ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንሰብ ዘይኰነስ ንኣምላኽ ክብሪ ሃብዎ

ንሰብ ዘይኰነስ ንኣምላኽ ክብሪ ሃብዎ

ንሰብ ዘይኰነስ ንኣምላኽ ክብሪ ሃብዎ

ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ጽድቂ ዝፈትዉ ሰባት ንኣምላኽ ክብሪ ንምሃብ ኣብቲ “ንኣምላኽ ክብሪ ሃብዎ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣኪቦም ነይሮም። ነቲ ኣብኡ ዝቐረበ ትምህርቲ እስከ ኣሕጽር ኣቢልና ንርኣዮ።

እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ትምህርቲ ኣብ መብዛሕትኡ ኣውራጃዊ ኣኼባታት ሰለስተ መዓልቲ ዝወሰደ ክኸውን ከሎ: ኣብቲ ፍሉይ ኣህጉራዊ ኣኼባታት እተገብረሉ ቦታታት ግን ነርባዕተ መዓልቲ እዮም ተኣኪቦም። ኣብ ኵሉ እዚ ኣኼባታት እዚ እቶም ተኣከብቲ መንፈሳዊ ሞሳኦም ዘዕምቝ ዝርርባት: እምነቶም ዘደልድል ተመክሮታት: ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ኸም እትኽእል ዝሕብር መርኣያታት: ከምኡውን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንዝነበሩ ክርስትያናት ዘጋጥሞም ጸገማት ዘርኢ ድራማ ዝሓቘፈ ልዕሊ 30 ቅዱስ ጽሑፋዊ ኽፍልታት ቀሪቡ ነይሩ። ኣብ ሓደ ኻብዚ ኣኼባታት እዚ ተኻፊልካ እንተ ኔርካ: ነዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኸተንብባ ኸለኻ ነቲ ዝጸሓፍካዮ መዘኻኸሪ ንምንታይ ዘይትምርምሮ፧ ኣብቲ ስቡሕ መግቢ ዝነበሮ መንፈሳዊ ድግስ ዘሕለፍካዮ ጽቡቕ ተዘክሮታት ከም ዘለዓዕለልካን ትምህርቲ ኸም እትረኽበሉን ዘጠራጥር ኣይኰነን።

ቀንዲ ኣርእስቲ ቐዳመይቲ መዓልቲ:- ‘ዎ ጐይታና ኽብሪ ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ’

መኽፈቲ መዝሙርን ጸሎትን ምስ ተገብረ: እቲ ቐዳማይ ተዛራባይ ነቲ ቐንዲ መአከቢ ምኽንያት ዝገልጽ “ንኣምላኽ ክብሪ ንምሃብ ኢና ተኣኪብና” ዘርእስቱ ዝርርብ ከቕርብ ከሎ: ንዅሎም እቶም ተኣከብቲ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም በሎም። ንራእይ 4:11 ብምጥቃስ ድማ ፍረ ነገር እቲ ኣኼባ ኣጕልሐ። ኣስዕብ ኣቢሉ ንኣምላኽ ክብሪ ምሃብ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ገለጸ። ካብ መዝሙር ዳዊት ብምጥቃስ ንኣምላኽ ክብሪ ምሃብ ክበሃል ከሎ ‘ምስጋድ’ ማለት ኣምልኾ ምሃብ: ‘ምምስጋን:’ ከምኡውን “ሃሌሉያ” ምባል ማለት ንያህ ውዳሰ ምሃብ ዘጠቓልል ምዃኑ ኣጕልሐ።—መዝሙር 95:6፣ 100:4, 5፣ 111:1, 2

እቲ ቐጺሉ ዝቐረበ ኽፍሊ “እቶም ንኣምላኽ ክብሪ ዝህብዎ ብሩኻት እዮም” ዝብል ኣርእስቲ ነበሮ። እቲ ተዛራባይ ሓደ ዝምስጥ ነገር እዩ ገሊጹ። ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ 234 ሃገራት ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዘለዉ: ነቶም ንየሆዋ ኽብሪ ዘምጽኡሉ ጸሓይ ኣይትዓርቦምን እያ ኽበሃል ይከኣል እዩ። (ራእይ 7:15) ምስ ብርክት ዝበሉ ኣብ ፍልይ ዝበለ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት እተጸምዱ ክርስትያን ኣሕዋትን ኣሓትን እተገብረ ቓለ-መጠይቓት ንልቢ እቶም ሰማዕቲ ዘሐጐሰ ኽፋል እዩ ነይሩ።

