ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሚስዮናውያን ንምዃን ዝነበረና ባህጊ ብዘይምህሳሱ ብዙሕ ተባሪኽና

ሚስዮናውያን ንምዃን ዝነበረና ባህጊ ብዘይምህሳሱ ብዙሕ ተባሪኽና

ታሪኽ ህይወት

ሚስዮናውያን ንምዃን ዝነበረና ባህጊ ብዘይምህሳሱ ብዙሕ ተባሪኽና

ቶም ኩክ ዘዘንተዎ

ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ቐትሪ ጸጥታ ሰፊኑ ኸሎ ብሃንደበት ድምጺ ተዅሲ ተሰምዐ። ጠያይት ብመንጎ እቲ ኣብ ስፍራ ኣታኽልትና ዝነበረ ኣግራብ እናኣፋጸየ ሓለፈ። እንታይ እዩ ተፈጢሩ፧ ነዊሕ ከይጸናሕና ኣብ ኡጋንዳ ዕልዋ መንግስቲ ኸም እተገብረን እታ ሃገር ካብ ሽዑ ንነጀው ብጀነራል ኢዲ ኣሚን ክትምራሕ ከም ዝጀመረትን ሰማዕና። እዚ ዝዀነ ብ1971 እዩ።

ኣነን ኣን እትበሃል ብዓልቲ ቤተይን ካብቲ ዝሓሸ ሰላም ዝነበሮ ዓዲ እንግሊዝ ናብታ ዘይምርግጋእ ዝነበራ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዝገዓዝና ስለምንታይ ኢና፧ ብባህርየይ ሓድሽ ነገር ዝፈቱ እኳ እንተ ዀንኩ: ሚስዮናዊ ንምዃን ባህጊ ዘሕደረለይ ቀንዲ ምኽንያት ግን ወለደይ ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ቀናኣት ብምንባሮም እዩ።

ኣብ ነሓሰ 1946 ወለደይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመጀመርታ ግዜ እተራኸቡላ መዓልቲ ትዝ ትብለኒ። ኣብ ኣፍደገ ደው ኢሎም ነቶም ክልተ ኽበጽሑና ዝመጹ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንነዊሕ ሰዓታት ኣዘራረብዎም። እዞም ፍሬዘር ብራድበሪን ማያሚ ሸርቪን ዝበሃሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተመላሊሶም በጽሑና: ኣብተን ቐጺለን ዝነበራ ኣዋርሕ ድማ ህይወት ስድራቤትና ኣዝዩ ተቐየረ።

ወለደይ ዝገደፉለይ ናይ ትብዓት ኣብነት

ወለደይ ኣብ እተፈላለየ ንጥፈታት ማሕበረሰብ ይሳተፉ ነበሩ። ንኣብነት: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምጅማሮም: ናይ ዊንስተን ቸርችል ስእሊ ኣብ ቤትና ተሰቒሉ ነበረ። ኣብቲ ድሕሪ እቲ ውግእ እተገብረ ሃገራዊ ምርጫ ቤትና ናይ ቍሸትና ማእከል ኮሚተ ሰልፊ ዓቃባውያን ኰይና ተገልግል ነበረት። ኣብ ሃይማኖታውን ማሕበራውን ርክባት እውን ስድራቤትና ጕሉሕ ቦታ ነበራ። ኣብቲ ግዜ እቲ ወዲ ትሽዓተ ዓመት እኳ እንተ ነበርኩ: ኣዝማድና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኸውን ከም ዘሎና ምስ ፈለጡ ኸም ዝሰምበዱ ይርድኣኒ ነበረ።

እቶም ንቀራረቦም ዝነበርና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ውፉያትን ድምብርጽ ዘይብሎምን ብምንባሮም: ወለደይ ኣብቲ ዕዮ ስብከት ብንጥፈት ንኽሳተፉ ደረኾም። ነዊሕ ከይጸንሐ ኣቦይ ኣብ ዕዳጋ እታ ስፓንደን እትበሃል ቍሸትና ብመጕልሒ ድምጺ ገይሩ ዝርርብ ክህብ ጀመረ: ኣብቲ ግዜ እቲ ንሕና መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ሒዝና ኣብ ቅሉዕ ቦታታት ደው ንብል ነበርና። መማህርተይ ክርእዩኒ ኸለዉ: ምድሪ ኣፋ ኸፊታ ኽትውሕጠኒ እምነ ምንባረይ ግን ክሓብኦ ኣይደልን እየ።

