ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዕቤት የሆዋ ዘይተመርማሪ እዩ

ዕቤት የሆዋ ዘይተመርማሪ እዩ

ዕቤት የሆዋ ዘይተመርማሪ እዩ

“እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ እሞ: ምስጋና ይግብኦ: ዕብየቱ ዘይተመርማሪ እዩ።” —መዝሙር 145:3

1, 2. ዳዊት እንታይ ዓይነት ሰብ ነበረ: ንኣምላኽ ኣብ ግምት ብምእታውከ ንርእሱ ብኸመይ ይርእያ ነበረ፧

 እቲ ንመበል 145 መዝሙር ዘቀናበራ ሰብ ኣብ ታሪኽ ኣዝዩ ውሩይ እዩ። ንእሽቶ ኸሎ ምስ ኣጽዋር እተዓጥቀ ገዚፍ ሰብኣይ ገጢሙ ቐተሎ። ንጉስ ኰይኑ ተዋጋኢ ምስ ኰነ ኸኣ ንሓያሎ ጸላእቱ ሰዓረ። እዚ ሰብ እዚ ስሙ ዳዊት ይበሃል: ካልኣይ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ድማ ነበረ። ዳዊት ድሕሪ ሞቱ እውን ከይተረፈ ውሩይ ብምዃኑ: ኣብዚ ግዜና እኳ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ብዛዕባኡ ይፈልጡ እዮም።

2 ዳዊት ብዙሕ ኣሳልጦ እኳ እንተ ረኸበ: ትሑት እዩ ግን ነይሩ። ንየሆዋ ኣመልኪቱ ድማ “ንሰማያትካ: ነቲ ስራሕ ኣጻብዕካ: ንስኻ ዘቘምካዮም: ወርሕን ከዋኽብትን እንተ ጠመትኩ: እቲ ንስኻ እትዝክሮ ሰብ: እቲ እትሐልየሉ ወዲ ሰብሲ እንታይ እዩ፧” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 8:3, 4) ንርእሱ ዓብዪ ኸም ዝዀነ ኣብ ክንዲ ዝሓስብ: “ዋልታ ምድሓንካ ድማ ሀብካኒ: ምውራድካውን ኣዕበየኒ” ብምባል ካብ ጸላእቱ ኽድሕን ዝኸኣለ ሳላ የሆዋ ምዃኑ ገለጸ። (2 ሳሙኤል 22:1, 2, 36) የሆዋ ንሓጢኣተኛታት ምሕረት ከርእዮም ከሎ ትሕትናኡ እዩ ዝንጸባረቕ: ዳዊት ድማ ነዚ ዘይበቕዖ ሕያውነት የሆዋ ኣማሰወሉ።

‘ዎ ኣምላኸይ: ንጉሰይ: ልዕል ከብለካ እየ’

3. (ሀ) ዳዊት ብዛዕባ ንግስነት እስራኤል እንታይ ኣረኣእያ ነበሮ፧ (ለ) ዳዊት ንየሆዋ ንኽውድስ ዝነበሮ ባህጊ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ነይሩ፧

3 ዳዊት ብኣምላኽ እተሾመ ንጉስ እኳ እንተ ነበረ: ንየሆዋ ናይ ሓቂ ንጉስ እስራኤል ከም ዝዀነ ገይሩ ይርእዮ ነበረ። “ጐይታየ: እታ መንግስትስ ናትካ እያ: ኣብ ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ከም ርእሲ ልዕል በልካ” ድማ በለ። (1 ዜና መዋእል 29:11) ንኣምላኽ ከም መራሒ መጠን ብሓቂ ኣኽቢሩ እዩ ዝርእዮ ነይሩ። ስለዚ ድማ “ዎ ኣምላኸይ: ንጉሰይ: ልዕል ከብለካ: ስምካውን ንዘለኣለመ ኣለም ክባርኽ እየ። ኵሉ መዓልቲ ኽባርኸካ: ስምካውን ንዘለኣለም ኣለም ክውድስ እየ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 145:1, 2) ዳዊት ንየሆዋ ኣምላኽ ኵሉ መዓልትን ንዘለኣለም ኣለምን ክውድሶ ባህጉ እዩ ነይሩ።