ስዒቡ “ፍጥረት ክብሪ ኣምላኽ የዘንቱ” ዘርእስቱ ኽፍሊ ቐረበ። እዚ ብዓይንና እንርእዮ ሰማያት ብዘይ ድምጺ ዕቤት የሆዋ የጕልሕ: ነቲ ፍቕራዊ ሓልዮቱ ዘሎና ሞሳ ንኸነዕምቝ ድማ ይሕግዘና። እዚ ነጥቢ እዚ ብዝርዝር እዩ ተገሊጹ።—ኢሳይያስ 40:26

መስጐጕቲ: ምጽራር: ዓለማዊ ጽልዋ: ከምኡውን ሓጥእ ዝንባለታት ንንጽህና ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዝፍትን እዩ። ስለዚ ኸኣ እዮም እቶም ተኣከብቲ ነቲ “ብንጽህና ተመላለሱ” ዘርእስቱ ዝርርብ ጽን ኢሎም ዝሰምዕዎ። መበል 26 መዝሙር በብጥቕሲ ተገልጸት: ድሕሪኡ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኻብ ስነ-ምግባራዊ ኣቕዋሞም ፈልከት ንዘይበሉ ከምኡውን ዘተሓታትት መዘናግዒታት ዝጥቀሙ ዝነበሩ ደሓር ግን ካብዚ ንዝረሓቑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቃለ-መጠይቕ ተገብረሎም።

እቲ ናይ ንግሆ ኣኼባ በቲ “ክብሪ ዝመልኦ ትንቢታዊ ራእያት የነቓቕሓና!” ዘርእስቱ ሕመረት ዝርርብ ተዛዘመ። እቲ ተዛራባይ ነቶም በቲ ንኣመሰራርታን ኣሰራርሓን መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዝምልከት ክብሪ ዝመልኦ ትንቢታዊ ራእያት እተነቓቕሑ ነብዪ ዳንኤልን ሃዋርያ ዮሃንስን ሃዋርያ ጴጥሮስን ዝገደፉልና ኣብነት ጠቐሰ። ነቶም ኣብ ግዜ መወዳእታ ኸም ዘለና ዘርኢ ንጹር መርትዖ ዝርስዕዎ ሰባት ኣመልኪቱ ድማ “ክርስቶስ ኣብ ክብሪ መንግስቱ ኸም ዘሎ ኸተኵሩሉን ብመንፈስ ንኽብርትዑ ሓገዝ ክረኽቡን ትምኒትና እዩ” በለ።

እቲ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ኣኼባ በቲ “ክብሪ የሆዋ ንትሑታት ይግለጸሎም” ዘርእስቱ ዝርርብ ተጀመረ። የሆዋ ኣብ ኣድማስ ካብ ኵሉ ዝለዓለ እኳ እንተዀነ: ንትሕትና ብዝምልከት ግን ብኸመይ ኣብነት ከም ዝዀነና እቲ ተዛራባይ ገለጸ። (መዝሙር 18:35) የሆዋ ነቶም ብሓቂ ትሑታት ዝዀኑ ሞገሱ ኽህቦም ከሎ: ነቶም ምስ መዛኑኦም ወይ ካብኦም ምስ ዝበልጹ ሰባት ጥራይ ኣብ ዘለዎም ርክብ ትሑታት እናመሰሉ ነቶም ኣብ ትሕቲኦም ዘለዉ ግን ዝጭቍኑ ይጻረሮም እዩ።—መዝሙር 138:6

