ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ይሓልየልና ድዩ፧

ኣምላኽ ይሓልየልና ድዩ፧

ኣምላኽ ይሓልየልና ድዩ፧

ኣብ ስድራቤትካ: ጥዕናኻ: ስራሕካ ብዘጋጥመካ ጸገማት: ወይ ከቢድ ሓላፍነት ስለ ዘለካ: ምስ ስምዒታዊ ጾር ትቃለስ ዲኻ፧ ብዙሓት ሰባት ከምዚ የጋጥሞም እዩ። ኣብዚ ግዜና ብምጕዳል ፍትሕን ብገበንን ብዓመጻን ዘይትንከፍ እሞ መን እዩ፧ እወ: ልክዕ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝበሎ ‘ብዘሎ እቲ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ የስቈርቍርን ቅልውላው ሒዝዎን እዩ ዘሎ።’ (ሮሜ 8:22) እምበኣር: ብዙሓት ሰባት ‘ኣምላኽ ይሓልየልና ድዩ፧ ክሕግዘናዶኸ እዩ፧’ ኢሎም እንተ ሓተቱ ዘገርም ኣይኰነን።

እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን ናብ ኣምላኽ ክጽሊ ኸሎ “ንልቢ ደቂ ሰብ እትፈልጦ ንስኻ በይንኻ ኢኻ” በለ። ሰሎሞን: ኣምላኽ ከም ዝፈልጠና ጥራይ ዘይኰነስ: ብደረጃ ውልቀ-ሰብ እውን ከም ዝሓልየልና ይተኣማመን ነበረ። ንኣምላኽ ድማ ‘ካብ ሰማይ ክሰምዓና’ ከምኡውን ንነፍሲ ወከፍ “ቍስሉን ቃንዛኡን” ንዕኡ ዝገለጸ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ውልቀ-ሰብ ክምልሰሉ ለመኖ።—2 ዜና መዋእል 6:29, 30

ኣብዚ ግዜና እውን የሆዋ ኣምላኽ ይሓልየልናን ብጸሎት ክንጽውዖ ይዕድመናን እዩ። (መዝሙር 50:15) ነቲ ኻብ ልቢ ዝመነጨ ጸሎት ከኣ ምስ ፍቓዱ ብምስምማዕ መልሲ ኸም ዝህበሉ ተመባጺዑልና ኣሎ። (መዝሙር 55:16, 22፣ ሉቃስ 11:5-13፣ 2 ቈረንቶስ 4:7) እወ: የሆዋ ‘ዝዀነ ሰብ ወይ ኵሉ ህዝቡ ዝጽልዮ ዅሉ ጸሎትን ኵሉ ምህልላን’ ይሰምዕ እዩ። ስለዚ: ኣብ ኣምላኽ እንተ ተኣሚንና: ሓገዝ ክህበና እንተ ጸሊና: ከምኡውን እንተ ቐሪብናዮ: ከም ዝሓልየልናን ከም ዝመርሓናን ኣብ ህይወትና ኽንርእዮ ኢና። (ምሳሌ 3:5, 6) ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ያእቆብ “ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” ብምባል የረጋግጸልና።—ያእቆብ 4:8