ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ደሃዮም ናብ ኵሉ ምድሪ ወጸ”

“ደሃዮም ናብ ኵሉ ምድሪ ወጸ”

“ደሃዮም ናብ ኵሉ ምድሪ ወጸ”

“ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም።” —ማቴዎስ 28:19

1, 2. (ሀ) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ መዝነት እዩ ዝሃቦም፧ (ለ) እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብዙሕ ክዓሙ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧

 የሱስ ናብ ሰማይ ቀቅድሚ ምዕራጉ: ንደቀ መዛሙርቱ “ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ብምባል ሓደ መዝነት ሃቦም። (ማቴዎስ 28:19) እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዘደንጹ ዕማም ኰን እዩ!

2 ሕስብ እሞ ኣብሎ! ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣብቶም ኣስታት 120 ዝዀኑ ደቀ መዛሙርቲ መንፈስ ቅዱስ ፈሰሰ: ንሳቶም እውን የሱስ እቲ ንነዊሕ ግዜ ዝጽበይዎ ዝነበሩ መሲህ ምዃኑን ብእኡ ምድሓን ክርከብ ከም ዝከኣልን ንኻልኦት ብምንጋር መዝነቶም ክፍጽሙ ጀመሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:1-36) እዞም ሒደት ጕጅለ እዚኣቶም “ንዅሎም ኣህዛብ” ክሰብኩሎም ዝኽእሉ እሞ ደኣ ብኸመይ እዮም፧ እዚ ብዓይኒ ሰብ ዘይከኣል እኳ እንተዀነ: “ንኣምላኽ ግና ኵሉ ይከአሎ እዩ።” (ማቴዎስ 19:26) እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ካብ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ደገፍ ይረኽቡ ነበሩ: ናይ ህጽጹነት ስምዒት እውን ነበሮም። (ዘካርያስ 4:6፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:2) ስለዚ: ድሕሪ ገለ ዓመታት ሃዋርያ ጳውሎስ: እቲ ብስራት “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር” ኸም እተሰብከ ኽዛረብ ከኣለ።—ቈሎሴ 1:23

3. እቲ ብ“ስርናይ” እተመሰለ ንጹህ ክርስትና ብምንታይ ተዋሕጠ፧

3 ኣብ ዝበዝሕ ክፋል እቲ ቐዳማይ ዘመን: ናይ ሓቂ ኣምልኾ እናኣስፋሕፍሐ ኸደ። ይኹን እምበር: ሰይጣን “ክርዳድ” ዝዘርኣሉ እዋን ከም ዝመጽእን እቶም “ስርናይ” ተባሂሎም ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ክሳዕ ቀውዒ ንነዊሕ እዋን ከም ዝወሓጡን የሱስ ተነብዩ ነይሩ። እዚ ድማ ድሕሪ ሞት ሃዋርያት ተፈጸመ።—ማቴዎስ 13:24-39

ኣብዚ ግዜና ዘሎ ቕልጡፍ ዕቤት

4, 5. ካብ 1919 ኣትሒዞም ቅቡኣት ክርስትያናት እንታይ ዕዮ እዮም ክፍጽሙ ዝጀመሩ: እዚኸ ኸቢድ ዕዮ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

4 ብ1919 እቲ ብስርናይ እተመሰለ ንጹህ ክርስትና: ካብቲ ኽርዳድ ዝፍለየሉ እዋን ኣኸለ። ቅቡኣት ክርስትያናት እቲ የሱስ ዝሃቦም ዓብዪ መዝነት ኣብዚ እዋን እዚውን ክፍጽምዎ ኸም ዘለዎም ተረድኡ። ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ይነብሩ ኸም ዘለዉ ድልዱል እምነት ሓደሮም: ነቲ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ዝብል የሱስ እተነበዮ ትንቢት እውን ተገንዘብዎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1፣ ማቴዎስ 24:14) እወ: ብዙሕ ክዓዩዎ ዘለዎም ዕዮ ኸም ዘሎ ፈለጡ።