ቀጺሉ “ትንቢት ኣሞጽ—ነዚ ግዜና ዝኸውን መልእኽቲ” ንዝብል ኣርእስቲ ብእተፈላለየ መዳይ ኣብ ዘጕልሐ ዓውደ-መጽናዕቲ ብዛዕባ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ትንቢት ተገልጸ። እቲ ቐዳማይ ተዛራባይ ነቲ ኣሞጽ ዝገደፎ ኣብነት ብምጥቃስ ንሰባት ካብዚ ዝመጽእ ዘሎ ፍርዲ የሆዋ ንኸነጠንቅቖም ዘሎና ሓላፍነት ኣጕልሐ። ኣርእስቲ ዝርርቡ “ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ተዛረቡ” ዝብል ነበረ። እቲ ኻልኣይ ተዛራባይ “ንምዃኑ የሆዋ ኣብዛ ምድሪ ዘሎ እከይን ስቓይን መወዳእታ ኽገብረሉ ድዩ፧” ዝብል ሕቶ ኣበገሰ። እቲ “ኣብ እኩያት ዝወርድ ፍርዲ ኣምላኽ” ዘርእስቱ ዝርርቡ: ፍርዲ ኣምላኽ ወትሩ ኣብቶም ዝግብኦም ጥራይ ከም ዝወርድ: ክትሃድመሉ ዘይከኣል ከም ዝዀነ: ከምኡውን መምዩ ዘጥፍእ ከም ዝዀነ ዘጕልሕ ነበረ። እቲ ናይ መወዳእታ ዝርርብ እቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ዘቕረበ ሓው “የሆዋ ንልቢ ይምርምሮ” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣተኰረ። እቶም ንየሆዋ ኸሐጕሱ ዝደልዩ ነቲ ኣብ ኣሞጽ 5:15 ዝርከብ “እከይ ጽልኡ: ሰናይ ከኣ አፍቅሩ” ዝብል ቃላት ክዓዩሉ እዮም።

ከም ወይኒ ዝኣመሰለ ኣልኮላዊ መስተ ንልቢ ሰብ ዘሐጕስ ኣምላኽ ዝሃበና ውህበት እኳ እንተዀነ: ካብ መጠን ንላዕሊ ምስታይ ግን ጌጋ እዩ። እቲ “ካብ መፈንጠራ ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተ ርሓቑ” ዘርእስቱ ዝርርብ ዘቕረበ ተዛራባይ: ሓደ ሰብ ዋላ እውን እንተ ዘይሰኸረ ኻብ መጠን ንላዕሊ ምስ ዝሰቲ: ከስዕበሉ ዝኽእል ኣካላውን መንፈሳውን ጕድኣት ዘርዘረ። ኣስዕብ ኣቢሉውን ‘ኣብ ኣልኮላዊ መስተ ዘሎ ተጻዋርነት ከከም ሰቡ ስለ ዝፈላለ: ነቲ ዘሎካ “ጥበብን ናይ ምሕሳብ ክእለትን” ዘዳኽም እንተ ዀይኑ ብዙሕ ክበሃል ይከኣል’ ብምባል መምርሒ ዝኸውን ስርዓት ሃበ።—ምሳሌ 3:21, 22 NW

ኣብ ክፉእ ዘመን ንነብር ስለ ዘሎና: እቲ ቐጺሉ ዝቐረበ “የሆዋ ‘ብዘመን ጸገማ መኸወሊና እዩ’” ዘርእስቱ ዝርርብ ንብዙሓት እዩ ኣጸናኒዑ። ጸሎት: መንፈስ ቅዱስ: ከምኡውን ክርስትያናት ብጾትና ንዘጋጥመና ጸገማት ንኽንዋጽኣሉ ይድግፉና እዮም።

ኣብቲ በታ መዓልቲ ዝቐረበ “እታ ‘ጽብቕቲ ምድሪ’ መርኣዪ ገነት እያ” ዘርእስቱ ናይ መወዳእታ ዝርርብ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ካርታታት ዝሓዘት ሓዳስ ጽሕፍቲ ብምውጻኣ ዘሐጕስን ትጽቢት ዘይተገብረሉን መዛዘሚ እዩ ነይሩ! ኣርእስቲ እታ ጽሕፍቲ ነታ ጽብቕቲ ምድሪ ርኣያ ዝብል እዩ።

ቀንዲ ኣርእስቲ ኻልአይቲ መዓልቲ:- ‘ክብሩ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣዘንትዉ’

