ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕያውነትን ሓልዮትን የሆዋ ረኸብኩ

ሕያውነትን ሓልዮትን የሆዋ ረኸብኩ

ታሪኽ ህይወት

ሕያውነትን ሓልዮትን የሆዋ ረኸብኩ

ፋይ ኪንግ ዘዘንተወቶ

ወለደይ ሕያዎት እኳ እንተ ነበሩ: ልክዕ ከም ካልኦት ብዙሓት ሰባት ግን ሃይማኖት ዝበሃል ኣይፈትዉን እዮም ነይሮም። ኣደይ “ኣምላኽ ክህሉ ኣለዎ: እንተ ዘይኰይኑ ግን ንዕምባባታትን ኣግራብን መን ምፈጠሮ፧” ትብል ነበረት። ካብዚ ሓሊፋ ግን ዝገበረቶ ኣይነበረን።

ኣቦይ ብ1939 ጓል 11 ዓመት ከለኹ ሞተ: ኣብታ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ማንቸስተር ንደቡብ እትርከብ ከተማ ስቶክፖርት ድማ ምስ ኣደይ ዓበኹ። ወትሩ ብዛዕባ ፈጣርየይ ክፈልጥ እደሊ ነበርኩ: ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ዝፈልጦ እኳ እንተ ዘይነበረኒ: ኣኽቢረ ግን እርእዮ ነበርኩ። ስለዚ: ቤተ-ክርስትያን ዓዲ እንግሊዝ እንታይ ከም እትምህር ንምፍላጥ ናብታ ቤተ-ክርስትያን ክኸይድ ወሰንኩ።

እቲ ቕዳሰ ንዓይ ትርጕም ዘይብሉ እኳ እንተ ነበረ: በቲ ወንጌላት ክንበብ ከሎ ዝሰማዕክዎ ቓላት የሱስ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምዃኑ ኣመንኩ። ሕጂ ሕስብ ከብሎ ኸለኹ: ንምንታይ ብብሕተይ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘየንበብኩ ኣይርድኣንን እዩ። ጸኒሑ ሓንቲ ፈታዊተይ ዘመናዊ ትርጕም “ሓድሽ ኪዳን” ምስ ሃበትኒ እውን እንተዀነ ኣንቢበዮ ኣይፈልጥን እየ።

ብ1950 ውግእ ኮሪያ ምስ ተባርዐ: ከተሓሳስበኒ ጀመረ። ልክዕ ከም ካልኣይ ውግእ ዓለም እቲ ውግእ ናብ ካልኦት ሃገራት ይልሕም ደዀን ይኸውን፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ: ነቲ የሱስ ንጸላእተይ ከፍቅር ዝሃበኒ ትእዛዝ ከመይ ገይረ ክሕልዎ እኽእል፧ በቲ ሓደ ሸነኽ ግን ሰባት ንሃገረይ እናወረርዋ ስቕ ኢለ ኽርእዮም እኽእል ድየ፧ ከምኡ እንተ ገይረ: ሓላፍነተይ ኣይፈጸምኩን ማለት እዩ። ኣየናይ ቅኑዕ ምዃኑ እኳ እንተ ዘይፈለጥኩ: ንዅሉ ሕቶታተይ ዝኸውን መልሲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝርከብ እተኣማመን ነበርኩ። ብኸመይን ኣበይን ነቲ መልሲ ኸም ዝረኽቦ ግን ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረንን።

ኣብ ኣውስትራልያ ንሓቂ ምድላይ

ብ1954 ኣነን ኣደይን ናብታ ጂን ሓብተይ እትነብረላ ዝነበረት ኣውስትራልያ ኽንከይድ ወሰንና። ድሕሪ ገለ ዓመታት ጂን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ከም ዝነበረንን ናብ ቤተ-ክርስትያን ከም ዝኸይድን ብምፍላጣ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክበጽሑኒ ንኽመጹ ኸም ዝሓተተቶም ነገረትኒ። ብዛዕባኦም እንታይ ሓሳብ ከም ዘሎኒ ኽትፈልጥ ደለየት። “እቲ ዝህብዎ መብርሂ ቕኑዕ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ኣይፈልጥን እየ: እንተዀነ ግን: መብርሂ ብምሃቦም ጥራይ እኳ ኻብ ኣብያተ-ክርስትያን ዝሓሹ ይገብሮም እዩ” በለትኒ።

