ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክትተኣማመነሉ እትኽእል መብጽዓታት

ክትተኣማመነሉ እትኽእል መብጽዓታት

ክትተኣማመነሉ እትኽእል መብጽዓታት

እቲ ነብዪ ኣምላኽ ዝነበረ ሚክያስ: መብጽዓታት ዝበዝሕ ግዜ ኽትተኣማመነሉ ኸም ዘይከኣል ይፈልጥ ነበረ። ነቶም ኣዝዮም ዝቐርቡኻ ብጾትካ እውን ቃሎም ንኽሕልዉ ምሉእ ብምሉእ ክትተኣማመነሎም ዝከኣል ኣይነበረን። ስለዚ ድማ “ንብጻይ ኣይትእመንዎ: ብፈታዊ ድማ ኣይትተአመኑ: ኣብ ቅድሚ እታ ኣብ ሕቝፍኻ እትዐርፍውን ደገ ኣፍካ ሐሉ” ኢሉ ኣጠንቀቐ።—ሚክያስ 7:5

ሚክያስ ብሰንኪ እዚ ዘሕዝን ኵነታት ንዅሉ መብጽዓታት ብዓይኒ ጥርጣረ ኸም ዝርእዮ ገይርዎዶ እዩ፧ ኣይፋሉን! በቲ የሆዋ ኣምላኹ ዝኣተዎ መብጽዓታት ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተኣማመን ገሊጹ እዩ። “ኣነ ግና ናብ እግዚኣብሄር እጥምት: ንኣምላኽ ምድሓነይ ድማ ተስፋ እገብር አሎኹ” ኢሉ ድማ ጸሓፈ።—ሚክያስ 7:7

ሚክያስ ከምዚ ዝኣመሰለ ምትእምማን ዘሕደረ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ: የሆዋ ወትሩ ቓሉ ኸም ዝሕሉ ይፈልጥ ነበረ። ኵሉ እቲ ኣምላኽ ንኣቦታት ሚክያስ ዝመሓለሎም ነገራት: ፈጺምዎ እዩ። (ሚክያስ 7:20) እቲ የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘርኣዮ ተኣማንነት: ኣብ መጻኢ እውን ቃሉ ኸም ዝሕሉ ንኽተኣማመን ኣኽኣሎ።

“ሓደ እኳ ኣይወደቐን”

ንኣብነት: የሆዋ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ኸም ዘውጽኦም ሚክያስ ይፈልጥ ነበረ። (ሚክያስ 7:15) ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ እያሱ ንእስራኤላውያን ኣብ ኵሉ መብጽዓታት ኣምላኽ እምነት ንኸሕድሩ ኣተባብዖም። ኣብ ምንታይ ተመርኲሶም እዮም እምነት ከሕድሩ፧ “ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር: ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይወደቐ: ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን ፍለጡ። ኵሉ በጽሓኩም እምበር: ካብኡስ ሓደ እኳ ኣይወደቐን” በሎም።—እያሱ 23:14

እስራኤላውያን: የሆዋ ዘደንቕ ነገራት ከም ዝገበረሎም ኣጸቢቖም ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ነቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ኣቦኦም ኣብርሃም: ዘርኡ ብዝሖም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ክዀኑ ምዃኖምን ንምድሪ ከነኣን ከም ዝወርስዋን ዝኣተዎ መብጽዓ ፈጺምዎ እዩ። የሆዋ ንኣብርሃም ዘርኡ ን400 ዓመት ከም ዝሳቐዩ “ኣብ ራብዓይ ወለዶ” ግን ናብ ከነኣን ከም ዝምለሱ ነጊርዎ ነይሩ። እዚ ዅሉ ድማ ተፈጸመ።—ዘፍጥረት 15:5-16፣ ዘጸኣት 3:6-8

እስራኤላውያን ብግዜ ዮሴፍ ወዲ ያእቆብ ኣብ ግብጺ ጽቡቕ ኣቀባብላ እዩ ተገይሩሎም። ጸኒሖም እቶም ግብጻውያን ባሮት ገበርዎም። ኣምላኽ ግን ከምቲ መብጽዓኡ: ካብታ ዘርኢ ኣብርሃም ናብ ግብጺ ዝኣተዉላ ግዜ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ወለዶ ኻብ ባርነት ግብጻውያን ሓራ ኣውጽኦም። a

እስራኤላውያን የሆዋ ወትሩ መብጽዓታቱ ኸም ዝፍጽም ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ 40 ዓመት ተወሳኺ መርትዖ ርእዮም እዮም። ኣማሌቃውያን ብዘይ ምኽንያት ንእስራኤላውያን ምስ ኣጥቅዕዎም: ኣምላኽ ንህዝቡ ተዋግኣሎምን ኣዕቈቦምን። ን40 ዓመት ኣብ በረኻ ዀለል ክብሉ ኸለዉ ብስጋ ዘድልዮም ዘበለ ዅሉ ኣማሊኡ: ኣብ መወዳእታ ናብታ ምድሪ ተስፋ ኣእተዎም። በዚ ምኽንያት እዚ: እያሱ ነቲ የሆዋ ንዘርኢ ኣብርሃም ዝገበረሎም ነገራት ክዝርዝሮ ኸሎ: ኣፉ መሊኡ “ካብቲ እግዚኣብሄር ንቤት እስራኤል እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር ገለ ቓል እኳ ኣይወደቐን: ኵሉ ደኣ ተፈጸመ” ክብል ከኣለ።—እያሱ 21:45

ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ ምትእምማን ኣሕድር

ንስኻኸ ከምቲ ሚክያስን እያሱን ዝገበርዎ ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ ከመይ ጌርካ ኢኻ እምነት ከተሕድር እትኽእል፧ ንምዃኑ ኣብ ካልኦት ሰባትከ ከመይ ጌርካ ዲኻ ምትእምማን እተሕድር፧ ብእተኻእለካ መጠን ብዛዕባኦም ብዙሕ ክትፈልጥ ኢኻ እትጽዕር። ንኣብነት: ዝኣተዉዎ መብጽዓታት ብተኣማንነት ክፍጽሙ ኸም ዝጽዕሩ ብምዕዛብ: ትውክልቲ ኽግበረሎም ዝኽእል ምዃኖም ትግንዘብ። እቲ ብዛዕባኦም ዘሎካ ፍልጠት እናዓበየ ምስ ከደ: በብቝሩብ ኣባታቶም ምትእምማን ይሓድረካ። ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ እምነት ንኸተሕድር እውን ተመሳሳሊ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ።

ሓደ ኻብቲ ነዚ እትገብረሉ መገዲ ብዛዕባ ፍጥረትን እቲ ዝምርሓሉ ሕግታትን ብምስትንታን እዩ። ሊቃውንቲ ኣብዚ ሕግታት እዚ ይተኣማመኑ እዮም። ንኣብነት: ሓንቲ ዋህዮ ወድሰብ ተመቒላን ተራቢሓን ኣካላት ሰብ ዝኸውን ብትሪልዮናት ዝቝጸር ዋህዮታት ከም እትኸውን ምትእምማን ኣለዎም። እቲ ኣብ መላእ ኣድማስ ዝርከብ ነገራትን ጸዓትን ዝምርሑሉ ሕግታት ብሓደ ምሉእ ብምሉእ ምትእምማን ክግበሮ ዝኽእል ሓጋግ ሕጊ ዝቘመ ክኸውን ኣለዎ። ብርግጽ እምበኣር ከምቲ ነቲ ፍጥረት ዝምርሓሉ ሕግታቱ እትተኣማመነሉ: ንመብጽዓታቱ እውን ክትተኣማመነሉ ትኽእል ኢኻ።—መዝሙር 139:14-16፣ ኢሳይያስ 40:26፣ እብራውያን 3:4

የሆዋ በቲ ብግዜ ሚክያስ ዝነበረ ነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ: ቃሉ ኽሳዕ ክንደይ ትውክልቲ ኽግበሮ ዝከኣል ምዃኑ ንምብራህ: ወቕትታት ከምቲ እተመደበሉ ኸም ዝመጽእን እቲ ዘደንቕ ዑደት ማይ ወትሩ ሓደ ዓይነት ምዃኑን ጠቐሰ። ኣብ ዓዓመት ዝናም ይዘንም: ንምድሪ የስቲ: ሰባት ዘርኢ ዘሪኦም ምህርቲ ንኽሓፍሱ ድማ የኽእሎም። ኣብዚ መዳይ እዚ የሆዋ ኸምዚ በለ:- “ዝናምን ውርጭን ካብ ሰማይ ከም ዚወርድ እሞ ንምድሪ ኸየስተዮ: ከም ዜፍርን ከም ዜብቍልን ከኣ ከይገበሮ: ዘርኢ ንዘራኢ: ምግቢ ንተቐላቢ ድማ ከይሀቦ: ንድሕሪት ከም ዘይምለስ: እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ: ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ: ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር: ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ።”—ኢሳይያስ 55:10, 11

ንገነት ዝምልከት ርጉጽ መብጽዓታት

ንፍጥረት ብምምርማር ኣብ ፈጣሪ ምትእምማን ከነሕድር ንኽእል ኢና። ብዛዕባቲ ‘ኻብ ኣፉ ዝወጽእ ቃል’ ዝዀነ መብጽዓታቱ ንኽንፈልጥ ግን ዝዓበየ ነገር እዩ ዘድሊ። ነዚ መብጽዓታት እዚ ፈሊጥካ ንኽትተኣማመነሉ: ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ምድርን ምስ ደቅሰብ ብዛዕባ ዝነበሮ ርክባትን ብመንፈሱ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘጽሓፎ ጸብጻብ ክትምርምሮ ኣሎካ።—2 ጢሞቴዎስ 3:14-17

