ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ኣምላኽ ብኢድ ኣብ እተሃንጸ መቓድስ ኣይሓድርን እዩ’

‘ኣምላኽ ብኢድ ኣብ እተሃንጸ መቓድስ ኣይሓድርን እዩ’

‘ኣምላኽ ብኢድ ኣብ እተሃንጸ መቓድስ ኣይሓድርን እዩ’

ቤተ መቕደስ ኣቴና ኣብተን ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ምብጻሕ ዝገብረለን ዝነበረ ሓያሎ ኸተማታት ይርከብ ብምንባሩ: ጳውሎስ ነዚ ኣብያተ መቕደስ እዚ ይፈልጦ ኸም ዝነበረ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ኸም ዝሕብሮ: እታ ኣቴና እትበሃል ጣኦት: ኣምላኽ ውግእን ጥበብን ጥራይ ዘይኰነስ: “ብሓፈሻኡ ኣምላኽ ብልሓትን ኣምላኽ እቲ ኣብ እዋን ሰላም ዝህልወካ ክእለትን” ከም ዝዀነት እያ እትፍለጥ ነይራ።

እቲ ልዕሊ ዅሉ ፍሉጥ ቤተ መቕደስ ኣቴና: ኣብታ ብእኣ እትጽዋዕ ከተማ ኣቴና ዝርከብ ፓርተኖን ዝበሃል እዩ። ፓርተኖን ሓደ ኻብቲ ብግዜ ጥንቲ ዓበይቲ ዝበሃሉ ኣብያተ መቕደስ ኰይኑ 12 ሜትሮ ዝቝመቱ ብወርቅን ስኒ ሓርማዝን እተሰርሐ ናይ ኣቴና ምስሊ ዝሓዘ ነበረ። ጳውሎስ ናብ ከተማ ኣቴና ምስ ከደ: እዚ ብጻዕዳ እምነ-በረድ እተሰርሐ ቤተ መቕደስ ኣብታ ኸተማ ን500 ዓመት ዝኸውን ዝጸንሐ ውሩይ ህንጻ እዩ ነይሩ።

ንሰብ ኣቴና ‘ኣምላኽ ብኢድ ኣብ እተሰርሐ መቓድስ ከም ዘይሓድር’ ክነግሮም ከሎ ድማ ኣብ ጥቓ ፓርተኖን እዩ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:23, 24) ምናልባት ዕቤት ኣብያተ መቕደስ ኣቴና ወይ ግርማ እቲ ጣኦታታ ንገሊኣቶም እቶም ንጳውሎስ ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት: ካብቲ ዘይርእይዎን ዘይፈልጥዎን ኣምላኽ ንላዕሊ እትበልጽ ኰይኑ ይስምዖም ነይሩ ይኸውን። ይኹን እምበር: ከምቲ ጳውሎስ ዝሓበሮ: ፈጣሪ ደቅሰብ ‘ብሰብ እተገብረ ቕርጺ ወርቂ ወይ ብሩር ወይ እምኒ ኸም ዝመስል’ ጌርና ኽንርእዮ የብልናን።—ግብሪ ሃዋርያት 17:29

ክብሮም ኣብ ኣብያተ መቕደሶምን ምስሎምን ዝምርኰስ ተባዕትዮ ኣማልኽቲ ዀኑ ኸም ኣቴና ዝኣመሰሉ ኣንስትዮ ኣማልኽቲ ክቕልቀሉን ክጠፍኡን ተራእዮም እዮም። እቲ ምስሊ ኣቴና ኣብ ሓምሻይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ካብ ፓርተኖን ጠፍአ: ዑና ናይ ሒደት ኣብያተ መቕደሳ ጥራይ እዩ ኽርከብ ዝከኣል። መን እሞ እዩ ኣብዚ እዋን እዚ ጥበብን መምርሕን ካብ ኣቴና ኽረክብ ዝጽበ፧

እቲ ዋላ ሓደ ሰብ ዘይረኣዮ “ናይ ዘለኣለም ኣምላኽ” ዝዀነ የሆዋ ግን ፈጺሙ ኸምዞም ኣማልኽቲ እዚኣቶም ኣይኰነን። (ሮሜ 16:25፣ 1 ዮሃንስ 4:12) ደቂ ቆራሕ “እዚ ኣምላኽ እዚ ንዘለኣለመ ኣለም ኣምላኽና እዩ እሞ: ንሱ . . . ኪመርሓና እዩ” ኢሎም ጸሓፉ። (መዝሙር 48:14) ሓደ ኻብቲ ኻብ የሆዋ ኣምላኽ መምርሒ እንረኽበሉ መገዲ: ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕን ዝህበና ምዕዶ ኣብ ግብሪ ብምውዓልን እዩ።