ወለድና ዘርኣዩና ኣብነት ነታ ዳፍኒ እትበሃል ዓባይ ሓብተይ ፓይነር ንኽትከውን ኣተባብዓ። ብ1955 ኣብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ስልጠና ምስ ተዋህባ ሚስዮናዊት ኰይና ጃፓን ተመደበት። a እታ ዞዪ እትበሃል ንእሽቶ ሓብተይ ግን ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል ኣቋረጸት።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ: ነቲ ንመብርሂ ዝኸውን ስእልታት ብኸመይ ከም ዝስራሕን ምስኡ እተተሓሓዘ ነገራትን ዝምልከት ትምህርተይ ወዳእኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ እቶም መማህርተይ ወትሩ ብዛዕባ እቲ ግዴታ ዝነበረ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዙሕ እዮም ዝዘራረቡ ነይሮም። ኣነ ሕልናይ ከም ዘየፍቅደለይ ምስ ነገርክዎም: እዋዘ ዘለኹ መሲሉ ተራእዮም። እዚ ጕዳይ እዚ ኸኣ ብተደጋጋሚ ምስ ገሊኣቶም ተማሃሮ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምይይጥ ንኽገብር ኣጋጣሚ ኸፈተለይ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምሃብ ብምእባየይ ን12 ወርሒ ኽእሰር ተፈርደኒ። ሓንቲ ኣብ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ዘርኣየት መማህርተይ ጸኒሓ ብዓልቲ ቤተይ ኰነት። እንተዀነ ግን: ሓቂ ብኸመይ ከም ዝፈለጠት ባዕላ ትንገርኩም።

ኣን ብኸመይ ሓቂ ከም ዝፈለጠት

“ስድራቤተይ ሃይማኖታውያን ኣይነበሩን: ኣነውን ብዋላ ሓንቲ ሃይማኖት ኣይተጠመቕኩን ነይረ። ብዛዕባ ሃይማኖት ክፈልጥ እህንጠ ስለ ዝነበርኩ ግን: ናብቲ መሓዙተይ ዝኸድዎ ዘበሉ ቤተ-ክርስትያን እኸይድ ነበርኩ። ቶምን ሓደ ኻልእ ናይ የሆዋ ምስክርን ምስቶም ኣብቲ ኮለጅ ዝነበሩ ተማሃሮ ዝገብርዎ ምይይጥ ምስ ሰማዕኩ: ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረኒ ተገዳስነት ተለዓዓለ። ቶምን ሓደ ናይ የሆዋ ምስክርን ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ብዘይምሃቦም ምስ ተኣስሩ: ኣዝየ ሰምበድኩ።

“ቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ ብቐጻሊ ንጸሓሓፍ ብምንባርና: ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረኒ ተገዳስነት እናሓየለ ኸደ። ትምህርተይ ንምቕጻል ናብ ለንደን ምስ ገዓዝኩ: ምስ ምዩርየል ኣልበረኽት መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ፍቓደኛ ዀንኩ። ምዩርየል ኣብ ኢስቶንያ ሚስዮናዊት ኰይና እተገልግል ዝነበረት እያ: ንሳን ኣዲኣን ድማ ብዙሕ እየን ኣተባቢዐናኒ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ኣብ ኣኼባታት ክእከብን ኣብ ጥቓ ቪክቶርያ ዝበሃል መደበር ባቡር ደው ኢለ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ከበርክትን ጀመርኩ።

“ኣብ ደቡብ ለንደን ኣብ እትርከብ ጉባኤ ሳውዝወርክ እኸይድ ነበርኩ። ኣባላት እታ ጉባኤ መብዛሕትኦም ብስጋ ድኻታትን እተፈላለየ ዜግነት ዘለዎምን መንፈሳውያን ኣሕዋትን ኣሓትን እዮም ነይሮም። ሓዳስ እኳ እንተ ነበርኩ: ልክዕ ከም ኣባል ስድራቤቶም ገይሮም እዮም ዝርእዩኒ ነይሮም። እቲ ኣብታ ጉባኤ ዝነበረ ፍቕሪ እዩ ሓቂ ኸም ዝረኸብኩ ንኽኣምን ዘኽኣለኒ። ስለዚ: ብ1960 ተጠመቕኩ።”

