ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ንቑሓት ክንከውን ኣሎና

ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ንቑሓት ክንከውን ኣሎና

ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ንቑሓት ክንከውን ኣሎና

“ስለዚ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ: ንቕሑ።”—ማቴዎስ 24:42

1, 2. ኣብ መደምደምታ እዚ ሕጂ ዘሎ ኣገባብ ከም ዘለና ዘርኢ እንታይ እዩ፧

 ቢል ኢመት ዝበሃል ደራሲ “መበል ዕስራ ዘመን ካብ ኵሉ ንላዕሊ ውግእ ዝመልአት እያ ነይራ” በለ። እዚ ደራሲ እዚ ንታሪኽ ወድሰብ ውግእን ዓመጻን ከም ዘይተፈልዮ እኳ ኣፍልጦ እንተ ሃበ: ኣስዕብ ኣቢሉ ግን “ኣብ መበል ዕስራ ዘመን ዝነበረ ውግእን ዓመጻን ካብቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ፍልይ ዘብሎ ጽዕጹዕ ብምዃኑ ጥራይ እዩ። እዚ ዘመን እዚ ዓለምለኻዊ ውግእ እተኻየደሉ ናይ መጀመርታ ዘመን እዩ ነይሩ። . . . ሓደ ጥራይ ዘይኰነስ ክልተ ዓለምለኻዊ ውግኣት እተኻየደሉ ምዃኑ ነዚ ዘጕልሕ እዩ” በለ።

2 ‘ህዝቢ ምስ ህዝቢ: መንግስቲውን ምስ መንግስቲ’ ዝገብርዎ ውግኣት የሱስ ክርስቶስ ኣቐዲሙ እተነበዮ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: እዚ ሓደ መዳይ ናይቲ ‘ምልክት እቲ ዘይርአ ህላወ ክርስቶስን መወዳእታ እዚ ኣገባብን’ (NW) እዩ። ኣብዚ ዓብዪ ትንቢት እዚ የሱስ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ከም ዝኸውን እውን ጠቒሱ ነይሩ። (ማቴዎስ 24:3, 7, 8 ሉቃስ 21:6, 7, 10, 11) መብዛሕትኡ እዚ መዓታት እዚ ብስፍሓቱ ዀነ ብጻዕቁ እናገደደ እዩ ኸይዱ። ካብቲ ሰብ ንኣምላኽ ኰነ ንኻልእ ሰብ ዘለዎ ኣመለኻኽታ ኸም እንርእዮ: ክፍኣት ሰብ በዚሑ እዩ ዘሎ። ስነ-ምግባራዊ ውድቀትን ምብዛሕ ገበንን ዓመጻን ብንጹር እዩ ዝርአ ዘሎ። ሰባት ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ገንዘብን ተድላን ዝፈትዉ ዀይኖም ኣለዉ። እዚ ዅሉ ኣብ “ክፉእ ዘመን” ከም ዘለና እዩ ዘርኢ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5

3. “ትእምርቲ ዘመናት” ብኸመይ እዩ ጽልዋ ኽገብረልና ዘለዎ፧

3 ነዚ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ዅነታት ደቅሰብ ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እዚ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዘጨንቕ ኵነታት ዘይግድሶም ወይ ረጕድ ዝቘርበቶም ኰይኖም ኣለዉ። እቶም ኣብ ዓለም ተሰማዕነት ዘለዎምን በላሕትን ሰባት ንትርጕም እቲ ምልክት ወይ “ትእምርቲ ዘመናት” ኣይፈልጥዎን እዮም: መራሕቲ ሃይማኖት እውን እንተዀኑ ኣብዚ መዳይ እዚ ግቡእ መምርሒ ኣይሃቡን። (ማቴዎስ 16:1-3) የሱስ ግን ንሰዓብቱ “ስለዚ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ: ንቕሑ” ኢሉ መዓዶም። (ማቴዎስ 24:42) የሱስ ኣብዚ “ንቕሑ” ኽብል ከሎ ክሳዕ ዝመጽእ ወትሩ ንቑሓት ኰይኖም ክጸንሑ ደኣ እምበር ንሓንሳእ ጥራይ ማለቱ ኣይነበረን። ንቑሓት ኴንና ንኽንነብር: ጥንቁቓትን ትኵራትን ክንከውን ኣሎና። እዚ ኸኣ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘለናን እዚ እዋን እዚ ጽንኩር ምዃኑን ኣፍልጦ ኻብ ምሃብ ንላዕሊ ዘጠቓልል እዩ። “መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ” ኸም ዘሎ ጽኑዕ እምነት ክህልወና ኣለዎ። (1 ጴጥሮስ 4:7) ከምዚ እንተደኣ ጌርና ጥራይ እዩ ብህጹጽ ንቑሓት ክንከውን እንኽእል። ስለዚ: ‘መወዳእታ ኸም ዝቐረበ ዘሎና እምነት ንኸነደልድል ዝሕግዘና እንታይ እዩ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ኣሎና፧

