ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ውግእ መልክዑ ቐዪሩ

ውግእ መልክዑ ቐዪሩ

ውግእ መልክዑ ቐዪሩ

ውግእ ኵሉ ሳዕ ዘስካሕክሕ እዩ። ወተሃደራት ይሃልቁ: ሰላማውያን ሰባት ከኣ ብዙሕ ስቓይ ይወርዶም። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ግን ውግእ መልክዑ ቐዪሩ ኣሎ። ብኸመይ፧

ኣብዚ ግዜና ዝካየድ ዘሎ ዝበዝሕ ውግኣት: ኣብ መንጎ ተጻባእቲ ጕጅለታት ዜጋታት ሓንቲ ሃገር ዝግበር ውግእ ሓድሕድ እዩ። ውግእ ሓድሕድ መብዛሕትኡ ግዜ ንነዊሕ እዋን ይጸንሕ: ንሰባት ብዝያዳ ይድህሎም: ካብቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዝግበር ውግእ ብዝያዳ ኸኣ ንሃገራት የዕንወን። ስጳኛዊ ጸሓፍ ታሪኽ ሁልያን ካሳኖቫ “ውግእ ሓድሕድ ዘስካሕክሕ ተግባራት: በሽሓት ዝቝጸሩ ዝቕተሉሉ ደማዊ ስርሒታት: ከምኡውን ስደት ዘስዕብ ክኸውን ከሎ: ኣመና እናገደደ ምስ ከደ ኸኣ ኣብ ጃምላዊ ቕትለት ክበጽሕ ይኽእል እዩ” በለ። እወ: ኣብ ሓደ ኸባቢ ዝነብሩ ሓደ ጕጅለ ንኻልኦት ጕጅለ ምስ ዘጋፍዕዎም: እዚ ዝሓድጎ ስምብራት ብቐሊሉ ዝጠፍእ ኣይኰነን።

ዝሑል ውግእ ካብ ዝዛዘም ኣትሒዙ: ብተዛማዲ ኽርአ ኸሎ ኣብ መንጎ ሃገራት ሒደት ውግኣት እዩ ተኻይዱ። ናይ ስቶክሆልም ኣህጉራዊ ትካል ምርምር ሰላም (ኤስ.ኣይ.ፒ.ኣር.ኣይ.) “ካብ 1990-2000 ኣብ እተመዝገበ ውግኣት: ብዘይካ ሰለስተ ብምሉኡ ውግእ ሓድሕድ እዩ ነይሩ” ብምባል ጸብጻብ ሃበ።

ውግእ ሓድሕድ ብዙሕ ዘየስግእ እኳ እንተ መሰለ: ኣብ መራኸቢ ብዙሓን እውን ብዙሕ ፈነወ ዜና እኳ እንተ ዘይተዋህበሉ: ካብ ካልእ ውግእ ዘይውሕድ ስቓይን ዕንወትን እዩ ዘስዕብ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ብውግእ ሓድሕድ ሞይቶም እዮም። ኣብ 1980ታትን 90ታትን ኣብ ዝነበረ ዕስራ ዓመት ኣብተን ብውግእ እተሓመሳ ሱዳንን ኣፍጋኒስታንን ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ጥራይ ዳርጋ ሓሙሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ሞይቶም እዮም። ኣብ ሃገራት ባልካን ዓሌታዊ ጽልኢ ናይ 250,000 ህይወት ከጥፍእ ከሎ: ኣብ ኮሎምብያ ምስ ደባይ ተዋጋእቲ ኣብ እተኻየደ ነዊሕ ኲናት 100,000 ዝዀኑ ሰባት ተቐትሉ።

