ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንውግእ መወዳእታ ዝግበረሉ እዋን

ንውግእ መወዳእታ ዝግበረሉ እዋን

ንውግእ መወዳእታ ዝግበረሉ እዋን

‘ደቂ 12 ዓመት ኢና። ኣብ ፖለቲካ ዀነ ኣብ ውግእ ጽልዋ ክህልወና ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና: ብህይወት ክንነብር ግን ንደሊ ኢና! ንሰላም ንጽበያ ኢና። ንርእያ ደዀን ንኸውን፧’—ደቂ ሓደ ኽፍሊ ዝዀኑ ተማሃሮ ሓምሻይ ክፍሊ

‘ከይንጭወ ኻብ ዝብል ፍርሂ ሓራ ዄንና ትምህርቲ ኽንከይድ: ፈተውትናን ስድራቤትናን ከኣ ክንበጽሕ ንደሊ ኢና። እዚ መንግስቲ እዚ ኽሰምዓና ድማ ተስፋ እገብር። ዝሓሸ ህይወት ኢና እንደሊ። ሰላም ኢና እንደሊ።’—ወዲ 14 ዓመት ኣልሃጂ

እዚ ልቢ ዝትንክፍ ቃላት እዚ ልባዊ ትምኒት እቶም ብውግእ ሓድሕድ ንሓያሎ ዓመታት እተሳቐዩ ቘልዑ ዝገልጽ እዩ። ንቡር ህይወት ክነብሩ እዩ ትምኒቶም። ንትምኒት ጋህዲ ምግባር ግን ቀሊል ኣይኰነን። ውግእ ዘይብላ ዓለም ንርኢ ደዀን ንኸውን፧

ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ነቶም ተጻባእቲ ጕጅለታት ስምምዕ ሰላም ንኽፍርሙ ጸቕጢ ብምግባር ንገሊኡ ውግእ ሓድሕድ ንምፍታሕ ዓለምለኻዊ ጻዕርታት ተገይሩ እዩ። ገሊኣተን ሃገራት ነዚ ስምምዓት እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ሰራዊት ዓቃቢ ሰላም ዝልእኻ እኳ እንተዀና: ብሰንኪ ሱር ዝሰደደ ጽልእን ጥርጣረን ንዝገብርዎ ስምምዕ ከኽብሩ ንዘይክእሉ ኣብ ርሑቕ ዝርከቡ ተጻባእቲ ጃንዳታት ንምቍጽጻር ዘኽእለን ገንዘብ ኰነ ድሌት ዘለወን ሃገራት ግን የለዋን። መብዛሕትኡ እዋን እቲ ተዅሲ ደው ንምባል እተገብረ ስምምዕ ምስ ተፈረመ ሒደት ሰሙናት ወይ ኣዋርሕ ጸኒሑ እቲ ግጭት ከም ብሓድሽ እዩ ዝባራዕ። ከምቲ ናይ እስቶክሆልም ዓለምለኻዊ ትካል ምርምር ሰላም ዝሓበሮ: “ውግእ ንክቕጽሉ ድሌት ኰነ ዓቕሚ ዘለዎም ተዋጋእቲ ኣብ ዘለዉሉ: ሰላም ምግባር ኣጸጋሚ እዩ።”

እዚ ንምቍጽጻሩ ዘጸግም ኣብ ብዙሕ ክፍልታት ምድሪ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ግጭታት: ንክርስትያናት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ትንቢት እዩ ዘዘኻኽሮም። መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ብዛዕባ ሓደ ኣብ ታሪኽ ወሳኒ ዝዀነ እዋን ክዛረብ ከሎ: ሓደ ምሳልያዊ ብዓል ፈረስ ‘ንሰላም ካብ ምድሪ ኸም ዘርሕቓ’ ተገሊጹ ኣሎ። (ራእይ 6:4) እዚ ብትንቢት እተገልጸ ቀጻሊ ውግእ ሓደ ኽፋል እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ዳሕሮት መዓልትታት” ተባሂሉ ዝጽዋዕ እዋን ንነብር ከም ዘለና ዝሕብር ምልክት እዩ። a (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ይኹን እምበር: ቃል ኣምላኽ ደድሕሪ እዘን ዳሕሮት መዓልትታት እዚኣተን ሰላም ከም ዝመጽእ እዩ ዘረጋግጸልና።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዝሙር 46:9 ናይ ሓቂ ሰላም ንኽመጽእ ኣብ ሓደ ዞባ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ብዘላ ምድሪ ንውግእ መወዳእታ ኽግበረሉ ኸም ዘድሊ እዩ ዝሕብር። ኣብ ርእሲ እዚ: እዛ መዝሙር እዚኣ እቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ: ከም ቀስትን ኲናትን ዝኣመሰለ ኣጽዋር ከም ዝሰባበር እውን ትገልጽ እያ። ሕጂውን ደቅሰብ ብሰላም ክነብሩ እንተ ዀይኖም: እዚ ሎሚ ፈቐዶኡ ዝርከብ ዘሎ ኣጽዋር ክጠፍእ ኣለዎ።