4, 5. (ሀ) ነቲ መወዳእታ እዚ እኩይ ኣገባብ ይቐርብ ምህላዉ ዘሎና እምነት ዘደልድሎ እንታይ እዩ: ስለምንታይከ፧ (ለ) ሓደ ኻብቲ ኣብ መንጎ ግዜ ኖህን ምጽኣት ወዲ ሰብን ዘሎ ዘመሳስል ነጥብታት እንታይ እዩ፧

4 ቀቅድሚ እቲ ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ፍሉይ ዝዀነ ብግዜ ኖህ ዘጋጠመ ምጥልቕላቕ ማይ ዝነበረ ዅነታት እስከ ንርአ። ሽዑ ዝነበሩ ሰባት ኣዝዮም ክፉኣት ብምንባሮም የሆዋ ‘ብልቡ ጐሃየ።’ ‘ንዝፈጠርክዎ ሰብ ካብ ዝባን ምድሪ ኽድምስሶ እየ’ በለ። (ዘፍጥረት 6:6, 7) ከምቲ ዝበሎ ድማ ገበረ። የሱስ ነቲ ግዜ እቲ ምስዚ ግዜና ብምምስሳል “ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ: ምጽኣት [“ህላወ:” NW] ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ” በለ።—ማቴዎስ 24:37

5 የሆዋ ብዛዕባ እዚ ሕጂ ኣብ ዓለም ዘሎ ዅነታት ከምቲ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ብዛዕባ ዝነበረ ዅነታት እተሰምዖ እዩ ዝስምዖ ምባል ርትዓዊ እዩ። ነታ ብግዜ ኖህ ዝነበረት ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበራ ዓለም ካብ ዘይነሓፋ: ነዛ ሕጂ ዘላ እክይቲ ዓለም እውን ብርግጽ ከጥፍኣ እዩ። ኣብ መንጎ እቲ ግዜ እትን ኣብ መንጎ እዚ ግዜናን ዘሎ ምምስሳል ብንጹር ምስ እንርድኦ: መወዳእታ እዛ ዓለም እዚኣ ቐሪቡ ምህላዉ ዘሎና እምነት ከደልድለልና ይኽእል እዩ። እምበኣር እቲ ምምስሳል እንታይ እዩ፧ እንተ ወሓደ ሓሙሽተ ዘመሳስል ነጥብታት ኣሎ። እቲ ቐዳማይ: እቲ ዝመጽእ ጥፍኣት መዓስ ምዃኑ ፈሊኻ ዘይተጠቕሰ ምዃኑ እዩ።