ኣብ እተፈላለየ ዅነታት ሓደ ሸቶ ሒዝና ቐጸልና

ኣነን ኣንን ብ1960 ተመርዓና: ሚስዮናውያን ንኽንከውን እውን ሸቶ ነበረና። ኣን ከም ዝጠነሰት ምስ ፈለጥና ግን ኵነታትና ተቐየረ። ሳራ ጓልና ምስ ተወልደት: ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝያዳ ኣብ ዘድልዩላ ሃገር ኬድና ኸነገልግል ድሌት ኣሕደርና። በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ እተፈላለየ ሃገራት ስራሕ ንኽረክብ ኣመልከትኩ: ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ኣብ ግንቦት 1966 ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኡጋንዳ ስራሕ ከም ዝረኸብኩ እትገልጽ ደብዳበ መጸትኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣን ነታ ኻልአይቲ ውላድና ጠኒሳ ነበረት። ገሊኣቶም ክንግዕዝ ምሕሳብና ጥበባዊ ዀይኑ ኣይተሰምዖምን። ንሓኪምና ምስ ኣማኸርናዮ: “ክትከዱ እንተ ዄንኩም: ብዓልቲ ቤትካ ሸውዓተ ወርሒ ኸይመልኣ ኽትነቕሉ ኣለኩም” በለኒ። ስለዚ: ብኡንብኡ ናብ ኡጋንዳ ገዓዝና። በዚ ምኽንያት እዚ ወለድና ነታ ሬቸል እትበሃል ካልአይቲ ጓልና ኽልተ ዓመት ክሳዕ ዝመልኣ ኣይረኣይዋን። ሕጂ ንሕናውን ደቂ ደቂ ስለ ዘለዉና: እቶም ፍቑራት ወለድና ዝገበርዎ መስዋእቲ ምሉእ ብምሉእ ይርድኣና እዩ።

ብ1966 ኣብ ኡጋንዳ ምስ በጻሕና ብዙሕ ዘደንቕ ነገራት እዩ ኣጓኒፉና። ካብታ ነፋሪት ምስ ወረድና: በቲ ድሙቕ ሕብርታት ተመሰጥና። መጀመርታ ኻብታ ጂንጃ እትበሃል ኣብ ምንጪ ፈለግ ኒል እተደኰነት ንእሽቶ ኸተማ 50 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ኢጋንጋ ኢና ንነብር ኔርና። እቶም ዝቐረቡ ዝበሃሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: እቶም ኣባላት እታ ኣብ ጂንጃ እትርከብ ዝነበረት ንእሽቶ ጕጅለ እዮም። ጊልበርት ዋልተርስን ጆኣን ዋልተርስን ከምኡውን ስቲቨን ሃርዲን ባርባራ ሃርዲን ዝበሃሉ ሚስዮናውያን ነታ ጕጅለ ብዙሕ ክሕግዝዋ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ነታ ጕጅለ ዝያዳ ምእንቲ ኽንሕግዛ: ስርሐይ ናብ ጂንጃ ንክቕይር ኣመልከትኩ። ሬቸል ምስ ተወልደት ነዊሕ ከይጸናሕና ናብ ጂንጃ ገዓዝና። ኣብኡ ኸኣ ምስቶም ሒደት እሙናት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቢርና ብምግልጋል: ነታ ንእሽቶ ዝነበረት ጕጅለ ኣብ ኡጋንዳ ኻልአይቲ ጉባኤ ኽትከውን ከላ ብምርኣይና ኣሐጒሱና እዩ።