ብቐጻሊ ውግእ ንኽግበር ልዕሊ ዅሉ ጠንቂ ዀይኑ ዘሎ ግን ጠያይትን ጠበናጁን ዘይኰነስ ጽልእን ስስዐን እዩ። ስስዐ ቐንዲ ጠንቂ ውግእ ክኸውን ከሎ: ጽልኢ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ዓመጻ እዩ ዝመርሕ። ነዚ ጐዳኢ ስምዒታት እዚ ኻብ ሱሩ ንምምሓው: ሰባት ኣተሓሳስባኦም ብምቕያር መገዲ ሰላም ክመሃሩ ኣለዎም። ስለዚ: ከምቲ እቲ ጥንቲ ዝነበረ ነብዪ ኢሳይያስ ዝገለጾ ውግእ ዘቋርጽ: ደቅሰብ ‘ውግእ እንተ ዘይተማሂሮም’ ጥራይ እዩ።—ኢሳይያስ 2:4

ይኹን እምበር: ኣብዚ እዋን እዚ ንዓበይቲ ዀኑ ንንኣሽቱ ኣድላይነት ሰላም ዘይኰነስ ብዛዕባ እቲ ውግእ ዘምጽኦ ዝና ኣብ እትምህር ዓለም ኢና እንነብር ዘሎና። እቲ ዘሕዝን ከኣ ቈልዑ እውን ከይተረፉ ንክቐትሉ ይዕለሙ ኣለዉ።

ንክቐትሉ ታዕሊም ተዋህቦም

ኣልሃጂ ወዲ 14 ዓመት ከሎ: ካብ ሰራዊት ተሰናበተ። ዓሳክር ተቓወምቲ ጕጅለ ወሲዶም ብካላሺን ክዋጋእ ከሰልጥንዎ ኸለዉ ወዲ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ነበረ። ኣገዲዶም ምስ ኣሰለፍዎ: መግቢ ኣብ ምዝራፍ ኰነ ኣባይቲ ኣብ ምብራዕ ተሳተፈ። ሰባት ቀተለ: ንገሊኣቶም ድማ መሓውሮም ቈረጾም። ኣብዚ እዋን እዚ ኣልሃጂ ንውግእ ካብ ኣእምሮኡ ብምውጻእ ናብ ሰላማዊ መነባብሮኡ ንኽምለስ ከቢድዎ ኣሎ። ካልእ ብቝልዕነቱ ተዋጋኢ ዝዀነ ኣብርሃም: ንሰብ ብኸመይ ከም ዝቐትል ታዕሊም ስለ እተዋህቦ: ሕጂ ብረቱ ኸስተልም ኣይደልን እዩ። “ብዘይ ብረተይ ኪድ እንተ ኢሎምኒ: እንታይ ከም ዝገብርን ዝበልዖ ነገር ብኸመይ ከም ዝረከብን ኣይፈልጥን እየ” በለ።

ኣወዳት ኰኑ ኣዋልድ ዝርከብዎም ካብ 300,000 ዝበዝሑ ቈልዑ: ኣብቲ ኣብዛ ምድርና ኣስፋሕፊሑ ዘሎ መወዳእታ ዘይብሉ ውግእ ሓድሕድ ይዋግኡን ይሞቱን ኣለዉ። ሓደ መራሒ ተቓወምቲ ጕጅለ ብዛዕባ እቶም ተዋጋእቲ ቘልዑ “ትእዛዝ የኽብሩ እዮም፣ ናብ ሰበይተይ ወይ ስድራቤተይ ክምለስ እየ ዝብል ሓሳብ የብሎምን፣ ፍርሂ ዝበሃል እውን ኣይፈልጡን እዮም” ብምባል ገለጸ። እንተዀነ ግን: እዞም ቈልዑ እዚኣቶም ዝሓሸ ናብራ ኽነብሩ ይደልዩ እዮም: ዝግብኦም ከኣ እዩ።

ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ቈልዑ ወተሃደራት ክዀኑ ዘይመስል ኰይኑ ይርአ ይኸውን። ይኹን እምበር: ብዙሓት ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝነብሩ ቘልዑ ኣብ ውሽጢ ኣባይቶም ኰይኖም ውግእ እዮም ዝመሃሩ ዘለዉ። ብኸመይ፧

ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ስጳኛ ንዝርከብ ሆሴ ዘጋጠሞ እስከ ንርአ። እዚ ኰተቴ እዚ ማርሻል ኣርት ዝበሃል ዓይነት ቃልሲ ይመሃር ነበረ። እታ ኣቦኡ ኣብ በዓል ልደት ክርስቶስ ዝዓደገሉ ነዋሕ ሰይፊ ጃፓናውያን ኣኽቢሩ ዝርእያ ንብረቱ ነበረት። ጸወታታት ቪድዮ: ብፍላይ ከኣ ዓመጻ ዝበዝሖ ዘበለ ይፈቱ ነበረ። ብ1 ሚያዝያ 2000 ነቲ ኣብ ናይ ቪድዮ ጸወታ ዝርእዮ ዝነበረ ነገራት ኣብ ጋህዲ ዓለም ፈጸሞ። ዓመጻ ኽፍጽም ካብ ዝነበሮ ኽቱር ድሌት ተላዒሉ: በታ ኣቦኡ ዝሃቦ ሰይፊ ገይሩ ነቦኡን ነዲኡን ንሓብቱን ቀተለ። ንኣባላት ፖሊስ ከኣ “ኣብዛ ዓለም በይነይ እየ ኽነብር ዝደሊ፣ ወለደይ ክከናኸኑኒ ኣይደልን እየ” በሎም።

ዴቭ ግሮስማን ዝበሃል ደራስን ወተሃደራዊ መኰንንን: ዓመጻ ዝመልኦ መዘናግዒታት ብዛዕባ ዘለዎ ጽልዋታት ከምዚ በለ:- “ቃንዛን ስቓይን ኣብ ክንዲ ዘስካሕክሓና: ባህታ ዝፈጥር ምንጪ መዘናግዒ ኣብ ዝዀነሉ ናይ ሕልና ምድንዛዝ ኢና በጺሕና ዘሎና። ቅትለት ንመሃር ኣሎና: ንፈትዎ እውን ኣሎና።”

ኣልሃጂን ሆሴን ምቕታል እዮም ተማሂሮም። ክልቲኦም ቀተልቲ ዀይኖም ኣይኰኑን ተፈጢሮም: የግዳስ እቲ ብእተፈላለየ መዳይ እተዋህቦም ታዕሊም ወይ እቲ ስልጠና እዩ ነተሓሳስባኦም ዝቐየሮ። ከምዚ ዝኣመሰለ ታዕሊም ንቘልዑ ይኹን ንዓበይቲ ምስ ዝወሃብ ዓመጻን ውግእን እዩ ዘፍሪ።

ኣብ ክንዲ ውግእ: ሰላም ብኸመይ ከም እትመሃር

ሰባት ንክቐትሉ እናተዓለሙ ኸለዉ ነባሪ ሰላም ክርከብ ዘበት እዩ። ነዊሕ ዘመናት ኣቐዲሙ ነብዪ ኢሳይያስ ‘ትእዛዛት ኣምላኽ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ: ሰላምካ ኸም ወሓዚ ምዀነ ነይሩ’ ኢሉ ጸሓፈ። (ኢሳይያስ 48:17, 18) ሰባት ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ርጡብ ፍልጠት ምስ ኣጥረዩን ሕጊ ኣምላኽ ንኸፍቅሩ ምስ ተማህሩን: ንዓመጻን ውግእን ክቱር ጽልኢ እዩ ዝሓድሮም። ሕጂውን እንተዀነ ወለዲ ነቲ ውሉዳቶም ዝጻወትዎ ጸወታታት ዓመጻ ዘየተባብዕ እንተ ዀይኑ ኽምርምሩ ኣለዎም። ዓበይቲ እውን እንተዀኑ ጽልእን ስስዐን ከወግዱ ይኽእሉ እዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቃል ኣምላኽ ባህርያት ሰባት ንክቕይር ሓይሊ ኸም ዘለዎ ብተደጋጋሚ ኣስተውዒሎም እዮም።—እብራውያን 4:12

ሓደ ኦርተንስዮ ዝስሙ ዘሕለፎ ተመክሮ እስከ ንርአ። ብግዲ ተኸቲቡ ወተሃደር ክኸውን ከሎ ገና መንእሰይ ነበረ። ብዛዕባ እቲ እተዋህቦም ወተሃደራዊ ታዕሊም ‘ንሰባት ናይ ምቕታል ባህጊ ኣብ ውሽጦም ንኽሰርጸሎምን ቅትለት ፈጺሙ ንኸየፍርሆምን’ ዘተባብዕ ምንባሩ ገለጸ። ኣብ ኣፍሪቃ ንነዊሕ እዋን ኣብ ዝቐጸለ ውግእ ሓድሕድ ተዋግአ። “እቲ ውግእ ንባህርየይ ቐየሮ። ሕጂውን እንተዀነ ዅሉ እቲ ዝገበርክዎ ይዝከረኒ እዩ። በቲ ተገዲደ ዝገበርክዎ ነገራት ሕማቕ እዩ ዝስምዓኒ” ብምባል ስምዒቱ ገለጸ።