እቲ “ገና ዘይተራእየ ነገር” መጠንቀቕታ ዀኖም

6. የሆዋ ብግዜ ኖህ እንታይ ክገብር እዩ ዝመደበ፧

6 ብግዜ ኖህ: የሆዋ “ንሱ ስጋ ድማ እዩ እሞ: መንፈሰይ ንሓዋሩ ምስ ሰብ ኣይጻረርን: ስለዚ ዘበኑ ሚእትን ዕስራን ዓመት ይኹን” በለ። (ዘፍጥረት 6:3) ካብቲ ኣምላኽ ብ2490 ቅ.ኣ.ዘ. ነዚ እተዛረበሉ ግዜ ኣትሒዙ: እታ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበራ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ናብ መወዳእታ ገጻ ኽትግስግስ ጀመረት። ነቶም ሽዑ ዝነበሩ ሰባት እዚ እንታይ ትርጕም ከም ዝነበሮ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ድሕሪ 120 ዓመት: የሆዋ ‘ምእንቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ህያው ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ስጋ ኽጠፍእሲ: ማይ ኣይሂ ናብ ምድሪ ኸምጽእ’ መዲቡ ነበረ።—ዘፍጥረት 6:17

7. (ሀ) ኖህ ብዛዕባ ማይ ኣይሂ መጠንቀቕታ ምስ ተዋህቦ እንታይ ገበረ፧ (ለ) ብዛዕባ መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ ንእተዋህበና መጠንቀቕታታት ብኸመይ ምላሽ ክንህበሉ ኣሎና፧

7 ኖህ ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ጥፍኣት ሓያሎ ዓመታት ኣቐዲሙ ምስ ተነግሮ: ንድሕነቱ ዝኸውን ብምድላው ነቲ ግዜ ብዝግባእ ተጠቕመሉ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባዚ ኣመልኪቱ “ኖህ ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተራእየ ነገር ራእይ ምስ ረአየ: ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ብእምነት እዩ ንምድሓን ቤቱ እትኸውን መርከብ ዘዳለወ” በለ። (እብራውያን 11:7) ንሕናኸ፧ ዳሕሮት መዓልትታት ናይዚ ኣገባብ እዚ ብ1914 ካብ ዝጅምራ ኣትሒዘን 90 ዓመት ኣቢሉ ሓሊፉ እዩ። ብርግጽ እምበኣር ኣብ “ዘመን መወዳእታ” ኢና ዘለና። (ዳንኤል 12:4) እሞ ደኣ ንእተዋህበና መጠንቀቕታታት ብኸመይ ኢና ምላሽ ክንህብሉ ዘሎና፧ መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር . . . ንዘለኣለም ይነብር” ይብለና። (1 ዮሃንስ 2:17) እምበኣር ውዓል ሕደር ከይበልና ፍቓድ ኣምላኽ እንገብረሉ ግዜ ሕጂ እዩ።

8, 9. የሆዋ ኣብዚ ግዜና እንታይ መጠንቀቕታታት እዩ ዝህብ ዘሎ: እዚኸ ብኸመይ ይእወጅ ኣሎ፧

8 ኣብዚ ግዜና: እዚ ኣገባብ እዚ ንጥፍኣት እተመጠወ ምዃኑ ቕኑዓት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተማሂሮምዎ እዮም። ነዚ ንኣምነሉ ዲና፧ የሱስ ክርስቶስ ብንጹር “ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ: ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ: ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ” ከም ዝበለ ኣስተብህል። (ማቴዎስ 24:21) ብተወሳኺውን: የሱስ ብኣምላኽ እተሾመ ዳኛ ዀይኑ ብምምጻእ ንሰባት ከምቲ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ዝፈላልየን ገይሩ ንሓድሕዶም ከም ዝፈላልዮም ተዛሪቡ እዩ። እቶም ብቑዓት ኰይኖም ዘይተረኽቡ “ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ [“ቅጽዓት:” ትርጕም 1990] ጻድቃን ግና ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም።”—ማቴዎስ 25:31-33, 46

9 የሆዋ ንህዝቡ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢሉ ንህዝቡ ነዚ መጠንቀቕታታት እዚ ንኸተኵሩሉ ኣኽኢልዎም እዩ። (ማቴዎስ 24:45-47) ኣብ ርእሲ እዚውን ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን “እታ ዚፈርደላ ጊዜ በጺሓ እያ እሞ: ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ” ዝብል ጻውዒት ቀሪቡሎም ኣሎ። (ራእይ 14:6, 7) እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መላእ ምድሪ ዝሰብክዎ ዘለዉ መልእኽቲ: መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ግዝኣት ደቅሰብ ከም እተጥፍኦ ዘጠንቅቕ እዩ። (ዳንኤል 2:44) እዚ መጠንቀቕታ እዚ ኣፍኲስካ ኽርአ የብሉን። እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ወትሩ ቓሉ ይሕሉ እዩ። (ኢሳይያስ 55:10, 11) ብግዜ ኖህ ቃሉ ሓልዩ እዩ: ኣብዚ ግዜናውን ቃሉ ኽሕሉ እዩ።—2 ጴጥሮስ 3:3-7