4. መበል 145 መዝሙር እንታይ ናይ ሓሶት ክስታት እያ እተቓልዕ፧

4 መበል 145 መዝሙር ነቲ ሰይጣን: ኣምላኽ ንፍጡ ራቱ ሓርነቶም ዝቕይዶም ስሱዕ ገዛኢ ኸም ዝዀነ ገይሩ ዘቕረቦ ኽሲ ዘዕግብ መልሲ እያ እትህበሉ። (ዘፍጥረት 3:1-5) ኣብ ርእሲ እዚውን እቶም ንኣምላኽ ዝእዘዙ ኣፍቂሮምዎ ዘይኰኑስ ንጥቕሞም ኢሎም እዮም ዝእዘዝዎ ንዝብል ሰይጣን እተዛረቦ ሓሶት እተቃልዕ እያ። (እዮብ 1:9-11፣ 2:4, 5) ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ልክዕ ከም ዳዊት ነቲ ድያብሎስ ዘበግሶ ናይ ሓሶት ክስታት መልሲ ይህቡሉ እዮም። ንየሆዋ ንዘለኣለም ክውድስዎ ድሌት ስለ ዘለዎም: ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋኦም ኣኽቢሮም እዮም ዝርእይዎ። ድሮኳ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ብምእማን ከምኡውን ህይወቶም ወፍዮም እተጠምቁ ኣምለኽቲ ኸም ምዃኖም መጠን ንየሆዋ ኻብ ዘለዎም ፍቕሪ ተለዓዒሎም ብተኣዛዝነት ብምግልጋል ነዚ ኽገብርዎ ጀሚሮም ኣለዉ።—ሮሜ 5:8፣ 1 ዮሃንስ 5:3

5, 6. ንየሆዋ ንምብራኽን ንምውዳስን እንታይ ኣጋጣሚታት እዩ ዘሎና፧

5 ንየሆዋ ኸም ኣገልገልቱ መጠን ንኽንባርኾን ንኽንውድሶን ዘሎና ብዙሕ ኣጋጣሚታት እሞ ሕስብ ነብለሉ። በቲ ኣብ ቃሉ: መጽሓፍ ቅዱስ: ዝረኸብናዮ ነገር ውሽጥና ምስ እንትንከፍ ብጸሎት ኣቢልና ነዚ ኽንገብሮ ንኽእል ኢና። በቲ የሆዋ ምስ ህዝቡ ዝነበሮ ርክብ ልብና ምስ ዝትንከፍ ወይ ብገለ ኻብቲ ዘደንቕ ፍጥረታቱ ምስ እንምሰጥ ብሞሳ ተለዓዒልና ኽንውድሶን ከነመስግኖን ንኽእል ኢና። ነቲ ዕላማታቱ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ወይ ብብሕቲ ምስ ኣሕዋትና ኽንዘራረበሉ ኸለና: ንየሆዋ ኣምላኽ ንባርኾ ኢና። ኵሉ እቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ተባሂሉ ዝግበር ‘ጽቡቕ ግብሪ’ ንየሆዋ ውዳሰ የምጽኣሉ እዩ።—ማቴዎስ 5:16

6 ጽቡቕ ግብሪ ኽበሃል ከሎ: እዚ ኣብዚ ቐረባ እዋን ክካየድ ዝጀመረ ኣብተን ድኻታት ሃገራት ዝርከቡ ህዝቢ ኣምላኽ ዝጥቀሙሉ ሓያሎ ናይ ኣምልኾ ቦታታት ምህናጽ የጠቓልል። መብዛሕትኡ እዚ ኽግበር እተኻእለ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርከቡ ኣሕዋት ብገንዘቦም ብዝገብርዎ ደገፍ እዩ። ገሊኣቶም ክርስትያናት እውን ናብቲ ቦታ ብወለንታ ብምኻድ ኣብ ህንጸት ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ተሳቲፎም እዮም። እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ኣገዳስነት ዘለዎ ጽቡቕ ግብሪ: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽ ንየሆዋ ዝወሃብ ውዳሰ እዩ። (ማቴዎስ 24:14) ኣብ መዝሙር መበል 145 ዘሎ ሓሳባት ከም ዝሕብሮ: ዳዊት ንመሪሕነት ኣምላኽ ኣማስዩሉ: ንንግስነቱ ድማ ወዲስዎ እዩ። (መዝሙር 145:11, 12) ንስኻኸ ነቲ ኣምላኽ ብፍቕሪ ዝገዝኣሉ መገዲ ተመሳሳሊ ሞሳ ኣሎካዶ፧ ንሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣዘውቲርካ ትነግሮም ዲኻ፧

