ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ብሳህሊ ዓብዪ እዩ

የሆዋ ብሳህሊ ዓብዪ እዩ

የሆዋ ብሳህሊ ዓብዪ እዩ

‘እግዚኣብሄር ብሳህሊ ዓብዪ እዩ።’ —መዝሙር 145:8

1. ፍቕሪ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ እያ ሰፋሕ፧

 “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ።” (1 ዮሃንስ 4:8) እዛ ልቢ እትትንክፍ ሓረግ እዚኣ የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ኸም ዝገዝእ እያ እትሕብር። እቶም ዘይእዘዝዎ ደቅሰብ እኳ: ካብቲ ብፍቕሪ ዘዳለዎ ጸሓይን ዝናምን ይጥቀሙ እዮም! (ማቴዎስ 5:44, 45) ኣምላኽ ንደቅሰብ ስለ ዘፍቅሮም: ጸላእቱ እውን ከይተረፉ ተነሲሖም ናብኡ ኽምለሱን ህይወት ክረኽቡን ይኽእሉ እዮም። (ዮሃንስ 3:16) ድሕሪ ሓጺር እዋን ግን እቶም ዘፍቅርዎ ሰባት ኣብ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ምእንቲ ኽነብሩ: የሆዋ ነቶም መገዶም ዘይቅይሩ እኩያት ከጥፍኦም እዩ።—መዝሙር 37:9-11, 29፣ 2 ጴጥሮስ 3:13

2. የሆዋ ነቶም ህይወቶም ንዕኡ ዝወፈዩ እንታይ ዓይነት ፍሉይ ፍቕሩ እዩ ዘርእዮም፧

2 የሆዋ ንናይ ሓቂ ኣምለኽቱ ብዘደንቕ መገዲ ዘይተቋርጽ ፍቕሪ ኣርእይዎም እዩ። ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ በታ “ሳህሊ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል እያ እትግለጽ። ናይ ጥንታዊት እስራኤል ንጉስ ዝነበረ ዳዊት ነቲ ኣምላኽ ዘርኣዮ ሳህሊ ኣጸቢቑ የማስወሉ ነበረ። ካብቲ ባዕሉ ዘሕለፎ ተመክሮን ካብቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ዝገበረሎምን ብምዕዛብ ‘እግዚኣብሄር ብሳህሊ ዓብዪ እዩ’ በለ።—መዝሙር 145:8

ነቶም ንኣምላኽ እሙናት ዝዀኑ ምልላዮም

3, 4. (ሀ) መበል 145 መዝሙር እቶም ንየሆዋ እሙናት ዝዀኑ መን ምዃኖም ንኸነለሊ ብኸመይ ትሕግዘና፧ (ለ) እቶም ንኣምላኽ እሙናት ዝዀኑ ብኸመይ እዮም ‘ዝባርኽዎ፧’

3 ሃና ኣደ ነብዪ ሳሙኤል ብዛዕባ የሆዋ “ንሱ ነእጋር ቅዱሳኑ [“እሙናቱ:” NW] ይሕልወን” በለት። (1 ሳሙኤል 2:9) እዞም “እሙናት” እዚኣቶም መን እዮም፧ ንጉስ ዳዊት መልሲ ናይዚ ይነግረና እዩ። ነቲ ዘደንቕ ባህርያት የሆዋ ድሕሪ ምውዳስ: “ቅዱሳንካውን [“እሙናትካ:” NW] ኪባርኹኻ እዮም” በለ። (መዝሙር 145:10) ሰባት ከመይ ገይሮም ንኣምላኽ ከም ዝባርኽዎ ትግረም ትህሉ ትኸውን። ነዚ ብቐዳምነት ንኣምላኽ ብምውዳስን ብምንኣድን እዮም ዝገብርዎ።

