ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኵሉ ሰብ ክብሪ የሆዋ ይኣውጅ

ኵሉ ሰብ ክብሪ የሆዋ ይኣውጅ

ኵሉ ሰብ ክብሪ የሆዋ ይኣውጅ

“ክብርን ሓይልን ንእግዚኣብሄር ሀብዎ። ንእግዚኣብሄር ክብሪ ስሙ ሀቡ።” መዝሙር 96:7, 8

1, 2. የሆዋ ኻብ መን እዩ ኽብሪ ዝወሃቦ: መንከ እዮም ኣብዚ ሓቢሮም ክብሪ ኽህቡ ምሕጽንታ ዝቐርበሎም፧

 ዳዊት ወዲ እሴይ ኣብ ከባቢ ቤት-ልሄም ጓሳ ዀይኑ እዩ ዓብዩ። ስለዚ: ኣብ ከውታ ለይቲ ንመጓሰ ኣቦኡ ኽሕሉ ኸሎ ነቲ ኸዋኽብቲ ዝመልአ ሰማይ ይምልከት ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ሓያል ጦብላሕታ ስለ ዘሕደረሉ: ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ ነቲ ኣብ መበል 19 መዝሙር ዝርከብ “ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ: ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ የውሪ። ገመዶም ናብ ኵላ ምድሪ: ቃላቶም ድማ ክሳዕ ወሰን ዓለም ይወጽእ አሎ” ዝብል ዝምስጥ ቃላት ኣቀናቢሩ ዘመረ።—መዝሙር 19:1, 4

2 እቲ የሆዋ ዝፈጠሮ ዘደንቕ ሰማያት ብዘይ ዘረባ: ብዘይ ቃላት: ከምኡውን ብዘይ ድምጺ መዓልቲ ዀነ ለይቲ ኽብሪ የሆዋ የዘንቱ። ፍጥረት ክብሪ የሆዋ ኻብ ምእዋጅ ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን እዩ። እዚ ብዘይ ደሃይ ዝወሃብ ምስክርነት ኵሉ ህዝቢ ምእንቲ ኽሰምዖ ናብ “ኵላ ምድሪ” ዝወጽእ ምዃኑ ኽሳዕ ክንደይ ደቀቕቲ ፍጥረታት ምዃንና እዩ ዘዘኻኽረና። እንተዀነ ግን: እዚ ፍጥረት ብዘይ ደሃይ ዝህቦ ምስክርነት እኹል ኣይኰነን። እሙናት ደቅሰብ ብዝስማዕ ደሃይ ኣብዚ ምስክርነት ክካፈሉ ምሕጽንታ ይወሃቦም እዩ። ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ ጸሓፍ መዝሙር ንእሙናት ኣምለኽቲ ብመንፈስ ተደሪኹ “ክብርን ሓይልን ንእግዚኣብሄር ሀብዎ። ንእግዚኣብሄር ክብሪ ስሙ ሀቡ” በሎም። (መዝሙር 96:7, 8) እቶም ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ዘለዎም ነዚ ምሕጽንታ እዚ ተሓጒሶም እዮም ዝቕበልዎ። ንየሆዋ ኽብሪ ምሃብ ክበሃል ከሎ ግን እንታይ እዩ ዘጠቓልል፧