ኣብነታት ዕቤት የሆዋ

7. ንየሆዋ ንኽንውድሶ ዝድርኸና ቐንዲ ምኽንያት ግለጽ።

7 መዝሙር 145:3 ንየሆዋ ንኽንውድሶ ዝድርኸና ቐንዲ ምኽንያት ትገልጸልና። ኣብኣ ዳዊት “እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ እሞ: ምስጋና ይግብኦ: ዕብየቱ ዘይተመርማሪ እዩ” ኢሉ ዘመረ። ዕቤት የሆዋ ደረት የብሉን። ደቅሰብ ምሉእ ብምሉእ ክምርምርዎ: ክርድእዎ: ወይ ክልክዕዎ ኣይኽእሉን እዮም። እንተዀነ ግን: ካብቲ ዘይተመርማሪ ዕቤት የሆዋ ኣብነታት ብምርኣይ ብዙሕ ክንጥቀም ከም እንኽእል ኣየጠራጥርን እዩ።

8. ኣድማስ ንዕቤትን ሓይልን የሆዋ ብዝምልከት እንታይ እዩ ዝገልጸልና፧

8 ካብ ከተማ ርሒቕካ መብራህትታት ኣብ ዘይብሉ ቦታ ዄንካ ነቲ ደበና ዘይብሉ ሰማይ እተመልከትካሉ እዋን እሞ ዘክር። ኣብቲ ጸልማት ዝወሓጦ ጠፈር ኣእላፍ ከዋኽብቲ ጫሕ ኢሉ ኽትርኢ ኸለኻስ ኣየስተንከርካንዶ፧ የሆዋ ንዅሉ እዚ ኣብ ሰማይ ዝርከብ ፍጥረታት ብምፍጣሩ ንኽትውድሶ ኣይተደረኽካንዶ፧ እቲ ዝረኣኻዮ ግን ካብቲ ምድርና ኣብ እትርከቦ ጋላክሲ ዝርከብ ከዋኽብቲ ሒደት ጥራይ እዩ። ብዘይካዚ: ልዕሊ ሚእቲ ቢልዮን ጋላክሲ ኸም ዘሎ ይግመት: ካብዚ ድማ ሰለስተ ጋላክሲ ጥራይ እዩ ብዘይ ቴለስኮፕ ክርአ ዝኽእል። እወ: እቲ ኣብ ኣድማስ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ከዋኽብትን ጋላክሲታትን ነቲ የሆዋ ንምፍጣር ዘለዎ ሓይልን ዘይተመርማሪ ዕቤቱን መረጋገጺ እዩ ዝኸውን።—ኢሳይያስ 40:26

9, 10. (ሀ) ምስ የሱስ ክርስቶስ ብዝተሓሓዝ እንታይ ዕቤት የሆዋ እዩ እተንጸባረቐ፧ (ለ) ትንሳኤ የሱስ ንእምነትና ብኸመይ ክትንክፎ ኣለዎ፧