4 እቶም ንየሆዋ እሙናት ዘበሉ ብዛዕባኡ ጽቡቕ ስለ ዝዛረቡ: መን ምዃኖም ምልላይ ኣየጸግምን እዩ። ኣብ ማሕበራዊ ርክባትን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ቀንዲ መዘራረቢኦም እንታይ እዩ፧ ብዛዕባ መንግስቲ የሆዋ እዮም ዝዘራረቡ! እቶም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከምቲ ዳዊት ንየሆዋ “ክብሪ መንግስትኻ ኺዛረቡ: ስልጣንካውን ኪነግሩ እዮም” ብምባል ክዝምር ከሎ ዝነበሮ ዓይነት ስምዒት እዩ ዘለዎም።—መዝሙር 145:11

5. የሆዋ እቶም እሙናቱ ብዛዕባኡ ጽቡቕ ክዛረቡ ኸለዉ ኸም ዘቕልበሎም ብኸመይ ንፈልጥ፧

5 የሆዋ እቶም እሙናቱ ኽውድስዎ ኸለዉ የስተብህለሎም ድዩ፧ እወ: ነቲ ዝብልዎ የቕልበሉ እዩ። ሚልክያስ ብዛዕባ ኣብዚ ግዜና ዝርከብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ “ሽዑ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ንሓድሕዶም ተዛራረቡ: እግዚኣብሄር ከኣ ጽን በለ ሰምዔውን። ነቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁን ንስሙ ኸኣ ዚሐስቡን ዚኸውን መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ተጻሕፈ” በለ። (ሚልክያስ 3:16) የሆዋ እቶም እሙናቱ ብዛዕባኡ ጽቡቕ ክዛረቡ ኸለዉ: ብዙሕ እዩ ዘሐጕሶ: ነዚ ድማ ይዝክሮ እዩ።

6. እቶም ንኣምላኽ እሙናት ዝዀኑ ብምንታይ ንጥፈታት እዮም ዝልለዩ፧

6 እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ነቶም ንናይ ሓቂ ኣምላኽ ዘየምልኹ ሰባት ተበግሶ ወሲዶም ብትብዓት ብምዝራብ እውን ይፍለጡ እዮም። እወ: እቶም ንኣምላኽ እሙናት ዝዀኑ ‘ግብርታቱን ሓይሉን ክቡር ግርማ መንግስቱን ንደቂ ሰብ የፍልጡ’ እዮም። (መዝሙር 145:12) ብዛዕባ ንግስነት የሆዋ ንዘይኣመንቲ ንምንጋር ኣጋጣሚታት ተናድን ንዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ ትጥቀመሉን ዲኻ፧ ንግስነቱ ኸምተን ንሓጺር ግዜ ተራእየን ዝሓልፋ ሰብኣውያን መንግስታት ዘይኰነስ ንዘለኣለም ኣለም እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:17) ሰባት ብዛዕባ ዘለኣለማዊ ንግስነት የሆዋ ብህጹጽ ክፈልጡን ኣቕዋሞም ብምዕራይ ደገፍቱ ክዀኑን ኣለዎም። ዳዊት “መንግስትኻ መንግስቲ ዘለኣለም እያ: ግዝኣትካ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር” ኢሉ ዘመረ።—መዝሙር 145:13

7, 8. ብ1914 እንታይ ኰነ: ኣምላኽ ብመንግስቲ ወዱ ኣቢሉ ይገዝእ ከም ዘሎ እንታይ መርትዖ እዩ ዘሎና፧

7 ካብ 1914 ንነጀው ብዛዕባ ንግስነት የሆዋ ንኽንዛረብ ተወሳኺ ምኽንያታት ኣሎና። ኣብታ ዓመት እቲኣ ኣምላኽ ንየሱስ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት ንጉስ ብምግባር ነታ መሲሓዊት መንግስቲ ኣቘማ። በዚ ኸምዚ የሆዋ ንዳዊት ንግስነቱ ንዘለኣለም ከጽንዖ ምዃኑ ዝኣተወሉ መብጽዓ ፈጸሞ።—2 ሳሙኤል 7:12, 13፣ ሉቃስ 1:32, 33

