ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ሰብኣውያን ስድራቤት የሱስ እንረኽቦ ትምህርቲ

ካብ ሰብኣውያን ስድራቤት የሱስ እንረኽቦ ትምህርቲ

ካብ ሰብኣውያን ስድራቤት የሱስ እንረኽቦ ትምህርቲ

ብዛዕባ እቶም የሱስ ኣብ መጀመርታ 30 ዓመት ምድራዊ ህይወቱ ምሳታቶም ሓቢሩ ዝነበረ ስድራቤቱ እንታይ ትፈልጥ፧ ወንጌላት እንታይ እዩ ዝነግረና፧ ብዛዕባ ስድራቤቱ ምስ እንምርምር እንታይ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧ ካብ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ጥቕሚ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።

የሱስ ካብ ሃብታማት ስድራቤት ድዩ ተወሊዱ፧ ኣይፋሉን: እቲ ዮሴፍ ዝበሃል ዘዕበዮ ኣቦኡ ጸራቢ እዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ኣግራብ ምቝራጽ እውን ዘጠቓልል ከቢድ ጻዕሪ ዝመልኦ ዕዮ እዩ ነይሩ። የሱስ ምስ ተወልደ 40 መዓልቲ ዝኸውን ጸኒሖም እቶም ሰብኣውያን ወለዱ ናብ የሩሳሌም ብምኻድ ከምቲ ብሕጊ ሙሴ እተሓገገሎም መስዋእቲ ኣቕረቡ። ከምቲ እቲ ሕጊ ዝጠልቦ ሓደ ገንሸል ከምኡውን ሓንቲ ባሬቶ ወይ ርግቢ ድዮም ኣቕሪቦም፧ ኣይፋሎምን። ካብቲ ዅነታት ከም እንርእዮ ነዚ መስዋእትታት እዚ ከቕርቡ ዓቕሞም ዘፍቅደሎም ኣይነበሩን። እንተዀነ ግን: እቲ ሕጊ ንድኻታት ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ ነይሩ። ምስዚ ብምስምማዕ ዮሴፍን ማርያምን “ክልተ ባሬቶ ወይስ ክልተ ጫጩት ርግቢ” ንመስዋእቲ ኣቕረቡ። ዝሓሰራ እንስሳታት ምምራጾም ድኻታት ምንባሮም እዩ ዘርኢ።—ሉቃስ 2:22-24፣ ዘሌዋውያን 12:6, 8

እቲ ኣብ መጻኢ ንዅሎም ደቅሰብ ገዛኢኦም ዝኸውን የሱስ ክርስቶስ ካብቶም መሰረታዊ ዘድልዮም ነገራት ንምምእራር ኣበርቲዖም ዝዓዩ ትሑታት ስድራቤት ከም እተወልደ ኽንግንዘብ ንኽእል ኢና። ከምቲ እቲ ዘዕበዮ ኣቦኡ ድማ ጸራቢ ዀይኑ እዩ ዓብዩ። (ማቴዎስ 13:55፣ ማርቆስ 6:3) የሱስ ኣብ ሰማይ ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር ኣብ ዝነበረሉ እዋን “ሃብታም” እኳ እንተ ነበረ: መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝገልጾ ግን ምእንታና “ደኸየ።” ርእሱ ኣሕሲሩ ሰብ ብምዃን ምስ ተራ ስድራቤት ዓበየ። (2 ቈረንቶስ 8:9፣ ፊልጲ 2:5-9፣ እብራውያን 2:9) የሱስ ካብ ርኹባት ስድራቤት ኣይተወልደን: እዚ ድማ ገሊኣቶም ንክቐርብዎ ኸም ዝፈዅሶም ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ክብ ዝበለ ደረጃ ወይ ቦታ ሒዙ ብዘይምምጻኡ ዕንቅፋት ኣይኰኖምን። ብትምህርትታቱ: በቲ ዝስሕብ ባህርያቱ: ከምኡውን በቲ ዘደንቕ ግብርታቱ እዮም ኣኽቢሮምዎ። (ማቴዎስ 7:28, 29፣ 9:19-33፣ 11:28, 29) የሆዋ ኣምላኽ ንየሱስ ካብ ተራ ስድራቤት ከም ዝውለድ ብምግባሩ: ንጥበቡ ኸነስተብህለላ ንኽእል ኢና።

