ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ብመንፈስ ዘድልየካ ነገራት እተማልኣሉ መገዲ

ነቲ ብመንፈስ ዘድልየካ ነገራት እተማልኣሉ መገዲ

ነቲ ብመንፈስ ዘድልየካ ነገራት እተማልኣሉ መገዲ

ሓንቲ መጽሔት “ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት መንፈሳውነት ኣብ ስራሕ ብዛዕባ ዘለዎ ግደ ዝገልጽ እተፈላለየ ኣርእስትታት ዘለዎ 300 ጽሑፋት ንመደበር መጻሕፍቲ ኣጥለቕሊቕዎ” በለት። (ዩ.ኤስ. ኒውስ ኤንድ ዎርልድ ሪፖርት) እዚ ድማ ኣብ መብዛሕትአን ዝበልጸጋ ሃገራት ዝነብሩ ሰባት መንፈሳዊ መምርሒ ንምርካብ ሃረር ከም ዝብሉ እዩ ዝሕብር። ትረይኒን ኤንድ ደቨሎፕመንት እትበሃል ናይ ንግዲ ጋዜጣ ነዚ ብዝምልከት “ቴክኖሎጂ ንዅሉ ህይወትና ኣብ ዝመርሓሉ ዘሎ እዋን ዝያዳ ትርጕምን ዕላማን ዘለዎ ህይወት ከምኡውን ዝሓሸ ዕግበት ነናዲ ኣሎና” በለት።

ንስኻኸ ካበይ ኢኻ ዘዕግብ መንፈሳዊ መምርሒ ኽትረክብ እትኽእል፧ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ሰባት “ዝያዳ ትርጕምን ዕላማን ዘለዎ ህይወት” ንምርካብ ካብ ሃይማኖታት መምርሒ የናድዩ ነበሩ። ኣብዚ ግዜና ግን ብዙሓት ሰባት ንሃይማኖታት ዝባኖም ሂቦምወን እዮም። ኣብ 90 ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎም ኣካየድቲ ስራሕ እተገብረ መጽናዕቲ “ሰባት ኣብ መንጎ ሃይማኖትን መንፈሳውነትን ንጹር ፍልልይ ይገብሩ ምህላዎም” ትረይኒን ኤንድ ደቨሎፕመንት ሓቢራ። እቶም ኣብቲ መጽናዕቲ እተሳተፉ ሰባት ንሃይማኖት “ዘይተጻዋሪ ዝገብረካን ፈላላዪን” ገይሮም ክርእይዎ ኸለዉ: ንመንፈሳውነት ግን “ሓፈሻውን ንዅሉ ዝሓቍፍን” ገይሮም እዮም ዝርእይዎ።

እቶም ኣብተን ከም እኒ ኣውስትራልያ: ኒው ዚላንድ: ዓባይ ብሪጣንያ: ከምኡውን ኣውሮጳ ዝኣመሰላ ዓለማዊ ኣረኣእያ ዝዓብለሎ ሕብረተሰብ ዝነብሩ ሓያሎ መንእሰያት እውን ኣብ መንጎ ሃይማኖትን መንፈሳውነትን ዘሎ ፍልልይ የስተብህሉሉ እዮም። ፕሮፌሰር ሩት ዌበር ኣብታ ዩዝ ስታዲስ ኣውስትራልያ ዘርእስታ መጽሔት “መብዛሕትኦም መንእሰያት ኣብ ኣምላኽ ወይ ኣብ ሓደ ዓይነት ልዕለ-ባህርያዊ ሓይሊ ይኣምኑ እኳ እንተዀኑ: መንፈሳውነቶም ኣብ ምንጽብራቕ ግን ንቤተ-ክርስትያን ኣገዳሲት ወይ ሓጋዚት ገይሮም ኣይርእይዋን እዮም” ኢላ ጸሓፈት።

ናይ ሓቂ ሃይማኖት መንፈሳውነት ተማዕብል

ሰባት ንሃይማኖታት ብዓይኒ ጥርጣረ ኽርእይወን ሓቆም እዮም። ሓያሎ ሃይማኖታውያን ማሕበራት ኣብ ፖለቲካዊ ውዲትን ግብዝናን ጥሒለን: በቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ውግኣት ዝፈሰሰ ደም ንጹሃት ድማ ተጨማሊቐን እየን። ይኹን እምበር: ገሊኣቶም ሰባት ካብተን ብግብዝናን ምትላልን ዝመልኣ ሃይማኖታውያን ማሕበራት ክርሕቑ ኸለዉ: እግረ-መገዶም ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ነገራት እዚ ዕሽሽ ይብሎ እዩ ኢሎም ስለ ዝሓስቡ ኻብኡ ብምርሓቖም ተጋግዮም እዮም።