8 የሆዋ በታ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ዝንጉሳ መንግስቲ ኣቢሉ ይገዝእ ምህላዉ: በቲ ብቐጻሊ ፍጻሜኡ ዝረክብ ዘሎ ምልክታት ዘይርአ ህላወ የሱስ ክንርዳእ ንኽእል ኢና። እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዘደንቕ ክፋል እቲ ምልክት: እቲ የሱስ ነቶም ንኣምላኽ እሙናት ዝዀኑ ብምሉኦም ንኽፍጽምዎ ኢሉ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ብምባል እተዛረቦ ትንቢት እዩ። (ማቴዎስ 24:3-14) እቶም ንኣምላኽ እሙናት ዝዀኑ ነዚ ትንቢት እዚ ብቕንኣት ስለ ዝፍጽምዎ: ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኣብዚ ዘይድገም ዓብዪ ዕዮ እዚ ይሳተፉ ኣለዉ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ኵሎም እቶም ንመንግስቲ የሆዋ ዝጻረሩ ኽጠፍኡ እዮም።—ራእይ 11:15, 18

ካብ ሉዓላውነት የሆዋ ጥቕሚ ምርካብ

9, 10. ኣብ መንጎ የሆዋን ሰብኣውያን ገዛእትን እንታይ ፍልልይ እዩ ዘሎ፧

9 ህይወትና ዝወፈና ክርስትያናት እንተደኣ ዄንና: እቲ ምስ ሉዓላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ዘሎና ርክብ ብዙሕ ረብሓታት እዩ ዘምጽኣልና። (መዝሙር 71:5፣ 116:12) ንኣብነት: ንኣምላኽ ስለ እንፈርሆን ብጽድቂ ስለ እንመላለስን: ስምረቱ ንረክብን ብመንፈሳዊ መዳይ ንቐርቦን ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35፣ ያእቆብ 4:8) ሰብኣውያን ገዛእቲ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ኣዘዝቲ ወተሃደራት: ምስ ሃብታማት ነጋዶ: ወይ ምስ ስሙያት ስፖርተኛታትን ተዋሳእትን እዮም ዝረኣዩ። ሓደ ፍሉጥ ናይ መንግስቲ ብዓል ስልጣን ብዛዕባ ኣብ ሃገሩ ዝርከብ ድኽነት ዘስፋሕፍሓሉ ኸባቢ: “መብዛሕትና ናብዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኸባቢ ኽንከይድ ዘይንደልየሉ ምኽንያት ተረዲኡኒ እዩ። ብሓጺሩ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ምህላዉ ኽንርስዖ ስለ እንደሊ እዩ። እዚ ንሕልናና ይርብሾ: በተን እንዝውረን ክቡራት ማካይን ድማ ንሓፍር” ኢሉ ኸም እተዛረበ ሓንቲ ኣብ ኣፍሪቃ እትሕተም ሶወታን እትበሃል ጋዜጣ ሓበረት።

10 ልክዕ እዩ: ገሊኣቶም ሰብኣውያን ገዛእቲ ብዛዕባ ድሕንነት ተገዛእቶም ናይ ብሓቂ ይሓልዩ እኳ እንተዀኑ: እቶም ብሉጻት ዝበሃሉ እውን ከይተረፉ ንተገዛእቶም ብቐረባ ኣይፈልጥዎምን እዮም። ‘ንምዃኑ ንዅሎም ተገዛእቱ ኣጸቢቑ ዝሓሊ ኻብ ምዃኑ እተላዕለ: ዝዀነ ይኹን ጸገም ከጋጥሞም ከሎ ቐልጢፉ ዝረድኦም ገዛኢ ኣሎ ድዩ፧’ ዝብል ሕቶ ኸነበግስ ንኽእል ኢና። መልሱ ‘እወ: ኣሎ’ ዝብል እዩ። ዳዊት “እግዚኣብሄር ነቶም ዚወድቁ ዅሎም ይድግፎም: ነቶም ለጠቕ ዚብሉ ዅሎም የልዕሎም” ኢሉ ጸሓፈ።—መዝሙር 145:14