ጾታዊ ብዕልግና ኣስፋሕፍሐ

10. ብግዜ ኖህ ዝነበረ ጾታዊ ብዕልግና ኸመይ ነበረ፧

10 እዚ ግዜና ብኻልእ መዳይ እውን ምስቲ ብግዜ ኖህ ዝነበረ ዅነታት ይመሳሰል እዩ። የሆዋ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ውሉዳት ወሊዶም ‘ንምድሪ ኽመልእዋ’ ኣዚዝዎም ነበረ፣ እዚ ኸኣ ሓዳር ብምግባር ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ናይ ምፍራይ ክእለት ብኣኽብሮት ክጥቀሙሉ ዝሓትት እዩ። (ዘፍጥረት 1:28) ብግዜ ኖህ ዘይእዙዛት መላእኽቲ ንደቅሰብ ዘይባህርያዊ ጾታዊ ርክብ ከም ዝፍጽሙ ብምግባር ኣበላሸዉዎም። ናብ ምድሪ መጺኦም: ስጋ ድሕሪ ምልባስ መልክዐኛታት ኣንስቲ ኣእተዉ። እተን ኣንስቲ ዝወለዳሎም ወሉዳት ከኣ ነፊሊም ዝበሃሉ ፍርቂ ሰብ: ፍርቂ ጋኔን ዀኑ። (ዘፍጥረት 6:2, 4) ሓጢኣት እዞም ብትምኒት ዝረሰኑ መላእኽቲ ምስቲ ብልሽውና ሶዶምን ጎሞራን ተመሳሲሉ ኣሎ። (ይሁዳ 6, 7) ብሰሮም ኣብቲ ግዜ እቲ ጾታዊ ብዕልግና ኣስፋሕፍሐ።

11. ኣብዚ ግዜና ዘሎ ስነ-ምግባራዊ ዅነታት ምስቲ ብግዜ ኖህ ዝነበረ ዘመሳስሎ እንታይ እዩ፧

11 እዚ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ስነ-ምግባራዊ ዅነታትከ ኸመይ እዩ፧ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እዚኣተን ህይወት ብዙሓት ሰባት ኣብ ጾታዊ ርክብ ዘተኰረ እዩ ዀይኑ ዘሎ። ጳውሎስ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ “ድንዙዛት” ብምባል ብንጹር ገሊጽዎም ኣሎ: ብዙሓት ሰባት ከኣ “ብስስዔ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ናብ ዕብዳን” ተለቒቖም እዮም ዘለዉ። (ኤፌሶን 4:19) ስእለ-ጽዩፍ: ቅድሚ መርዓ ዝግበር ጾታዊ ርክብ: ንቘልዑ ምግሳስ: ከምኡውን ግብረ-ሶዶም ልሙድ እዩ ዀይኑ ዘሎ። ገሊኣቶም ብጾታዊ ርክብ ብዝመሓላለፍ ሕማማት ስለ እተለበዱ: ስድራቤቶም ስለ እተበታተነ: ከምኡውን ካልእ ማሕበራዊ ጸገማት ስለ ዘስዕበሎም ኣብዚ ግዜ እዚውን እንተዀነ ‘ግቡእ ዓስቢ ስሕተቶም ይቕበሉ’ ኣለዉ።—ሮሜ 1:26, 27