ኣብ ወጻኢ ሃገር ብስድራቤት ምግልጋል

ኣነን ኣንን ንደቅና ንምዕባይ ዝበለጸ ቦታ ኸም ዝመረጽና ተረዲኡና ነበረ። ካብ እተፈላለየ ሃገራት ምስ ዝመጹ ሚስዮናውያን ሓቢርና ብምግልጋልናን ነታ ሓዳስ ጉባኤና ንኽትዓቢ ብምሕጋዝናን ሓጐስ ንረክብ ነበርና። እቶም ኡጋንዳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣዘውቲሮም ክበጽሑና ይመጹ ምንባሮም እውን ባህ ይብለና ነበረ። ብፍላይ ስታንሊ ማኩምባን ኢሲናላ ማኩምባን ብዙሕ የተባብዑና ነበሩ።

እንተዀነ ግን: ኣብ ከባቢና እተፈላለዩ ዘደንቑ እንስሳ ዘገዳም ይርከቡ ብምንባሮም: ኣሕዋትና ጥራይ ኣይኰኑን ዝመጹና ነይሮም። ጉማረታት ለይቲ ኻብ ፈለግ ኒል ወጺኦም ክሳዕ ቤትና ይመጹ ነበሩ። ነቲ ሓደ ግዜ ሽዱሽተ ሜትሮ ዝንውሓቱ ገበል ኣብ ስፍራ ኣታኽልትና ዝረኸብናሉ እዋን ክሳዕ ሕጂ ኣጸቢቑ እዩ ዝዝከረኒ። ሓድሓደ ግዜ እንስሳ ዘገዳም ንምርኣይ ናብቲ ኣናብስን ካልኦት ኣራዊትን ብብዝሒ ዝርከቡሉ ቦታታት ንኸይድ ነበርና።

እቶም ደቂ እቲ ዓዲ ንውሉዱ ኣብ ሓንቲ ንሕጻን እተሰርሐት ንእሽቶ ሰረገላ ገይሩ እናደፍአ ዝኸይድ ርእዮም ዘይፈልጡ ብምንባሮም ኣብ ኣገልግሎት ፍልይ ዝበልና ንዀኖም ነበርና። ካብ ቤት ናብ ቤት ክንከይድ ከለና: ቈልዑ ተኣኪቦም ይስዕቡና ነበሩ። ሰባት ብኣኽብሮት ኣተኲሮም ይጥምቱና: ነታ ጻዕዳ ሕጻን ከኣ ይትንክፉዋ ነበሩ። እቶም ደቂ እቲ ዓዲ ምቕሉላት ብምንባሮም ዕዮ ምስክርነት ዘሐጕስ እዩ ነይሩ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ኣዝዩ ቐሊል ብምንባሩ: ኵሉ ሰብ ናብ ሓቂ ዝመጽእ ይመስለና ነበረ። ይኹን እምበር: ብዙሓት ነቲ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ልምድታት ምሕዳጉ የጸግሞም ነበረ። ሓያሎ ግን ነቲ ልዑል ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተቐበሉ: እታ ጉባኤ ድማ እናዓበየት ከደት። እቲ ብ1968 ኣብ ጂንጃ ዝገበርናዮ ናይ መጀመርታ ናይ ወረዳ ኣኼባ ኣብ ታሪኽ እታ ጉባኤ ኣገዳሲ ቦታ እዩ ነይርዎ። ገለ ኻብቶም መጽሓፍ ቅዱስ ንኸጽንዑ ዝሓገዝናዮም ሰባት ኣብ ፈለግ ኒል ክጥመቑ ምርኣይ ሓደ ኻብቲ ጽቡቕ ተዘክሮታትና እዩ። እንተዀነ ግን: እቲ ሰላምና ነዊሕ ከይጸንሐ ተዘርገ።