11. ነቶም ንኣምላኽ እሙናት ዝዀኑ እንታይ ፈተናታት እዩ ዘጋጥሞም: እንታይ ሓገዝ እዮም ግን ዝረኽቡ፧

11 ነቶም ንየሆዋ እሙናት ዝዀኑ ብሰንኪ ዘይፍጽምናኦምን ኣብዛ በቲ “እኩይ” ሰይጣን ተታሒዛ ዘላ ዓለም ስለ ዝነብሩን ብዙሕ ፈተናታትን መዓትን የጋጥሞም እዩ። (1 ዮሃንስ 5:19፣ መዝሙር 34:19) ንክርስትያናት እተፈላለየ መስጐጕቲ ይወርዶም እዩ። ገሊኣቶም ሕዱር ሕማም ክህልዎም ከሎ: ገሊኣቶም ድማ ዘፍቅርዎ ሰብ ብሙማቱ ይሓዝኑ። ሓድሓደ ግዜ እቶም ንየሆዋ እሙናት ዝዀኑ ብዝገብርዎ ጌጋታት ብጓሂ ‘ለጠቕ ከም ዝብሉ’ ኽገብሮም ይኽእል ይኸውን። ይኹን እምበር: ዝመጸ ፈተና እኳ እንተ መጸ: የሆዋ ንነፍሲ ወከፎም ምጽንናዕን መንፈሳዊ ምብርታዕን ንምሃብ ድሉው እዩ። እቲ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ እውን ነቶም እሙናት ተገዛእቱ ብተመሳሳሊ ይሓልየሎም እዩ።—መዝሙር 72:12-14

በብግዜኡ ዘዕግብ መግቢ ምርካብ

12, 13. የሆዋ “ንህያው ዘበለ ዅሉ” ኽሳዕ ክንደይ እዩ ዝሓልየሉ፧

12 የሆዋ በቲ ዓብዪ ሳህሉ ተደሪኹ: ነገልገልቱ ዘድልዮም ዘበለ የማልኣሎም እዩ። እዚ ድማ ብዘዐንግል መግቢ ኸም ዝጸግቡ ምግባር እውን የጠቓልል። ንጉስ ዳዊት “[ዎ የሆዋ] ኣዒንቲ ዅሎም ንኣኻ ይጽበያ: ንስኻውን በብጊዜኡ ምግቦም ትህቦም። ኢድካ ትኸፍት እሞ: ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ተጽግቦ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 145:15, 16) ኣብ ግዜ ጸበባ እውን ከይተረፈ: የሆዋ ብገለ መገዲ ገይሩ ንእሙናቱ “ናይ ዕለት እንጌራ” ይህቦም እዩ።—ሉቃስ 11:3፣ 12:29, 30

13 ዳዊት “ህያው ዘበለ ዅሉ” ኸም ዝጸግብ እዩ ጠቒሱ። እዚ ኸኣ ንእንስሳታት እውን ዘጠቓልል እዩ። ኣብ ምድሪ ዀነ ኣብ ባሕሪ ኣትክልቲ እንተ ዘይህሉ ነይሩ: ኣብ ባሕሪ ዝነብሩ ፍጥረታትን ኣዕዋፍን ኣብ ምድሪ ዝወሳወሱ እንስሳታትን ዘስተንፍስዎ ኦክስጅን ወይ ዝበልዕዎ መግቢ ኣይምረኸቡን ነይሮም። (መዝሙር 104:14) የሆዋ ግን ኵሉ እቲ ዘድሊ ኸም ዝማላእ ይገብር።