ሕጂ እምበኣር ብዛዕባ ኣባላት ስድራቤት የሱስ ንመርምር: እንታይ ትምህርቲ ኸም እንረክብ ድማ ንርአ።

ዮሴፍ ጻድቕ ሰብኣይ ነበረ

ዮሴፍ ምስ ሕጽይቱ “ከይተራኸቡ” ጠኒሳ ምስ ረኸባ: ኣብ መንጎ እቲ ንማርያም ዝነበሮ ፍቕርን ኣብ መንጎ እቲ ንጾታዊ ርኽሰት ዝነበሮ ኽቱር ጽልእን ተቐርቂሩ ክኸውን ኣለዎ። ናይ መጻኢ ሰብኣያ ኸም ምዃኑ መጠን ዝነበሮ መሰል እተጣሕሰ እዩ ዝመስል ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሓንቲ እተሓጽየት ጓል ንሕጹያ ኸም ሰበይቱ ጌርካ እያ እትርአ ነይራ። ዮሴፍ ነዊሕ ድሕሪ ምሕሳብ: ማርያም ዘማዊት ተባሂላ ብዳርባ እምኒ ምእንቲ ኸይትቕተል: ብምስጢር ክፈትሓ ወሰነ።—ማቴዎስ 1:18፣ ዘዳግም 22:23, 24

ድሕርዚ መልኣኽ ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዮ እሞ “እቲ ሕጽይትኻ ማርያም ጠኒሳቶ ዘላ ኻብ መንፈስ ቅዱስ እዩ እሞ: ንምውሳዳ ኣይትፍራህ። ወዲ ኽትወልድ እያ: ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም እዩ እሞ: ስሙ የሱስ ክትሰምዮ ኢኻ” በሎ። ዮሴፍ ነዚ መምርሒ እዚ ኻብ ኣምላኽ ምስ ተቐበለ: ከምቲ እተባህሎ ገበረ: ንማርያም ድማ ናብ ቤቱ ወሰዳ።—ማቴዎስ 1:20-24

እዚ ጻድቕን እሙንን ሰብኣይ እዚ: ነዚ ውሳነ እዚ ብምግባሩ ኣብ ፍጻመ እቲ የሆዋ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ “እንሆ: ድንግል ክትጠንስ: ወዲ ኸኣ ክትወልድ እያ: ስሙውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ እያ” ብምባል እተነበዮ ትንቢት እጃሙ ኣበርከተ። (ኢሳይያስ 7:14) እቲ ማርያም እትወልዶ በዅሪ ወዳ: ውላዱ እኳ እንተ ዘይኰነ: መዕበዪ እቲ መሲህ ብምዃን ንዝረኸቦ ፍሉይ ናይ ኣቦነት መሰል ዘማሰወ መንፈሳዊ ሰብኣይ ምንባሩ እተረጋገጸ እዩ።

ማርያም ንወዳ ኽሳዕ እትወልድ ዮሴፍ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ኣይፈጸመን። (ማቴዎስ 1:25) ነቶም ሓደስቲ ምርዑዋት ዝነበሩ ሰብ ሓዳር ጾታዊ ርክብ ከይፈጸሙ ኽጸንሑ ኸቢድዎም ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ዝገበሩ ኸኣ ኣቦ እቲ ሕጻን መን ምዃኑ ግጉይ ምርዳእ ክፍጠር ብዘይምድላዮም እዩ ክኸውን ዘለዎ። እዝስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዘደንቕ ርእስኻ ናይ ምግታእ ኣብነት ኰን እዩ! ዮሴፍ ካብ ተፈጥሮኣዊ ባህግታቱ ንላዕሊ ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ይህብ ነበረ።