9 ኣስዕብ ኣቢልና ድማ ንየሱስ ክርስቶስ ብዝምልከት ዕቤት የሆዋ እተንጸባረቐሉ መዳያት እስከ ንርአ። ኣምላኽ ንወዱ ብምፍጣሩን ማእለያ ንዘይብሉ እዋን ምስኡ “ሰራሕተኛ” ዀይኑ ንኽዓዪ ብምግባሩን ዕቤቱ ኣርእዩ እዩ። (ምሳሌ 8:22-31) የሆዋ ነቲ ሓደ ወዱ ንደቅሰብ በጃ ክኸውን ብምሃቡ ዕቤት ፍቕሩ ተንጸባሪቑ እዩ። (ማቴዎስ 20:28፣ ዮሃንስ 3:16፣ 1 ዮሃንስ 2:1, 2) የሱስ ኣብ ዝተንስኣሉ እዋን እቲ የሆዋ ዘዳለወሉ ግርማውን ዘይመውትን መንፈሳዊ ኣካል ደቅሰብ ክርድእዎ ዝኽእሉ ኣይኰነን።—1 ጴጥሮስ 3:18

10 ትንሳኤ የሱስ ንእተፈላለየ መዳያት ዘይተመርማሪ ዕቤት የሆዋ ዝሓቘፈ እዩ። ኣምላኽ ነቲ የሱስ ዝርአን ዘይርአን ክፈጥር ከሎ ዝሰርሖ ነገራት ብምሉኡ ኸም ዝዝክሮ ምግባሩ ዘጠራጥር ኣይኰነን። (ቈሎሴ 1:15, 16) እዚ ዝርአን ዘይርአን ነገራት ተባሂሉ ዘሎ መንፈሳውያን ፍጥረታት: ኣድማስ: እዛ ፍርያም ምድሪ: ከምኡውን ኵሉ እቲ ኣብዛ ዓለምና ዘሎ ህይወት ዘጠቓልል እዩ። የሆዋ ነቲ ወዱ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ብዛዕባ ሰማይን ምድርን ዝፈልጦ ዝነበረ ምሉእ ታሪኽ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ኸም ፍጹም ሰብ መጠን ዘሕለፎ ተመክሮ እውን ከይተረፈ ኸም ዝዝክሮ ገይርዎ እዩ። እወ: እቲ ዘይተመርማሪ ዕቤት የሆዋ ኣብ ትንሳኤ የሱስ ተጋሂዱ እዩ። ብተወሳኺውን: እዚ ዓብዪ ፍጻመ እዚ ኣምላኽ ንኻልኦት ከተንስኦም ዝኽእል ምዃኑ ውሕስነት ይዀነና። እዚ ድማ ነቶም ኣብቲ ፍጹም ዝኽሩ ዝመዝገቦም ሞይቶም ዘለዉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ከም ዘተንስኦም ዘሎና እምነት ከደልድሎ ኣለዎ።—ዮሃንስ 5:28, 29፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:31

መስተንክር ግብርታትን ስልጡን ተግባራትን

11. ኣብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. እንታይ መስተንክር ግብርታት እዩ እተጀመረ፧

11 የሱስ ካብ ዝትንስእ ኣትሒዙ: የሆዋ ብዙሕ ስልጡን ተግባራትን መስተንክር ግብርታትን ገይሩ እዩ። (መዝሙር 40:5) ኣብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. የሆዋ ነቶም ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኡ ብደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ዝቘሙ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ዝበሃሉ ሓድሽ ህዝቢ ኸም ዝምስረቱ ገበረ። (ገላትያ 6:16) እዚ ሓድሽ መንፈሳዊ ህዝቢ እዚ ኣብ ምልእቲ እታ ሽዑ እትፍለጥ ዝነበረት ዓለም ኣስፋሕፍሐ። ድሕሪ ሞት ሃዋርያት ህዝበ-ክርስትያን ከም እትምስረት ዝገበረ ኽሕደት እኳ እንተ ነበረ: የሆዋ ዕላማታቱ ንምፍጻም መስተንክር ግብርታት ካብ ምግባር ኣየቋረጸን።

12. መጽሓፍ ቅዱስ ብዅሉ እቲ ዓበይቲ ቛንቋታት ዝርከብ ምዃኑ እንታይ እዩ ዘረጋግጸልና፧

12 ንኣብነት: ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ እዚ ግዜና ተዓቂቡን በብቝሩብ ናብ ኵሉ እቲ ኣብ ምድሪ ዝርከብ ዓበይቲ ቛንቋታት ተተርጒሙን እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ እቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዝትርጕሙ ሰባት ኣብ ትሕቲ ጽንኩር ኵነታትን ወከልቲ ሰይጣን ከይቐትልዎም እናሰግኡን እዮም ፈጺሞምዎ። ፍቓድ እቲ ዕቤቱ ዘይተመርማሪ የሆዋ ኣምላኽ እንተ ዘይከውን ነይሩ: ብርግጽ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ልዕሊ 2,000 ቋንቋታት ክትርጐም ኣይምተኻእለን ነይሩ!