3. ሰባት ንኣምላኽ ክብሪ ዝህብዎ ብኸመይ እዮም፧

3 ንኣምላኽ ክብሪ ንምሃብ ቃላት ጥራይ እኹል ኣይኰነን። እቶም ብግዜ ኢሳይያስ ዝነበሩ እስራኤላውያን ብኸናፍሮም ንኣምላኽ ክብሪ ይህብዎ እኳ እንተ ነበሩ: ካብ ልቦም ግን ኣይነበረን። የሆዋ ብኢሳይያስ ኣቢሉ “እዚ ህዝቢ እዚ ብኣፉ ኻብ ዚቐርበኒ: ብኸናፍሩውን ካብ ዜኽብረኒ: ልቡ ግና ካባይ ካብ ዚርሕቕ” በሎም። (ኢሳይያስ 29:13) እዞም ሰባት እዚኣቶም ዘውስእዎ ዝዀነ ይኹን ውዳሰ ኸንቱ እዩ ነይሩ። ውዳሰ ትርጕም ዘለዎ ንክኸውን: ካብቲ ንየሆዋ ብዘሎካ ፍቕሪ ዝመልአ ልቢ ዝፈልፈለን ነቲ ፍሉይ ክብሩ ብሓቂ ኣፍልጦ ዝህብን ክኸውን ኣለዎ። የሆዋ በይኑ እዩ ፈጣሪ። ኵሉ ዝኽእል: ፍትሓዊ: ከምኡውን ፍቕሪ እዩ። ምንጪ ድሕነትና ኸኣ እዩ፣ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዝርከብ ኵሉ ፍጡር ክግዝኦ ዝግባእ ሉዓላዊ እውን እዩ። (ራእይ 4:11፣ 19:1) ነዚ ነገራት እዚ ብሓቂ እንተ ኣሚንናሉ: ብምሉእ ልብና ኽብሪ ንሃቦ።

4. የሱስ ንኣምላኽ ብኸመይ ክብሪ ኽንህቦ ኸም ዘሎና ኽገልጽ ከሎ እንታይ መምርሒ እዩ ዝሃበ: ነዝኸ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ንኽእል፧

4 የሱስ ክርስቶስ “ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹም: ኣቦይ በዚ ይኸብር: ደቀ መዛሙርተይውን ክትኰኑ ኢኹም” ብምባል ንኣምላኽ ብኸመይ ክብሪ ኸም እንህቦ ነጊሩና እዩ። (ዮሃንስ 15:8) ብኸመይ ኢና ግን ብዙሕ ፍረ እንፈሪ፧ ቀዳማይ: “ወንጌል መንግስቲ” ኣብ ምስባኽ ብምሉእ ነፍስና ምስ እንሳተፍ እሞ ምስ ኵሉ ፍጥረት ሓቢርና ብዛዕባቲ ‘ዘይርኤ ባህርይ’ ኣምላኽ ምስ ‘እነውሪ’ እዩ። (ማቴዎስ 24:14፣ ሮሜ 1:20) በዚ ኸምዚ ኸኣ እንተ ብቐጥታ እንተ ብተዘዋዋሪ ነቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ኣብ ምውዳስ ዝሓብሩና ሰባት ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ንሳተፍ። ካልኣይ: ፍረ መንፈስ ቅዱስ ንፈሪ: ነቲ ብሉጽ ባህርያት የሆዋ ኣምላኽ ክንቀድሖ ድማ ንጽዕር። (ገላትያ 5:22, 23፣ ኤፌሶን 5:1፣ ቈሎሴ 3:10) ሽዑ ኣካይዳና ንኣምላኽ ዘኽብር ኰይኑ ኽርከብ እዩ።

“ናብ ኵሉ ምድሪ”

5. ክርስትያናት እምነቶም ንኻልኦት ብምንጋር ንኣምላኽ ክብሪ ኽህቡ ኸም ዘለዎም ጳውሎስ ብኸመይ ከም ዘጕልሐ ግለጽ።

5 ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ሮሜ ዝጸሓፋ መልእኽቱ: ክርስትያናት እምነቶም ንኻልኦት ብምንጋር ንኣምላኽ ክብሪ ንኽህብዎ ብዛዕባ ዘለዎም ሓላፍነት ኣጕልሐ። ፍረ ነገር እታ ናብ ሰብ ሮሜ ዝጸሓፋ መልእኽቲ: እቶም ብየሱስ ክርስቶስ ዝኣምኑ ጥራይ ከም ዝድሕኑ ዝብል እዩ። ጳውሎስ ኣብ ምዕራፍ 10 ናይዛ መልእኽቱ: እቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ብስጋ እስራኤላውያን ‘ክርስቶስ መደምደምታ ሕጊ’ ኽነሱ ነቲ ሕጊ ሙሴ ብምስዓብ ክጸድቁ ኸም ዝጽዕሩ ገለጸ። ስለዚ ድማ “ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ: ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ አመንካ: ክትድሕን ኢኻ” በለ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ “ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ: ንሱስ ሓደ ጐይታ እዩ: ነቶም ዚጽውዕዎ ዅሎምውን ሃብታም እዩ እሞ: ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ጽርኣውን ሌላን ጕሌላን የልቦን።”—ሮሜ 10:4, 9-13