5 ይኹን እምበር: እዞም ቅቡኣት ክርስትያናት እዚኣቶም ከምቶም ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ኸቢድ ዕዮ እዩ ዝጽበዮም ነይሩ። ኣብ ሒደት ሃገራት ዝነብሩ ሒደት ኣሽሓት ጥራይ እዮም ነይሮም። ነቲ ብስራት “ኣብ ብዘላ ዓለም” ክሰብኩ ዝኽእሉ ደኣ እሞ ብኸመይ እዮም፧ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ካብቲ ብግዜ ቄሳር ዝነበሮ 300 ሚልዮን: ደድሕሪ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ናብ ዳርጋ 2 ቢልዮን ኣቢሉ ወሲኹ ምንባሩ እውን ኣይንረስዕ። ኣብ መበል 20 ዘመን ከኣ ቅልጡፍ ወሰኽ እዩ ተራእዩ።

6. ክሳዕ 1930ታት ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ብስራት ብኸመይ ተዘርግሐ፧

6 ኰይኑ ግን: ቅቡኣት ኣገልገልቲ የሆዋ ልክዕ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣሕዋቶም: ኣብ የሆዋ ምሉእ እምነት ብምግባርን ብመንፈሱ እናተደገፉን ነቲ ዕዮ ጀመርዎ። ኣብ መፋርቕ 1930ታት ኣብ 115 ሃገራት ኣስታት 56,000 ወንጌላውያን ይሰብኩ ነበሩ። ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ብዙሕ ዕዮ ተዓዩ እኳ እንተ ነበረ: ገና ግን ብዙሕ ይተርፍ ነበረ።

7. (ሀ) ቅቡኣት ክርስትያናት እንታይ ሓድሽ ዕዮ እዩ ኣጋጢምዎም፧ (ለ) እቲ ናይ ምእካብ ዕዮ ብደገፍ እቶም “ኻልኦት ኣባጊዕ” ክሳዕ ሕጂ ኣብ ምንታይ በጺሑ ኣሎ፧

7 ድሕሪኡ ብዛዕባ መንነት እቶም ኣብ ራእይ 7:9 ተጠቒሶም ዘለዉ “ብዙሓት ሰብ” ወይ ዓብዪ ጭፍራ ዝነጸረ ምርዳእ ምስ ተረኽበ: ሓድሽ ዕዮ ተፈጥረ: እቶም ጻዕራማት ክርስትያናት እውን ሓገዝ ንኽረኽቡ ተስፋ ገበሩ። ቍጽሮም ዘይፍለጥ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ብዙሓት “ኻልኦት ኣባጊዕ” “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን” ክእከቡ ነበሮም። (ዮሃንስ 10:16) እዚኣቶም ‘ለይትን መዓልትን ንየሆዋ ዘገልግልዎ’ እዮም። (ራእይ 7:15) ከምዚ ኽበሃል ከሎ ድማ ኣብ ናይ ምስባኽን ምምሃርን ዕዮ ደገፎም ክህቡ ነበሮም። (ኢሳይያስ 61:5) ከም ውጽኢት ናይዚ: እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት: ብዝሒ እቶም ወንጌላውያን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ጸኒሑ ኸኣ ብሚልዮናት ክውስኽ ክርእዩ ኸለዉ ብዙሕ እዮም ተሓጒሶም። ኣብ 2003 መብዛሕትኦም ክፍሊ እቶም ዓብዪ ጭፍራ ዝዀኑ 6,429,351 ዝኣኽሉ ሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ ኣብ ዕዮ ስብከት ተሳቲፎም እዮም። a ቅቡኣት ክርስትያናት እዚ ሓገዝ እዚ ብምርካቦም ብዙሕ እዮም ዘማስዉሉ: እቶም ካልኦት ኣባጊዕ እውን ነቶም ቅቡኣት ኣሕዋቶም ንኽሕግዙ ዝረኸብዎ ኣጋጣሚ የማስዉሉ እዮም።—ማቴዎስ 25:34-40

8. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ከቢድ ጸቕጥታት ምስ ወረዶም እንታይ ገበሩ፧