13. ካብ 1914 ኣትሒዙ ዕቤት የሆዋ ኣብ ዕላማታት መንግስቱ እተንጸባረቐ ብኸመይ እዩ፧

13 ዕቤት የሆዋ ኣብ ዕላማታት መንግስቱ እውን ተንጸባሪቑ እዩ። ንኣብነት: ብ1914 ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ሰማያዊ ንጉስ ገይሩ ሸሞ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: የሱስ ስጕምቲ ብምውሳድ ንሰይጣንን ኣጋንንቱን ካብ ሰማይ ሰጐጎም: ኣብ መዓሙቝ ኽሳዕ ዝድርብዮም ከኣ ኣብ ከባቢ ምድሪ ኸም ዝሕጸሩ ገበረ። (ራእይ 12:9-12፣ 20:1-3) ካብ ሽዑ ንነጀው እቶም ቅቡኣት ሰዓብቲ ዝበርትዐ መስጐጕቲ ይወርዶም ኣሎ። ይኹን እምበር: ኣብዚ የሱስ ብዘይርአ ምሳና ዘለወሉ እዋን የሆዋ ንኽጸንዑ ኣኽኢልዎም እዩ።—ማቴዎስ 24:3 NW፣ ራእይ 12:17

14. ብ1919 የሆዋ እንታይ መስተንክር ግብሪ እዩ ዝገበረ: እዚኸ እንታይ ንኽዕመም እዩ ዘኽኣለ፧

14 ብ1919 የሆዋ ንዕቤቱ ዘንጸባርቕ ካልእ መስተንክር ግብሪ ገበረ። እቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ደስኪሎም ዝነበሩ ቕቡኣት ሰዓብቲ የሱስ ከም ብሓድሽ ተበራበሩ። (ራእይ 11:3-11) ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዞም እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ብስራት እታ ኣብ ሰማይ ዝቘመት መንግስቲ ብቕንኣት ክእውጁ ጀመሩ። እቲ 144,000 ቍጽሮም ምእንቲ ኽመልእ እቶም ዝተረፉ ቅቡኣት ተኣከቡ። (ራእይ 14:1-3) የሆዋ በቶም ቅቡኣት ሰዓብቲ ክርስቶስ ኣቢሉ ነቲ ‘ሓዳስ ምድሪ’ ተባሂሉ ዘሎ ጽድቃዊ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ዝኸውን መሰረት ኣንበረ። (ራእይ 21:1) እንተዀነ ግን: እቶም እሙናት ቅቡኣት ብምሉኦም ናብ ሰማይ ዝኸዱ ኻብ ኰኑ: እቲ ‘ብሓዳስ ምድሪ’ ተመሲሉ ዘሎ ሕብረተሰብ እንታይ እዩ ዝኸውን፧

15. እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ናይ ምንታይ ዕዮ እዮም ፈለምቲ ዝዀኑ: እዝኸ እንታይ ኣፍረየ፧