6. ጳውሎስ ንመዝሙር 19:4 ኣብ ምንታይ እዩ ዘውዓላ፧

6 ድሕሪኡ ጳውሎስ “ነቲ ብእኡ ዘይአመኑ ኸመይ ኢሎም ኪጽውዕዎ እዮም፧ ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኸ: ከመይ ገይሮም ብእኡ ኺአምኑ፧ ብዘይሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑ፧” ዝብል ርትዓዊ ሕቶታት ኣቕረበ። (ሮሜ 10:14) ብዛዕባ እስራኤላውያን ከኣ “ኵላቶም ንወንጌል ኣይተአዘዝዋን” በለ። እስራኤላውያን ዘይተኣዘዙ ስለምንታይ እዮም፧ ዘይተኣዘዙሉ ምኽንያት ኣጋጣሚ ብዘይምርካቦም ዘይኰነስ: እምነት ስለ ዘይነበሮም እዩ። ጳውሎስ መዝሙር 19:4 ጠቒሱ ኣብቲ ብዘይ ደሃይ ምስክርነት ዝህብ ፍጥረት ዘይኰነስ: ኣብቲ ክርስትያናት ዝፍጽምዎ ዕዮ ስብከት ብምውዓል ነዚ ገለጾ። “ደሃዮም ናብ ኵሉ ምድሪ ወጸ: ቃሎምውን ክሳዕ ወሰን ዓለም በጽሔ” ድማ በለ። (ሮሜ 10:16, 18) እወ: ከምቲ ግኡዝ ፍጥረት ንየሆዋ ኽብሪ ዝህቦ: እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እውን ነቲ ድሕነት ዝርከበሉ ብስራት ኣብ ኵሉ ሰበኹ: በዚ ኸምዚ ኸኣ ንየሆዋ ኣብ “ኵሉ ምድሪ” ወደስዎ። ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈሎሴ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ: እቲ ብስራት ክሳዕ ክንደይ ከም እተዘርግሐ ገሊጹ ኣሎ። እቲ ብስራት “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር” ከም እተሰብከ ሓበረ።—ቈሎሴ 1:23

ቀናኣት መሰኻኽር

7. ክርስትያናት እንታይ ሓላፍነት ከም ዘለዎም እዩ የሱስ እተዛረበ፧

7 ጳውሎስ ድሕሪ ሞት የሱስ ክርስቶስ 27 ዓመት ጸኒሑ እዩ ዝኸውን ንሰብ ቈሎሴ መልእኽቱ ዝጸሓፈሎም። ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ እቲ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ቈሎሴ ኽዝርጋሕ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ቀናኣት ብምንባሮም እዩ: የሆዋ ድማ ንቕንኦም ባረኾ። የሱስ “ቅድም ንዅሎም ኣህዛብ ወንጌል ኪስበኽ ከኣ ብግዲ እዩ” ኢሉ ኣብ እተነበየሉ እዋን ሰዓብቱ ንጡፋት ኣስፋሕቲ ክዀኑ ምዃኖም እዩ ሓቢሩ። (ማርቆስ 13:10) ኣብ ርእሲ እዛ ትንቢት እዚኣ ኣብ መወዳእታ እተን ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ዝርከባ ቝጽርታት “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም: ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ብምባል ኣዘዞም። (ማቴዎስ 28:19, 20) የሱስ ናብ ሰማይ ካብ ዝዓርግ ነዊሕ ከይጸንሐ: ሰዓብቱ ነዚ ቓላት እዚ ኽፍጽሙ ጀመሩ።

8, 9. ከምቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ተገሊጹ ዘሎ ክርስትያናት ነቲ የሱስ ዝሃቦም ትእዛዝ ብኸመይ ፈጸምዎ፧

