ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መስተንክር ፍጥረት የሆዋ ‘ኣእዋም የሆዋ ጸገባ’

መስተንክር ፍጥረት የሆዋ ‘ኣእዋም የሆዋ ጸገባ’

መስተንክር ፍጥረት የሆዋ ‘ኣእዋም የሆዋ ጸገባ’

ኣብ ዱር ደው ኢልካ ኸለኻ: ብርሃን ጸሓይ ብመንጎ እቲ ነዋሕቲ ኣእዋም ሰንጢቑ ኽኣቱ ተመልኪትካዶ ትፈልጥ፧ ንፋስ ኣብ ዝነፍሰሉ እዋን እቲ ኣቝጽልቲ ሓሸውሸው ክብል ከሎኸ ሰሚዕካዮዶ፧—ኢሳይያስ 7:2

ኣብ ገሊኡ ኽፍልታት ምድሪ ኣብ እተወሰነ ወቕቲ እቲ ኣቝጽልቲ ኣእዋም ቀይሕ: ሽሮዋይ: ብጫ: ከምኡውን ካልእ ሕብርታት ይሕዝ እዩ። አረ: ብማዕዶሲ እቲ ዱር ዝባራዕ ዘሎ እዩ ዝመስል! እዚ ምስቲ “ኣቱም ኣኽራን: ኣታ ዱር ምስ ኵሉ ኣእዋምካ: ዓው ኢልኩም ዘምሩ” ዝብል መግለጺ ዝሰማማዕ እዩ።—ኢሳይያስ 44:23 a

ዳርጋ ሓደ ሲሶ ምድርና ብዱር እተሸፈነ እዩ። ዱር ኰነ ኣብኡ ዘሎ ህይወት ብዘደንቕ መገዲ ነቲ ነዳፊኡን ፈጣሪኡን ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ እዩ ኽብሪ ዘምጽኣሉ። እቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ዝዘመረ ጸሓፍ መዝሙር ‘ፈረይቲ ኣእዋምን ጽሕድታትን ኵሉኹም ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ’ በለ።—መዝሙር 148:7-9

ዘ ትሪስ ኣራውንድ ኣስ ዘርእስታ መጽሓፍ “ኣእዋም ንሰብ ዘድሊ ነገራት ዘማልእን ጽቡቕ ትርኢት ከም ዝህሉን ዝገብር ስለ ዝዀነ: ንህላወ ወድሰብ ኣገዳሲ እዩ” በለት። ዱር ነቲ ንደቅሰብ ዘድሊ ጽሩይ ማይ ካብ ብከላ ይከላኸለሉ: ይዕቅቦ: ከምኡውን የመሓይሾ። ነቲ እነስተንፍሶ ኣየር እውን የጽርዮ። ዋህዮታት ቈጽሊ በቲ ጽማረ-ብርሃን ወይ ፎቶሲንተሲስ ዝበሃል ዘደንቕ መስርሕ ገይሩ ንካርቦን ዳይኦክሳይድ: ማይ: ማዕድን: ከምኡውን ብርሃን ጸሓይ ናብ መግብን ኦክስጅንን ይቕይሮ።

ዱር ኣዝዩ ዘደንቕ ጽባቐን ንድፍን እዩ ዘለዎ። ዓበይቲ ኣእዋም እቲ ልዕሊ ዅሉ ዝምስጥ ክፋል ዱር እዩ። ኣብ ትሕቲኡ ድማ እዚ ዘይበሃል ክንሻር: ሰበባ: ሓረግ: ቈጥቋጥ: ከምኡውን ንኣሽቱ ኣትክልቲ ይርከብ። እዚ ኣትክልቲ እዚ ኻብ ዓበይቲ ኣእዋም ጽላል እናረኸበ በቲ ኣብቲ ዱር ዝርከብ ጠሊ ተጠቒሙ እዩ ዝበቍል።

ገሊኡ ኣቝጽልቱ ዘርግፍ ዱር ኣብ ኣጋ መወዳእታ ዓመት ኣብ ሓደ ሄክታር 25 ሚልዮን ኣቝጽልቲ ኸርግፍ ይኽእል እዩ። እዚ ዅሉ እንታይ እዩ ዝኸውን፧ ሓሸራታት: ዕሲ: ሓሳኹ: ከምኡውን ካልኦት ነፍሳት ብኡንብኡ ንዅሉ እቲ ኣቝጽልቲ ናብቲ ሓመድ ፍርያም ንክኸውን ዘድሊ ድዅዒ ይቕይርዎ። እወ: እዞም ብዘይ ደሃይ ነቲ ሓመድ ዘዳልዉ ሰራሕተኛታት ክዓዩ ኸለዉ: ዋላ ሓንቲ ኣይትጠቅምን እትበሃል ነገር የላን።

እቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ዝረገፈ ኣቝጽልቲ ዘሎ ሓመድ ብእተፈላለየ ህይወት ዘለዎም ነፍሳት ዝመልአ እዩ። ብመሰረት እታ ዘ ፎረስት እትበሃል መጽሓፍ “ኣብ 30 ትርብዒት ሳንቲ ሜተር ዝስፍሓቱ 2.5 ሳንቲ ሜተር ዝዕምቈቱ ሓመድ . . . 1,350 ፍጥረታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፣ እዚውን ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕማኾ ሓመድ ዝርከብ ብቢልዮናት ዝቝጸር ብማይክሮስኮፕ ዝርአ ነፍሳት ዘጠቓልል ኣይኰነን” ትብል። ኣብ ርእሲ እዚ: ኣብ ዱር ለመምታን ኣዕዋፍን ሓሸራታትን መጥበውቲ እንስሳታትን ይርከቡ እዮም። በዚ ዅሉ ጽባቐን በብዓይነቱ ፍጥረትን ክብሪ ኽወሃቦ ዘለዎ መን እዩ፧ እቲ ፈጣሪኦም “ኵሎም እንስሳ በረኻን ኣብ ኣሻሕ ኣኽራን ዘለዋ ኸብትን ናተይ እየን” ክብል ሓቁ እዩ።—መዝሙር 50:10

ገሊኣቶም እንስሳታት ኣብቲ መግቢ ዘይርከበሉ ቘራሪ ወቕቲ ይነውሙ: ማለት ከም ሓውሲ ምዉታት ኰይኖም ይድቅሱ። ኵሎም እንስሳታት ግን ኣይኰኑን ክነውሙ ዝኽእሉ። ኣብ ኣዝዩ ቘራሪ ወርሒ እውን ከይተረፈ: ሸውዓተ ቐርኑ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ሸውዓተ ቐርኑ ኣይነውምን ወይ መግቢ ኣይእክብን እዩ። ከምዚ ኣብዚ ኻብ ጀርመን እተረኽበ ስእሊ እትርእዮ ዘለኻ: ጨንገር ኰነ እጓም እናጠጠመ ነቲ ቘራሪ ወርሓት ይሓልፎ።

ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ኣትክልቲ ብብዝሒ ተጻሒፉ ንረክብ ኢና። ብመሰረት ሓደ ፍቕዲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ 130 ዓይነት ኣትክልቲ ኽጥቀስ ከሎ: ካብዚ 30 ዓይነት ኣእዋም ተጠቒሱ ኣሎ። ተመራማሪ ስነ-ኣትክልቲ ማይክል ዞሃሪ ብዛዕባዚ ኣመልኪቱ: ‘ነቲ ኣብ ሓደ ሞያ ጥራይ ዘተኵር መጻሕፍቲ ሓዲግካ: ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መጠን ብዝሒ ገይሩ በብዓይነቱ ኣትክልቲ ዝጠቅስ ተራ መጽሓፍ ኣይርከብን እዩ’ በለ።

ኣእዋምን ዱርን እቲ ፈቃር ፈጣሪና ዝሃበና ዘደንቕ ውህበት እዩ። ኣብ ብዙሕ ኣግራብ ዝርከቦ ቦታ እተወሰነ ግዜ እንተ ኣሕሊፍና: ነቲ “ኣእዋም እግዚኣብሄርን እተን ዝተኸልካየን ጽሕድታት ሊባኖስን ጸገባ። ኣዕዋፍ ኣብኡ እንዳኤን ይሰርሓ” ዝብል ቃላት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከም እንሰማምዓሉ ዘጠራጥር ኣይኰነን።—መዝሙር 104:16, 17

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ 2004 ዓውደ-ኣዋርሕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ወርሒ ጥሪ/ለካቲት ርአ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ኦም ለውዚ ሓደ ኻብቲ ዘደንቕ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከብ ዝብላዕ ፍረ ዝፈሪ ኦም እዩ። ኣብ መጀመርታ ዓመት ቅድሚ ኻልእ ኣእዋም ይዕምብብ። ቅድሚ ዅሉ ዝዕምብብ ብምዃኑ ድማ ጥንታዎት እብራውያን ‘ዘበራብር’ ኢሎም ይጽውዕዎ ነበሩ። እዚ ኦም እዚ ኽዕምብብ ከሎ ሊላ ወይ ጻዕዳ ካባ ተኸዲኑ እተበራበረ እዩ ዝመስል።—መክብብ 12:5

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ካብተን ክሳዕ ሕጂ ዝፍለጣ 9,000 ዘርኢ ኣዕዋፍ: እተን 5,000 ዝዝምራ ኣዕዋፍ እየን። መዝሙረን ጸጥታ ኣብ ዝሰፈኖ ዱር ይስማዕ። (መዝሙር 104:12) ንኣብነት: ጭሩ ገበላ ኽትዝምር ከላ ባህ ዘብል ድምጺ ኣለዋ። እዛ ኣብዚ ተሳኢላ ዘላ ሞርኒን ዋርብለር እትበሃል ዓይነት ጭሩ ብጨላይ: ብጫ: ከምኡውን ናብ ብጫ ገጹ ዘምሰልስል ቀጠልያ ሕብሪ ዝመልክዐት እትዝምር ዓይነት ዑፍ እያ።—መዝሙር 148:1, 10

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኖርማንዲ: ፈረንሳ: ዝርከብ ዱር