12. ንእከይ ጽልኢ ኸነሕድር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

12 ብግዜ ኖህ የሆዋ ማይ ኣይሂ ብምምጻእ ነታ ብጾታዊ ርኽሰት ዓቢዳ ዝነበረት ዓለም ኣጥፍኣ። እዚ ዘለናዮ ግዜ ልክዕ ከምቲ ብግዜ ኖህ ዝነበረ ግዜ ምዃኑ ኸቶ ኽንርስዕ የብልናን። ኣብቲ ዝመጽእ ዘሎ ዓብዪ “መከራ” እቶም ‘ኣመንዝራታት: ዘመውቲ: ሕንቁቓት: ግብሪ ሶዶም ዝገብሩ’ ካብ ዝባን ምድሪ ኽጠፍኡ እዮም። (ማቴዎስ 24:21፣ 1 ቈረንቶስ 6:9, 10፣ ራእይ 21:8) እምበኣር: ብህጹጽ ንእከይ ጽልኢ ኸነሕድርን ናብ ብዕልግና ኽመርሓና ኻብ ዝኽእል ኵነታት ክንርሕቕን ኣሎና!—መዝሙር 97:10፣ 1 ቈረንቶስ 6:18

ምድሪ “ብዓመጻ መልኤት”

13. ብግዜ ኖህ ምድሪ ‘ብዓመጻ መሊኣ ዝነበረት’ ስለምንታይ እያ፧

13 መጽሓፍ ቅዱስ ብግዜ ኖህ ንዝነበረ ኻልእ ኵነታት ኣመልኪቱ “ምድሪ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተባላሽያ ነበረት: ምድሪ ድማ ብዓመጻ መልኤት” ይብል። (ዘፍጥረት 6:11) ከም ሓቂ እኳ ዓመጻ ሽዑ ኣይኰነን ተጀሚሩ። ቅድሚኡ ቃየል ወዲ ኣዳም ነቲ ጻድቕ ሓዉ ቐቲልዎ እዩ። (ዘፍጥረት 4:8) ላሜክ እውን ‘ርእሰይ ንኽከላኸል እየ’ ብዝብል ምኽኒት መንእሰይ ከም ዝቐተለ ግጥሚ ገጢሙ እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ብግዜኡ ዝነበረ ዓመጻ ዘንጸባርቕ እዩ። (ዘፍጥረት 4:23, 24) ብግዜ ኖህ ዝነበረ ዓመጻ ኻብቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ዝፍለ ብብዝሑ እዩ። እቶም ደቂ ኣምላኽ ዝነበሩ ዘይእዙዛት መላእኽቲ ኣብ ምድሪ መጺኦም ኣንስቲ ብምእታው ነፊሊም ዝበሃሉ ውሉዳት ምስ ወለዱ: ቅድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ዓመጻ በዝሐ። ትርጕም ሓዳስ ዓለም እታ ነዞም ዓመጸኛታት ዝነበሩ ንጉዓት ሰባት ዝጽውዑላ ዝነበሩ በዅሪ ናይ እብራይስጢ ቓል “መውደቕቲ” ወይ “ንኻልኦት ዘውድቑ” ዝብል ትርጕም ከም ዘለዋ ይሕብር። (ዘፍጥረት 6:4) ከም ሳዕቤን ናይዚ ኸኣ ምድሪ ‘ብዓመጻ መልአት።’ (ዘፍጥረት 6:13) ኖህ ንስድራቤቱ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋሁ ኸዕብዮም ከሎ ዘጋጠሞ ጸገማት እሞ ሕስብ ኣብሎ። እንተዀነ ግን: ኖህ ‘ኣብቲ ወለዶ እቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጸዲቑ ተረኽበ።’—ዘፍጥረት 7:1