8 ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. መንፈስ ቅዱስ ድሕሪ ምፍሳሱ: እቶም እሙናት ሰዓብቲ የሱስ ብኡንብኡ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ህዝቢ “ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ” ብምንጋር ክሰብኩ ጀመሩ። እቲ ስብከቶም ብዙሕ ፍረ ኣፍረየ: “ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ነፍሳት” ከኣ ተጠምቃ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ሰባት ብቕንኣት ምውዳስ ቀጸሉ: እዚ ድማ ጽቡቕ ፍረ ኣፍረየሎም።—ግብሪ ሃዋርያት 2:4, 11, 41, 46, 47

9 እቲ እዞም ክርስትያናት ዝገብርዎ ዝነበሩ ንጥፈታት ነዊሕ ከይጸንሐ ኣቓልቦ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ሰሓበ። በቲ ጴጥሮስን ዮሃንስን ዝነበሮም ትብዓት ስለ እተረበሹ ኸኣ ነዞም ክልተ ሃዋርያት ከይሰብኩ ኣዘዝዎም። እቶም ሃዋርያት ግን “ንሕናስ ነቲ ዝርኤናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራቡ ኽንሐድግ ኣይኰነልናን እዩ” ኢሎም መለሱሎም። እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣፈራሪሆም ምስ ፈትሕዎም: ጴጥሮስን ዮሃንስን ናብ ኣሕዋቶም ተመሊሶም ብሓባር ኰይኖም ናብ የሆዋ ጸለዩ። ንየሆዋ ኸኣ “ንባሮትካ ድማ ብዅሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ሀቦም” ኢሎም ለመንዎ።—ግብሪ ሃዋርያት 4:13, 20, 29

10. እንታይ ምጽራር እዩ ዘጋጠመ: እቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናትከ እንታይ ገበሩ፧

10 እቲ ዝጸለይዎ ጸሎት ምስ ፍቓድ የሆዋ ዝሰማማዕ እዩ ነይሩ። ሓቅነቱ ኸኣ ነዊሕ ከይጸንሐ ንጹር ኰነ። እቶም ሃዋርያት ምስ ተኣስሩ: ሓደ መልኣኽ መጺኡ ብተኣምራዊ መገዲ ኻብቲ እተኣስሩሉ ምስ ኣውጽኦም: “ኪዱ: ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢልኩም: እዚ ዅሉ ቓል ህይወት ንህዝቢ ንገሩ” በሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 5:18-20) እቶም ሃዋርያት ስለ እተኣዘዙ: የሆዋ መሊሱ ባረኾም። ስለዚ: “ኣብ ቤተ መቕደስን ኣብ በቤትን ብስራት የሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኵሩን ነበሩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 5:42) እምበኣር: ከቢድ ምጽራር ንሰዓብቲ የሱስ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ንኣምላኽ ክብሪ ኻብ ምሃብ ክዓግቶም ኣይከኣለን።

11. እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ንዕዮ ሰብከት እንታይ ኣረኣእያ ነበሮም፧

11 ነዊሕ ከይጸንሐ እስጢፋኖስ ተኣስረ: ብዳርባ እምኒውን ተቐትለ። ድሕሪ ሞቱ ኣብ የሩሳሌም ከቢድ መስጐጕቲ ወረደ: ብዘይካ እቶም ሃዋርያት ኵሎም ደቀ መዛሙርቲ ናብ ካልእ ዓድታት ፋሕ ንኽብሉ ተገደዱ። በቲ ዝወረዶም መስጐጕቲ ተዳሂሎምዶ እዮም፧ ኣይፋሎምን። “እቶም እተበተኑ ግና ቃል ወንጌል እናነገሩ ዞሩ” ዝብል ኢና እነንብብ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:1, 4) እቲ ኽብሪ ኣምላኽ ንምእዋጅ ዝነበሮም ቅንኣት ብተደጋጋሚ እዩ ተራእዩ። ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 9 እቲ ፈሪሳዊ ዝነበረ ሳውል ብዓል ጠርሴስ ነቶም ኣብ ደማስቆ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንምስጓጕ ክጐዓዝ ከሎ: የሱስ ብራእይ ምስ ተራእዮ: ብዑረት ተወቕዐ። ኣብ ደማስቆ ሃናንያ ብተኣምር ንሳውል ካብ ዑረቱ ኣሕወዮ። እቲ ደሓር ሃዋርያ ጳውሎስ ተባሂሉ እተጸውዐ ሳውል ብኡንብኡ እንታይ እዩ ገይሩ፧ እቲ ጽሑፍ ከምዚ ይብለና:- “ብኡብኡ ድማ ኣብ ኣባይቲ ጸሎቶም ብዛዕባ የሱስ: ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ሰበኸ።”—ግብሪ ሃዋርያት 9:20