ከም ሓቂ እኳ ደኣስ መጽሓፍ ቅዱስ ንግብዝናን ዓመጻን ይዅንኖ እዩ። የሱስ ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት “ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን: ወጻኢኡ ጽቡቕ ኰይኑ ዚርኤ: ውሽጡ ግና ኣዕጽምቲ ምዉታትን ርኽሰትን ዝመልኤ ልቕሉቕ መቓብር ትመስሉ አሎኹም እሞ: ወይለኹም። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ብላዕሊ ንሰብ ጻድቃን መሲልኩም ትረአይዎ: እቲ ውሽጥኹም ግና ግብዝናን ዓመጻን ምሉእ እዩ” በሎም።—ማቴዎስ 23:27, 28

መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት ካብ ኵሉ ፖለቲካዊ ጕዳያት ገለልተኛታት ክዀኑ እውን የተባብዖም እዩ። ኣመንቲ ንሓድሕዶም ክቃተሉ ዘይኰነስ: ሓደ ኣብ ክንዲ ሓደ ንሙማት እኳ እንተዀነ ፍቓደኛ ክዀኑ እዩ መምርሒ ዝህቦም። (ዮሃንስ 15:12, 13፣ 18:36፣ 1 ዮሃንስ 3:10-12) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተት ናይ ሓቂ ሃይማኖት ‘ዘይተጻዋሪ እትገብረካን ፈላላዪትን’ ዘይኰነትስ: ‘ንዅሉ እትሓቍፍ’ እያ። ሃዋርያ ጴጥሮስ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ [የልቦን]” በለ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35

መጽሓፍ ቅዱስ—ንመንፈሳዊ ጥዕናኻ ዝጠቅም ዘተኣማምን መምርሒ

ሰባት ብመልክዕ ኣምላኽ ከም እተፈጥሩ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። (ዘፍጥረት 1:26, 27) ከምዚ ኽበሃል ከሎ ደቅሰብ ከም ናይ ኣምላኽ ዝኣመሰለ ኣካላዊ መልክዕ ኣለዎም ማለት እኳ እንተ ዘይኰነ: ባህርያት ኣምላኽ ናይ ምንጽብራቕ: መንፈሳውነቶም እውን ናይ ምምዕባል ተኽእሎ ኸም ዘለዎም ዝሕብር እዩ።

ከምዚ ኻብ ኰነ እምበኣር: ኣምላኽ ብመንፈስ ዘድልየና ነገራት ዘማልኣልና ምድላዋት ክገብርን ንመንፈሳውነትና ዝጠቕመናን ዝጐድኣናን ነገር እንመምየሉ ግቡእ መምርሒ ኽህበናን ትጽቢት ክንገብረሉ ንኽእል ኢና። ከምቲ ኣምላኽ ካብ ዘጥቅዓና ሕማማት ንምክልኻልን ጥዕና ንኽንረክብን ኢሉ ንኣካላትና ብዘደንቕ ዓቕሚ ስርዓተ-ምክልኻል ኣዕጢቑ ዝፈጠሮ: ቅኑዕ ውሳነ ንኽንገብርን ኣካላዊ ዀነ መንፈሳዊ ጕድኣት ካብ ዘስዕበልና ነገራት ንኽንርሕቕን እውን ሕልና ወይ ኣብ ውሽጥና ሕሹዅ ዝብለና ነገር ሂቡና ኣሎ። (ሮሜ 2:14, 15) ከም እንፈልጦ እቲ ዓቕሚ ስርዓተ-ምክልኻልና ንኽዓዪ: ብዝግባእ ክንምገብ ኣሎና። ብተመሳሳሊውን ሕልናና ንኽሰርሕ: ጽቡቕ መንፈሳዊ መግቢ ኽንምግቦ ኣሎና።