ውግእ ሓድሕድ ክሳዕ ክንደይ ዘስካሕክሕ ምዃኑ ኣብቲ ኣብ ቈልዑ ዘስዕቦ ጽልዋ ብንጹር እዩ ዝርአ። ብመሰረት ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 1990ታት ልዕሊ ኽልተ ሚልዮን ቈልዑ ኣብ ውግእ ሓድሕድ ክሞቱ ኸለዉ: ሽዱሽተ ሚልዮን ድማ ቈሲሎም። ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቘልዑ ወተሃደራት ይዀኑ ኣለዉ። ሓደ ገና ብንእሽቶኡ ወተሃደር ዝዀነ ቘልዓ “ምስ ተዓለምኩ: ጠበንጃ ተዋህበኒ። ሓሽሽ እወስድ ነበርኩ። ንብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከኣ ቀተልኩ። ውግእ እዩ ነይሩ . . . እተዋህበኒ ትእዛዝ ጥራይ እየ ዝፍጽም ነይረ። ሕማቕ ምዃኑ እፈልጥ ነይረ። እዚ ትምኒተይ ኣይነበረን” በለ።

ውግእ ሓድሕድ ልሙድ ኣብ ዝዀነሉ ሃገራት ዝነብሩ ሓያሎ ቘልዑ: ሰላም ዝበሃል ከይረኣዩ እዮም ዝዓብዩ። ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ዝዓነወሉን ተጻባእቲ ጕጅለታት ብድምጺ ጠያይት ኣብ ዝዛተዩሉን ዓዲ እዮም ዝነብሩ ዘለዉ። ሓንቲ ዱንጃ እትበሃል ጓል 14 ዓመት ቈልዓ “ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም . . . ሕጂ ድምጺ ዝዝምራ ኣዕዋፍ ኣይትሰምዕን ኢኻ፣ የግዳስ ድምጺ እቶም ብሰንኪ ሞት ኣዲኦም ወይ ኣቦኦም: ብሰንኪ ሞት ሓዎም ወይ ሓብቶም ዝበኽዩ ቘልዑ ጥራይ ኢኻ እትሰምዕ” በለት።

ጠንቁ እንታይ እዩ፧

ነዚ ዘስካሕክሕ ውግእ ሓድሕድ ጠንቂ ዝዀኖ ዘሎ እንታይ እዩ፧ ዓሌታውን ቀቢላውን ጽልኢ: ሃይማኖታዊ ምፍልላይ: ምጕዳል ፍትሒ: ከምኡውን ፖለቲካዊ ናዕቢ ገለ ረቛሒታት እዩ። ቀንዲ ጠንቂ ዀይኑ ዘሎ ግን ሰባት ንስልጣንን ንገንዘብን ዘለዎም ስስዐ ዕዩ። ፖለቲካውያን መራሕቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብስስዐ ተደሪኾም: ውግእ ዘጋድድ ጽልኢ የለዓዕሉ። ኤስ.ኣይ.ፒ.ኣር.ኣይ. ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ: መብዛሕትኦም ተዋጋእቲ “ብብሕታዊ ጥቕሞም ተደሪኾም” ከም ዝዋግኡ ገሊጹ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ “ስስዐ ኻብቲ ወተሃደራትን ፖለቲካውያን መራሕትን ዘካይድዎ ንግዲ ኣልማዝ ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ ጠበናጁ ዝሓዙ መንእሰያት ኣብ ኣቝሻት ዝፍጽምዎ ዘረፋ: ብብዙሕ መልክዕ እዩ ዝንጸባረቕ” በለ።

ኣጽዋር ብዝሓሰረ ኽርከብ ምኽኣሉ ነቲ ህልቂት ኣጋዲድዎ እዩ። በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ንኣሽቱ ዝበሃል ኣጽዋር: ኣብ ዓዓመት መብዛሕትኦም ኣንስትን ቈልዑትን ዝርከብዎም 500,000 ዝዀኑ ሰባት ይሞቱ ኣለዉ። ኣብ ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ካላሺን ብሓንቲ ደርሆ እውን ክዕደግ ይከኣል እዩ። እቲ ዘሕዝን ከኣ ኣብ ገሊኡ ቦታታት ጠበናጁ ኸም ደርሁ ፈቐዶኡ ዝርከብ ኰይኑ ምህላዉ እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ብግምት 500 ሚልዮን ዝኸውን ንኣሽቱ ኣጽዋርን ፈኲስ ብረትን ኣሎ። እዚ ድማ 1 ን12 ሰባት ይበጽሖም ማለት እዩ።

