ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ከምቲ ኣብ ዘፍጥረት 38:15, 16 ተጠቒሱ ዘሎ: ይሁዳ ምስታ ኣመንዝራ ዝመሰለቶ ሰበይቲ ጾታዊ ርክብ ንኽፍጽም መገዲ ዝኸፈተሉ እንታይ ኵነታት እዩ፧

ይሁዳ ምስታ ኣመንዝራ ዝመሰለቶ ሰበይቲ ጾታዊ ርክብ እኳ እንተ ፈጸመ: ከም ሓቂ ግን ኣመንዝራ ኣይነበረትን። ብመሰረት ዘፍጥረት ምዕራፍ 38 ከምዚ ዝስዕብ እዩ ኣጋጢሙ።

እቲ በዅሪ ወዲ ይሁዳ ኻብ ታማር ሰበይቱ ውሉድ ቅድሚ ምውላዱ: “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ” ስለ ዝገበረ ተቐትለ። (ዘፍጥረት 38:7) ኣብቲ ግዜ እቲ: ሰብኣይ ወራሲ ዝዀኖ ሓድጊ ኸይገደፈ እንተደኣ ሞይቱ: ሓዉ ዘርኢ ምእንቲ ኸቝመሉ ንሰበይቱ ኸእትዋ ግድን ነበረ። እቲ ኦናን ዝበሃል ካልኣይ ወዱ ንይሁዳ: ነዚ ሓላፍነት እዚ ምፍጻም ኣበየ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣምላኽ ቀተሎ። ድሕርዚ ይሁዳ እቲ ሼላ ዝስሙ ሳልሳይ ወዱ ኽሳዕ ዝዓቢ ንታማር ሰበይቲ ወዱ ናብ ቤት ኣቦኣ ተመሊሳ ኸም እትቕመጥ ገበረ። ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ ግን ይሁዳ ንታማር: ሼላ ወዱ ኣይሃባን። ስለዚ: ንይሁዳ ሰበይቱ ምስ ሞተቶ: ታማር በዚ እስራኤላዊ ሓሙኣ ኣቢላ ውርሲ ኽትረክብ ወጠነት። ነዚ ንምግባር ድማ ኣመንዝራ ብምምሳል በታ ይሁዳ ዝሓልፈላ መገዲ ኾፍ በለት።

ይሁዳ መን ምዃና ኸይፈለጠ: ምስ ታማር ጾታዊ ርክብ ፈጸመ። ንሳ ድማ ጐራሕ ብምንባራ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ንኽፍጸም ታሕዚ ኸም ዝገድፈላ ገበረት። በዚ ኸምዚ ኸኣ ካብኡ ኸም ዝጠነሰት መርትዖ ዝዀና ነገር ሓዘት። እቲ ሓቂ ምስ ተቐልዐ: ይሁዳ ኣብ ክንዲ ዝወቕሳ ብትሕትና “ንወደይ ሼላ ኻብ ዘይሀብክዋስ: ካባይ ንሳ ትቐንዕ” በለ። “ድሕርቲ ግና ኣይፈለጣን [“ምስኣ ኣይደቀሰን:” ትርጕም 1990]።”—ዘፍጥረት 38:26

ይሁዳ ኸምቲ እተመባጽዖ ታማር ንሼላ ወዱ ሰበይቱ ኽትኰኖ ብዘይምሃቡ ጌጋ እዩ ገይሩ። ምስ ሓንቲ ኣመንዝራ ዝመሰለቶ ሰበይቲ እውን ጾታዊ ርክብ ፈጺሙ እዩ። እዚ ድማ ምስቲ ኣምላኽ: ሰብኣይ ምስታ እተመርዓዋ ሰበይቱ ጥራይ ጾታዊ ርክብ ንኽፍጽም ዘውጽኦ ስርዓት ዝጋጮ እዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 2:24) ከም ሓቂ ግን ይሁዳ ምስ ኣመንዝራ ኣይኰነን ጾታዊ ርክብ ፈጺሙ። ኣብ ክንድኡስ: ከይፈለጠ ነቲ ሼላ ወዱ ንሰበይቱ ሓዉ ብምውራስ ዘርኢ ከቝመሉ ዝግብኦ ዝነበረ ተግባር ብምፍጻም ኣቦ ሕጋውያን ውሉዳት እዩ ዀይኑ።

ታማር ዝገበረቶ ተግባር እውን ምንዝር ኣይነበረን። እቶም ክልተ ማናቱ ደቃ: ደቂ ምንዝርና ኸም ዝዀኑ ጌርካ ኣይኰኑን ዝረኣዩ ነይሮም። ቦኣዝ ብዓል ቤት-ልሄም ነታ ሞኣባዊት ሩት ብምውራስ ነቲ ቐረባ ዘመዱ ዘርኢ ከቝመሉ ኸሎ: እቶም ዓበይቲ ቤት-ልሄም “እታ ቤትካ ድማ በቲ እግዚኣብሄርስ ካብዛ መርዓት እዚኣ ዚህበካ ዘርኢ: ከም ቤት ፋሬስ: እቲ ታማር ንይሁዳ ዝወለደትሉ ትኹን” ብምባል ብዛዕባ ፋሬስ ወዲ ታማር ጽቡቕ ዘረባ እዮም ተዛሪቦም። (ሩት 4:12) ፋሬስ ኣብ መስመር ወለዶ የሱስ ክርስቶስ እውን ተጠቒሱ ኣሎ።—ማቴዎስ 1:1-3፣ ሉቃስ 3:23-33