የሱስ ብመንፈሳዊ መዳይ ጥዕና ንኽህልወና ዘኽእል ዓይነት መግቢ ኽገልጽ ከሎ: “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር: ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን” በለ። (ማቴዎስ 4:4) የሆዋ እተዛረቦ ነገራት ኣብ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ኣሎ: “ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ” ከኣ ይጠቅም። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) እምበኣር: ካብዚ መንፈሳዊ መግቢ ንኽንምገብ ጻዕሪ ምግባር ኣባና ዝግደፍ ተግባር እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ዝብለና ብዝያዳ ብዝፈለጥናን ስርዓታቱ ኣብ ግብሪ ብዘውዓልናን መጠን: ብመንፈስ ኰነ ብስጋ ዝያዳ ኢና እንጥቀም።—ኢሳይያስ 48:17, 18

ክንድዚ ዝኣክል ጻዕርስ ዝግብኦ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ መንፈሳዊ ጥዕናና ንኸነመሓይሽ ግዜ ኸም ዝሓትት ፍሉጥ እዩ። ሰባት ድማ ግዜ እናሓጸሮም ዝኸዱ ዘለዉ እዩ ዝመስል። እንተዀነ ግን: ነቲ እንረኽቦ ዓስቢ ኣብ ግምት ብምእታው ብሓቂ ክንድዚ ዝኣክል ጻዕሪ ዝግብኦ እዩ! ብስራሕ ትሑዛት ዝዀኑ ሰብ ሞያ ብመንፈሳዊ ዘድልዮም ነገራት ምምላእ ንዓታቶም ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት ክገልጹ ኸለዉ እንታይ ከም ዝበሉ እስከ ንርአ።

ሓኪም ኰይና እትዓዪ ማሪና ኸምዚ በለት:- “ኣብ ሆስፒታል ክሰርሕ ክሳዕ ዝጀመርኩሉን ነቲ ኻልኦት ዘሕልፍዎ ስቓይ ኣጸቢቑ ኽስምዓኒ ኽሳዕ ዝጀመረሉን እዋን ብዛዕባ መንፈሳውነተይ ፈጺመ ሓሲበ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ድሕሪኡ ግን ስርሐይ ሃታሃታ ዝመልኦ ብምዃኑ: ንሰባት ምእላይውን ዘጨንቕ ስለ ዝዀነ: ዕግበትን ህድኣትን ክረክብ እንተ ዀይነ መንፈሳዊ ነገራት ከም ዘድልየኒ ኣፍልጦ ኽህበሉን ንዕኡ ኸማልኦን ከም ዘሎኒ ኣስተውዓልኩ።

“ኣብዚ እዋን እዚ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ አጽንዕ ኣለኹ። እዚ መጽናዕቲ እዚ ተግባራተይን ድራኸይን ብሃናጺ መገዲ ንኽምርምር: ኣተሓሳስባይ ድማ ብኣወንታዊ መገዲ ንኸሰልጥን ኣኽኢሉኒ: በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ሚዛናዊ ናብራ እነብር ኣለኹ። ካብ ስርሐይ ብዙሕ ዕግበት ዝረክብ እኳ እንተ ዀንኩ: ኣሉታዊ ስምዒታተይ ብምቈጽጻር: ዝነበረኒ ውጥረት ብምንካይ: ከምኡውን ንሰባት ብዝያዳ ዕግስትን ደንጋጺትን ብምዃን ምስ ስምዒት እተተሓሓዘ ጥዕናይ ከም ዝመሓየሽ ዝገበረ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዐይ እዩ። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓለይ ኣብ ሓዳረይ እውን ጠቒሙኒ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ንየሆዋ ኽፈልጦን መንፈሱ ብእተወሰነ ደረጃ ብዘይ ዓጋቲ ኽረክብን ክኢለ እየ: እዚውን ንህይወተይ ዝያዳ ትርጕም ንኽህልዋ ኣኽኢልዋ።”

ናይ ስነ-ህንጻ ነዳፊ ኒኮላስ ከምዚ በለ:- “ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ቅድሚ ምጅማረይ: ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ተገዳስነት ኣይነበረንን። ኣብ ህይወተይ ዝነበረኒ ሓደ ሸቶ: ኣብ ዝመረጸክዎ ሞያ ዕዉት ምዃን እዩ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ምስ ጀመርኩ ግን ህይወት ብዙሕ ነገራት ዘጠቓልል ምዃኑ: ፍቓድ የሆዋ ምግባር ከኣ ናይ ሓቂ ሰላምን ነባሪ ሓጐስን ከም ዘምጽእ ተመሃርኩ።