8 እቶም ብስርናይ እተመሰሉ መን ምዃኖም ንጹር ምስ ኰነ: ሰይጣን ኣባታቶም ከቢድ መጥቃዕቲ ፈነወ። (ራእይ 12:17) እቶም ዓብዪ ጭፍራ ኽእከቡ ምስ ጀመሩኸ እንታይ እዩ ዝገበረ፧ ሽዑውን ከቢድ መጥቃዕቲ ፈነወ! እቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ እተፈነወ መጥቃዕቲ ኻብኡ ምንባሩስ ዘጠራጥር ድዩ፧ ኣይፋሉን: ከመይሲ ክርስትያናት ካብ ክልቲኡ ወገን እቶም ኣብቲ ውግእ ዝሳተፉ ዝነበሩ እዩ ኸቢድ ጸቕጢ ዝወርዶም ነይሩ። ሓያሎ ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ዘስካሕክሕ ፈተና ኸጋጥሞም ከሎ: ገሊኣቶም እውን ምእንቲ እምነቶም ሞይቶም እዮም። እንተዀነ ግን: ነቲ “ብኣምላኽ ንቓሉ ኤመስግኖ: ኣብ ኣምላኽ ተወኪለ ኣይፈርህን: ስጋኸ እንታይ ከይገብረኒ፧” ዝብል ቃላት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ኣቃልሑ። (መዝሙር 56:4፣ ማቴዎስ 10:28) ቅቡኣት ክርስትያናትን ካልኦት ኣባጊዕን ሳላ እቲ ኻብ መንፈስ የሆዋ ዝረኸብዎ ብርታዐ ብሕብረት ጸኒዖም ቈሙ። (2 ቈረንቶስ 4:7) ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ “ቃል ኣምላኽ . . . ተዘርግሔ።” (ግብሪ ሃዋርያት 6:7) ብ1939 ካልኣይ ውግእ ዓለም ክባራዕ ከሎ 72,475 እሙናት ክርስትያናት ኣብ ዕዮ ስብከት ከም እተሳተፉ ጸብጻብ ሂቦም ነይሮም። ብ1945 እቲ ውግእ ኣብ ዘኽተመሉ እዋን እተዋህበ ዘይምሉእ ጸብጻብ ግን 156,299 ንጡፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ብስራት ይዝርግሑ ኸም ዝነበሩ ሓበረ። እዝስ ንሰይጣን ከመይ ዝበለ ዓብዪ ፍሽለት ኰን እዩ!

9. ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም እንታይ ሓድሽ ኣብያተ-ትምህርቲ እዩ ተመስሪቱ፧

9 ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም እተፈጥረ ዕግርግር ነገልገልቲ የሆዋ ‘እቲ ዕዮ ስብከት እምበርዶ ኽፍጸም እዩ’ ዝብል ስግኣት ከም ዘየሕደረሎም ንጹር እዩ። እወ: ብ1943 ገና ጽዕጹዕ ውግእ እናተኻየደ ኸሎ: ክልተ ሓደስቲ ኣብያተ-ትምህርቲ ኸም እተኸፍታ ተነግረ። እታ ሓንቲ እዛ ሕጂ ቲኦክራሲያዊ ቤት ትምህርቲ እትበሃል ዘላ ክትከውን ከላ: ኣብ ኵለን ጉባኤታት እትተኣታቶ ዀይና ነፍሲ ወከፍ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባርን ንምስልጣን ዝዓለመት እያ። እታ ኻልአይቲ ኸኣ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኰይና ነቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ከይዶም ዝሰብኩ ሚስዮናውያን ንምስልጣን ዝቘመት እያ። እወ: ኣማስያኡ እቲ ውግእ ምስ ኣብቅዐ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ተወሳኺ ንጥፈታት ንምፍጻም ድሉዋት ነበሩ።

10. ህዝቢ የሆዋ ዘለዎም ቅንኣት ኣብ 2003 እተራእየ ብኸመይ እዩ፧

10 ኣየ ኸመይ ዝበለ ዘደንቕ ዕዮ ዀን እዮም ዝፈጸሙ! ንኣሽቱ ዀኑ ዓበይቲ: ወለዲ ዀኑ ወሉዳት: ኣካላዊ ጸገማት ዘለዎም እውን ከይተረፉ ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ብምስልጣን: ነቲ የሱስ ዝሃቦም ዓብዪ መዝነት ፈጺሞምዎ እዮም: ሕጂውን ይፍጽሙ ኣለዉ። (መዝሙር 148:12, 13፣ ዮኤል 2:28, 29) ኣብ 2003 ኣብ ወወርሒ ብገምጋም 825,185 ዝኣኽሉ ሰባት ንእተወሰነ እዋን ወይ ብቐጻሊ ፓይነራት ኰይኖም ብምግልጋል: ናይ ህጹጽነት መንፈስ ኣርእዮም እዮም። ኣብዛ ዓመት እዚኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምንጋር 1,234,796,477 ዝኣክል ሰዓት ኣሕሊፎም እዮም። የሆዋ በቲ ህዝቡ ዘርእይዎ ዘለዉ ቕንኣት ከም ዝሕጐስ ዘጠራጥር ኣይኰነን።