እቶም ክበጽሑኒ ዝመጹ ቢል ሽናይደርን ሊንዳ ሽናይደርን ዝበሃሉ ሰብ ሓዳር ተፈተውቲ እዮም ነይሮም። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ መወዳእታ 60ታት ዕድሚኦም ዝነበሩ ዀይኖም: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ዝዀኑ እውን ነዊሕ ዓመታት ገይሮም ነበሩ። ኣብቲ ኣብ ኣደላይድ ዝርከብ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝካየድ ዝነበረ መደበር ሬድዮ ይሰርሑ ነበሩ: ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዕዮ ስብከት ኣብ ኣውስትራልያ ምስ ተኣገደ ኸኣ ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላውያን ኰኑ። ቢልን ሊንዳን ብዙሕ እኳ ይሕግዙኒ እንተ ነበሩ: እተፈላለያ ሃይማኖታት እምርምር ነበርኩ።

ሓደ ግዜ ሓደ መሳርሕተይ ቢል ግርሃም ዝበሃል ወንጌላዊ ቐሺ ናብ ዝገበሮ ኣኼባ ወሰደኒ: ድሕሪ እቲ ኣኼባ ሓደ ቐሺ ሕቶታት እንተልዩና ሓተተ። ኣነ ድማ “ንጸላእትኻ ኣብ ውግእ እናቐተልካዮም: ከመይ ጌርካ ኢኻ ክርስትያን ክትከውንን ከተፍቅሮምን እትኽእል፧” ብምባል ነታ እትርብሸኒ ዝነበረት ሕቶ ሓተትክዎ። እታ ሕቶ እቲኣ ንዅሎም እቶም እተኣከቡ ተተሓሳስቦም ስለ ዝነበረት እዩ ክኸውን ዘለዎ: ኣብቲ ኣኼባ ዝነበሩ ብምሉኦም ያዕያዕ በሉ! ቍሩብ ጸኒሑ እቲ ቐሺ “መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣይፈልጦን እየ። ንዓይውን ክሳዕ ሕጂ ዘተሓሳስበኒ ጕዳይ እዩ” በለ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ: ምስ ቢልን ሊንዳን ኣብ ዝገብሮ ዝነበርኩ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ እስጕም ስለ ዝነበርኩ: መስከረም 1958 ተጠመቕኩ። ኣብነት እቶም መምህራነይ ክስዕብ ስለ ዝቘረጽኩ ኸኣ ንዓመታኡ ነሓሰ ስርዓታዊት ፓይነር ማለት ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላዊት ኰንኩ። ሸሞንተ ወርሒ ዝኸውን ጸኒሐ ፍልይቲ ፓይነር ክኸውን ጻውዒት ቀረበለይ። ጂን ሓብተይ እውን ኣብ መጽናዕታ ዕቤት ብምግባር ከም እተጠምቀት ምስ ፈለጥኩ ብዙሕ እየ ተሓጒሰ።

ሓደ ኣጋጣሚ ተኸፍተለይ

ኣብ ሓንቲ ኣብ ሲድኒ እትርከብ ጉባኤ ንሓያሎ ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እመርሕ ነበርኩ። ሓደ መዓልቲ ምስ ሓደ ዕድመ ብምድፋኡ ካብ ቅሽነቱ ዘቋረጸ ኣባል ቤተ-ክርስትያን ዓዲ እንግሊዝ ምስ ተራኸብኩ: እታ ቤተ-ክርስትያኑ ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም እንታይ ከም እትምህር ሓተትክዎ። ናይታ ቤተ-ክርስትያን ሰረተ-እምነት ን50 ዓመት ዝመሃረ እኳ እንተ ነበረ: “ንመጽሓፍ ቅዱስ ማዕረ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዘይፈልጦ: ነዚ ምርምር ንምግባር ግዜ የድልየኒ እዩ” ምስ በለኒ ግን ኣስደመመኒ።

ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: ኣብ ፓኪስታን ከገልግሉ ዝደልዩ ወለንተኛታት ንምርካብ ጻውዒት ቀረበ። ንጽል ሰብኡት ወይ ምርዑዋት ሰብ ሓዳር ደኣ እምበር ንጽል ኣንስቲ ክኸዳ ኸም ዘይክእላ ስለ ዘይፈለጥኩ ኣመልከትኩ። እታ ዝጸሓፍክዋ መመልከቲት ወረቐት ናብቲ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ተላኢኻ ክትከውን ኣለዋ። ከመይሲ: ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ዝደሊ እንተ ዀይነ ኣብታ ኣብ ህንዲ እትርከብ ከተማ ቦምበይ (ሕጂ ሙምባይ) ከገልግል ከም ዝኽእል እትገልጽ ደብዳበ መጸትኒ። እዚ ዝዀነ ብ1962 እዩ። ኣብታ ኸተማ ንዓመትን መንፈቕን ዝኸውን ምስ ኣገልገልኩ ናብ ኣላሃባድ ገዓዝኩ።

ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ቛንቋ ህንዲ ኽመሃር ጀመርኩ። እዚ ቛንቋ እዚ ዘለዎ ሕጊ ፊደላትን ኣደማምጻን ዘይቀያየር ብምዃኑ: ንኽትመልኮ ዘጸግም ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ገሊኣቶም ሰባት ደርጐስጐስ እናበልኩ ብቛንቋኦም ኣብ ክንዲ ዝዛረቦም: ብእንግሊዝኛ ኽዛረቦም ክሓቱኒ ኸለዉ ዝበዝሕ ግዜ የበሳጭወኒ ነበረ። ኣብዛ ሃገር እዚኣ ግን ዝምስጥን ባህ ዘብልን ብድሆታት የጋጥመኒ ነበረ: በቲ ምስቶም ካብ ኣውስትራልያ ዝመጹ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረኒ ርክብ እውን ባህ ይብለኒ ነበረ።

መንእሰይ ከለኹ ብዛዕባ ሓዳር እሓስብ ነበርኩ: ምስ ተጠመቕኩ ግን ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ትሕዝቲ ብምንባረይ ብዛዕባኡ ብዙሕ ኣይሓስበሉን እየ ነይረ። ይኹን እምበር: ዕድመ እናደፋእኩ ምስ ከድኩ: ኣብ ህይወተይ ብጻይ ዝዀነኒ ኸም ዘድልየኒ ኽስምዓኒ ጀመረ። እቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝፍጽሞ ዝነበርኩ ኣገልግሎት ክገድፎ ስለ ዘይደለኹ: ነገረይ ንየሆዋ ብጸሎት ድሕሪ ምግላጽ ነቲ ጕዳይ ካብ ኣእምሮይ ኣውጻእኩዎ።

ዘይተጸበኽዎ በረኸት

ኣብቲ ግዜ እቲ ኢድዊን ስኪነር ነቲ ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ህንዲ ዝካየድ ዝነበረ ዕዮ የተሓባብር ነበረ። ብ1946 እዚ ሓው እዚ ምስቶም ናብ ቻይና እተመደቡ ኸም እኒ ሃሮልድ ኪንግን ስታንሊ ጆንስን ዝበሃሉ እሙናት ኣሕዋት ኣብ ሻምናይ ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ብሓንሳእ ነበሩ። a ብ1958 ሃሮልድን ስታንሊን ኣብ ሻንጋይ ብዝፈጸምዎ ስብከት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነንበይኖም ተሓበሱ። ሃሮልድ ብ1963 ምስ ተፈትሐ: ኢድዊን ደብዳበ ጸሓፈሉ። ሃሮልድ ከኣ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብሪጣንያን በጺሑ ናብ ሆንግ ኮንግ ምስ ተመልሰ: መልሲ ኽጽሕፍ ከሎ ኽምርዖ ኸም ዝደሊ ገለጸሉ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ ብዛዕባዚ ኸም ዝጸለየ ድሕሪ ምግላጽ: ንኢድዊን እትሰማምዖ ሰበይቲ እትዀኖ ናይ የሆዋ ምስክር ዝፈልጥ እንተ ዀይኑ ኸማጽኣሉ ሓተቶ።