“ስርሐይ ዕግበት ዘምጽኣለይ እኳ እንተዀነ: ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ብምትኳር ቀሊል ናብራ ምንባር ኣድላዪ ምዃኑ እተመሃርኩ ግን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ከምዚ ብምግባረይ ኣነን በዓልቲ ቤተይን ፍቕረ-ንዋይ ዝመልኦ ናብራ ኻብ ዘምጽኦ ብዙሕ ውጥረት ኣምለጥና። ምስቶም ከም ናትና ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ርክብ ስለ ዘሎና ድማ ብዙሓት ናይ ሓቂ ፈተውቲ ኣፍሪና።”

ጠበቓ ዀይኑ ዝዓዪ ቪንሰንት ከምዚ በለ:- “ጽቡቕ ስራሕ እተወሰነ ዕግበት ከምጽእ ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ሓጐስን ዕግበትን ንምርካብ ግን ካብዚ ንላዕሊ ዘድሊ ዀይኑ እየ ረኺበዮ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባዚ እንታይ ከም ዝምህር ቅድሚ ምፍላጠይ: ህይወት ፈጺምካ ዋጋ ዘይብሉ ዀይኑ እተሰምዓኒ እዋን ትዝ ይብለኒ። ትውለድ: ትዓቢ: ትምርዖ: ደቅኻ ንምዕባይ ዘድልዮም ነገራት ንምምእራር ትሰርሕ: ተመሳሳሊ ዑደት ህይወት ንኽስዕቡ ተሰልጥኖም: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኣሪግካ ትመውት።

“ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ድሕሪ ምጅማረይ እየ ነቲ ብዛዕባ ዕላማ ህይወት ዝነበረኒ ሕቶታት ዘዕግብ መልሲ ዝረኸብኩሉ። መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዐይ ንየሆዋ ኣጸቢቐ ንኽፈልጦን ንዕኡ ዓሚቝ ፍቕሪ ንኽሓድረንን ኣኽኢሉኒ። እዚ ኸኣ ምስ ዕላማኡ ተሰማሚዐ ኽነብር ኣብ ዝጽዕረሉ ዘለኹ እዋን ቅኑዕ መንፈሳዊ ኣረኣእያ ንኽህልወኒ መሰረት ኰነኒ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ንህይወትና ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ትርጕም ብዘለዎ መገዲ ንመርሕ ብምህላውና ዕግበት እዩ ዝስምዓና።”

ንስኻውን መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ ዕላማን ትርጕምን ዘለዎ ህይወት ክህልወካ ይኽእል እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓጒሶም ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ልክዕ ከም ማሪናን ኒኮላስን ቪንሰንትን ብዛዕባ የሆዋ ከምኡውን ብዛዕባቲ ንደቅሰብ ብሓፈሻ ዀነ ንዓኻ ብፍላይ ዘለዎ ዕላማታት ብምፍላጥ ዕግበት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብመንፈሳዊ ዘድልየካ ነገራት ብምምላእካ ሕጂ ሓጐስ ትረክብ ጥራይ ዘይኰነስ: ምሉእ ኣካላዊ ጥዕና ሃልዩካ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ተስፋ እዚ ግን ነቶም “መንፈሳዊ ነገራት ከም ዘድልዮም ዝግንዘቡ” ጥራይ እተኸፍተ እዩ።—ማቴዎስ 5:3 NW

ሓደ ኻብቲ መንፈሳውነትና ኸነማዕብለሉ እንኽእል መገዲ ጸሎት እዩ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ግዜ ወሲዱ ነታ ብልምዲ ኣቡነ-ዘበሰማያት ተባሂላ እትፍለጥ ጸሎት ብምንጋር ብኸመይ ክጽልዩ ኸም ዝኽእሉ መሃሮም። እዛ ጸሎት እዚኣ ኣብዚ ግዜና ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዋ፧ ካብታ ጸሎት ብኸመይ ክትጥቀም ትኽእል፧ ኣብ ዝቕጽል ክልተ ዓንቀጻት መልሲ ናይዚ ኽትረክብ ኢኻ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ማሪና

ኒኮላስ

ቪንሰንት