ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ዝጐልሕ ነጥብታት—2ይ ክፋል

ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ዝጐልሕ ነጥብታት—2ይ ክፋል

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ዝጐልሕ ነጥብታት—2ይ ክፋል

ኦሪት ዘፍጥረት ካብ ፍጥረት እቲ ናይ መጀመርታ ሰብ: ኣዳም: ጀሚሩ ኽሳዕ ሞት ዮሴፍ ወዲ ያእቆብ ንዘሎ 2,369 ዓመት ታሪኽ ወድሰብ ዝሓቘፈት እያ። እተን ካብ ፍጥረት ጀሚሩ ኽሳዕ ግምቢ ባቤል ንዘሎ ታሪኽ ዝገልጻ ቐዳሞት 10 ምዕራፋትን ኣብ ምዕራፍ 11 ዝርከባ 9 ቝጽርታትን ኣብታ ቕድሚ እዚኣ ዝወጸት ሕታም መጽሔት ተገሊጹ ኣሎ። a እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኸኣ ነቲ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ምስ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ዮሴፍን ዝነበሮ ርክብ ዝገልጽ ዝተረፈ ምዕራፋት ኦሪት ዘፍጥረት ተጕልሕ።

ኣብራሃም ዓርኪ ኣምላኽ ኰነ

(ዘፍጥረት 11:10–23:20)

ድሕሪ ማይ ኣይሂ ገለ 350 ዓመት ይገብር: ካብ ዘርኢ እቲ ወዲ ኖህ ዝነበረ ሴም ዝመጸ: ኣምላኽ ፍሉይ ገይሩ ዝርእዮ ዝነበረ ሰብ ተወልደ። ስሙ ኣብራም ይበሃል: ደሓር ግን ኣብርሃም ተባህለ። ኣብራም ብትእዛዝ ኣምላኽ ንኸተማ ኡር ሓዲጉ ኣብታ የሆዋ ንዕኡን ንዘርኡን ክህቦም ዝመሓለሉ ምድሪ: ድንኳን ሰሪሑ ይነብር ነበረ። ብእምነቱን ተኣዛዝነቱን ከኣ “ዓርኪ ኣምላኽ” ተባህለ።—ያእቆብ 2:23 ትርጕም 1990

የሆዋ ኣንጻር እቶም ኣብ ሶዶምን ኣብ ከባቢኣ ዝነበራ ንኣሽቱ ኸተማታትን ዝነብሩ ዝነበሩ ሰባት ስጕምቲ ወሰደ። ንሎጥን ነዋልዱን ግን ካብ ጥፍኣት ኣድሓኖም። እቲ ኣምላኽ እተመባጽዖ መብጽዓ ይስሃቅ ወዲ ኣብርሃም ምስ ተወልደ ተፈጸመ። ድሕሪ ገለ ዓመታት: የሆዋ ንኣብርሃም ንወዱ ይስሃቅ ክስውኣሉ ምስ ኣዘዞ እምነት ኣብርሃም ተፈቲና እያ። ኣብርሃም ንኽእዘዝ ፍቓደኛ እኳ እንተ ነበረ ሓደ መልኣኽ ከልከሎ። ኣብርሃም ናይ እምነት ሰብ ከም ዝነበረ ዘጠራጥር ኣይኰነን: ብዘርኡ ህዝብታት ኵላ ምድሪ ኽባረኹ ምዃኖም ከኣ መረጋገጺ ተዋህቦ። እታ ዘፍቅራ ሰበይቱ ሳራ ምስ ሞተት ከኣ መሪር ሓዘን ሓዘነ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

12:1-3—እቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዝኣተወሉ ኺዳን ካብ መዓስ እዩ ኽዓዪ ዝጀመረ: ንኽንደይ ዝኣክል ግዜኸ ቀጸለ፧ እቲ “ዓሌታት ኵላ ምድሪ ብኣኻ ኪባረኹ እዮም” ብምባል የሆዋ ንኣብራም ዝኣተወሉ ኺዳን ኣብ ግብሪ ዝወዓለ: ኤፍራጥስ ሰጊሩ ናብ ከነኣን ክኣቱ ኸሎ እዩ። እዚ ድማ ብ14 ኒሳን 1943 ቅ.ኣ.ዘ. ማለት እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ሓራ ቕድሚ ምውጽኦም 430 ዓመት ኣቐዲሙ ክኸውን ኣለዎ። (ዘጸኣት 12:2, 6, 7, 40, 41) እቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዝኣተወሉ ኺዳን “ናይ ዘለኣለም ኪዳን” እዩ። ክሳዕ እቲ ዅሎም ስድራቤታት ምድሪ ዝባረኹሉን ኵሎም ጸላእቲ ኣምላኽ ድማ ዝጠፍኡሉን እዋን ክቕጽል እዩ።—ዘፍጥረት 17:7፣ 1 ቈረንቶስ 15:23-26