ኵላቶም ኣብ ስብከት ይሳተፉ ነበሩ

12, 13. (ሀ) ብመሰረት ጸሓፍቲ ታሪኽ: እታ ቐዳመይቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብምንታይ እያ ትፍለጥ ነይራ፧ (ለ) መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያትን ጳውሎስ ዝጸሓፎ ቓላትን ነቲ እዞም ጸሓፍቲ ታሪኽ ዝበልዎ ሓሳባት ዝድግፍ ብኸመይ እዩ፧

12 ኵሎም ኣባላት እታ ቐዳመይቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣብ ዕዮ ስብከት ይሳተፉ ምንባሮም ኵሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ ነይሩ። ፊሊፕ ሻፍ ብዛዕባ እቶም ሽዑ ዝነበሩ ክርስትያናት “ኵለን ጉባኤታት ናይ ሚስዮናውያን ማሕበራት እየን ነይረን: ኵሎም ክርስትያናት ኣመንቲ ኸኣ ሚስዮናውያን እዮም ነይሮም” ኢሉ ጸሓፈ። (ሂስትሪ ኦቭ ዘ ክርስትያን ቸርች) ዊልያም ሳሙኤል ዊልያምስ “ኵሎም ኣብታ ጥንታዊት ቤተ-ክርስትያን ዝነበሩ ክርስትያናት: ብፍላይ ከኣ እቶም ውህበት መንፈስ ዘለዎም ወንጌል ይሰብኩ ነበሩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ዘ ግሎርየስ ሚኒስትሪ ኦቭ ዘ ላዪቲ) ብተወሳኺውን: “ስብከት እተወሰነ ስልጣን ንዘለዎም ሰባት ጥራይ እተሓዝአ ክኸውን ዕላማ የሱስ ክርስቶስ ኣይነበረን” በለ። እቲ ጥንቲ ጸላኢ ክርስትና ዝነበረ ሰልሰስ እውን ከይተረፈ “ሰራሕቲ ጸምሪ: ሰራሕቲ ሳእኒ: ፈሓቝቲ ቘራብቲ: ዋላ ሓንቲ ዘይተማህሩን ተራ ሰባትን ቀናኣት ሰበኽቲ እቲ ወንጌል እዮም ነይሮም” ኢሉ ጸሓፈ።

13 ሓቅነት እዚ ሓሳባት እዚ ንምርግጋጽ ኣብቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ዝርከብ ታሪኻዊ ጸብጻብ እውን ክንርእዮ ንኽእል ኢና። ብጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. መንፈስ ቅዱስ ድሕሪ ምፍሳሱ: ሰብኡት ኰኑ ኣንስቲ ኵሎም ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ ንሰባት ኣወጁ። ድሕሪ ቕትለት እስጢፋኖስ መስጐጕቲ ምስ ወረደ: ኵሎም እቶም ናብ ካልኦት ዓድታት እተበተኑ ክርስትያናት ነቲ ብስራት ኣብ ዝኸድዎ ዘበለ ሰበኹ። ጳውሎስ 28 ዓመት ዝኸውን ጸኒሑ “እምብኣርስ ብእኡ ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና: ማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር: ነቕርብ” ኢሉ ዝጸሓፈ: ንጕጅለ ኻህናት ዘይኰነስ ንዅሎም እብራውያን ክርስትያናት እዩ ነይሩ። (እብራውያን 13:15) ብዛዕባ ዕዮ ስብከት ዘለዎ ኣረኣእያ ኽገልጽ ከሎ “ኣነ ወንጌል እንተ ሰበኽኩ: ብግዲ በጺሑኒ እዩ እሞ: ዝምክሓሉ የብለይን። ወንጌል እንተ ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ” በለ። (1 ቈረንቶስ 9:16) ኵሎም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ እሙናት ክርስትያናት እውን ተመሳሳሊ ስምዒት ከም ዝነበሮም ንጹር እዩ።