መበል 21 ዘመንከ ውግእ ሓድሕድ ዝመልኦ ድዩ ክኸውን፧ እዚ ውግእ እዚ ቝጽጽር ክግበረሉ ይከኣል ድዩ፧ ሰባት ምቅትታል ዝገድፉሉ እዋን ይመጽእ ደዀን ይኸውን፧ እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ነዚ መልሲ ኽትህበሉ እያ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሳጹን]

ውግእ ሓድሕድ ዘምጽኦ ዘሕዝን ሳዕቤን

ኣብቲ ብፈኲስ ብረት ዝካየድ ዘስካሕክሕ ውግኣት: 90 ሚእታዊት ካብቶም ግዳያት ሰላማውያን ሰባት ደኣ እምበር ተዋጋእቲ ኣይኰኑን። ነቲ ውግእ ኣብ ቈልዑ ዘስዕቦ ጽልዋ ብዝምልከት ክኢላ ዝዀነት ኣብ ትሕቲ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እትሰርሕ ግሬስ ማሸል “ቈልዑ ኣብ ውግኣት ግዳያት ዝዀኑ ብኣጋጣሚ ዘይኰኑስ: ዕላማ መጥቃዕቲ እናዀኑ ይኸዱ ኸም ዘለዉ ንጹር እዩ” በለት።

ንደቂ ኣንስትዮ ምግሳስ ወተሃደራዊ ሜላ ይኸውን ኣሎ። ኣብ ገሊኡ ብውግእ እተሓመሰ ኸባቢ: እቶም መናዓብቲ ኣብቲ ዝኣተዉዎ ኣቝሻት ንዝርከባ ዅለን ብጹሓት ኣዋልድ ይጋሰስወን እዮም። ዕላማ እዚ ተግባር እዚ ንምድሃል ወይ ኣብ ስድራቤታት ምክፍፋል ንምፍጣር ተባሂሉ እዩ።

ደድሕሪ ውግእ: ጥሜትን ሕማምን እዩ ዝመጽእ። ውግእ ሓድሕድ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ዘርኢ ኽዝራእ ኰነ ምህርቲ ኽሕፈስ ኣይከኣልን: ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ኣይህሉን: ናብቶም እተሸገሩ ሰባት እውን እዚ ዝበሃል ረድኤት ከተብጽሕ ኣይከኣልን። ሓደ ብዛዕባ ኣብ ኣፍሪቃ እተገብረ ውግእ ሓድሕድ ዝገልጽ መጽናዕቲ: 20 ሚእታዊት ካብቶም ግዳያት ብሕማም ክሞቱ ኸለዉ: 78 ሚእታዊት ብጥሜት ከም ዝሞቱ ይገልጽ። ብውግእ ዝሞቱ ግን 2 ሚእታዊት ጥራይ ዝዀኑ እዮም።

ብገምጋም ኣብ ነፍሲ ወከፍ 22 ደቒቕ ሓደ ሰብ ብነታጒ መሓውሩ ይቝረጽ ወይ ይመውት። ብግምት ድማ ካብ 60 ሚልዮን ክሳዕ 70 ሚልዮን ዝኸውን ነተጕቲ ኣብ 60 ሃገራት ተዘሪኡ ኣሎ።

ሰባት ካብ መረበቶም ንኽመዛበሉ ይግደዱ ኣለዉ። ኣብ መላእ ዓለም 50 ሚልዮን ስደተኛታትን ካብ መረበቶም እተመዛበሉን ኣለዉ: ካብዚኣቶም ፍርቂ ዝዀኑ ቘልዑ እዮም።

[ምንጪ ስእሊ]

Photo by Chris Hondros/Getty Images

[ምንጪ ስእሊ]

Photo by Chris Hondros/Getty Images