14. እዛ ኣብዚ ግዜና ዘላ ዓለም ‘ብዓመጻ ዝመልአት’ ብኸመይ እያ፧

14 ዓመጻ ኻብ ታሪኽ ወድሰብ ተፈልዩ ኣይፈልጥን እዩ። እንተዀነ ግን: ከምቲ ብግዜ ኖህ ዝነበረ: ኣብዚ ግዜና እውን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መጠን እዩ በዚሑ ዘሎ። ወትሩ ብዛዕባ ኣብ ቤት ዝፍጸም ዓመጻ: ግብረ-ሽበራ: ጃምላዊ ቕትለት: ከምኡውን ብዛዕባ እቶም ብዘይ ምኽንያት ንሰባት ብጠያይት ዝዅስትሩ ሰባት ኢና እንሰምዕ ዘሎና። ኣብ ርእሲ እዚ ዅሉ ድማ ብውግእ ዝፈስስ ደም ኣሎ። ሕጂውን ምድሪ ብዓመጻ መሊኣ እያ ዘላ። ስለምንታይ፧ ዓመጻ ንኽውስኽ ኣበርክቶ ዝገበረ እንታይ እዩ፧ መልሲ ናይዚ: ምስ ግዜ ኖህ ዘመሳስለና ኻልእ ነጥቢ እዩ ዝገልጸልና።

15. (ሀ) ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዓመጻ ንኽበዝሕ ኣበርክቶ ዝገበረ እንታይ እዩ፧ (ለ) እንታይ ከም ዝመጽእ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

15 ብ1914 መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ምስ ቈመት: እቲ ንጉሳ የሱስ ክርስቶስ ኣገዳሲ ስጕምቲ ብምውሳድ: ንሰይጣን ድያብሎስን ኣጋንንቱን ካብ ሰማይ ናብ ከባቢ ምድሪ ደርበዮም። (ራእይ 12:9-12) ቅድሚ ማይ ኣይሂ እቶም ዘይእዙዛት መላእኽቲ ብፍታዎም ነቲ ሰማያዊ ቦታኦም ሓዲጎም ክመጹ ኸለዉ: ኣብዚ ግዜና ግን ብሓይሊ እዮም ተሰጒጎም። ኣብ ርእሲ እዚ: ሕጂ ስጋዊ ትምኒታቶም ንኸርውዩ ኢሎም ስጋ ኽለብሱ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ: ካብ ብስጭት: ሓርቆት: ከምኡውን ካብቲ ንዝመጾም ዘሎ ፍርዲ ዘለዎም ፍርሂ ተላዒሎም ንሰባትን ንውድባትን ካብቲ ብግዜ ኖህ ዝነበረ ዝገድድ ኢሰብኣዊ ገበንን ዓመጻን ንኽፍጽሙ ይጸልዉዎም ኣለዉ። እቶም ዘይእዙዛት መላእኽትን ደቆምን ነታ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረት ዓለም ብኽፍኣት ምስ መልእዋ: የሆዋ ኣጥፊእዋ እዩ። ኣብዚ ግዜና እውን ተመሳሳሊ ኸም ዝገብር ኣይትጠራጠር! (መዝሙር 37:10) ይኹን እምበር: እቶም ሎሚ ነቒሖም ዝጽበዩ ድሕነቶም ቀሪቡ ምህላዉ ይፈልጡ እዮም።

እቲ መልእኽቲ ተሰብከ

16, 17. እቲ ኣብ መንጎ ግዜ ኖህን እዚ ግዜናን ዘሎ ራብዓይ ምምስሳል እንታይ እዩ፧

16 ኣብ መንጎ እዚ ግዜናን ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረት ዓለምን ዘሎ ራብዓይ ምምስሳል ነቲ ኖህ እተዋህቦ ዕዮ ዝምልከት እዩ። ኖህ ዓባይ መርከብ ሰርሐ። ኣብ ርእሲ እዚውን ‘ሰባኺ’ ነበረ። (2 ጴጥሮስ 2:5) እቲ ዝሰብኮ ዝነበረ መልእኽቲ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ኣብ ስብከቱ ንኽንስሑ ጻውዒት ከም ዘቕረበን ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ዝነበረ ጥፍኣት ከም ዘጠንቀቐን ኣየጠራጥርን እዩ። የሱስ ብዛዕባ እቶም ብግዜ ኖህ ዝነበሩ ሰባት “ማይ ኣይሂ መጺኡ: ንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን” በለ።—ማቴዎስ 24:38, 39