15 ብ1935 ናይ 1 ነሓሰን ናይ 15 ነሓሰን ሕታማት እዛ መጽሔት እዚኣ: ነቶም ኣብ ራእይ ምዕራፍ 7 ተጠቒሶም ዘለዉ “ብዙሓት ሰብ” ወይ ዓብዪ ጭፍራ ብዝምልከት ኣገዳሲ ዓንቀጻት ሒዘን ወጻ። ቅቡኣት ክርስትያናት ነዞም ክርስትያናት ብጾቶም ካብ ብዘሎ ኣህዛብ: ዓሌታት: ህዝብታት: ከምኡውን ቋንቋታት ከናድይዎምን ምሳታቶም ከሕብርዎምን ጀመሩ። እዞም “ብዙሓት ሰብ” ኻብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ድሒኖም ኣብ ገነት ቀወምቲ ኣባላት እታ ‘ሓዳስ ምድሪ’ ዀይኖም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኣለዎም። (ራእይ 7:9-14) እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ብዝፈለምዎ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ኣብዚ እዋን እዚ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ሰባት ኣብ ምድራዊት ገነት መወዳእታ ዘይብሉ ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋ ኣለዎም። ሰይጣንን እዛ ብልሽውቲ ዓለምን ምጽራር ኣብ ዘውርዱሉ ዘለዉ እዋን እዚ ወሰኽ እዚ ኽርከብ ብምኽኣሉ መን እዩ ኽውደስ ዘለዎ፧ (1 ዮሃንስ 5:19) የሆዋ ጥራይ እዩ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ነዚ ኽፍጽም ዝኽእል።—ኢሳይያስ 60:22፣ ዘካርያስ 4:6

ክቡር ጌጽ ግርማ የሆዋ

16. ሰባት ነቲ “ኽቡር ጌጽ ግርማ” የሆዋ ብዓይኖም ክርእይዎ ዘይክእሉ ስለምንታይ እዮም፧

16 እቲ የሆዋ ዝፍጽሞ ‘መስተንክር ግብርታትን ስልጡን ተግባራትን’ ዓይነቱ ብዘየገድስ: ፈጺምካ ዝርሳዕ ኣይኰነን። ብዛዕባዚ ዳዊት “ካብ ወለዶ ንወለዶ ግብርታትካ ይንእዱ: ስልጡን ተግባርካውን የውርዩ። ንኽቡር ጌጽ ግርማኻን ንመስተንክር ግብርታትካን ከስተንትን እየ። ብዛዕባ ሓይሊ እቲ ዜፍርህ ግብርታትካ ኺዛረቡ እዮም: ኣነውን ዕቤትካ ኸዘንቱ እየ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 145:4-6) ይኹን እምበር: “ኣምላኽ መንፈስ” ስለ ዝዀነን ዋላ ሓደ ሰብ እውን ብዓይኑ ኽርእዮ ስለ ዘይክእልን: ዳዊት ብዛዕባ እቲ ኽቡር ጌጽ የሆዋ ኽንደይ ዝኣክል እዩ ኽፈልጥ ዝኽእል፧—ዮሃንስ 1:18፣ 4:24

17, 18. ዳዊት ነቲ “ኽብሪ ጌጽ ግርማ” የሆዋ ዝነበሮ ኣኽብሮት ብኸመይ ከዕብዮ ኸኣለ፧

17 ዳዊት ንኣምላኽ ክርእዮ ዘይክእል እኳ እንተ ነበረ: ንግርማኡ ዘለዎ ኣኽብሮት ከዕብየሉ ዝኽእል መገድታት ግን ነይርዎ እዩ። ንኣብነት: ብዛዕባቲ ብማይ ኣይሂ ኣቢሉ ነታ እክይቲ ዓለም ዘጥፍኣሉ ፍጻመ ዀነ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝፈጸሞ ኻልእ ስልጡን ተግባራት ካብቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝርከብ ጸብጻብ ከንብቦ ይኽእል ነይሩ። ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ኸውጽኦም ከሎ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ግብጺ ኽሳዕ ክንደይ ከም እተዋረዱ እውን ዳዊት ፈሊጡ ክኸውን ኣለዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍጻመታት ብዛዕባ ግርማን ዕቤትን የሆዋ ዝምስክር እዩ።