ንእምነትናን ብልሓትናን ዝፈተነ እገዳ

ብ1971 ጀነራል ኢዲ ኣሚን ኣብ ስልጣን ደየበ። ሽዑ ኣብ ጂንጃ ዕግርግር ኰነ: እቲ ኣብ መእተዊ ዝገለጽክዎ ፍጻመ: ኣብ ስፍራ ኣታኽልትና ኾፍ ኢልና ሻሂ እናሰተና ኸለና እዩ ኣጋጢሙ። ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ኽልተ ዓመት ብዙሓት እስያውያን ካብታ ሃገር ተሰጉ። ሓያሎ ወጻእተኛታት ካብታ ሃገር ክወጹ ስለ ዝወሰኑ ኸኣ ኣብያተ-ትምህርትን ኣገልግሎት ሕክምናን ተጐድኣ። ድሕርዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ትሕቲ እገዳ ምዃኖም ዝገልጽ ዘሰምብድ ምልክታ ወጸ። እቲ ኽፍሊ ትምህርቲ ንድሕንነትና ብምሕላይ ናብታ ርእሲ ኸተማ ዝዀነት ካምፓላ ቐየረና። እዚ ብኽልተ መዳይ ጠቒሙና እዩ። እቲ ሓደ ኣብ ካምፓላ ብዙሓት ስለ ዘይፈልጡና: ከም ድላይና ንኽንንቀሳቐስ ዝያዳ ናጽነት ምርካብና ክኸውን ከሎ: እቲ ኻልኣይ ከኣ ኣብታ ኣብኡ ዝነበረት ጉባኤን ኣብ ግራት ኣገልግሎትን ብዙሕ ዝዕየ ዕዮ ምንባሩ እዩ።

ብራያን ዋላስ: ማሪዮን ዋላስ: ከምኡውን ክልተ ደቆም ከም ናትና ዝኣመሰለ ኵነታት እኳ እንተ ነበሮም: ንሳቶም እውን ኣብ ኡጋንዳ ኽጸንሑ ወሰኑ። ኣብቲ ጽንኩር እዋን ኣብ ጉባኤ ካምፓላ ምሳና ብሓባር የገልግሉ ብምንባሮም ብዙሕ እዩ ዘሐጕሰና ነይሩ። ምናዳ እቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ትሕቲ እገዳ ብዛዕባ ዘገልግሉ ኣሕዋት ዝገልጽ ተመክሮታት ብዙሕ የተባብዓና ነበረ። በብንእሽቶ ጕጅለ ንእከብ ነበርና: ሓንሳእ ኣብ ወርሒ ኸኣ ከም ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ኣምሲልና ኣብ መናፈሻ ኢንተቤ ንእከብ ነበርና። ደቅና ነዚ ብሉጽ ሓሳብ ገይረን ይርእያኦ ነበራ።

ኣብ ዕዮ ስብከት ክንሳተፍ ከለና ብዙሕ ክንጥንቀቕ ነበረና። ጸዓዱ ናብ እንዳ ኡጋንዳውያን ክኸዱ ዘይተለምደ ብምንባሩ ምእንቲ ኸይንጥመት ኢልና ኣብ ድኳናትን ኣፓርታማታትን ገሊኡ ቐጽሪ ኣብያተ-ትምህርትን ነገልግል ነበርና። ሓደ ኻብቲ ኣብ ድኳናት ዝጥቀመሉ ዝነበርኩ መእተዊ: ከም ሽኮር ወይ ሩዝ ዝኣመሰለ ፈጺምካ ዘይርከብ ነገራት እንተልዩ ምሕታት እዩ። እቲ ብዓል ድኳን ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሃገር ዝኸውን ዘሎ ነገራት ከም ዝሓዘነ እንተ ገሊጹ: መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ እነግሮ ነበርኩ። እዚ ዓይነት ኣቀራርባ ጽቡቕ ይዓዪ ነበረ። ሓድሓደ ግዜ: ተመላሊስካ ምብጻሕ ዝገብረሉ ሰብ ጥራይ ዘይኰነስ ብቐሊሉ ዘይርከብ ሸቐጣት እውን እረክብ ነበርኩ።

እንተዀነ ግን: ኣብ ከባቢና ዓመጻ እናኣስፋሕፍሐ ኸደ። ኣብ መንጎ ኡጋንዳን ብሪጣንያን ዝነበረ ርክብ እናተበላሸወ ብምኻዱ: እቶም ሰበ-ስልጣን ኵንትራትና ምሕዳስ ኣበዩ። ስለዚ: ብ1974 ንሸሞንተ ዓመት ኣብ ኡጋንዳ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ ኣሕዋትና ብሓዘን እንፈላለየሉ ተራና በጽሐ። እቲ ሚስዮናውያን ንምዃን ዝነበረና ባህጊ ግን ኣይሃሰሰን።