ዕለታዊ ጥቕሲ ምስ ተነበ: እቲ “‘ክብሪ የሆዋ ኸም መስትያት’ ነንጸባርቕ” ዘርእስቱ ኻልኣይ ዓውደ-መጽናዕቲ ናይቲ ኣኼባ ቐረበ። ኣብቲ “ነቲ ብስራት ኣብ ኵሉ ብምዝርጋሕ” ዘርእስቱ ቐዳማይ ክፍሊ ብመርኣያ ዝቐርብ ተመክሮታትን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዘጋጠመ ናይ ሓቂ ተመክሮታትን ቀሪቡ ነይሩ። እቲ ቐጺሉ ዝመጸ ተዛራባይ “ነቶም ዝዓወሩ ጋሪድዎም ዘሎ ጕልባብ ብምቕንጣጥ” ዘርእስቱ ኻልኣይ ዝርርብ ክህብ ከሎ ሓደ መርኣያ ቐሪቡ ነይሩ። እቲ ናይ መወዳእታ ኽፋል “ኣብ ኣገልግሎትና ብዝበለጸ ብምዕያይ” ዝብል ኣርእስቲ ነበሮ: ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዘጋጠመ ተመክሮታት ዘጠቓልል መሳጢ ቓለ-መጠይቓት እውን ቀሪቡ ነይሩ።

እቲ ቐጺሉ ዝቐረበ ኽፍሊ “ብዘይ ምኽንያት ዝጽልኡ” ዝብል ኣርእስቲ ነበሮ። እዚ ኽፍሊ እዚ ምጽራር ከጋጥሞም ከሎ ብሓይሊ ኣምላኽ ንጽህናኦም ንዝሓለዉ እሙናት ውልቀ-ሰባት እተገብረሎም ዘተባብዕ ቃለ-መጠይቓት ዘጠቓልል ነበረ።

እቲ ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባታት ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ናይ ጥምቀት ዝርርብ ድሕሪ ምቕራቡ: ኵሎም እቶም ንጥምቀት ብቑዓት ዘበሉ ኣብ ማይ ምሉእ ብምሉእ ብምጥሓል ተጠምቁ። ሓደ ሰብ ብማይ ክጥመቕ ከሎ: ህይወቱ ምሉእ ብምሉእ ንየሆዋ ኸም ዝወፈየ እዩ ዘርኢ። ስለዚ: እቲ “ምስ ወፈያና ተሰማሚዕና ምንባርና ንኣምላኽ የኽብሮ” ዘርእስቱ ዝርርብ ምስቲ ኣጋጣሚ ዝሰማማዕ እዩ ነይሩ።

እቲ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ኣኼባ “ዓብዪ ብምዃን ዝመጸ ኣረኣእያ ክርስቶስ ምምዕባል” ብዝብል ኣርእስቲ ርእስና ንኽንምርምር ዘተባብዕ ዝርርብ ተጀመረ። እቲ ተዛራባይ ነዚ ዝስዕብ ኣገዳሲ ነጥቢ ኣጕልሐ:- ዓብዪ ኽትከውን እትኽእል ነቲ ክርስቶስ ዘንጸባረቖ ትሕትና ብምቕዳሕ እዩ። ስለዚ: ሓደ ክርስትያን ስልጣን ንምርካብ ካብ ዘለዎ ህርፋን ተላዒሉ ሓላፍነት ንኽረክብ ክጽዕር የብሉን። ‘ኣቓልቦ ኻልኦት ኣብ ዘይስሕብ መዳያት ንኸገልግል ድሉው ድየ፧’ ኢሉ ንርእሱ ኽሓትት ኣለዎ።

ድኻም ይስምዓካ ድዩ፧ መልሲ ናይዚ ፍሉጥ እዩ። ነቲ “ብስጋ እኳ እንተ ደኸምና: ብመንፈስ ግን ኣይንደክምን ኢና” ዘርእስቱ ዝርርብ ኵሎም ኣማስዮምሉ እዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ዝዀኑ ነዊሕ እዋን ምስ ዝገበሩ ክርስትያናት እተገብረ ቓለ-መጠይቓት ከም ዝሕብሮ: የሆዋ ‘ብመንፈሱ ከበርትዓና’ ኸም ዝኽእል ንጹር ኰነ።—ኤፌሶን 3:16