15:13—ዘርኢ ኣብራም ን400 ዓመት ዝኣክል ብጭንቂ ኸም ዝነብሩ ዝነግር ትንቢት መዓስ እዩ ተፈጺሙ፧ እዚ ናይ ጭንቂ እዋን እዚ ዝጀመረ ብ1913 ቅ.ኣ.ዘ. ዀይኑ ይስሃቅ ወዲ ኣብርሃም ኣብ 5 ዓመቱ ጡብ ምስ ሓደገ እሞ እቲ በቦ ሓዉ ዝዀነ ወዲ 19 ዓመት ዝነበረ እስማኤል ኣብ ‘ዘላግጸሉ’ ዝነበረ እዋን እዩ። (ዘፍጥረት 21:8-14፣ ገላትያ 4:29) እስራኤላውያን ብ1513 ቅ.ኣ.ዘ. ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ምስ ወጹ ኸኣ ኣብቅዐ።

16:2ሳራይ ንኣጋር ግዝእታ ሰበይቲ ኣብራም ክትከውን ምሃባ ግቡእ ድዩ ነይሩ፧ እቲ ሳራይ ዝገበረቶ ነገር ኣብቲ ግዜ እቲ ልሙድ እዩ ነይሩ። ሓንቲ ሰበይቲ መኻን ምስ እትኸውን ዘርኢ ምእንቲ ኽርከብ ንሰብኣያ ግዝእታ ኽትህቦ ትግደድ እያ ነይራ። ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ምእታው ኣብ ስድራቤት ቃየል እዩ ጀሚሩ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ልሙድ ኰይኑ ተቐባልነት ረኸበ እሞ ገለ ኻብ ኣምለኽቲ የሆዋ እውን ከዘውትርዎ ጀመሩ። (ዘፍጥረት 4:17-19፣ 16:1-3፣ 29:21-28) ይኹን እምበር: የሆዋ ነቲ ሓንቲ ሰበይቲ ንሓደ ሰብኣይ ዝብል መጀመርታ ዘውጽኦ ስርዓቱ ዕሽሽ ኣይበሎን። (ዘፍጥረት 2:21, 22) እቶም ‘ፍረዩን ተፋረዩን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋ’ ዝብል ትእዛዝ እተዋህቦም ኖህን ደቁን ነፍሲ ወከፎም ሓሓንቲ ሰበይቲ እዮም ኣእትዮም ነይሮም። (ዘፍጥረት 7:7፣ 9:1፣ 2 ጴጥሮስ 2:5) የሱስ ክርስቶስ እውን ነዚ ሓንቲ ሰበይቲ ንሓደ ሰብኣይ ዝብል ስርዓት ኣትሪሩ ገሊጽዎ ኣሎ።—ማቴዎስ 19:4-8፣ 1 ጢሞቴዎስ 3:2, 12

19:8—ሎጥ ነዋልዱ ነቶም ሶዶማውያን ኣሕሊፉ ምሃቡስ ጌጋዶ ኣይኰነን፧ ብመሰረት ስርዓት ምብራቓውያን ሓደ ሰብ ኣብ ቤቱ ኣጋይሽ ምስ ዘአንግድ: ክሳዕ ሞት እውን ከይተረፈ ክከላኸለሎም ሓላፍነት ኣለዎ። ሎጥ ከምዚ ንምግባር ድሉው እዩ ነይሩ። ብትብዓት ናብቶም ጭፍራ ወጺኡ: ነቲ ማዕጾ ብድሕሪኡ ዓጽዩ በይኑ ቐሪብዎም እዩ። ሎጥ ነዋልዱ ኣሕሊፉ ኽህበን ከሎ: እቶም ኣጋይሹ ኻብ ኣምላኽ እተላእኹ ምዃኖም ፈሊጡ ነይሩ ክኸውን ስለ ዘለዎ: ኣምላኽ ልክዕ ከምቲ ንሳራይ ሰበይቲ ሓወቦኡ ኣብ ግብጺ ዘዕቘባ ነዋልዱ እውን ከዕቝበን ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣሕዲሩ ክኸውን ኣለዎ። (ዘፍጥረት 12:17-20) ከምቲ ዝሓሰቦ ድማ ሎጥን ኣዋልዱን ተዓቚቦም እዮም።