ኣብ ወጻኢ ሃገራት

11, 12. ካብቲ ሚስዮናውያን ዝፈጸምዎ ዝነኣድ ዕዮ እንታይ ኣብነታት ክጥቀስ ይከኣል፧

11 ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ካብ ጊልዓድ እተመረቑ ሚስዮናውያን: ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ከኣ ካብ ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ እተመረቑ ኣሕዋት ብዙሕ ዝነኣድ ተግባራት ፈጺሞም እዮም። ንኣብነት: ብ1945 ሚስዮናውያን ንመጀመርታ ግዜ ናብ ብራዚል ኣብ ዝኣተዉሉ እዋን: ኣብታ ሃገር ካብ 400 ዝውሕዱ ኣስፋሕቲ ነበሩ። እቶም ፈለማ ዝኸዱን ብድሕሪኡ ዝሰዓብዎምን ሚስዮናውያን ምስቶም ቀናኣት ብራዚላውያን ኣሕዋት ብሓባር ዓየዩ: የሆዋ ድማ ንጻዕርታቶም ኣብዚሑ ባረኾ። ኣብ 2003 ብራዚል 607,362 ዝኣክል ሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ ጸብጻብ ምሃባስ ነቶም ኣቐዲሙ ንዝነበረ ዅነታት ዝዝክርዎ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኣሐጒስዎም ክኸውን ኣለዎ!

12 ኣብ ጃፓን ዘጋጠመ እውን ንርአ። ቅድሚ ኻልኣይ ውግእ ዓለም: ኣብታ ሃገር ሚእቲ ዝዀኑ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነበሩ። እቲ ውግእ ይካየደሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ብሰንኪ ዝወረዶም ዘስካሕክሕ መስጐጕቲ ቝጽሮም ነከየ: እቲ ውግእ ኣብ ዘብቅዓሉ እዋን ከኣ ብመንፈስ ኰነ ብስጋ ህያዋን ዝነበሩ ሒደት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ እዮም ነይሮም። (ምሳሌ 14:32) እዞም ብዘደንቕ መገዲ ንጽህናኦም ዝሓለዉ ሒደት ክርስትያናት ብ1949 ካብ ጊልዓድ እተመረቑ 13 ሚስዮናውያን ምስ መጽዎም ተሓጒሶም እዮም ተቐቢሎምዎም። እቶም ሚስዮናውያን እውን በቲ እቶም ጃፓናውያን ኣሕዋት ዝገበሩሎም ባህ ዘብል ኣቀባብላ ፈተዉዎም። ድሕርዚ ልዕሊ 50 ዓመት ዝኸውን ጸኒሑ: ኣብ 2003 ጃፓን 217,508 ዝኣኽሉ ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ ኸም ዘለዉዋ ጸብጻብ ሃበት! የሆዋ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ህዝቡ ብርግጽ ኣብዚሑ ባሪኽዎም እዩ። ካብ ካልኦት ሃገራት እውን ተመሳሳሊ ጸብጻብ ኢና እንሰምዕ። እቶም ኣብ ወጻኢ ሃገር ከይዶም ክሰብኩ ዝኽእሉ ክርስትያናት ነቲ ብስራት ኣብ ምዝርጋሕ ዓብዪ ኣበርክቶ ብምግባሮም: ኣብ 2003 ኣብተን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ 235 ሃገራትን ደሴታትን ዞባታትን ተሰቢኹ እዩ። እወ: እቶም ዓብዪ ጭፍራ ኻብ “ኵሎም ኣህዛብ” እተኣከቡ እዮም።

“ካብ ኵሎም . . . ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን”