ነብዪ ሚክያስ ኣብ መብጽዓታት የሆዋ ምትእምማን ነበሮ። ንስኻ ኻብቲ ንሚክያስ ዝነበሮ ዝበዝሕ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ጽሑፋት ኣሎካ። መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብን ከተስተንትነሉን ከለኻ: መብጽዓታት ኣምላኽ ከም ዝፍጸም እምነት ከተሕድር ትኽእል ኢኻ። እዚ መብጽዓታት እዚ ነቶም ብስጋ ዘርኢ ኣብርሃም ዝዀኑ ጥራይ ዘይኰነስ: ንዅሎም ደቅሰብ ዝምልከት እዩ። የሆዋ ነቲ ንኣምላኽ ዝፈርህ ዝነበረ ኣብርሃም “ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ ድማ ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም” ኢሉ ተመባጽዓሉ። (ዘፍጥረት 22:18) እቲ ቐንዲ ‘ዘርኢ’ ኣብርሃም: እቲ መሲህ ኰይኑ ዝመጸ የሱስ ክርስቶስ እዩ።—ገላትያ 3:16

የሆዋ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ እዙዛት ደቅሰብ ከም ዝባረኹ ኽገብር እዩ። ኣምላኽ ኣብዚ ግዜና እንታይ ክገብር እዩ ተመባጺዑ፧ ሚክያስ 4:1, 2 በዚ ዝስዕብ ትንቢት ገይራ ትምልሰልና:- “በተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ: እቲ ደብሪ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪጸንዕ: ኣብ ልዕሊ ዅድዅዶታት ከኣ ልዕል ኪብል እዩ። ህዝብታት ድማ ናብኡ ኺውሕዙ እዮም። . . . ብዙሓት ህዝብታት ኪኸዱ: ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄርን ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብን ንደይብ: ንሱ ኸኣ ጐደናታቱ ኺምህረና እዩ: ንሕናውን ብመገድታቱ ኽንመላለስ ኢና: ከኣ ኪብሉ እዮም።”

እቶም ብዛዕባ መገድታት የሆዋ ዝመሃሩ “ኣስያፎም ንማሕረሻታት: ኲናውቶም ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም።” ዝዀነ ይኹን ኣሰር ውግእ ክጠፍእ እዩ። ነዊሕ ከይጸንሐት ምድሪ ብቕኑዓት ሰባት ክትመልእ እያ: ዋላ ሓደ ዘፍርሆም ድማ ኣይክህሉን እዩ። (ሚክያስ 4:3, 4) እወ: ኣብ ትሕቲ እታ የሱስ ክርስቶስ ዝንጉሳ መንግስቲ ኣምላኽ: የሆዋ ንምድሪ ኻብ ኵሉ ጭቈና ኸም ዘጽርያ ተመባጺዑ ኣሎ።—ኢሳይያስ 11:6-9፣ ዳንኤል 2:44፣ ራእይ 11:18

እቶም ብሰንኪ እቲ ደቅሰብ ካብ ኣምላኽ ብምዕላዎም ስቓይ ዝወረዶምን ዝሞቱን ሰባት እውን ከይተረፈ: ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ሒዞም ክትንስኡ እዮም። (ዮሃንስ 5:28, 29) እቶም እከይ ዘመንጩ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ክጠፍኡ እዮም: ሓጢኣት ኣዳም ዘምጽኦ ሳዕቤናት እውን ብበጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ክድምሰስ እዩ። (ማቴዎስ 20:28፣ ሮሜ 3:23, 24፣ 5:12፣ 6:23፣ ራእይ 20:1-3) እቶም እዙዛት ደቅሰብከ እንታይ ክረኽቡ እዮም፧ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ፍጹም ጥዕና ረኺቦም ንዘለኣለም ክነብሩ እዮም!—መዝሙር 37:10, 11፣ ሉቃስ 23:43፣ ራእይ 21:3-5

እዚ ብሓቂ ዘደንቕ መብጽዓታት እዩ! እንተዀነ ግን: ክትኣምኖ ዝከኣል ድዩ፧ ብርግጽ ክእመን ዝኽእል እዩ። እዚ መብጽዓታት እዚ እቶም ብቕኑዕ ድራኸ ተላዒሎም ጽቡቕ መደብ ዘውጽኡ ንኽፍጽምዎ ግን ዓቕሚ ዘይብሎም ደቅሰብ ዝኣተዉዎ ኣይኰነን። የግዳስ: እቲ ዘይሕሱን ‘ንተስፋኡ ዘየደንጕን’ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ዝኣተዎ መብጽዓታት እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:9፣ እብራውያን 6:13-18) የሆዋ “ኣምላኽ ሓቂ” ስለ ዝዀነ: ኣብ ኵሉ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መብጽዓታት ምሉእ ምትእምማን ክህልወካ ይኽእል እዩ።—መዝሙር 31:5

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ 1ይ ጥራዝ: ገጽ 911-12 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር: ሓደ ነገር እኳ [ኣይወደቐን]።”—እያሱ 23:14

[ኣብ ገጽ 4, 5 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ንእስራኤላውያን ዘኣተዎ መብጽዓታት ኣብ ቀይሕ ባሕርን ኣብቲ በረኻን ሓለዎ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ንኣብርሃም ዝኣተዎ መብጽዓ ፈጸሞ። እቲ ዘርኡ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ንደቅሰብ በረኸት ከምጽኣሎም እዩ