ልግሲ ምሳና እትውለድ ባህሪ ዘይኰነትስ: ክንመሃራ ዘሎና ባህሪ እያ። ኣብቲ “ለጋሳትን መማቐልትን ንኹን” ዘርእስቱ ዝርርብ እዚ ኣገዳሲ ነጥቢ እዚ ጐሊሑ ነይሩ። ኣብቲ ዝርርብ “ምስቶም ብዕድመ ዝደፍኡ: ዝሓመሙ: ጭንቀት ዘለዎም: ወይ ጽምዋ ዝስምዖም ኣሕዋትና እተወሰነ ደቓይቕ ከነሕልፍ ድሉዋት ዲና፧” ዝብል ዘተሓሳስብ ሕቶ እውን ተላዒሉ ነይሩ።

“ካብ ‘ድምጺ ኻልእ’ ተጠንቀቑ” ዘርእስቱ ዝርርብ እውን ኣቓልቦ እቶም ተኣከብቲ ስሒቡ ነይሩ። ኣብዚ ዝርርብ እዚ ሰዓብቲ የሱስ በተን ንድምጺ እቲ “ሕያዋይ ጓሳ” ጥራይ ዝሰምዓ: ነቲ በቶም ድያብሎስ ጽልዋ ዝገብረሎም ብዙሓት ወኪላቱ ዝድሀ “ድምጺ ኻልእ” ግን ዘይሰምዓ ኣባጊዕ ተመሲሎም ኣለዉ።—ዮሃንስ 10:5, 14, 27

መዘምራን እቲ ዝዝምርዎ ንኽርድኣካ ውህደት ክህልዎም ኣለዎ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ እውን ንኣምላኽ ክብሪ ምእንቲ ኽህብዎ ሓድነት ክህልዎም ኣለዎ። ስለዚ: እቲ “ንኣምላኽ ‘ብሓደ ኣፍ’ ክብሪ ሃብዎ” ዘርእስቱ ዝርርብ: ኵላትና ብሓድነት ነቲ “ጽሩይ ከናፍር” ወይ ነቲ ጽሩይ ቋንቋ ብኸመይ ከም እንዛረቦን ንየሆዋ ብኸመይ ‘ሓቢርና’ ኸም እነገልግሎን ጠቓሚ ትምህርቲ ሃበ።—ጸፎንያስ 3:9

ወለዲ ዘበሉ: ብፍላይ ከኣ እቶም ቈልዑ ዘለዉዎም ወለዲ: በቲ ኣብታ መዓልቲ ዝቐረበ “ውሉዳት ክቡር ውህበት እዮም” ዘርእስቱ ናይ መወዳእታ ዝርርብ ባህ ኢልዎም እዩ። ሓንቲ 256 ገጻት ዘለዋ ሓዳስ ጽሕፍቲ ምስ ወጸት: እቶም ተኣከብቲ ተሓጒሶም እዮም። እዛ ንወለዲ ምስቶም ኣምላኽ ከም ውህበት ዝሃቦም ውሉዳቶም ብመንፈሳዊ ሃናጺ ግዜ ንኸሕልፉ እተኽእሎም መጽሓፍ እዚኣ ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር ዝብል ኣርእስቲ ኣለዋ።

ቀንዲ ኣርእስቲ ሳልሰይቲ መዓልቲ:- “ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ”

እታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ እቲ ኣኼባ ኻብ ዕለታዊ ጥቕሲ መዘኻኸሪታት ብምሃብ እዩ ተጀሚሩ። እቲ ቐዳማይ ክፋል በታ መዓልቲ እተገብረ ኣኼባ ኣብ ስድራቤት ዘተኰረ እዩ ነይሩ። እቲ “ኣቱም ወለዲ ስድራቤትኩም ህነጹ” ዘርእስቱ ናይ መጀመርታ ዝርርብ ነቶም ተኣከብቲ ኣብዚ መዳይ እዚ ንኸተኵሩ ኸም ዝዳለዉ ገይርዎም እዩ። እቲ ተዛራባይ: ወለዲ ንደቆም ብስጋ ዘድልዮም ነገራት ናይ ምምላእ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ድሕሪ ምጥቃስ: ብቐዳምነት ግን ብመንፈስ ዘድልዮም ከማልኡሎም ሓላፍነት ከም ዘለዎም ኣጕልሐ።