13, 14. የሆዋ ነቲ ብስራት ‘ብዅሉ ቛንቋታት’ ምስባኽ ዘለዎ ኣድላይነት ብኸመይ እዩ ዝገለጸ፧

13 ብጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐብኡ እተፈጸመ ናይ መጀመርታ ተኣምር: ነቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ህዝቢ ብእተፈላለየ ቛንቋታት ምዝራቦም እዩ። ኵሎም እቶም ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ዝሰምዕዎም ሰባት ነቲ ምናልባት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝዝረብ ቋንቋ ግሪኽ ይዛረቡ ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። “ንእግዚኣብሔር ዚፈርሁ” (ትርጕም 1990) ብምንባሮም: ነቲ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ዝዝውተር ቋንቋ እብራይስጢ ይርድእዎ ነይሮም ክዀኑ ኣለዎም። ነቲ ብስራት በቲ ኻብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ቛንቋኦም ምስ ሰምዕዎ ግን ኣቓልቦኦም ምሉእ ብምሉእ ተሳሒቡ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:5, 7-12

14 ኣብዚ ግዜናውን እቲ ብስራት ብሓያሎ ቛንቋታት እዩ ዝስበኽ ዘሎ። እቶም ዓብዪ ጭፍራ ኻብ ኣህዛብ ጥራይ ዘይኰኑስ ካብ “ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን” ከም ዝእከቡ እዩ እቲ ትንቢት ዝገልጽ። ምስዚ ብምስምማዕ የሆዋ ብዘካርያስ ኣቢሉ “ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝዀኑ ዓሰርተ ሰብ ንሓደ ኣይሁዳዊ ዘፈር ክዳኑ ሒዞም: እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝዀነ ሰሚዕና ኢና እሞ: ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና: ኪብሉ እዮም” ኢሉ ተነበየ። (ዘካርያስ 8:23) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብልሳናት ናይ ምዝራብ ውህበት እኳ እንተ ዘይብሎም: በቲ ህዝብታት ዝጥቀሙሉ ቛንቋታት ጌርካ ምምሃር ዘለዎ ኣድላይነት ግን ይፈልጥዎ እዮም።

15, 16. ሚስዮናውያንን ካልኦትን ብቛንቋታት እቲ እተመደቡሉ ዓድታት ንምስባኽ እንታይ ጻዕርታት ገበሩ፧

15 ኣብዚ ግዜና ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝዝረበሉ ኸም ስጳንኛ: እንግሊዝኛ: ፈረንሳይኛ ዝኣመሰለ ቛንቋታት እኳ እንተሎ: እቶም ኣብ ካልኦት ሃገራት ንምግልጋል ካብ ዓዶም ለቒቖም ዝኸዱ ክርስትያናት ግን ነቲ ብስራት ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ምእንቲ ኸብጽሑሎም ቋንቋታት እቲ ዝነብሩሉ ዓድታት ክመሃሩ ጽዒሮም እዮም። እዚ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብታ ቱቫሉ እትበሃል ኣብ ደቡባዊ ፓሲፊክ እትርከብ ሃገር ዝነብሩ ኣሕዋት ብቛንቋኦም ጽሑፋት ምስ ኣድለዮም: ሓደ ኻብቶም ሚስዮናውያን ነዚ ኸቢድ ዕዮ እዚ ንኽፍጽም ተበገሰ። በቲ ቛንቋ እቲ መዝገበ-ቓላት ስለ ዘይነበረ: ናይ ቱቫሉ ቓላት ክእክብ ጀመረ። ድሕሪ ግዜ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ b ዘርእስታ መጽሓፍ ብቛንቋ ቱቫሉ ተሓትመት። ሚስዮናውያን ናብ ኩራሳኦ ኣብ ዝኸዱሉ እዋን: በቲ ፓፒያመንቶ ዝበሃል ቋንቋ እቲ ዓዲ እተዳለወ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፍ ኰነ መዝገበ-ቓላት ኣይነበረን። ኣብ ኣጸሓሕፋ እቲ ቛንቋ እውን ብዙሕ ዘይምስምማዕ ነበረ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ግን እቶም ቀዳሞት ሚስዮናውያን ናብታ ዓዲ ኻብ ዝኣትዉ ኣብ ውሽጢ ኽልተ ዓመት ንመጀመርታ ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተት ትራክት በቲ ቛንቋ እቲ ተሓትመት። ኣብዚ እዋን እዚ ፓፒያመንቶ ሓደ ኻብቲ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ምስ እንግሊዝኛ ብሓንሳእ ዝሕተመሉ 133 ቋንቋታት እዩ።