ናብ ኒው ጊኒ

ኣብ ጥሪ 1975 ኣብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ንኽንሰርሕ ዝቐረበልና ኣጋጣሚ ተጠቐምናሉ። ስለዚ ድማ ንሸሞንተ ዓመት ዝኸውን ኣብዛ ኣብ ፓስፊክ እትርከብ ሃገር ኣገልገልና። እቲ ምስ ኣሕዋትናን ኣብ ኣገልግሎትን ዘሕለፍናዮ ህይወት ትርጕምን ዓስብን ዘለዎ እዩ ነይሩ።

ኣብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ዝጸናሕናሉ እዋን: ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ድራማታት ኢና እንዝክሮ። ኣብ ዓዓመት ንኣውራጃዊ ኣኼባ ድራማ ኣብ ምድላው ንሳተፍ ነበርና: እዚ ኸኣ ብሓቂ ባህ ዘብል እዩ ነይሩ! ምስ ብዙሓት መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ስድራቤታት ዝነበረና ምቅርራብ ዘሐጕስ ነበረ: ኣብ ደቅና እውን ኣወንታዊ ጽልዋ ገይሩ እዩ። እታ ሳራ እትበሃል በዅሪ ጓልና ንረይ ስሚዝ ዝበሃል ፍሉይ ፓይነር ተመርዓወት: ኣብ ጥቓ ዶብ ኢሪያን ጃያ (ሕጂ ፓፑዋ እትበሃል ሓንቲ ኻብ ኣውራጃታት ኢንዶነዥያ) ድማ ብሓባር ፍሉያት ፓይነራት ኰይኖም ኣገልገሉ። ኣብኡ ኣብ ሓንቲ ቝሸት ኣብ እትርከብ ኣጕዶ ይነብሩ ነበሩ: ሳራ ድማ ኣብቲ እተመደቡሉ ቦታ ዘሕለፍዎ ግዜ ብዙሕ ከም ዘሰልጠና እያ እትዛረብ።

ምስ ናይ ኵነታት ለውጢ ተወሃሃድና

ኣብቲ ግዜ እቲ ወለደይ ተወሳኺ ኽንክን ኣድለዮም። ንሕና ናብ ዓዲ እንግሊዝ ተመሊስና ኣብ ክንዲ እንኸዶም ግን ንሳቶም ክመጹና ወሰኑ: ኵላትና ድማ ብ1983 ናብ ኣውስትራልያ ገዓዝና። ምስታ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ጃፓን ዝነበረት ዳፍኒ ሓብተይ እውን እተወሰነ ግዜ ኣሕሊፎም እዮም። ወለደይ ምስ ሞቱ ኣነን ኣንን ስርዓታውያን ፓይነራት ኴንና ኸነገልግል ቈረጽና: እዚ ድማ ኣብ ሓደ ኸቢድ ናይ ኣገልግሎት ኣጋጣሚ ንኽንጽመድ መገዲ ኸፈተልና።

ፓይነራት ኴንና ኸነገልግል ምስ ጀመርና: ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ክኸውን ጻውዒት ቀረበለይ። ካብ ቍልዕነተይ ኣትሒዘ ናይ ወረዳ ተዓዘብቲ ዝገብሩልና ምብጻሕ ከም ፍሉይ ነገር ገይረ እየ ዝርእዮ ነይረ። ሕጂ ግን ናይ ወረዳ ተዓዛቢ እየ ዀይነ። እዚ ኣገልግሎት እዚ ኽሳዕ ሕጂ ኣብ ህይወትና ኻብ እተመደብናሉ ኣገልግሎት ዝያዳ ኣጸጋሚ ዀይኑ ኢና ረኺብናዮ: የሆዋ ግን ብተደጋጋሚ ቕድሚኡ ርኢናዮ ብዘይንፈልጥ መገዲ ሓጊዙና እዩ።

ብ1990 ሓው ቴዶር ጃራዝ ናብ ኣውስትራልያ ኽበጽሕ ምስ መጸ: ዕድሜና ብምድፋኡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዄንና ኻብ ምግልጋል ዝዕንቅፈና እንተ ዀይኑ ሓተትናዮ። ንሱ ግን “ናብ ደሴታት ሰሎሞን እንተ ገዓዝኩምከ እንታይ ይመስለኩም፧” በለና። ስለዚ: ኣነን ኣንን ኣብ 50ታት ዕድሜና ንመጀመርታ ግዜ ብወግዒ ሚስዮናውያን ኴንና ንኸነገልግል ናብተን ደሴታት ገዓዝና።