14. ኣብ መንጎ እምነትን ስብከትን እንታይ ምትእስሳር እዩ ዘሎ፧

14 እወ: ስብከት ምስ እምነት ኣጸቢቑ እተኣሳሰረ ብምዃኑ: ሓደ ናይ ሓቂ ክርስትያን ኣብ ዕዮ ስብከት ክሳተፍ ኣለዎ። ጳውሎስ “ሰብ ብልቡ አሚኑ ይጸድቕ: ብኣፉ ተአሚኑውን ይድሕን” በለ። (ሮሜ 10:10) እሞ ደኣ ከም ኣቕሽሽቲ ዝኣመሰሉ ሒደት ሰባት ጥራይ ድዮም እምነት ዘለዎም: በዚ ምኽንያት እዚኸ ንኽሰብኩ ሓላፍነት ዘለዎም ንሳቶም ጥራይ ድዮም፧ ኣይፋልን! ኵሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ህያው እምነት ኣላቶም: ብዛዕባኣ ኸኣ ንኻልኦት ይነግሩ እዮም። እንተ ዘይኰይኑ ግን እምነቶም ምውትቲ እያ እትኸውን። (ያእቆብ 2:26) ኵሎም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከም ኣቈጻጽራ ዘመንና ዝነበሩ እሙናት ክርስትያናት በዚ ኸምዚ እምነቶም ስለ ዘርኣዩ: ስም የሆዋ ብብርቱዕ ጭድርታ እዩ ተወዲሱ።

15, 16. ጸገማት እውን እናኣጋጠመ: እቲ ዕዮ ስብከት ከም ዝቐጸለ ዘርኢ ኣብነታት ሃብ።

15 እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ጸገማት እኳ እንተ ነበራ: የሆዋ ግን ንህዝቡ ኸም ዝበዝሑ ብምግባር ባረኾም። ንኣብነት: ኣብ መንጎ እቶም ቋንቋ እብራይስጢ ዝዛረቡን ቋንቋ ግሪኽ ዝዛረቡን ዘይምስምማዕ ከም እተፈጥረ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 6 ተመዝጊቡ ንረኽቦ ኢና። እቲ ጸገም በቶም ሃዋርያት ፍታሕ ተገብረሉ። ከም ውጽኢት ናይዚ “ቃል ኣምላኽ ድማ ተዘርግሔ: ቍጽሪ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ኣዝዩ እናበዝሔ ኸደ። ብዙሓት ካብ ካህናትውን ንእምነት ተአዘዙ።”—ግብሪ ሃዋርያት 6:7

16 ጸኒሑ ኣብ መንጎ ሄሮድስ ኣግሪጳ ንጉስ ይሁዳን ኣብ መንጎ ሰብ ጢሮስን ሲዶናን ፖለቲካዊ ውጥረት ተፈጥረ። እቶም ተቐማጦ እዘን ከተማታት እዚኣተን ንሄሮድስ ብቓላት ብምሽሓር ሰላም ክገብሩ ጸዓሩ: ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝርርብ ሃበ። ሽዑ እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት “እዝስ ድምጺ ኣምላኽ እዩ እምበር: ድምጺ ሰብ ኣይኰነን” ኢሎም ጨደሩ። ሄሮድስ ኣግሪጳ “ክብሪ ንኣምላኽ ስለ ዘይሀበ:” ብኡንብኡ መልኣኽ የሆዋ ቐዘፎ። (ግብሪ ሃዋርያት 12:20-23) እዝስ ነቶም ኣብ ሰብኣውያን ገዛእቲ እተወከሉ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኣሰምቢድዎም ክኸውን ኣለዎ! (መዝሙር 146:3, 4) እቶም ክርስትያናት ግን ንየሆዋ ኽብሪ ምሃብ ቀጸሉ። ስለዚ ኸኣ ከምዚ ዝኣመሰለ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ እንተ ኣጋጠመ እውን: “ቃል ኣምላኽ . . . እናዐበየን እናተዘርግሔን ከደ።”—ግብሪ ሃዋርያት 12:24