ዮሴፍ ብዛዕባ እቲ ዘዕብዮ ዝነበረ ወዲ ኣብ ኣርባዕተ ኣጋጣሚታት ብመልኣኽ መልእኽቲ ተዋህቦ። ሰለስተ ኻብዚ ነቲ ወዲ ኣበይ ከም ዘዕብዮ ብዝምልከት እዩ ነይሩ። እቲ ሕጻን ንኽድሕን ዮሴፍ ውዓል ሕደር ከይበለ ንእተዋህቦ መምርሒ ኽእዘዝ ነበሮ። ኣብዚ ኣጋጣሚታት እዚ ነቲ ሕጻን ናብ ግብጺ ብምውሳድን እንደገና ናብ የሩሳሌም ብምምላስን ብኡንብኡ ስጕምቲ ወሰደ። እዚ ድማ ነቲ ንእሽቶ ዝነበረ የሱስ ካብቲ ሄሮድስ ንዅሎም ሕጻናት ብምቕታል ዝወሰዶ ስጕምቲ ኣድሓኖ። ኣብ ርእሲ እዚውን ዮሴፍ እዙዝ ብምንባሩ ነቲ ብዛዕባ መሲህ ተባሂሉ ዝነበረ ትንቢታት ንኽፍጸም ኣኽኣለ።—ማቴዎስ 2:13-23

ዮሴፍ ንየሱስ ርእሱ ምእንቲ ክኽእል ሓደ ሞያ መሃሮ። ስለዚ ድማ የሱስ “ወዲ እቲ ጸራቢ” ጥራይ ዘይኰነስ “እቲ ጸራቢ” ተባሂሉ እውን ይፍለጥ ነበረ። (ማቴዎስ 13:55፣ ማርቆስ 6:3) ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ የሱስ “ብዅሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ” ምዃኑ ጽሒፉ ኣሎ። እዚ ድማ ንስድራቤትካ ንምድጋፍ ኣበርቲዕካ ምዕያይ እውን ዘጠቓልል እዩ።—እብራውያን 4:15

ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኣብቲ ዮሴፍ ኣብ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ንመወዳእታ ግዜ ተጠቒሱሉ ዘሎ ጸብጻብ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ውፉይ ምንባሩ ኽንግንዘብ ንኽእል ኢና። ዮሴፍ ንስድራቤቱ ፋስጋ ንኸብዕሉ ናብ የሩሳሌም ሒዝዎም ከደ። ናብዚ በዓል እዚ ክኸዱ ግዴታ ዝነበሮም ደቂ ተባዕትዮ ዘበሉ ጥራይ እኳ እንተዀኑ: ንሱ ግን ንስድራቤቱ “በብዓመት” ናብ የሩሳሌም ይወስዶም ነበረ። ካብ ናዝሬት ናብ የሩሳሌም 100 ኪሎ ሜተር ኣቢሎም ክጓዓዙ ስለ ዝነበሮም: ዮሴፍ ብዙሕ መስዋእቲ እዩ ዝገብር ነይሩ። ኣብቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሱ ዘሎ ኣጋጣሚ ግን የሱስ ካብቶም ስድራቤቱ ተረፈ። ደሓር ኣብ ቤተ መቕደስ ነቶም መምህራን ሕጊ እናሰምዖምን እናሓተቶምን ረኸብዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ ገና ወዲ 12 ዓመት እኳ እንተ ነበረ: ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ብዙሕ ጥበብን ፍልጠትን ከም ዘለዎ ኣርኣየ። ወለዲ የሱስ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ኸም ዝህልዎ ገይሮም ብምዕባይ ብዝግባእ ምሂሮምዎ ክዀኑ ኸም ዝኽእሉ: ካብዚ ዅነታት እዚ ኽንርድኦ ንኽእል ኢና። (ሉቃስ 2:41-50) ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብቲ ድሒሩ ዘሎ ጸብጻባት ንዮሴፍ ስለ ዘይጠቕሶ: ካብዚ ግዜ እዚ እተወሰነ ጸኒሑ ሞይቱ ክኸውን ኣለዎ።