19:30-38—የሆዋ ንስኽራን ሎጥን ካብተን ክልተ ደቁ ብምውላዱን ዕሽሽ ኢልዎ ድዩ፧ የሆዋ ምስ ቀረባ ዘመድ ንዝግበር ጾታዊ ርክብ ኰነ ንስኽራን ዕሽሽ ኢሉ ኣይርእዮን እዩ። (ዘሌዋውያን 18:6, 7, 29፣ 1 ቈረንቶስ 6:9, 10) ሎጥ በቲ ‘ርኹስ ንብረት’ ወይ ናብራ እቶም ተቐማጦ ሶዶም ብሓቂ ይጕሂ ነበረ። (2 ጴጥሮስ 2:6-8) ኣዋልድ ሎጥ ነቦአን ከም ዝሰክር ምግባረን ከይሰኸረ ምሳታተን ጾታዊ ርክብ ክፍጽም ፍቓደኛ ኸም ዘይከውን ፈሊጠን ከም ዝነበራ ዝሕብር እዩ። ይኹን እምበር: ሎጥ ኣብታ ሃገር ጓና ስለ ዝነበረ ስድራቤት ኣቦአን ክቕጽለሉ ዝኽእል እንኮ መገዲ በዚ ጥራይ እዩ ዝብል ስምዒት እየን ኣሕዲረን። እቲ ጸብጻብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመዝገበሉ ምኽንያት ከኣ ኣብ መንጎ እቶም ዘርኢ ኣብርሃም ዝዀኑ እስራኤላውያንን ኣብ መንጎ እቶም ዘርኢ ሞኣብ ዝዀኑ ሞኣባውያንን ዘርኢ ብንዓሚ ዝዀኑ ዓሞናውያንን ዘሎ ርክብ ንምግላጽ ተባሂሉ እዩ።

ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ:-

13:8, 9 ኣብርሃም ዘይምስምማዕ ከጋጥመና ኸሎ ብኸመይ ከም እንፈትሖ ዝገልጽ ግሩም ኣብነት እዩ ሓዲጉልና። ጥቕሚ ገንዘብ ምእንቲ ኽንረክብ ኢልና: ወይ ብብሕታዊ ምርጫና ተደሪኽና: ወይ ከኣ ትዕቢት ሒዙና ሰላማዊ ርክብና ኸነበላሹ ኣይግባእን።

15:5, 6 ኣብርሃም ውሉድ ከይወለደ እናኣረገ ምስ ከደ: ብዛዕባ እዚ ንኣምላኽ ተዛረቦ። የሆዋ ድማ ኣብ እርጋኑውን እንተዀነ ውሉድ ክወልድ ምዃኑ ኣረጋገጸሉ። ውጽኢቱኸ እንታይ ነበረ፧ ኣብርሃም ብየሆዋ “ኣመነ።” ንሕናውን ንየሆዋ ብጸሎት ናይ ልብና እንተደኣ ኣፍሲስናሉ: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝህበና መረጋገጺ ብምቕባል ከኣ እንተደኣ ተኣዚዝናዮ: እምነትና ኽትድልድል እያ።

15:16 የሆዋ ኣብ ልዕሊ ኣሞራውያን (ወይ: ከነኣናውያን) ከውርዶ ዝወጠኖ ፍርዲ ነርባዕተ ወለዶ ዝኣክል ኣጽኒሕዎ እዩ። ስለምንታይ፧ ዕጉስ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ እዩ። ንኽምለሱ ዝነበረ ዅሉ ተስፋ ኽሳዕ ዝጽንቀቕ ተጸብዩዎም እዩ። ንሕናውን ከም የሆዋ ዕጉሳት ክንከውን ይግብኣና።

18:23-33 የሆዋ ንሰባት ኣልሚሙ ኣየጥፍኦምን እዩ። ንጻድቃን የዕቝቦም እዩ።

19:16 ሎጥ ምስ “ደንጐየ:” እቶም መላእኽቲ ንዕኡን ንስድራቤቱን ካብ ከተማ ሶዶም ጐቲቶም ኣውጽእዎ። መወዳእታ ናይዚ እኩይ ኣገባብ እዚ እናተጸበና ናይ ህጹጽነት ስምዒትና ኸይነጥፍእ ንጠንቀቕ።

19:26 ኣቓልቦና ብኻልእ ክሰሓብ ከነፍቅድ ወይ ከኣ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ንዝሓደግናዮ ነገር ክንብህጎሲ ኽንደይ ዕሽነት ኰን እዩ!