ኣብ ህንዲ መብዛሕትኡ መርዓ ሰብ ኣማጺኡልካ እዩ ዝግበር: ኢድዊን ከኣ ወትሩ ንኸማጽእ ይሕተት ነበረ። ንሱ ግን ከማጽእ ኣይደልን እዩ ነይሩ። ስለዚ: ነታ ሃሮልድ ዝጸሓፈሉ ደብዳበ ንሓንቲ ሩት ማካይ እትበሃል ሰበይቲ ሓደ ሆመር ዝበሃል ገያሺ ተዓዛቢ ሃባ። ሩት ድማ ሓደ ኣብ ሓቂ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ሚስዮናዊ: ሰበይቲ የናዲ ኸም ዘሎ እትገልጽ ደብዳበ ጸሓፈትለይ: ደብዳበ ኽጽሕፈሉ ፍቓደኛ እንተ ዀይነውን ሓተተትኒ። መንነት እቲ ሓው ኰነ ኻልእ ዝዀነ ይኹን ነገር ኣይነገረትንን።

ብጻይ ክረክብ ከም ዝጸለኹ የሆዋ እንተ ዘይኰይኑ ኻልእ ዝፈልጥ ሰብ ኣይነበረን። ኰይኑ ግን: ፈለማ ነቲ ሓሳብ ኣይተቐበልክዎን። ዝያዳ ብዝሓሰብኩሉ መጠን ግን የሆዋ መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ንሕና ዝሓሰብናዮ መገዲ ጸሎትና ኸም ዘይምልሰልና ኣብ መደምደምታ በጻሕኩ። ስለዚ: ነቲ ሓው ክምርዓዎ ቓል ዝኣቱ እኳ እንተ ዘይኰንኩ: ደብዳበ ንኽጽሕፈለይ ክትነግሮ ኸም እትኽእል ነታ ሓብቲ ገለጽኩላ። ሃሮልድ ኪንግ ዝሰደዳ ኻልአይቲ ደብዳበ ናባይ መጸት።

ሃሮልድ ካብ ቤት ማእሰርቲ ቻይና ምስ ተፈትሐ: ስእሉ ዀነ ታሪኹ ኣብ እተፈላለየ ጋዜጣታትን መጽሔታትን እዩ ወጺኡ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ውሩይ እዩ ነይሩ: ንዓይ ዝመሰጠኒ ግን ንኣምላኽ እሙን ብምዃን ዝፈጸሞ ኣገልግሎት እዩ። ስለዚ: ንሓሙሽተ ወርሒ ደብዳበ ድሕሪ ምጽሕሓፍ: ናብ ሆንግ ኮንግ ከድኩ። ብ5 ጥቅምቲ 1965 ድማ ተመርዓና።

ክልቴና ኽንምርዖን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክንቅጽልን ንደሊ ነበርና: ዕድመ እናወሰኽና ብዝኸድና ኸኣ ኣነ ዀንኩ ንሱ ብጻይ ደሊና ነበርና። ንሃሮልድ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኣፍቀርክዎ ኸድኩ: ምስ ሰባት ኣብ ዘለዎ ርክብ ኰነ ንኣገልግሎትና ብዝምልከት ኣብ ዘጋጥም ጸገማት ዘንጸባርቖ ሕያውነትን ሓልዮትን ክርኢ ምስ ጀመርኩ ኸኣ ዓሚቝ ኣኽብሮት ሓደረኒ። ን27 ዓመት ዘሐጕስ ሓዳር ነበረና: የሆዋ እውን ኣብዚሑ ባረኸና።