እወ: ዮሴፍ ንስድራቤቱ ብመንፈስ ኰነ ብስጋ ብዝግባእ ዝሓሊ ጻድቕ ሰብኣይ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ግዜና ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምስ ፈለጥካ: ከም ዮሴፍ ንመንፈሳዊ ነገራት ኣብ ህይወትካ ቐዳምነት ትህብ ዲኻ፧ (1 ጢሞቴዎስ 2:4, 5) ልክዕ ከም ዮሴፍ እዙዝ ብምዃን ነቲ ኣምላኽ ብቓሉ ኣቢሉ ዝገልጸልና ነገራት ብፍታው ትቕበሎ ዲኻ፧ ደቅኻ ምስ ካልኦት ትርጕም ዘለዎ መንፈሳዊ ዕላል ንኸዕልሉ ትምህሮም ዲኻ፧

ማርያም ስስዐ ዘይብላ ኣገልጋሊት ኣምላኽ ነበረት

እታ ኣደ የሱስ ዝነበረት ማርያም እትነኣድ ኣገልጋሊት ኣምላኽ ነበረት። ገብርኤል መልኣኽ ክትወልድ ምዃና ምስ ነገራ ሰምቢዳ እያ። ድንግል ብምንባራ: ‘ሰብኣይ ኣይፈለጠትን’ ነበረት። ብመንፈስ ቅዱስ ክትጠንስን ክትወልድን ምዃና ምስ ፈለጠት: “እኔኹ: ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር: ከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይ” ብምባል ነቲ መልእኽቲ ብትሕትና ተቐበለቶ። (ሉቃስ 1:30-38) ነዚ ፍሉይ መንፈሳዊ መሰላ ኣኽቢራ ትርእዮ ብምንባራ: እቲ ውሳኔኣ ኸምጽኣላ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ጸገማት ንኽትጸውር ድልውቲ ነበረት።

እወ: ነዚ ተልእኾ እዚ ብምቕባላ ምሉእ ህይወታ ተቐዪሩ እዩ። ኣብ ምንጻሃ ናብ የሩሳሌም ምስ ከደት: ስምኦን ዝበሃል ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ “ናብ ነፍስኺ ሰይፊ ኺአቱ እዩ” በላ። (ሉቃስ 2:25-35) ከምዚ ኽብል ከሎ: ብዙሓት ንየሱስ ምስ ነጸግዎን ኣብ ዕንጸይቲ ምስ ሸንከርዎን ብዛዕባ ዝስምዓ ስምዒት እዩ ዝዛረብ ነይሩ ክኸውን ዘለዎ።

የሱስ ክዓቢ ኸሎ: ማርያም ነቲ ኣብ ህይወቱ ዘጋጥሞ ዝነበረ ተስተብህለሉን “ትሐስቦን” ነበረት። (ሉቃስ 2:19, 51) ልክዕ ከም ዮሴፍ ከኣ ንፍጻመ ትንቢታት ዘርኢ ኣጋጣሚታትን ዘረባታትን ኣኽቢራ እትርኢ መንፈሳዊት ሰብ ነበረት። እቲ ገብርኤል መልኣኽ “ንሱ ዓብዪ ኪኸውን: ወዲ ልዑልውን ኪብሀል እዩ: እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ: መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን” ብምባል እተዛረባ ነገር ኣብ ኣእምሮኣ ተቐሪጹ ክኸውን ኣለዎ። (ሉቃስ 1:32, 33) እወ: ነቲ ሰብኣዊት ኣደ እቲ መሲህ ናይ ምዃን ፍሉይ መሰላ ኣርዚና እያ እትርእዮ ነይራ።

ማርያም ምስታ ብተኣምር ዝጠነሰት ዘመዳ ኤልሳቤጥ ኣብ እተራኸበትሉ እዋን እውን መንፈሳውነታ እንደገና ተራእዩ እዩ። ሽዑ ንየሆዋ ወዲሳቶ: ንቓል ኣምላኽ ዘለዋ ፍቕሪ ድማ ገሊጻ እያ። ነቲ ኣብ 1 ሳሙኤል ምዕራፍ 2 ዝርከብ ጸሎት ሃና ዝእምት ቃላት ድሕሪ ምውሳእ: ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኻብ ዝርከብ ካልእ መጻሕፍቲ እውን ገለ ሓሳባት ጠቐሰት። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልጠት ቅዱሳት ጽሑፋት ስለ ዝነበራ: ውፍይትን ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዋን ኣደ ንኽትከውን ብቕዕቲ ምንባራ የርኢ። ንወዳ ብመንፈሳዊ ኣብ ምሕብሓብ ምስ ዮሴፍ ትተሓባበር ነበረት።—ዘፍጥረት 30:13፣ 1 ሳሙኤል 2:1-10፣ ሚልክያስ 3:12፣ ሉቃስ 1:46-55