17 ብተመሳሳሊ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኽሰብኩ እተዋህቦም መዝነት ብትግሃት ኣብ ዝፍጽሙሉ እዋን እቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ኣብ መላእ ዓለም ዝስበኽ ዘሎ። ዳርጋ ኣብ ኵላ ዝባን ምድሪ ዘለዉ ሰባት ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብቛንቋኦም ክሰምዕዎን ከንብብዎን ይኽእሉ እዮም። እታ መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ሓደ ሕታም ብ25,000,000 ቅዳሓት ክትሕተም ከላ: ብልዕሊ 140 ቋንቋታት ከኣ እያ እትዳሎ። እወ: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ “ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም” ይስበኽ ኣሎ። እዚ ዕዮ እዚ ንኣምላኽ ብዘዕግብ መዳይ ምስ ተዛዘመ: መወዳእታ ብርግጽ ክመጽእ እዩ።—ማቴዎስ 24:14

18. እቲ ብዙሓት ሰባት ንስብከትና ዝህብዎ ምላሽ ምስቲ ብግዜ ኖህ ዝነበሩ ዝበዝሑ ሰባት ዝሃብዎ ምላሽ ዝመሳሰል ብኸመይ እዩ፧

18 ነቲ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ብመንፈሳዊ ነገራት ዘይምግዳስን ስነ-ምግባራዊ ውድቀትን ኣብ ግምት ብምእታው: ኣባላት ስድራቤት ኖህ በቶም ዘይኣምኑ ጐረባብቶም ኣደዳ ባጫን ጸርፍን ላግጽን ዝዀኑሉ ምኽንያት ክርድኣና ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን: እቲ መወዳእታ መጺኡ እዩ። ብተመሳሳሊ: ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እውን ‘ዘላግጹ መላግጽቲ’ ብብዝሒ እዮም ዘለዉ። ይኹን እምበር: ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ “መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ።” (2 ጴጥሮስ 3:3, 4, 10) ኣብቲ እተመደበላ ግዜ ብርግጽ ክትመጽእ እያ። ኣይክትድንጕን ከኣ እያ። (ኣንባቆም 2:3) ስለዚ: ንቑሕ ምዃንሲ ኽንደይ ጥበባዊ ዀን እዩ!

ሒደት ጥራይ ይድሕኑ

19, 20. ኣብ መንጎ ማይ ኣይህን ጥፍኣት እዚ ኣገባብ እዝን እንታይ ምምስሳል እዩ ዘሎ፧

19 ኣብ መንጎ ግዜ ኖህን እዚ ግዜናን ዘሎ ምምስሳል ኣብቲ ኽፍኣት ሰባትን ጥፍኣቶምን ጥራይ ኣይኰነን ዘብቅዕ። ከምቲ ኻብ ማይ ኣይሂ ዝደሓኑ ሰባት ዝነበሩ: ካብዚ መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚውን ዝድሕኑ ኽህልዉ እዮም። እቶም ካብ ማይ ኣይሂ ዝደሓኑ: በነባብራኦም ካብቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰባት ፍልይ ዝበሉ ትሑታት እዮም ነይሮም። ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም መጠንቀቕታ ሰሚዖም: ካብታ እክይቲ ዓለም ድማ ተፈልዮም እዮም ነይሮም። መጽሓፍ ቅዱስ ‘ኖህ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ረኸበ ኣብቶም ወለዶታቱ [እውን] ጻድቕን እንታ ዜብሉን ሰብኣይ ነበረ’ ይብለና። (ዘፍጥረት 6:8, 9) ካብ ኵሎም ደቅሰብ: ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ዝዀኑ ‘ሒደት: ማለት ሾመንተ ነፍሲ: ካብ ማይ ደሓኑ።’ (1 ጴጥሮስ 3:20) ንዓታቶም ድማ የሆዋ ኣምላኽ “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋ” ኢሉ ኣዘዞም።—ዘፍጥረት 9:1

