ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንፈሳውነትካ ኣብ ጥዕናኻ ዘለዎ ጽልዋ

መንፈሳውነትካ ኣብ ጥዕናኻ ዘለዎ ጽልዋ

መንፈሳውነትካ ኣብ ጥዕናኻ ዘለዎ ጽልዋ

መብዛሕትኡ ግዜኻ ንኣካላዊ ጥዕና ኣብ ምክንኻን ከም እተሕልፎ ዘጠራጥር ኣይኰነን። መዓልቲ መዓልቲ ሸሞንተ ሰዓት ኣብ ድቃስ: ገለ ሰዓታት መግቢ ኣብ ምኽሻንን ኣብ ምብላዕን: ከምኡውን ተወሳኺ ሸሞንተ ሰዓት መንበርን መግብን ንምርካብ ዘኽእለካ ገንዘብ ኣብ ምምእራር ተሕልፎ ትኸውን። እንተ ሓሚምካ ኸኣ ናብ ሓኪም ንምኻድ ወይ ባህላዊ መድሃኒት ንምድላው ግዜኻን ገንዘብካን ተጥፍእ። ቤትካ ተጽሪ: ነብስኻ ትሕጸብ: ከምኡውን ምውስዋስ ኣካላት ትገብር። እዚ ዅሉ ጥዕና ምእንቲ ኽትረክብ ኢልካ ኢኻ እትገብሮ።

ጽቡቕ ጥዕና ንኽህልወካ ግን ነቲ ብስጋ ዘድልየካ ነገራት ምምላእ ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። ኣብ ጥዕናኻ ኣገዳሲ ግደ ዘለዎ ኻልእ ነገር እውን ኣሎ። ኣካላዊ ጥዕናና ምስ መንፈሳዊ ጥዕናና ኣጸቢቑ ኸም ዝተኣሳሰር ናይ ሕክምና ምርምር ይሕብር እዩ።

ቀጥታዊ ምትእስሳር

ኣብቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሜልቦርን ዝዓዪ ፕሮፌሰር ሀድሊ ፒች “መብዛሕትኡ ነዚ ጕዳይ እዚ ብዝምልከት እተገብረ መጽናዕቲ ኣብ መንጎ ምውሳኽ መንፈሳውነትን ዝሓሸ ጥዕና ምርካብን ቀጥታዊ ምትእስሳር ከም ዘሎ እዩ ዝሕብር” በለ። ነዚ ብዝምልከት ዘ መዲካል ጆርናል ኦቭ ኣውስትራልያ ‘ሃይማኖታዊ ምዃን ምስ ዝተሓተ ጸቕጢ ደምን ምስ ዝተሓተ መጠን ከለስትሮልን ይተኣሳሰር: ናይ ዳንዱር መንሽሮ ንኽሕዘካ ዘሎ ኣጋጣሚ እውን ይንክዮ እዩ’ በለት።

ብተመሳሳሊ: እቲ ብ2002 ኣብ ከተማ በርክሊ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ ዘዳለዎ ኣብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝርከቡ 6,545 ሰባት እተገብረ መጽናዕቲ: “እቶም ሓንሳእ ኣብ ሰሙን ናብ ሃይማኖታዊ ኣኼባታት ዝኸዱ ሰባት: ምስቶም ሓሓሊፎም ዝኸዱ ወይ ፈጺሞም ዘይከዱ ሰባት ክወዳደሩ ኸለዉ ንኽሞቱ ዘሎ ኣጋጣሚ ኣጸቢቑ ዝንኪ” ዀይኑ ተረኽበ። እቲ ቐንዲ ኣካያዲ እቲ መጽናዕትን ኣብቲ ኣብ ካሊፎርንያ ዝርከብ በርክሊ ዩኒቨርሲቲ መምህር ኰይኑ ዝዓዪን ደግ ኦማን: “ንማሕበራዊ ርክባትን ከም ሽጋራ ምትካኽን ምውስዋስን ዝኣመሰለ ንጥዕና ዝጸሉ ነገራትን ኣብ ግምት ድሕሪ ምእታውና እውን ከይተረፈ እዚ ፍልልይ እዚ ርኢና ኢና” በለ።

ዘ መዲካል ጆርናል ኦቭ ኣውስትራልያ እቶም መንፈሳዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ዝረኽብዎ ኻልእ ረብሓታት ብዝምልከት “ኣብ ኣውስትራልያ እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዝሕብሮ እቶም ሃይማኖታውያን ሰባት ዝያዳ ድልዱል ሓዳር ዘለዎም: ዝወሓደ መጠን ኣልኮላዊ መስተ ዝሰትዩ: ሓሽሽ ዘይወስዱ: ርእሰ-ቕትለት ንምፍጻም ብዙሕ ድራኸ ዘይብሎምን ነዚ ተግባር እዚ ዝጻረሩን: ብዙሕ ሻቕሎትን ጭንቀትን ዘይብሎም: ከምኡውን ብዝያዳ ለጋሳት ኰይኖም ተረኺቦም” በለት። ኣብ ርእሲ እዚ: እታ ኣቐዲማ ዘ ብሪትሽ ሜዲካል ጆርናል ተባሂላ እትጽዋዕ ዝነበረት ቢ.ኤም.ጀይ. እትበሃል ጽሕፍቲ “እቶም ድልዱል መንፈሳዊ እምነታት ኣሎና ዝብሉ ሰባት ዝቐርብዎ ሰብ ምስ ዝሞቶም ካብቶም መንፈሳዊ እምነታት ዘይብሎም ሰባት ንላዕሊ ቐልጢፎም ሓዘኖም ምሉእ ብምሉእ ዝርስዕዎ እዩ ዝመስል” በለት።

ናይ ሓቂ መንፈሳውነት እንታይ ከም ዝዀነ ብዝምልከት እተፈላለየ ሓሳባት እዩ ዘሎ። ይኹን እምበር: መንፈሳውነትካ ኣብ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕናኻ ጽልዋ ኣለዎ። እዚ ዝረኣናዮ መርትዖ ምስቲ ኣስታት 2,000 ዓመት ይገብር የሱስ ክርስቶስ “እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዘድልዮም ዝግንዘቡ ሕጉሳት እዮም” ብምባል እተዛረቦ ሓሳባት ዝሰማማዕ እዩ። (ማቴዎስ 5:3 NW) ጥዕናኻን ሓጐስካን ብመንፈሳውነትካ ስለ ዝጽሎ: ‘ዘተኣማምን መንፈሳዊ መምርሒ ኻበይ እየ ኽረክብ ዝኽእል፧ መንፈሳዊ ሰብ ክበሃል ከሎኸ እንታይ ማለት እዩ፧’ ኢልካ ኽትሓትት ግቡእ እዩ።

[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Photo Credits: Page 18: Mao Tse-tung and Golda Meir: Hulton/Archive by Getty Images; Francis Ferdinand: From the book The War of the Nations; Hirohito, Lindbergh, & Einstein: U.S. National Archives photo; Stalin: U.S. Army photo; Roosevelt: Franklin D. Roosevelt Library; Churchill: The Trustees of the Imperial War Museum (MH 26392)