14, 15. መንፈሳዊ መግቢ ብኸመይ እዩ ዝወሃብ ዘሎ፧

14 ደቅሰብ ከም እንስሳ ስለ ዘይኰኑ: መንፈሳዊ ነገር ከም ዘድልዮም ይፈልጡ እዮም። የሆዋ ነቲ እሙናቱ ብመንፈሳዊ ዘድልዮም ነገራት ክሳዕ ክንደይ ብዘደንቕ መገዲ ዀን እዩ ዘማልኣሎም! የሱስ ቅድሚ ሙማቱ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ነቶም ሰዓብቲ የሱስ መንፈሳዊ “ምግቦም በብጊዜኡ” ኸም ዝህቦም ተመባጺዑ ነይሩ። (ማቴዎስ 24:45) እዚ ሕጂ ዘሎ ባርያ በቶም ቅቡኣት ተረፍ ናይቶም 144,000 ዝቘመ እዩ። ብርግጽ ድማ የሆዋ ብኣታቶም ኣቢሉ ኣኺሉ ዝተርፍ መንፈሳዊ መግቢ የዳልወልና ኣሎ።

15 ንኣብነት: መብዛሕትኦም ህዝቢ የሆዋ ኻብቲ በብቛንቋኦም እተዳለወሎም ሓድሽን ቅኑዕን ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ይጥቀሙ ኣለዉ። ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ክሳዕ ክንደይ ዘደንቕ በረኸት ኰን እዩ ዘምጽአ! ብዘይካዚ: ብሚልዮናት ዝቝጸር መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዝሕግዝ ጽሑፋት ብልዕሊ 300 ቛንቋታት ይሕተም ኣሎ። እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ነዚ ዅሉ መንፈሳዊ መግቢ ብምርካቦም ተባሪኾም እዮም። በዚ ዅሉ ውዳሰ ዝግብኦ መን እዩ፧ የሆዋ ኣምላኽ እዩ። በቲ ዓብዪ ሳህሉ ተደሪኹ እቲ ባርያ ‘መግቢ በብግዜኡ’ ንኽህበና ኣኽኣሎ። በዚ ምድላዋት እዚ ኣቢሉ ነዚ ሕጂ ኣብ መንፈሳዊ ገነት ዘሎ “ህያው ዘበለ ዅሉ” ዘድሊ ነገራት የማልኣሉ ኣሎ። ኣብ ርእሲ እዚ: ኣገልገልቲ የሆዋ ድሕሪ ሓጺር እዋን ምድሪ ቓል ብቓሉ ናብ ገነት ክትቅየር ከላ ኽርእዩ ምዃኖም ዘለዎም ተስፋስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዘሐጕሶም!—ሉቃስ 23:42, 43

16, 17. (ሀ) ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜኡ ዝወሃብ መንፈሳዊ መግቢ እንታይ ኣብነታት ክትጠቅስ ትኽእል፧ (ለ) መበል 145 መዝሙር ነቲ ሰይጣን ዘበገሶ ቐንዲ ጕዳይ ብዝምልከት ንስምዒት እቶም ንኣምላኽ እሙናት ዝዀኑ ብኸመይ እያ እትገልጾ፧

