ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ መን መብጽዓታት ኢኻ ኽትተኣማመነሉ እትኽእል፧

ናይ መን መብጽዓታት ኢኻ ኽትተኣማመነሉ እትኽእል፧

ናይ መን መብጽዓታት ኢኻ ኽትተኣማመነሉ እትኽእል፧

‘ልክዕ ከምቲ ናይ ቀደም ባህሪኡ መብጽዓታቱ እውን ሓያል እዩ ነይሩ፣ እንተዀነ ግን: ልክዕ ከምዚ ሕጂ ዀይንዎ ዘሎ ዋላ ሓንቲ ኣይፈጸመን።’—ዊልያም ሸክስፔር ዘዳለዋ ኪንግ ሄንሪ ዘ አይትዝ

እቲ ሸክስፔር ኣብዚ ጠቒስዎ ዘሎ ሓያል መብጽዓታት: ኣብ መበል 16 ዘመን ሓያል ፖለቲካዊ ስልጣን ዝነበሮ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ካርዲናል ቶማስ ዎልሲ ዝኣተዎ መብጽዓታት እዩ ነይሩ። ገሊኣቶም ሰባት መብዛሕትኡ ኣብዚ ግዜና ዝእቶ መብጽዓታት እውን ከምዚ ሸክስፔር እተዛረበሉ ዓይነት ምዃኑ ይሰማምዑሉ እዮም። ሰባት: ብጾቶም ብተደጋጋሚ መብጽዓ ዝኣትውሎም እኳ እንተዀኑ: ዋላ ሓንቲ ግን ክፍጸም ኣይርእዩን እዮም። ስለዚ: ንዝዀነ ይኹን መብጽዓ ብዓይኒ ጥርጣረ እንተ ረኣይዎ ምርድኡ ዘጸግም ኣይኰነን።

ሓያሎ ተስፋ እተገብረሉ ነገራት ከንቱ ይኸውን ኣሎ

ንኣብነት: ብ1990ታት ኣብ ሃገራት ባልካን ዘስካሕክሕ ውግእ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን: ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነታ ኣብ ቦዝንያ እትርከብ ስረብረኒሳ እትበሃል ንእሽቶ ኸተማ “መዕቘቢት ቦታ” ኽትከውን ኣወጀ። ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ነዚ ኸም ዘተኣማምን መብጽዓ ገይሩ ረኣዮ። በሽሓት ዝቝጸሩ ኣብ ስረብረኒሳ እተዓቝቡ እስላም ስደተኛታት እውን ከምኡ እዩ ተሰሚዕዎም ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ግን እታ መዕቘቢት ተባሂላ ዝነበረት ቦታ ዋላ ሓንቲ ኣይረብሐትን። (መዝሙር 146:3) ኣብ ሓምለ 1995 መጥቃዕቲ ዝፈነዉ ሓይልታት: ንሓይልታት ው.ሕ.ሃ. ኣባሪሮም ነታ ኸተማ ተቘጻጸርዋ። ልዕሊ 6,000 እስላም መእተዊኦም ከይተፈልጠ ኽጠፍኡ ኸለዉ: ብውሕዱ 1,200 ሰላማውያን እስላም ተቐትሉ።

ህይወት ወድሰብ ፍጻሜኡ ብዘይረኸበ መብጽዓታት ዝመልአት እያ። ሰባት በቲ ኣብዚ ግዜና ኣጥለቕሊቑ ዘሎ “ማእለያ ዘይብሉ ሓሶትን ግጉይ መልእኽቲ ዝህብ ረክላማትን” ከም እተታለሉ ይስምዖም እዩ። “በሽሓት ዝቝጸሩ ፖለቲከኛታት ምረጹኒ ኽብሉ ኸለዉ ዝኣትውዎ መብጽዓታት ዘይፍጽሙ ምዃኖም” ንብዙሓት ሓርቢትዎም እዩ ዘሎ። (ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ መበል 15 ጥራዝ: ገጽ 37) ንመጓሰኦም ክከናኸንወን እተመባጽዑ ትውክልቲ ዝግበረሎም መራሕቲ ሃይማኖት: ብሕማቕ መገዲ ሃስዮምወን እዮም። ኣብቲ ድንጋጽን ሓልዮትን ክንጸባረቐሉ ኣለዎ ዝበሃል ከም ትምህርትን ሕክምናን ዝኣመሰለ ሞያ እውን ከይተረፈ: ገሊኣቶም ነቲ እተዋህቦም ሕድሪ ጠሊሞም: ንሰባት መዝሚዞም: አረ ገሊኣቶምሲ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ነቶም ክከናኸንዎም ዝግብኦም ሰባት ቀቲሎምዎም እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሉ ቓል ከይንኣምን እንተ ኣጠንቀቐና እምበኣር ዘገርም ኣይኰነን!—ምሳሌ 14:15

ፍጻሜኡ ዝረክብ መብጽዓታት

ልክዕ እዩ: ብዙሓት ሰባት ዋላ እውን ብዙሕ መስዋእትታት ከፊሎም ቃሎም ይሕልዉ እዮም። (መዝሙር 15:4) ቃል ክኣትዉ ኸለዉ ኻብ ልቦም ስለ ዝዀኑ: ይሕልዉዎ እዮም። ገሊኣቶም ከኣ ነቲ ኻብ ቅኑዕ ድራኸ ተበጊሶም ዝኣተዉዎ መብጽዓ ኽሕልዉ ይደልዩ። ነቲ እተመባጽዕዎ ኽገብሩ ድሉዋትን ፍቓደኛታትን እኳ እንተዀኑ: ዓቕሚ ግን የብሎምን። እቲ ብሉጽ ዝበሃል መደብ እውን ብናይ ኵነታት ለውጢ ኽፈሽል ይኽእል እዩ።—መክብብ 9:11

እንተ በዚ እንተ በቲ: ብዙሓት ሰባት ንዝዀነ ይኹን መብጽዓ ምእማኑ የጸግሞም እዩ። ስለዚ: ‘ክንተኣማመነሉ እንኽእል መብጽዓታት ኣሎዶ፧’ ዝብል ሕቶ ኽብገስ ይከኣል እዩ። መልሱ ድማ ‘እወ’ ዝብል እዩ። ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መብጽዓታት ክንተኣማመነሉ ንኽእል ኢና። እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባዚ እንታይ ከም እትብል ንምንታይ ዘይተንብባ፧ ንስኻውን ልክዕ ከምቶም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ድሮ በጺሖምዎ ዘለዉ መደምደምታ: ‘ንመብጽዓታት ኣምላኽ ብሓቂ ኽንተኣማመነሉ ንኽእል ኢና’ ኣብ ዝብል መደምደምታ ኽትበጽሕ ትኽእል ኢኻ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

AP Photo/Amel Emric