ቻይናውያን ጻዕራማት ብምዃኖም: ብዙሕ እፈትዎም ነበርኩ። ኣብ ሆንግ ኮንግ ዝዝረብ ካንቶኒዝ ዝበሃል ናይ ቻይናውያን ላህጃ ካብ ማንዳሪን ብዝያዳ እተሓላለኸ ብምዃኑ: ክትመልኮ ኸቢድ እዩ። ኣነን ሃሮልድን ምስ ተመርዓና: ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝርከብ መንበሪ ሚስዮናውያን ኴንና ኣገልግሎትና ጀመርና: ድሕርዚ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ኣገልጊልና ኢና። እወ: ኣዚና ሕጉሳት ነበርና: ብ1976 ግን ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ኣጋጠመኒ።

ንዘጋጠመኒ ናይ ጥዕና ጸገም ምጻሩ

ንእተወሰነ ወርሒ ደም ስለ ዝፈሰሰኒ: ብዝሒ ዋህዮታት ደመይ ኣመና ነከየ። መጥባሕቲ ኽገብር የድልየኒ እኳ እንተ ነበረ: እቶም ኣብ ሆስፒታል ዝርከቡ ሓካይም ግን መጥባሕቲ ኽገብሩለይ ከለዉ ደም ፈሲሱኒ ኽመውት ስለ ዝኽእል: ብዘይ ደም መጥባሕቲ ኽገብሩለይ ፍቓደኛታት ከም ዘይኰኑ ነገሩኒ። ሓደ መዓልቲ እቶም ሓካይም ብዛዕባይ እናተመያየጡ ኸለዉ: እተን ኣለይቲ ሕሙማት ብዘይጠቅም ምኽንያት ክመውት ከም ዘይብለይ ብምዝራብ ሓሳባይ ከቐይራኒ ፈተና። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ 12 መጥባሕቲ ኽግበር ተመዲቡ ነበረ: ካብዚ ድማ እቲ 10 ምንጻል ጥንሲ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ነተን ጥኑሳት ኣንስቲ ህይወት ደቀን የሕልፋ ብምህላወን ዋላ ሓንቲ ቓል እውን ትኹን ከም ዘይተዘርበን ኣስተብሃልኩ።

ኣብ መወዳእታ: እንተ ሞይተ እታ ሆስፒታል ተሓታቲት ከም ዘይትኸውን እትገልጽ ደብዳበ ሃሮልድ ምስ ጸሓፈሎም: እቶም ሓካይም መጥባሕቲ ኽገብሩለይ ፍቓደኛታት ኰኑ። ናብቲ መጥባሕቲ ዝግበረሉ ኽፍሊ ተወሰድኩ: መደንዘዚ ኽውጋእ ድማ ተዳለኹ። ኣብታ ናይ መወዳእታ ህሞት ግን እቲ መደንዘዚ ዝወግእ ሓኪም ፍቓደኛ ስለ ዘይኰነ: ካብቲ ሆስፒታል ወጻእኩ።

ድሕርዚ ኻብቲ ሆስፒታል ወጻኢ ዝሰርሕ ናይ ማሕጸን ሓኪም ኣማኸርና። ንኽብደት እቲ ጕዳየይ ስለ ዘስተውዓለ: ክንደይ ከም ዘኽፍለና ንዋላ ሓደ ሰብ እንተ ዘይነጊርና: ብዝተሓተ ዋጋ መጥባሕቲ ኽገብረለይ ፍቓደኛ ምዃኑ ነገረና። እቲ መጥባሕቲ ብዘይ ደም ተገብረለይ: ዕዉት ድማ ኰነ። ኣብቲ ግዜ እቲ የሆዋ ንዓይን ንሃሮልድን ሕያውነቱን ሓልዮቱን ኣርእዩና እዩ።

ብ1992 ሃሮልድ ከቢድ ሕማም ስለ ዝሓመመ: ናብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ገዓዝና። ኣብኡ ድማ ጽቡቕ ክንክን ተገብረልና። እቲ ፍቑር ብዓል ቤተይ ብ1993 ኣብ 81 ዓመቱ ምድራዊ ህይወቱ ወድአ።

ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምምላስ

ኣባል ስድራ ቤትኤል ሆንግ ኮንግ ብምዃነይ ሕጕስቲ እኳ እንተ ነበርኩ: ኣብታ ዓዲ ዘሎ ሃሩርን ጠልን ግን የጸግመኒ ነበረ። ድሕርዚ: ካብቲ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ንጥዕናይ ኣብ ግምት ብምእታው ናብ ዝሓሸ መሳለጥያታት ዘለዎ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ክግዕዝ ፍቓደኛ እንተ ዀይነ እትሓትት ደብዳበ ብሃንደበት መጸትኒ። ስለዚ: ብ2000 ናብ ዓዲ እንግሊዝ ተመሊሰ ብምኻድ ምስቶም ኣብ ለንደን ዝርከቡ ኣባላት ስድራ ቤትኤል ተጸምበርኩ። እዝስ ከመይ ዝበለ ፍቕሪ ዘንጸባርቕ ምድላው ኰን እዩ! ኣብኡ ጽቡቕ ኣቀባብላ ተገብረለይ: ነቲ 2,000 ጥራዛት ዘለዎ ናይቲ ስድራቤት ቤተ-መጻሕፍቲ ምእላይ ኰነ ኻልእ እተዋህበኒ በብዓይነቱ ዕዮታት እውን ብዙሕ እዩ ዘሐጕሰኒ።

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሓንቲ ኣብ ለንደን እትርከብ ናይ ቻይና ጉባኤ እየ ዝካፈል። እንተዀነ ግን: ኣብዚ ብዙሕ ነገራት እዩ ተቐያይሩ ዘሎ። ኣብዚ እዋን እዚ ኻብ ቻይና እንተ ዘይኰይኑ: ካብ ሆንግ ኮንግ ብዙሓት ሰባት ኣይመጹን እዮም። ቋንቋ ማንዳሪን ዝዛረቡ ብምዃኖም ድማ ኣብ ዕዮ ስብከት ሓድሽ ጸገማት እዩ ፈጢሩለይ። ኣብዛ ሃገር እዚኣ ኻብ ቻይና ምስ ዝመጹ ናይ ድሕረ-ምረቓ ተማሃሮ እተገብረ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገልጽ ብዙሕ ጸብጻባት ይስማዕ እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ጻዕራማትን ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሃርዎ ሓቂ ዘማስዉን እዮም። ምሕጋዞም እውን ሓጐስ እዩ ዘምጽኣልካ።

ሓድሓደ ግዜ ኣብዚ ሓድሽ ቤተይ በይነይ ኣብ ዝዀነሉ እዋን: ዘሐጕስ ህይወት ከም ዘሕለፍኩ እሓስብ: በቲ የሆዋ ዝገበረለይ ሕያውነት ድማ አስተንክር። ኣብ ኵሉ እቲ ምስ ዕላማታቱ ዝተኣሳሰር ነገራት ሕያውነቱ ዝንጸባረቕ ክኸውን ከሎ: ንኣገልገልቱ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ዘርእዮም ሓልዮት እውን ኣዝዩ ግሁድ እዩ። እምበኣር: ነቲ ኻብ ፍቕሪ ተለዓዒሉ ዝገበረለይ ሓልዮት ንኸመስግኖ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎኒ።—1 ጴጥሮስ 5:6, 7

[እግረ-ጽሑፍ]

a ታሪኽ ህይወት ናይዞም ክልተ ሚስዮናውያን ኣብ ናይ 15 ሓምለ 1963 ገጽ 437-42 ከምኡውን ናይ 15 ታሕሳስ 1965 ገጽ 756-67 ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ወጺኡ ኣሎ።

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ህንዲ ኸገልግል ከለኹ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ሃሮልድ ኪንግ ብ1963 ከምኡውን ብ1950ታት ኣብ ቻይና ኸገልግል ከሎ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ብ5 ጥቅምቲ 1965 ኣብ ሆንግ ኮንግ ኣብ መዓልቲ መርዓና

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ምስቶም ኣብ ሆንግ ኮንግ ዝርከቡ ኣባላት ስድራ ቤትኤል እተሰኣልክዎ፣ ሓው ሊያንግ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ኣብ ማእከል: ሓው ጋናወይ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ብየማን ኣለዉ