16 መንፈሳዊ መግቢ ኣብቲ ዘድልየሉ እዋን ከም እተዋህበ ዘርኢ ኣብነት እስከ ንርአ። ብ1939 ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ኣውሮጳ ተባርዐ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ናይ 1 ሕዳር ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ “ገለልትነት” ዘርእስቱ ዓንቀጽ ሒዛ ወጸት። ኣብ መላእ ምድሪ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጹር ትምህርቲ ስለ እተዋህቦም: ኣብ ጕዳያት እተን ኣብ ውግእ ዝነበራ ሃገራት ኢዶም ከየእተዉ ብንጹር ገለልተኛታት ክዀኑ ኸም ዘለዎም ነጸረሎም። እዚ ስጕምቲ እዚ ድማ ኣብቲ ንሽዱሽተ ዓመት ዝቐጸለ ውግእ ብኽልቲኡ ወገን ቍጥዓ መንግስታት ኣስዓበሎም። ይኹን እምበር: ዋላ እኳ እንተ ተኣገዱን እንተ ተሰጉን: እቶም ንኣምላኽ እሙናት ዝዀኑ ግን ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ ቀጸሉ። ካብ 1939 ክሳዕ 1946 ኣብ ዝነበረ ዓመታት 157 ሚእታዊት ዝኣክል ዘደንቕ ወሰኽ ተረኽበ። ብዘይካዚ: እቲ ኣብቲ ግዜ ውግእ ንጽህናኦም ብምሕላው ዝገደፍዎ ዘደንቕ ኣብነት: ብድሕሪኡውን ሰባት ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ንኸለልዩ ሓገዞም።—ኢሳይያስ 2:2-4

17 እቲ የሆዋ ዝህበና መንፈሳዊ መግቢ ኣብ ግዜኡ ጥራይ ዘይኰነስ ዘጽግብ እውን እዩ። ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ሃገራት ብውግእ ተሓሚሰን ከለዋ: ህዝቢ የሆዋ ኻብ ድሕነቶም ኣብ ዝዓቢ ነገራት ከተኵሩ ኸኣሉ። የሆዋ እቲ ቐንዲ ጕዳይ ንብምሉኡ ኣድማስ ዘጠቓልል ምስ ሉዓላውነቱ እተተሓሓዘ ምዃኑ ንኽርድኦም ሓገዞም። ነፍሲ ወከፍ ናይ የሆዋ ምስክር ብተኣማንነቱ ኣቢሉ ኣብ ምርግጋጽ ሉዓላውነት የሆዋ ከምኡውን ድያብሎስ ሓሳዊ ምዃኑ መርትዖ ኣብ ምቕራብ ንእሽቶ ግደ ኸም ዘለዎ ምፍላጥሲ ኽሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን እዩ! (ምሳሌ 27:11) እቶም ንየሆዋ እሙናት ዝዀኑ ኸምቲ ንየሆዋን ነገዛዝኣኡን ዘካፍአ ድያብሎስ ዘይኰኑስ: “እግዚኣብሄር ብዅሉ መገዱ ጻድቕ እዩ” ኢሎም ምእዋጅ ቀጸሉ።—መዝሙር 145:17

18. ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜኡ ዝወጽእ ዘጽግብ መንፈሳዊ መግቢ እንታይ ናይ ቀረባ ግዜ ኣብነት ክትጠቅስ ትኽእል፧

18 እታ ንየሆዋ ቕረቦ! ዘርእስታ ኣብቲ ኣብ 2002/03 ኣብ መላእ ዓለም እተገብረ “ቀናኣት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ” ዘርእስቱ በማእታት ዝቝጸር ኣውራጃዊ ኣኼባታት ዝወጸት መጽሓፍ: ካልእ ዘጽግበና መንፈሳዊ መግቢ ኣብ ግዜኡ ኸም እንረክብ እትሕብር ኣብነት እያ። እዛ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ተዳልያ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ: ኣብቲ ዘደንቕ ባህርያት የሆዋ ኣምላኽ እተተኵር ኰይና ነቲ ኣብ መበል 145 መዝሙር ተጠቒሱ ዘሎ ባህርያቱ እውን ትገልጾ እያ። እዛ ብልጽቲ መጽሓፍ እዚኣ ነቶም ንኣምላኽ እሙናት ዝዀኑ ናብኡ ብዝያዳ ንክቐርቡ ኣብ ምሕጋዝ ዓብዪ ግደ ኸም ዝህልዋ ኣየጠራጥርን እዩ።