ኣብተን “ሓጐስ ዝመልአን ንኣሽቱ ደሴታት” ኣገልገልና

ደሴታት ሰሎሞን ሓጐስ ዝመልአን ንኣሽቱ ደሴታት ተባሂለን ይጽውዓ እየን: እቲ ኣብ 1990ታት ኣብኡ ዘሕለፍናዮ ኣገልግሎት ከኣ ሓጐስ ዝመልኦ እዋን እዩ ነይሩ። ናይ ኣውራጃ ተዓዛቢ ዀይነ ኣብ ዘገልገልኩሉ እዋን ነቲ እቶም ኣብ ደሴታት ሰሎሞን ዝርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ዘለዎም ሕያውነት ርኢና ኢና። እቲ ዘርኣዩና እንግዶት ንልብና ተንከፎ: በቲ ኣብ ደሴታት ሰሎሞን ዝዝረብ ቋንቋኦም ገይረ ሓሳበይ ንኽገልጸሎም ዝገብሮ ዝነበርኩ ጻዕሪ ይርድኡለይ ነበሩ። እዚ ቛንቋ እዚ ሓደ ኻብቲ ኣብ ዓለም ዝርከብ ዝወሓደ ቓላት ዘለዎ ቛንቋታት እዩ።

ኣብ ደሴታት ሰሎሞን ድሕሪ ምእታውና ነዊሕ ከይጸንሐ: ተጻረርቲ ነቲ ዓበይቲ ኣኼባታት እንገብረሉ ኣደራሽ ንኸይንጥቀመሉ ኽዓናቕፉና ጸዓሩ። ቤተ-ክርስትያን ኣንግሊካን እቲ ኣብ ሆኒያራ ዝርከብ ዓበይቲ ኣኼባታት እንገብረሉ መአከቢ ኻብ መሬቶም እተወሰነ ኸም ዝወሰደ ብምጥቃስ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ከሰሰትና። መንግስቲ ነቲ ጕዳይ ስለ ዝደገፎ ኸኣ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ይግባይ በልና። እቲ ዝወሃብ ብይን ነቲ 1,200 ተኣከብቲ ዝሕዝ መአከቢ ክፈርስ ድዩ ወይስ ክቕጽል ዝውስን ነበረ።

እቲ ጕዳይ ንሓደ ሰሙን ኣብ ቤት ፍርዲ ተሰምዐ። እቲ እተኸሰስናሉ ጕዳይ ኣብ ዝቐርበሉ እዋን እቲ ንተጻረርትና ዝወከለ ጠበቓ ሕሉፍ ምትእምማን ነበሮ። ድሕርዚ እቲ ኻብ ኒው ዚላንድ ዝመጸ ሓው ዋረን ካርትከርት ዝበሃል ጠበቓና በብተራ ዘእምን መርትዖ ብምቕራብ: ንነፍሲ ወከፍ እቲ ተጻረርቲ ዘቕረብዎ ኽሲ ብምቅላዕ ኣፍረሶ። ክሳዕ ዓርቢ ኣብ ዝነበረ እዋን እቲ ኣብቲ መጋባእያ ዝፍጸም ዝነበረ ነገራት ኣብ ኵሉ ስለ እተሰምዐ: እቲ ቤት ፍርዲ ብመራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያን: ብሰበ-ስልጣን መንግስቲ: ከምኡውን ብክርስትያናት ኣሕዋት መሊኡ ነበረ። ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ዝስማዕ ዘሎ ጕዳይ ዝገልጽ መእተዊ ኽንበብ ከሎ እተገብረ ጌጋ ትዝ ይብለኒ። “መንግስቲ ደሴታት ሰሎሞንን ቤተ-ክርስትያን መላነዥያን ኣንጻር የሆዋ” ተባሂሉ ተነበ። ኣብቲ ጕዳይ ድማ ንሕና ተዓወትና።