ያእቆብ 12 ደቂ ወለደ

(ዘፍጥረት 24:1–36:43)

ኣብርሃም ንይስሃቅ ወዱ ነታ ንየሆዋ እትኣምን ዝነበረት ርብቃ ንኽምርዓዋ ምድላዋት ገበረሉ። ምስ ተመርዓዋ ኸኣ ኤሳውን ያእቆብን ዝበሃሉ ማንታ ወለደት። ኤሳው ብዅርናኡ ንዒቑ ንያእቆብ ምስ ሸጠሉ: ያእቆብ ድሕሪዚ ኻብ ኣቦኡ ይስሃቅ ምርቓ ረኸበ። ያእቆብ ናብ ጳዳን-ኣራም ምስ ሃደመ: ንልያን ራሄልን ተመርዕዩ: ን20 ዓመት ዝኣክል ኣባጊዕ ኣቦአን ይጓሲ ነበረ: ድሕርዚ ግን ስድራቤቱ ሒዙ ገዓዘ። ያእቆብ ካብ ልያን ራሄልን ካብተን ክልተ ግዙኣተንን 12 ኣወዳትን ሓንቲ ጓልን ወለደ። ምስ ሓደ መልኣኽ ተጠማጠመ: እቲ መልኣኽ ምስ ባረኾ ኸኣ ስሙ እስራኤል ተባህለ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

28:12, 13—እቲ ምስ “መሳልል” እተተሓሓዘ ያእቆብ ዝሓለሞ ሕልሚ እንታይ ትርጕም እዩ ነይርዎ፧ እዚ “መሳልል” እዚ: ከም ካብ ሓደ ደርቢ ናብ ካልእ ደርቢ ዝወስድ መደያይቦ ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ መንጎ ምድርን ሰማይን ርክብ ከም ዘሎ ኸኣ እዩ ዘመልክት። እቶም ዝድይቡን ዝወርዱን ዝነበሩ መላእኽቲ ኣምላኽ: ኣብ መንጎ የሆዋን ኣብ መንጎ እቶም ስምረቱ ዘለዎም ደቅሰብን ብገለ ፍሉይ መገዲ ኸም ዘገልግሉ ዝሕብር እዩ።—ዮሃንስ 1:51

30:14, 15—ራሄል ምስ ሰብኣያ ንኽትድቅስ ዝነበራ ኣጋጣሚ ብምልዖ ዝቐየረቶ ስለምንታይ እያ፧ ኣብ ግዜ ጥንቲ ፍረ ናይዚ ኣብዚ ምልዖ ተባሂሉ ዘሎ ማንድራጎራ እተባህለ ተኽሊ ንመደቀሲ ወይ ከኣ ሕማም ምንፍራፋር ንምህዳእን ንምክልኻልን ከም መድሃኒት ይጥቀምሉ ነበሩ። እቲ ፍረ እቲ ጾታዊ ስምዒት ከለዓዕል ከምኡውን ፈራዪት ክገብር ወይ ኣብ ጥንሲ ኽሕግዝ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት እውን ስለ ዝነበረ ኣብ መሃልየ መሃልይ “ናይ ፍቕሪ ትርንጒ” ተባሂሉ ኣሎ። (መሃልየ መሃልይ 7:14) መጽሓፍ ቅዱስ ራሄል ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝገበረት እኳ እንተ ዘይገለጸ: እቲ ምልዖ ተባሂሉ ተተርጒሙ ዘሎ ተኽሊ ንኽትጠንስ ክሕግዛ እሞ ካብቲ መኻን ብምዃን ዝወረዳ ሕስረት ክትገላገል ሓሲባ ኽትከውን ትኽእል እያ። ይኹን እምበር: የሆዋ ‘ማሕጸና ዝኸፈተላ’ ድሕሪ ገለ ዓመታት እዩ።—ዘፍጥረት 30:22-24

ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ:-

25:23 የሆዋ እቶም ገና ዘይተወልዱ ሕጻናት እንታይ ዓይነት ዝንባለ ኸም ዝህልዎም ክፈልጥ ከምኡውን ነቲ ኣቐዲምካ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ ተጠቒሙ ምስ ዕላማታቱ ዝሰማምዑ ውልቀ-ሰባት ክመርጽ ክእለት እኳ እንተለዎ: ናይ መጨረሽታ ዕድሎም እንታይ ምዃኑ ግን ኣይውስንን እዩ።—ሆሴእ 12:3፣ ሮሜ 9:10-12

25:32, 33 32:24-29 ያእቆብ ብዅርና ኽረክብ ተገዳስነት ምሕዳሩን በረኸት ንኽረክብ ኢሉ ኸኣ ምስ ሓደ መልኣኽ ምሉእ ለይቲ ኽቃለስ ምሕዳሩን ንቕዱስ ነገራት ኣኽቢሩ ይርኢ ኸም ዝነበረ እዩ ዝሕብር። የሆዋ ኸም እኒ ምስኡን ምስ ማሕበሩን ዘሎና ርክብ: በጅነት: መጽሓፍ ቅዱስ: ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለን ሓያሎ ቕዱስ ነገራት ብሕድሪ ሂቡና እዩ። ንሕናውን ከም ያእቆብ ነዚ ነገራት እዚ ኣኽቢርና ንርኣዮ።

34:1, 30 ያእቆብ “ንኽፉእ ጨና” ዝዀነሉ ምኽንያት: ዲና ጓሉ ንየሆዋ ምስ ዘየፍቅሩ ሰባት ምሕዝነት ስለ ዝጀመረት እዩ። ንሕናውን ኣዕሩኽትና ብጥበብ ክንመርጽ ይግብኣና።

የሆዋ ንዮሴፍ ኣብ ግብጺ ባረኾ

(ዘፍጥረት 37:1–50:26)

ደቂ ያእቆብ ብቕንኢ ተላዒሎም ንሓዎም ዮሴፍ ንባርነት ሸጥዎ። ዮሴፍ ብተኣማንነትን ብትብዓትን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኣምላኽ ብምሕላዉ ኣብ ግብጺ ተኣስረ። ድሕሪ ገለ ግዜ ግን ንሕልምታት ፈርኦን ንኽፈትሕ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጸ። እቲ ሕልሚ ሸውዓተ ዓመት ጽጋብ: ሸውዓተ ዓመት ከኣ ጥሜት ክኸውን ምዃኑ ዝነግር እዩ ነይሩ። ድሕርዚ ዮሴፍ ሓላፊ መግቢ ግብጺ ዀነ። ኣሕዋቱ ብምኽንያት ጥሜት እኽሊ ደልዮም ናብ ግብጺ መጹ። ብዘለዉ ስድራቤቱ ምስ መጹ ኸኣ ኣብታ ፍርያም ምድሪ ጐሸን ከም ዝቕመጡ ገበረ። ያእቆብ ቀቅድሚ ሙማቱ ኣብ ዓራቱ ዀይኑ ንደቁ ባረኾም: ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ዝፍጸም ዓበይቲ በረኸታት ዝገልጽ ትንቢት ድማ ተነበየ። ሬሳ ያእቆብ ናብ ከነኣን ተወሲዱ ኣብኡ ተቐብረ። ዮሴፍ ኣብ 110 ዕድሚኡ ምስ ሞተ: ናብ ምድሪ ተስፋ ምእንቲ ኽውሰድ ተባሂሉ: ሬሳ ኸም ዝዕቀብ ብዝገብር መድሃኒት ተለኽየ።—ዘጸኣት 13:19

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

43:32—ንግብጻውያን ምስ እብራውያን እንጌራ ምብላዕ ነውሪ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ብዓብዪኡ ሃይማኖታዊ ጽልኢ ወይ ዓሌታዊ ትዕቢት ክኸውን ይኽእል እዩ። ግብጻውያን ንጓሶት እውን ይንዕቅዎም ነይሮም እዮም። (ዘፍጥረት 46:34) ስለምንታይ፧ ጓሶት ኣብ ግብጺ ዝተሓተ ደረጃ መነባብሮ ስለ ዝነበሮም ክኸውን ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ ግብጻውያን ነቶም ንመጓሴኦም መገሃጫ ዝደልዩ ዝነበሩ ሰባት ዝንዕቕዎም ዝነበሩ: ንማሕረስ ዝኸውን መሬት ውሱን ስለ ዝነበረ ክኸውን ይኽእል እዩ።

