ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቅኑዕ ሕልና

ቅኑዕ ሕልና

ቅኑዕ ሕልና

ኣብ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ሓደ ዩኒቨርሲቲ ዝሰርሕ ቻርለስ ካብ ስርሑ ናብ ቤቱ ኽምለስ ከሎ: ሞባይል ጠፍኣቶ። ሞባይል ኣብ ኬንያ ኽቡር ዝዋግኡ ኣቕሓ ምቾት ጌርካ እዩ ዝርአ።

ቻርለስ “ዋላ ሓደ ሰብ ክመልሰለይ ኣይተጸበኹን ነይረ” በለ። ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ግን ካብቲ ኣብ ኬንያ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሌፎን ምስ ተደወለሉ ተገረመ። ናብቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት መጺኡ ሞባይሉ ኽወስድ ምስ ተነግሮ: ኣዝዩ ደንጸዎ! ሓደ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብታ ንሱ እተጓዕዘላ ማኪና ምስ ተሰቕለ: ነታ ተሌፎኑ ረኸባ። እቲ ኣገልጋሊ ነቲ ዋና እታ ተሌፎን ምእንቲ ኽረኽቡሉ ናብቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ሒዝዋ መጸ: እቶም ኣብኡ ዝርከቡ ወለንተኛታት ከኣ በቲ ኣብታ ተሌፎን ዝርከብ ቍጽሪ ገይሮም ንቻርለስ ረኸብዎ።

ቻርለስ ናብቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝሰደዳ ደብዳበ “እተፈላለየ ዕንቅፋታት እናሃለወ ኽነሱ ንዓይ ንምርካብ እተገብረ ጻዕሪ አማስወሉ እየ። ነቶም ነዛ ሞባይል እዚኣ ረኺቦም ናይ መን ምዃና ፈሊጦም ዝመለሱለይ ኣባላት ማሕበርኩም ልባዊ ምስጋናይ ይብጽሓዮም። ኣብዚ ግዜና ቕኑዓት ሰባት ምርካብ ቀሊል እኳ እንተ ዘይኰነ: ናይ ሓቂ መሰኻኽር የሆዋ ብምዃኖም ፍልይ ዝበሉ ሒደት ሰባት ምህላዎም ግን ዘተባብዕ እዩ” በለ።

ኣብ ብዘላ ምድሪ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብቕንዕናኦም ፍሉጣት እዮም። ነቲ “ቅኑዕ ሕሊና ከም ዘሎና ርግጸኛታት ኢና፥ ኣብ ኵሉ ጽቡቕ ንምግባርውን ድላይ ኣሎና” ዝበለ ሃዋርያ ጳውሎስ ይመስልዎ እዮም። (እብራውያን 13:18 ትርጕም 1990፣ 1 ቈረንቶስ 11:1) እዚ ድማ ከምቲ የሱስ “ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም: ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ: ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” ብምባል እተዛረቦ: ከምዚ ዝኣመሰለ ኣካይዳኦም ንየሆዋ ኣምላኽ ክብሪ ኸም ዘምጽኣሉ ይርድኦም እዩ።—ማቴዎስ 5:16