እቲ ቐጺሉ ዝቐረበ ተዛራባይ ናብ ውሉዳት ዘተኰረ: “መንእሰያት ንየሆዋ ዝውድሱሉ ዘለዉ መገድታት” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ኽፍሊ ኣቕረበ። መንእሰያት ብዙሓት ብምዃኖምን እቲ ቕንኣቶም ባህ ዘብል ብምዃኑን ከም “ኣውሊ” ምዃኖም ገለጸ። ዓበይቲ ምስ መንእሰያት ሓቢሮም ንየሆዋ ኸገልግሉ ደስ እዩ ዝብሎም። (መዝሙር 110:3) ኣብዚ ኽፍሊ እዚ ምስ ኣብነታውያን መንእሰያት እተገብረ ባህ ዝብል ቃለ-መጠይቓት ቀሪቡ ነይሩ።

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ድራማታት ሓደ ኻብቲ ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝቐርብ ስምዒት ዝትንክፍ ክፍልታት እዩ: ኣብዚ ዝሓለፈ ኣውራጃዊ ኣኼባ እውን ሓንቲ ድራማ ቐሪባ ነይራ። ኣርእስታ “ምጽራር እኳ እንተ ሃለወ ብትብዓት ምምስካር” ዝብል ኰይኑ: ብዛዕባ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰዓብቲ የሱስ እትገልጽ እያ። እዛ ድራማ እዚኣ ባህ እተብል ጥራይ ዘይኰነትስ: ልዕሊ ዅሉ መሃሪት እያ ነይራ። እቲ ድሕሪ እታ ድራማ ዝቐረበ “ነቲ ብስራት ካብ ምስባኽ ‘ኣይተብኵሩ’” ዘርእስቱ ዝርርብ: ካብታ ድራማ ኣገዳሲ ነጥብታት ኣጕልሐ።

ኵሎም እቶም ተኣከብቲ ነቲ ኣብ ሰንበት ካብ ዝቐረበ ትምህርትታት ዝለዓለ ኣገዳስነት ዝነበሮ “ኣብዚ ግዜና ንኣምላኽ ክብሪ ዝህብዎ ዘለዉ መን እዮም፧” ዘርእስቱ ህዝባዊ ዝርርብ ብሃንቀውታ እዮም ተጸብዮምዎ። እቲ ተዛራባይ ዓውድታት ስነ-ፍልጠት ኰነ ሃይማኖት ብሓፈሻ ንኣምላኽ ክብሪ ይህቦ ኸም ዘየለ ብመርትዖ ገይሩ ገለጸ። ኣብዚ ግዜና እቶም ብዛዕባ የሆዋ እቲ ሓቂ ዝሰብኩን ዝምህሩን ንስሙ እተሓርዩ ህዝቢ ጥራይ እዮም ንስሙ ብሓቂ ዘኽብርዎ ዘለዉ።

ደድሕሪ እቲ ህዝባዊ ዝርርብ ናይታ ኣብታ ሰሙን እትጽናዕ ግምቢ ዘብዐኛ ጽማቝ ሓሳባት ቀረበ። ካብኡ ድማ “ንኽብሪ የሆዋ ‘ብዙሕ ፍረ ኻብ ምፍራይ’ ኣይተብኵሩ” ዘርእስቱ ናይ መወዳእታ ዝርርብ ቀረበ። እቲ ተዛራባይ ነቶም ተኣከብቲ ስምምዖም ንኽገልጹሉ ዓሰርተ ነጥብታት ዘለዎ ናይ ኣቕዋም መግለጺ ኣቕረበ። እዚ ድማ ንፈጣሪና የሆዋ ኽብሪ ኣብ እንህበሉ እተፈላለየ መገድታት ዘተኵር ነበረ። ብሓደ ድምጺ “እወ” ዝብል መልሲ ድማ ኣብ ኵሉ እቲ ኻብ ጫፍ ክሳዕ ጫፍ ምድሪ እተገብረ ኣኼባታት ኣቃልሐ።