18 ዳዊት ቅዱሳት ጽሑፋት ብምንባብ ጥራይ ዘይኰነስ: ብዛዕባ እቲ ዘንበቦ ብምስትንታን እውን ብዛዕባ ግርማ ኣምላኽ ዝነበሮ ኣኽብሮት ከም ዝዓበየ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ንኣብነት: ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን እቲ ሕጊ ኣብ ዝሃበሉ እዋን ዘጋጠመ ነገራት ኣስተንቲኑ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ነጕዲ: በርቂ: ከቢድ ደበና: ብርቱዕ ደሃይ መለኸት ነበረ። ከረን ሲና ኸኣ ኣንቀጥቀጠን ተኸኸን። ኣብ እግሪ እቲ ኸረን ዝነበሩ እስራኤላውያን እውን ከይተረፉ: የሆዋ በቲ ዝወከሎ መልኣኽ ገይሩ ኽዛረብ ከሎ ነተን “ዓሰርተ ቓላት” ሰሚዖምወን እዮም። (ዘዳግም 4:32-36፣ 5:22-24፣ 10:4፣ ዘጸኣት 19:16-20፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:38, 53) እዝስ ኣየ ኸመይ ዝበለ መርኣያ ዕቤት የሆዋ ዀን እዩ! እቶም ነዚ ጸብጻባት እዚ ዘስተንትኑሉ ኣፍቀርቲ ቓል ኣምላኽ በቲ “ኽብሪ ጌጽ ግርማ” የሆዋ ልቦም እዩ ዝትንከፍ። ኣብዚ ግዜና ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘሎና: ዕቤት የሆዋ ዘጕልሕ ክብሪ ዝመልኦ ራእያት ክንረክብ ንኽእል ኢና።—ህዝቅኤል 1:26-28፣ ዳንኤል 7:9, 10፣ ራእይ ምዕራፍ 4

19. ንግርማ የሆዋ ዘሎና ኣኽብሮት ብኸመይ ክውስኽ ይኽእል፧

19 ዳዊት ነቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕግታት ብምጽናዕ ብዛዕባ ግርማ ኣምላኽ ብዝያዳ ኽምሰጥ ክኢሉ እዩ። (ዘዳግም 17:18-20፣ መዝሙር 19:7-11) ህዝቢ እስራኤል ነቲ ሕግታት ብምእዛዞም ንርእሶም ይኸብሩን ካብ ካልኦት ኣህዛብ እተፈልዩ ይዀኑን ነበሩ። (ዘዳግም 4:6-8) ንሕናውን ልክዕ ከም ዳዊት ቅዱሳት ጽሑፋት ኣዘውቲርና ምስ እነንብብን ኣዕሚቝና ምስ እነስተንትነሉን ተጊህና ምስ እነጽንዖን: እቲ ብዛዕባ ግርማ የሆዋ ዘሎና ኣኽብሮት ይውስኽ።

ባህርያት ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኰን ዓብዪ እዩ!

20, 21. (ሀ) መዝሙር 145:7-9 ነየናይ ባህርያት የሆዋ ብምጥቃስ እያ ዕቤት የሆዋ እተጕልሕ፧ (ለ) እቲ ኣብዚ እተጠቕሰ ባህርያት ኣምላኽ ኣብ ኵሎም እቶም ዘፍቅርዎ እንታይ ጽልዋ እዩ ዘለዎ፧

20 እተን ቀዳሞት ሽዱሽተ ቍጽርታት እታ መበል 145 መዝሙር ምስቲ ዘይተመርማሪ ዕቤት የሆዋ ብምትሕሓዝ ንኽንውድሶ ብቑዕ ምኽንያታት እየን ሂበናና። ቍጽሪ 7 ክሳዕ 9 ከኣ ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ብምጥቃስ ንዕቤት የሆዋ የጕልሓ። ኣብዘን ቍጽርታት እዚኣተን ዳዊት “መዘከርታ ዓብዪ ሳህልኻ [“ሰናይካ:” NW] ኼውርዩ: ብጽድቅኻውን እልል ኪብሉ እዮም። እግዚኣብሄር መሓርን ርሕሩሕን እዩ: ዓቃልን ብሳህሊ ዓብይን እዩ። እግዚኣብሄር ንዅሉ ሰናይ እዩ: ርሕራሔኡ ኸኣ ኣብ ኵሉ ግብርታቱ እዩ” ኢሉ ዘመረ።