ማርያም ወዳ መሲህ ምንባሩ ድልዱል እምነት ነበራ: ድሕሪ ሞቱ እውን እዚ ኣይሃሰሰን። ድሕሪ ትንሳኤኡ ነዊሕ ከይጸንሐ: ምስቶም ንጸሎት እተኣከቡ እሙናት ደቀ መዛሙርትን ሃዋርያትን ተኣኪባ ነበረት። (ግብሪ ሃዋርያት 1:13, 14) እቲ እትፈትዎ ወዳ ኣብ መሳቐዪ ዕንጸይቲ ኽመውት ብምርኣያ ብዙሕ ስቓይ እኳ እንተ ኣሕለፈት: ካብ ተኣማንነታ ግን ፈልከት ኣይበለትን።

ካብቲ ኻብ ህይወት ማርያም እተመሃርናዮ ነገራት ብኸመይ ክትጥቀም ትኽእል፧ ንኣምላኽ ንኸተገልግል እትረኽቦ ፍሉይ መሰል ሒዝዎ ዝመጽእ መስዋእትታት ብዘየገድስ ትቕበሎ ዲኻ፧ ኣብዚ ግዜና እዚ መሰል እዚ ኣርዚንካ ኽርአ ኸም ዘለዎ ትግንዘቦ ዲኻ፧ ነቲ የሱስ እተነበዮ ትንቢት ምስዚ ኣብዚ ግዜና ዝፍጸም ዘሎ ብምውድዳር ‘ኣብ ልብኻ ትሓስቦ’ ዲኻ፧ (ማቴዎስ ምዕራፍ 24ን 25ንማርቆስ ምዕራፍ 13፣ ሉቃስ ምዕራፍ 21) ቃል ኣምላኽ ብዝግባእ ብምጽናዕን ኣብ እትዛረቦ ዘረባ ኣዘውቲርካ ብምጥቃምን ንማርያም ትመስላ ዲኻ፧ ሰዓቢ የሱስ ብምዃንካ ዝመጸካ ናይ ኣእምሮ ስቓይ ብዘየገድስ ካብ እምነትካ ፈልከት ዘይትብል ዲኻ፧

ኣሕዋት የሱስ ተለወጡ

ኣሕዋት የሱስ ክሳዕ ዕለተ-ሞቱ ኣብኡ እምነት ዘይነበሮም እዮም ዝመስሉ። ስለዚ ኸኣ እዩ የሱስ ኣብ መሳቐዪ ዕንጸይቲ ኽመውት ከሎ ንሳቶም ኣብቲ ቦታ ዘይነበሩ: በዚ ምኽንያት እዚውን እዩ የሱስ ነዲኡ ንኽኣልያ ንሃዋርያ ዮሃንስ ሕድሪ ዝበሎ። ኣዝማዱ ንየሱስ ኣኽቢሮም ኣይርእይዎን እዮም ነይሮም: አረ ሓደ እዋንሲ “ተጸሊሉ” ኢሎምዎ እዮም። (ማርቆስ 3:21) የሱስ ዘይኣመንቲ ኣባላት ስድራቤት ስለ ዝነበርዎ: እቶም ሎሚ ኣብ ቤቶም ዘይኣመንቲ ዘለዉዎም ክርስትያናት ኣዝማዶም ብዛዕባ እምነቶም ከላግጹሎም ከለዉ: የሱስ ነዚ ኸም ዝርድኣሎም ክተኣማመኑ ይኽእሉ እዮም።