ይኹን እምበር: እቲ ኣብተን ሓጐስ ዝመልአን ንኣሽቱ ደሴታት ዝነበረ ተዛማዲ ህድኣት ነዊሕ ኣይጸንሐን። ኣነን ኣንን ድማ እንደገና ህውከትን ወተሃደራዊ ዕልዋን ረኣና። ቀቢላዊ ንሕንሕ ናብ ውግእ ሓድሕድ ኣምርሐ። ብ 5 ሰነ 2000 እቲ መንግስቲ ተገልበጠ: እታ ርእሲ ኸተማ ድማ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ዕጡቓት ወተሃደራት ኣተወት። ንእተወሰነ ሰሙናት እቲ ዓበይቲ ኣኼባ እንገብረሉ ኣደራሽ ነቶም ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ሰባት መዕቈቢ ዀነ። እቶም ሰበ-ስልጣን ንሓድሕዶም ዝጻልኡ ቐቢላ ዝመበቈሎም ክርስትያናት ኣሕዋትና ኣብቲ ኣደራሽና ሓደ ስድራቤት ኰይኖም ብሰላም ክነብሩ ብምርኣዮም ተገረሙ። እዝስ ከመይ ዝኣመሰለ ሰናይ ምስክርነት ኰን እዩ ዝዀነ!

እቶም ወተሃደራት እውን ከይተረፉ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበሮም ገለልትነት ኣኽቢሮም ይርእይዎ ነበሩ። ሳላዚ ድማ ንሓደ ኣዛዚ ወተሃደራት: ተቓወምቲ ሰራዊት ኣብ እተቘጻጸርዎ ቦታታት ንዝነብሩ ኣሕዋትና ብማኪና ጌርና ጽሑፋትን ካልእ ዘድሊ ነገራትን ከነብጽሓሎም ፍቓድ ንኽህበና ኣእመንናዮ። እቶም ንእተወሰነ ኣዋርሕ ምሳና ርክብ ዘይነበሮም ስድራቤታት ምስ ረኸብናዮም: ንብዓት ዘይሰዓሮ ሰብ ኣይነበረን።

ብዙሕ እነማስወሉ ነገራት

ነቲ ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ዘሕለፍናዮ ህይወት ክንሓስበሉ ኸለና: ብዙሕ እነማስወሉ ነገራት ኣሎና። ከም ወለዲ መጠን ክልቲአን ደቅናን ረይን ጆንን ዝበሃሉ ሰብኡተንን ንየሆዋ ብተኣማንነት የገልግሉ ብምህላዎም ተባሪኽና ኢና። ሚስዮናውያን ኴንና ኣብ እንፍጽሞ ኣገልግሎት ብዙሕ እዮም ዝድግፉና።

ኣብ ዝሓለፈ 12 ዓመት ኣነን ኣንን ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ደሴታት ሰሎሞን ናይ ምግልጋል ኣጋጣሚ ረኺብና ኢና። ብዝሒ እቶም ኣብ ደሴታት ሰሎሞን ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኖም ዘገልግሉ ድማ ዕጽፊ ብምዃን ልዕሊ 1,800 ክበጽሕ ርኢና ኢና። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ፓተርሰን: ኒው ዮርክ: ንኣባላት ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዝወሃብ ትምህርቲ ናይ ምስታፍ ፍሉይ ኣጋጣሚ ረኺበ እየ። እምበኣር: ሚስዮናውያን ንምዃን ዝነበረና ባህጊ ብዘይምህሳሱ ብሓቂ ዘዕግብ ህይወት ኣሕሊፍና: ብዙሕ በረኸት ድማ ረኺብና ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነታ ኣብ ናይ 15 ጥሪ 1977 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ዝወጸት “ኣይተደናጐናን” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ብ1960 ኣብ መዓልቲ መርዓና

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኡጋንዳ ስታንሊ ማኩምባን ኢሲናላ ማኩምባን ንስድራቤትና ምንጪ ምትብባዕ እዮም ነይሮም

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ሳራ ናብ እንዳ ጐረቤትና ኽትኣቱ ኸላ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ነቶም ተቐማጦ ደሴታት ሰሎሞን ንምምሃር ስእልታት ሰኣልኩ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ደሴታት ሰሎሞን ኣብ እተገለለ ቦታ ምስ እትርከብ ጕጅለ እተገብረ ኣኼባ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ስድራቤትና ኣብዚ እዋን እዚ