ስለዚ: እዚ ኣኼባ እዚ “ንኣምላኽ ክብሪ ሃብዎ” ዝብል ቀንዲ ኣርእስቲ ኣብ እዝኒ እቶም ተኣከብቲ እናኣቃልሐ እዩ ተዛዚሙ። እምበኣር: ብሓገዝ መንፈስ የሆዋን እታ እትርአ ማሕበሩን ኣቢልና: ንሰባት ዘይኰነስ ንኣምላኽ ክብሪ ንምሃብ ወትሩ ንጽዓር።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]

ኣህጉራዊ ኣኼባታት

ኣብ ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካ: ኣውሮጳ: ኣውስትራልያ: ኣፍሪቃ: ከምኡውን: ኣብ እስያ ኣርባዕተ መዓልቲ ዝወሰደ ኣህጉራዊ ኣኼባታት ተገይሩ እዩ። ካብ መላእ ዓለም እተዓደሙ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣኼበኛታት ኣብዚ ኣኼባታት እዚ ተረኺቦም ነይሮም። በዚ ኸምዚ ኸኣ እቶም በጻሕትን እቶም ደቂ እቲ ዓድን ንሓድሕዶም ‘ተጸናኒዖም’ እዮም። (ሮሜ 1:12) ኣቐዲሞም ዝፋለጡ ዝነበሩ ተራኺቦም: ሓድሽ ሌላ እውን ተጀሚሩ። ኣብቲ ኣህጉራዊ ኣኼባታት “ካብ ካልኦት ሃገራት እተላእከ ጸብጻብ” ዘርእስቱ ፍሉይ ክፍሊ ቐሪቡ ነይሩ።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]

ንኣምላኽ ክብሪ ዝህብ ሓደስቲ ጽሑፋት

ኣብቲ “ንኣምላኽ ክብሪ ሃብዎ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባታት ክልተ ሓድሽ ጽሑፋት ወጺኡ እዩ። እታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ካርታታት ዝሓዘት ነታ ጽብቕቲ ምድሪ ርኣያ ዘርእስታ ጽሕፍቲ: ብቐሊሉ ዘይበላሾ ነዊሕ ዘገልግል ገበር ዘለዋ ዀይና 36 ገጻት ዝኸውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ እተጠቕሰ ቦታታት ካርታታትን ስእልታትን ዝሓዘት እያ። ኵሉ እቲ ስእልታት ኰነ ብዛዕባ ሃጸያዊ ግዝኣት ሶርያ: ባቢሎን: ሜዶንን ፋርስን: ግሪኽ: ከምኡውን ሮሜ ዝገልጽ ካርታታት ሕብራዊ እዩ። ንኣገልግሎት የሱስን ንምስፍሕፋሕ ክርስትናን ዝገልጽ ካርታታት እውን ሒዛ ኣላ።

እታ 256 ገጽ ዘለዋ ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር ዘርእስታ መጽሓፍ 230 ስእልታት ዝሓዘት እያ። ንውሉዳትኩም ነቲ ስእልታት ጥራይ ብምርኣይን ኣብታ መጽሓፍ ዘሎ ዘመራምር ሕቶታት ብምምላስን ብዙሕ ባህ ዘብል ትምህርቲ ኽትህብዎም ትኽእሉ ኢኹም። እዛ ሓዳስ ጽሕፍቲ እዚኣ ነቲ ሰይጣን ንቘልዑ ስነ-ምግባራዊ ኣቕዋሞም ንኸበላሹ ኢሉ ዘውርዶ መጥቃዕቲ ንምፍሻሉ ተባሂላ እተዳለወት እያ።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ሚስዮናውያን እምነት ዘደልድል ተመክሮታት ኣዘንትዮም

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ጥምቀት ኣገዳሲ ኽፋል እቲ “ንኣምላኽ ክብሪ ሃብዎ” ዘርእስቱ ኣኼባታት እዩ ነይሩ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ንኣሽቱ ዀኑ ዓበይቲ በቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ድራማ ባህ ኢልዎም እዩ