የሱስ ድሕሪ ምትንሳኡ ግን ኣሕዋቱ ብእኡ ኣመኑ። ምስቶም ቅድሚ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ የሩሳሌም ተኣኪቦም ዝነበሩ ሃዋርያት ሓቢሮም ልባዊ ጸሎት የቕርቡ ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:14) እቲ በደ ሓዎም ዝነበረ የሱስ ምትንሳኡ ልቦም ንኽልወጥን ደቀ መዛሙርቱ ንክዀኑን ኸም ዝደረኾም ኣየጠራጥርን እዩ። እምበኣር: በቶም ከም ናትና ዓይነት እምነት ዘይብሎም ኣዝማድና ፈጺምና ተስፋ ኽንቈርጽ የብልናን።

እቲ የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ እተራእዮ በደ ሓዉ ዝነበረ ያእቆብ: ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ጕሉሕ ተራ ኸም ዝነበሮ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሱ ኣሎ። ንክርስትያናት ብጾቱ ብእምነት ንኽመላለሱ ብምትብባዕ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መልእኽቲ ጸሓፈሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 15:6-29፣ 1 ቈረንቶስ 15:7፣ ገላትያ 1:18, 19፣ 2:9፣ ያእቆብ 1:1) ካልእ ንየሱስ በደ ሓዉ ዝነበረ ይሁዳ: ንክርስትያናት ብጾቱ ንእምነቶም ኣበርቲዖም ንኽቃለሱ ዘተባብዕ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መልእኽቲ ጸሓፈሎም። (ይሁዳ 1) ያእቆብ ኰነ ይሁዳ ኣብቲ ዝጸሓፍዎ መልእኽትታት ንክርስትያናት ብጾቶም ንኸእምኑ ኢሎም ምስ የሱስ ዝነበሮም ስጋዊ ዝምድና ዘይምጥቃሶም: ከየተኰርናሉ ኽንሓልፎ ዝግባእ ጕዳይ ኣይኰነን። ካብዝስ ብትሕትና ዝመጸ ኸመይ ዝበለ ዘደንቕ ትምህርቲ ዀን ኢና እንረክብ!

እምበኣር: ካብ ስድራቤት የሱስ እንታይ ነገራት ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧ ነዚ ዝስዕብ ትምህርቲ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ:- (1) ነቲ ኣምላኽ ዝገለጾ ፍቓዱ ብተኣማንነት ተገዛእ: ንዅሉ እቲ ኸምዚ ብምግባርካ ዘምጽኣልካ ፈተናታት እውን ተዋጽኣሉ። (2) መስዋእትታት ክትገብር ኣብ ዘድልየሉ መዳያት እውን ከይተረፈ ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ሃብ። (3) ንደቅኻ ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ኣሰልጥኖም። (4) በቶም ከም ናትካ ዓይነት እምነት ዘይብሎም ኣባላት ስድራቤትካ ተስፋ ኣይትቝረጽ። (5) ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምርኡያት ምስ ዝዀኑ ሰባት ብዘሎካ ርክብ ኣይትጀሃር። እወ: ካብቶም ሰብኣውያን ስድራቤት የሱስ ትምህርቲ ምስ እንወስድ: ናብኡ ዝያዳ ንቐርብ: የሆዋ ንየሱስ ብንእስነቱ ንኽሕብሕብዎ ተራ ስድራቤት ምምራጹ ድማ ንዕኡ ዘሎና ሞሳ ይውስኽ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ዮሴፍ ንማርያም ሰበይቱ ኽትኰኖ ወሰዳ: ኣብ ፍጻመ መሲሓዊ ትንቢታት እውን ግደ ነበሮ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ዮሴፍን ማርያምን ንደቆም መንፈሳዊ ስርዓታትን እተፈላለየ ዕዮታትን መሃርዎም

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ኣሕዋት የሱስ ኣብ መንፈሳዊት ስድራቤት እኳ እንተ ዓበዩ: ቅድሚ ሞት የሱስ ብእኡ ኣይኣመኑን ነበሩ

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ንየሱስ በደ ኣሕዋቱ ዝነበሩ ያእቆብን ይሁዳን ንክርስትያናት ብጾቶም ኣተባብዑ