ናብ የሆዋ ብዝያዳ ኽንቀርበሉ ዘሎና እዋን

19. እንታይ ወሳኒ እዋን እዩ እናቐረበ ዝመጽእ ዘሎ: ብኸመይከ ኢና ኽንዋጽኣሉ እንኽእል፧

19 ንሉዓላውነት የሆዋ ብዝምልከት እተበገሰ ጕዳይ መዕለቢ ዝግበረሉ ኣገዳሲ እዋን እናቐረበ እዩ ዝመጽእ ዘሎ። ኣብ ህዝቅኤል ምዕራፍ 38 ብትንቢት ተገሊጹ ኸም እንረኽቦ: ሰይጣን ድሕሪ ሓጺር እዋን ከም “ጎግ ኣብ ሃገር ማጎግ” መጠን ዝህልዎ ግደ ኽፍጽም እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጥቃዕቲ ምውራድ ዘጠቓልል እዩ። ሰይጣን ዘለዎ ሓይሊ ዅሉ ተጠቒሙ ንንጽህና እቶም ንኣምላኽ እሙናት ዝዀኑ ኸበላሹ ኽፍትን እዩ። ሽዑ ኣምለኽቲ የሆዋ ቕድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ ናብ ኣምላኾም ክምህለሉ: ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ረድኤት ንምርካብ ከውእዩ ኣለዎም። እቲ ንኣምላኽ ዘለዎም ፍርሃትን ፍቕርን ከንቱ ክኸውን ድዩ፧ ኣይፋሉን: ከመይሲ መበል 145 መዝሙር “እግዚኣብሄር ንዚጽውዕዎ ዅሎም: ብሓቂ ንዚጽውዕዎ ዅሎም ቀረባኦም እዩ። ፍቓድ እቶም ዚፈርህዎ ይፍጽም: ኣውያቶም ይሰምዕ የድሕኖም ከኣ። እግዚኣብሄር ንዜፍቅርዎ ዅሎም ይሕልዎም: ንዅሎም ረሲኣን ግና የጥፍኦም” ትብል እያ።—መዝሙር 145:18-20

20. ድሕሪ ሓጺር እዋን እተን ኣብ መዝሙር 145:18-20 ዝርከባ ቓላት ፍጻሜአን ዝረኽባ ብኸመይ እየን፧

20 የሆዋ ቐረባና ምዃኑ ምፍላጥን ንዅሎም እኩያት ከጥፍኦም ከሎ ንምድሓን ዝጥቀመሉ ሓይሊ ምርኣይን ክሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን እዩ! ልክዕ እዩ: ኣብቲ ሕጂ ኣዝዩ ቐሪቡ ዘሎ ወሳኒ እዋን: የሆዋ “ብሓቂ ንዚጽውዕዎ” ዘበሉ ጥራይ እዩ ዝሰምዕ። ነቶም ግቡዛት ፈጺሙ ኣይክሰምዖምን እዩ። ኣምላኽ ነቶም ኣብ ኣፉን ዕርበቱን ስሙ ዝጽውዑ ሰባት ከም ዘይረድኦም ቃል ኣምላኽ ብንጹር ይሕብር።—ምሳሌ 1:28, 29፣ ሚክያስ 3:4፣ ሉቃስ 13:24, 25

21. እቶም ንየሆዋ እሙናት ዝዀኑ ስሙ ምጥቃስ ባህ ከም ዝብሎም ብኸመይ የርእዩ፧

21 እቶም ንየሆዋ ዝፈርህዎ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ‘ብሓቂ ኽጽውዕዎ’ ኣለዎም። እቶም እሙናቱ ኣብ ጸሎቶምን ኣብቲ ኣብ ጉባኤ ዝህብዎ ሓሳባትን ስሙ ምጥቃስ ባህ እዩ ዝብሎም። ከዕልሉ ኸለዉ ነቲ መለኮታዊ ስም ይጠቕስዎ። ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎቶም እውን ብዛዕባ ስም የሆዋ ብትብዓት ይእውጁ።—ሮሜ 10:10, 13-15

22. ንዓለማዊ ኣረኣእያታትን ባህግታትን ወትሩ ኽንጻረሮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