16 እቶም ናብ ናሚብያ ዝኸዱ ፈለምቲ ሚስዮናውያን: ክትርጕም ዝኽእል ወዲ እቲ ዓዲ ዝዀነ ናይ የሆዋ ምስክር ክረኽቡ ኣይከኣሉን ነይሮም። ኣብ ርእሲ እዚ: ናማ ዝበሃል እቲ ኣብቲ ዓዲ ዝዝወተር ቋንቋ ከም እኒ “ፍጹም” ዝኣመሰለ መሰረታዊ ሓሳባት ዝሓዘ ቓላት ኣይነበሮን። ሓደ ሚስዮናዊ ብዛዕባዚ ኣመልኪቱ “ንትርጕም ዝጥቀመሎም ዝነበርኩ ሰባት ብሓፈሻኡ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ዝጀመሩ መምህራን ኣብያተ-ትምህርቲ እዮም ነይሮም። ብዛዕባ ሓቂ ብዙሕ ፍልጠት ስለ ዘይነበሮም: ነፍሲ ወከፍ ምሉእ ሓሳባት ብልክዕ ከም እተተርጐመ ንምርግጋጽ ምሳታቶም ኮፍ ክብል ነይሩኒ” በለ። ብዙሕ ጻዕሪ ድሕሪ ምግባር: እታ ህይወት ኣብ ሓዳስ ዓለም ዘርእስታ ትራክት ናብ ኣርባዕተ ቛንቋታት ናሚብያ ተተርጐመት። ኣብዚ ግዜና መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ብቛንቋ ክዋንያማን ንዶንጋን ብተኸታታሊ ትሕተም ኣላ።

17, 18. ኣብ መክሲኮን ካልኦት ሃገራትን እንታይ ከቢድ ዕዮ እዩ እተዓየ፧

17 ኣብ መክሲኮ ስጳንኛ ቐንዲ ዝዝወተር ቋንቋ እዩ። እንተዀነ ግን: ስጳኛውያን ቅድሚ ምምጻኦም: ሓያሎ ቛንቋታት ይዝውተር ነበረ: ገለ ኻብዚውን ክሳዕ ሕጂ ይዝረበሉ እዩ። ስለዚ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘዳልዉዎ ጽሑፋት ብሸውዓተ ናይ መክሲኮ ቛንቋታትን ብናይ መክሲኮ ምልክት ቋንቋን ይዳሎ ኣሎ። እታ ብቛንቋ ማያ እተዳለወት ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ብቛንቋ ህንዳውያን ኣመሪካውያን እተዳለወት ናይ መጀመርታ ተኸታታሊት ጽሕፍቲ ነበረት። እወ: ካብቶም ኣብ መክሲኮ ዝርከቡ 572,530 ዝኣኽሉ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ በሽሓት ዝቝጸሩ ማያን ኣዝተክን ካልኦት ዓሌትን ይርከብዎም እዮም።

18 ኣብዚ ቐረባ ግዜ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ዓዶም ክነብሩ ብዘይምኽኣሎም ወይ ዝሓሸ መነባብሮ ንምርካብ ተሰዲዶም እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ሓያሎ ሃገራት ንፈለማ ግዜ ብዙሓት ናይ ወጻኢ ቛንቋ ዝዛረቡ ጕጅለታት ኣለዉወን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚኣቶም እውን ይምስክሩሎም ኣለዉ። ንኣብነት: ኣብ ኢጣልያ ብዘይካ ጥልያንኛ ብ22 ቋንቋታት ዝቘማ ጉባኤታትን ጕጅለታትን ኣለዋ። ኣብዚ ቐረባ ግዜያት ካልእ ቋንቋታት ንዝዛረቡ ኣሕዋት ንምሕጋዝ ተባሂሉ: ነቲ ናይ ኢጣልያ ምልክት ቋንቋ ሓዊስካ ብ16 ቛንቋታት ኮርሳት ተዳልዩ ነይሩ። ኣብ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ኣብቲ ዓዲ ዝርከቡ ስደተኛታት ነቲ ብስራት ንምብጻሕ ተመሳሳሊ ጻዕሪ ይገብሩ ኣለዉ። እወ: ብሓገዝ የሆዋ እቶም ዓብዪ ጭፍራ ኻብ ኣዝዩ ብዙሕ ቋንቋታት ይእከቡ ኣለዉ።