ሽዑን ሕጅን

17. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዝነበረ ሰባት እንታይ ኣብ ምግባር እዮም እተጸምዱ፧

17 እወ: እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ዓለምለኻዊት ክርስትያናዊት ጉባኤ: ቅንኣት ብዘለዎም ንጡፋት ወደስቲ የሆዋ ኣምላኽ ዝቘመት እያ ነይራ። ኵሎም እሙናት ክርስትያናት ነቲ ብስራት ኣብ ምዝርጋሕ ይሳተፉ ነበሩ። ገሊኣቶም ከምቲ የሱስ ዝበሎ ነቲ መልእኽቲ ዝቕበልዎ ሰባት ምስ ረኸቡ: ነቲ ዝኣዘዞም ትእዛዛት ክሕልዉ መሃርዎም። (ማቴዎስ 28:19, 20) በዚ ኸምዚ ድማ እታ ጉባኤ ዓበየት: ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ሰባት ከኣ ከምቲ ጥንቲ ዝነበረ ንጉስ ዳዊት ዝገበሮ: ንየሆዋ ኽብሪ ሃብዎ። ኵላቶም ነቲ “ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ: ሳህልኻ ንኣይ ዓብዪ እዩ: . . . ብምሉእ ልበይ ከመስግነካ: ስምካውን ንዘለኣለም ከኽብር እየ” ዝብል መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቓላት ኣቃልሕዎ።—መዝሙር 86:12, 13

18. (ሀ) ኣብ መንጎ እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤን ኣብ መንጎ እዛ ሕጂ ዘላ ህዝበ-ክርስትያንን እንታይ ፍልልይ እዩ ዘሎ፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

18 ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው: እቲ ናይ ስነ-ሃይማኖት ፕሮፌሰር ኣሊሰን ትራይትስ ዝበሎ ነገራት ከተሓሳስባና ኣለዎ። ነዛ ኣብዚ ግዜና ዘላ ህዝበ-ክርስትያን ምስቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ክርስትና ብምንጽጻር ከምዚ በለ:- “ሕጂ ዘለዋ ኣብያተ-ክርስትያን መብዛሕትኡ ግዜ ብምውላድ (ማለት ደቂ እቶም ኣባላት ሓንቲ ቤተ-ክርስትያን ዝዀኑ ስድራቤት ኣመንቲ ክዀኑ ኸለዉ) ወይ ብምግዓዝ (ማለት ሓደ ኻብ ካልእ ቦታ ዝመጸ ሰብ ኣባል እታ ኣብቲ ዓዲ ዝጸንሓቶ ኻልእ ቤተ-ክርስትያን ክኸውን ከሎ) ጥራይ እየን ዕቤት ዝረኽባ ዘለዋ። ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ግን እታ ቤተ-ክርስትያን ዕዮኣ ገና ትጅምር ብምንባራ: እቲ ዕቤት ሃይማኖት ብምቕያር እዩ ዝርከብ ነይሩ።” ከምዚ ኽበሃል ከሎ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት በቲ የሱስ እተዛረቦ መገዲ ዕቤት ኣይገብሩን እዮም ዘለዉ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን። ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ልክዕ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብዅሉ መዳይ ንኣምላኽ ብቕንኣት ይውድስዎ ኣለዉ። ነዚ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ንኣምላኽ ክብሪ እንህቦ በየናይ መገድታት ኢና፧

• ጳውሎስ ንመዝሙር 19:4 ኣብ ምንታይ እዩ ዘውዓላ፧

• ኣብ መንጎ እምነትን ስብከትን እንታይ ምትእስሳር እዩ ዘሎ፧

• እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ብምንታይ እያ ትፍለጥ ነይራ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 8, 9 ዘሎ ስእሊ]

ሰማያት ወትሩ ብዛዕባ ኽብሪ ኣምላኽ ይነግሩ

[ምንጪ ስእሊ]

Courtesy of Anglo-Australian Observatory, photograph by David Malin

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ዕዮ ስብከትን ጸሎትን ኣጸቢቑ ዝተኣሳሰር እዩ