21 ኣብዚ ዳዊት ፈለማ ነቲ ሰይጣን ድያብሎስ ኣብ ሕቶ ዘእተዎ ሰናይን ጽድቅን የሆዋ ኣጕልሐ። እዚ ባህርያት እዚ ኣብ ኵሎም እቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩን ንስልጣኑ ዝግዝኡን ሰባት እንታይ ጽልዋ እዩ ዘለዎ፧ የሆዋ ዝገበሮ ሰናይ ተግባራትን ክገዝእ ከሎ ዝጥቀመሉ ጽድቃዊ መግድታቱን ንኣምለኽቱ ዓብዪ ሓጐስ ስለ ዘምጽኣሎም: እልል ካብ ምባል ኣየዕርፉን እዮም። ብዘይካዚ: የሆዋ “ንዅሉ” እዩ ሰናይ ዝገብር። ስለዚ: ብዙሓት ሰባት እቲ መገዲ ኸይተዓጽወ ኸሎ ተነሲሖም ኣምለኽቲ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንክዀኑ ተስፋ ንገብር።—ግብሪ ሃዋርያት 14:15-17

22. የሆዋ ንኣገልገልቱ ብኸመይ እዩ ዝሕዞም፧

22 ዳዊት ነቲ ኣምላኽ ባዕሉ ‘ቀቅድሚ ሙሴ እናሓለፈ’ “እግዚኣብሄር: እግዚኣብሄር መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ: ንዅራ ደንጓይ: በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን” ብምባል ዘጕልሖ ባህርያት እውን የማስወሉ ነበረ። (ዘጸኣት 34:6) ስለዚ: “እግዚኣብሄር መሓርን ርሕሩሕን እዩ: ዓቃልን ብሳህሊ ዓብይን እዩ” በለ። የሆዋ ዕቤቱ ዘይተመርማሪ እኳ እንተዀነ: ንሰብኣውያን ኣገልገልቱ ብጸጋ ኣኽቢሩ እዩ ዝሕዞም። ነቶም ዝንስሑ ሓጢኣተኛታት ብመሰረት በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ይቕረ ንኽብለሎም ድሉው ብምዃኑ ድማ መሓሪ እዩ። ብተወሳኺውን ንኣገልገልቱ ናብታ ጽድቂ ዝነብረላ ሓዳስ ዓለም ንኸይኣትዉ ዕንቅፋት ክዀኖም ዝኽእል ድኽመታት ንኸሰንፉ ኣጋጣሚ ብምሃብ ንዅራ ደንጓዪ ወይ ዓቃል ምዃኑ ኣርኣየ።—2 ጴጥሮስ 3:9, 13, 14

23. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ እተደንቕ ባህሪ ኢና ኽንመያየጥ፧

23 ዳዊት ንሳህሊ የሆዋ ወዲሱ እዩ። እቲ ዝተረፈ ኽፋል መበል 145 መዝሙር የሆዋ ነዛ ባህሪ እዚኣ ብኸመይ ከም ዘንጸባርቓ: እቶም እሙናት ኣገልገልቱ ኸኣ ንሳህሉ እንታይ ምላሽ ከም ዝህብሉ እያ እትገልጽ። ነዚ ጕዳይ እዚ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ንየሆዋ “ኵሉ መዓልቲ” ንኽንውድሶ ዘኽእለና እንታይ ኣጋጣሚታት እዩ ዘሎና፧

• ዕቤት የሆዋ ዘይተመርማሪ ምዃኑ ኻብ ምንታይ ኣብነታት ክንርኢ ንኽእል፧

• ብዛዕባ ኽብሪ ግርማ የሆዋ ዘሎና ኣኽብሮት ከነዕብዮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኣድማስ ዘሎ ጋላክሲታት ዕቤት የሆዋ ይምስክር

[ምንጪ ስእሊ]

Courtesy of Anglo-Australian Observatory, photograph by David Malin

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ዕቤት የሆዋ ምስ የሱስ ክርስቶስ ብዝተሓሓዝ እተጋህደ ብኸመይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

እስራኤላውያን ነቲ ሕጊ ኣብ ከረን ሲና ክቕበሉ ኸለዉ: ብዛዕባ ኽብሪ ግርማ የሆዋ መርትዖ ርእዮም እዮም