“ናብ ኵሉ ምድሪ”

19, 20. እንታይ ጳውሎስ እተዛረቦ ቓላት እዩ ኣብዚ ግዜና ብዘደንቕ መገዲ ዝፍጸም ዘሎ፧ ግለጽ።

19 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣነ ግና: ከቶዶ ኣይሰምዑን እዮም፧ እብል አሎኹ: ደሃዮም ናብ ኵሉ ምድሪ ወጸ: ቃሎምውን ክሳዕ ወሰን ዓለም በጽሔ: ብሓቂ እባ ሰሚዖም” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 10:18) ኣብ ቀዳማይ ዘመን እኳ ኸምዚ ኽበሃል ካብ ተኻእለ: ኣብዚ ግዜና ደኣኸ ኸመይ ዝያዳ ኽበሃል ዘይከኣል! ብሚልዮናት ዝቝጸሩ: ምናልባትውን ብዝሖም ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዀነ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ሰባት: “ንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ እባርኾ: ውዳሴኡ ንሓዋሩ ኣብ ኣፈይ እዩ” ይብሉ ኣለዉ።—መዝሙር 34:1

20 ኣብ ርእሲ እዚውን እቲ ዕዮ ናህሩ ኣይነከየን። ብዝሒ እቶም ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ይውስኽ እዩ ዘሎ። ኣብ ዕዮ ስብከት ዝሓልፍ ግዜ እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ብሚልዮናት ዝቝጸር ተመላሊስካ ምብጻሕ ይግበር: በማእታት ኣሽሓት ዝቝጸር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ይምራሕ ኣሎ። ብዙሓት ተገዳስነት ዘለዎም እውን ይርከቡ ኣለዉ። ዓሚ 16,097,622 ዝዀኑ ኣብ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ስለ እተኣከቡ: ሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ እዩ ተረኺቡ። ብዙሕ ክዕየ ዘለዎ ነገራት ከም ዘሎ ንጹር እዩ። እምበኣር: ነቲ እቶም ከቢድ መስጐጕቲ ተጸሚሞም ዘሕለፉ ኣሕዋትና ጸኒዖም ንጽህናኦም ብምሕላው ዝገደፍዎ ኣብነት ንቕድሓዮ። ነቶም ካብ 1919 ኣትሒዞም ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እተጸምዱ ኣሕዋትና ዘርኣይዎ ቕንኣት እውን ነንጸባርቕ። ኵላትና ነቲ “ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ንእግዚኣብሄር የመስግኖ። ሃሌሉያ” ብምባል እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝዘመሮ ቓላት ነቃልሕ።—መዝሙር 150:6

[እግረ-ጽሑፋት]

a ነቲ ኻብ ገጽ 18 ክሳዕ 21 እዛ መጽሔት እዚኣ ዝርከብ ዓመታዊ ጸብጻብ ተወከስ።

b ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ብ1919 ኣሕዋት እንታይ ዕዮ እዮም ክፍጽሙ ዝጀመሩ: እዚኸ ኸቢድ ዕዮ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

• ነቲ ዕዮ ስብከት ክድግፉ እተኣከቡ መን እዮም፧

• ሚስዮናውያንን ካልኦት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘገልግሉን እንታይ ዝነኣድ ዕዮ እዮም ዝፈጸሙ፧

• የሆዋ ነዞም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ህዝቡ ዝዓይዎ ዕዮ ይባርኾ ኸም ዘሎ እንታይ መርትዖ ኽትጠቅስ ምኸኣልካ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 18-21 ዘሎ ሰሌዳ]

2003 SERVICE YEAR REPORT OF JEHOVAH’S WITNESSES WORLDWIDE

(See bound volume)

[ምንጪ ስእሊ]

Explosion: U.S. Navy photo; others: U.S. Coast Guard photo

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም እተፈጥረ ዕግርግር ነገልገልቲ የሆዋ ‘እቲ ዕዮ ስብከት እምበርዶ ኽፍጸም እዩ’ ዝብል ስግኣት ኣየሕደረሎምን

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ዓብዪ ጭፍራ ኻብ ኵሎም ዓሌታትን ቋንቋታትን እተኣከቡ እዮም