20 “ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ” እውን “ብዙሓት ሰብ” ከም ዝወጹ ቃል ኣምላኽ የረጋግጸልና እዩ። (ራእይ 7:9, 14) እዞም ብዙሓት ሰብ ተባሂሎም ዘለዉ ኽንደይ ዝኣኽሉ እዮም፧ የሱስ ባዕሉ “እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ: መገዳውን ቀጣን እያ: እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም” በለ። (ማቴዎስ 7:13, 14) ምስቶም ሎሚ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ክወዳደሩ ኸለዉ: እቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝድሕኑ ሒደት እዮም። እንተዀነ ግን: ከምቶም ካብ ማይ ኣይሂ ዝደሓኑ ዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ክኽፈተሎም ይኽእል እዩ። እቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝድሕኑ ንእተወሰነ ግዜ ኽፍሊ እቲ ሓድሽ ምድራዊ ሕብረተሰብ ዝዀኑ ዘርኢ ኽህልዉዎም ይኽእሉ እዮም።—ኢሳይያስ 65:23

“ንቕሑ”

21, 22. (ሀ) እዚ ብዛዕባ ማይ ኣይሂ ዝገበርናዮ ምርምር ብኸመይ ጠቒሙካ፧ (ለ) ናይ 2004 ዓመታዊት ጥቕሲ እንታይ እያ እትብል: ነቲ እትህበና ምኽሪ ኽንስዕቦ ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧

21 ማይ ኣይሂ ጥንቲ እተፈጸመ ትርጕም ዘይብሉ ፍጻመ ዝመስል እኳ እንተዀነ: ዕሽሽ ክንብሎ ዘይብልና መጠንቀቕታ እዩ ብንጹር ዝህበና። (ሮሜ 15:4) እቲ ኣብ መንጎ ግዜ ኖህን እዚ ግዜናን ዘሎ ምምስሳል: ትርጕም ናይቲ ሕጂ ዝኸውን ዘሎ ነገራት ብዝያዳ ንኽርድኣናን ነታ ኸም ሰራቒ እትመጽእ የሱስ ንእኩያት ዝፈርደላ መዓልቲ ጥንቁቓት ኴንና ንኽንጽበያን ከኽእለና ኣለዎ።

22 ኣብዚ ግዜና የሱስ ክርስቶስ ዓብዪ መንፈሳዊ ናይ ህንጸት ዕዮ እዩ ዝመርሕ ዘሎ። እቶም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ: ዕቝባን ድሕነትን ምእንቲ ኽረኽቡ: ብመርከብ ክምሰል ዝኽእል መንፈሳዊ ገነት ተዳልዩሎም ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 12:3, 4) ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ምእንቲ ኽንድሕን: ካብዚ ገነት እዚ ኽንወጽእ የብልናን። ካብዚ መንፈሳዊ ገነት ወጻኢ ንዝዀነ ይኹን ብመንፈሳዊ ትኽስ ዝበለ ኽትውሕጦ እተዳለወት ናይ ሰይጣን ዓለም እያ ዘላ። ስለዚ: ናይ ግድን ‘ንቑሓትን’ ንመዓልቲ የሆዋ እተዳሎናን ክንከውን ኣሎና።—ማቴዎስ 24:42, 44

ትዝክሮዶ፧

• የሱስ ብዛዕባ ምምጽኡ እንታይ ማዕዳ እዩ ዝሃበ፧

• የሱስ ነቲ ዘይርአ ህላወኡ ምስ እንታይ እዩ ኣመሳሲልዎ፧

• እዚ ግዜና ምስቲ ብግዜ ኖህ ዝነበረ ዅነታት ብምንታይ እዩ ዝመሳሰል፧

• ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ግዜ ኖህን እዚ ግዜናን ዘሎ ምምስሳል ምስ እነስተንትን ንናይ ህጹጽነት ስምዒትና ብኸመይ ክጸልዎ ይግባእ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ናይ 2004 ዓመታዊት ጥቕሲ:- “ንቕሑ . . . እተዳሎኹም ኩኑ።”—ማቴዎስ 24:42, 44

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ኖህ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኣቕለበሉ። ንሕናኸ ኸምኡ ንገብር ዲና፧

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ: ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ”