስ 6:9

18. ብፍቕረ-ንዋይ ንኸይንስሓብ እንታይ ክእለት ኢና ኸነማዕብል ዘሎና፧

18 ሓደ ኻብቲ ብፍቕረ-ንዋይ ንኸይንስሓብ ዘኽእለና ረቛሒታት: ውሳነታት ኣብ እንገብረሉ እዋን ቅኑዕን ጌጋን ናይ ምፍላይ ክእለትና ምምዕባል እዩ። እዚ ኽእለት እዚ: ኣዘውቲርና ነቲ ‘ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኦም ዘላምዱ ብጹሓት ዝኸውን ዕጹም ብልዒ’ ብምምጋብ ከነማዕብሎ ንኽእል ኢና። (እብራውያን 5:13, 14) ቀዳምነት ብዛዕባ እንህቦ ነገራት ክንሓስብ ከለና: “እቲ ዚሐይሽ” ምምርማር ግጉይ ምርጫታት ንኸይንገብር ዕቝባ ክዀነና ይኽእል እዩ።—ፊልጲ 1:10

19. ንመንፈሳዊ ነገራት እኹል ግዜ ኸም ዘይብልና እንተ ኣስተውዒልና: እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

19 ፍቕረ-ንዋይ ብዝመልኦ ኣነባብራ ምምልላስ ንመንፈሳዊ ነገራት ግዜ ዝውሕደና ወይ ግዜ ዘይብልና ብምግባር ከዑረና ይኽእል እዩ። ርእስና ኽንምርምርን ኣብ ከምዚ ዓይነት ኣነባብራ ንኸይንወድቕ ክንጥንቀቕ እንኽእልን ብኸመይ ኢና፧ ንናብራና ብኸመይን ክሳዕ ክንደይን ቀሊል ክንገብሮ ኸም እንኽእል ብጸሎት ክንሓስበሉ ኣሎና። ናይ ጥንታዊት እስራኤል ንጉስ ዝነበረ ሰሎሞን “እቲ ዓያዪ ብዙሕ ወይስ ሒደት እንተ በልዔ: ጥዑም ድቃስ ይድቅስ: ንሃብታም ግና ጽጋቡ ኣየደቅሶን” በለ። (መክብብ 5:12) ንዘየድሊ ስጋዊ ጥሪት ንምክንኻን ብዙሕ ግዜናን ጕልበትናን ነጥፍእ ዲና፧ ዝያዳ ብዘጥረና መጠን: ዝያዳ ኽንክን ክንገብርን መድሕን ክንኣቱን ሓለዋ ኽንገብርን የድልየና። ንገሊኡ ጥሪት ብምንካይ ናብራና ቐሊል እንተ ጌርናዮ: ንጥቕምና ደዀን ክኸውን ይኽእል፧

ብእተኻእለካ መጠን እተዳሎኻ ኹን

20, 21. (ሀ) ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ መዓልቲ የሆዋ እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ዝሃበ፧ (ለ) ንመዓልቲ የሆዋ እተዳሎና ንምዃን እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

20 እታ ብግዜ ኖህ ዝነበረት ዓለም ጠፊኣ እያ: እዚ ሕጂ ዘሎ ኣገባብ እውን ክጠፍእ እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ “መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ: ብእኣ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺሐልፍ እዩ: ፍጥረት ሰማይ ብረስኒ ኺመክኽ: ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ኪነድድ እዩ” ብምባል የረጋግጸልና። እዞም ብሰማያት ተመሲሎም ዘለዉ እኩያት መንግስታት ኰኑ: እዞም ብምድሪ ተመሲሎም ዘለዉ ኻብ ኣምላኽ ዝረሓቑ ደቅሰብ ካብቲ ዝነድድ ቍጥዓ ኣምላኽ ኣይከምልጡን እዮም። ጴጥሮስ ነታ መዓልቲ እቲኣ ብኸመይ ተዳሊና ኽንጸንሕ ከም እንኽእል ክሕብር ከሎ: “ደጊም እዚ ዅሉ ዚፈላለ ኻብ ኰነ . . . ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸቤኹምዎን እናኣቐልጠፍኩምዎን ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም” በለ።—2 ጴጥሮስ 3:10-12

21 ኣዘውቲርና ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብናን ነቲ ብስራት ምስባኽናን ምስቲ ብፍርሃት ኣምላኽ እንፍጽሞ ተግባር እዩ ዝቝጸር። እምበኣር ነታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ብትዕግስቲ እናተጸበና: ካብቲ ንኣምላኽ ዘሎና ልባዊ ተወፋይነት ተበጊስና ነዚ ንፈጽሞ። ‘ብዘይነውርን ብዘይ መንቅብን ብሰላም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንርከብ ንጋደል።’—2 ጴጥሮስ 3:14

ትዝክሮዶ፧

• ንመዓልቲ የሆዋ እተዳሎና ኽንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• ቀንዲ ዘገድሰና ጕዳይ እቲ ልሙድ መዓልታዊ ናብራና እንተ ዀይኑ: እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

• ብመንፈስ ትኽስ ንኸይንብል ዝሕግዘና እንታይ እዩ፧

• ካብ ምንታይ ጐዳኢ ኣነባብራ ኢና ኽንርሕቕ ዘሎና: ስለምንታይከ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ብግዜ ኖህ ዝነበሩ ሰባት ጥፍኣት ኣንጸላልዩ ኸም ዝነበረ ኣየስተውዓሉን—ንስኻኸ፧

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ንመንፈሳዊ ነገራት ዝያዳ ግዜ ምእንቲ ኽህልወካ ናብራኻ ቐሊል ክትገብሮ ትኽእልዶ፧