ሓደ ብጻዩ ዝነበረ ወተሃደር ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ነገሮ: ልቢ ኦርተንስዮ ተተንከፈ። እቲ ኣምላኽ ኣብ መዝሙር 46:9 ንዅሉ ውግእ መወዳእታ ኸም ዝገብረሉ ዝኣተዎ መብጽዓ መሰጦ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ኸጽንዕ ምስ ጀመረ: ንኽዋጋእ ዝነበሮ ባህጊ እናነከየ ኸደ። ነዊሕ ከይጸንሐ ንሱን ክልተ ብጾቱን ካብ ሰራዊት ተባረሩ: ድሕርዚ ንየሆዋ ኣምላኽ ህይወቶም ወፈዩ። ብዛዕባዚ ኦርተንስዮ “ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ጸላእተይ ከፍቅር ሓገዘኒ። ኣምላኽ ንሰብ ክንቀትል ከም ዘይብልና ስለ ዝኣዘዘና: ኣብ ውግእ ብምስታፈይ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሓጢኣት እፍጽም ምንባረይ ፈለጥኩ። ፍቕሪ ንኸንጸባርቕ: ኣተሓሳስባይ ክቕይር: ንሰባት ከኣ ጸላእተይ ገይረ ኻብ ምርኣይ ክቝጠብ ነበረኒ” በለ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሓቂ ታሪኽ ህይወት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ትምህርቲ ሰላም ከም ዘምጽእ እዩ ዘርኢ። እዚ ዘገርም ኣይኰነን። ከመይሲ: ነብዪ ኢሳይያስ እቲ ኣምላኽ ዝህቦ ትምህርቲ ብቐጥታ ሰላም ከም ዘምጽእ ክሕብር ከሎ: “ኵላቶም ደቅኺ ብእግዚኣብሄር ኪምሀሩ እዮም: ሰላም ደቅኺውን ዓብዪ ኪኸውን እዩ” ኢሉ ተነበየ። (ኢሳይያስ 54:13) እዚ ነብዪ እዚ ነቲ ዅሎም ኣህዛብ መገድታት የሆዋ ኣምላኽ ንኽመሃሩ ኢሎም ናብ ንጹህ ኣምልኾኡ ዝውሕዙሉ ግዜ ተነብዩ እዩ። እዚኸ እንታይ ፍረ እዩ ዘፍሪ፧ “ንሳቶም ከኣ ኣስያፎም ንማሕረሻታት: ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም። ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ: ደጊምሲ ውግእ ኣይኪመሀሩን እዮም።”—ኢሳይያስ 2:2-4

ከምቲ ኣብዚ ትንቢት እዚ እተገልጸ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ሰባት ነቲ ቐንዲ ጠንቂ ውግእ ዝዀነ ጽልኢ ንኸርሕቑ ኣብ ዝሕግዝ ዓለምለኻዊ ትምህርታዊ ዕዮ ተጸሚዶም ኣለዉ።

ዓለምለኻዊ ሰላም ብርግጽ ክመጽእ እዩ

ኣምላኽ ኣብ ርእሲ እቲ ዘዳለዎ ትምህርቲ: ዓለምለኻዊ ሰላም እተምጽእ መንግስቲ እውን ኣቚሙ ኣሎ። እምበኣር: መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣምላኽ ገዛኢ ክኸውን ዝመረጾ የሱስ ክርስቶስ “መስፍን ሰላም” ኢሉ ኽጽውዖ ሓቁ እዩ። ብተወሳኺውን: “ኣብ መንግስቱን ዕቤት ግዝኣቱን ሰላሙን መወዳእታ የብሉን” ብምባል የረጋግጸልና።—ኢሳይያስ 9:6, 7

ግዝኣት ክርስቶስ ንዅሉ ዓይነት ውግእ መወዳእታ ኸም ዝገብረሉ እንታይ መረጋገጺ ኣሎና፧ ነብዪ ኢሳይያስ ኣስዕብ ኣቢሉ “ቅንኣት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ነዚ ኺገብር እዩ” ይብል። (ኢሳይያስ 9:7) ኣምላኽ ነባሪ ሰላም ንኸምጽእ ድሌትን ክእለትን ኣለዎ። የሱስ ኣብዚ መብጽዓ እዚ ምትእምማን ኣለዎ። ስለዚ ኸኣ እዩ ንሰዓብቱ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትመጽእን ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ንክኸውንን ክጽልዩ ዝመሃሮም። (ማቴዎስ 6:9, 10) እዚ ለመናና መልሲ ምስ ረኸበ: ውግእ ካብ ዝባን ምድሪ ኽጠፍእ እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘለና ዝገልጽ መርትዖ እንተ ደሊኻ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ምዕራፍ 11 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓቂ ሰላም የምጽእ