22 ካብቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ጥብቂ ርክብ እንረኽቦ ጥቕሚ ነባሪ ምእንቲ ክኸውን: ከም ፍቕረ-ንዋይ: ዘይጥዑይ መዘናግዒ: ይቕረ ናይ ዘይምባል ባህሪ: ወይ ንጽጉማት ግዲ ዘይምግባር ዝኣመሰለ ንመንፈሳውነትና ጐዳኢ ዝዀነ ነገራት ወትሩ ኸነርሕቖ ኣሎና። (1 ዮሃንስ 2:15-17፣ 3:15-17) ከምዚ ዝኣመሰለ ባህጊ ዀነ ጠባይ እንተ ዘይተዓርዩ: ናብ ከቢድ ሓጢኣት ክመርሕን ስምረት ኣምላኽ ከም እትስእን ክገብርን ይኽእል እዩ። (1 ዮሃንስ 2:1, 2፣ 3:6) ወትሩ እሙናት እንተ ዄንና: የሆዋ ሳህሉ ወይ ተኣማንነቱ ኸም ዘርእየና ኽንርስዕ የብልናን።—2 ሳሙኤል 22:26 ትርጕም 1990

23. ኵሎም እቶም ንኣምላኽ እሙናት ዝዀኑ እንታይ ዘደንቕ ተስፋ እዩ ዘለዎም፧

23 እምበኣር: ኣብቲ ዅሎም እቶም ንየሆዋ እሙናት ዘበሉ ኣብ መጻኢ ዝረኽብዎ ነገራት ነተኵር። ከምዚ ምስ እንገብር: ካብ መንጎ እቶም “ኵሉ መዓልቲ” “ንዘለኣለም ኣለም” ንየሆዋ ልዕል ዘብሉን ዝባርኹን ዝውድሱን ናይ ምዃን ዘደንቕ ተስፋ ኽህልወና እዩ። (መዝሙር 145:1, 2) ስለዚ: ‘ንህይወት ዘለኣለም እናተጸበና ንርእስና ብፍቕሪ ኣምላኽ ንሓልዋ።’ (ይሁዳ 20, 21) ካብቲ ሰማያዊ ኣቦና ዘለዎ ዘደንቕ ባህርያት: እንተላይ ካብቲ ነቶም ዘፍቅርዎ ዘርእዮ ዓብዪ ሳህሉ ኣብ እንጥቀመሉ እዋን: ከምቲ ዳዊት “ኣፈይ ምስጋና እግዚኣብሄር ይዛረብ: ኵሉ ስጋ ኸኣ ንቕዱስ ስሙ ንዘለኣለም ኣለም ይባርኾ” ብምባል ነተን ናይ መወዳእታ ቓላት መበል 145 መዝሙር ከውስእ ከሎ ዝነበሮ ዓይነት ስምዒት ይሃልወና።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• መበል 145 መዝሙር እቶም ንኣምላኽ እሙናት ዘበሉ መን ምዃኖም ንኸተለሊ እትሕግዝ ብኸመይ እያ፧

• የሆዋ ‘ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ዘጽግቦ’ ብኸመይ እዩ፧

• ንየሆዋ ኣጸቢቕና ኽንቀርቦ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ንኣምላኽ እሙናት ዘበሉ ብዛዕባ እቲ ስልጡን ተግባሩ ምዝራብ የሐጕሶም

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ኣገልገልቲ የሆዋ ንዘይፈልጥዎም ሰባት ብዛዕባ ኽብሪ ንግስነቱ ብትብዓት የፍልጥዎም

[ምንጪ ስእሊ]

Animals: Parque de la Naturaleza de Cabárceno

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ “ንህያው ዘበለ ዅሉ” መግቢ ይህቦ

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ነቶም ብጸሎት ሓገዝ ክህቦም ዝደልዩ እሙናቱ ብርታዐን መምርሒን ይህቦም