44:5ዮሴፍ ብሓቂዶ ምስጢር ንኽፈልጥ ኢሉ ጽዋእ ይጥቀም ነይሩ እዩ፧ እታ ጽዋእ ብሩር ከምቲ ኣብቲ ሓሳባት እተገልጸ ንምድንጋር ተባሂላ እያ ተገይራ። ዮሴፍ እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ እዩ ነይሩ። ልክዕ ከምቲ ብንያም ነታ ጽዋእ ዘይሰረቓ: ዮሴፍ እውን ምስጢር ኣይፈልጠላን እዩ ነይሩ።

49:10—“በትሪ” ከምኡውን “ዘንጊ ገዛኢ” እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧ ሓደ ገዛኢ በትሪ ዝሕዝ ናይ ንግስነት ስልጣን ከም ዘለዎ ንምምልካት እዩ። “ዘንጊ ገዛኢ” ኸኣ ንኽእዝዝ ስልጣን ከም ዘለዎ ዘመልክት ነዊሕ ዘንጊ እዩ። ያእቆብ ነዚ ቓላት እዚ ምጥቃሱ: ነገድ ይሁዳ ሺሎ ኽሳዕ ዝመጽእ ፍሉይ ስልጣንን ንግስነትን ሒዙ ኸም ዝቕጽል ዝሕብር እዩ ነይሩ። እዚ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ዘርኢ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ ክኸውን ከሎ የሆዋ ሰማያዊ ንግስነት ሂብዎ እዩ። ክርስቶስ ንጉሳዊ ስልጣን ስለ ዝሓዘ ኽእዝዝ ይኽእል እዩ።—መዝሙር 2:8, 9፣ ኢሳይያስ 55:4፣ ዳንኤል 7:13, 14

ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ:-

38:26 ይሁዳ ነታ መበለት ሰበይቲ ወዱ ዝነበረት ታማር በዲልዋ እዩ። ይኹን እምበር: ካብኡ ምስ ጠነሰት ካብ ሓላፍነት ከምልጥ ስለ ዘይደለየ: ብትሕትና ጌጋኡ ተኣመነ። ንሕናውን ቀልጢፍና ጌጋና ኽንእመን ኣሎና።

39:9 እቲ ዮሴፍ ንሰበይቲ ጶጢፋር ዝሃቦ ምላሽ: ብስነ-ምግባር ዝመጸ ነተሓሳስባኡ ምስ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ከም ዘሰማምዖ: ሕልናኡ ኸኣ ብስርዓታት ኣምላኽ ይምራሕ ከም ዝነበረ እዩ ዘርኢ። ንሕናውን ብርጡብ ፍልጠት ሓቂ እናተመራሕና ብዝኸድና መጠን ከምኡ ንኽንገብር ክንጽዕርዶ ኣይግብኣናን፧

41:14-16, 39, 40 የሆዋ ነቶም ዝፈርህዎ ሰባት ኣብ ኵነታቶም ለውጢ ኸምጽእ ይኽእል እዩ። ኣብ ሕማቕ ኵነታት ምስ እንርከብ: ኣብ የሆዋ ኽንውከልን ንዕኡ እሙናት ኴንና ኽንርከብን ይግብኣና።

ድልድልቲ እምነት ነበረቶም

ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ዮሴፍን ንኣምላኽ ዝፈርሁ ናይ እምነት ሰባት እዮም ነይሮም። እቲ ኣብ ዘፍጥረት ዝርከብ ብዛዕባ ህይወቶም ዝገልጽ ጸብጻብ: ብሓቂ እምነት ዘደልድል ኰይኑ ብዙሕ ጠቓሚ ትምህርትታት ክንመሃረሉ ንኽእል ኢና።

ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ: ካብዚ ጸብጻብ እዚ ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ነዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሓሳባት ምምርማሩ ነቲ ጸብጻብ ህያው ጌርካ ንኽትስእሎ ኽሕግዘካ ይኽእል እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነታ ኣብ 1 ጥሪ 2004 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ወጺኣ ዘላ “ቃል የሆዋ ህያው እዩ—ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ዝጐልሕ ነጥብታት—1ይ ክፋል” እትብል ዓንቀጽ ርአ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ንዮሴፍ ባረኾ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኣብርሃም ናይ እምነት ሰብ እዩ ነይሩ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ጻድቕ ሎጥን ኣዋልዱን ካብ ጥፍኣት ድሒኖም እዮም

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ያእቆብ ንቕዱስ ነገራት ኣኽቢሩ ይርኢ ነበረ። ንስኻኸ ኣኽቢርካ ዲኻ እትርእዮ፧